ብሚኪኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
ኣብቲ ዕሙር ጓይላ፣ ዕዱማት እናደበሉ ሓጐሶም እንክገልጹ መርዓት ግና ብብኽያት ተነኽነኽት። ብዘይ ዕርፍቲ መመሊሳ ተደፊኣ በኸየት። መሓዙት ግርምቲ መርዓት ንኽትመስለለን፣ ነቲ ብንብዓት ዝሕጸብ ኵሕላ ኽዅሕላ ኣብ ስራሕ ተጽምዳ። ድሒረን ግን ከም ሓዘንተኛታት ኣብራኸን ዓጺፈን ምስኣ ቓዘና። በኽያ ኢለን’የን ድንጋጸ ሒዙወን እምበር ዘብክያ ምኽኒያትሲ ኣይፈለጠኦን። ብኽያት መርዓት ብዝተጋነነ መልክዑ ቐጸለ። በቲ ዝተገዝኣላ ሓዱሽ ሻሽ ተሸፊና ገጽ ሰብ ከይትርኢ ንርእሳ ናብ መንጐ ኣብራኻ ሸጒጣ ተከዘት። ብዓንተዉኡ ጸገማ ፈሊጣ ንመርዓ ኣትሪራ ተቓዊማቶ’ያ። ግናኸ ብዝነበረ ባህልን እምነተን እቲ ኸበቢ፣ ካብ ፍቓድ ወለድኻ ምውጻእ ነውሪ’ዩ።
ዘሕለፈቶ ስቓይን ዘላቶ ወጥርን ምስ ዝዀነ ፍጡር ከይትዛረበሉ ባህሊ ኣየተባብዓን። በቲ ኸኣ ነቲ ዘላቶ ዅነት ሰብ ዝርድኣላ ኣይመስላን’ዩ።
“ኣንትን ሳንዳይ ንገራና እንዶ ጸገምክን? በጃኽን ኣንትን ለምለም!” መሓዛኣ ኸብዲ ብዝበልዕ ቃና ኣቃለሐት። ኣብ ባህልና ብሕፈረት መርዓት ከትበኪ ንቡር’ኳ እንተዀነ ናይ ለምለም ግን ክንዮኡ ኻልእ ምስጢር ከም ዘለዎ ቓናኣን መልኣኽ ገጻን ይነግረን ነይሩ’ዩ። ለምለም ዘይከምተን ካልኦት መሓዙታ ብጭልቕዓ ኣይተመርዓወትን። በቲ ኸባቢ እኽልቲ መርዓት’ያ። በዚ ምኽንያት ክትበኪ ኣይተጸበያኣን። ገለ ንልባ ዝጐደአ ከም ዘሎ ግምት ኣለወት።
ወራድ መርዓ ዝብገስሉ ግዜ እናኣኸለ ኸደ። መሓዙት ንመርዓት ከጸባባብቓ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ክጽመዳ ኸለዋ፣ ጐራዙ ዓዲ ተኣኪበን ንመርዓዊ ክጸርፋኦ ጀመራ። መርዓውቲ ክበልዑ ከለዉ፣
“ኣብታ ዓይኒ ጣይታ ሓሰኻ ኣላታ፣ ሓባ ጨጐራ ሓጀቕ መጀቕ ምስ ኣንጀራ። ቀጺለን ከኣ
“ይፈልጠኻ እንድየ ወዲ ዓደይ ምዃንካ ብሎቖታ ጊሔ ክትልምን ዝሓገኻ” እና በላ ደርፍታት እናለዋወጣ ነቲ መርዓ ግርማ ወሰኻሉ። ሃንደበት ግና ነቲ ጓይላ ዘዝሕል ሓደ ወረ ከልሕም ጀመረ። “መርዓት ምስ ድንግልናኣ የላን፣” ዝብል ወረ።
