ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 73
ኣቕቲሮም’ዮም ተሲኦም። ሮዛ ክዳና ተኸዲና ገጻ ድሕሪ ምሕጻብ፡ ጸጕራ ኣተዓራረየት። ተመራሪሖም ክኣትዉ ከለዉ፡ “ደሓን ቍሩብ የዕርፉ ኢልና ኢና’ኮ ዘየተሳእናኩም፡” በልኦም ወ/ሮ ገብርኤላ ሒዘንኣ ዝነበራ ፍንጃል ቡን እናቐመጣ።
ሮዛ፡ “ከመይ ሓዲርኪ ማማ?” እናበለት ኣብ ጥቓአን ኮፍ ክትብል ከላ፡ ሰለሙን ድማ ካላሽኑ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ኣብ ንእዲ ረፈጥ በለ።
ምሕረት፡ “እሞ ቍርሲዶ ክቕርብ?” ኢላ እንጌራ ክትቅርበሎም ብድድ ኢላ ናብ ውሻጠ ገጻ ክትከይድ ብግስ በለት።
“ጫረዶ ክንጽውዖ ክቘርስ?” ኢሉ ተስአ ካስትሮ።
“ጽናሕ ባዕለይ ክጽውዖ እየ፡ እንታይ ኮይኑኸ ደንጕዩ?” ኢላ ምሕረት ክትጽውዖ ናብ ኣፍደገ ገጻ ሰጐመት።
ጫረ ከም በዓል ቈጸራ፡ “ማማ ገብርኤላ ከመይ ሓዲርክን? መርዓውቲኸ ተሲኦምዶ? ኣብ ስራሕ’ንዲና ኣርፊድና። ምሕረት እንተ ዘይትጸንሕስ መጸመናክን ኔርና፡” እናበለ ተጸንበሮም።
“ምሕረት ኣላ’ንዶ ክንዲ ዅሉ፡ ስራሕካ ጥራይ ኣይትብኰር ‘ዝወደይ። ክትጽውዓካ እናተበገሰት ኢኻ’ኮ መጺእካ።”
“ሓማትካ ይፈትዋኻ’የን፡” ወሰኸ ካስትሮ።
“ኣብቲ ዅሉ ከይበጻሕና ብጥይት ኣምሓራ ምልዓስ ከይተብለና’ምበር ሓማተይስ ኣይምጸልኣንን ነይረን እብል፡” ኢሉ ናብ ካስትሮ እናጠመተ ምሕረት ኣብ ዝቐረበትሉ ኵርሲ ኮፍ በለ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ብዘረባኡ ከም ስንብድ ኢለን፡ “ወዲሰብ፡ ንጽቡቕ እዩ ክምነ ዘለዎ፡ ሕማቕ ፋል ጡፍ በሎ ‘ዝወደይ፡ ነውሪ እዩ። ኣምላኽ ዘይፈትዎ ዘረባ ጡፍ በሎ። ጸላኢኹም ይመንጠል እንታይ ተሪፉኩም ድዩ? ዓዲ ኣቲኹም እንዲኹም፡” በልኦ ገጸን ኣሲረን።
ካስትሮ ንጫረ ብዓይኑ ምስ ገንሖ፡ ሕማቕ ከም ዝተሰምዐን ፈሊጡ፡ “ተጋደልቲ ኣብ ኣፍና ዝጸንሓና ስለ ንዛረብ’ምበር ሕማቕ ክምነ ኢለ መዓስ ኮይነ ማማ፡” ብምባል ከዕግሰን ፈተነ።
“ከምኡ ደኣ በል ‘ዝወደይ። ወዲሰብ መልሓሱ ጥዑም እንተ ተዛረበሉ እዩ ጽቡቕ። ደሓር ከኣ ወለድኹም ደቂስና ንሓድር ድዩ ዝመስለኩም? ሰብኣይና ሰበይትና፡ ‘ደቅና ብደሓን ኣእትዎም፡ ጥይት ጸላኢ ኣብ ማይ ቀይረሎም፡ ጽኑዕ ኣርግጾም፡’ እናበልና ንጽልዮን ንምህለሎን ንከንቱ’ኮ ኣይኮነን። ኣምሓራ ኸኣ ዲል የብሎምን ኣደኻ። ዓወት ናትኩም እያ’ዞም ደቀይ፡” በልኦ ድምጸን እናጐተታ።
ጫረ ጽን ኢሉ ክሰምዐን ጸኒሑ፡ “ጽቡቕ ኣለኽን ማማ። ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ሰብ ሓይሊ ከም ዘይብሉ ይርድኣኒ እዩ። ከም ኣፍክን ጥራይ ይግበረልና። ቍሩብ ግን ኣምሓራ እዚ ዅሉ ቈልዓ ሰበይቲ ክሓርዱ፡ ዓድታት ከንድዱ፡ ቤተመቕደስ ይኹን መሳጊድ ከራኽሱ፡ ጥኑሳት ከይተረፋ ክቐትሉ ከለዉ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ብቕጽበት ከም ዘይቀጽዖም ወይ ካብቲ እከይ ስርሖም ደው ዘየበሎም ግርም’ዩ ዝብለኒ። ካልእ ይትረፍ መርገም ህዝቢ ክበጽሖም ኣይክእልን ድዩ?” ክብል ካልእ ዘረባ ኣስዓበለን። ጫረ ገለ ብጾት መታን ከሕርቑዎ፡ “ኣምላኽ የሎን ክብሉዎ ከለዉ፡ ኣትሪሩ ይቃወም’ኳ እንተ ነበረ፡ ሳሕቲ ብዛዕባ ግፍዕታት ጸላኢ ክዝክር ከሎ ግን ከይተረድኦ፡ “ክላ! ኣበይ ዘሎ ኣምላኽ’ዩ?” ምባል ኣይሓድግን ነይሩ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ብሳጓኡ ክጽውዖኦ ኣሰኪፉወን፡ “መንዩ’ሞ ሽምካ ‘ዝወደይ ብሩኽ?” ሓተትኦ ከዀምስዖኦ ዝጸንሓ እንጌራ ውሒጠን።
“ደሓን ጫረ እንተ በልክናኒ ጸገም የሎን፡” ክብል መለሰለን። ጫረ ብቐንዲ ስሙ ክጽዋዕ ኣይፈቱን’ዩ ነይሩ።
“ገብረክርስቶስ’ዩ ሽሙ፡” በለን ካስትሮ እናሰሓቐ።
