Weini Sulieman
ካብ መዘክረይ….ቁ.5
ሰንበት 15 ሚያዝያ 2012፣ ገዛባንዳ ጥልያን፣ ኣስመራ
ኣብ ቆጸራ ደንጓይት ኣይኮነትን፣ ስለዚ ከኣየ ቦታ ከይከውን ተጋግየ እተጠራጠርኩ። ድሕሪ 20 ደቒቕ ናይ ቬትሮ ማዕጾ ክሪስታል ሆቴል ክትደፍእ ምስ ኣማዕደኹዋ ፍሽኽ ኢለያ፣ ዘይኣመላ ብምዃኑ ደንጉየ ኢላ ንኸይትስከፍ።
” ክንደይ ጌርኪ ኣብዚ፧ እውይ….ኣይትሓዝለይ በጃኺ ”
” ኖ ጸገም የለን ናይ ደሓን ዲኺኸ፧”‘
” ዝርዝሩ ነዊሕዩ፣ It’s a long story.”
እንግሊዘኛ እናሓወሰት እያ ትዛረብ፣ ከምዚ ናይ ገለሰብ ደረጃኡ ኣዕብዩ ንኸርኢ ኣብ ዕላል ዝሓማምስካ፣ ክትዋሳእ ስለዘይትገብሮ ግና ብዙሕ ኣየሸግረንንዩ ከዕልላ።
” በጃኺ ኢለኪ ብዓል ማማ በቃ ፈጺመን ዘይርደኣኻ ኮይነን። ንሕና እንታይ ንሓልፍ ኣለናስ በቃ ዘይርደአን…ኣብ ርእሲቲ ዝቐነናዮ መዛረቢ ከይኮና ኢለ ገዛ ኣለዓዒለ ክመጽእ ክብልየ ደንጉየኪ።” ቦርስኣ ክተቐምጥ ካልኣይ ኩርሲ እናሰሓበት።
” ማማ ጸጋ ,,,፧ እዋእ እንታይ ተረኺቡ፧” ብኣግርሞትየ ሓቲተያ።
ስሕት ኢለ ኣብ ጎደና ሓርነት ካብ ዝርከብ ኦፊሳ ምስ መሳርሕታ ክትወጽእ ዝረኽባ ምዕርግቲ ማማ ጸጋ፣ ብዘይካቲ ምስ ጓላ ብዘለና ናይ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምሕዝነት ኣብ ቤታ ዝርእዮ ግርማን ውርዝይነትን፣ ብደረጃ መለክዒ ሕብረተስብና ምህርቲ ኣደ እያ። ምስ ደቃ ዘለዋ ቅርበትን ምሕዝነትን ወትሩ ምስ መሰጠኒዩ። ኦይ ወላ በዓል ማማ ጸጋኸ ጓለይ ዘይርደአን ኣሎድዩ እናበልኩ ሶፋኒት ቀጸለት….
“ ቀጨውጨው ኢላ ሎምስ፣ ነዚ ምስ ዳኒኤል ወጺእካ ምምሳይ ከኣ ጸሊኣቶ ክትመውት ደልያ። ወጽየ እንተምስየ ህውከት ኮይኑ በቃ፧”
ማማ ጸጋ፣ ኣብ ወለድና ብዙሕ ልሙድ ዘይኮነ ምስ ፈታዊ ሶፋኒት፣ ዳንኤል ጽቡቕ ቅርበትዩ ዘለዋ። ምስ ደቃ ዘለዋ ምሕዝነት ጥቡቅ ብምዃኑ ሶፊ ምስ ዳንኤል ቀልጢፋ ያ ኣላልያታ። ድሕሪ ዳርጋ ሓሙሻይ ዓመቱ ዝሓዘ ዝምድነኦም ቀጨውጨው ደኣ ናይ ደሓን ይግበሮ ተጠራጠርኩ። ” ገለ ዶ ደኣ ሰሚዓትሉ ወይ ርእያትሉ፧
