ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
መበል 71 ክፋል
ዕርዲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብቕንያቱ ተዛማዲ ሰላምን ጽምዋን ሰፊኑዎ ስለ ዝቐነየ፡ ነፍስወክፍ ኣሃዱ ኣብ ስሩዕ ኣካደምያውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ኣድሂቡ ነበረ። ጸላኢ ስለ ዘይወፈረ ግን ድቃስ ክህልው ማለት ዘበት’ዩ። ዕረፍቲ ዘይለመደ ተጋዳላይ ዕጥቁ ከተዓራሪ፡ ብቐጻሊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከካይድ፡ ኣካደሚ ክመሃር፡ ፈዅሱ ንዝተራእዮ ዕርዲ ከደልድል ኣብ ቀጻሊ ሃለኽለኽ ነበረ።
ካስትሮ ኣብ ቦታ ዋርድያ ኮይኑ ብሸነኽ የማኑ ናብ ዝነበረ ዕርዲ እናኣመልከተ፡ “ድፋዕ’ኳ ከም ሎሚ ኣይደልደለን፡ እዛ ኣብ ስግርና ዘላ ግን ቍሩብ ተሰክፈኒ’ላ። እምንን ኣጕናድን ወሲኽና ሓመድ እንተ ንድብድባ ጽቡቕ ነይሩ፡” በሎም ነቶም ኣፍራዛን ባዴላን ሒዞም ወኻዕ እናበሉ ድፋዕ ዘተዓራርዩ ዝነበሩ።
“ጽቡቕ ኣለኻ። ጽባሕ ክንገብራ ኢልና’ምበር ኣስተውዒልናላ’ለና፡” መለሰ ሓደ ካብኣቶም ናብ ሃለቃ ገጹ እናጠመተ።
“ሓቁ’ሎ ኣነ’ውን ኣካዳሚ ተሪፉ ጽባሕ ክትስራሕ ይሓይሽ ምበልኩ፡” ወሰኸ ሃለቃ ናብ ካስትሮ ቍሊሕ እናበለ።
“ኣየ ሃለቃ! እንግሊዝኛ ጸሊእካ ኢኻ’ምበር ስራሕ ፈቲኻስ ኣይኮንካን፡” መለሰሉ ካስትሮ ደኒኑ ናብኡ እናጠመተ።
ሃለቃ ደኒኑ ክዅዕት ጸኒሑ ርእሱ ብምቕናዕ፡ “ብስራሕ ዝመጽአ’ኳ ከም ዘይሕመ ስለ ዝፈልጥ ቅጭጭ ኣይብለንን’ዩ። ግን መሲሉካ’ምበር ማርያም ኣደይ ኢለ ጽባሕ እንታይ ከም ዘሎና’ውን ኣይፈለጥኩን፡” ክብል መለሰ።
ካስትሮ፡ “ሃባ’ስኪ እቲ ኣፍራዛ፡ እሰርሕ ኣለኹ ክትብል ዲኻ?” ኢሉ ካብ ሃለቃ ኣፍራዛ ተቐቢሉ ክኵዕት ጀመረ። ቅንዕ ጉብጥ ክብል ከሎ ትዓርብ ዝነበረት ጸሓይ ዓይኑ እናወግኣቶ ሰብነቱ ክሳብ ዝረስን ድሕሪ ምዅዓት፡ “ሃየ በሉ ሓመድ ኣውጽኡ፡” ኢሉ ኣብ ጐድኒ ሃለቃ ደው ኢሉ ቍሩብ ምስ ኣተንፈሰ፡ “ሃለቃ ግን ስለምንታይ ኢኻ ንእንግሊዝኛ ትጸልኣ?” በሎ ከዛርቦ ስለ ዝደለየ።
