ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
10ይ ምዕራፍ መበል 75 ክፋል
ምዕራፍ 10
ወተሃደራዊ ግጥማት ኣብ ኣካየደሉ ግዜ፡ እቲ ሓደ ክደፍእ፡
እቲ ካልእ ንድሕሪት ክኸይድ ይኽእል ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓጺር ናይ ምርብራብ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ እቲ ኵነታት ንረብሓ ሰውራ ኤርትራ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኢሰያስ ኣፍወርቂ ሓምለ 78
ብዘይካቲ ጸጸኒሑ ንፈውሲ ማሕላ ዝስማዕ ድምጺ ጥይት ጸላኢ ህጣሙ ኣጥፊኡ ነበረ። ኣብ ፖለቲካውን ኣካደምያውን ትምህርቲ ዝቐነዩ ተጋደልቲ ቍሩብ ናይ ምዝናይ ዕድል ክረኽቡ ከለዉ ናብ ሸነኽ መዓርፎ ነፈርቲ ንዘሎ ቦታታት ጸላኢ እናጠመቱ፡ “ኣንታ’ዘን ኣህባይ ሒዘናና’ምበር ደቂሰን። ይመጽኣዶ ትብሉወን ኢኹም? ክላ! ወላ እንተ መጽኣኸ ዘይትሃንካ ከየውጻእካ’የን መዓኮረን ገልቢጠን ጭራ ቝረጽ ዝሃድማ። ኣንታ ቍሩብ ሕፍር ኣይብላን ድየን? ካን ከምኡ ኢለን ጠርቋሽ ውግእ ከካይዳ ጥራይ ክነብራ! ኤእ! እንታይ ዘይገበራ ኢልካየን፡ ዘይዕሱባት’የን፡” እናተባሃሃሉ አውግዑ ነበሩ።
ሓንቲ ዓርቢ ግን ጋሕጋሕ ምድሪ ናይ ተጠንቀቕ ትእዛዝ ተሓላለፈ። ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ምምጻእ ጸላኢ ክጽበ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ተጽሚዱ ወዓለ። ጸላኢ ግን ተወስ ዝይበለን። ብለይቲ ክወፍር ስግኣት’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ውጡር ሃዋህዉ ቀሲኑ ዝድቅስ ሰብ ክርከብ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዝኾነ፡ ቍሪ እናተቐፍቀፉ ሓለዋ ዝሓደሩ ዋርድያታት በብተራ፡ “ዝኾነ ምንቅስቓስ የሎን፡ ኵነታት ሰላም’ዩ ዘሎ፡” እናተባሃሃሉ ክቀያየሩ መሬት ብሰላም ወግሐ። ካስትሮ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ደቀሰ ማለት ዘበት’ዩ። ቅነ ለካቲት ስለ ዝነበረ በስሓይታ ከርዲደን ካላሽን ምዕታር ከሊአንኦ ንዝነበራ ኣጻብዕቱ ዕጽፍ ዝርግሕ እናበለ ጸሓይ ክትበርቀሉ ተመነየ። ርእሱ ሸፊኑላ ንዝነበረ ረቃቕ ክሹኽ ሰንጢቑ ብምሕላፍ፡ ኣእዛኑ ሓውሓው ዘብሎ ዝነበረ ቍሪው’ውን ጽቡቕ ኣይሃቦን። ግመ ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት ቍሩብ ክፍት ከኸፍት ጀመረ። ተራኣኣይነት ግን ካብ ሓምሳ ሜትሮ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብመሰረት ሓበሬታ ወተሃደራዊ ስለያ፡ ጸላኢ ክወፍር ምዃኑ ተፈሊጡ’ኳ እንተ ነበረ፡ በየናይ መኣዝን ብኽንደይ ዝኣክል ሓይልን ግን ብንጹር ዝተገልጸ ነገር ኣይነበረን።
