ዮሃንስ ፍትዊ
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ከም ኤርትራ ጌሩ ዝተደርፈላ ሃገር እንተዘየለ፣ ኣብ ኤርትራ ከኣ ከም ኣባሻውል ጌሩ ዝተደርፈላ ከባቢ የለን። እዚ ሓደ ካብቲ ነባሻውል ኣብ ኣእምሮ ነበርቲ ኣስመራ ይኹን ነበርቲ ካልኦት ከባቢታት እናሻዕ ክትመላለስ ዘኽእል ኣጋጣሚ’ዩ።
ንመዝሙር’ቲ ከባቢ ዝኮነት ደርፊ ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ‘ዓባይ ኣባሻውል’ ተከቲለን ንስም ኣበሻውል ብየዕኑድ ሓረጋት ሕድማታት ደርፎም ዘመቕሩ ድምጻውያን፣ ነግሕታት ድርሰታቶም ብስም ኣባሻውል ዝሰርዑ ደረስቲ፣ ሕብሪ ሕብኣታቶም ብምስሊ ሻውላት ዝብረቕርቑ ቀባእቲ ወዘተ. ብቑጽሪ ብዙሓት’ዮም።
ዕላማ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ነባሻውል ዝተደርፉ ደርፍታትን ስነጥበባዊ ስርሓትን ክትንትን ደልየ ኣይኮንኩን። እንታይ’ድኣ ጠንቒ ኣበሻውል ዛዕባ ብዙሓት ኣርእስታት ክገብራ ዘኽኣለ ነጥቢ ከም ርዱእ ወሲደ ነቶም ነቲ ዛዕባታት ዘልዕሉ ጥበባውያንን ዘልዕልዎ ዛዕባታትን ምቕርራቦም ምስቲ ከባብን ከመይ ከም ዝመስል እናክእዮ ብዙሕ ስክፍታ ስለ ዘለኒ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክትርአ ዝጀመረት ብኣልኣሚን ዓሊ ሙዝ ተመስሪሓ ብስዒድ ርዝቀይ ዝተረትዐት ፊልም “ሻውል”።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንምንታይ ምኽንያት ብዘይርዳኣኒ ስም ሻውላት ኣብ ብዙሕ ፊልምታት ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ይዕዘብ እየ። እዞም ዛንታታቶም ብስም ሻውላት ከድምቑ ዝፍትኑ ‘ደረስቲ’ በሃልቲ ምስ እቶም ረቒቕ ማሕበራዊ ህይወት ክሳብ ብቓላት ክትገልጾም ዘሸግሩ ቕዲ መንሮ ዝውንኑ ሻውላት ዘለዎም ምትእስሳር ወይ ፍልጠት ዘሐዝን እዩ። እዚ ሓረግ ምናልባት ንሰራሕቲ ፊልም “ኣፍሮ” ዘይክምልከት ይኽእል’ዩ ኣብዛ ፊልም ትስፉው ዝኾነ ስራሕ ስለ ዝተዓዘብኩ’የ። ነዚ ንምርግጋጽ ነተን ንስም ወይ ተግባራት ሻውል ሒዘን ዝተሰርሓ ፊልምታት ምዕዛብ ይከኣል’ዩ።
ፊልም ሓደ ካብ ብዙሓት ጥበበኛታትን ሞያውያንን ዘሳትፍ ዓውዲ ብምኹኣኑ ኣብ ስራሕ ፊል ዝነጥፉ ሰብ ጥበብ ብዙሓትን ረቐቕትን እዮም። ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥበብ ዝነጥፍ ሰድ ድማ እትርፎ ኣብታ ንሱ ዝመልካ ዓውዲ ተዘይኮይኑ ኣብ ስራሕ ካልኦት ሰባት ኪኖ ርእይቶ ምሃብ ዝሓልፍ ተራ ክህልዎ ከም ዘይክእል ዝተፈልጠ እዩ። ኪኖ እዚ ድማ ንእትጽሕፎ ዛዕባ ማዕረ ኽንደይ ብዕምቖት ትፈልጦ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