“ግደፈና በጃኻ፡ ሰብ ቋንቋ ጥልያን ከኣ ይመሃር’ምበር እንግሊዝኛ ከኣ ቋንቋ ተባሂሉ ድዩ? ኣብ ጥልያን እንተ መጺእካ ገዛ ክትብል ካዛ፡ መኪና ክትብል ማኪና፡ ባንዴራ ክትብል ባንዴራ እዩ ዝብሃል። ኣብ እንግሊዝኛ ግን ገዛ ክትብል ሃውስ፡ መኪና ክትብል ካር፡ ባንዴራ ክትብል ድማ ፍላግ፡” ኢሉ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ነዚታት ከመይ ኢለ ክሕዞ ትደልየኒ ኣለኻ? ደሓር ከኣ ጽባሕ ንስዋእ ኣበየናይ ዓዲ ኬድና ክንዛረበሉ ኢልካና ኢኻ ኣንታ ካስትሮ?” ክብል መለሰሉ።
ኩላቶም ብሓባር ሰሓቑ። ካስትሮ፡ “እዛ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዝኾኑ ሰባት ዘረባ ክንደይ ግዜ ክትእረመላ ተነጊሩካ ከሎ ገና ኣይሓደግካያን ዘለኻ። ሓደ ፈላስፋ፡ ‘መወዳእታ ዓለም ጽባሕ እንተኾነ’ውን ሎሚ ሓንቲ ገረብ ለሚን ትኸል” ክብል ተዛሪቡ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዕለተሞቱ ተስፋ ክቘርጽ ከም ዘይብሉ ንምርዳእ ዝተዛረቦ ቃላት’ዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ክንዲ ‘ክንስዋእ ኢና’ እናበልካ ሌፍ ምባል፡ ‘ክንሰርሕ ኢና፡ ክንመሃር ኢና’ እንተ በልካ ይሓይሽ። ተዋጋኣይ ምዃንካ ንፈልጥ ኢና፡” በሎ ክምስ እናበለ።
“ወይ ሰበብ! በዓል ንስኻ’ኮ ኣይትእመኑን ኢኹም። ጽባሕ ንግሆ ‘ኣነነት ኣለካ፡ ትምክሕታዊ ኢኻ’ ኢልኩም ከማን ትነቕፉና ትኾኑ። ምዃን ባዕለይ’የ፡ ኣሽቢዐኩም፡ ንሱ’ኳ ክውሕደኒ፡” በሎም ዳርጋ ንኹላቶም።
“እሞ ባዕልኻ ነፍስኻ ዘይትነቅፍ፡”
“ሃለቃስ ነፍሱ ክነቅፍ ትጽበዮ? ‘ሰብኣይ ክሰማሸም ኣለዎ’ምበር ከም ሰበይቲዶ ክምድር ይውዕል’ዩ፡’ ከም ዝብል ኣይትፈልጡን ዲኹም?” ወሰኸት ርሂጸበላዕ ቈላሕታኣ ናብ ሃለቃ እናሰደደት። ኩላቶም ብሰሓቕ ተተውሽሑ።
“ጽንሒ ኣንቲ ፈንጓጽ፡ ሃለቃ ሑውየ ሕደገኒ እንተ ዘየቢለኪ ክትርእይኒ ኢኺ፡” ኢሉ ፈከረላ። ምስ ኣዋልድ ክንድ’ዚ ኣይኮነን፡ ንርሂጸ በላዕ ግን ብቈራጽነታ የድንቓ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ እዩ ዝፈትዋ። ብኸምዚ፡ መስርዕ ኣብ ስራሕን ዋዛን ተጸሚዳ ከላ፡ “ካስትሮ” ዝብል ጻውዒት ካብ ማዕዶ ተሰምዐ’ሞ፡ ሒዙዋ ዝጸንሐ ኣፍራዛ ንሃለቃ ኣቐቢሉ ተበገሰ።
