ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 11
መበል 81 ክፋል
ዓለም ከም ሓንቲ ክትነብረላ እተብህግ መዕረፊ ኣጋይሽ ዘይኮነ፡ ከም ሓንቲ ክንሞተላ ዝተዳለወት ሆስፒታል ክንቈጽራ ይግብኣና።
ኤድመንድ በርክ
ድሕሪ ተበግሶ ካስትሮ ኣብ መራፊት ሱዳን ተመደበ። መራፊት ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ሱዳን እትርከብ ሓይሊ ኤለትሪክ፡ ርክብ ቴለፎን፡ ንጽህናኡ ዝተሓለወ ማይን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘይብላ ኣዝያ ንእሽቶ ዓዲ እያ።
እቲ ሰንጢቑዋ ዝሓልፍ እንኮ ጽርግያ ሓመድ ብሰሜን ምስ ቶከር፡ ስዋኪንን ፖርትሱዳንን፡ ብደቡብ ከኣ ምስ ዓይተርባን ኣብ ዶብ ኤርትራ እትርከብ ቃሮራን የራኽባ። ኵነታት ኣየር መራፊት፡ ይትረፍ ዘራእቲ ክበቝሎ ወዲሰብ ንኽነብሮ’ውን ዘተባብዕ ኣይኮነን። ኣብቲ ቦታ ዝኽሰት ሙቐት ዝበዝሕ ግዜ ልዕሊ ኣርባዓ ዲግሪ ዝበጽሕ መግሃር’ዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ከባቢ ወርሒ ሸውዓተ ብስም ኮርባራካ ዝፍለጥ ውሕጅ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ተስኪሙዎ ዝመጽአ በሽሓት ቶናት ዝቝጽር ስቡሕ ጠሊ ዝተሰከመ ሓመድ ብምንጻፍ ስለ ዘተርክሶ፡ እቲ ከባቢ ትንፋስ ይዘርእ። እቲ ንኣዋርሕ ብብርቱዕ ረስኒ ናብ መቝሎ ተቐዪሩ ዋርዋር ዝብል ዝነበረ ጐልጎል ድማ፡ ውሕጅ ምስ ኣቋረጸ ዝተፈላለየ ኣሕምልትን ኣኽልን ስለ ዝበቝሎ ክትርእዮ ናብ ደስ ናብ ዝብል ልሙዕ ቀጠልያ ይቕየር። ከም ሳዕቤን ድማ ብሰንኪ ጨፈቃን ሰፋሕቲ ዘራእትን ጽርግያ ስለ ዝዕጾ፡ ንውሱን ኣዋርሕ ምንቅስቓስ መካይን ጠሪሹ የቋርጽ።
መዓስከር መራፊት ብሸነኽ ደቡብ ናይታ ዓዲ ዝተደኰነ ኮይኑ፡ ንጨንፈር ኢደ ስራሓት፡ መጓዓዝያን ጨንፈር ዕጥቅን ስንቅን ዘጠቓለለ ዓቢ ደጀን ህዝባዊ ግንባር’ዩ። ነፍስወከፍ ኣሃዱ በብማእከልነቱ ዝምእዘዝን ነናቱ ስራሓትን ዘለዎን’ኳ እንተ ነበረ፡ መነባብሮ ይኹን ማእቶታዊ ስራሓት፡ ሴሚናራት ይኹን ባህላዊ ንጥፈታት ብጥርኑፍ’ዩ ዝካየድ።
ካስትሮ ኣብ ጽቡቕ ወቕቲ ስለ ዝመጽአ፡ በንጻር’ቲ ብወረ ዝሰምዖ ዝነበረ ካምሲንን ሓያል ሙቐትን፡ ምቹእ ክሊማን ክትርእዮ ባህ ዘብል ጠጥዕን’ዩ ተቐቢሉዎ። ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚራ ክሳብ የካቲት ኣብ ዘሎ ወቕትዚ ዝበዝሕ ግዜ ደበና፡ ሳሕቲ ድማ ካፋ ስለ ዝገብር መራፊት ነርባዕተ ኣዋርሕ ናብ ሓንቲ ክትነብራ ተወናውን ለምለምን ውቅብትን ዓዲ እያ ትቕየር።
ኣብ ወርሒ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካምሲን ተላዒሉ ንመሬት የጸልምቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓያል ንፋስ እንተ’ሰንዩዎ ጻኦቅን ቅልጣፈን ስለ ዝውስኽ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ነገር ይዕበ ይንኣስ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ከም ዘይነበረ ክደብዮ ይኽእል። ኣብዚ ወቕት’ዚ ነበርቲ መራፊት ካብ ከባቢኦም ኣርሒቖም ክንቀሳቐሱ ልሙድ ኣይኮነን።
ካስትሮ ከም ምኽትል ሓላፊ ኢደስራሓት’ዩ ኣብ መራፊት ተመዲቡ። ዕማም ፖለቲካዊ ትምህርቲ’ውን ንዑኡ ይምልከት። ከም ኣብ ዝኾነ ኣሃዱ ኣብ መራፊት’ውን ኣብ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝተናውሐ ኵናት ዝብል መጽሓፍ ነይሩ። እቲ መደብ ኣብ ውሱን እዋን ክውዳእ ስለ ዝነበሮ፡ ንግሆ ንግሆ መዓስከር ምሉእ መግለጺ ድሕሪ ምስማዕ፡ ግዜ ቍርሲ ክሳዕ ዝኣክል ክካታዕን ዘይተረድኦ ነገር ክሓትትን የርፍድ።
ካስትሮ ሳላ ሕዉስ ጠባዩ፡ ምስ ተራ ኣባላት ይኹን ሓለፍቲ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይሩዎ። ከም ንጥፈት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ይዋሳእ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዘይሰድድ ስራሕ ተሸሚሙ መሬት ከይተፈለጦ ይወግሕ ይዓርብ ነይሩ። ወርሒ ሽዱሽተ ኣብ ምዝዛማ ናይ ኣጋምሸት፡ ካስትሮ ክሹኽ ተዓጢቑ ጸብጻብ እናዳለወ ከሎ ካብ ግንባሩ ዝነዝዐ ረሃጽ እናናሳዕ ዝክሽዅ ይደርዞ ነበረ። ኣጻብዕቱ እናረሃጸ ስለ ዘሸገሮ ወረቓቕቱ ከይበላሸዎ ደጋጊሙ ከንቅጾ ይግደድ ነበረ። ቍሩብ ከዕርፍ ሓሲቡ ብድድ ብምባል ብመስኮት ንሰሜን ገጹ ተቐልቀለ። ሸፋሕ ሸፋሕ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ግን ንማዕጾ ገጹ ቍሊሕ በለ።
ወዲሸቃ ኣብ ኢዱ ንእሽቶ ወረቐት ሒዙ፡ “ስራሕ ሒዝካ ዲኻ ካስትሮ?” እናበለ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ኣተወ።
“ስማዕ’ስኪ፡ ከመይ ኢልካ ረሲዕካዮ? ጸብጻብ ከዳሉ እየ ምሽ ኢለካ! ናይ ሎሚ ኸኣ ወርሃውን ፍርቂ ዓመታውን’ዩ። ጽባሕ ከማን እንተ ወዲአዮ።’ ክብል መለሰሉ ካስትሮ ኣብ ተዓጻፊት ኵርሲ ኮፍ እናበለ።
“ክላ! ተብተብ ክብል ኣበይ ዘኪረዮ ኢልካኒ። እንካ በል ናይ ሬድዮ መልእኽቲ እያ፡” ኢሉ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት ብደዉ ኣቐበሎ።
ካስትሮ ነታ ኣብ ክልተ ተዓጺፋ ዝነበረት ወረቐት ገንጺሉ ከንብባ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እዚ ደኣ ካብ ፖርትሱዳን ክዕደግ ዘለዎ ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ’ንድዩ፡ በሉ ርእሱ እናቕኒዑ ናብ ወዲሸቃ እናጠመተ።
“እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ። ምስዚ ዘሎ ጻዕቂ ስራሕ ህጹጽ ምዃኑ ጽላእ’ምበር፡” ክብል መለሰሉ ክሰትያ ዝጸንሐ ሽጋራ ብሽዳኡ ረጊጹ እናጥፍአ።
“እሞ እንታይ ይሓይሽ ትብል?” ተወከሶ ካስትሮ።
“ውሕጅ ከይወርድ ዲካ ሰጊእካ?”
“እንድዒ! ቍሩብ ተጠራጢረ’ወ።”
“እዘን ሎሪታት’ኳ ክሳብ ትማሊ ምሸት ይንቀሳቐሳ ነይረን። ምኻድካ ዘይተርፍ ኣንጊህካ ምብጋስ ይሓይሽ ምበልኩ ኣነስ። ኣብ ምላሽካ ውሕጅ ወሪዳ እንተ ሰሚዕካ ከም ዝሃበላ ንኮርባራካ ኢካ ክተላግስ ማለት’ዩ። ውሕጅ ዝግ ምስ በለልካ ድማ በዓል ወዲሓትነይ ብኡራል ይስሕቡኻ።”
“ካላስ’ሞ ከምኡ እንተኾይኑ ንወዲ መስመር መኪና በንዚናኣን ጐማኣን ኣቦስቶ ክገብራ ንገሮ። ብወገነይ ጸገም የሎን ተዳልየ ክሓድር’የ።”
“ኦይ! ኣይፈለጥካን ዲኻ? ንሱ ደኣ መዛምድቱ ካብ ጀልሃንቲ መጺኣቶ ስለ ዘላ ከመይ ኢልና ተበገስ ክንብሎ። ባዕልኻ ሒዝካያ ምኻድ ኣይተርፈካን’ዩ።”
ካብ መራፊት ንቶከር ዘሎ ሳጃ ዝበዝሖ መንገድን ክንዮ ቶከር ዘሎ ደግዳግን ተራእዩዎ፡ “ምስኡ እናዕለልና ከይንኸይድስ፡ እንታይ ኣስማዕካኒ’ታ ወዲሸቃ! መኦስከ መጺኣ?” ክብል ተወከሶ።
“ትማሊ ምሸት’ያ መጺኣ። ከይረሳዕኩዎ ከለኹ፡ መን ይፈልጥ እዞም እንዳ ሓጺን ካብ ፖርትሱዳን ክተምጽኣሎም ዝደልዩዎ ኣቕሓ ከይህልዎም ተወከሶም ኢኻ፡” ኢሉ ቍሩብ ዘዘው ድሕሪ ምባል፡ “ከይደ’ሞ፡ እዞም ጋራጅ ቶዮታ ኣዳልዮምልካ መታን ክሓድሩ ብእዋኑ ክሕብሮም፡” ኢሉዎ ኣንፈቱ ናብ ኣፍደገቲ መዓስከር ብምቕናዕ ብቕልጣፈ ሰጐመ።
ካስትሮ ንጽባሒቱ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ፡ ሓደ ንቦታኡ ዝምለስ ዝነበረ ኣባል ጋራጅ ስዋኪን ተማሊኡ ንፖርትሱዳን ተበገሰ። ኣብ ቶከር ቈሪሱ ሰዓት ትሾኣተን ፈረቓን ስዋኪን ኣተወ። ሰዓታት ስራሕ ሱዳን ክሳዕ ሰዓት ክልተ ስለዝኾነ፡ ክዕርፍ ከይበለ ጕዕዞኡ ቀጸለ። ክሳዕ ሰዓት ክልተ ዝበዝሕ ክፋል ስርሑ ድሕሪ ምስላጥ፡ ድሕሪ ምሳሕ ናብ መኽዘን ኢደስራሓት ብምካድ እንዳ ሃጺን ዝለኣኹዎ ኣቕሑ ጠርኒፉ ወድአ። ናይ ኣጋምሸት ዝተረፎ ቀንጠመንጢ ዓዳደገ። ኣዕሪፉ ሓዲሩ ኣንጊሁ ንስዋኪን ምስ ተበገሰ መኪና ኣኢንጐልፋረ ገይራ ሽግር ስለ ዝፈጠረትሉ፡ ንዓኣ መታን ከዕሪ ኣቕቲሩ ክብገስ ተገዲዱ። ኣብ ስዋኪን ምስ በጽሐ መኪና ኣብ ጋራጅ ኣእትዩ፡ ውራይ ሰብነቱ ምሕጻብን ምስሑን ገበረ። መኪና ድልውቲ ምስ ኮነት ዘይትን ማይን ተቘጻጺሩ ክብገስ እናበለ ከሎ፡ ንመራፊት ትኸይድ መኪና ከም ዘላ ዝሰምዐት ስንክልቲ፡ ሳንጣኣ ተሰኪማ ገፈፍ እናበለት ናብ ካስትሮ ገዛ ቀረበት። ዝባኑ ሂቡዋ ጸኒሑ ገጹ ግልብጥ ምስ ኣበለ፡ ብጭሕሙ ኣለልያቶ፡ “እውይ! ካስትሮ ዲኻ’ታ?” እናበለት ብናፍቖት ክትስዕሞ ጀመረት።
ብህይወት ዘላ ይመስሎ ስለ ዘይነበረ ተሰዓዒሞም ምስ ወድኡ፡ “በየን በሪቕኪ’ቲ ርሂጸበላዕ?” በላ። ብቘራጽነታ ኣዝዩ እዩ ዝድነቕ ነይሩ።
“ኬፈክ ካስትሮ?”
“እሂ’ቲ ርሂጸባላዕ። ጥዕናኺ ከመይ ትኾኒ?”
“ሓሪፍ ኣለና ካስትሮ።”
“በየን ደኣ በሪቕኪ?”
“ከም ቦታ’ኳ ኣብ እንዳ ስንኵላን ጀልሃንቲ እየ ዘለኹ። ሕጂ ግን ኣብ ዕረፍቲ ጸኒሐ’የ ንቦታይ’የ ዝምለስ ዘለኹ፡” በለቶ እናሰሓቐት።
“እፈልጦዶ እኸውን? መን ይፈልጥ ኣብ ብርጌድ ሓምሳን ሓደን ኣባል ዝነበረ ከይከውን?” ክብል ሓተታ ኣብ ማዕጾ መኪና እናተጸግዐ።
“ትፈልጦ ኣይመስለንን። ኣብ እንዳ ስንኵላን ኢና ተራኺብና። ከም ኣሃዱ ግን ኣብ እንዳ ሓምሳን ሸሞንተን ዝነበረ ወዲመሓመድ ዝብሃል’ዩ።”
“ጀልሃንቲ ከም ዘለኺ ዘይፈለጥኩ’ምበር፡ ንመራፊት ተቐዪረ ክመጽእ ከለኹ በጋጣሚ ኣብኡ ዝወርዱ ብጾት ስለ ዝነበሩና ኣብኡ ውዒልና ኔርና። ወይ ዘይምፍላጥ ክሓስም! ኣዕልል ምወዓልና ኔርና’ንዲና።”
“ኣነስ በል መሪፊት ከም ዘለኻ እፈልጥ ነይረ። በጋጣሚ ሓደ ኣባል እንዳ ራሕባ ንሓደ ዓርኩ ክርኢ ኢሉ ምሳና ውዒሉ ስለ ዝነበረ እዩ ሓቢሩኒ። በጋጣሚ ተራኺብና’ምበር ንመራፊት ተኣልየ ክረኽበካ’ዩ ነይሩ መደበይ፡”
“በሊ ኣንዲያሞ፡ ኣብ መንገዲ ክነዕልል፡” ኢሉ ሳንጣኣ ተቐቢሉ ኣብ መኪና ደየበ። ጠረው ዝነበረት እግራ ጸጊማታ ተታቢባ ክትድይብ ምስ ረኣያ፡ “እዋይ ርሂጸበላዕ! እዛ ጐያዪት እግርኽ ከምዚኣ ኮይና ተሪፋ! ኣብ ዓይኒብርክኺ ዲኺ ተሃሪምኪ?” ብምባል ደኒኑ ንእግራ እናጠመተ ሓተታ ብሓውሲ ድንጋጸ።
“እዘን ታዕባናት ገይረናለይንድየን።”
“እዋይ ርሂጸበላዕ! ከምዚኣ ኴንኪ ተሪፍኪ ማለት ድዩ? ሕጂ ካን ኣኺሉዋ ድዩ ደሪቓ ተሪፋ ወላ ገለ ተስፋ ኣለዋ?”
“ኣነ’ኳ ከምዚ ኢላ ትደርቕ ኣይመስለንን ግን ተስፋ የብላን። ሰብነተይ ረኻሲ ስለ ዝኾነ እቲ ቍስሊ ክሳዕ ዝሓዊ ትዕጸፍ ስለ ዘይነበረት፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ቍሪ ኣኺሉዋ ነቒጻ ተሪፋ። እዛ ናትካኸ ካብ ምሕጻር ደሓን ድያ?”
“ስቕ በሊ በጃኺ! ርሂጸባልዕ ከኣ ዘረባ ረኺበ ኢልኪ ዲኺ? ናይ በዓል ናተይ ደኣ መውጋእቲ ዘይኮነ። ዘሳክት’ዮም ኮፍ ኣቢሎምና ዘለዉ። ክተት ንብሃለሉ መዓልቲ ደኣ ይመጽእ ይኸውን’ምበር ጠላዓት ኣጓብዝዶ ኣብ ክፍልታት ከርተት ምበልና ጓለይ!” እናበለ ካብቲ ዓቢ ቀጽሪ ጋራጅ ወጺኡ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ድሕሪ ምሕዋስ፡ “በሊ’ስኪ ናይ ደቂ ሓይልና እንታይ ከበር ትህብና፡” በላ።
“ከበርስ ብጀምቢል’ዩ ካስትሮ፡” ኢላ ዝን ቍሩብ ድሕሪ ምባል፡ “ስማዕ’ስኪ ካስትሮ፡ ትዝክሮዶ እቲ ቡርጅዋ ንብሎ ዝነበርና? እቲ ኣብ ኣኼባ ናይ ሓይሊ፡ ኣብ ዋርድያ ደቂስካ እናበልና ኵሉ ግዜ ንነቕፎ ዝነበርና?”
“እቲ ሕልኵስ! ንዮ’ባ በልዮ፡ ሓደ መዓልቲ’ኳ ተቐጺዑ ነይሩ ትዝክሪ እንተዄንኪ። ሓደ ንውሕ ኢሉ ግን ተርባብ ክውን ኢሉ ፍሩያት ኣዒንቱ’ንድዩ?”
“ካላስ! ፈሊጥካዮ’ለኻ። ቅድሚ ትማሊ ገለ ብጾት ዝለኣኹኒ ኣቕሑ ክገዝእ ኢለ ምስ ወዲመሓመድ ንፖርትሱዳን ከይደልካ። ኣብቲ ድኳናት ዘወር እናበልና ከለና፡ ሃንደበት ዓወንወን ክብል ምስ ረኸብኩዎ ግርም ኢሉኒ። ዳሕራዩ ይገደልካ’ምበር። ‘ኣንታ ቡርጅዋ እንታይ ደኣ ረኺቡካ?’ እንተ በልኩዎ፡ ዓጢጡዎ ድዩ፡ ‘ሰውራ ዓንዴል ጥዒሙና ርሂጸበላዕ’ ኢሉኒ።”
“ሰሊሙ ድዩ?” ሓተተ ካስትሮ ብሓውሲ ምግራም።
“ድሕሪ ምዝላቕ ዘይሓከመ። ሽዑ’ንድዩ ዓሪቡ።
“እቲ መሕጐል’ቲ ደኣ ካልእ ይብል። ብኡነት እብለኪ’ለኹ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሰውራ እን’ተልዩ ዝበርክቶ ኣይስእንን’ዩ ዝብል ዘረባ እኣምነሉ ነይረ። ከም በዓል ንሱ ዝኣመሰሉ ግን ብንግድዓ ብጾቶም ዝብለጹ ሰባት ስለ ዝኾኑ፡ እንተ ሰለሙ ሓላል’ዩ፡ ዕዳ ቀለለ እየ ዝብል። ወላሂ በዓል ንሱ እንተ ሃደሙ ውድብ ሸኽሙ ኣራጊፉ’ምበር ዝጐድሎ ነገር የብሉን።”
“ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክስልም ይኽእል’ዩ ካስትሮ። ሰውራ ዓንዴል ጥዒሙና ምባል ግን ነውሪ እዩ። ክስዋእ ኢሉ እዩ’ምበር ጠስሚ ክልከ ድዩ ተሰሊፉ? ምሽቲ! ክንደይ ብጾት ምስ ውድብ ዘይኰረዩ፡ ከምኡ ክብሉ ግን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን፡” በለት ነድሪ ብዝተሓወሶ ቃና።
“ናይዚ ንበይኑ እዩ ወላሂ! እቲ ጕልቡት፡ ህጁም ኣላ እንተ ተባሂሉ ሓሚመ ዝብል ዝነበረ ምሰንኰርከ ገለ ኣይተዓረየን። “ንሱ ደኣ ኣብ ምዝላቕ ሚኒን እናበለ ጠሪሹ ተኸኽ ምስ ኣበለና፡ ኣብ ናይ ሓይሊ ቶሚን ይኺድ፡ ኣብኡ ሓርጭ ይስፈር ተባሂሉ። ብድሕሪኡ ግን ናይ በጦሎንታት ባህሊ ክቐውም ከሎ መራሕ በጦሎኒ ምስኣቶም ተሓዊሱ ከበሮ ክሃርም ምስ ረኣዮ፡ ኡይ! እናበሉ ኣብኡ መዲቡዎ። ንዓታቶም ከኣ ሓንሳብ ‘ግጥመይ ነጺግኩሞ፡ ሓንሳብ ኣናውንሰር ዘይገበርኩምኒ ኣብ ልዕለይ ሕማቕ ኣረኣእያ ስለ ዘለኩም’ዩ’ እናበለ ድከቶም ኣስትዩዎም። ኣብ መንጎኦም ከማን ክንደይ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩሎም ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ተበግሶ ያላ ኩሉ ሰብ ክግደም ኣለዎ ምስ ተባህለ፡ ነዛ ዓካር ዓካሪቶኡ ኣላታን የብላን ሓምሺሹ ሓዲጉዋ!”
“እግሩ ባዕሉ ወጊኡዋ?”
“ዳር ትርኢት’ዩ፡ ብትን ኣቢሉዋ። ዳርጋ ኵሉ ሰብ፡ መራሕ ሓይሊ ከይተረፈ፡ ‘ሕደጉዎ ይሙት! ከይተልዕሉዎ’ ስለ ዝበለ እቲ ኮፍ ኢሉዎ ዝነበረ ቦታ ብደም ጨቅዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ክልተ ብጾት ደንጊጾም ኣልዒሎሞ።”
“ንዑኡ’ኳ ንዘልኣለም ኣይርስዖን’የ። ከመይ እንተ በልኪ፡ ኣብ ህይወተይ ስምብራት ዝፈጠረ ሓደ መሽኳት ሰብ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ርሂጸባላዕ ገና ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ኔርኪ ትኾኒ። ብዝኾነ ናይ ጋንታ ኣኼባ ምስ ተገብረ፡ ‘ሃጸያዊ ባህሊ ከማዕብል ደልዩ’ ኢሉ ከም ዝነቐፈኒ ግን ገለ ብጾት ኣዕሊሎምኺ ይኾኑ።
“ክገርመካ በጋጣሚ’የ ፈሊጠ። ብኰለይ ነዊሕ ምስ ጸናሕኩ፡ መጀመርያ ካላሽን ሒዘ ኣብ ዝተኻፈልኩዋ ውግእ፡ ኣብ ጐድኒ ሃለቃ እየ ነይረ። ሽዑ መሰንኰር ክንዲ ግዛዕ ይኸውን ራዕዲ ኣትዩዎ ደኒኑ ክትኵስ ጀሚሩ። ሃለቃ ኸኣ ትፈልጦ ኢኻ ፈራሕ ሰብ እንተ ርእዩ ኣይምሕሮን’ዩ። ሽዑ፡ “ኣንታ ምሽሙሽ! ክተምስል ንካስትሮ ዝኣክል ጅግና ብጻይ ‘ናይ ኣመሪካ ደርፊ ሰሚዑ’ ኢልካ ኸኣ ትንቅፍ። ኣምሰሉ! ተላይ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ኣንፈት ጸላኢ ርኢኻ ተኵስ። ነዛ ጓል ርኢኻ’ኳ ቍሩብ ሓቦ ኣይትገብርን፡” ክብል ሽንግላጡ ኣውጺኡዎ። ብድሕሪኡ ንሃለቃ እቐርቦ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ተዃተዅኩዎ ብዛዕባካ ጽቡቕ ገይሩ ኣዕሊሉኒ። ድሕሪ ውግእ ድግድግታ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ዝተዘርበ ኸኣ ኵሉ ሰሚዐዮ።”
“ክገርመኪ ድሒረ እየ ፈሊጠ’ምበር ባዕሉ ሰንበት ሰንበት ተተሓቢኡ ሬድዮ ኢትዮጵያ ይሰምዕ ነይሩ ኢሎሞ። ሕሰብዮ፡ ሽዑ መፋርቕ ሰብዓን ሽዱሽተን እዩ ነይሩ፡ ድምጺ ሓፋሽ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣቢላ እያ ክትጅምር። እቲ ጕዳይ ሕጂ ክትሓስቦ ከለኻ ዘስሕቕ’ዩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ጋንታና ሬድዮ ዜና ዓለም ወይ ሙዚቃ ብምስማዕ ክንዘናግዓላ እያ ተዋሂባትና። ኣነ ድማ ኣብ ህዱእ ኵነታት ክንህሉ ከለና፡ ኵሉ ግዜ ቢቢሲ ከፊተ ዜና እከታተል’ሞ፡ ብድሕሪኡ ሙዚቃ ስለ ዝፈቱ ናብ ሬድዮ ኩወይት ቀዪረ ጥዑም ናይ እንግሊዝ ደርፍታት እሰምዕ ነይረ። ብድሕሪኡ ከም ገለ ምሳይ ስለ ዝተሃላለኸ፡ ‘ምሁር ተባሂሉ ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝኸውን ናይ ጋንታ ሬድዮ ንበይኑ ብሒቱዋ። ኣብ ክንዲ ዜና ሰሚዑ ንጋንታ ዝገልጸላ ንበይኑ ተፈልዩ ምዕራባዊ ሙዚቃ ጥራይ ይሰምዕ። እዚ ናይ ንኡስ ቡርጅዋ ጠባይ’ዩ፡ ንሃጸያዊ ባህሊ ምምዕባልዩ፡’ ኢሉ ነዛ ነቐፌታ ኣሰክም ኣየብለንን። ሓደ ለመጭ ስለ ዝነበረ ንጋንታ ኣእምን ኣቢሉዋ። ኣነ ድማ ሜላ ዘይፈልጥ፡ ክእለት ዘረባ ዘይብለይ ሓደ ገታር’የ ነይረ። ብሕርቃን ቈለጭ ኢለ ‘ሓሳዊ’ ኢለዮ። ስርዓት ከም ዝፈልጥ፡ ‘ነጥቢ ስርዓት ግበር. . .’ ኢሉኒ። ብድሕሪኡ ጋንታ ብምልእታ ፈትየ ክሳዕ ዝጸልእ ዝግል ውዒላትኒ።
“ከዕልለካ ዕድል ኣይረኸብኩን’ምበር ኵሉ ሰሚዐዮ እየ። ሃለቃ ከይተረፈ ሓደ ሃዳሚ ተዛሪቡ ኢልና ዝፈለጥና ዘይብልና ንካስትሮ ቅልጥ ውዒልናዮ ኢሉ ሓክዩኒ ነይሩ። ሽዑ እንታይ ዝጠቅም ንቕሓት ነይሩ ኢልካዮ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ብስምዒት’ንደኣሉ ዝጐዓዝ ዝነበረ።
