ገዲም ስነጥበባውን መምህርን ኣቦና መምህር ኣስረስ ተሰማ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ 81 ዓመቶም ትማሊ 11 ሓምለ 2015 ዓሪፎም ሎሚ ሰንበት 12 ሓምለ 2015 ድማ ኣብ ከተማ መንደፈራ ቤተክርስትያን እንዳቡነ ኣረጋዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ኣብ 1934 ዓም ዝተወልዱ መምህር ኣስረስ ተሰማ ካብ ቀዳሞት ኣባላት ማ.ት.ኣ. ከም ዝነበሩን ኣብ ህይወቶም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ከም ዝደረሱን ይፍለጥ። መምህር ኣስረስ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ለሚሶም ኣብ ኣስመራ ኣብ ቁሸት ዝርከብ ቤቶም ብስድርኦም ክእለዩ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ትማሊ ቀዳም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። ኣብቲ ቀብሮም ገዲም ስነጥበባዊ ኣስመሮም ሃብተማርያም ታሪኽ ህይወቶም ከንብብ እንከሎ ድምጻዊ በረኸት መንግስታኣብን ጃብር ኣሕመድን ድማ ቃል ምስክርነቶም ሂቦም። ጃብር ማሕሙድ ምስ ኣቶ ትካቦ ወልደማርያም ብህይወት ተሪፎም ካብ ዘለው ኣባላት ማትኣ’ዮም። ኣቶ ትካቦ ብሰንኪ ሕማም ኣብቲ ቀብሪ ከም ዘይተረኽቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ይሕበር። ንገለ ካብ ስራሓት መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣብ ዝቕጽል ክንፍትሾ ክንፍትን ኢና። ጽንዓት ንስድራቤት፡ ፈተውትን ኣፍቀርትን ስነጥበብ መንግስተ ሰማይ ድማ ንመምህር ኣስረስ ተሰማ።
መኮነን ተስፋይ