መርዓት እንክትነብዕ መሓዙት ብንብዐት ንዝተሓጽበ ኵሕሊ ክመዓራርያ ግዜ’ውን ጠለስ በለ። ለምለም ድሒሩ ብዝመጻ ሓሳብ ሃንደበት ርእሳ ኣቕኒዓ ከበቢኣ ፈተሸ። መተዓቢታን መተሃላልኽታን ዝዀነት ኣምለሰት ብናይ ኣርባሰይ ዝብል ኣጣምታ ክትጥምታ ረአየታ። ነቲ ዘብክያ ዘሎ ምስጢር ዝፈልጡ ንሳን ነጸረኣብ ዝባሃል ወዲ ጐረበታን ጥራይ’ዮም። ኣምለሰት ነዚ ረኺባ ንመርዓኣ ከምተፍሽለላ ዘጠራጥር የብላን። ንሳን ኣደኣን ዝሰምዖኦ ወረ ኣይሓድርን’ዩ። ኣምለሰት፣ መርዓኣ ፈሺሉ ስለ ዝወዓለ፣ ከም ዘይተናሕስየላ ደጊሙ ተሰወጣ።
“ኣምለሰት ዝሰመዐቶ ጕዳይ ደኣ ዳስ ምሉእ ሰሚዑዎ ይኸውን እምበር!” ብውሽጣ ኣድሃየት። ለምለም ኣብ ውሻጠ ኣትያ ነብሳ ከተጥፍእ ወሰነት። እንተ ዀነ ውሻጠኦም ብሳዋን እንጀራ መርዓኣ መሊኡ ከምዘሎ ተገዘበት። ክትገብሮ እትኽእል እንተ ነይሩ ምብካይ ጥራይ’ዩ። ወይ ድማ ነጸረኣብ ወዲ ጐረበይታ ከም መልኣኽ ኰይኑ ከም ቃሉ ካብቲ ዘላቶ ጸበባ ከውጽኣ ኣለዎ።
ጓይላ ተቛሪጹ፣ ወራድ መርዓ ምሳሖም ተመሲሖም፣ መርዓውቲ ኸኣ ሓለፋ ናይ መርዓውቲ እጃሞም ተቐቢሎም፣ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዘተ ኣተዉ። ኣይጸነሐን ሽም ዳስ ኣብ ማእከል ዕዱማት ኰይኑ ንዓንዲ ዳስ ብበትሪ ሃረሞ። ኣቃልቦ ኵሉ ዕዱም ድማ ሰሓበ።
“ክብራት ዓድና መዋስብትና ሰብ ርሑቕ ዓዲ ኢና’ሞ ብእዋኑ ዋሓስ ገርኩም ማይ ሓጺብኩ ሃቡና ይብሉ ኣለዉ!?” ኵሎም ዕዱም ነቲ ናይ ዋሕስ ሰነ ስርዓት ክሰምዕ ተዋደደ። ዓበይቲ ዓዲ ኵታኦም ኣማዓራርዮም። ወሓሰ እናተኸሉ ሃንደበተ ግነ ብሕሹታ እቲ ወረ ኣብ ሓደ ካብቶም ወራድ መርዓ በጸሐ። ከመቕጽበት ገጽ መቕረብ መርዓዊ ውን ከሰል ክኽደን ተረእየ። ነቲ ወረ ዘንበድብዳ ኣደን ጓልን፣ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተጸምዳ። ኣብ ዝተቐረብ መኣዲ ከም ዝበጽሕ’ውን ተበላሐታ።
ኣዕሩኽ ክዓርኩ መዕረኺ ዓርኪ ተሓተቱ። ዝዓቕሞም እናኸፈሉ መርዓት ናብ ዘለቶ ንእዲ ተሰሩዑ። ኣብ ማእሲ ንዝተዳለወ ዳጕሻ ሸተት ዝበለ ዓርኪ ከም ሰነፍ ከይቝጸር ተጠናቐቑ። እቲ ወረ መታን እቶም ቀንዲ ኣዕሩኽ ክሰምዑ ኣብኡ’ውን ተንዝሐ። ኣዕሩ ብድሕሪት ኣሕሸኽሸኹ።
“ዓርከትካዶ ትብጸሓኻ ኣርኸትካ ወለተ ስላሴ” ኣዕራኺ ሓተተ። በቲ ዝሰምዑዎ ስለ ዝዓንዘዙ ወታእታእ በሉ። ጐራዙ ንጌጋኦም ብደርፊ እናዳመቓ ነቲ ወጥሪ ግርማ ሃበኦ። ለምለም ኣብቶም ኣዕሩኽ ገለ ተገንዚባ ሻሽ ተጐልቢባ መሊሳ ተነኽነኸት። “ጓል ትረኽቦ ብዙሕ’ዩ!” ኣዲኣ ዝሓብኣ መኽሪ ተዝ በላ።
