ንሱስ ያኢ ጎበዝ ተቖጺሩ
ምሳር ጼሩ ጎተና ሰንቲሩ
ኣብ ክሳድ ጸኒሕኒ
ዘሪፉ ክወስደኒ
ዋይ ክልተሞት ድማኸኣ ነዚ
ዙሩግ ከልቢ ደጎል
ብርጊጉ ዝነፍር ብ ጫሕጫሕ ናይ ማሕዘል
ኣነ ጓሎብኣዶ…….
ኢለ ምስ ፈከርኩ
ዝሓዝክዋ ድንኲል ወስ ከይብልኩ
ፈርጢጡ ሃዲሙ ብ እግርያ ዑቕባይ
ኣዝሒት እኳ ከይከውን እምኒ ጽንጽሕለይ
ቸላህ ……………
ንስኻስ ያኢ ጎበዝ ተባሂልካ ብጠጠው ሸያኒ
ሓራም …..
ብዝጊ ተቐይመ እታ ጠልጠልካ ንዓይ ዘይሃበኒ
ካብ ዛ ገፍላው ጀዲድ ምገላገለትኒ::
ሩማና ብርሃኑ 2015