ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
9ይ ምዕራፍ መበል 68 ክፋል
ምዕራፍ 9
ጕዕዞ ህይወትን መንገድን ተመሳሳሊ እዩ።
እቲ ዝሓጸረ መንገዲ ኵሉ ግዜ ካብቲ ዝነውሐ
ዝኸፍአን ዝጸንከረን’ዩ።
ፍራንሲስ ቤኮን
ኣጻብዕትኻ ዘቝሪ ኣስሓይታ’ዩ ስለ ዝሓደረ ዝበዝሕ ተጋዳላይ ኣብ ድፋዕ ኣዝጊቡ ጸሓይ ይጽሎ ነበረ። ኣብ ልዕል’ቲ ሓሓሊፉ ዝርአ ዝነበረ ሓጸርቲ ሰራዋት ዝሓደረ ዛዕዛዕታ ገና ኣይዘፈፈን ነይሩ። ጩራ ጸሓይ ምስ ዓለቦ ዝፈጠሮ ብልጭ ብልጭ ዝብል ምንጽብራቕ ቈላሕታ ካስትሮ ሰሓበ። ኣዒንቱ ሰም ኣቢሉ ነታ ዘይትምኖ ጸሓይ ንግሆ እናስተማቐረ ከሎ፡ ብሸነኽ የማኑ ደርገፍ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ቍሊሕ እንተ በለ፡ ሃለቃ ጥራዙ ሒዙ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ከሎ ተዓዘበ። ከም ኣመሉ ብዛዕባ ብድሮኡ ዝተማህሩዎ ዕዮ ገዛ ክካታዕ ይመጽእ ከም ዘሎ ስለ ዝተረድኦ ንበይኑ ክምስ በለ።
“እሂ’ታ ካስትሮ፡ ከመይ ሓዲርካ?” በሎ ሃለቃ ኣብ ጥቓኡ ቅርብ ኢሉ።
“መርሓባ ሃለቅዮስ፡” ኢሉ ፍንትት በለሉ’ሞ፡ ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ብምባል ዘረባኡ ጀመረ። ሃለቃ ሰብነቱ ደልዳላ ኮይኑ፡ ኣብ ዓውዲ ውግእ እምብዛ ተባዕን ዝወጽኣሉ ጅግናን’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ መጺእካ ግን ርኡይ ድኻም ነይሩዎ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓን ሓሙሽተን ሰራዊት ደርግ ኣብ ቤተክርስትያን ዓዶም ንዝተዓቝበ ህዝቢ ክቐትሉን ቤትኣምላኽ ክዘርፉን ምስ ረኣየ እዩ ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱዎ፡ “ቶባ ደጊም! እንታይ ዝዓብስ ዲቁና እዩ?” ብምባል ሃጽ ኢሉ ንዓላ ብምውራድ ተሰሊፉ።
“ንግሆ ምድሪ ጥራዝ ሒዝካ ደኣ ናይ ደሓን ዲኻ ሃለቃ?” ሓተቶ ካስትሮ ናይ ስያፍ እናጠመቶ። ካብ ቃሉ ክረኽቦ ደልዩ’ምበር ፈሊጡዎ ነይሩ እዩ።
“እንታይ ክድሕን ደኣ! ቍሩብ ሕፍር’ኳ ኣይትብልን? ኣብ ቍጽሪ ተጋግየ ዘይፈልጥ መስሓቕ በዓል ርሂጸበላዕ ጌርካኒ ውዒልካስ ተመሊስካ ትዛረብ ኣለኻ? ርኣዮ’ስኪ፡ ኣዚ ጕዝታት ኣውጺአዮ ከለኹ ኤክስ ጌርካለይ ከም ዘለኻ ይርድኣክዶ ኣሎ?” ክብል እናንጸርጸረ ተወከሶ፡ ገንጺሉዎ ዝነበረ ጥራዝ እናቐበሎ።
ሃለቃ ብፍላይ ኣብ ቍጽሪ ካብቶም ኣመና ንፉዓት ተመሃሮ ምዃኑ ካስትሮ ኣዕርዩ ይፈልጥ’ዩ። ብድሮኡ ጥራውዝቶም ክእርሞ ከሎ’ውን፡ ‘እንታይ ረኺቡዎ ደኣ ሃለቃ?’ ዘይበለ ኣይኮነን። ነቲ ጥራዝ ክዕዘብ ጸኒሑ፡ “ጕዚ ክመሃሩ ከለዉ ኣይነበርካን፡ ጦፍ ኬድካ ኔርካ’መስለኒ፡” በሎ ብሓውሲ ሕቶ።
