ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 84 ክፋል
ካስትሮ ንርሂጸ በላዕ ተፋንዩዋ ምስ ተበገሰ ድሕሪ ናይ ፍርቂ ሰዓት ጕዕዞ ብደቡብ ምዕራብ ዝተበገሰ ንፋስ ንእግረ መንገዱ እዚ ዘይብሃል ድኹም ሑጻ እናተሰከመ ነቲ ከባቢ ብካምሲን ዓብለኾ። ገና ጸሓይ ከይዓረበት ከላ ድማ ሃይሊ ወሲኹ ገጹ ክግጭቦን መሬት ከጸልምትን ጀመረ። ኣእጋሩ ሰልሚ ከም ዝረገጸ ሰብ ኣብ ብርቱዕ ሑጻ እናተሸኽለ፡ ነዒንቱ ካብ ካምሲን ከድሕን ርእሱ ኣድኒኑ ገፈፍ እናበለ ንክልተ ሰዓት ዝኣክል ተጓዕዘ። ብጽምኢ ማይ ተጠቒዑ ንካልኣይ ግዜ ካብ ብራኳኡ ሰተየ። ካብ ፍርቂ ሊትሮ ዘይበዝሕ ማይ ከም ዝተረፎ ምስ ፈለጠ፡ ዒራ ቀልጢፈ ክበጽሕ’የ ኢሉ ማይ ዘይምቝጣቡ ኣዝዩ ኣጠዓሶ። ሰዓቱ ርእዩ ሸውዓተን ፈረቓን ከም ዝሓለፈ ምስ ተረድአ ክጠራጠር ጀመረ። ኣብ ዝኾነ ደቒቕ መራፊት ህሩግ ኢሉ ክኣቱ ዝነበሮ ተስፋ ክምህምን ድማ ተራእዮ። ይኹን’ምበር ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ተስፋ ከይቈረጸ ክጐዓዝ ብምውሳን ጕዕዞኡ ቀጸለ።
ጸሓየ በየን ከም ዝዓረበት ኣስተውዒሉላ ስለ ዝነበረ ንደቡብ ገጹ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ርግጸኛ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንምዕራብ ገጹ በሊዑ ከይህሉ ስለ ዝተጠራጠረ ንምብራቕ ሸነኽ እናሰረቐ ተጓዕዘ። ብኸምዚ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ምስ ቀጸለ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ከም ዘሎ ተረድኦ። ከዋኽብቲ ይኹን ወርሒ ኣብ ዘይረኣየሉ ሰማይ መኣዝኑ ክፈልጥ ስለ ዘይክእል ካምሲን ዝግ ክብለሉ ተጸብዩ፡ ብድሕሪኡ ብመብራህቲ ጋራጅ መራፊት ተመሪሑ ጕዕዞኡ ክቕጽል ዝሓሸ ኮይኑ ተሰምዖ። ቍሩብ ኰለል ኢሉ ከባቢኡ ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብርኽ ዝበለ ቦታ መሪጹ ድማ ዝባኑ ኣንጻር ሓይሊ ገጹ ዝግጭቦ ዝነበረ ንፋስ ገይሩ ረፈጥ በለ። ብድኻም ኣብራኹ ወለል ኢሉዎ ስለ ዝነበረ ኣየላበወን ንእለቱ ደቀሰ።
ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ብር ኢሉ ተስአ። ምድረሰማይ ቀሊዑ፡ ካምሲን ከኣ ጠሪሹ ደው ከም ዝበለ ምስ ተዓዘበ ተስፋ ገበረ። ብክቱር ጥሜት ከብዱ ምስ ሕቘኡ ክላገብ ቀሪቡ’ኳ እንተ ነበረ፡ ጥሜት ክጻወሮ ከም ዝኽእል ተገንዚቡ ፋዕራ ኣይሞተሉን። ንመተርከስ ጐረሮኡ ጥራይ ቍሩብ ማይ ምዒጉ ዳግማይ ከባቢኡ ድሕሪ ምዕዛብ መንገዱ ክቕጽል ብድድ በለ። ሚዛኑ ከም ዘጥፍአ ሰኽራም ሰብ ሰንከልከል ድሕሪ ምባል፡ ህርምቲ እግሩ ቃንዛ እናገበረትሉ ክስጕም ጀመረ። ሰብነቱ ክሰንፍ ስለ ዝቐረበ ግን ይሳለ’ምበር ይስጕም ነይሩ ክብሃል ኣይከኣልን። ብገምጋም ኣብ ሰዓት ክልተ ኪሎሜተር እናተጓዕዘ ንኽልተ ሰዓት ድሕሪ ምኻድ ብርሑቕ መብራህቲ ተራእዮ። ተዳኺሙ ዝነበረ ፍናኑ ክብ ኢሉ ሓድሽ ሓይሊ ተሰምዖ። ስጕምቱ ብምቕልጣፍ ብተስፋ ናብቲ መብራህቲ ዝረኣየሉ መኣዝን ተጓዕዘ። ኣብራኹ ራዕራዕ ኢሉ ክጠልሞ ክሳዕ ዝደሊ ንፍርቂ ሰዓት ጐሰስ ድሕሪ ምባል፡ ማይ ባሕሪ ክጨንዎን ተሪር መሬት ክረግጽን ምስ ጀመረ ኣብ ጥርጣረ ኣተወ። ኣብ ዝነበሮ ደው ኢሉ ንቕድሚኡ እንተጠመተ፡ ኣዝያ ርሒቓ ደው ኢላ ናይ ዘላ ዓባይ መርከብ መብራህቲ ምዃኑ ኣስተውዓለ። እቲ ዅሉ ድኻሙ ንብላሽ ከም ዝኾነ ተጋህደሉ። ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮይኑ ቅስሙ ተሰብረ። ፍናኑ ተጸንቂቑ ንሓጺር ህሞት ኣብ ዝነበሮ ከም ሓወልቲ ደሪቑ ትም በለ።
ኣስታት ሸውዓተ ሰዓታት ተጓዒዙ ከንቱ ምትራፉ ከይኣክል ዝነበሮ ማይ ክቝጥብ ብዘይምሕሳቡ ምስ ነፍሱ ኣንጸርጸረ። ‘ሺት!’ ኢሉ ነታ ክልተ መዓጐ ዝኸውን ማይ ዝነበራ ብራኳን ተወሳኺ ጸገም ኮይናቶ ዝነበረት ስምያስን ደርብዩ ኣብ መሬት ረፋዕ በለ። ንገለ ካልኢታት ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱዎ ናብ ዕኑድ ተቐየረ። ከም ቈልዓ ክነብዕ ቍሩብ ተረፎ። ልዕሊ ንብዓት ግን ብጓሂ መዓንጣኡ ሓሪሩ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፍኦ። ንዓሰርተ ደቒቕ ዝኣክል ሓንጐሉ ድሕሪ ምጭናቕ ኣንጸርጺሩ ዘፍርዮ ነገር ከም ዘይህሉ ተረዲኡ ብርግኣት ክሓስብ ፈተነ። መራፊት ንምዕራቡ ክትህልው ከም እትኽእል ርግጸኛ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንደቡብ ምዕራብ ድዩ ብቐጥታ ንምዕራብ ግን ርግጸኛ ኣይነበረን። ከባቢኡ ካብ ፈለጠ ግን ገጹ ገልቢጡ ንምዕራብ ገጹ እንተ ተጓዒዙ ይንዋሕ ይሕጸር መንገዲ መራፊት-ዓይተርባ-ቃሮራ፡ ወይ መራፊት-ቶኮር ከም ዝረክብ ገምገመ።
ሰዓት ሓሙሽተን ርብዕን ናይ ወጋሕታ ዝደርበያ ብራኳ ኣልዒሉ፡ ተሪፈናኣ ዝነበራ ክልተ መዓጐ ዝኾና ማይ ገልጢሙ መሬት ብዝዘበጠ ፍናን ገፈፍ እናበለ ተበገሰ። ኣብ መንጎ ርሂጸበላዕ ተራእየቶ። ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰዓት ክምለስ’የ ኢሉዋ ክብገስ ከሎ ከም ሕልሚ ኮይኑ ተራእዮ። “ቦታ ኣይትፈልጥ፡ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእል፡ እኹል ማይ የብላ፡ ሳክት ለኪመያ! ሰኣን ረዳኢ ብላሽ ክትጠፍእ’ያ መስኪነይቲ!” ኢሉ እናሓሰበ ደርገፍ ምባል ቀጸለ። ህርምቲ እግሩ ግን ክትሕዞ ጀመረት። ልዕሊ ዅሉ ግን ጽምኢ ማይ ከፊኡዎ ጐረሮኡ ጋርጋር በሎ። ጽርግያ ክረክብ እናተሃንጠየ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ጐተት እናበለ ድሕሪ ምኻድ፡ ብድኻምን ጽምኢ ማይን ተጠቒዑ ከይተረድኦ መቐመጫኡ ክሳዕ ዘሕሞ ኣብ ትርር ዝበለ መሬት ረፈጥ በለ።