ከምቲ ልዕል ኢለ ዝሓበርክዎ ቀንዲ ዕላማይ፣ ነውራም ፊልም “ሻውል” እያ። እዛ ንስም ሻውል ሒዛ ዝተሰርሐት ፊልም ንምስልን ሓቕን፣ እቲ ከባብን እቲ ህዝብን ንምጽላም ወይ ንምድዋን ዝተሰርሐት ምዃና ምሉእ ትሕዝቶ እታ ‘ፊልም’ ብምዕዛብ ክፍለጥ ይከኣል። ሰራሒ እታ ፊልም ግን ነዚ ዝርድኦ ኣይኾነን፣ ባህጉ ንምስሊ ሻውላት ከጉልሕን ብስም እቲ ገዛውቲ ክሽቕጥን’ዩ። ናይዚ ንጹር መረዳእታ እታ ፊልም (ፊልም ክብላ ከለኹ እናተሸገርኹ’ዩ) ክትጅምር ከላ ብሓደ ዓይኑ ዝነጠቐ ባጋሚንዶ ብሰለስተ ቛንቛታት ጣልያን፣ ዓረበኛ፣ ትግርኛ ከመይ ሓዲርኺ ‘ሻውለይ’ እናበለ፣ ከም ነብያት ማዕኸን ምዕባለን ስልጣኔን ክትኸውን ዝንበ ደላይ ጽቡቕ እቲ ከባቢ’ዩ። በዚ ዝተበገሰ ሓንጣጢ ባህጉ ጽቡቕ ምዃኑ ትርዳእ። እሞ ከም ባህጉ ቐጺሉዶ? ባህጉ ይፈልጥዶ? ወዘተ. ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝስዕብ ትሕዝቶ እታ ፊልም ምርኣዩ ኣገዳሲ ይኸውን። ዝሰዓቡ ትርእታት እታ ፊልም ንምስሊ እቲ ከባቢን እቲ ህዝብን ክጋሰሶ ኢኻ እትዕዘብ። ናይዚ ኣብነት ኣብ ካልኣይ ትርኢት እታ ፊልም መርዓት ካብ ሕጹነታ ወይ ሒማኣ ገዲፋ ምስ ብኣርተፊሻል ጸጉሪ ርእሲ ከም ቕሚጦ ዝተዓዃለለ ርእሶም ክትዕንድር፣ ኣደ እቲ ሻውል ዝበሃል ጠባይ፣ ጎበዝ ጸፊዓ ናይ ኣረቒ ክትልምን ወይ ክትምንጥል፣ ዝናር ትበሃል በዓልቲ ስዋ ኣደ እታ መርዓት ምዃና’ያ ንሰብኣይ ጓላ “ፍጉር” ኢላ ክትጻረፍ ወዘተ. ኢኻ ትዕዘብ። ንምዃኑ ‘ደራሲ’ እታ ፊልም ነቲ ገዛውቲ ከመይ ድዩ ዝፈልጦ ዝብል ሕቶ ውትፍ ስለ ዝብለካ እናጓሃኻ ክትርእያ ትግደድ- ዓቃል እንተኾይንካ ደም እናጠዓመካ’ዩ። ዝስዕቡ ትርኢታት ስግድግድ ዘብሉ ኣዝዮም ኣነወርትን ኣጸየፍትን ብዙሓት ሕቶታት ዘላዓዕሉን እዮም። ነየን መሪጸ ነየን ከም ዝገድፍ ስክፍታ ኣሎኒ። ግድን ከልዕሎም ዝደሊ ኣርእስታት ስለ ዘለዉ ግን ቀዳምነት ክህቦም ክግደድ እየ።
ከም ዝፍለጥ ጠባያት ናይ ሓደ ፊልም ካብ ኣእምሮ ደራሲ ዝምንጭዉ ፍጡራት ብምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ብኣእምሮ ወይ ኣተሓሳስባ ደራሲ ዝግዝኡ’ዮም። እዞም ብግዝኣት ደራሲ ዝምርሑ ጠባያት ነታሓሳስባ ደራሲ ብልክዕ ዝገልጹ ብምዃኖም ኣብ ‘ፊልም ሻውል’ በተሓሳስባ ደራሲ ክትግረም ትግደድ። ኩሎም ጠባያት እታ ፊልም ንስድነት ከም ቕቡል፣ ንነውሪ ከም ዝና