ካስትሮ ብድቃስ ምስኣን ባዕዚዙ ከሎ ደርገፍ እናበለ ሃለቃ ናብ ዝነበሮ ብርኽ ኢሉ ቦታ ብሬን ገጹ ሰጐመ። ሃለቃ ብሬኑ ክወላውል ጸኒሑ ናብ ጥቓኡ ምስ ቀረበ፡ “እዘን ፈርቋቛት ንዘይወፍራ’ባ ለይትና ቀሊጠንኦ ሓዲረን፡” በሎ ጠመተኡ ናብ ካስትሮ ገጹ እናቕንዐ።
“ክላ! ቀትሪ ዘይወፈራዶ ለይቲ ክደፍራ ኢልካየን ኢኻ።”
“ምዃን ሓቅኻ ኢኻ! ኣምሓራ ጸላም መባልዕተን ኣይኮነን። ወይ ሎሚ ወይ ጽባሕ ግን ምቍሽማድ ከም ዘሎ ፍለጥ።”
ካስትሮ፡ ሃለቃ ንውግእ ካብ ዘለዎ ህርፋን ተበጊሱ ይዛረብ ከም ዘሎ ፈሊጡ፡ “ከምኡዶ ተራእዩካ?” በሎ ክምስታ ወሲኹ።
“በዓል ካስትሮ ደኣ ማርክስነት ተማሂርና’ባ ከዲርና’ባ ኢልኩም ሕልሚ ኣይትኣምኑሉን ኢኹም’ምበር፡ ሎሚ ለይቲ ብርቱዕ ውግእ ከም ዘሎ ክርኣየኒ ሓዲሩ። ይገርመካ እዩ ምስ ኣምሓራ ዝተጋደፍና የብልናን። እንታይ’ሞ ክብለካ እየ። ኢድ ብኢድ ከም ዘይሓልፍ ትዅስትር ሓዲርና።”
“እሞ ንሕና ኢና ሰለም ከየበልና ሓዲርና’ምበር ሃለቃስ ድቃስ በሊዕካያ ኢኻ። ኣባኻ ዘሎ ቅሳነት’ኮ ነበይኑ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣምሓራ ከለኻ ብህይወትካ ተስኪሞምኻ ከይከዱ እየ ዝፈርሕ።”
“ናቱስ ደሓን፡ ብልብኻ ከምኡ ከም ዘይትብል እፈልጥ’የ። ምስ ኣምሓራ ድማ ጥይት ጥራይ’ያ ትፈልየኒ። ኣብዘን ሰለስተ መዓልቲ ምዃና ከኣ ፍለጥ። ንዘረባይ ቁምነገር ኣይትህቦን ኢኻ’ምበር፡ ይብል ነይሩ ክትብል ኢኻ።”
መቸም ንስካ ዘይተምጾ ነገር የብልካን። ንኺድ ጥራይ ንውረድ ቍርሲ እንተ ረኸብና፡” ኢሉ ስጕም ኣበለ ካስትሮ።
ሃለቃ ክሰዶ ስለ ዘይደለየ፡ “ኮፍንዶ በል ሓንሳብ፡ ዝሓለምኩዎ ከዕለላካ ደልየ’ለኹ፡” እናበለ ብጕምቦ ኢዱ ሒዙ ከም ብሓድሽ ኮፍ ኣበሎ።
“ሕደገና’ንዶ ሃለቃ ጠሚና’ለና ያኣኺ! እስኪ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ?” ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኵድም በለ።
“ሽሾ ዝኾኑ ኣንበጣ ይወሩና’ሞ፡ ንሕና ድማ ከክንዲ ካላሽን ዝቝመቱ ዝተክኽ እያድ ሒዝና ሽሽ! እናበልና ነሳጕጐም። ንገለ ካባና ምስ ነኸሱና ኣነ ዘለኹዎም ንወድቕ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን እቶም ኣንበጣ ሃዲሞም ዝምለሱ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብድሕሪኡ ግን ንዓይን ንሓደ መን ምዃኑ ዘይርድኣኒ ብጻይ ኣብ ዕትሮ ኣእቲኹም ስዋ ትኽዕዉልና፡” ክብል ትሕዝቶ ሕልሙ ዘርዘረሉ።
“ኣንታ ሃለቃ፡ ነዚ’ሞ እንታይ ኢና ክንብሎ? ሳክት ቁምነገር ዘይብሉ ሓብጀር ቀጀር ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ንዓይ።”