“ሓቁ እዩ። ሽዑ ሲክ ሚክ ኣይነበረን። መጀመርያ ዝበዝሕ ሰብ ሓድሽ’ዩ ነይሩ። ካልኣይ ነገር እቲ ወዲ ሓሞት’ዩ ዘይነበሮ’ምበር ኣብ ዲፕሎማሲ ሓያልን ኣዝዩ ተንኰለኛን ስለ ዝነበረ፡ ነታ ጋንታ ከም ስርዓት’ዩ ተቘጻጺሩዋ። ብዘይካ ሽዑ መራሕ ጋንታ ዝነበረ ኣቡዓፋን፡ ክልተ ብጾትን ምሳይ ደው ዝብል ተሳኢኑ። ደሓር ከኣ ሰብነተይ ጽቡቕ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ማይ እንተ ረኺበ ሰብነተይ እሕጸብ፡ ጸጕረይ እምሸጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ወዲበጃኽን ኮይነ’የ ዝስምዖም ነይረ። ብዝኾነ ከም ሓደ ዝምቡል ተቘጺረ ብነቐፌታ ሓመደይ ንላዕሊ ገምጢሎምኒ። ሳላ ኣቡዓፋን ድሒነ’ምበር ንብሌቓት ምወረድኩ ነይረ። ምኽንያቱ ኮሚሽነር ጋንታ ንሳሕል ክወርድ ኣለዎ ኢሉ ተኻቲዑ ነይሩ። ኣቡዓፋን ግን ኣበደን ኢሉ ኣቕቢጹዎ። ከምኡ ደሞክራስያውን ፈታው ሓቅን ሰብ ኣይረኣኹን። ብዝኾነ ብጸቕጢ ኮሚሽነር ጋንታ ዝገበርኩ ዘይብለይ ናይ ክልተ ሰሙን ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ክውስነለይ ተገዲዱ። ኣብ ውግእ ድግድግታ ግን መን መን ምዃኑ ተፈሊጡ። እታ ትፈልጦ ዘይብላ ሆ! ትብል ዝነበረት ሓፋሽ ከኣ ነቲ ሓቂ ተረዲኣቶ። ኣብታ ውግእ ወዲኪዳነ፡ እቲ ኮሜ ንብሎ ዝነበርና ምስ ተሰውአ ምኽትል መራሕ መስርዕ ኮይነ፡ መሰንኰር ከኣ ከም ሕሱም ስለ ዝተቓልዐ ከም ጨርቂ ፈዅሱ።”
“ከም በዓል ወዲኪዳነ ዝኣመሰሉ ቅኑዓትን ተባዓትን ኣበይ ይርከቡ? ኣብ ሻዕብያ ጅግና ኣይነብርን’ዩ ካስትሮ። ጀጋኑና ብዙሓት’ዮም፡ ላኪን ከም ወዲኪዳነ ሕጹብ መዓንጣ ኣይረኣኹን።”
“ኣይተጋገኽን! መስዋእቲ ዘይተርፍ’ኳ እንተኾነ፡ ቍሩብ ክጸንሕ ነይሩዎ። ኮማንድስ ከም ዝነበረ ትፈልጢ ዲኺ?”
“ኣብ ዒላገመል ኣዕሪፍና ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንኣቡዓፋን ‘ኮማንድስ ከለና ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ደቂሓሊማ’ እናበልና ክነጓይየክን ከለና ይዝከረካዶ? ደሓር ደኣ ቦምባ ቻይና ዝብሃል መሰንበድ ሱማ ኣምጺእክን ተጻዊትክናልና’ምበር፡ መጀመርያስ ነሕምቐክን ኔርና፡” ክብሎ ከሎ ምስ ሰማዕኩ’የ ፈሊጠ።”
“ክገርመኪ ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ኣረኣእያ ድኹም ነይሩ’ምበር፡ ዝኾነ ነገር ዕጅብ ዘይብሎ፡ ዝወጽኣሉ ጅግና እዩ ነይሩ። ‘ሰብኣይ ክዋጋእ ኣለዎ’ምበር ከም ሰበይቲዶ ክምድር ይውዕል? እንታይ ዝዓብስ ፖለቲካ እዩ. . .” እናበለ እዩ ዝዛረብ ነይሩ። ኣነ ክንቀፍ ከለኹ መድፍዓጂ ብሬን ብምንባረይ ጥራይ ኣብ ጐድኒ ኣቡዓፋን ደው ኢሉ። ‘እንተ ሃዲሙ፡ ወይ ከም ቡርጅዋ ዋርድያ ከሎ እንተ ደቂሱ በሉዎ ጨርግፉዎ። እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ግን ትም ኢልካ ኣንጭዋ ጸደፈት ድሙ ተዓንቀፈት እናበልካ ንሓደ ተዋጋኣይ ምድሃል ስለ ዝኾነ ጌጋ እዩ። በጃኻትኩም ሰብ ከይስሕቀኩም ትም በሉ፡’ ኢሉ ተቓዊሙዎም። ወዲኪዳነ ትፈልጥዮ ኢኺ ንሓመዱ እዩ፡ መን ብሒም ኢሉ ክዛረቦ። ሽዑ ንሃለቃ ብጅግንነቱ ይፈትዎ’ኳ እንተ ነበረ ምስ ነቐፈኒ ግን ንውሱን እዋን ጸሊኡዎ ነይሩ።
“እዋይ’ዚ መድረኽ ክንደይ ይቀያየር! በዓል ሃለቃ ከይተረፉ ገይሮምልካ ማለት ድዩ?” ኢላ ብሰሓቕ ተነኽነኸት ርሂጸበላዕ።
“ሃለቃን ጫረን’ሞ ኸኣ እቶም ቀንዲ ኣጫፈርቲ እዮም ነይሮም። እዚ ክብለኪ ከለኹ ግን ተንኰል ኣይነበሮምን። እቲ ጽቡቕ ናቶም ከኣ ነቲ ወዲ ምስ ፈለጡዎ ብነቐፌታ ኣይብላዕ ኣይስተ ገይሮሞ። መቸም ነቐፌታ እንቋዕ ዝቐትል ኣይኮነ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ፍናነይ ክብ ኣብ ምባል’ውን ዓቢ ተራ ነይሩዎም።
“እሞ ሽዑስ ሞራል ካን ተሰፊፋ እያ ነይራ?”