“ኣንታ ካስትሮ፡ ዘረባ ረኺበ ኢልካ ዲኻ? ጕዚ ደኣ’ሞ ተመሃርኩዎ ኣይተመሃርኩዎ እንታይ ለውጢ’ለዎ? ንጕዚ ኢልካስ ምህሮ ኣየድለየንን’ዩ። ካን ብዕራይ ሓሪደ ዘይፈልጥ ዲኻ ጌርካኒ? ብሓደ ኣፊቱ!” ብምባል ረሲኑ መለሰሉ።
ካስትሮ ብዘረባኡ እናሰሓቐ፡ “እሞ እዚ’ኮ ጕዚ ብዕራይ ኣይኮነን ሃለቃ! ኣብ ጕዚ ገና ብዙሕ ዘይፈለጥካዮ ምስጢር ኣሎ፡” በሎ።
“ደሓን ናቱስ፡ ሃየ ጥራይ ናይዘን ሰልስተ ጕዝታት መልሲ ንገረኒ። ፍርቂ ጕዚ ተደመሮ ፍርቂ ጕዚ ሓደ ምሉእ ጕዚ ይኸውን፡ ሓደን ፈረቃን ምስ ሓደን ፈረቓን ከኣ ስለስተ ምሉእ ጕዚ እንተዘይኮይኑ ክሳደይ ንኻራ! ዋይ ማርያም ኣደይ! ካን መጻወቲ ቈልዑ ክንከውን!” በሎ ኣብ ክሳዱ ናይ ምሕራድ ምልክት እናኣርኣየ።
“እንታይ ይመስለካ ሃለቃ፡ እቲ መልሲ ቅኑዕ’ዩ። ግን ከምቲ ዝተዋህበካ መምርሒ ብኸመይ ከም ዝረኸብካዮ ሰሪሕካ ኣየርኣኻን። ስለዚ እየ ድማ ጕዚ ክምሃሩ ከለዉ ኣይነበርካን ዲኻ? ዝበልኩኻ።”
“ስማዕ’ስኪ፡ ነቲ መልሲ ረኺበዮ ከለኹስ ኣገባብ ስሒትካዶ፡ በየናይ መንገዲ ረኺብካዮዶ ኢልካ ባዶ ክትህበኒ ከለኻ ቍሩብ ሕፍር ኣይትብልን? ካብ ጕይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ይብል ኣያ ክፍላይ ከምዚ እንተ ረኸበ። ቍሩብ’ስኪ ሕሰብ፡ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ታባ ንዘሎ ጸላኢ እንተ ሃጂምና እንተ ኣኽቢብና ምሩኽን ቍሱልን ጌርናዮ ከለና፡ ብድሕሪኡ ሓደ መራሕ በጦሎኒ በሎ መራሕ ብርጌድ ብከቢድ ብረት ህረሙዎ ኢኹም ተባሂልኩም ኔርኩም፡ ስለዚ ጸላኢ ገና ኣይተደምሰሰን ክብለና ቅኑዕ ድዩ? ወይ ሰብ ደቀይ!” ኢሉ ከዋጥሮ ፈተነ።
ሃለቃ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዘርእዮ ዝነበረ ጠባይ ዘኪሩ ንበይኑ ሰሓቐ ካስትሮ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ገጹ፡ ብዛዕባ ማሕበርነትን ዴስነትን ዝነበረ ትምህርቲ ምስ ተወድአ፡ ኣብ ግዜ ሕቶን ርእይቶን ሃለቃ፡ “ኣብ ዴስነት መንግስቲ ዝብሃል የሎን፡ ገንዘብ የሎን፡ ሰብ ብንቕሓት እዩ ዝሰርሕ፡ ዝደለዮ ነገር ከኣ ይረክብ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ድማ ዶብ የሎን ወዘተ ኢልካና። ብወገነይ ከም ዝፈልጦ ግን ይትረፍ ሰብ ወይ ህዝቢ ፍጥረት ኣምላኽ፡ እንስሳ’ውን መራሒ ከም ዘድልዮ እየ ዝፈልጥ። ካልእ ይትረፍ እዚ ደቂቕ ፍጥረት ንህቢ’ኳ ብዘይ ሹም ፋሕፋሕ ከም ዝኣትዎ ካብ ተሞክሮ ዘረጋገጽናዮ ጕዳይ’ዩ። ካብኡ በለ ሰብ ከይሰርሐ ከም ዕትሮ ተዀዲሙ ውዒሉስ እንታይ’ዩ ክበልዕ? ይትረፍ ኮፍ ኢሉ ሰሪሑ’ኳ ዘይከኣሎ! ብዛዕባ ዶብ እንተ መጻእካ ኸኣ ህዝብና ብደረት ግራት፡ ብሓጹር ገዛን ብሳዕሪ ብላዕን እናተባእሰ ከሎስ ጥር ኢልካ ምስ’ዞም ንዋግኦም ዘለና ፍጥረት ኣዳም ዘይብሎም ኣምሓራ ዶብና ሕውስውስ ክተብሎ ፈቲንካ። በል ክትፈልጥ፡ ምስ ሶዳን ከይተረፈ ናይ ዶብ ሕቶ ኣሎና። እዚ ትብሎ ዘለኻ ብዓንደ ርእሱ ኣይቅበሎን’የ!” ኢሉ ምስ ተዛረበ ሓይሊ ምልእቲ ብሰሓቕ ተፋሒሳ።
ካብ ካስትሮ ጀሚሮም ኩላቶም ከረድኡዎ ፈቲኖም። ንሱ ግን፡ “እዚ ዘረባ ኣይኮነን ብጾት፡ እዚ ካስትሮ ክብሎ ዝጸንሐ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ድሕሪ ምጾታት ኣለም ኣብ ገነት ጥራይ እዩ ክገሃድ ዝኽእል። እምበር ወዲሰብስ ሕጊ ፈሪሑ’ኳ ዘይተኻእለስ ብዘይ መንግስትን ብዘይ ሕግን ክኸይድ ብሱሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ቍሩብ ሕንኽ ኣይትብሉን። ሕሉፍ ሓሊፍኩም ምስ’ዞም ቈልዓ ሰበይቲ ዝሓርዱን ኣድባር ዘቃጽሉን ዶብና ብምጽንባር ከም ኣሕዋት ሓቢርና ክንነብር ኢና ትብሉኒ ከም ዘለኹም ይርድኣኩምዶ’ሎ? ወይ ተኣምራት! ምቅላስካ ትርጕም የብሉን ኢኹም’ኮ ትብሉኒ ዘለኹም። ኣነ ግን መሬት እንተ ተኣየደ ከም ዘይሰምዓኩም ፍለጡ፡” ኢሉ ምስ ኣቕበጾም ሸለል ክብሉዎ ተገዲዶም።
ካስትሮ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ስለ ዝዘከረ፡ ሃለቃ ሕጂ’ውን ከም ዘይሓድጎ ፈሊጡ ብጥበብ ከረድኦ ብምሕሳብ፡ “ንሕቶኡ ቀጥታዊ መልሲ ከይሃበ፡ “ስማዕንዶ ሃለቃ፡ ዘርብሓካ ኣይኮነን’ምበር ወላ ተጋጊኻ ከለኻ ምሉእ ነጥቢ ክህበካ’ኮ እኽእል’የ። ብሓቂ ጕዚ ተረዲኡካ እንተ’ልዩ ግን ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን፡ ፍቓደኛ እንተዄንካ ብቓል ክሓተካ፡” በሎ ብህዱእ ድምጺ።
“እዋይ ሓዊ ለቱ! ካልእ ኣይተምጽእ’ምበር ብጕዚ ዝመጽአስ ጸገም የብለይን ሓውካ። ሃየ ቃሕ ዝበለካ ሕተት፡ ዘይንሱ እንታይ ደልየ። በል ጕዚ እንተ ጠፊኡንስ ሞት ይሓይሽ! እዋይ ማርያም ኣደይ!” ኢሉ ክበኣስ ከም ዝቕረብ ዘሎ ሰብ ኢዱ ሰብሲቡ ብድድ በለ።
“በል ተዳሎ፡ እንተ ደሊኻ ወረቐትን ፒሮን ሓዝ፡”
“ክላ ዋእ! ሞይተዶ ኾይነ ንጕዚ ወረቕት ዝሕዘሉ፡ ክንደይ ብዕራይ ዘይሓረድና! ወይልኹም ደኣ ይትረፍ ብዕራይ ደርሆ ሓሪድኩም ዘይትፈልጡ። ብጕዝስ እምካሕ’የ ሓውካ። ሃየ ግዳ ስለጥ እዞም ተካላት ማናጁስ መጺኦም ከየዕገርግሩና ስልጥ ኢልካ ጀምር።
“በል ሓራድ ብዕራይ እንተ ኔርካ ሕጂ ክትፍለጥ ኢኻ። ሓዝ በል፡ ሓደ ርብዒ እንተ ደመርካሉ ሓደ ፍርቂ ክንደይ ይኸውን?”