“ኣነስ ራእይ ዮሃንስ ወይ ትንቢተ ኢሰያስዩ መኦኣስ ኢለካ። ኣብዘን ክልተ መዓልቲ ግን ሓያል ውግእ ከም ዝህልወና ፍለጥ። ኣቦይ ሕልሚ ክፈትሑ ጉድ’ዮም ነይሮም። ቈልዓ ከለኹ፡ ኣብ ሕልሚ ትርእዮ ኣንበጣ ሰራዊት’ዩ፡ ንሰብ ኣብ ገንኢ ኣእትዮም ስዋ እንተ ኽዕዮምሉ ድማ ይቕበር ኣሎ ማለት’ዩ ክብሉ እሰምዖም ነይረ። ስለዚ፡ ሓንቲ ዝላበወካ፡ እዛ ሓዊ ዓይና ብሬነይ ኣምሓራ ከይወስዳኣ ጥራይ ሕድርኻ፡” በሎ ንብሬኑ ብኸብዲ ኢዱ እናጠፍጠፈ። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝተሰርሐት ጽርይቲ ብሬን እንግሊዝ እያ ነይራ።
ሃለቃ፡ ብትብዓቱ ይኹን ብትግሃቱን ቅንዕናኡን ኣዝዩ ዝነኣድ ተጋዳላይ ክነሱ፡ ኣብ ማሪትን መለኮትን ዝነበሮ እምነት ገና ስለ ዘይሃሰሰሉ፡ ጸጸኒሑ ሓሊመ እናበለ በጨቕ ዘብሎ ዘረባታት መፍቶ ደቂመስርዑ ይኸውን ነይሩ። ከም ኣጋጣሚ እንተ ሓሊሙ ድማ ኣይስክሕን’ዩ ይሰትሩኒ’ዮም ንዝበሎም ደቂመስርዑ መሪጹ’ዩ ዝነግሮም ነይሩ። ክሳትሮ ድማ ካብቶም ቀንዲ ሰማዕቲ ሓደ ነይሩ።
“ክንደይ ግዜ ዘይሓለምካ’ሞ ኣታ ሃለቃ! ሰላም ሃበና በጃኻ! ሕልሚ ወዲ ሕልሚ ኢልካ ዘረባ እንተ ረሳዕካዮ ይሓይሽ፡ ሃለውለው’ዩ። ወዲሰብ ከኣ እቲ ቀትሪ ዝሓስቦ ከም ዝሓልም ፍለጥ። ንኺድ ጥራይ ሕጂ ገለ ሃንዛ እንተ ረኸብና ክንቋርፍ። ሻሂ’ኳ ክንደየናይ ከይርከብ፡” ኢሉ ናብቶም ኣብ ስግሮም ክቘርሱ ኣብ መኣዲ ከቢቦም ዝነበሩ ደቂ ጋንታኡ መሪሑዎ ብግስ በለ።
“ሓቅኻ ኢኻ ዝመጽአ ከይመጽአ ብርኩታኻ ንጸ እዩ። እዛ ሕልሚ ግን ኣብ ልብኻ ደኣ ሓዛ፡ ብጩቕ እንተ በልካ ንዘልኣለም ክንጻላእ ኢና፡” ኢሉ ብሬኑ ከልዕልን ከቢድ ብረት ጸላኢ ብብርቱዕ ድምጺ፡ ሂም! ክብልን ሓደ ኮነ። ሃለቃ፡ “ወዲኣይተ! ናብ ድፋዕ ብምምላስ በተን ደቀቕቲ ኣዒንቱ ኵነታት ጸላኢ ክከታተል ጀመረ። መሬት ብመጠኑ ከፊቱ ነበረ። “ኢለካዶ! ክወፍራ ደልየን’የን ከቢድ ብረት ዝትኵሳ ዘለዋ። ክላ በል፡ እዛ ሓዊ ዓይና ብሬነይ ሽሻያ ሰሪዑላ ክውዕል’ዩ!” ኢሉ ዘረባኡ ከይወድአ ተዅሲ ከቢድ ብረት እናጻዕጽዐ ከደ።
ካስትሮ ምስኡ ተጸጊዑ ብክሻፋ ክጥምት ጸኒሑ፡ “ሓቅኻ’ለኻ፡ ከይተበገሳ ኣይተርፋን’የን፡ ክላ በል! መሬት ብሬሳ ዘማች ኵምር ኢላ ቃሬት ቃሬት ጨንያ ክትቅኒ እያ። መሳኪን ዝፈልጠሎም ዘይብሎም ትም ኢሎም ይረግፉ!” በለ ኣብ ኣእምሮኡ እቲ ወትሩ ድሕሪ ዝኾነ ውግእ ዝኽሰት ብቦምባን ጥይትን ዝበሰለ ሬሳ ወተሃደራት ጸላኢ እናተሳእሎ።
“እዚኣተን’ሞ ኣበይ ከትክላ ኢልካየን ኢኻ። ጥይት ክሳብ ትውድእ ሕኛ ተማሲልካ ኢድ ብኢድ ከይተኣታተኻዶ ውግእ ተባሂሉ እዩ ኣንታ ካስትሮ!” ክብል መለሰሉ ሃለቃ። ምሉእ ኣቓልቦኡ ናብታ ብድሮኡ ከልሕማ እናሓሰበ ተመንጢላ ዝሓደረት ሽዳኡ ቀኒዑ ነበረ። ከም ሓቂ፡ ብውትህድርና ዝመጽአ ይትረፍ ሽዳ ተመንጢላ ወላ እታ ዝደቐቐት ነገር ክትማላእ ኣለዋ ዝብል፡ ዝኾነ ኣበር ክርከቦ ዘይፈቱ ትብዓቱ ዘምሰከረ ናይ ኵናት ሰብ’ዩ ነይሩ።