“ብሓቂ ክነግረኪ ርሂጸበላዕ፡ ጸልኣት ነቐፌታ ዘይኮነ እቲ ነቐፌታ ቅኑዕ ስለ ዘይነበረ ፈጺመ ኣይተቐበልኩዎን። ከረድኦም እንተ ፈተንኩ ‘ኣብ ርእሲኣ፡ ተወሳኺ’ እናበሉ መሃነነይ ኣጥፊኦምለይ። ንውሱን እዋን ከም ዝምቡል ተቘጺረ ጋንታ ምልእቲ ከም ስርዓት ነጺላትኒ። ኣነ ድማ ምስ ዘይርድኡኒ ሰባት ካብ ዝዛረብ ትም ምባል ይሓይሽ ዝብል መርገጺ ብምውሳድ ሬድዮ ኣይትንክፍ፡ ዜና ዓለም ኣይሰምዕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ርእይቶ ኣይህብ ኣጽቅጥ ኣቢለ። ሕሰብዮ፡ ሽዑ ናብ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመት ዝጽጋዕ ኣብ ርሱን ዕድመ ዝነበርኩ መንእሰይ’የ ነይረ። ንሃገር ካብ መግዛእቲ ሓራ ከውጽእ ሰበይተይን ደቀይን ጠንጢነ ተሰሊፈ ከብቅዕ፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃነይ ዘይፈልጡኒ ከማይ ክጋደሉ ዝተሰለፉ ሰባት ‘ሬድዮ ሰሚዕካ’ባ፡ ሙዚቃ ደጊምካ’ባ’ እናበሉ ከም ባምቡላ ክጻወቱለይ ከለዉ እንታይ ክስምዓኒ ከም ዝኽእል ገምግሚ። ናይ ሰውራ እወታዊ ነገር ግን ማዕረ’ቲ ድዋዕዋዕ ዝበልካዮ ትደዓዓስን ትህነጽን ምዃንካ እዩ። እቲ ቀንዲ ከምኡ ዘግብረካ ድማ ዕላማ ስለ ዘሎካን ቅድመኻ ዝሓለፉ ብጾትካ ከይትጠልም ስለ ትሓስብን’ዩ። እዚ ድማ ምስቲ፡ ሰውራ ናይ ምዕናውን ምህናጽን ባህሪ ዘለዎ ሓያል መስርሕ’ዩ ዝብል ክልሰሓሳብ ዝቃዶ’ምበር ዝጋጮ ኣይኮነን።”
“ምስ ሓለፈ ኵሉ ጥዑምዩ ካስትሮ።”
“እንሃልኪ’ንዶ ከም ነገር ሓራስ ኵሉ ረሲዕናዮ። ሕጂ’ኳ ብሰንኪ መሰንኰር ኣልዒልናዮምበር መን ምዘከሮ ድዩ?”
ብኸምዚ ዝቐደመ ዕላል ወዲኦም ብድሕሪኡ ናብ ዝነበረ ናይ በጦሎንን ሓይልን ኵነታት ብምስጋር ነዊሕ ተጓዕዙ። ካስትሮ ውሕጅ ኮርባራካ ወሪዳ ከይትጸንሖ’ሞ ኣብ ቶከር ወይ ኮርባራካ ተዓጊቱ ከይቅኒ ስክፍታ ስለ ዝነበሮ፡ ጕዕዞኡ ብናህሪ ቀጸለ። ቶከር ክሳብ ዝኣቱ ጥር ትብል መኪና ኣየጓነፈቶን። ኣብ ቶከር ደሃይ ውሕጅ ክፈልጥ ስለ ዘለዎ ንፍርቂ ሰዓት ጸኒሑ። ናብ ቃሮራ ምስ ተበገሱ ውሕጅ ከይዓግቶም’ሞ ኣብ መራፊት ወይ ቃሮራ ተኸርዲኖም ከይከርሙ ዝሰግኡ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሎሪ፡ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂታት ትምባኾ እናሰፈፉ በብጕጅለ ኮፍ ኢሎም ዱምና ክጻወቱ ይረኣዩ ነበሩ።
ሻሂ ሰትዮም ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ቶከር ተበገሱ። ዝርካቡ ኣሰር መካይን ብዝሓደረ ካምሲን ስለ ዝተደፍነ፡ ካስትሮ ዝሓሸ’ዩ ዝበሎ መንገዲ እናመረጸ ንርብዒ ሰዓት ዝኣክል ድሕሪ ምጕዓዝ ንእሽቶ ዝነዓቓ ሳጃ ሓዘቶ። ካብ መኪና ወሪዱ ብባዴላ ቍሩብ ድሕሪ ምፍሓር፡ ሪዶታ ወሲኹ ንመኪና ብዘይ ገለ ጸገም መሰስ ኣቢሉ ኣውጽኣ። ብርቱዕ ካምሲን ግዲ ሓዲሩ መንገዲ ዳርጋ ብዅሉ ሸነኹ ሑጻ ተዀሚሩ ንምቅስቃስ ሽግር ዝፈጥር ኮይኑ ረኸቦ። ንየማን ንጸጋም እናተጠዋወየ ብሪዶታ ሓያል መንገዲ ተጓዕዘ። ምስ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩርን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ከቢድ ማርሻን መኪና ብረስኒ በግ ክትብል ቍሩብ ተረፋ። ክገብሮ ዝኽእል ነገር ግን ኣይነበረን።
ሳጃ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ፈኵስ ማርሻ እናተጠቕመ፡ ካብ ሳጃ ዘለዎ ቦታ ኸኣ እናሃደመ መንገዱ ክቕጽል ጸኒሑ፡ ብማዕዶ ኵምራ ሑጻ ረኣየ። ዝሓሸ ቦታ መሪጹ ብናህሪ ቈረጸ። ክንየዉ ግን ዝኸፍአ ደበቝበቛ ኣጋጠሞ። ሕጂ’ውን ንመኪና ዝያዳ በንዚን ሂቡ ክሓልፍ ፈተነ። መኪና ግን ፍሒራ ፍሒራ ተሸኽለት። ከም ዝሃቦ ባዴላ ሒዙ ብምውራድ ኣብ ከባቢ ጐማ ዝነበረ ሑጻ ክጋልህ ጀመረ። እንተኾነ፡ እቲ ብክቱር ሙቐት ናብ ረመጽ ዝተቐየረ ድኹም ሑጻ ንስረኡ ሓሊፉ እናለብለበ ምስራሕ ስለ ዝኸልኦ፡ ናይ መኪና ታቤቶ ኣውጺኡ ብምንጻፍ ክፍሕርን ክገልህን ጀመረ። መኪና ክሳብ ዲፈረንስያለ ጥሒላ ከም ዘላ ኣስተውዒሉ፡ ድሕሪ ከቢድ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ መኪና ዝነበረ ኵምራ ሑጻ ብምእላይ ጋህ ኢሉ ከም ዝርአ ገበሮ። ምስቲ ዝነበረ ብርቱዕ ሙቐትን ሓመድን ግን ሰብነቱ ብረሃጽ ናብ ጭቃ ተቐየረ። ናይ ድኻም ኣይገደሶን፡ ስግኣቱ መኪና ከየውጽኣ ከሎ ካምሲን ከይጅምር ጥራይ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ርሂጸበላዕ ክትገብሮ ትኽእል ነገር ብዘይ ምንባሩ ርእይቶ ኣብ ምሃብ ጥራይ ተወሲና ነይራ።