” እንታዩ ትርጉሙ ወወጺካ ሻሂ ምስታይ፧ ነዊሑ ሕጅስ፣ እንታይ ትሓስቡ ዝዓይነቱዩ፧ ከረድኣ ብዙሕ ጽዒረ ኣበየናይ ዓይነት ናይ መነባብሮ ደርጃ ክንምርዖ፧ ክልቴና ድሕሪ ምምራቕና ኣብ ኣገልግሎት ከምዘለና ትፈልጥያ፣ ሕጂ ንማማ ብሓቂ ጋግየያ ወላኮያ ዘይተዛርበካ ኮይና። ሓወቦታትኪ ይዛረቡኒ ኣለዉ ከኣ ጀሚራ። ብጣዕሚዩ ዘሕዝን ህጻናት ተሓሲብናስ ንመጻኢና ኣኬባን ዘተን ተደልዩሉ። እንታይ ይገብርን ይደልን ጠፊኡኒ ኣይፈልጥንዩ፣ ኣብዚኣ እዛ ዓድናሞ ምስዛ ኩነታትና እንታይ ንግበር፧ ንዓኣቶም ደሓን ምስኣ ተዛረቡ በልዮም ጥራይ ኢለያ። ማማ ግን ኩሉ እናፈለጠት፣ ተመርዒኹም ምሳይ ትቕመጡ ከኣለዎ ዳሕራያ ይገድድ!” ኣስተንፈሰት
ናይ ብዙሕ ውላድን ወላድን ኣከራካሪ ኣርእስቲ ዓድናኮ ተኾነ። ሶፋኒት ነተን ሰለስተ ዓመት ኣቢላ ትመርሓኒ ገዲፍካ ኩነታትና ኩሉ ሓደ ብምዃኑ ምምርዓው ከምዝቕልጥፎም ይሰማማዕየ። ንርኢቶ ታ ኩሉ ትርዳእ ዝሓስባ ዝነበርኩ ጋግየያ እናበለት ተማርረላ ዝነበረት ወላዲታ ግን ኣልዚበ ከብርሃላ ፈተንኩ። እቲ ሎሚ ኣብ ነፍስወከፍ ቤት ዘይተወተፈ ነኳል ዕለታዊ ናብራ ዘስዕቦ ብኣዝዩ ቀንጠመንጢ ዝፍልም ግና ከኣ ስድራቤታት ናብ ፍጹም ምትህኑዃት ዘብጽሕ፣ ናይ ዘይሕግዙ ኣጓብዝ ይቕልብ ኣለኹ ስምዒት ኣብ ገሊኡ፣ ንዝተሓለኸ መንእሰይ ከም ሕማቕን ሰኣን ዓቕሙ ዝተርፎን ጌርካ ኢድካ ምውጥዋጥ ጠንቁ ንሕና ንኹን እቶም ኣዕብዮምን ኣምሂሮምን ከም ዕኑዳት ገና ዘታትዩና ዘለዉ ወለዲ ከምዘይኮነ እናዘርዘርኩ ኣነውን እህህታይ ኣንፈስኩላ።
” ወይኒ ሓፍተይ መንደኣዩሞ ክርደኣና፣ ካብ በዓል ማማ ሓሊፉ፧ ሕጂ ከኣ ዝገደደ እንታዩ ዘሕርቓን ዘየሕርቓን ምፍላዩ ተሸጊረ። ጸርጸር ኮይኑ በቃ። ትማሊ ዝተረፍና የብሉን። ተጣዒሰ ከማን። ማማ ሓቕኺ ኢኺ ኣይትሓዝለይ እንታይሞ ክገብር 30 ዓመታ ዝቐረበ ጓልኪ ክትቅልቢ መዓስ ደስ ኢሉኒ ኮይኑ። ሕጅስ ሓቅኺ ኢኺ ኣነዶ ሎሚ ምሳኺ ምተቐመጥኩ፣ ብኣኺ ምተጠወርኩ፣ ጽባሕ ዘይፈልጥ ኮይነ ክስመዓክን ገና ኣተኺ ወጻእኪ ክትብልንን መዓስ ደስ ኢሉኒ መሲሉኪ ማማ። እንታይሞ ክገብር ፈትየ ኣይኮንኩን። ንሓንቲ ወርሒ ብመቑነነይ ምስግጋር ስኢነ እናሃለኹ ከመይለየ ክምርዖ፧ ንሱውንኮ ከማዩ። ደሓን ሕጂ ግና ሓቕኺ ኢኺ ማማየ በዚሑኪ ምርሓቕ ወላ ይሓይሽ ኢለያ። ኣይትኣምንን ኢኺ ብምዝራበይ ተጣዒሰ። ኣብዛ እግረይ ወዲቓ ብብኽያት። በጃኺ ሶፋኒት ጓለይ ከምዚኣ ዘረባ ከይተስምዕኒ፣ ኣነ ብኣኺ ተጸጊመ ኣይፈልጥንየ ዘይ ጽቡቕ ናይ ውላደየ ደልየ። ዝደለኽዮ ግበሪ ክጠፍእየ ትበሃል ከይተስምዕኒ፣ ብወላዲኺ መሓልለይ ኢላ ፈፈው ኢላ”