ኣብ ምሉእ’ቲ ግንባር ዝነበራ ሬድዮታት ርክብ ሃንደበት ጭጭ! ጭጭ! ክብላ ጀመራ። ኣቡዓፋን ኣብ ሓደ ብርኽ ኢሉ ቦታ ኮይኑ ብሬድዮ ምስ ሓለፍቱ እናተራኸበ ነቲ ኵነታት ክከታተል ከሎ፡ ካስትሮ ብወገኑ ንጋንታኡ፡ “ተዅሲ ብሬን ከይሰማዕካ” ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቲ ሽሾ ሰራዊት ጸላኢ ደብዳብ ከቢድ ብረት ተኣማሚኑን ብሓለፍቱ ተደፋፊኡን ጐተት እናበለ ናብ ድፋዕ ገጹ ቀረበ። ኣስታት ሃምሳ ሜትሮ ምስ ተረፎ ኣብ ምሉእ’ቲ ዕርዲ ተዅሲ ተፈነወሉ። ኣብ ዝሓሰቦ ከይበጽሐ ከሎ ድማ ዝመውትን ዝቘስልን ኮነ። ጻኦቂ ስለ ዝነበሮ ግን ሰፍ ዘይብል ክሳራ እናኸፈለ ንቕድሚት ምምራሽ ቀጸለ። መሬት ብሽታ ባሩድን ኣውያት ውጉኣትን ኣብ ገሃነም እሳት ተቐየረት። ጋንታ ካስትሮ ኣብ መጀመርታ ተዅሲ ጻዕጺዑዋ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሃለቃ ኣንፈት ተዅሲ እናኣለለየ ብሬኑ ከነቅዋ ምስ ጀመረ ብመጠኑ ትንፋስ ረኸበት። ንውሱን ግዜ ድማ ብዘይካቲ ጸጸኒሑ ቈራዕራዕ! ኳሕ! ዝብል ዝነበረ ድምጺ ብረት፡ ሚዛን ዘለዎ ተዅሲ ኣይነበረን።
ብሸነኽ ጸጋም ዝነበረ ውግእ ናህሪ ነክዩ ጸኒሑ ሰራዊት ጸላኢ ተደራቢ ሓይሊ ስለ ዝሰዓቦ ብሓድሽ መንፈስ ክዋጋእ ጀመረ። ብሸነኽ የማን’ውን ሃይሉ ዳግም ወዲቡ ብምምጻእ፡ ኣንፈቱ ንየማን እናመጠጠ ንካልእእይቲ ጋንታ ከም ሕሱም ኣትቅዓ። መሬት ዳግማይ ሓዊ ተወልዐት። ጸላኢ ብወገን የማን ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብመጠኑ ስለ ዝሰለጦ፡ ሓንቲ መስርዕ ዓሪዳትሉ ንዝነበረት ብርኽ ዝበለ ቦታ ክቈጻጸር ከኣለ። መስርዕ ካስትሮ ድማ ኣብ ሓውሲ ከበባ ኣትያ ኣብ ክልተ ኣማራጺታት ወደቐት። ንሱ ድማ ክሳብ ዘናግፋ ረዳት ትረክብ ኣትኪላ ክትዋጋእ ወይ ድማ ናብ ሸነኽ ጸጋም ናይቲ ድፋዕ ብምንስሓብ ሓይላ ክትዕቅብ ምፍታን ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ስለ ዝተወስደ፡ ውግዕ በርቲዑ ከም ብሓድሽ ናብ እሳት ተቐየረ።
ጸላኢ ተዛማዲ ብልጫ ረኺቡ ክደፍእ’ኳ እንተ ፈተነ፡ ሃለቃ ብዘደንቕ ክእለትን ትብዓትን ብብሬኑ ስለ ዝተኸላኸለ፡ ካስትሮ ብዓቕሊ ረዳት ተጸበየ። እቲ ዝያዳ ጸገም ዝፈጠረ ዝተወግኡ ብጾት ቀዳማይ ረዲአት ክረኽቡ ናይ ዘይከኣሉ ውጉኣት ብጾት ነይሩ። ሃለቃ ንሓዊ ዓይና የማነ ጸጋም እናጠዋወየ ንመዛግብ ጸላኢ ብሓዊ ክልብልቦ ጸኒሑ፡ ኣንፈቱ ናብቲ ብሸነኽ የማን ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ኮይኑ ዘሸግሮም ዝነበረ በዓል ብሬን ገጹ ኣቕንዐ። ብሬኑ ብረስኒ ምሓዛ ክሳብ ዝጽግሞ ንገለ ካልኢታት መጅሙዕ ብምትኳስ ድማ ከም ዘጽቅጥ ገበሮ። ሃንደበት እልቢ ዘይብሉ ተያይቲ ክዘንቦ ጀመረ። ኣንፈት ብሬኑ እናቐያያረ ናብ ኣንፈት ተዅሲ ብምቕናዕ ብጅግንነት እናተዋግአ ከሎ ብጥይት ጸላኢ መትልሑ ተሃሪሙ ንጐድኒ ወደቐ። ድምጺ ብሬን ምስ ጠፍአ ሃለቃ ከም ዝተወግአ ርዱእ ነይሩ። ንመስዋእቲ ሃለቃ ዝሓሰቦ ሰብ ግን ኣይነበረን።