ካስትሮ፡ መኪና ከውጽኣ ከም ዝኽእል ተኣማሚኑ ንርሂጸበላዕ ክትድይብ ሓበራ። ሞቶረ ኣተሲኡ ምስ ተበገሰ ድማ ከም ትጽቢቱ መሰስ ኢላ ወጽኣትሉ። ንገለ ሚእቲ ሜትሮ ጽቡቕ ድሕሪ ምኻድ ግን ዘይጠርጠሮ ድኹም ሑጻ ረጊጻ ክትፍሕር ጀመረት። ንሜትሮታት እናፈሓረት ክትከይድ ጸኒሓ፡ እናንቃዕረረት ብምኻድ ዲፈረንስያለ ክሳብ ዝሽመም ጠሓለት። ሳጃ ኣለዎ ዝብሃል ቦታ ወጺአዮ እናበለ ከሎ ኣብ ዘይገመቶ ቦታ ተሸኺሉ ምትራፉ ኣዝዩ ሓረቐ። “ኦሮማይ!” ኢሉ ስቴርሶ ድሕሪ ምህራም ድማ ማዕጾ ከፊሩ ካብ መኪና ወረደ።
ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኵነታት ከም ዘጋጠሞ ዘይተረድኣ ርሂጸበላዕ፡ “ኣብሽርካ ካስትሮ ነብሲ ኣይትሕረቕ፡ ከም ናይ ዓንተቦ ክትወጽኣልካ እያ። መሽክላ የሎን፡” እናበለት ደድሕሪኡ ወረደት። ተስፋ ከይቈረጸ ባዴላ ኣልዒሉ ብምድናን ሑጻ ክኣሊ ጀመረ። ርሂጸበላዕ ክሹኻ ኣብ ርእሳ ጠምጢማ ኣብ ጥቓኡ ደው ብምባል፡ “ቅድሚ ወርሒ በዚ ክሓልፍ ከለኹ እዚ ቦታ ጥጡሕ ጽርግያ ዝነበሮ ኮይኑ ተራእዩኒ። ስለምንታይ ንዑኡ ተኸቲልካ ዘይከድካ?” ክትብል ተወከሰቶ።
ቅጥራን ዘለዎ ጽርግያ ትብል ዘላ መሲሉዎ ስርሑ ከየቋረጸ፡ “ጽርግያ የብሉን’ዚ ቦታ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃባ።
“ናይ ሓመድ ጽርግያ ማለተይ እየ’ኮ፡” ኣስዓበት።
“ጽቡቕ ኣለኺ። እዚ ቦታዚ ግን ከም ካልእ ቦታ ኣይኮነን። እዚ ዅሉ ሓሓሊፉ ተዀሚሩ ትርእዮ ዘለኺ ሑጻ፡ ትማሊ ወይ ቅድሚ ትማሊ ኣብዚ ኣይነበረን። ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከኣ ቦታ ይቕይር ይኸውን። ካምሲን ስለ ዝደፍኖ እቲ ቀንዲ ጽርግያ ኣበይ ከም ዘሎ ክትፈልጦ ኣጸጋሚ እዩ። ሓደ እዋን ይዝከረኒ ኣብ’ዚታት ኣቢላ ሓንቲ ኤነትረ ሳጃ ተታሒዛ። ካብ መራፊት መጺእና ክሳዕ ንረድኣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰዓት ስፖንዳኣ ምሉእ ብምሉእ ተዋሒጣ ጸኒሓትና። እዚ ክብለኪ ከለኹ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ካምሲን ክትኣምኖ ዘጸግም መፈጠርካ ዘጽልእ’ዩ ነይሩ። እቲ ሑጻ ክግጭበካ ከሎ ቈርበትካ ዝበርደካ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓካ። ዕስራ ንኸውን ሰባት ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ከቢድ ስራሕ መኪና ምሉእ ኣካላታ ከም ትርአ ጌርናያ።”
ርሂጸበላዕ ዝሰምዓቶ ምእማኑ ኣሸገራ። ተደቢሩ ሑጻ ክግሕፍል ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ ምሬት በጥ ኢላ ብኽልተ ኣእዳዋ ሑጻ ክትግሕጥ ፈተነት። “ተስኢ’ስኪ በጃኺ! እንታይ ተርእይና ኣለኺ?” ኢሉ እናተቓወመቶ ብኢዳ ወጢጡ ሓፍ ኣበላ። መራር ጸሓይ ዝባኑ እናወቕዓቶ ብኽልተ ሸነኽ ጐማ ዝነበረ ሓመድ ግሒጡ ድሕሪ ምውጻእ፡ መኪና ንቕድሚትን ንድሕሪትን ኣንቀሳቒሱ ከውጽኣ ከም ዝኽእል ስለ ዝገመተ ኣብ መኪና ደየበ። በንዚና እናሃበ ክልተ ሰለስተ ግዜ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ኣንቀሳቐሳ። እንተኾነ ክትወጽእ መምስ ቀረበት እናፈሓረት ሞዅ ኣበለቶ። ኣብ መወዳእታ ብሓይሊ ፈንጢሱ ከውጽኣ ክብል ‘ቃዕ! ዝብል ድምጺ ኣስሚዓ ኣብ ዘላቶ ዓረፈት። ስምያስ ከም ዝሰበረት ስለ ዝተረድኦ ብሕርቃን ኵምትር በለ።
ካስትሮ ዝያዳ ዘተሓሳሰቦ ናይ ርሂጸበላዕ ኵነታት ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ይትረፍ ኣብቲ ዘይተኣደነ ሑጻ እሞ ነዊሕ መንገዲ፡ ኣብ ጥጡሕ ቦታ’ኳ እግራ ሰለል እናበለት ብጸገም’ያ ትጐዓዝ። ብዛዕባኣ እናሓሰበ ካብ ጋቢና ወሪዱ ኣብ ጐድኒ መኪና ኣብ ዝነበረ ድነ ኮፍ ብምባል ንገለ ካልኢታት መደብ ክሕጽጽ ፈተነ። ርሂጸበላዕ ብዝኾነ መንገዲ ምስኡ ብእግሪ ክትከይድ ከም ዘይትኽእል ስለ ዝተረድኦ፡ ካምሲን ከየርከቦ ንመራፊት ክብገስ’ሞ ረዳት ሒዙ ክምለስ ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑ ረኸቦ። ነታ ተወሳኺ ጸገም ከም ዝኾነቶ ተረዲኡዋ ትቝሎ ዝነበረት ርሂጸባላዕ፡ “መኪና ኢዳ ሂባ’ያ ርሂጸበላዕ። ኣብዚ ኮፍ ኢልና ምሕዳር ከኣ ትርጕም የብሉን። ስለዚ፡ መራፊት ክኸይድ ግድነት’ዩ። ንስኺ ግን ኣብዚ እንተ ጸናሕኪ እዩ ዝሓይሽ። እዚ ሑጻ’ዚ ይትረፍ ንዓኺ፡ ንጥዑይ እግሪ ዘለዎ ሰብ’ውን መስገደል’ዪ፡” በላ ብዝቓዘነ ድምጺ።