“ፍርቂ ምስ ርብዒ ደኣ፡” ኢሉ ብሓንጐሉ ክድምር ጸኒሑ፡ “ሰለስተ ርብዒ’ዩ ብጻይ፡” ክብል መለሰሉ ርእሱ ኣቕኒዑ ኵርዕርዕ እናበለ።
“በል ሕራይ፡ ሓደ ስድሲት እንተ ደመርካሉ ሓደ ሲሶኸ ክንደይ እዩ?”
መጀመርያ እታ ሕቶ ቀላል መሲላቶ ብዙሕ ኣይተሰከፈን። ገጹ ኣሲሩ ቍሩብ ድሕሪ ምሕሳብ ግን፡ “ኦይ! ሕጂ ገለ ኣምጺእካ ካስትሮ፡ ከምዚ ዓይነት ጕዚ ናይ ኣበይ ዓዲ እዩ ወደይ? ከምዚ ናይ ዓድና ርብዒ፡ ፍርቂ፡ ፍርቂ ርብዒ እናበልካን’ዶ ግዳ ሕተት፡” ብምባል ክለማመጥ ጀመረ።
“በል’ስኪ ሕራይ፡ ሓደ ሕምሲት እንተ ደመርካሉ ክልተ ሲሶኸ ክንደይ ይኸውን? ስልጥ ኢልካ’ባ መልስ! ጕዚ ቀሊል’ዩ ክትብልዶ ኣይጸናሕካን። ወላ ፒሮን ወረቐትን ተጠቐም። እዚ ከመይ’ሉ ይጠፍኣካ?” ኢሉ ኣጻበበሉ።
ሃለቃ ሕጂ’ውን ክምልስ ኣይከኣለን። ቍሩብ ሕስይስይ ድሕሪ ምባል፡ “ያእ! በል ክዱን ከም ኣፈስስላሴ። ኣነ ደኣ ጕዚ ክብሃል ከሎ እዚ ዅሉ ጣጣ ዘለዎ ዘይመስለኒ ነይሩ። ሕጂ ግን በጃኻ መስሓቕ በዓል ርሂጸበላዕ ከይትገብረኒ ኣብዚኣ ከለኹ ቀስ ጌርካ ኣረድኣኒ፡” ኢሉ ኣራጢጡ ኮፍ በለ።
ካስትሮ፡ ናይ ሓባር ረቛሒ ብከመይ ከም ዝርከብ፡ ትርጕምን ስራሕን ናይ ተረቋሒ፡ ተራ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ተረቋሒ ጕዚ ኣብ እትቕምረሉ ግዜ ዘለዎ ተራ ብሰፊሑ መረዳእታ ድሕሪ ምሃቡ፡ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝሰርሕ ድማ ኣብነታት ወሲኹ ኣርኣዮ። ሃለቃ ብዝቐሰሞ ፍልጠት ዓጊቡ፡ እታ ኵሉ ግዜ ክግረም ከሎ ዘዘውትራ ነዋሕ ፋጻ ድሕሪ ምፍጻይ፡ “እዋይ ማርያም ኣደይ! ምሁርስ ለካ ምሁር’ዩ ኣቱም ሰባት! በዓል ኣነ ኸኣ ዕድመና ምሉእ ሃሌሉያን ውዳሴ ማርያምን ክነጽንዕ ግዜና ብከንቱ ኣሕሊፍናዮ። ኣሕ!” ድሕሪ ምባል ናብ ቦታኡ ክምለስ እናተስአ፡ “ስማዕስኪ ካስትሮ፡ ብኸምዚ ዘረዳእካኒ ኣሰርራሓ ግን ወረቐት ሒዝካ ቅድም ናይ ሓባር ረቛሒ ክተውጽእ፡ ተረቋሒ ክንደይ’ዩ ኢልካ ጕዚ ብዕራይ ክትማቐል ምፍታን ኣዝዩ ኣህላኺ እዩ። ጽግኢ የለ፡ ዓጺድ የለ ካብ ስራሕካ በዅርካ ምውዓል’ዩ ትርፉ። ወይ ኣምላክ! ቀብሪ መሳሊ ወይ ውራይ እንተ ኣጋጢሙ’ሞ ኸኣ ብጥራሽ ኣይተርክበሉን ኢኻ። ኮታ ምስ ሓረስታይ ዓድና ዝኸይድ ጥበብ ኣይኮነን። እቲ ንዓይ ገሪሙኒ ዘሎ ግን ናይዚ ጕዚ ፍረ ነገር እንታይ’ዩ? ቍሩብከ እንታይ ዝኾኑ ህዝቢ፡ ኣበየናይ ሃገር፡ ንምንታይ ዓይነት ስራሕከ ይጥቀሙሉ?” ክብል ብጽሞና ሓተቶ።
ካስትሮ ብዘረባኡ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ኣየ ሃለቃ፡ ኣብዛ ዓለም ካን ብዘይካ ጕዚ ብዕራይን ማሕረስን ካልእ ቁምነገር የሎን ኢልካዮ። እቶም ሊቃውንቲ ንጕዚ ንመማቐሊ ስጋ ብዕራይ ኢሎም ከም ዘይመሃዙዎ ክትፈልጥ ኣለካ። እዚ ዅሉ ህንጻታት፡ ፋብሪካታት፡ ዓበይቲ ናይ ምህንድስና ስራሓት በዚ ዘርኣኹኻ ኣገባብ ከም ዝስራሕ ፍለጥ። ሕጂ ግን ይኣኽለካ ትኽ ኢልካ ንቦታኻ ቀጽል፡” በሎ።
ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ፡ ካስትሮ ጸሓይ መሪራቶ ክትስእ እናሓሰበ ከሎ ንመራሕ ሓይሊ ኣቡዓፋን፡ “ካስትሮ! መኒኻ ዋርድያ? ካስትሮ በል’ስኪ፡” እናበለ ብዓውታ ክጽውዕ ሰምዖ።
ቍሊሕ እንተ በለ ንኣቡዓፋን ብማዕዶ ኣብ ደንጐላ ኮፍ ኢሉ ረኣዮ። ዕጥቁ ኣልዒሉ ናብኡ ገጹ ብምውራድ ድማ፡ “ኬፍ ኣቡ ዓፋን፡” እናበለ ብሰላምታ ኢዱ ጨቢጡ ዝብሎ ክሰምዕ ተጸበየ።
“ወላሂ ተማም ኣለና፡ ጋንታ ከመይ ኣላ?”
“ሓሪፍ! ክነግረካ እናበልኩ ኣዘኪርካኒ፡ ተመሃሮ ጥራዝ ወዲኦም ኣለዉ።”
“ወላሂ ጥራውዝቲ’ኳ መጺኡ ይህልው’ዩ፡ ላኪን እቶም ቍጠባና ሬድዮ ሃለው እናቃረጸት ኣትዒባትና ይብሉ ስለ ዘለዉ፡ ክተዕረየሎም ንዝግብ ክትብገስ ኢኻ። ባጠርያ ከማን መጺኡ ስለ ዘሎ ንማንጆስ ምሳኻ ትማልኦ ወተሓጋጊዝኩም ተምጽኡዎ፡” በሎ ናብቲ ኣብ መንጎ ሕውስ ዝበሎም መንእሰይ እናኣመልከተ።
“ካብ ኵሉ ጥራውዝቲ እንቋዕ መጽአ። ሓፋሽ ክትመሃር ኣለዋ’ታ ዓፋን። እዞም ተመሃሮ ብሰንኪ ጥራዝ ተዀሊፎም’ዮም ቀንዮም።”
“ጽቡቕ ኣለኻ። ላኪን ድሕሪ ኣይሰለጠካን ንማንጆስ ቍሩብ ባጠርያ ሂብካ ትሰዶ ወደሓንካ፡” ኢሉዎ ኮፍ ኢሉዋ ካብ ዝነበረ ደንጐላ ብድድ በለ።
ካላሽኑ ኣብ መንኵቡ ተሰኪሙ ኣብ ጐድኖም ደው ኢሉ ንዘረባኦም ክከታተል ዝጸንሐ ማንጁስ፡ “ዓሽ ያሆ! ጥራውዝቲ እንቋዕ መጽኣልና፡ ትምህርቲ ከማን ንጅምር፡” በለ ብህንጡይ መንፈስ።
ኣቡዓፋን ናብ ማንጁስ ብፍሽኽታ ድሕሪ ምጥማት፡ “ወላሂ ማንጆስ ንስኻትኩም ዕድለኛታት ኢኹም። ቀደም ኣብ ግዜ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ቍራጽ ካርቶን ወናይ ኣስቃጥላ ወረቐት ኢና ንመሃር ኔርና። ደሓር ከማን ከምዚ ናይ ሎሚ ብሰላም ዘይኮነ ሽዑ ኢቶብያ ወቅያዳ ዓማ ይጐያና ነይረን፡” በለ። ኣቡዓፋን መልሓሱ ቍሩብ ናብ ትግረ ይወስዶ እዩ’ምበር ጽቡቕ ትግርኛ እዩ ዝዛረብ።
ኣቡዓፋን ኣብ ዓይለት ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ካብ ጕስነት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተሰለፈ፡ ኣብ ክልቲአን መዓጓጕርቱ ንኣሽቱ ጥባሓት ዘለዎኦ፡ ወተሃደራዊ ትብዓቱ ዘመስከረ በሊሕ መንእሰይ’ዩ። ንካስትሮ ከም ዘዕለሎ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1967 ሓደ ንግሆ፡ በዚ መጺኦም ዘይተባህሉ ጦርሰራዊት ንዓዶም ከቢቦማ። ሓወቦኡን ለጅና ዓዶምን ንዝርከቡዎም ሰለስተ ሽማግለታት ሰብኡት ኣሲሮም ከኣ ከጋፍዑዎም ጀሚሮም። ዓዲ ብምልእታ፡ ‘ኣ. . ላ. .ህ! ኣ. . ላ. . ህ!’ እናበለት ክትምህለልን ክትልምንን ጀሚራ። እቶም ዘይስማዕ ቋንቋ ዝዛረቡ ዝነበሩ ወተሃደራት ግን ነቶም ሰለስተ ሽማግለታት ኣብ መንደቕ ናይ መስጊድ ኣጸጊዖም ሓለቓኦም፡ ‘ተኵስ’ ምስ በሎም በድራጋ ጠያይቲ ረሺኖሞም። ንጽባሒቱ ነተን ካብ ነፍሱ ንላዕሊ ዝፈትወን ዝነበረ ልዕሊ ሚእቲ ኣጣሉ ጥንጥን ኣቢሉ ንጀብሃ ክደሊ ንሽዕብ ገጹ ሃጽ ኢሉ።