ሰራዊት ጸላኢ በዚ ተተባቢዑ ንመስርዕ ካስትሮ ኣብ ምሉእ ከበባ ከእትዋ መደበ። ካስትሮ ሃለቃ ከም ዝተሰውአ ምስ ኣረጋገጸ ደሙ ከም ስርዓት ፈልሐ። ብዘይ ብሬን ሃለቃ መስርዕ ኣብ ዘላቶ ክተትክል ከም ዘይትኽእል ርዱእ ኮይኑ ንሃለቃ ክትትክእ ምፍታን ግን ነፍሰቅትለታዊ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። ካስትሮ ግን በቲ ሓደ መዝገብ ጋንታኡ ከይድፈር ፡ በቲ ካልእ ድማ እታ ‘ሓዊ ዓይና ኣምሓራ ከይወስዳኣ ሕድርኻ’ ዝብል ለበዋ ሃለቃ ዘኪሩ፡ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጠኒኑ ናብቲ ሓዊ ዓይና ዝነበረቶ ቦታ ብናህሪ ጐየየ። ከም ማይ ዝዘንብ ዝነበረ ጠያይቲ ጸላኢ ብየማነ ጸጋሙን ብልዕለኡን እናፋጸየ ንስክላ ድሒኑ ኣብታ ድፋዕ ድርግም በለ። ንሬሳ ሃለቃ ንጐድኒ ኣልዩ ድማ ኣብ ማዕዶኡ ንዝነበረ ጭፍራ ጸላኢ ሃዊ ክግጭቦ ጀመረ። ቅድሚ መራሕ መስርዕ ምዃኑ ሓያል መድፍዓጂ እዩ ነይሩ።
መስርዕ ካስትሮ ይኹን ምስኣ ኣሲረን ዝነበራ መሳርዕ ተዛማዲ ትንፋስ ረኸባ። ነዊሕ ከይጸንሐት ንረዳት ዝመጽአት ሓንቲ መስርዕ ነቲ ንየማን መጢጡ ናብ ድፋዕ ገጹ ቀሪቡ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ብጐድኑ ኣትያ ተዅሲ ፈነወትሉ። ብተወሳኺ ብሸነኽ ጸጋም ዝተወሃሃደ ናይ ኵሊት መጥቃዕቲ ስለ ዝተኻየደ፡ ሰራዊት ጸላኢ ፍናኑ ወዲቑ ክበታተን ጀመረ። ብኡንብኡ ድማ ምዉታቱ ዛሕዚሑ ንድሕሪት ክቕፍቀፍ ተገደደ። ጸላኢ እቲ ልሙድ ስዕረቱ ከም ዝተሓንገጠ’ኳ እንተ ተረጋገጸ፡ ፈተነኡ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ዳግማይ ሓይሉ ወዲቡ ካልኣይ ፈተነ ብምክያድ ዓቕሚ ሰራዊት ህግሓኤ ክጽንቅቕ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ርዱእ ነይሩ።
ድሕሪ ቐትሪ ቍሩብ ቀሊዑ ዝነበረ ምድረ ሰማይ ከም ብሓድሽ ብግመ ተሸፈነ። ተጋዳላይ ንጸላኢ ክቋመት ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ቍልጭ ክብል ወዓለ። በብቝሩብ ዒፍዒፍታ ባሕሪ በርቲዑ መሬት ግብ ኢሉ ብግመ ተሸፈነ። ካብ ዕስራ ሜትሮ ንላዕሊ ዝርአ ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ድምጺ ጥይት ክሰምዕ ኣእዛኑ ኵር ኣብ ምባል ተጸምደ። ጸላኢ ንባህርያዊ ሽፋን ተጠቒሙ ንሓይልታት ህግሓኤ መታን ከዘንግዕ ሃንደበት ዕሙር ተዅሲ ከፈተ። በድራጋ ዝትኰስ ዝነበረ ተያይትን ዝፍኖ ዝነበረ ቦምባታት ኢድን ነቲ ከባቢ ብብርሃን ወልዖ። ፍርቂ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ እቲ ኣብ ቅድሚ ድፋዕ ተጋደልቲ ዝነበረ ቦታ ብሬሳን ኣብ ጻዕረሞት ብዝነበሩ ውጉኣት ወተሃደራትን መርኣዪ ተሳእኖ። ‘ስለ’ዝግሄር ዘይተቃብጹኒ፡ ስለ ገብርኤል ሓንቲ ጥይት’ባ ለግሱለይ፡ ኣታ ማይ’ባ ሃቡኒ!’ ዝብል ናይ ስቅያት ድምጺ ብዙሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኮቦሮ እዝንኻ ዝበስዕ ድምጺ ተዅሲ ጸጸኒሑ ሂም ዝብል ዝነበረ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ዘቃልበሉ ሰብ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን።