ገና መርዓውቲ ከይወጹ፣ ኣደ መርዓት ነቲ ዝነፍስ ወረ ሰሚዓ ኣብ መእኸል እቲ እኩብ ሰብ ሃለዋታ ኣጥፈአት። ሰብ ተኣኪብ፣ ክጸናንዓ ጀመረ። ነቲ ምስጢራዊ ወረ ዘይሰምዖ የለን። መርዓ መልክዑ ቀየረ። ኣብ ንዘይወዓለ ተስካር እምበር መርዓ ጓሎም ናይ ዘመርዕዉ ኣይመስልን’ዩ።
መርዓውቲ፣ መርዓት ተረኪቦም ጕዕዞኦም ፈለሙ። ወለደኛ ዅሉ ቐዚዙ ዝተደረን ዘይተደን ዝተቛጻጸረ ኣይነበረን። ኣደ መርዓት’ሞ ናብ ጽልልቲ ተቐይራ ኣምሰየት። ሓደ ጽሉል ከይተረፈ፣ “መርዓት ብዘይ ድንግልናኣ ተወሊዳ!” ደጋጊሙ ነቲ ዕዱም ኣስሓቖ።
እታ ነቲ ምስጢር ዝዘረወት ጐርዞ፣ ድራማዊ ብዝዀነ ኵነት ተዓዘበት ንቤታ ተበገሰት። ዝሓዘቶ ጭብጢ ስለ ዘለዋ ብዝለዓለ መልክዑ ክትቕጽሎ መሊሳ ተዓጠቐት። ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ካብ መሓዙታ ንሳ ጥራይ በይና ዝሓሰመት ስለ ዝዀነት፣ ንበይና ክትሕመ ድልየታ ኣይኰነን። ተተጐጅለን ዝዕልላ ኣንስቲ ርእያ ኸኣ ኣኽመመሰት።
ወለደኛ ነቲ ባህሊ ዘምጸኦ ሓዘን ከብዱ ሓቘፍ ተከዘሉ። ድንግልና ዘይስገር ክብረትን ሚዛንን ዝሓቝፍ መነጸር።
ወይዘሮ ውንሽ ኣደ መርዓት፣ ንጋማ ጓላ ኽትጽበ ኣዒንታ ኣንኰልኲሉ ሓደረ። ድሙ ትዅን ኣንጭዋ፣ ገልጠም እንተ ኢሉ ኣዕሩኽ ንጋማ ጓላ ሒዞም ዝመጹ እና መሰላ ከይደቀሰት ሓደረት። ከምኡ እናበለት’ውን መዓልቲ እናቘጸረት ራብዕቲ ኰነ። እቲ ንመርዓ ጓል ዝሓመሰ ወረ ኽሰክን ረኣየቶ። ብትጽቢትን ሻቕላትን ወለደኛ፣ ድሩን ዘይድሩርን ክትሰዶም ቐነየ። እቲ ፍጻመ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሰመዖ ግና ዝተቐየመ ውሑድዩ። እኳ ደኣ መቕርብ ዘበለ ሕማቕ ከይሰምዕ ከብዱ ሓቚፉ ቐነየ።
ወይዘሮ ውነሽ፣ ኣብ ገዛኣ ምስ በዓል ቤተን ቡን ክሰተያ ኣብ ምፍላሕ ቡን ተጸመደ ኣንከለዋ፣ ብሓሳብ ጢሒለ ነታ ዝፈለሐት ቡን ከንበድብዳ ጀመራ። እታ ቡን ክትግንፍል ከላ፣ ኣደ ኣምለሰት ዝግንፈለ ወረ ሒዛ ደበኽ በለት።
“ኣንቲን ወነሽ፣ ቈልዓ ሓሲማ ወጮ ኸዲኖም ኣብ ኣድጊ ጺዒኖም ሒዘሞ ይመጹ ኣለዉ!” ኢላ እንላህለሐት ተዛረበት። ከምኡ ኢላ’ያ ኽትነግሮም ተሃዊኻ መጽያ። ኣቦ መርዓት ኣቶ ግደ፣ በቶም ፈረይቲ ኣዒንቶ ኣፍጢም እናጠመቱዋ፣
“ጓልና ምዃና ብምንታይ ኣረጋጊጽኪ?” ብጽዋገ ሓተቱዋ።