ካስትሮ ስጕምቱ እናኣቐልጠፈ፡ ማንጁስ ድማ ደድሕሪኡ ዘብዘብ እናበለ ከይተዛረቡ ጽርግያ ምስ ሰገሩ፡ ብዝግብ ዝመጽኡ ክልተ ተጋደልቲ ረኺቦም ንገለ ካልኢታት በብሸነኾም ዝነበረ ኵነታት ደፋዕ ኣዕለሉ። ንዓታቶም ምስ ተፋነዉዎም ብዛዕባ ኵነታት ጸላእን ኣካደምያዊ ትምህርትን እናዕለሉ ጸሓይ ከይመረረት ኣብ ዝግብ ኣተዉ። ካስትሮ ሻሂ ክሰቲ ከየበለ ተቐዳዲሙ ነታ ተባላሽያ ዝነበረት ሬድዮ ርክብ ኣብ ምጽጋን ኣተወ። ብተደጋጋሚ ኤለትሪክ ናይ ምቍርጽ ጠባይ ተርኢ ስለ ዝቐነበረት ሽግራ ከሎ ገና ፈሊጡዎ’ዮ ጸኒሑ። ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ንሓደ ክፋላ ክኣስር፡ ነቲ ካልእ ክፈትሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ኣበራ ረኺቡ ድምጺ ከም ትህብ ምስ ገበራ ንፈተነ ምስ ኣቡዓፋን ተራኺቡ። መልእኽቲ ትቕበል ከም ዘላ ምስ ኣረጋገጸ ድማ ከም ዝነበረቶ ገጣጢሙ ኮፍ ኢሉዎ ካብ ዝነበረ ብድድ ድሕሪ ምባል፡ “በል ጫረ፡ ሕጂ እቲ ባትርን ጥራውዝትን ቀራርበልና’ሞ መሬት ከይመሰየ ክንብገስ፡” በሎ ናብ ማንጁስ እናጠመተ።
“ንሱስ ተቐሪቡ እዩ ዘሎ ቅድም ግን ምሳሕ ብልዑ ካስትሮ፡” በሉዎ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ ምሳሕ ተቐሪቡሎም ኣብ መኣዲ ከበቡ። ኣብ ድፋዕ ካብ ዝበልዑዎ ብዙሕ ትፍለ ኣይነበረትን። መሪር ጉዕ ስለ ዝነበራ ግን ሱስ እናበሉ ኣራማሲሶማ። ድሕር’ዚ ኣቕሑቶም ጸይሮም ንገለ ዕስራ ሜትሮ ኣቢሎም ምስ ሰጐሙ፡ ብማዕዶ ክልተ ኣንስቲ ናብኣቶም ገጸን ክመጽኣ ተዓዘቡ። ኣብ ጥቓአን ምስ ቀረቡ፡ “ከመይ ኢልኩም ውዒልኩም’ዞም ደቀይ?” በልኦም ብሓባር። ኣብ ገጽ ክልቲአን ኣንስቲ ናይ ድኻም ምልክት ይርአ ነይሩ።
“ደሓንዶ ውዒልክን፡” ክብሉ መለሱለን። ኣብ መናኵቦም ዝነበረ ጾር ኣውሪዶም ኣብ መሬት ድሕሪ ምንባር ብሰላምታ ኣእዳወን ጨበጡወን።
“ደሓን እተዉ’ዞም ደቀይ ብሩኻት፡ ወድ’ዘን መሓዛይ ኣሎ ብጫይኩም። ኣብዚ’ዩ ቦታኡ ስለ ዝበሉና ኣበይ ከም እንረኽቦ ኣይምሓበርኩምናን፡” በልኦም’ተን ንውሕ ኢለን ጽላለን እናዓጸፋ።
“ኣብዚ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ዲኽን?” ሓተተን ካስትሮ።
“ኣብ ደቀምሓረ ዘለዉ ብጮትኩም፡ ‘በርጌድ ቍጽሪ ሓምሳን ሓደን ኢልክን ኣብ ዝግብ ሕተታ’ ስለ ዝበሉና ኢና ንግሆ ምድሪ ካብ ደቀምሓረ ተበጊስና’ዞም ደቀይ። ሕጂ ምሳኹም እንተ’ሎ ንገሩና በጃኻትኩም።”
“መን ይብሃልዚ ትደልዮኦ ዘለኽን ብጻይ?”