ሕንቕንቕ እናበለት ዕላላ ዛዚማ ቁሊሕ ምስ በለትኒ ብሓንሳብ ኣዒንታ ንብዓት ዘቕቢቡ ረኣኽዎ። ዘይቀሊል ክነሱ፣ ኣቕሊላ ክትሪኦ ደለኽዋ። ምስ ማማኣ ተበሃሃለቶ ተራ ምልልስ እዚ እዋን ምኳኑ ከረድኣ ፈታተንኩ። ሳዕቤንዚ ንንብሮ ዘለና ዝጸምለወ ዝምድና ቤተሰብን መቅርብን፣ ባእሲ ወላድን ውሉድን፣ ሓድሕድ ፍጹም ምጭኽኻን፣ ኩሉ ካበይን ብኸመይን ነቒሉ እንተ ዝዝርዘርሲ ብኸምዚ ቀሊል ዝመስል ነገርዶ ጀሚሩ ይኸውን፧ ንበል ሕጂ ማማ ጸጋ ንጓለይ ቁምነገር ዘይገበረላ ኢለን ንዳንኤል ተጸወጋሉ፣ ሶፋኒት ከኣ ንፈታውየይ ኣኽብርለይ ኢላ ትማጎት። ድሕሪ ሞት ሓው ደቂሓዎም ከየስተማስሉ ሓንቲ መጽሓፍ ክዕድጉ ወይ ንቤት ትምህርቶም ተመላሊሶም ኩነታቶም ክከታተሉ ዘይረኣዩ ሓወቦታት፣ ኣብ እዋን መውስቦን ጣጣን ቱታ በሉ። እቲ ነገር ንስድራ ዳንኤል የቖጥዕ፣ እንታዩ ዘይገበረ ውላድና፧ ደቂሎሚዮም ግዜኦም ይሃቦም እንታይ ሒዙ ክምርዖን ክድርዖን ይብሉ። ተናንቢቦም ድሌታቶም ተኸባቢሮም ርሑቕ ዝጥምቱ ሶፊን ዳንኤልን ደረጅኡ ኣመና ለጠቕ ናይ ዝበለ ምጉት ግዳያት ይኾኑ። እቲ ሰንሰለት ናብቲ ዝተሓተ ውድቀት ከይወሰደኒ ካብቲ ሃው ዝበልክዎ ኣግለስኩ።
ንሓጺር ግዜ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢልና ተለዋወጥናያ መጽሓፍ ጋብርኤል ጋርስያስ ኣልዒልና ጸኒሕና። እንታይ እዋናን ብኸመይን ኣይርደኣንን ናብ ዕላል ኣገልግሎትዶ ምጥያስዶ ተመለስና።
” ትፈልጢ ኢኺ ማማ በይናያ ትሰርሕ። ምሕጋዝሞ ግደፍዮ ነዛ ምሳኽን ከማሲ ወይ ንታክሲ ካብ ማማ እናተጠወርኩየ ዝሓልፋ። ብምሉእና ኣሕዋት ካብኣ ኢና ንጽበ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ነዕልለሉ ናይ ኩልና ጸገም እንድዩ፣ ከምዚ ኢልካስ ክሳብ መዓስዩ፧ ናይ ገዛ ዝመሃሩ ቆልዑ ረኺበ ቁሩብ ነብሰይ ብምኽኣል ከይሕግዛ፣ ናይ ስራሕና ነገር ትፈልጥያ ኢኺ። ክንኣቱን ክንወጽእን ኢና ንፍርም። ድሕሪ ሰዓት ሹድሽተ ከኣ መዓስየ ክምህር፧ ምስ ራሕቂ ገዛና መዓስየ ክበጽሕ፧ እታ ናይ መወዳኣታ ንገዛውትና ትኸይድ ኣውተቡስ ድሕሪ ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን መሊኣ ረጊጻትካያ ትሓልፍ። መዓልታዊ ታክሲ ዓቕመይ ኣይኮነን። እታ ክሰርሓላ ዝኽእል ግዜስ ኣዝያ ጸባብያ። ወላ ንዳንኤልውን ከቢድዎ ሕጅስ። ነዓይ ክብልዩኮ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዘሎ። ከምዚ ኢልካ ተስፋ ስለዘየለ ግና፣ ንሱ ብፍላይሞ ከኣ ክጣየስ ዝሕሰብ ስለዘይኮነ ስግረዶብ ንኺድ ንብል ኣለና። ”