“ዕኳቶ ሓመድ ከየውጻእካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ፍለጥ፡ ክንጽበየካ ኢና ተመለስ፡” በሎ ሃለቃ። ካስትሮ፡ ኣብ ውግእ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ኣካዳሚ ይኹን ኣብ ማእቶት ንጡፍ ስለ ዝነበረ ሃለቃ ኣመና እዩ ዝፈትዎ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ ክንዲ ምስ ካልኦት ደቂ መስርዑ ዘዕልል ናብ ካስትሮ እዩ ዝጐዪ ነይሩ።
“ምሸት ምድሪ ናበይ ከየብል ፈሪሕካ?” ኢሉዎ ንታሕቲ ገጹ ኣንቈልቈለ።
ኣቡ ዓፋን ብማዕዶ ክመጽእ ምስ ረኣዮ፡ “ዕጥቂ ለክም ካስትሮ፡” በሎ።
ገጹ ገልቢጡ ናብ ብጾቱ ብምምላስ፡ “በሉ ኣይትሕመቑ ብጾት፡ ጦፍ እያ’መስለኒ፡” ኢሉ ብረቱ ድሕሪ ምሕንጋጥ ናብ ኣቡዓፋን ገጹ ሰጐመ።
ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ፡ “ጠይብ ካስትሮ፡” ኢሉ ጀመረ ድምጹ እናጐተተን ነታ ቀጣን መንከሱ ብከብዲ ኢዱ እናደረዘን። “ሰበይትካ ወኣደካ ኣብ ዝግብ መጺአን ኣለዋ ዝብል መልእክቲ ሰዲዱ ኣሎ ጫረ። ስለዚ መሬት ከይመሰየ ከሎ ቅልጥፍ ኢልካ ተበገስ፡” በሎ።
ካስትሮ ገጹ ተቐያያረ። ዘፍቅራ በዓልቲቤቱ ካብ ልቡ ርሒቓ ስለ ዘይትፈልጥ ንዑኡ ክትረክብ ክንደይ መሰናኽል ሓሊፋ ምምጻኣ ኣዝዩ ደስ በሎ። በቲ ካልእ መዳይ ግን በዓልቲቤተይ መጺኣ ኢሉ ብጾቱ ጠንጢኑ ክኸይድ፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ሰውራዊ ባህሊ ዝቃዶ ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ፡ ሓሳባቱ ተዘራሪጉዎ ኣብ መንጎ ተቐርቀረ። “ናይ ሮዛስ ደሓን፡ እታ ዓባይ ሰበይቲ ከመይ ኢላ ክኢላ በጃኻ? እንታይ ዝበለ ሽግር’ዩ ደቀይ!” እናበለ ካብ ክልተ ጽቡቕ ነገራት ሓዲኡ ምረጽ፡ ተባሂሉ ምውሳን ከም ዝሰኣነ ቈልዓ ክሳዱ ቍልዕጽዕጽ ኣበለ።
ኣቡዓፋን ጠባይ ካስትሮ ስለ ዝፈልጥ ብዘይ ቃልዓለም በተግ ኢሉ ምብጋስ ከም ዝጸገሞ ተረዲኡዎ ሰዓቱ እናረኣየ፡ “ስምዓኒ ያዞል፡ መሬት ከይመሰየ ተበገስ። ባዕልካ ዝፈጠርካዮ ነገር ኣይኮነን እዚ፡ ያሬድ ከምዚ ናትካ ዕድል ንኩላትና ፈጢሩልና! ያላ ግዜ ከይቀተልካ ጥራይ ተሓረክ፡” ኢሉዎ ከም ብግስ በለ። ከም ብሓድሽ ምልስ ኢሉ፡ “ስምዓኒ ካስትሮ፡ እዚ ድፋዕ ከምዚ ትርእዩ ዘለካ ሰላም እዩ ዘሎ። ስለዚ ተብተብ ከይበልካ ምስኣተን ክትቅኒ ኣለካ፡” ኢሉ ሕጓኡ ካብ ጁባኡ ኣውጺኡ ትምባኾ ሰፈፈ።