እቲ ውግእ ኣዝዩ ጽዕጹዕ’ዩ ነይሩ። ሰራዊት ጸላኢ’ውን ብዕጥቅን ስንቅን ብልጫ ከም ዝነበሮ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ግንከ፡ ብመሰረቱ ቦኣይነትን ብቖኣትን ምስቲ ንክቡር ዕላማ ዝተሰለፈ፡ ብሰውራዊ ክልሰሓሳብ ዝበሰለ፡ ብውፉያት መራሕቱ ዝተኣማመን፡ ተሪር ሓድነትን ሃጺናዊ ድሲፕሊንን ዝነበሮ ተጋዳላይ ክዳረግ ስለ ዘይከኣለ ውጉኣቱ ራሕሪሑ፡ ጭራኡ ብምድጓል ናብቶም ኣጆኻ ኢሎም ብምትብባዕ ዝለኣኹዎ ኣዘዝቱ ተመልሰ።
እቲ ንኽልተ ሰዓታት ብድምጺ ጥይትን ቦምባታትን ተናዊጹ፡ ብጥይትን ብተፈንጫሊ ሓጺንን ናብ እሳተ ጎመራ ተቐዪሩ ዝጸንሐ ድፋዕ ጸጥ በለ። ካስትሮ ክትኵሰላ ዝጸንሐ ብሬን ንብጻዩ ኣረኪቡ ኵነታት ውጉኣት ክፈልጥ ካብ ድጋዕ ወረደ። ናብቶም ኣብ ከውሊ ዝነበሩ ክልተ ውጉኣትን ሓኪምን ክበጽሕ ገለ ሜትሮታት ምስ ተረፎ ሂም! ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ተሰምዐ። “ፋሕ በሉ!” ኢሉዎም ብየማኑ ኣብ ዝነበረት ዓባይ ደንጐላ ተጸግዐ። ኣብ ፊቱ ዝነበሩ ብጾት ድማ ኣብ ዘዝነበሩዎ ቦታ ኮፍ በሉ። ጸላኢ ብዝወረዶ ስዕረት ኣንጸርጺሩ መዳፍዑ ቦኣይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ከም ማይ እናዝነበ ነቲ ከባቢ ሓረሶ። ዝበዝሕ ካብኡ ኣብቲ ብዛዕዛዕታ ተርኪሱ ዝቐነየ ልምሉም መሬት ስለ ዝወደቐ ግን ክትኰስ ኣይከኣለን። ነዚ ዝተዓዘበ ካስትሮ፡ “በጃኻትኩም ፋሕ በሉ። ቍሩብ ኣይትሓስቡን ዲኹም? ብሓንቲ ቦምባ ክትጠፍኡ፡” ክብል ገንሖም ከም ርስን ኢሉ።
ሓደ ብጻይ፡ “ሓቅኻ’ለኻ ካስትሮ፡ እዛ ቦታ ኣይፈተኹዋን ዘለኹ፡ ቃልዕ’ያ ትመስል፡” ኢሉ ካብ ብጾቱ ቍሩብ ፍንትት ብምባል ከውሊ ቦታ ረኺቡ ኮፍ በለ። “ተዘብሪቝካ ዲኻ ወዲገሬ? ቢላሂ ድሕሪ ሃለቃስ ኣብዛ ዓለም ክትነብር ትምነ’ለኻ? ደብዳብ ሃውን ቍማር’ዩ። ኣነ’ኳ ወላ ኣብዛ ርእሰይ ትዕለብ ካብዛ ዘለኹዋ ነቕ ኣይብልን’የ፡” በለት ኢዳ ተወጊኣ ዝነበረት ርሂጸ በላዕ።
ወዲገሬ መልሲ ከይሃባ ከሎ ኣብ ሓደ ከውሒ ዝዓለበ ቦምባ ሂም ኢሉ ተፈናጨለ። ሓደ ብጻይ ብደቂቕ ፍንጫል ዓይኑ ክህረም ከሎ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ካስትሮ ብዓቢ ጅላድ እግሩ ተወቒዑ ኣብ ዝነበሮ ተረዅመሸ። ሓኪም ጋንታ ተቐላጢፉ ነቲ ብብብዝሒ ዝዛሪ ዝነበረ ድም ክዓግት ብፋሻ ከረው ኣቢሉ ኣሰሮ። ቃሬዛ ዝሓዙ ሰባት ክሳዕ ዝመጽኡ ድማ ግዝያዊ ካስት ገበረሉ።