“ጸላኢና ጫረ ይኹን! ከመይ ዝበለ ሽም ኣምላኽ ሒዝካስ ጫረ!” በልኦ ኢደን ብኣሉታ ጸግ እናበላ። ዘረባአን ብምቕጻል፡ “ስምዓኒ’ሞ ገረኽስቶስ ወደይ፡ ወዲኣዳም ኮይኑ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘምልጥ የሎን። ኣቦታትና ክምስሉ፡ ‘እዝጊ ክህብ ኰሚሩ ክኸልእ ኰስቲሩ’ ይብሉ። ኣነ’ኳ ብዙሕ ክዝክሮ ኣይክእልን፡ እተን ሰዶምን ገሞራን ዝብሃላ ክልተ ሓጥያተኛታት ዓድታት ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዘጥፍአን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካዮ ትኸውን። ቅጽዓት ኣምላኽ ንእለቱ ዝርአ ነገር ኣይኮነን። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘይተርፍ ምዃኑ ፍለጥ። ኩላቶም ካብ ቱርኪ ጀሚርካ ክሳብ ሃይለስላሴ ብሰንሰለት ንህዝብና ዝገዝኡ ዝነበሩ ባዕዳውያን ብሓይሊ ኣምላኽ ተተበንቍሶም ተኣልዮም’ንድዮም። እዚኣቶም ከኣ ውዒሎም ሓዲሮም ኣሰሮም ብምስዓብ ክጠፍኡ እዮም።
“ጠፊኦም ኣለዉ፡ እንታይ ተሪፉዎም። ትማሊ ትማሊ መሬት ኣይትጽርና ይብሉ ከም ዘይነበሩ፡ እንሃልክን ሕጂ መሬት እኩት ኢላቶም ከም ኣቦኦም ሃይለስላሴ ክኾኑ ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ንባዕሉ ካብ ኣምላኽ ዝወርዶም ዘሎ መቕጻዕቲ ምዃኑ ይርድኣኒ እዩ።”
ብዘረባኡ ዓጊበን፡ “ሕጂ ጸባ ኣስቲኻኒ፡ ጸባ ስተ ገረኽስቶስ ወደይ፡” በልኦ መንበረን ፍንትት እናበላ።
ቍርሲ በሊዖም መኣዲ ምስ ተላዕለ፡ ቡን ኣብ ምስታይ ኣተዉ። ድሕሪ ቡን ኣይደንጐያን ሮዛን ምሕረትን ንምሳሕ ትኸውን ደርሆ ክኽሽና ንውሻጠ ኣተዋ። ሰለስቲኦም ድማ ሓንቲ ጐረቤት ጸበል ናይ ማርያም ኢላ ዘምጽኣቶ ጽራይ ስዋ እናሰተዩ ወግዒ ጀመሩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ መብጽሒ ዝኸውን ሃንዛ፡ ሽኮር፡ እንጌራ ዝሓዛ ኣንስቲ ዝግብ ናብቲ ገዛ ክኣትዋ ጀመራ። ከም ብሓድሽ ቡን ፈሊሑ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ምዉቕ ዕላልን ወኻዕካዕን ቀጸለ። ዝበዝሓ ካብተን ዕብይ ዝበላ ኣንስቲ ምሳሕ ከይተቐረበ ሰናይ ትምኒተን እናገለጻ ክብገሳ ከለዋ፡ ሓንቲ ብዕድመ ንእስ ዝበለት ጐረቤት ምሕረት ግን ንሮዛ ክትሰርሕ ምስ ረኣየታ፡ “ኣልግሲ ጓለይ፡ ሰብከ እንታይ ክብለና፡” ኢላ ከም ተልግስ ድሕሪ ምግባራ ጸብሒ ኣብ ምስራሕ ክትተሓጋገዝ ክሳብ እዋን ምሳሕ ጸኒሓ።
ድሕሪ ምሳሕ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ እናዕለላ ኣብ ንእዲ ጎቦ ምስ ኮና ብኡ ንብኡ ድቃስ ጠለመን። ነዊሕ ከይጸንሐ ጫረ፡ “ንስኻትኩም’ውን ኣዕርፉ’ምበር፡” ኢሉዎም ንቦታኡ ተበገሰ።
ካስትሮን ሮዛን ተተሓሒዞም ካብቲ ዓዲ ንምብራቕ ገጾም ብምኻድ፡ ብርሑቕ ናብ ጐላጉል ዓላን ጽርግያ ደቀምሓረ-ማይሓባር ዘህትፍ ከምኡ’ውን ክሳድ ቀጸላ ዝርእዩሉ ቦታ ምስ በጽሑ ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ደው በሉ። “ጽምው ኢልና ኣብዚዶ ይሕሸና ሓቀይ?” በለ ካስትሮ ኣብራኹ እናዓጸፈ።
ሮዛ፡ “እዚ ቦታ ግን ክንደይ ይጽብቕ ሰሌ፡” እናበለት ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ከባቢ ክተማዕዱ ጸኒሓ ኣዒንታ ብርሑቕ ናብ ዝርአ ሓምላይ ጎቦታት ዓርበረቡዕ ሰደደት። ከም ብሓድሽ ሓፍ ብምባል ኣብ ልዕሊ ነፋሲት ንዝተዀደመ ነዋሕቲ ጎቦታት ቢዘን ብኣድናቖት ተዓዘበት። ብሓፈሻዊ ቅርጽን ኣቀማምጣን ናይቲ ከባቢ ተመሲጣ፡ “ነዚ ቦታ ትሮፖ ፈትየዮ ሰሌ፡ እዋይ ደስ ክብለካ!” በለቶ።
“ንፋሱ ጥዑም’ዩ፡” ኢሉ ምዕጕርታ ስዕም ኣቢሉ፡ “ከረን በጺሕኪ ምስ ሰኣንክኒ ደኣ እንታይ ኢልኪ?” ክብል ሓተታ።
“ናይ ሽዑስ ስቕ ደኣ በል ዘረባ የብሉን። ምስ ሓለፈ ግን ኵሉ ጥዑም’ዩ ሰሌ። ብኡነት እብለካ’ለኹ፡ ኣደይ መብራት ረኺበዮ ክሳዕ ዝብላና ዝሞትካ ጥራይ ይመስለኒ ስለ ዝነበረ፡ ፍሬታ ጓለይ ምስ ደቀሰትለይ ንበይነይ ብኽይ አብል ነይረ። ድሕሪ ስቓይ ራህዋ’ሎ ክብሃል ሓቂ እዩ።”
“ብህይወት ከም ዘለኹ ምስ ፈለጥኪሞ ተሓጕስኪዶ?”
“እንታይ ትብል ኣለኻ! ዘይከውን ኮይኑኒ’ምበር ሽዑሽዑ ክብገስ ኣይጸላእኩን ነይረ። መዓልቲ ከም ጐማ ተመጢጡኒ ዓቕለይ አጽብብ ነይረ። ሓቂ ዘረባ እዚ ዅሉ መንገዲ ዘለዎ ኸኣ ኣይመሰለንን ነይሩ።”
“ፍሬታኸ ብድሕረኺ ትናፍቕ ድያ ደሓን’ያ?”
“ቈልዓ ዘላ ድዩ ዝመስለካ? ኣይ ዓባይ ቈልዓ’ንድያ ኮይና፡ ሎምዝበን’ኮ ኣዚሎ ከጀምራ’የ ዝሓስብ ዘለኹ። ጓል ሸውዓተ ዓመት’ያኮ ትመስል።”
“ረሲዓትኒዶ ክሳብ ሎሚ ትዝክረኒ’ላ?”
“ኣብቲ መጀመርያ ባባ ክትብል ካን ሞዅ ኣቢላትኒ ነይራ። ብድሕሪኡ ግን ንዶቶር ኣብርሃም ምስ ረኸበት ኣኺሉዋ ባባ ኢላ ኣይትፈልጥን። ግርምዩ ዝብለካ! ንስኻ እናመሰላ ግዲ ኾይኑ ንዑኡ እያ ባባ ትብሎ ዘላ። መኪና ከዛውራ፡ ካራሜላ ድዩ ብሽኮቲ፡ ኮታ ዝኣዘዘቶ ክዕድገላ ተዋሪዱ እዩ ዘሎ መስኪናይ። ኣብርሃም’ኳ ብኡነት ኢለ ንበይኑ እዩ። እቲ ኣብ መርዓና ዝመጽኣሉ ግዜ ከምዚ ዘይመስለኒ ነይሩ! ሰብ ምስ ቀረብካዮ ኢኻ ትፈልጦ። ናይ ማማ ገብርኤላ ነገር’ሞ ኸኣ ግደፎ! ኢለ ንዓኻ ከሕጕስ ኢለ ዘይኮንኩ፡ ብሓቂ ነታ ዘይፈልጣ ኣደይ ዝረኸብኩ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኤእ! ንኣምላኽ’ሞ እንታይ ዘይሃብካኒ ክብሎ፡ ብዘይምግናን ሕጉስ ህይወት’የ ዘሕልፍ ዘሎኹ።”
ሕጕስቲ ምህላዋ ምስ ሓበረቶ ቅሳነት እናተሰምዖ፡ “ብቐጥታ ካባኺ ክረኽቦ ኢለ’ምበር ብስድራይ ምሉእ ምትእምማን’ዩ ነይሩኒ።
“ዕድለኛ’የ ሰሌ ሓወይ። እዘን ክልተ ዓመትን ፈረቓን መዋእል ኮይነናኒ ነይረን። ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ግን ተራኺብና። ብሕጂ ዝመጽእ ከኣ ኣዝግሄር ይፈልጥ። እንተ ደንጐኹም ኣብ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ ትመጽኡና ትኾኑ። ድሕሪ ሕጂ ደርጊ ክንደየናይ ዕድመ ክህልዎ ኢልካዮ። ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብዚ እናመጻእኩ’ኳ እርእየካ ወደይ።
ህዝቢ ካብ ሰናይ ትምኒትን ንናጽነት ዘለዎ ሃንቀውታን ተበጊሱ፡ ብዛዕባ ተጋደልቲ ደቁ ዝብሎ ዘረባ ሰሚዓ ከም ዘለዎ ምእማና ከየገረሞ ኣይተረፈን። ቃልሲ እንተ ተናዊሑ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ትወድቕ ተረዲኡ ድማ ብዛዕባ ቃልሲ ቍሩብ መረዳእታ ክህባ ብምሕሳብ፡ “ንሕና ጽባሕ ክንዕወት’ውን ድሌትና እዩ ሮዛ። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ግን ኣባልዓ እንጌራ ኣኣይኮነን። ጸላኢ ካባና ዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ኣዳኺምና ጥራይ ኢና ንዕወተሉ። ካብዚ ብምብጋስ ኢና ድማ ቃልስና ነዊሕዩ፡ ዓወትና ግን ናይ ግድን’ዩ ንብል። እዚ ናይ ዝኾነ ሰውራ ባህሪ እዩ። ስለዚ፡ ብወርሒ ክልተ ወርሒ ዘይኮነ ኣንውሕ ኣቢልኪ እንተ ሓሰብኪ ዝሓሸ እዩ፡” ብምባል ሰፊሕ መግለጺ ሃባ።
ከረን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዝተዓዘበቶ ኵነታት ህዝብን ተጋደልትን፡ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ትሰምዖ ዝነበረት ንፍናና ክብ ዘብል ወረን ልክዕ ኮይኑ ምስ ረኸበቶ፡ ስርዓት ደርግ ክሳዕ ሽዑ ዝጸንሕ’ውን ኣይመሰላን ነይሩ። ኵነታት ናይቶም ኣብ ብሎኮታት ዝተዓዘበቶም ሕልናኦም ዓረበ ዕሱባት ወተሃደራት ጸላኢ’ውን ንትስፉውነታ ዘደልድል ነይሩ። ነዚታት ብምዝማድ ዘረባ ሰለሙን ብዝኾነ መምዘኒ ክወሓጠላ ኣይከኣለን።
“ስማዕስ’ኪ፡ እንታይ ክትውስኹ ትደልዩ ኣለኹም? ኣስመራ ጥራይ’ንድያ ተሪፋትኩም ዘላ፡ ህዝቢ ከም ዘዕልሎ ዘሎ እዞም ወተሃደራት ደርጊ፡ ሎሚ ኣተዉና ጽባሕ ኣተዉና’ዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዛ ቃልስና ነዊሕ’ዩ ትብል ዘረባ ስለምንታይ ኢኹም ከም ማስቲካ ትሓይኩዋ?”
ብዛዕባ ሰውራ ዘለዋ ኣረኣእያ ጥምዓዊ ምዃኑ ብድሮኡ ዝተዓዘቦ ነገር’ዩ ነይሩ። ኣብ ታዕሊም ከሎ ገለ መትከኻት ተዓለምቲ መታን ከሕርቑዎ፡ “ቃልስና ነዊሕን መሪርን’ዩ፡ ዓወትና ግን ናይ ግድን’ዩ፡” ክብሉዎ ከለዉ፡ “ርጉማት ዘርኢ! ሎሚ ጽባሕ ክንዕወት እናበልናስ ቃልስና ነዊሕ’ዩ ትብሉ! በሉ’ስኪ ንዓኻትኩምን ንስድራኹምን ይግበረልኩም፡” እናበለ ዝራገም ዝነበረ ዓቢ ሰብኣይ ዘኪሩ ንበይኑ ሰሓቐ። ብዛዕባ ኣምር ቃልሲ ብመጠኑ ክገልጸላ ብምሕሳብ ድማ፡ “ንምዃኑ ጸላእትና መነመን ምዃኖም ትፈልጢዶ?” ክብል ብሕቶ ጀመረ።
“ኦይ! ንስኻስ ከኣ ጉዳመኛ ኢኻ፡ ብዘይካ ደርጊኸ ንበዓል መን ክተምጽእ ደሊኻ?” በለቶ ገጻ ኣዚራ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተቶ።
“እዚ’ንድዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። በሊ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ። ጸላእትና’ምበኣር፡ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣድሓርሓርቲ ደቂ ሃገር፡ መስፍነነት፡ ዓለማዊ ሃጸይነት ከምኡ’ውን ጽዮንነት ምዃኖም ፍለጢ።”
ሮዛ ዘረባኡ ግር ኢሉዋ፡ “እዞም ህዝባዊ ግንባር ትብሃሉ’ኮ ሓይልኹም መወዳእታ የብሉን። ናይ’ዞም ደቂሃገር ኢልካ ኣስማቶም ክትጠቕሶም ዝጸናሕካስ ሕራይ ተረዲኡኒ’ሎ። እቶም ዝዘርዘርካዮም ኣስማቶም ዘይትሓዝ ካልኦት ዓሌትከ እንታይ ዝኾኑ እዮም? ኣበይ ዝነበሩ ህዝቢ እዮም’ከ?” ክትብል ተወከሰቶ።
ካስትሮ ብዘረባኣ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ ትርጕም ሃጸይነት ጽዮንነትን፡ ምስ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምትእስሳርን፡ ንሰውራ ኤርትራ ኣብ ምጭፍላቕ ዝተጻወቱዎ ተራን ብሰፊሑ ኣብርሃላ።
“እሞ ንስኻትኩም ምስ’ዞም ኢምፐርያሊስቲ ዝበልካዮም ኣመሪካን ምስ እስራኤልን ተዓሪቕኩም ሓግዙና ዘይትብሉዎም? ደርጊ እንተኾይኑ ብሬድዮን ብጋዜጣን ሓይልታት ኢምፐርያሊዝም ከምዚ ገይሮምና፡ በዝቢዞምና እናበለ ክጻረፎም’ዩ ዝውዕል ዘሎ። ስለዚ፡ ንስኻትኩም ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምኩም ምስኣቶም ክትዕረቑ ይሕሸኩም። ብፍላይ እዛ እስራኤል ትብሃል ሃገር ሓያል ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ክንዲ ትዘርየኩም ብዙሕ ምሓገዘትኩም ነይራ። ንበይና ንኹላተን ሃገራት ኣዕራብ ከም ዝሰዓረተን ትፈልጥ’ንዲኻ። ደሓር ከኣ ጸላእቲ እንተ ኣብዚሕኩም ክትህሰዩ ኢኹም። እንታይ ገደሰኩም ኣብዚ ኵሉ ጣጣ ትኣትዉ? ንተዓረቕ፡ ዘባእስ የብልናን ምባልኮ ነውሪ የብሉን። ሰብ ይፈትዎ፡ ኣምላኽ ይፈትዎ፡” ክትብል ብዕቱብ መንፈስ ተማጐተቶ።
“ብኸመይ’ሞ ከረድኣኪ እየ ሮዛ፡ ንሳቶም ናይ መትከል ጸላእትና’ዮም። ደርግ ከኣ ንሸቐጥ ክጥዕሞ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ’ምበር ሳላኦም’ዩ ዝነብር ዘሎ። ንሕና ሓገዝ ንጸልኦ ኣይኮንናን። ግን ሓግዙና ክትብሎም እንተዄንካ ምስ መዓት ማሕለኻታቱ’ዮም ዝህቡኻ። ኣብ ከምኡ እንተ ኣቲኻ ድማ መሳርሒኦም ስለ ትኸውን ዕላማኻ ረሲዕካ ማለት’ዩ። ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ጠይቂ ይበሊ ከም ዝብሃል ድማ ማርያም ትሃብኩም ካብ ንብልን ገጽ ሰብ ካብ ንርእን፡ መትከልና ኣጽኒዕና ኣብ ህዝብና ብምትእምማን ክንቃለስ መሪጽና።”
“በል’ስኪ ሕራይ፡ ህዝቢ ማይ፡ ምግቢ፡ ኣድጊ ወይ ገመል ይቕርበልኩም ኣሎ። ጥይት፡ ቦምባማኖ፡ ጠበንጃ ግን ካበይ’ዩ ከምጽኣልኩም?”