“ተጸሊልካ ዲኻ? ኣዕልል እንተ ሓዲረየን እኹል’ዩ።”
“ትም ኢልካ ዘረባ ኣይተብዝሕ ካስትሮ፡ ከም ዝበልኩካ ጥራይ ትገብር። ያላ ተበግስ ሕጂ፡” በሎ ኣቡ ዓፋን ድምጹ ኣትሪሩ።
“ኮይሶም፡ በል ደሓን ኣምሲ፡” ኢሉዎ ብረቱን ጃኬቱን ኣልዒሉ ገጹ ናብ ዝግብ ገልበጠ። እተን ነዋሕቲ ኣብራኹ ንቕድሚት ክስጕማ ከለዋ፡ ኣእምሮኡ ግን ብሓሳብ ዓመታት ንድሕሪት ገጹ ይምርሽ ነበረ። ምስ ሮዛ ዝተላለዩሉ ኵነታት፡ ዘሕለፉዎ ፍቕሪ፡ ፍረወይኒ ጓሉ፡ ሃብቶም ዓርኩ በብተራ ከም ፊልም እናተራእዩዎ ሓያል መንገዲ ተጓዕዘ። ንዝግብ ብርሑቕ ምስ ረኣያ ሰብነቱ ብረሃጽ ጨንዩ ስለ ዝነበረ ብሓሳቡ፡ ‘እትው ኢለ ማይ ክሕጸብ ኣለኒ፡’ በለ። ነታ ተሪፋቶ ዝነበረት ሓጻር መንገዲ ወዲኡ ዓይኒ ከይሓዘ ኣብ ዝግብ ምስ በጽሐ፡ “ኣለኻዶ ጫረ?” እናበለ ናብታ ማዕጾኣ ግፍትን ኢላ ዝነበረት መረባዕ ህሩግ ኢሉ ኣተወ።
ጫረ ክጽበዮ ጸኒሑ፡ በተን ደቀቕቲ ኣስናኑ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ “እሂ’ታ መርዓዊ፡ ሰበይትኻ መጺአ ምስ ተባሃልካ ጠበሽ’ምበኣር ኢልካ፡” እናበለ ሰዓሞ።
ካስትሮ፡ “ናይ ሰበይቲ ገዲፍካ ካልእ ቁምነገር ግዳ ዘይትዛረብ፡ ድፋዕ ከመይ ቀንዩ? ብጾት ከመይ ኣለዉ? ኢልካ ቅድም ሕተት፡” በሎ ብሓውሲ ተግሳጽ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ደሓንዶ መጺአን?” ክብል ተወከሶ።
ጫረ ንሕቶኡ ከይመለሰ፡ “ስማዕ’ስኪ፡ እንታይ ዓይነት ፍጥረት’ዩ ዘሎካ? እዚ ዅሉ ዕርክነትናን ዕላልናንስ ምርዑው ምዃንካ እንተ ገለጽካለይ እንታይ ይጐድለካ? በዓል ኣነ ኢና ዓያሹ ትም ኢልና ሃለፍ ንብል’ምበር በብዓቕማ’ባ ኵላ ጐራሕ’ያ። እዚ ደኣ ኣየናይ ምስጢር ኮይኑ እዩ ክትሓብኣለይ!” በሎ ገጹ ኣሲሩ።
“ቍሩብ ሕሰብ’ባ ጫረ፡ ካልእ ዝዕለል ቁምነገር ተሳኢኑስ ‘ምርዑው’የ፡ ሰበይተይ ከኣ እከሊት ትብሃል’ እናበልኩ ቆሎ ጥጥቖ ከዕልለካስ እንታይ ኮይኑ ይስምዓካ? ኵነታተን ግዳ ግለጸለይ።”
ጫረ መረባዕ እናዓጸወ፡ “ምምጻእስ ደሓን መጺአን። ኣብ እንዳ ምሕረት ቡን ይሰትያ ኣለዋ። መጀመርያ’ኳ ሓውትኻ እያ መሲላትኒ ነይራ፡ ኣደኻ በዓልቲቤቱ እያ ምስ በላኒ ግን ነታ መልእኽቲ ከም ብሓድሽ ኣዕርየያ። ነዛ ምልዖ ትመስል ሰበይቲ ሓዲግካ ኢኻ ተሰሊፍካ? ወላሂ ማራ ዋሒድ ጨካን ኢኻ! ኣነ ነይረ እንተዝኸውን ነዚኣ ትመስል ገዲፈ ኣይምተሰለፍኩን፡” ክብል ኣስሓቖ።