ወዲሰብ ካብ ዝተፈላለየ ነገራት ክፈርሕ ይኽእል’ዩ። ዘፍርሖ ነገራት’ውን ከም ብዝሑ፡ ብዓይነቱ’ውን ይፈላለ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ግን ነታ ውዒላ ሓዲራ ዘይትተርፎ ሞት ከም ቍርን ኣስሓይታን ይፈርሓ። ብርግጽ ወላ’ቲ ተባዕ’የ ኢሉ ዝምካሕ ሰብ ንሞት ብፍሱህ መንፈስ ኣይቅበላን’ዩ። ካስትሮ ድማ ከም ዝኾነ ፍጡር ንጀመርያ ግዜ ፍርሒ ተሰምዖ። ካብ ሞት ዘይኮነ ግን ቅድሚ ሞት ካብ ዘሎ ስቓይ። “ወዲ ሰብ ክስዋእ እንተኾይኑ ጋቢናኡ (ሽክና ርእሱ) ክትክፈት ኣለዋ። ሽዑ’ዩ ብዘይ ስቓይ ዝካረጅ፡” ይብል ስለ ዝነበረ፡ ደቂ መስርዑ በዛ ዘረባ’ዚኣ ኣይርስዑዎን’ዮም። ሕጂ ግን ጥይት ኣበይ ትረኸብ! ስጕጡ ንርሂጸበላዕ ምሕዳጉ ኣጣዓሶ። ዳግም ሓሲቡ ግን፡ “ንሳ’ውን ከማይ ሰብ’ያ፡ እንቋዕ ገደፍኩላ። ንዓይ ይጥዓመኒ ምባልል ጌጋ እዩ። ምናልባሽ ዘድሕና ሰብ እንተ ዘይረኺባ ካብ ዘሰቅቕ ዘገምታዊ ሞት ንምድሓን ትጥቀመላ፡” ኣብ ዝብል መደምደምታ ወደቐ።
መሬት ወገግ ክብል ርእዩ ጸሓይ እንተ በሪቓ ቅድሚ ዝኣገረ ጽምኢ ማይ ክኸፍኦ ምዃኑ ከሎ ገና ተጋህደሉ። ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸበባ ክወጽእ ከም ዘይክእል ድማ ኣብ መደምደምታ በጽሐ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝረኣያ ኣሰቃቒት ፊልም ዘኪሩ ሰብነቱ ግንብንብ በሎ። ኣብታ ፊልም፡ ሓደ ብጽምኢ ማይን ድኻምን ተኻኢሉ ትልኽ ዝብል ወዲ ሰላሳ ዓመት ዝኸውን መንእሰይ፡ ኣሞራ ሰማይ ደንዲኖሞ ትንፋሱ ከይሓለፈት ከላ፡ በቲ በሊሕ ኣፎም ኣዒንቱን ኣፍንጫኡን ክመናጭቱዎ ከለዉ በእዳዉ ያዕ ክብሎም ይኹን ድምጺ ክህብ ከም ዘይከኣለ’ዩ ዝርአ። ካስትሮ እቲ ኣሰቃቒ ፍጻሜ ኣብ ልዕሊኡ ክድገም ዝቀራረብ ዘሎ ትራጀዲ ገይሩ ስለ ዝወሰዶ መጺጽ ነገር ከም ዝበልዐ ኣዒንቱ ዓመተ። ኣብ ፊቱ ናብ ዝነበረት ቈጥቋጥ እናጠመተ ብዛዕባ ጠንቅን ሳዕቤንን፡ ጽሕፍቶን ኣጋጣምን፡ ሞትን ህይወትን ዝብሉ ኣምራት ኣልዒሉ ምስቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸበባ ከተኣሳስሮ ብምህቃን ንገለ ካልኢታት ኣብ ናይ ሓሳብ ሓሸውየ ሓምበሰ።
ናብ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝቀራረብ ናይ ቃልሲ ተሞክሮኡ ንጽንዓቱ ዝተፈታተኑ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን፡ ንዘለኣለም ዘይርስዖም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኣዕጽምቶም ዝተሓምሸሸ ስጋኦም ከኣ ዝተረፍተተ ከም በዓል ሃለቃ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ብጾቱ ከም ስእሊ ተራእዩዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ወዲሰብ ትንፋሱ ካብ ስጋኡ ተፈልያ ናብ በድኒ ክሳዕ ትቕየር ተስፋ ክቘርጽ የብሉን ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሐ። ሕልናኡ ወቒሱ ድማ ክሳዕ ዝወድቕ ክጐዓዝ ብምውሳን ብሓዲሽ መንፈስ ብድድ ክብል ፈተነ። መላግቦታት ኣዕጽምቱ ብምሉኡ ሸቕ ሸቕ እናበሎ ስኑ ነኺሱ ተስአ። ሓቦ ገይሩ’ምበር መልሓሱ ደሪቑ፡ ከናፍሩ ፈንካሕካሕ ኢሉ፡ ኣዒንቱ ድማ ኣብ ንኣሽቱ ጐዳጕዲ ዝኣተዋ ዓረራት መሲለን ነበራ። ብዝኾነ ሕልናኡ ከየዕረበ ሰልከም ክብል ጀመረ። ዝረግጾ ዘሎ መሬት ከይረኣየ ንኣስታት ክልተ ሚእቲ ሜትሮ ምስ ከደ ጸሓይ በሪቓ ከም ሕሱም ዝባኑ ክትሃርሞ ጀመረት። ንዕስራ ደቓይቕ ከይከደ ኣዒንቱ ጸልመቶ፡ ኣብራኹ’ውን ፈጺሙ ክጠልሞ ቀረበ። ናይ መወዳእታ ሰዓቱ ከም ዝቐረበ ተረድኦ።
ብጽምኢ ማይ ከም ዝተሰነፈ ተረዲኡ ብዓቕሊጽበት የማነጸጋሙ ቍሊሕ እንተ’በለ፡ ብማዕዶ ሓንቲ ካብተን ካልኦት ዝሓሸት ግን ንርእስኻ’ኳ መጽለሊ ዘይነበራ ሓጻር ሕጩም ተዓዘበ። ሰለይ እናበለ ናብኣ ብምኻድ ከኣ ብቐስታ ኣብ እግራ ኮፍ በለ። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ሃንደበት ሓደ ፍታሕ ይኾነኒ እዩ ዝበሎ ሓሳብ ተቐልቀሎ። እቲ ዝሕልሕል ዝብል ገረብ ብዘይ ማይ ህይወት ክህልዎ ስለ ዘይክእል ኣብ ትሕቲኡ ማይ ክህልው ኣለዎ ዝብል ተስፋ ኣሕደረ። ኣብ ክንደይ ሓይሉ ተደቢሩ ኣብ እግር’ቲ ሕጩም ክፍሕር ጀመረ። ኣጻብዕቱ ሓውሓው ክሳዕ ዝብሎ ድሕሪ ምጽሕታር፡ ኣሰር ጠሊ’ውን ስለ ዘይረኸበ ቀቢጹ ኣቋረጾ። ብዓንተቦ ዝጸበቦ ዓረብ መቓብር ኣቦኡ ፋሕተረ፡ ከም ዝብሃል ዝተሸገረ ሰብ ዘይገብሮ ስለ ዘይብሉ እዩ’ምበር፡ ኣብቲ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብሰንኪ ጽምኢ ዝሃለቑሉ ቦታ ማይ ክትረክብ ኢልካ ካብ ምሕሳብ በቕሊ ክትወልደልካ ምጽባይ ይቐልል ነይሩ።
ነቲ ከትከት ዝብል ቈጽሊ ሕጩም ብጻብዕቱ ከራማስስ ጸኒሑ ደሪቑ ንዝነበረ መልሓሱ እንተ ኣተርከሰሉ ሽምጥጥ ኣቢሉ ከም ማስቲካ ክሓይኮ ፈተነ። መልሓሱ ጐምዚዙዎ ግን ብቕጽበት ጡፍ በሎ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝነበሮ ኮፍ ኢሉ ብማዕዶ ቍሩብ ከጽልለላ ዝኽእል ዓባይ ገረብ ርእዩ ሰልከም እናበለ ናብኡ ክበጽሕ’ሞ ዝረኸበ ክሳዕ ዝረኽቦ ኣብኡ ክድቅስ ወሰነ። እቲ ርሕቀት ብግምት ሰለስተ ሚእቲ ሜትሮ ኣቢሉ ይኸውን። “ማይ ከም ኣየር ክኸውን ነይሩዎ፡” እናበለ ብሓይሊ ተሲኡ ከም ሰኽራም ሰንደልደል እናበለ ንገለ ሓምሳ ሜትሮ ድሕሪ ምኻድ ብርሑቕ ሓንቲ ዝተጻዕነት ገመል መሪሑ ናብ ቃሮራ ገጹ ዝኸይድ ሰብ ተዓዘበ። እቲ በዓል ገመል እናረሓቐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ክጽውዖ ፈተነ። ጐረሮኡ ብጽምኢ ማይ ስለ ዝደረቐ ግን ኣፉ ተለኺቱ ከድምጽ ኣይከኣለን። ከርክቦ ዘይሕሰብ’ኳ እንተ ነበረ ናይ ሞትን ህይወትን ሕቶ ስለ ዝኾኖ ዘለዎ ሓይሊ ኣኻኺቡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሉ ንዕስራ ሜትሮ ምስ ከደ፡ ሓይሉ ጸንቀቐ’ሞ ተዓንቂፉ ጻሕ ኢሉ ወደቐ። ሒዙዋ ዝነበረ ብራኳ ንቕድሚት ከረውረው በለት። ሓንሳብ ምስ ወደቐ ስለ ዘይተስአ ድማ ዘልዕላ ኣይረኸበትን።
ይቕጽል
መበል 85 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