እተን ክሳደን ኣንቃዕሪረን ንካስትሮ ክጥምታ ዝጸንሓ ሕጽር ኢለን ሰበይቲ፡ “ተስፋይ’ዩ ዝብሃል ሽኮረይ፡ ወዲ ሰምበል’ዩ። ኣብዛ ክሳዱ ቈልዓ ከሎ ሓዊ ዝነደዳ ንእሽቶ በሰላ ኣላቶ፡” በልኦ ብኢደን ናብ ክሳደን እናመለከታ።
ካስትሮ ድንን ኢሉ ክሓስብ ጸኒሑ፡ “በዚ ሓበሬታአን መሰረት ንወዲ ፖሊስ’የን ዝደልያ ዘለዋ፡” ብምባል ርእሱ ኣቕኒዑ ናብ ማንጁስ ጠመተ።
“ጽቡቕ ኣለኻ ‘ዝወደይ ኣቦኡ ፖሊስ’ዮም ነይሮም። ንረኽቦ ዲና?”
ካስትሮ ንሕቶአን ብቐጥታ ከይመለሰ፡ “በላ ነዛ ብማዕዶ ትርእየና ዘላ ዓባይ ህድሞ ምስ ሓለፍክን ንጸጋምክን ተጠወያ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ናብ ሸነኽ ጸጋም ሓንቲ ንእስ ኢላ መረባዕ ክትረኽባ ኢኽን። ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑኽን ተጋደልቲ ንመን ከም ዝድለኽን ንገርኦም። ኣብ ቀረባ ስለ ዘሎ ክጽውዑልክን’ዮም፡” ኢሉወን ጾሩ ከልዕል ድንን በለ።
እተን መጀመርያ ዝተዛረብኦም ሰበይቲ ሓበሬታኡ ክሳብ ዝውድእ ኣትኪለን ክጥምቶኦ ጸኒሐን ብኣካፍታ ኣፉ ስለ ዘለልዮኦ፡ “ወዲግራዝማች ዲኻ’ታ? ብሓቂ ዲኻ ገጊኻኒ?” ኢለን ብመንኩቡ ሒዘን ክስዕሞኦ ጀመራ። ካብ ቲራቮሎ ናብ ገጀረት ገዛ ቅድሚ ምቕያረን’የን ዝፈልጦኦ።
ካስትሮ ሓጠቕ ኢለንኦ’ኳ እንተ ነበራ ካብ ዘምጽአን ስለ ዝጠፍኦ፡ “ገግየክን ኣለኹ፡” በለን እናተሰከፈ።
“ሓቅኻ ኢኻ ክትገግየኒ፡ ግዜ’ንድዩ ነዊሑ። ቅድሚ ናብ ኣዲስኣበባ ምኻድካ ምስ ተራኸብና’ንዲና። ንዳዊት ወደይከ ትዝክሮዶ?”