“ጫረን እዝን ረኺብካን ደኣ ኦሮማይ መፍቶትካ ወዲእካ ክትቅኒ ኢኻ። ብዝኾነ ኣብ በይንናስ ደሓን፡ ኣብ ቅድሚአን ጥራይ ጭርቃን ኣይተብዝሕ። ከምዚ ቁምነገር ዘይብልና ክንጫረቕ ንውዕል ጥራይ ከይመስለን።”
“ትም ጥራይ በል። ዘይሎሚ ዘይረኸብኩኻስ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ሽጣራ ክትጥቀመለይ ትፍትን! ንኺድ ጥራይ ይጽበያና ኣለዋ። ብፍላይ ሮዛ ርሑቕ ድዩ’ቲ ድፋዕ ክትብል’ያ ጸኒሓ፡” ኢሉ መሪሑዎ ሰጐመ።
ኣብቲ ደምበ በጺሖም ድምጾም ምስ ተሰምዐ፡ ሮዛ ካብ ዝነበረቶ ብድድ ኢላ ከም ቈልዓ ብምጕያይ ናብ ማዕጾ ኣምርሐት። ኣብ ልዳት ምስ ተራኸቡ፡ “ሰሌ ሓወይ!” ኢላ ብኽልተ ኣእዳዋ ዓትዒታ ሓቘፈቶ። ስዒማ ክትጸግቦ ኣይከኣለትን። ካስትሮ’ውን ንዓመታት ሰቲሩዎ ዝጸንሐ ናፍቖቱ ገንፊሉ ሓኒቑ ሰዓማ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ብዓቕሊ ክጽበያ ጸኒሐን፡ “ኣታ ሰለሙን ወደይ! ከመይ ትኸውን? ደሓንዶ ኣለኻ?” እናበላ ደጋጊመን ሰዓምኦ። ኵነታቶም ይትረፍ ንዓታቶም ንረኣይኦም’ውን ዘደፋንቕ ነይሩ። እቲ ንጭርቃን ውዒሉ ዝሓድረሉ ጫረ ከይተረፈ ኣዒንቲ ሮዛ ንብዓት ቈጺረን ምስ ተዓዘበ፡ ኣብ ዓሚቝ ትዝታ ኣትዩ ዝን በለ። ኣዲኡን ዝፈትዋ ሓውቱን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ግትር ስለ ዝበልኦ፡ ኣብታ ሓጻር ህሞት ምስኣቶም ኣይነበረን። ምሕረት ንባዕላ ኣብ ሳሕል ዘሎ ሰብኣያ ተራእዩዋ ኣብ ትዝታ ተሸሚማ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተሰዓዒሞም ምስ ኣብቅዑ ናብ ውኖኣ ብምምላስ፡ “እሞ ናብ መረባዕ ደኣ ዘይንኸይድ ኢላ፡ ፈርኔሎ ተሰኪማ መሪሓቶም ናብታ ግፍትን ኢላ ዝነበረት ገዛ ኣተወት።
ካስትሮ ኣብ ንእዲ ኮፍ ብምባል ካላሽኑን ዕጥቁን ብሸነኽ ትርኣስ ኣቐመጦ። ወ/ሮ ገብርኤላን ጫረን ኣብ መንበር ምራን ፊት ንፊት ኮፍ በሉ። ምሕረት ንካስትሮ ሻሂ ክተፍልሓሉ ነቲ ሓምዅሽቲ ኣኪቡ ዝነበረ ፈርኔሎ ገፍገፍ ኣበለቶ። ሻሂ ክሳብ ትፈልሕ ናይ ሓባር ዕላል ሒዞም ወኻዕካዕ ክብሉ ጸኒሖም፡ በብቝሩብ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፍሉ። ሮዛ ንካስትሮ ብሒታ ክተዕልሎ ከላ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ድማ ንጫረ ሓፈሻዊ ኵነታት ኣስመራ፡ ህዝቢ ኣጓኒፉዎ ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገም የዕልሎኦ ነበራ።