ዓዲሓውሻ ዝወዓላ መካይን ካብ ምሉእ’ቲ ግንባር ንዝተኣከቡ ውጉኣት ክጽዕና ተቐረባ። መጀመርያ እቶም ብርትዕ ዝበለ መውጋእቲ ዝነበሮም ምስ ተጻዕኑ እቶም ቀሊል ማህረምቲ ዝነበሮም ሰዓቡ። ንበዓል ካስትሮ ዝጸዓነት መኪና ህሱያት ጥራይ ስለ ዝነበሩዋ ኣብ ደቀምሓረ ደው ከይበለት ንዓላ ቀጸለት። ማይሽሑል ሓሊፎም ሸለውለው እናበሉ ናብ ቀይሕኮር ክቕልቀሉ ከለዉ፡ ዒፍዒፍታ ባሕሪ ዝተሓወሶ ዝሑል ንፋስ ተቐበሎም። ዝበዝሑ ጃኬት ስለ ዘይነበሮም ቍሪ በርቲዑዎም ሕቕብቅብ በሉ። ካስትሮ ክብገስ ከሎ ዝተዋህቦ ፈውሲ ቃንዛ ድሮ ሓይሉ ስለ ዝወድአ ብርቱዕ ቃንዛ ጀመሮ። መኪና ሰሳሕ ሓሊፋ ንየማን ብምጥዋይ ኣብ ደግዳግ ዝበዝሖ መንገዲ ምስ ኣተወት ሓፍዞቝ ከፊኡዎ ተጠሊዑ ኡይ ክብል ቍሩብ ተረፎ። ስኑ ነኺሱ’ኳ እንተ ተጓዕዘ፡ መኪና ደግዳግ ረኺባ ዝል ክትብል ከላ ግን ካብ ክቱር ቃንዛ ዝተላዕለ፡ “ሃ. . .ይ!” ዝብል ድምጺ የስምዕ ነበረ። ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ካብኡ ዝሓሸ ውጉእ፡ “ኣታ ብጻይ! ኣውቲስታ! ቀስ በል በጃኻ። ቀቲልካና’ኮ፡” በሎ ብዓውታ።
መራሕ መኪና ድምጺ ሰሚዑ መኪና ደው ድሕሪ ምባል፡ ክሳዱ ብመስኮት ኣቐልቂሉ፡ “እሂ’ቱም ብጾት፡ ሃስየኩም ድየ?” በሎም።
“ቀስ በል በጃኻ! ውጉኣት ጽዒንካ ከም ዘለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ?” በሎ ሃደ ኣብ ጸግዒ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ኣብ ቅልጽሙ ዝተወግአ ብጻይ።
“ሃሲኻና’ንዲኻ ኣንታ ብጻይ፡ ኣብ ደግዳግ ክትበጽሕ ከለኻ ከኣ ቀስ በል በጃኻ፡” ወሰኹ ካልኦት በብወገኖም።
“እንታይ ክንገብር ኢልኩምና ኣቱም ብጾት! ንዓኻትኩም ኣብጺሐ፡ ካብ ዓደሮሶ ንፍልፍል ዝኸዱ ውጉኣት ጽዒነ ስለ ዝብገስ’ንድየ ተሃዊኸ፡” በሎም ስክፍታ ብዝተሓወሶ ኣዘራርባ። ብዝኾነ ጥርዓኖም ሰሪሓ ግዲ ኾይና መኪና ገፈፍ እናበለት ክትጐዓዝ ጀመረት።
ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ኣቢላ መኪና ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐት፡ ብማዕዶ መብራህቲ ዝረኣዩ ኣለይቲ ሕሙማት ተዳልዮም ጸንሑዋ። ንገለ ብቃሬዛ፡ ንገለ ሓዚሎም ኣብ ቴንዳታት ከእትዉውዎም ከለዉ፡ ዶክተር ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈቱ ጸኒሑ ተሓወሶም። ኣይደንጐየን ኣብ ቴንዳ ኣትዩ ኵነታት ነፍስወከፍ ውጉእ ክምርምር ጀመረ። ኣብ ካስትሮ ምስ በጽሐ ነታ ብካስት ተኣሲራ ዝነበረት የማነይቲ እግሩ እናኣመልከተ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢላ ምስ ዝነበረት ተሓጋጋዚቱ ብእንግሊዝኛ ተዘራረበ። ካስትሮ ኵነታት እግሩ ክፈልጥ ኣእዛኑ ጸለወ። ካብቲ ብትሑት ድምጺ ዝዛረቡዎ ዝነበሩ ሕክምናዊ ቃላት ግን ንግሆ ንግሆ ክሕከምን መርፍእ ክውጋእን ምዃኑ ጥራይ’ዩ ክሰምዕ ክኢሉ። እግሩ ክትቍረጽ’ያ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝነበሮ ብመጠኑ ተረጋግአ።
ዶክተር፡ ምካስትሮ ኣእዛኑ ኵር ኣቢሉ ክሰምዖም ከም ዝጸንሐ ኣስተውዒሉሉ፡ እግርኻ ምስበርቲ ኣለዋ፡ ንኽትጽግን ግን ጸገም የብላን፡” ኢሉዎ ክንየዉ ናብ ዝነበረ ናይ ርእሲ ማህረምቲ ዝነበሮ ውጉእ ቀጸለ።