“ኣብዚ ኸበብ መንሎ መርዓ ጓል ዘሐለፈ፣ በቲ ኸኣ ምስ’ዚ ኽውረ ዝቐነየ ገሚተ!” ንሳ’ውን ስለ ዘይ ኣመንዋ ብሕርቃን መለሰት። ኣቦ መርዓት ዘረባኦም እንከይ ጀመሩ ኣብ መንገዲ ኣርባዓ ኣብ ኣድጊ ዝተወጠሐት ናብ መንገዲ ገዛኦም ከተላግስ ተዓዘቡ። ብኡንብኡ ተዓዝሞምም ተረፉ። ወይዘሮ ውንሽ፣ ግና ተዀርምየን ክነብዓ ጀመራ። እታ ነቲ ወረ እተሳውር ሰበይቲ ከምቶም ሰብ ገዛ ሓዘንተኛ ንምሳል ተዋሰአት።
መርዓት ገጽ ኵሉ ሰብ እሾኽ ኰይኑ እናወገኣ ዅሉ ነብሳ ብወጮ ተጐልቢባ ኻብቲ ዝተወጠሐቶ ኣድጊ ኽትወርድ እንተ በለት ኣካላታ እናኣንፈጥፈጠ ምውራድ’ውን ሰኣነት። ሓደ ኻብቶ ኣዕሩኽ ግና ነቲ ዅነታት ዝተረደአ እንክመሰል ንኽትወርድ ሓገዛ። ለምለም ብኣጋኡ ባህሪ ኣቦኣ ተረዲኡዋ መሊሳ ብፍርሒ ተዋሕጠት። ኣቦኣ ይትረፍ ጓሎም ኵሉ እቲ ኽባቢ’ዩ ዝፈርሖም። ገናሕን ቀጻዕን’ዮም። ነዚ ፈሊጣ’ያ ብዓንተዉኡ ንኽይትምርዖ ዝተቃወመት። ገና ኽሳዕ ሽዑ ስለ ዘይወረደት ኣደኣ ብኽያተን ሓዲገን ካብቲ ዝጸነሐቶ እናነውነዋ ብዘይ ልባ ኣውረዳኣ። እቶም ሒዘምዋ ዝመጹ ኣባጽሕ ብሕፈረት ተጐልቢቦም ኣድጎም ሸብሊሎም ብሽዓ ግልብጥ በሉ። በስንኪ እቲ ዝተፈጥረ ዅነት፣ እተዉ ኢሉ ዘኽበሮም ኣይተረኽበን። ነቲ ዘጋጠሞም ብሽቝረ እምበር ብኻልእ ኣይተርጐምዎን፣ እኳ ደኣ ልቦም ብዝትንከፍ ድንጋጸ ሰረጾም።
ወይዘሮ ውነሽ፣ በዓል ቤተን ብሕርቃን ጓለን ከይሃርሙለ፣ ናብ ውሽጢ ገዛ ሒዘንናኣ ብምእታው ንጓለን ክገንሓ ጀመራ። ብናተን ዓቕሚ ኸኣ ተሳሃላኣ። ሰለፋ ብምቕንጣው ዘዲዶ ኽሳብ ዝመሰል መርጠጣኣ። ካብ ለምለም እንትርፎ ገጻ እና ሸምቈቘት ምቝንዛው ዝሃበቶ ግብረ መልሲ የለን። ከልከሊ ዘይብሉ ንብዓት ግና ኸዓወት። ኣደኣ ዝበለት ተበለት ከምዘይ ኣምናኣ ስለ ዝስወጣ ስቕ መረጸት።
ኣደኣ ኣጋይሸን ከናናያ ምስ ከዳ ብኡ ንብኡ ኣብ ሓሳብ ሰጠመት።
* * *
ኣምለሰትን ነጸራኣብን ዝባሃሉ ቘልዑ፣ ሓንዳይ ክጻወቱ ምስ ጸነሑ ለምለም ተሓወሰቶም። “ሰለል ንጻወት” ብምባል ድማ ንጸወታ መኣዝኑ ጠምዘዘት። ነጸራኣብ ካብ ክልተኣን ኣዋልድ ስለ ዝፍርዝን ውሳነኡ ንኽሰምዓ ናብኡ ሓቢረን ጠመታ። ናይ ሕራይ ምልክት ምስ ገበረ ለምለም ብጕያ ካብ ገዛኣ ምራን ቐደም ኣምጺኣ ናብታ ኣብ ድሕሪ ገዛኦም እትርከብ ኣውሒ መሪሓቶም ተበገሰት። ንሳን ነጸረኣብን ከኣ ሰለል ንምእሳር ምራን ቀደም ሒዞም ናብ ገረብ ተሰቒሎም ኣብ ስራሕ ተጸምዱ። ለምለም በቲ ሓደ ጫፍ እናኣሰረት ከላ፣ ነጸረኣብ ግን ድሮ ወዲኡዎ ክወርድ ተበገሰ። ኣምለሰት ከኣ ኸይነውሕ ወይ ከይሓጽር ኣብ ታሕቲ ዀይና ኽትዕቅን ጸኒሓት። ነጸረኣብ ቐልጢፉ ስለ ዝወደአ ቐዲሙ ሰለል ክብል ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ። ለምለም ህንጥየነቱ ርእያ ኸይይቅ ድማ ብሸበድበድ ክትወርድ ተሃወኸት።
“ናተይም ምራን እንድዩ ኣነ ንቕድም’የ ሰለል ዝብል፣” ካብ ዝተሰቐለቶ ንኽትወርድ ጀመረት።
“ኣብዚ ኾፍ ዘይ ዝከፍ! ኣነ እንድየ ቀዲመ ኣሰረ ወዲአ፣” በለ ብዓብብሊ ድምጺ።
“ኣነኸ እዚ ዅሉ ኣብ ታሕቲ ክዕቕን ጸኒሐ?” ኣምለሰት’ውን ተቓወመት። ካብ ክልቲኣን ንለምለም ስለ ዝፈቱ ብኣኣ ኽጀመር ወሰነ። ንሱ ኸኣ ደዲሕሪኣ፣ ነዚ ዝሰመዐት ኣምለሰት ብዅራ ተዀርፈፈት።
“ኣይጸወት ኣይማወት!” ኣምለሰት ገዲፋቶም ክትከይድ ወሰነት።
“ጣን ኣብልዮ!” ካብቲ ዝጸነሖ ክውርድ ጀመረ። ሃንደበት ግና ለምለም ኣውያት ፈነወት። ኣብ ርእሲ ነጸረኣብ ድማ ውዑይ ደን ጥብ ጥብ በለ። ነጸረኣብ ብፍርሒ ልቡ እናደገፈ ክረድኣ ጠቐላጠፈ።
“ኣርባሰይ ደኣ!” በለት ኣምለሰት ዕምቘት እቲ ሓደጋ ከይስተብሃለት። ለምለም፣ ሽዑ ነጸረኣብ ዝገበረላ ሓልዮት ወትሩ ንልባ ምስ ሰለበ’ዩ።
* * *
ካብቲ ዝጸነሐነቶ ሓሳብ ንልባ ብዝምሽት ድምጺ ኣቦኣ ሰሚዓ ተበራበረት። ብፍረሒ ዘኣክል ናብቲ ኣብ ጥቓኣ ዝጸነሐ ገውዚ ተጸገዐት። ሽታ እቲ ነቲሕ ስለ ዝበርተዓ እናተጸወገት መሊሳ ተሸጐጠት። ኣቦኣ ጭጐራፍ ዓትዒቶም ኣብ ልዕሊኣ ተገተሩ። ከምዘይ ምሕሩዋ ተገንዚባ ከተንፈጥፍጥ ጀመረት። ለመለም ጭጕራፍ ኣብ ዝባና ኽዓልብ ምስ ጀመረ ተጣረዐት።
“ኣንታ ኣቦየ በጃኻ ሓደጋ’ዩ ወሪዱኒ?” ኣብ ትኣቱዎ ጨነቓ። ክልተ ሰለስተ ኣብ ዝባና ምስ ዓለበ፣ ብርቱዕ ኣውያት ደርጓሓቶ። ኣደኣ ኣውያት ሰሚዐን ጓለን ከድሕና ተብተብ በላ።
“ኣይፋልኩምን ኣጋይሽ ከለዉ እንታይ ወሪዲኩም?” ብቕልጽሞም ዓትዒተን ሓዘኦም። ንሶም ንዐአን’ውን ነጽጎም ኣውደቕወን። ንሰን ከኣ ብፍርሕን ንዳረን እናተደባለቐን ተንሲኤን ቐረበኦም።
“በጃኹም’ባ መፍቶ ጸላእትና ኣይትዅኑ!?” ተጣረዓ። ንሶም ዘረባ በዓልቲ ቤቶም ተሰቚሩዎም ጭጕራፎም ኣንበሩ። ዝሓተቱዋ ሕቶታት ስለ ዘነዎም ግና ብኣጋ ኣይተናገፉዋን።