” ሶፋኒት ኣይትዓሽዊ ሽዑኸ እንታይ ክትገብሩ፧ ክልቴኹም፧ መን ክሕግዘኩም፧ ስግረዶብውን ኮ ስቕ ኢልካ ኣይክየድንዩ።”
” ንሰርሕ። ጥራይ ካብዚኣ ንውጻእ እንበር፣ ካብዚ ዝኸብድ ዶ ክህሉ ኮይኑ። ኣብ ሱዳን ንመዓልታዊ ናብራካ ዝኸውን ስራሕ ኣይሰኣንንዩ። ”
”ኣበይሞ ከምትሓስብዮ ተዝኸውን፣” ስቕ ኢለ ኣትኲረ ጥራይ ጠመትክዋ።
ፈለማ እተላለናሉ፣ ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ላዕላይ ዓራት ተሰቂላ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ መጽሓፍ ከተንብብ እየ ዝርእያ ነይረ። ድሒረ ኣዐርየ ዝፈለጥክዎ ዓቕሊ፣ ብስለትን ራእን ከም ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ከም መሓዙት ምቅርራብና ክሳብ ሎሚ ዩ ዘሐጉሰኒ። ሶፋኒት ካብቶም ሓደ ደረጃ ንቅድሚት ዝሰጎመ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባትያ። ብብልጭታታ ዝጸለወትንን ዝጸለኹዋን፣ ዝሃለወትለይን ዝሃለኹላን ከይሃውተትኩ ካብ ምሕዝነት ናብ ፍጹም ሕውነት ዝሰገረ ምቕርራብዩ ዘለና። ትምህርቲ ምስ ወዳእና ዝነበረ ወና ኣብቲ ኣብ ቅድመይ ዘውራሕርሕ ዝነበረ ደም ዝሰረበ ኣዒንታ ፍጹም ምስሰኣንክዎ፣ ዝጸልመተ ተስፋ ኩልና ጎድኣኒ። ንዝኾነ ነገር ብዘገምታ ቀስ ኢላ ትዓዩ ህድእቲ ሶፊ ንፈጠንጠንን በርገገግን ህድማ ስደት ምስኣላ ሰኣንኩ።ኣብቲ ክትስደዶ ትሓስብ እሞ ዘይፈለጠቶ ሱዳን ጥራይ ኳ፣ ሕንቃቐን በጃክንን ማማ ጸጋ ፍጹም ዓዲ ከምዘርሕቕ ከይተፈልየቶ ክበርሃላ ተመነኹ። መለስሰሊ ኢድን ከንፈርን ናይ ፍርቂ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ዘይህብ ግዜ እትጠምዕ ሕንቕቕትን ምልክዕትን ሶፋኒት ናይ ንሰርሕ ተስፍኣ ኣብ ትግባረኡ ከብድን ሕቆን ከምዝኾነ ክግምት ዝኽእል ክነሰይ፣ ነቲ ሃጽ ንክትብል ዝደፍኣ ዘሎ ስምዒት ዝስዕር ስነመጎት ስለዘይብለይ ከረድኣ ተጸገምኩ።