“ግን ቃንዛ ሞይተ’ለኹ ዶክተር።”
ዶክተር ገጹ ገልቢጡ፡ “ሕራይ” ኢሉ ርእሱ ነቕነቐ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ቍስሉ ከም ብሓድሽ ብዲቶል ተሓጺባ ድሕሪ ምሕካማ ሓድሽ ካስት ተገብረላ። ጸረ ረኽሲ መርፍእ ምስ ተወግአ ድማ ፈውሲ ቃንዛ ተዋህቦ። ቀዳመይቲ ለይቲ ክሳብ ዝቐትር በጥ ኢሉ ሓደረ።
ካስትሮ፡ እግሩ ካብ ኵሮዅሮኡ ክሳብ ልዕሊ ብርኩ ብካስት ተኣሲራ ከላ ንግሆ ንግሆ ምሕካም ቀጸለ። መርፍእን ቫይታሚንን ከኣ ይወሃቦ ነበረ። ቍስሉ በብቝሩብ እናተመሓየሸት’ኳ እንተ ኸደት፡ ኣብ ጐድኑ ናይ ዝነበረ ውጉእ ኵነታት ከሻቕሎ ጀመረ። እቲ ብጻይ ኣባል ሳልሰይቲ በጦሎኒ ካልኣይቲ ሓይሊ ኮይኑ፡ ማህረምቱ ካብ ናይ ካስትሮ ዝሃሸ ክመስል ጸኒሑ፡ እግሩ ጋንግሪን ስለ ዝገበረት ካብ ትሕቲ ብርኩ ተቘሪጻ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ እግሩ ካብ መቝረጽቱ ከም ዘይትድሕን ከም ውዱእ ነገር ወሰዶ። ስለዝኾነ፡ ንግሆ ንግሆ ክሕከም ከሎ እናናሳዕ ናብ ቍስሉ ብምጥማት፡ “ዶቶረሳ እዛ እግረይ ካብ ጋንግሪን ደሓን ድያ?” እናበለ ምሕታት ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ክትሕክሞ ዝቐነየት ኣላዪት ሕሙማት ንሻቕሎቱ ተረዲኣ፡ “ስሞኣኒ ብጻይ፡ ቀዳማይ ነገር ከም ዝርእዮ ዘለኹ ሰብነትካ ረኻሲ ኣይኮነን፡ ቍስልካ ድማ ጽፍፍቲ እያ ዘላ። ደሓር ከኣ ቍስሊ ጋንግሪን እንተ ገይሩ ቃንዛ ኣይስምዓካን’ዩ፡” ክትብል ኣቕሰነቶ።
ካስትሮ ግን በዚ ኣይዓገበን። ሓደ ንግሆ ዶክተር ኣብ ዑደት ጸኒሑ ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረበ፡ “ዶቶረ እዛ እግረይ ተስፋ ዘይብላ እንተኾይና ዘይትኻርጀና፡” በሎ። ጽቡቕ ተለማሚዶም’ዮም ቀንዮም።
“ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ነቦ ዘይብሉ ከንኪ ድዩ ዝብሃል? እግርኻ ደኣ እንታይ ናብ መቝረጽቲ ዘብጽሕ ሽግር ኣለዋ? ሕጂ ዳርጋ ሓውያ ስለ ዝኾነት ድሕሪ ጽባሕ ኣቢሉ ጄሶ ክግበረልካ እዩ፡” ዝብል ቃላት ኣስምዖ።
ካስትሮ ጄሶ ትብል ቃል ምስ ሰምዐ ገጹ በርሀ። ምኽንያቱ ኣዕጽምቲ በራቒቶኡ ከይዘናበል ብትራክሽን ተኣሲሩ ጥቅንልዒት ጥራይ ይድቅስ ስለ ዝነበረ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን ነይሩ። ከም ሳዕቤን ከኣ ኣብ ቀልቀል ምውጻእ ጸገም ነይሩዎ። ጄሶ እንተ ተገይሩሉ ግን ካልእ እንተ ተረፈ ብምርኵስ ተደጊፉ ደርገፍ እናበለ ሽንቲ ማዩ ክደፍእን ከም ሰቡ ጸሓይ ክጽሎን ክኽእል’ዩ።
ኣብ ሳልስቱ ካብ ከብዲ እግሩ ክሳብ ብርኩ ጄሶ ተገይሩሉ ብኽልተ ምርኵስ ኣብ ውሽጢ ቴንዳ ክዝወር፡ በብቝሩብ ድማ ኣብ ኣፍደገ ዘወር ክብልን ብዘይ ሓገዝ ሽንቲ ማዩ ክኽዕውን ጀመረ።
ይቕጽል
መበል 76 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 15 ሓምለ