“እዋይ! ኣደይ መብራት ዲኽን? ኣሪግክን፡ ከመይ’ለ ከለልየክን፡ ክ. ላ. ለ ዓለም!” በለ ናይ ቀደም ጉብዝናአን ዘኪሩ።
“ኣሪግና’ወ ኣንታ ሰለሙን ወደይ። እንታይ ጽቡቕ ረኺብና ኢልካና። ነቦታትኩም ናብ ዓዲ ኩላትና ኣፋኒናዮም፡ ደቅና ኸኣ በረኻ ኮይኑ ሰፈርኩም፡ እቲ ዕድመ ኸኣ ከይዱ ተወዲኡ። ኣምላኽ መወዳእታኡ የጸብቐልና እዩ ዝብሃል። ኣዚ’ኳ ንሕና ኴንና ክኢልናዮ’ምበር ወላዲ ጽቡቕ መዓስ ረኺቡ። ሕጂ ድማ ኣምላኽ ይተሓወሶ ዓወት ሒዝኩም ክትመጽኡና ብተስፋ ኢና ንጽበ ዘለና፡” በልኦ ሓንሳብ ናብኡ ሓንሳብ ናብ ማንጁስ እናጠመታ።
“ደሓን ግዲ የብልክንን፡ ደጊም ደርጊ ኣብቂዑ እዩ።”
“ኣፍካ ይስዓር ‘ዝወደይ፡ ኣምላኽ ይበሎ። ዝተሳቐናዮ ኣይወሓደን፡” በልኦ ኣደይ መብራት ምስ ካልኣይተን ተቐባቢለን። ኣዕልል ክውዕልኦ ብሂገን’ኳ እንተ ነበራ፡ ይህወኹ ከም ዘለዉ ኣስተውዒለን፡ “በል ኣነ’ኳ ዕድለይ ኣጽቢቑዎ ንዳዊት ወደይ ኣብ ደቀምሓረ ረኺበዮ ቀንየ። ምናልባሽ ናብ ደቀምሓረ እንተ ኼድካ ኣብቲ ዕሙር ቀላሚጦስ ዘለዎ እንዳ ፍሩስታለ ዝብሃል ቦታ ኢኻ ትረኽቦ። ገብርኤላ ግን ዝረኽባኻ መሲሉወን ምስ በዓልቲቤትካ ናብ ከረን ከይደን ነይረን። ምስ ሰኣናኻ ካን ጕህይ ኢለን ተመሊሰን። መሳኪን ኣብዛ ጥቓአን ከለኻ ንብላሽ ደኺመን። ሕጂ ግን እትው ኢለ ከበስረን ስለ ዝኾንኩ ቍጽርኻ ጥራይ ነገረኒ። ወዓል ሕደር ከይበላ ከምጽኣኻ’የን” በልኦ።
ማንጁስ እንታይ ከም ዝሓሰበ ንካስትሮ ኣንቃዕሪሩ ጠመቶ። ከም ብሓድሽ ናብተን ሰበይቲ ጠሚቱ ድንን በለ። ክሳትሮ ክልተ ክልተ ሓሰበ። ዝናፍቓ በዓልቲቤቱን ፍቕርቲ ወላዲቱን ባህጊ’ኳ እንተ ነበሮ፡ ከም ተጋዳላይ መጠን እንታይ ከም ዘጋጥሞን ናበይ ከም ዘብልን ስለ ዘይፈልጥ፡ ንገለ ካልኢታት ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ናይ ገድሊ ነገር’ሞ እንታይ ይፍለጥ ኣደይ መብራት፡ ሎሚ ኣብዚ’ለና ጽባሕ ድማ . . .”
ዘረባኡ ከይወድአ፡ “ኣንታ’ዞም ተጋደልቲ ክንደይ ትጭክኑ? ከመይ’ሉ እዩ’ዚ ፍቕሪ ወላዲ ርሒቑኩም? በስመኣብ በወልድ መንፈስ ቅዱስ! ስለ ወለድኹምዶ ኣይኮንኩምን ትጋደሉ ዘለኹም?” ክብላ ኰለፎኦ።
“ብኸምኡ ኣይትረድኦኦ ኣደይ መብራት። ፍቕሪ ወለድናን ስድራቤትናን እንተ ዘይነብረና ፍቕሪ ሃገር ኣይምሓደረናን። ኣነ’ኮ፡ ኣደይ ሸምጊላ እያ፡ ሮዛ ኸኣ ንበይና ክትመጽእ ክጽግማ ይኽእል’ዩ፡ ኣነ ድማ ናብ ዘብሎ ስለ ዘይፈልጥ ንከንቱ ከይደኽማ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ እየ’ምበር ክርእየን መዓስ ጸሊአ፡” ዝብል ናይ ቃልዓለም መልሲ ድሕሪ ምሃብ ኣሃዱኡ ሓቢሩ ተፋነወን።
9ይ ምዕራፍ መበል 69 ክፋል
ይቕጽል .. . . ..