ሻሂ ድሕሪ ምስታዮም፡ ድራር ክሳብ ዝቕረብ ሓንሳብ ብሓባር፡ ሓንሳብ ድማ ብጕጅለ ብምዃን ወጃዕ ምባል ቀጸሉ። ምሕረት ሰማዒት ነይራ’ምበር ኣብ ዕላሎም ኣይተሓወሰትን። ንሮዛን ካስትሮን ብትሑት ድምጺ ክዛረቡ ከለዉ ሰሰሪቓ እናጠመተት ግን ንበዓልቤታ ዘኪራ ብናፍቖት ትሕመስን ነበረት። መስኪነይቲ ጃንሆይ ብዕልዋ ካብ ዝፋኖም ኣብ ዝወረዱሉ ወርሒ ዝተመርዓወት ኮይና፡ ሰብኣያ ውዱብ ጸኒሑ ብጸላኢ ምስ ተፈልጠ ቀቅድሚ ሓርነት ከተማ ደቀምሓረ ሕቝፎኡ ከይጸገበቶ ናብ ሳሕል ወሪዱ።
መሬት ምስ መሰየ፡ ምሕረት ነታ ተጠንቂቓ ዝሰርሓታ ጸብሒ ሽሮ ብጕዕ ኣሰንያ ቀረበትሎም። ሮዛን ወ/ሮ ገብርኤላን ሓጐሰን ግዲ ኣኺሉወን ብዙሕ ኣይበልዓን። ካስትሮ ግን ድሕሪ ሓርነት ከተማ ደቀምሓረ ሽሮ ክጥዕም ንመጀመርያ ግዜኡ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ጫረ እናዕለለ መኣዲ ኵስትር ትብል በሊዑ። ኣእዳዎም ምስ ተሓጽቡ፡ “መጻእና፡” ኢሎመን ክዳን ለይቲ ከምጽኡ ተፈልዩወን። ዓይንኻ ክንቍሩኻ ዘይትርእየሉ ጸልማት ስለ ዝነበረ ላምፓዲና ወሊዖም ናብታ ጫረ ከም መደቀሲኡን ቤትጽሕፈቱን ዝጥቀመላ መረባዕ ኣተዉ። ጫረ ፋኑስ ወሊዑ፡ “በል ሕጂ እዛ መርዓት ከይትጸርፈና ጥዕይ ዝበለ መንጸፍ ክንመርጸላ፡” እናበለ ኣብ ልዕሊ ንእዲ ካብ ዝነበረ ኮቦርታታት ክመርጽ ጀመረ።
“ብዙሕ ኣይትሸገር ጫረ፡ ንሕና’ኳ ዘለናዮ፡ ንኽልተ መዓልቲ ምጽዋር ከይትስእን ዲኻ ተሰኪፍካ?”
“እቲ ዝንጸፍን ንክዳን ዝኸውንን’የ ዝፈሊ ዘለኹ። ናይ ናትካ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ እታ ጓል ሰብ ግን ጋሻ ስለ ዝኾነት ኰርኪሑዋ ክትሓድር ግቡእ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ንዅሉ ሰብ ከም ነፍስኻ ኣይትውሰዶ፡ እንካ ጥራይ ሓዝ። እዚኣተን ቍሩብ ዶሮና ዶሮና ስለ ዝጨንዋ ንመንጸፍ ግበሩወን። እዘን ቍሩብ ሕይሽ ዝበላ ድማ ትኽደኑወን፡” ኢሉ ብርክት ዝበለ ወዲዓከር ኮቦርታ ኣሕቈፎ።
“በዚሑ’ታ ጫረ፡ እዚ ዅሉ እንታይ ክኸውን’ዩ?”