“ብዛዕባ ኣጽዋር ወላ ሓንቲ ጸገም የብልናን። ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ ኢና ንዋግኦ ዘለና። ደሓር ከኣ ኣብ ውግእ ወሳኒ ሰብ’ምበር ብረት ኣይኮነን። ብካላሽን ኢና’ኮ ታንክ ንማርኽ ዘለና።”
“ኣመሪካ ዓባይን ሃብታምን ሃገር’ያ ሰሌ፡ ስለዚ ምስኣ ኣብ ክንዲ ምኵርራይ ወይ ምትፍናን፡ ናይ ልብኹም ኣብ ውሽጥኹም ጌርኩም ምስኣ እንተ ትዕረቑ ካሪ ኣርማቲ፡ ኣርቲለሪያ፡ ምሃበትኩም ነይራ። ኣብ ጕወራ ሞንዲያለ ሰኮንዶ፡ ሂትለር ሳላኣ’ዩ ተሳዒሩ’ንድዩ ዝብሃል። እመነኒ ከምዚኣ እንተ ጌርኩም ደርግ ይትረፍ ኣዋርሕ ሰሙናት ኣይክጸንሕን’ዩ።
ብዘረባኣ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ። “ኣየ ሮዛ! ሎሚ’ኮ ካብ ጸላኢ መዳፍዕን ታንክታትን ከይተረፈ ኢና ንማርኽ ዘለና፡ ደሓር ከኣ ናይ ዓለም ፖለቲካ ከምዚ ትገልጽዮ ዘለኺ ዕጽድ ኵምር ዘይኮነ ክንደይ ሕልኽላኽ ዘለዎ ረቂቕ ስራሕ ከም ዝኾነ ክትፈልጢ ኣለኪ፡” ድሕሪ ምባል ካልእ ሕቶ መታን ከይተስዕበሉ፡ ኣጀማምራ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጕድለታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ዘበነ ክፍልታት፡ ምውላድ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን መትከላታን፡ ናይ ሰለስተ ዓመታት ደማዊ ኵናት ሓድሕድን ዘኸተሎ ኣዕናዊ ሳዕቤንን፡ ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ ምዕባለታትን ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸላ።
ጸጸኒሓ ርእሳ እናነቕነቐት ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ “እዚ ክትብለኒ ዝጸናሕካስ ተረዲኡኒ ሕራይ፡ ንደርግ ክትዕወቱሉ እንተዄንኩም ግን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ግድነት ክትሰምሩ ኣለኩም። ጸላኢና ሓያል’ዩ ኢልካ ካብ ኣመንካ ምስ ትሰምሩ ጥራይ ኢኹም ክትዕወቱሉ ትኽእሉ። ኣሕዋት ምስ ዝፋቐሩ ጸላእቲ የባርሩ’ኳ ዝብሃል፡” ክትብል ሓድሽ ኣርእስቲ ኣስዓበትሉ።
“ህዝባዊ ሓይልታት ንስምረት ልዕሊ ተሓኤ እያ ትብህጋን ትናፍቓን። ስምረት ክብሃል ከሎ ግን ከምዚ መራሕቲ ተሓኤ ዝደልዩዎ ፊኖን ወዲዓከርን ምድዋስ ማለት ኣይኮነን። ተሓኤ ኣብ ሰብዓን ሽዱሽተን፡ ህዝቢ ንስምረት ዘለዎ ሃንቀውታ መዝሚዛ ደላዪት ስምረት ብምምሳል ኣብ ፈቐዶ ዓዲ ህዝቢ እናኣከበት፡ ‘ንሕና ህጹጽ ስምረት ናይ ሰራዊት ኤርትራ ንደሊ ኣለና፡ ህዝባዊ ሓይልታት ግን ሓንጊዳ ስምረት ኣብያትና፡’ እናበለት ንህዝቢ ብምድንጋር ኣንጻርና ክተላዕሎ ፈቲና ነይራ። ህዝቢ’ውን ደረጃ ንቕሓቱ ትሑት ስለ ዝነበረ፡ ተንኰላ ከይተረድኦ ከምዚ ንስኻ ነቦኻ ትመስል ንስኻ ድማ ነቦኻ ትመስል ዝዓይነቱ መርገጺ ብምውሳድ፡ ‘ሓደኹም የማናይ ዓይንና ሓደኹም ከኣ ጸጋማይ ዓይንና ስለ ዝኾንኩም፡ ግድነት ክትሰምሩ ኣለኩም፡’ እናበለ ደድሕሪኣ ክስዕብ ጀሚሩ ነይሩ።
“ብድሕርዚ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ስምረት ከም ትድግፍ፡ ይኹን’ምበር ስምረት ብጭርሖ ዘይኮነ ብግብሪ ክስነ ከም ዘለዎ፡ እቲ ዝድለ ዘሎ ስምረት ናይ መራሕቲ ዘይኮነ ብቐንዱ ስምረት ናይ መሰረታዉያን ተጋደልቲ ከም ዝኾነ፡ እዚ ድማ ብመንገዲ ስሙር ግንባር ጥራይ ከም ዝረጋገጽ ንህዝቢ ኣረዲኣ። ሓቂ እዩ ኸኣ፡ ትማሊ ትማሊ ብብረት ክራጸሙን ደም ክፋሰሱን ንዝጸንሑ ተጋደልቲ፡ ንዑ ስምረት ኮይኑ እዩ ኢልካ ብትእዛዝ መራሕቲ ክትጽንብሮም ኣድማዒ ውጽኢት የብሉን። ህዝቢ ነቲ ቅኑዕ መግለጺ ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ሰምዐ፡ ተሓኤ ግጉይ መንገዲ ሒዛ ከም ዘላ ተረዲኡ ቅኑዕ መርገጺ ብምውሳድ ንናይ ህዝባዊ ሃይልታት ኣገባብ ደጊፉ። ብድሕሪኡ መራሕቲ ተሓኤ ስምረት ትብል ቃል ክሰምዑ ከለዉ፡ መስቀል ከም ዝረኣየ ሰይጣን መንገዲ ዓመት ክሃድሙ ጀሚሮም። ስምረት ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ስምረት ከም ዘይተርፍ ፍለጢ። ስምረት እንተ ዘየሎ ዓወት የሎን ዝብል ኣረኣያ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን፡ መዝሙር ኣድሓርሓርቲ እዩ ኸኣ።”
“ሕራይ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢኹምከ ክትተኽሉ?”