“ኣንቲ ሰዲ ወዲ መን’ዩ ኣሕሲሙኪ? ብኢደይ ትንፋስኪ ኸይሕለፍኩኺ ትነግርኒ?” ኣጕባዕብዑላ።
“እሞ እንታይ ክበል ወላ ሓደ!” ናብ ኣደኣ ተሽጐጠት።
“እሞ ንፋስ ደኣ ወሲዱዎ! ነብስኺ ኣውጽያ?” ሕርቃኖም ተላዒሉዎም መህረሚ ኣብ ከባቢኦም እንተ ሃልዩ ፈተሹ። ሰበይቶም ኣብ ዘይረኽቡዎ ስለ ዝሓብኦኦ ሰኣኑዎ። ኢደም ዓሚዀም ኣወጣወጡላ። ለምለም እትብሎ ጨኒቑዎ ኣዕለበጠት።
“እንታይ እየ’ሞ ኽብል ኣታ ኣቦ?” በየን ከምትጅምሮ’ውን ሓርበታ። ናይ ግድን ክትነግሮም ከም ዘለዋ ኣዳዕዲዓ ትፈልጥ’ያ። ግናኸ ዝዀነ ሰብ ዝኣምና ዀይኑ ኣይተስመዓን’ዩ። ነቲ ሽግር ከቃልለላ ዝኸእል ነጸረኣብ ጥራይ’ዩ። ንሱ ትምርቲ ኾለጅ ክመሃር ኣብ ከተማ’ዩ ዝቕመጥ። በቲ ኸኣ ንዘጋጠማ ሽግር ንሱ ጥራይ ዝፈትሓላ’ዩ ዝመስላ። ከመይሲ ካብ ቍልዕነታ እናተኸናኸነ’ዩ ኣዕቢዩዋ። ሓዋ ወደዲኣ እምበር ወዲ ጐረበይታ’ዃ ኣይመስላን። ሕልፊ ኣሕዋታ’ውን ትናፍቖ፣ ንሱ ውን ይናፍቓ። ነቲ ዝፈልጡዎ ምስጢር ውን ንነዊሕ እዋን ዓቒበሞ’ዮም። ከምዚ ተጋጢሙ ባዕሉ ናብ ንኣቦኣ ከረድኦም ምዃኑ ቃል ኣትዩላ’ዩ። ኣቦኣ’ውን እንተዀኑ ንነጸረኣብ ይኣምኑዎ’ዮም። ንሱ ኣብ ዘይብሉ ኸኣ መርዓኦ ዊዒሉ ኣብ መዋጥር ተሸምመት። ኣቦኣ ንዝሓተቱዋ ስለ ዘይ መለሰት ሃራበኦም ኣውጺኦም ደሩዑዋ። ሽዑ’ያ ናይ መወዳእታ ክትነግሮም ዝወሰነት።
“ኣቦ ግደፈኒ ሕራይ ክነግረካ’የ! ኣቦ በጃኻ!?” ቃናኣ ንልቦም ተንከፎ። ኑዛዜኣ ክሰምዑ ተሃንደዱ።
“በቃ ኣነን ኣምለሰትን ነጸረኣብን እናተጻወትና ሸተት ኢለ ናብ ጕጭ ብሕፍረተይ ወዲቐ ወላ ንነጸራኣብን ኣምለሰትን ሕተቶም። እመነኒ ኣቦይ ምስ ዝዀነ ወዲ ኣይቐረብኩን!” ነቲ ክውረ ዝቐነየ ቓለ መስክርነት ሃበት። እቲ ሓቂ ኣነጸረትሎም። ዝብሉዎ ጠፊኢዎም ተዓነዱ። ነቲ ምስጢር ንከፈልጡ ንጓሎም ስለ ዝሃሰዩዋ ኣጣዕሶም። ንዅሉ ሰብ ጸገማ ክሕብሩ ኣይምጸልኡን ግና መን ከኣምኖም። ይዅን እምበር ብወረ ከምዝልሕም ለምለም ተስፋ ኣለዎ።
* * *
ለምለም ብጓሂ ዝኣክል መግቢ ኣብዩዋ ዘይ ንሳ መሲላ’ያ ቐንያ። ነጸረኣብ ምስ መጸ ግና ምስኡ ኸተውደኽድኽ ኣይተፈለጣን፣ ሒማኣ ናይ ፍተሕ ሽማግለ ክሰደላ’ውን ተረበጸት። ብኡ ንቡኡ ሰንበት ወግዒ ፍትሕ ተጀመረ። እቲ ፍትሕ እንከዛዘም ግና ሽማግለ ነጸረኣብ ንመርዓ ሓቲቶም ትብጻሕኹም ተባሃሉ። ነቲ ዘይስበር ማሪታዊ ባህሊ ነጸረኣብ ኣንፈቱ ጠምዘዞ።