“ሰውራ ኾይኑ’ምበር እዚዶ በዚሑዋ ኢልካዮ ኣንታ ካስትሮ፡ ንኺድ ጥራይ፡” ኢሉ ደድሕሪኡ ብምውጻእ መረባዑ ብሊኬቶ ዓጽዩ፡ “ዓርከይ ጽባሕስ ሕቘ ትኽ ክትብል እያ’ምበር፡” በሎ እናሰሓቐ።
“ክላ! ጫረ ድማ ከምኡ ኢልካ ዘረባ ጓሶት ጥራይ ክትዛረብ ክትነብር! ቍሩብ’ስኪ ወርዚ፡ ክንዲ ሰብ ኣኺልካ ኢኻ’ኮ። እንታይ ክትደግም ደሊኻ?”
“ሎሚ ዝበልካ እንተ በልካ ኣይምልሰልካን’የ።”
“ኣነ’ገድድ ምሳኻ ዝዛረብ። ሕጂ ግን እንታይ ግበር ይመስለካ፡ ሮዛ ቀልጢፋ ክትድቅስ ደልያ ስለ ዘላ ቍሩብ ምስ ኣዕለልና፡ ‘በሉ ኣዕርፉ ሕጅስ’ ኢልካ ንበዓል ኣደይ ብሜላ ሒዝካየን ውጻእ፡” በሎ። ብግቡእ ኣይርድኣንን ይኸውን ኢሉ ነተን ቃላት እናተሰከፈ እዩ ኣውጺኡወን።
ከም ዝፈርሖ ግን ኣይነበረን። “ተረዲአካ’ለኹ። ነቲ ዘለኩም ሓጺር ግዜ ብግቡእ ክትጥቀሙሉ እንተዄንኩም በይንኹም ክንገድፈኩም ኣለና፡” በሎ። ድሮ ኣብቲ ህድሞ ቀሪቦም ስለ ዝነበሩ ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ምሕረት ነቲ ሒዞሞ ዝመጽኡ ኮቦርታታት ተቐቢላ ንእዲ ክሳብ ተነጻጽፍ ኣብታ ንሰለሙን መሕጸቢ ሰብነቱ ዝኸውን ድስቲ ተሰኽቲታታ ዝነበረት ፈርኔሎ ከቢቦም ከዕልሉ ከለዉ፡ ሮዛ ካብ ዘምቢል ኣንሶላ ኣውጺኣ ንምሕረት ትሕግዛ ነበረት። ኣነጻጺፈን ምስ ወድኣ፡ ሮዛን ምሕረትን ኣብ ንእዲ ጐድኒ ንጐድኒ ኮፍ ኢለን ዕላል ጀመራ። ሮዛ ግን ኣብቲ ዕላል ነይራ ክብሃል ኣይክእልን ክኸዱላ ጥራይ’ያ ትጽበ ነይራ። ዕላል መይቁ ምስ ረኣየቶ ግን ምስ ምሕረት ዝጀመረቶ ዕላል ክትቅጽሎ ተገደደት። ኣብ መንጎ’ቲ ምዉቕ ዕላሎም፡ ጫረ ንሮዛ ሰሰሪቑ ክጥምታ ጸኒሑ፡ “በሉ ሕጅስ ክንገድፈኩም ደቅሱ። ብፍላይ እዘን ኣጋይሽ ደኻም ተወዲእክን ትህልዋ ኢኽን፡” ኢሉ ብድድ በለ።
ወ/ሮ ገብርኤላ፡ እንተ ንቃልዓለም እንተ ሓቀን፡ “ዕላል ጥዒሙኒ’ምበር ሓቅኻ’ለኻ ካን ተኻኢለ’የ ጸኒሐ። ጽባሕ ክነዕልል ሰለሙን ወደይ፡” ኢለን ተስኣ።
ይቕጽል
መበል 72 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ ባሕቲ ሓምለ