ሓሳባታ ተረዲኡዎ፡ “ከም ናይ እከለ ሃገር ክብለኪ የጸግመኒ እዩ። ምኽንያቱ ኩላተን’ዘን ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሃገራት ንማለቱ’የን ናጽነት ኣሎና እናበላ ባንዴራ ዘንበልብላ ዘለዋ። ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ብሃጸያውያን ስለ ዝዝወር ሓቀኛ ናጽነት ኣለወን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ኣብ ከምዚ ዓይነት መንግስቲ፡ ቍጠባዊ ትሕዝቶ ናይቲ ሃገር ብውሑዳት ደቂሃገርን መሻርኽቶምን ስለ ዝውነን፡ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብጥሜት፡ ሕማም፡ ድንቍርና ክሳቐ ይነብር። ንማለቱ ግን መሰል ኣሎካ፡ ደሞክራሲ ስለ ዘሎ ወከልትኻ ምረጽ፡ ተመረጽ ይብሉዎ እዮም። ድራር ዕለቱ ዘይረኸበ ህዝቢ ግን ምስቶም ሓያላት ክወዳደር ስለ ዘይክእል፡ ፈትዩ ጸሊኡ ንዓታቶም ክመርጽ ይግደድ።
“እዚ ከይኣክል ተቃውሞ ጌርካ፡ መሰልካ ሓቲትካ፡ ንምንግስቲ ነቒፍካ ተባሂሉ ንዓመታት ብዘይፍርዲ ይዳጐን። እቲ ኣብ ልዕለኡ ዝወርድ ኣደራዕ ዘርዚርካ ኣይውዳእን’ዩ። ኣብቲ እንተኽሎ ህዝባዊ መንግስቲ ግን ግስጋሰን ደሞክራስን፡ ፍትሕን ማዕርነትን ክነግስ’ዩ። ህዝቢ ዝኣኽሎ ትምህርቲ ክቐስም’ዩ፡ ከብዱ መሊኡ ክሓድርን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተሓልዩሉ ድማ ኰሪዑ ክነብር’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ፍትሒ ክነግስ’ዩ። ዝኾነ ዜጋ ይትረፍዶ ብዘይፍርዲ ነዋርሕ ወይ ንዓመታት ክእሰር፡ ጽንጽንያ ዓይኑ ዘንፍረሉ ሰብ’ውንከም ዘይርከብ አረጋግጸልኪ ኣለኹ። ጭቈና ገዛእቲ ብጭቈና ደቂሃገር ክትካእ እንተኾይኑ’ሞ ኸኣ ምቅላስና ትርጕም ኣልቦ እዩ። ተረዲእክኒ ክትኮኒ ተስፋ እገብር፡” ኢሉ ብነዊሕ ኣተንፈሰ። ብሓያል ስምዒት’ዩ ዝዛረብ ነይሩ።
“ብልክዕ ንሱ እንተኾይኑ ዕላማኹም ጽቡቕ’ዩ። ኣነ’ኳ ፖለቲካ እንታይ አንብብ ኮይነ፡ ገለ ሰባት ግን ድሕሪ ዝኾነ ሪቮሉስዮነ ኵሉ ግዜ ረብሻን ዕግርግርን ኣሎ፡ ሕጊ ይጠፍእ ክብሉ ስለ ዝሰምዕ እየ ሓቲተካ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ውሕስነት ኣለዎ እንተኾይኑ ዝጽላእ ኣይኮነን፡” ኢላ ብምስትንታን ርእሳ ክትንቕንቕ ጸኒሓ፡ “ነዚ ኵሉ ስቓይ ሓሊፎም ኣብዚ ዘብጽሑዎ ሰባት መቸም ኣዝዮም በላሕትን መስተውዓልትን ክኾኑ’ለዎም። ንእስነቶም ከይመነዉ ክንድዚ ዓመታት ብኒሕ ከርተት ክብሉ ይገርመካ እዩ። ኮታ ከም ዝዕወቱ ፈሊጦም ነቲ ቃልሲ ተስፋ ከይቈረጹ ስኖም ነኺሶም ክቕጽሉዎ ምኽኣሎም ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡” እናበለት ዓጺፋቶ ዝነበረት ኣእጋራ ዘርግሓቶ።
ክሳብ ክንድኡ ብዛዕባ ቃልሲ ተገዲሳ ምሕታታ እናገረሞ፡ ኢዱ ኣብ ዝባና ኣንቢሩ፡ “ፖለቲካ ግን ኣየብዛሕክዮንዶ? ካልእ ነዕልል’ስኪ። እዚ ዅሉ ኣበይ ዝተማሃርክዮ እዩ?” በላ ብኽምስታ።
“ስማዕ’ስኪ፡ ካልእ ከኣ ኣይፈልጥን እኸውን’ምበር እዚታት ክጠፍኣኒ ኢልካ ትሓስብ? ሬድዮ እሰምዕ፡ ምስ ሰብ ምዕላል ኣሎ፡ ጋዜጣ’ውን ኣሎ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከኣ ኣብርሃም ብዛዕባ ኵነታት ገድሊ ይገልጸለይ እይ’ኮ። ደሓርከ ካን ኣእምሮ ዘይብለይ ደንቆሮ ዲኻ ትሓስበኒ? ሕጂ ግን ብዛዕባ እንታይ ከዕልለካ ኢኻ ትደሊ?” ኢላ ክሳዳ ብምቕናዕ ብስያፍ ጠመተቶ።
“ወላ ብዛዕባ ስራሕኪ ኣዕልልኒ።”
በዚ ዝጀመረ ዕላል ጕጅም ክብሉ ናብ ብዙሕ ነገራት ሰገሩ። ኣብ መንጎ ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ኮይኑ ሃብቶም ተላዕለ። “ሃብቶም ዓርከይ ከመይ ኮን ይህሉ? ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣዲስኣበባዶ ይህሉ ይኸውን?” ክብል ሓተታ።
“ቅድሚ ንከረን ምኻደይ ጸጸኒሑ ይድውለለይ ነይሩ። ሕጂ ግን እንታይ ከም ዝረኸቦ ደሃይ ኣጥፊኡ’ሎ። ኣዲኡ ከይተረፋ ተሳቒለን ኣለዋ፡ ወርሒ ይገብር ረኺበየን ነይረ። ናይ ደሓን ጥራይ ይግበሮ፡”
ኣብቲ ናይ ሰለስተ ሰዓት ዕላሎም ዘይተንከፉዎ ኣርእስቲ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ፍርቂ ሰዓት ኮፍ ዝበሉ ኮይኑ ኣይተሰምዖምን። ጸሓይ ድሮ ንምዕራብ ገጻ ብምንቍልቋል ክንዮ ጎቦ ከም ዝሃተፈት’ውን ኣይተረድኦምን። ተዛማዲ ሙቐት ውዒሉ ክነሱ ካብ ባሕሪ ብዝነቐለ ዛሕሊ ክትካእ ስለ ዝጀመረ ሮዛ፡ “ሔው! ቍሪ ክገብር ደልዩ ሰሌ፡” ኢላ ብድድ በለት። ክዳን ኣርቂቓ እያ ነይራ።
ብሸነኽ’ቲ ዓዲ፡ “ኤረየ . . . ኤረና . . . ከተማታት ኮይኑ መዓስከርና፡” ዝብል ዜማ ሰሚዓ ንምዕራብ ገጻ ቍሊሕ እንተ በለት፡ ብማዕዶ ኣብ ዝባነን ጾር ዝተሓንገጣ ብርክት ዝበላ ኣዋልድ፡ እናደረፋ ተመራሪሐን ክጐዓዛ ምስ ተዓዘበት፡ “እዘን ኣዋልድ ደኣ ናበይ ይኸዳ’ለዋ ሰሌ?” በለቶ።
ሰዓቱ ርእዩ፡ “ከይተፈለጠና ድሮ ምሰዩ’ባ እዩ፡” ኢሉ ብድድ በለ። ቈላሕታኡ ናብተን እንጌራን ማይን ተሰኪመን ዝሓልፋ ዝነበራ ኣዋልድ ድሕሪ ምስዳድ፡ “እዘን ትርእይየን ዘለኺ ኣዋልድ ደቂ እዚ ከባቢ ኮይነን፡ ንሓይልታት ዝምግባ መንእሰያት’የን፡ ንድፋዕ’የን ዝኸዳ ዘለዋ፡” በላ።
“እዋይ! ተዓዊቱለን! ካብ ዝብኢ ወይ ካብ ጦር ከይፈርሓ ከምዚ ኢለን እናደረፋ ክኸዳ ከለዋ ከቕንኣኻ።”
“ረሲዐዮ’ባ፡ ኣብ ብሎኮ ጦር ምስ ረኣኺ ፈሪሕኪዶ?”
“ምፍራሕ ደኣ ፈሪሐ፡ ግን ከኣ ብዙሕ ኣይኮነን፡” ድሕሪ ምባል፡ ዝተጠቕመትሉ ናይ ኣቶ በራኺ ሜላ ሓበረቶ።
“ግርም ጥበብ’ዮም ምሂዞም። እግርኺ ግን ከይቈሰለ?” ክብል ሓተታ።
“ድሕሪ ናይ ከረን እንታይ ክደግም ኢልካኒ። ቅድሚ ምብጋሰይ ሰሙን ምሉእ ብክፉት ሳእኒ ክኸይድ ቀንየ። መንገዲ ግን ፈጺምካ ኣይውዳእን’ዩ፡ ዓቐብን ቍልቁልን ከኣ በዚሑዎ። ብስነይ’የ ዝግብ ኣትየ። ደኺመ ሕልናይ ዕርብ ክብለኒ ከሎ ድማ ንዓኻ ዘኪረ ብሓቦ እብገስ፡” ኢላ ኢዳ ናብ ጐድኑ ኣሕሊፋ ሓቘፈቶ።
“ንኺድ በሊ ሕጅስ ዛሕሊ ይኸውን ኣሎ፡” ምስ በላ ሰለይ እናበሉ ንገዛ ተበገሱ። ኣብ ኣፍደገ’ቲ ህድሞ ክበጽሑ ከለዉ፡ ወ/ሮ ገብርኤላን ምሕረትን ኣብ ገበላ ኮፍ ኢለን ቆሎ ቈርጠም እናበላ ከዕልላ ጸንሓኦም።
“ጠፊእናዶ ውዒልና? ናበይ ተሸሪቦም ኢልክን ትኾና፡” በለን ካስትሮ ነታ ኣቡ ሓዲድ ካላሽኑ ካብ መንኵቡ እናውረደ።
“ኣበይ ከም ዝወዓልኩም ደኣ ርኢናኩም’ንዲና፡ ዕላል ይሕሸኩም ኢልና ግን ቡን ክትሰትዩ ኣየድሃናኩምን። ምሕረት ‘ኣብታ ቀልቀል ዘላ ንፋስ ክትጥዕም ጉድ’ያ፡’ ምስ በለትኒ በሊ ሕደግዮም ደሓን የዕልሉ ኢለያ።”
“መዕለልናኪ’ምበር ቡን እንታይ ክገብረልና፡” ኢሉ ኣብ ፊተን ደው በለ።
“ኦይ! ምስ ምሕረት ቡን ሰተና፡ ድራር ሰራሕና ክንብል ጽቡቕ ኢና ውዒልና። ጸሓይ ከመይ ኢላ ከም ዝዓረበት’ኳ ኣይተፈለጠናን።”
“ንሕናስ’ባ ከይጽምወኪ ተሰኪፍና ኔርና፡” ወሰኸት ሮዛ።
“ዛሕሊ ጀሚሩ’ምበር ንሕና ደኣ ምጸናሕና ኔርና፡” ኣስዓበ ካስትሮ።
“ኣንታ ሰለሙን ወደይ፡ ንዓኹም ዘይከውን ጸላኢ ረኺብኩም’ምበር ኣብዚ ዕድመ’ዚዶ ተረሓሒቕኩም ምነበርኩም! እንታይ ይብሃል ኮይኑ ግን፡ ዕድልኩም ኣይጸበቐን ኣደኻ፡ ሕማቕ ግዜ ኣርኪቡኩም።”
ዘረባአን ንካስትሮ ኣብ ተዘክሮ ኣእተዎ። “እዚ ምርኣይና’ውን ዕድለኛታት ኢና። ንዓለም ማንካ ዘየልዓሉላ ጥይት ዝመንጠለቶም መንእሰያት ውሑዳት መዓስ ኮይኖም። ጥይት ከኣ ንእሽቶን ዓብን ኣይትፈልን’ያ፡” በለን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዝተሰውኡ ክልተ ኣዝዩ ዝፈትዎም መንእሰያት ደቂ ጋንታኡ እናዘከረ።
“እዚ’ኳ ዘይትሞቱ። ኤሪትረያ ውሕድቲ እያ፡ ደቂ ኤሪትረያ ግን ካብ ቀደምኩም ምዑታት ስለ ዝኾንኩም ንበይንኹም ትዋግኡዋ ኣለኹም። እምበር ኢትዮጵያ ደኣ ዘራያት ምህላዋ ከይኣክል፡ ክትበዝሕ ሓሽከት’ያ እንድዮም ዝብሉዋ። መንግስቱ ሽሕ እንተ ሞቱዎ ካብ ፈቐዶ ከተማን ገጠርን ግፍፍ ውዒሉ ዓስርተ ሽሕ ወጮ ዝተኸድኑ’ዩ ዘምጽእ። ብሓይሊ ኣምላኽ ግን ዲል ኣይረኸበን።”
ዕላሎም ከይወድኡ ጫረ፡ “ከመይ ውዒልክን ማማ ገብርኤላ፡ ህልም ኢለዶ ውዒለ? ጋሻ ጸሊኡ’ዩ ኢልክን ሓሚኽናኒ ትኾና። ጸምዩክንዶ ውዒሉ? ምዃን ምሕረት ክንዲ ዅሉ እያ፡” ኢሉ ኣብ ጐድኒ ካስትሮ ደው በለ።
“መንበር ሓዝ ገረኽስቶስ ወደይ። ጽምዋ ነይብለይ ጽቡቕ ውዒለ ምስ ምሕረት፡” በልኦ። ጫረን ካስትሮን ተጠማሚቶም ሰሓቑ።
“መሬት መስዩ’ንድዩ፡ ገዛ እንተ ኣተና ይሓይሽ፡” በለት ምሕረት። ብሓሳባ ተሰማሚዖም ኣብ ህድሞ ምስ ኣተዉ ምሕረት ሻሂ ዝተሰኽተተታ ፈርኔሎ ሒዛ ሰዓበቶም። ሻሂ ፈሊሓ ምስ ሰተዩ ኣብ ናይ ሓባር ወግዒ ኣተዉ። መሬት ምስ ጸልመተ ፋኑስ ተወሊዓ ግዜ ድራር ክሳብ ዝኣክል ዕላል ብጫረን ካስትሮን ተዓብሊሉ ኣምሰየ። ዘይጽልኦ ጫረ ብዋዛታቱን ተረካብ ዘረባኡን የስሕቖም ስለ ዝነበረ ግዜ ከይተፈለጦም ሓለፈ። ብፍላይ ሮዛ ብቘልዓኡ ጓሳ ከሎ ተካል ከም ዝነበረ ንምግላጽ ዘምጽኦ ዝነበረ ዕላል ሰሚዓ ክሳብ ትነብዕ ትሽሕቕ ነበረት።
ድሕሪ ድራር፡ ጫረ ብኣጋኡ ናብ መደቀሲኡ ክኸይድ ከሎ፡ ካስትሮ ነዲኡ ከዕልለን ኣምሰየ። ንዅሉ ክጥቀስ ኣለዎ ዝበሉዎ ጕዳያት ምስ ዳህሰሱ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ከምባህቛ ስለ ዝጀመራ፡ “በላ ጽባሕ ንግሆ ምብጋስክን ስለ ዝኾነ
ንደቅስ፡” ኢሉ ንሮዛ መሪሑዋ ናብ መረባዕ ሰገረ። መደቀሲኦም ምስ ሓዙ ግን ሮዛ ክትድቅስ ቅርብቲ ከም ዘይነበረት ኣብ ገጻ ኣንበቦ። ቍጭምጭም እናበለትን ጓልመንገዲ እናምጽአት ንድቃስ ዘይዕድም ዘረባ ምስ ኣብዝሐት፡ “ሮዛ፡ ሕጂ ሰዓት ሓሊፉ እዩ ንደቅስ። ጽባሕ ኣንጊህኪ ክትትስኢ ከም ዝኾንኪ ፈሊጥኪዶ ኣለኺ? ንደቅስ በጃኺ፡” በላ ኮቦርታ እናተኸድነ።
“ድቃስ ስለ ዘይመጽኣኒ ከዕለልካ እየ። ደሓር ከኣ እንታይ ተብተብ ዘብል ኣለና፡ ጸሓይ ምስ በረቐት ክንከይድ ንኽእል’ንዲና፡” ብምባል እናቝረምረመት ንኽልቲኦም ሸፊኑ ዝነበረ ኮቦርታ ቀልዓቶ። ንጽባሒቱ ክፈላለዩ ምዃኖም ምስ ተሰቈራ ንካስትርዮ ክትርእዮ ዘለዋ ሃረርታ ሰማይ ዓረገ። ካብኡ ምፍላይ ሞት ኮይኑ ተሰምዓ። ኣትኪላ ክትጥምቶ ጸኒሓ፡ ነቲ ዛዕኰርኰር ዝበለ ጸጕሩ በጻብዕታ እናፈተገት፡ “ናፍቖተይ ከየውጻእኩ ኣይፍለየካን’የ፡” በለቶ ብዕርንስ ዝበለ ድምጺ።
“ተጸሊልኪ ዲኺ? ቍሩብ’ባ ሕሰቢ! ከም በዓልቤትኪ መጠን ከማልኦ ዘሎኒ ግቡኣት’ኳ እንተ’ሎ፡ ከም ተጋዳላይ መጠን ከኣ ዝተሰከምኩዎ ሓላፍነት ከም ዘሎ ክትፈልጢ ኣለኪ። ዓሻ ኣይትኹኒ። ደሓር ከኣ ፍረወይኒ በይና ከም ዘላ ዘክሪ፡” ክብል ገንሓ፡ ክቕኒ’የ ኢላ ድርቕ ከይትብል እናተሰከፈ።
ዘረባኡ ግን ቅጭጭ ኣይበላን። “ኣንስቲ ተጋደልቲ እንተ ተሰሊፈን ምስ ሰብኡተን ድዮም ዝምድቡወን ወላ ኣብ ካልእ ቦታ?” ተወከሰቶ ገጻ እስር ኣቢላ።
ናበይ ክትበጽሕ ከም ዝደለየት ተረዲኡዎ መዓንጣኡ ክሳብ ዝቘስል ሰሓቐ። “ብሓቂ ክትስለፊ ትሓስቢ እንተ’ሊኺ ሃየ ከይተጠዓስኪ ከለኺ ነዘን ጽቡቓት ጸጕርኺ ቍረጽየንሞ ንታዕሊም ውረዲ፡” ኢሉ ኣቃጨጨላ።
“ብሓንሳብ ዝገብሩና እንተኾይኖም ብኡነት ክስለፍ’የ። ፍረወይኒ ጓለይ ማማን ኣብርሃምን ከለዉ እንታይ ከይትኸውን፡” ብምባል መልሱ ክትሰምዕ ብጎቦ ዓይና ጠመተቶ። መልሲ ከይሃባ ከሎ ግን፡ “ሕጅስ ክጻወተካ’የ ወደይ፡ ከመይ ገይረ ሰብ ክቐትል? ዓይንኻ እናረኣኻዶ ሰብ ይቕተል’ዩ? ቀደም ሓንቲ መምህር እንታይ ኢላትና ይመስለካ፡ ጠበንጃ መጀመርያ ንእንስሳ ዘገዳም መቕተሊ ተባሂሉ’ዩ ተሰሪሑ። ወዲሰብ ብስስዐን ቅንእን ዝግዛእ ዓሻ ፍጥረት ስለ ዝኾነ ግን ኣብ ነንሓድሕዱ ክጥቀመሉ ጀሚሩ። ሕስብ እንተ’በልካዮኸ፡ ንሰብ እናረኣኻ ብጥይት ክትቀትሎ ከመይ ኢልካ ትጭክን?” ኢላ ዳግማይ ኣስሓቐቶ።
ንዳሕረዋይ ዘረባኣ ትርጕም ከይሃበ፡ “ኣቲ ዓሻ፡ በሊ ሰብ ከይስሕቀኪ ከምኡ ኣይብሃልን’ዩ፡” በላ እንቋዕ ጫረ ኣይሰምዐ እናበለ ብውሽጡ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ክትስለፊ ከለኺ ብቐዳምነት ብዕላማ ክትብገሲ ይግብኣኪ። ብተወሳኺ ቦታ ከይመረጽኪ ኣብ ዝተኣዘዝክዮ ቦታ ክትምደቢ ድልውቲ ክትኮኒ ኣለኪ። ከምዚ ንስኺ ትሓስብዮ ዘለኺ ዝከኣል እንተ ዝኸውን ሓቢርና ኣብ እንዳ ህዝቢ ክንዕቈብ ኣለና ማለት’ዩ። ኣየ ሮዛ ትገብሪ፡” በላ። ምስኡ ካብ ዘለዋ ክቱር ፍቕሪ ተበጊሳ ከምኡ ከም ዝበለቶ ስለ ዝርዳእ ብዘረባኣ ብዙሕ ኣይተገረመን። ክዛረብ ከሎ ብዛዕባ ምፍልላዮም ጥራይ ትሓስብ ስለ ዝነበረት ግን ብምሉእ ቀልባ ኣይሰምዓቶን። “ንደቅስ በሊ፡” እናበለ ርእሳ ክደራርዛ ጀመረ።
መደፋነቒ ጌርካለይ ሰሌ ሓወይ፡ ሕጂኸ ከመይ’ለ ክኽእሎ እየ?” በለት ብትሑት ድምጺ። ኣብ ኣእምሮኣ፡ “ካብ ሰለሙን ተፈልየ ክሳብ መዓስ’ዩ?” ዝብል ቃላት ይድውል ነበረ። ኣብ ኣዲስኣበባ ክፈላለዩ ከለዉ ዝነበረ ናይ ጽምዋ ህይወትን ኣብ ኣስመራ ምስ መጽአት ዝቐጸለቶ መሪር ናፍቖት ዝመልኦ ናብራን ተራእዩዋ ንብዓት ጸረር ኣበለት።
“ሮዛ!” ኢሉ ብምሕቋፍ ኣብ ኣፍልቡ ኣደቀሳ። ጸጕራ ፋሕ ኢሉ ኣብ ገጹን ክሳዱን ዓሊቡ ነበረ። እቲ ውዑይ ንብዓታ ብመሰናግለኡ ኰረር ኢሉ ክወርድ ተሰሚዑዎ ኣመና ኣደንገጸቶ። ኣብ ዝባና ኣዕሪፉዎ ብዝነበረ ኢዱ ክደርዛ ከሎ፡ ንሳ ድማ ነቲ ዛዕኰርኰር ዝበለ ጸጕሩ ትድህስስን ትፍሕርን ነበረት። ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ትዝታታት ጥሒሎም ንገለ ካልኢታት ዝን በሉ። ወላ’ኳ ፍርቂ ዝባኖም ተቐሊዑ እንተ ነበረ ዛሕሊ ኣይተሰምዖምን። ብፍላይ ሮዛ ከምኡ ኢላ ንሰዓታት ምጸንሐት ነይራ። ካስትሮ ኵነታታ ኣተሓሳሰቦ። ብደገ ደሓን መሲላ’ኳ እንተ ተራእየቶ፡ ካብኣ ምፍላዩ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ስምብራት ክፈጥረላ ከም ዝኽእል ተጋህደሉ። ኣብ ሓሳብ ኣትዩ ናብ ናሕሲ ክጥምት ጸኒሑ፡ “ሮዛ፡” በላ።
ርእሳ ከየቕንዐት፡ “እሂ ሰሌ፡” በለቶ።
“እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ብእምነትን ብተስፋን ኢኺ ጸኒሕኪ። ኣብ ቃልኪዳን እምነት፡ ኣብ ቃልሲ ድማ ጽንዓት ወሳኒ’ዩ ሮዛ። በብዘለናዮ ክንጸንዕ እንተ ዘይክኢልና ፍቕርናን ቃልኪዳንናን ትርጕም የብሉን። ካባኺ ክፍለ ፈትየ ኣይኮንኩን። ነዚ ዝብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ብሓቦን ኒሕን ክንጻወሮ ኣለና። ደሓር ከኣ ክንዲ ሰብ ዝኣኸልኪ ሰብ ከም ቈልዓ ክትነብዒ ጽቡቕ ኣይኮነን። ቀጥ በሊ ሮዛ ሓውተይ። ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ራህዋን ሰላምን ምርኻብና ከም ዘይተርፍ ፍለጢ፡” ኢሉ ኣብ ምዕጕርታ ሰዓማ። ካልእ ዘረባ ከይተስዕበሉ ተሰኪፉ ድማ፡ “ሕጂ ንደቅስ፡” በላ።
ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረት ናይ ጥይት በሰላ እናዳህሰሰት፡ “ስምዓኒ ሰሌ ሓወይ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ ንዓይ ክብል ኣጽኒሑካ’ሎ። ካብ ሕጂ ንንየው ኣብ ውግእ ክትኣቱ ከለኻ፡ ደፋር ክትብሃል ኢልካ ወይ ሽመት ክትረክብ ኢልካ ቀቀዲምካዮም ኣይትኺድ። ነፍስኻ ክትሕሉ ኣለካ። ንዓይን ንፍረወይኒ ጓልካን ዘክር። ተጠንቀቕ ሕድርኻ! ኣይበሎ’ምበር ንስኻ እንተ ሞትካ ንሕና እንታይ ኢና ክንከውን? ዘኽቲምና ዲና ክንተርፍ? ብዘይካኻ ህይወት ክህልወና ከም ዘይክእል ክትፈልጥ ኣለካ፡” በለቶ ሓልዮት ብዝመልኦ ዕቱብ ኣዘራርባ። ርእሳ ኣቕኒዓ ናብኡ ብምጥማት ብዕቱብ መንፈስ’ያ ትዛረቦ ነይራ።
“እዛ ዓሻ እዚኣስ ከምኡ ኢላ ድያ ብገርሃ ክትነብር?” እናበለ ብውሽጡ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣይትሰከፊ ጥይት ዝብሃል ይትረፍ ክሃርመኒ ብጥቓይ ኣይክሓልፍን’ዩ። እዚ ትርእዮ ዘለኺ ካላሽን ናብዚ መብጽሒ ክኾነኒ’የ ተማሊአዮ’ምበር ኣብ ድፋዕ ብረት ኣይሕዝን’የ። ሓንሳብ ስለ ዝተወጋእኩ ፖለቲካ ጥራይ’የ ዝምህር ዘለኹ፡” ብምባል ልባ ዘረስርስ ቃላት ኣስምዓ።
“እስኪ መሓል፡” ኢላ ከብዲ ኢዳ ዘርግሓትሉ።
እቲ ነገር ማሕላ ንመን ቀተለ ኮይኑ፡ “ስጋ ስዩም!” ኢሉ ኢዳ ጠቕዓላ። ሓንሳብን ንመወዳእታን ክትኣምኖ እንተኾይና፡ ነታ ሳሕቲ ግን ከኣ ብቐሊሉ ዘየውጽኣ ማሕላ ስጋእ መጋእ ከይበለ ከስምዓ ነይሩዎ።
ብምሉእ ልባ ስለ ዝኣመነቶ፡ “ግራሴ ዲዮ! ኣቕሲንካኒ ሕጂ፡” ብምባል ደጋጊማ ሰዓመቶ። ብድሕሪኡ ብዙሕ ኣየዕለሉን ተሓቛቝፎም ብምድቃስ ክሰዓዓሙ ጀመሩ። ሮዛ ንጽባሒቱ ክትስእኖ ምዃና ተራእዩዋ ኣይፈነወቶን።
ይቕጽል
መበል 74 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 8 ሓምለ