ዝርእይዎ ብምዃኖም። ኣብዛ ፊልም ነዚ ሓሳብ ዘራጉዱ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ሓደ ዓቢ ነጥቢ ክጠቕስ። እቲ ኣብታ ፊልም ከም ቐንዲ ጠባይ ዝረአ ሻውል ዝበሃል ባጋሚንዶ ምስ ሜሎዲ እትብሃል በዓል ሓዳር (ጓል ኣባሻውል ምዃና’ያ) ምዛሩ ከይ ኣኽሎ ምስ እታ ሸቓጢት ስዋ ኣዲኣ(ዝናር) ውን ይዘውር ምዃኑ’ዩ፣ በዚ ዘየብቕዐ ደፋር ደራሲ ሜሎዲ ንበዓል ቤታ ገዲፋ ናብ ገዝኣ ምስ ከደት እቲ በጋሚንዶ ምስ ኣዲኣ ጥራይ ነብሱ ደቒሱ ከም ዝጸንሕ’ዩ ጌሩ፣ በዚ ዘይተዳህለ ሻውል በጋሚንዶ ነዚ ተግባር ስለምንታይ ኣታዓባብያ ከም ዝረኣየቶ ንሜሎዲ ከፋጥጠላ ይረአ ብቃላቱ “ኣተዓባቢኽዮ’ምበር ኖርማል” ክብል ይስማዕ። ብቃላት ኣብ ዓራት ኣዲኣ ደቂሱ ዝጸንሓ በጋሚንዶ ተጠቢራ ንዝተመርዓዋ በዓል ጸጋ ራሕሪሓ ኣብ ገዝኣ ዝኣተወት ሜሎዲ ሒማኣ ንዝብህጎ ጥንሲ ግዚኡ ኣኺሉ ምስ ተሓርሰ ናይቲ በጋሚንዶ ምዃኑ ትሕብር። ደራሲ እንታይ እዩ ክብል ደልዩ ትጭነቐሉ ምናልባት ደቀባሻውል ሰልዲ፣ ጸጋ ኣይብህጋን እየን ደለይቲ ፍቕሪ እየን ክብል እንተደልዩ ዝተጠቀመሉ ሜላ ከዕውቶስ ይትረፍ ጥቓ ዓወት ውን ከማን ከብጽሖ ዝኽእል ኣይኮነን። ምስ ኣዲኣ ዝበዕለገ በጋሚንዶ ብምንታይ ተኣምር ክትብህጎ ትክእል። እሞ ዘኽብራ ሒማ በዓል ጸጋ እናሃለዋ?! ደራሲ ብዛዕባ እዚ ተትዛረብ እንታይ ኮን ምበለ? ዶስ እቲ ዘርከበ ዘኹድደሉ ዘሎ ፊልም ዓድና ክሳብ ዋናታቱ ዝመጽዎ ዘይንላገጸሉ ወይ ዘይንላመደሉ ዝብል ኣተሓሳስባ ከሳሲ’ዩ መሪጹ።
ኣብዛ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁልጡፍ ስጕሚ እተርኢ ዘላ ዓለም ፍቱው ካብ ዝኮኑ ዓውድታት ጥበብ ሓደ ፊልም እዩ። እዚ ምስ ርቐት መሳሪሕታቱ እናተራቐቐ ኪኖ ጥበባዊ ጽልዋታት ፖሎቲካውን ቁጠባውን ጽልዋታት ኣብ ሕቑፉ ኣእትዩ ርኡይ ምዕባለን ረቒቕ ጥበብን ዘንጸባርቕ ዘሎ ዓውደ ጥበብ በጽሒዎ ዘሎ ደረጃ በብመድረኹ ክረአ ተመራጺ’ዩ። እዚ ሎም ኣብ ደረጃ ኣኒሜሽንን ሳይንሳዊ ፋንታዝን በጽሑ ዘሎ ዓውደ ጥበብ ዝሓቶ ዓቕምታትን ርቕታትን ዘገርም’ዩ ናይዚ ኣብነት እትገል ንምስሊ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ እትንእድ ፊልም “The heart locker” ንስውር ዕላማታት እታ ፊልም ብምርኣይ ጥራይ ንርቐት ሰራሕታን ዕላማታቶምን ክትግንዘብ ትኽእል። ማለት ምስሊ ሰራዊት ኣሜሪካ ካልእ ክንሱ ብመገዲ ፊልም ጌሮም ምስሎም ክቕይሩን ከድምቑን እዮም ተራእዮ። እሞ ነቲ ጽቡቕ ምስሊ ዘለዎ ሻውላት ደኣ እንታይ ኣቢሱ ክሃስስ ተደልዩ?
ነቲ ብክፉት ማሕበራዊ ህይወቱ ዛጊት ዛዕባ ብዙሓት ኣርእስታት ዝኾነ ሻውላት ደራሲ ብምንታይ እዩ ክገልጾ ወይ እንታይ እዩ ዘገድሶ ክትርዳእ ትሽገር። እቲ ብልግሱ፣ ሓልዮቱ፣ ፍቕሩ… ዝግለጽ ወይ ዝፍለጥ ገዛውቲ ንደራሲ እታ ፊልም ከመይ ይርድኦ?ወይ ከመይ ተረዲእዎ ዘሻቕል እዩ። እቲ ኣዲኡ ዝደንጎዮቶ ህጻን ኣብ ጎረቤት ከም ዝምገብ፣ መፍትሕ ዘይብሉ ካንሸሎ ብእምነት ኩሉ ዝሕልዎ ይፈልጥ’ዶ ደራሲ? ነዚ ኩሉ ዝፈልጦ ጽባቐ እቲ ከባቢ ደራሲ ብዘስካሕክሕ ትርኢት ልቢ እቲ ተቐማጢ ክሰብር ተዓዚበ። ሰኽራማት ወለዲ ምስ በጋሚንዶ ውሉዶም 50 ናቕፋ ብምውጻእ ክምገቡ እዚ እንተዘይ ጌርካ ድራር ከም ዘይምልከተካ ዝብል ኣቦ እሞ ከኣ ኣብ ሻውል-ዘስካሕክሕ’ዩ። ቀንዲ ምስሊ እቲ ገዛውቲ ከይ ፈለጥካ ብዛዕባ እቲ ከባቢ ንልዕሊ 2 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ብዛዕባ እቲ ገዛውቲ ለለ ምባል እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት እንተዝግለጽ።
ኣደን ጓልን ብሓንሳብ ስዋ ክሰትያ፣ ኣደን ወድን ውን ምስአን ሓቢሮም ኣብ ሓደ እንዳ ስዋ ፊት ንፊት ክረኣኣዩ ዘርኢ ትርኢት እታ ፊልም እሞ ዘሰንብድ’ዩ። ምናልባት ንሕና ዘይንፈልጣ ደራስን ተዋሰእቱን ዝፈልጥዋ ናቶም ካልእ ሻውል እትበሃል ከባቢ ኣብ ኣስመራ ከይትህሉ ዘጠራጥር’ዩ። ደራሲ ዝፈጥሮም ወይ ዝብሎም ኩሉም ግድን ሓቒ ክኾኑ ኣለዎም ማለት እኳ እንተዘይኮነ ንፋንታዚ ደራሲ ቀይዲ ዝገብሩ ነገራት ግን ኣለዉ፣ ሓደ ዕላማ እቲ ዝበሃል ዘሎ ዛዕባ’ዩ ማለት ምስ ክውንነት ብምትእስሳር ንእትሰርሖ ፈጠራታት ዝተበትከ ፋንታዝያ ገይርካ ንስራሕካ ምስናይ ዝከኣል ስለ ዘይኮነ።
ሓደ ካብ መለኽዒታት ፊልም ኮስትዪም(ኣልባሳትን መመላኽዒታትን) ዘጠቓልል ኮይኑ፣ ንመንፈስ ዛንታን ቦታን ክውክል ይረአ። ኣብዛ ፊልም ዘለዉ በጋሚንዶታት ብሓይሊ ደራሲ ንተቐማጦ ኣባሻውል ክውለሉ እዃ እንተተደልዩ ብትርኢቶምን መንፈሶምን ግን ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ክውክሉ ይትረፍ ክመስልዎም ውን ኣትረራእዩን። ብዝተዓዃለለ ኣርተፊሻል ዝተተቛናነኑን፣ ብሕብርታት ዝተለቕለቁን በጋሚንዶታት ይኹኑ ዝበዝሓ ኣብታ ፊልም ዘለዋ ደቐነስትዮ ውንእንተኾነ ኣፍንጭአንን ኣእዛነን ብመስቖርያ ዝተቓዳደደን ኣስናነን ዝተሳባበረን ብምግባር እይ8 ደቀባሻውን ከምስሎም ፈቲኑ፣ እዚኣቶም ኣሽንዃይዶ ንተቐማጢ ሻውልላት ንግዳም ሓደር ውን ዘይበቕዑ ቕጥዒ ዘይብሎምን እዮም። ደራሲ ምናልባት ንካልእ ሻውል እትበሃል ንሕና ዘንፈልጣ ከተማ ወይ ከባቢ እንተሰሪሕዎ እዝጊ ዋንኡ!!!!
ብዙሕ ዝርዝር መግለጺታት(detail) ገዲፈ። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ምናልባት ከነጸብቕ ብምሕሳብ ክንጽይቕ ስለ ዝከኣል ብዝተኻእለ መጠን፣ ብመጠን እቲ እንፈልጦን እንመልኾን ሓቒ እንተንዓዪ ዝበለጸ ክስራሕ ከም ዝኽእል ምእንፋት እዩ። ብኡ ሓሊፍካ ዘይትፈልጥ ገዛውቲ ናይ ሰዓታት ዕዮ ክትሕንጥጠሉ ከቢድ’ዩ። እትረኽቦ ግብረ መልሲ ውን ክጽብቕ ኣይክእልን’ዩ። ከምቲ ሕጊ ብዘይ ምፍላጥካ ካብ ገበን ናጻ ዘይትከውን፣ ጽቡቕ ስለ ዝሓሰብካ ውን ጽቡቕ ክረክብ ዝከኣል ኣይኮነን። ሚዛን ዓቕምና ፈሊጥና እንስከሞ እንተነልዕል ሰናይ’ዩ።
source Eritrean Literature Caffe facebook Group