“ሓሪፍ’ምበር፡ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ንስኻ’ኳ ዘለኻዮ። ኮፍ ኢለ ምጽባይ እንታይ ክጽገመኒ ኢሉ። በዚ እሳተጎመራ’ዚ ግን ከመይ ኢልካ ክትከይድ ኢኻ? ቍሩብ መሬት ዝሕል ዘይብለልካ፡” በለቶ። ስክፍታኣ ወቕዒ ከየውድቖ’ዩ ነይሩ።
“ንሱ ጽቡቕ ኣለኺ። መሬት እናመሰየ እንተ ኸይዱ ግን ካምሲን ስለ ዝለዓል ናበይ ከም ተብል ኣይትፈልጥን ኢኻ። እንተ ነውሐ ናይ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ ስለ ዝኾነ ማይ እንተ ተማሊአ ጸገም ኣይኮነን። ቍሩብ ናትኪ ጥራይ’ዩ ዘሰክፈኒ፡” ኢሉዋ ካብ ኮፍ ዝበሎ ብድድ በለ።
“ብዛዕባይ ቅሰን ካስትሮ። ክልተ ሰዓት ዘይኮነ ዓሰርተ ሰዓት ክጽበ እኽእል’የ። ይስለጥካ ጥራይ። ኣብ መኪና ተዀዲመ ምጽባይ ክጽግመኒ ኢልካ?” ክትብል ኣተባብዓቶ። ኣብ ጸምጸም በረኻ ብዘይ ዝኾነ መከላኸሊ ነፍሳ ምትራፋ ስለ ዘሰከፋ ግን ኣብ ኣእምሮኣ ቦምባ ወይ ካላሽን እንተ ዝህልወኒ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ፡ ዝብላ ቃላት ይድውላ ነበራ።
በቲ ካብ ሓቦ ዝብገስ መልሳ ተሓጕሱ፡ “በሊ ምናልባሽ እንተ ጠሚኺ፡ ካብዚ ታንግ ማይ በጽቢጽኪ ስተዪ። እንተ ደሊኺ ማንጕስ’ውን ኣሎኪ። ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ መርዓውቲ ዝለኣኹኒ’ዩ ነይሩ። ምናልባሽ ካምሲን እንተ ተላዒሉ ኣብ ውሽጢ መኪና ከለኺ ከይደብየኪ ተጠንቀቒ። ከሎ ገና ካብ መኪና ወጺእኪ ጽንሒ። ንምጥንቃቕ ዝኣክል እንተ ዘይኮይኑ ቀልጢፈ ምምላሰይ ኣይተርፍን’ዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “እወ፡ ሓደ ነገር ረሲዐ ነይረ። ዓይኒ ምስ ሓዘ ስለ ዝምለስ፡ ወይ ካምሲን ከርክበኒ ስለ ዝኽእል፡ ብማዕዶ መብራህቲ መኪና እንተ ርኢኺ ነዚኣ ላዕልን ታሕትን እናበልኪ ብመብራህቲ ምልክት ሃብና፡” ኢሉ ከመይ ክትገብር ከም ዘለዋ ሓበራ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ጋቢና ዝነበረት ጋሎን ማይ ፍርቃ ኣብ ሓንቲ ንእስ ኢላ ብራኳ መቒሉ ክብገስ ተዳለወ። ገለ ክም ዝረስዐ ዝን ኢሉ ጸኒሑ፡ ክገይሽ ከሎ ካብ ነፍሱ ዘይፈልያ ሽጕጥ ካብ ክሪስኬቶ ኣውጺኡ ኣብ መዓጥቖኡ ሸኵዑዋ ክወርድ ከሎ ኣስተውዓለትሉ። ምስኣ ክትጸንሕ ተመንያ ነይራ። ደፊራ ከምኡ ክትብሎ ግን ኣይከኣለትን። ናብ ጕምቦ ኢዱ ቍሊሕ ኢሉ፡ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ከም ዝነበረ ምስ ኣረጋገጸ፡ “ቻው ርሂጸበላዕ፡ ኣይትሕመቒ፡” ኢሉዋ ነታ ሰባር ስምያስ ኣንጠልጢሉ ጕዕዞኡ ፈለመ።
ዓሰርተ ስጕምቲ ኣቢሉ ምስ ከደ ኣብ ኣእምሮኡ ሓደ ፍጻሜ ብልጭ በሎ። ዓበይቲ መካይን ህግሓኤ ካብ ስዋኪን ኣብ ዝጐዓዛሉ ዝነበራ እዋን፡ ቶከር ከይበጻሕካ ኣብ ዘሎ ደግዳግ ዝበዝሖ ቦታ ገፈፍ ክብላ ከለዋ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሃደንደዋ ኣብ ልዕለአን እናደየቡ ዝተፈላለየ ንብረት ይሰርቁ ከም ዝነበሩ መራሕቲ መኪና ከም ዘዕለሉዎ ትዝ በሎ። ካብ’ዞም ሰረቕቲ’ዚኣቶም ይኹኑ ካልኦት ሰበኽ ሳግም፡ ከም ገለ በቲ ከባቢ ዘወር እንተ ኢሎም፡ ነተን ኣብ ልዕሊ መኪና ዘለዋ ዘይጠቕማ ሓጻውንን ቀንጠመንጥን ክወስዱ ክብሉ ጸገም ክፈጥሩላ ከም ዝኽእሉ ተረድኦ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ረዳኢ ዘይብላ ጓልኣንስተይቲ እንተ ረኺቦም ብግብረ ስጋ ንኽደፍሩዋ ዓዳሚ ሃዋህዉ ስለ ዝፈጥር ስግኣቱ ዝያዳ ክብ በለ። “ካልእ እንተ ተረፈ እዛ ሽጕጠይ ክገድፈላ’ለኒ፡” ብምባል ገጹ ገልቢጡ ናብኣ ተመልሰ።
ኣብ ዝነበረቶ ደው ኢላ ትዕዘቦ ዝነበረት ርሂጸበላዕ፡ “እንታይ ረሲዕካ ደኣ ካስትሮ?” ክትብል ተወከሰቶ።
“ሓደ ነገር ረሲዐ፡” ኢሉ ናብኣ ብምቕራብ ነታ ሽጕጥ ካብ መዓጥቖኡ መዚዙ፡ “ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ፡ እንኪ ምሳኺ ሓዝያ፡” ኢሉ ኣቐበላ።
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “ላእ! ኣብ መንገዲ ዘጋጥመካ እንታይ ትፈልጥ? ምሳኻ ደኣ ሓዛ፡” በለቶ ካብ ክሳድ ንላዕሊ።
“ወዲተባዕታይ ስለ ዝኾንኩ ኣነ’ሓይሽ ካባኺ። እዚ ቦታ’ኳ ማእሙን’ዩ ዘፍርሕ የሎን። መን ይፈልጥ ዝኾነ ነገር ከጋጥመኪ ስለ ዝኽእል ግን ሒዝክያ እንተ ጸናሕኪ ኣይጽላእን’ዩ። ጥንቅቕ በሊ ግን፡ ኣብ ኣድላዪ ኵነታት’ምበር ተቐዳዲምኪ ምትኳስ ኣድላዪ ኣይኮነን።”
“ደሓን ተረዲአካ’ለኹ።”
ከም ብሓድሽ፡ “ቻው በሊ፡” ኢሉዋ መንገዱ ቀጸለ።
ይቕጽል
መበል 82 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት