Weini Suleiman
ቀዳም 12 ሕዳር 2011,ባረንቱ
ዋርዋር ትብል ጸሓይ ባርካ ከይገደሰትና፣ ማህደር ትምህርትና ድርብይ ኣቢልና ኢና ንጸወታ ንጎይ ኔርና። መቐረት ንእስነትና ዝነበሩ ሓንዳይ፣ ቴምፖን ማይዶጸባን መጻውተይ ነይራ። ካብ ቀዳማይ ክፍሊ፣ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ። ዝሰዓበ ዓመታት ትምህርቲ ግና ፈላልዩና። ኣይጸንሐትን፣ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጻሕና መነባብሮ ክትስከም ተገዲዳ። ኣደ ኮይና። ህጻን ህጻን ሓቒፋ። ሓዳራ ብሩኽን ኣላይን ኮይኑ ኣይተወጽዐትን። ንሳውን ሓለፋ ፍቕርን ለውሃትን ለጊሳ፣ ግርም ሓዳር ገይራ ሰሚዐ። ክብደት ናብራ ስድራቤታን ጥዕና ወላዲታን ዘሻቕሎ ዝነበረ ከባቢ ዘይከም ዕድመኣ ነብሳ ዝከኣለት በዓቲ ሓዳር ምስ ኮነት። ተመስገን ኢሉ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ካልእ ዓዲ ይቕመጥ ስለዝነበርኩ ብኩነታታ ስክፍታ ነይሩኒ። ጽቡቕ ከም ዘላ ምስ ሰማዕኩ ግና ቀሲነ። ብድሕሪኡ ዳርጋ ንዓመታት ብዙሕ ኣይተራኸብናን። ደሃያ የጣይቕ።ንሳውን ከምኡ።
ኣብ ዝሓተሉ…
“ ኣላ…..ካልኣይ ቆልዓ ደጊማ”
“ በዓል ቤታ’ኸ፧”
“ ኣሎ…ከምኣይሎም…ኣዝዩ ንፉዕዩ ከመይ ዝበለ ሓዳር ጌሮም”
“ ጥዕነኣ’ኸ፧”
“ ደሓንያ”
ይመልኣላ! ምንዮተይ ገሊጸ፣ ኣነ ውን ናብ ናብራይ። ጸኒሐ፣ ኣብ ዝሓተትክሉ ወላዲታ ከምዝሞታ ሰሚዐ፣ ኣዝዩ’ዩ ዘጉሂ። ዝብላዕ ኣብ ዘይብላ ገዛ ስድራ ዛሕዚሐንየን ሓሊፈን።
ከምኡ ኢልና ነገር መተዓብይቲ ካብ ኣፍና ከይተዋጻጻእና መሊስና ኣብ ናብራና ንሰጥም።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ሎሚ ንበዓልቤታ ረኺበዮ። ቅድሚ ሎሚ ኮፍ ኢልና ኣዕሊልና ኣይንፈልጥን ኢና። መዘከርታ ኣብ ዝሰደትለይ ናይ መርዕኦም ስእሊ’የ ርእየዮ።
ሰላም ታ ኣሰንዩ ” ወይኒ ሓቀይ”፧
” እወ,,,?
” ዩስፍ’የ,,,ሰብኣይ ለይላ መሓዛኺ,,,
ካብ ዝኽሪ እታ ስእሊ፣ ከለልዮ ዝሓገዘኒ ንፍሽኽታ ስሩዓት ኣስናኑ ምስ ጋልሀ እዩ። ሕሰም ኣብ ገጹ ንምንባቡ ኣይትሽገርን። ኣብቲ ጽሙእ ገጹ ዝተሰለመ ማዳ፣ ምስ ሕብሪ ክሳዱን ኣእዳዉን ፍጹም ስኒት ትስእነሉ። ኣመና ድማ ጽሙእ። ጨው ፈርዩ፣ ስድራ ንምርኣይ ኣብ እተፈቕዳሉ 10 መዓልታት ዕረፍቲ ከነሱ ሕብሩ ዝቐበጸ ወተሃደራዊ ስረን ዝማህመነ ሽዳንዩ ወድዩ። ገለ ቁሩብ ቁራቦ ዝምእርረሉ ስራሕ ምርጋፍ-ኣቑሑ ተጎነፎ፣ ኣብ መዋፈሪ ኣውተቡሳት ናብዝን ናብትን ክብል ይውዕል። ነዊሕ ኣዕሊልና…። ተመሃራይ ካልኣይ ደርጃ ኣብ ዝነበረሉ፣ ምስ ሓያሎ ኣብ ርሱን ስምዒት ዝነበሩ ዓበይቲ ደቂ ገዛውቱ ብሃውሪ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መበል 5 ዙርያ ዩ ተጸንቢሩ። ኣብ 15 ዓመታት ናይ ዕስክርና ግዜኡ ካብቲ ክፉእ ጽቡቕ ከውጽእ ዘይፍትኖ የልቦን። ድሕሪ መርዕኦም፣ ካብ ሓደ ዓዲ ናብቲ ካልእ ክቕየር እንከሎ፣ ለይላ ናብቲ ዘለዎ እናመጸት ደቐቕቲ ሸቐታት ብምግባር፣ ከም ንስሪ ካብ ኢዱ ናብ ኣፍ ውሉዱ ክዕንግል ፈቲኑ። እዚውን በለጽ ግዲ ተሓሲቡ፣ ኣብ ሲቪላዊ ንጥፈታት ተራኢኻ ተባሂሉ፣ ኣብ ጠመተን መቕጻዕትን ደኣ ኣውደቖ።
ነታ ንሕብሪ ኣጻብዕቱ ከይተረፈ ዘደበነት ሽጋራ እናሰሓበ፣ ብደብዛዝ ፍሽኽታ።
” ለይላ ኩሉ ግዜያ ትዝከረኪ፣ ስእልኽን ናይ ቤት ትምህርቲ እናረኣየት ቀጻሊያ ብዛዕባኺ ተዕልለኒ። ኣብ ገዛና ንዝመጸ ሰብ ከኣ ረኣይዋ እዚኣ መሓዛይ… ጋዜጠኛያ… ኣብ ሬድዮ ትዛረብ። ” እናበለትያ ተዕልል።
” በጃኺ ግዜ ተለኪ ገዛ ምጺ፣ ኣብዚ ዓዲ መጽያ እንከላ ትርእያ፧”
ተቋጸርና።
መንበስበስታኻ ወሪዳ ዘላ ኮይና ትስመዓካ ጸሓይ፣ ምስቲ ረባሺ ፋምፋም ኣውተቡሳትን ላዕልን ታሕትን ገያሾን፣ ካብቲ ዶራን መዋፈሪ ኣውተቡሳት ተገሊልና ከነዕልል ኳ ተደለኹ። ዝራገፋ መካይን እናማዕደወ ንኸነዕልል፣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍደገአን ኮራሲ ዝዘርገሓ ቤት ሻሂ ኮፍ በልና።ከምቲ ኣብ ብዙሕ ትካላት ዓድና ልሙድ፣ ኣብ ዝሸረፈ ብኬሪ ጥዕምቲ ሻሂ ቀመም ሄል ፊት እናበልኩ፣ ብደውና ነዊሕ ኣዕሊልና ክነስና ጸጸኒሐ ከመይ ኣለኹም? ይደጋግመሉ ነይረ። ብኣንጻሩ ንሱ፣ ካብቲ ኣብ ገጸይ ከንብቦ ዘይተሸገረ ሻቕሎትን ድንጋጸን ከገላግለኒ ዝደለየ ይመስል፣ ንሓደ ተራካብ ዘረባ ዝልማዱ ቤተሰብ ለይላ እናዘከረ ናይ ንእስነትና ከዕልለኒ ይጋደል። ኣይነበርኩን ግና። ካብ መዓንጥኡ ንታሕቲ ብዘይ ክዳን ኣብቲ ምድርቤት ኮፍ ኢሉ ንዝበኪ ዝነበረ ህጻን “ስቕ ዘይትብል ኣንታ” ብምባል ከምሓውሲ ሓይሊ ወሲኻ ሰፍሲፋቶ ክትእዘዘና ቀሪባ። ብዘይሕጉስ ደሃይ “እንታይ ክሰምዓኩም”፧ኣብ ክልተ ተቖነነ እንብዛ ቅብኣት ዝጠስጠሰ ነዊሕጸጉሪ ዘለዋ ሕጽር ዝበለት ጓልያ። ሻሂ ከተምጽኣልና ምስ ሓበርናያ ከምታ ኣመጻጽኣ ብቅጭ ዝመጾ መንፈስ ዲዩግ ዲዩግ እናበለት ሒዛትልና ተመለሰት። ብዛዕባታ ልዕሊቲ ዝለመድናዮ እተሸርፈት ብኬርየይ ከጉረምርም ደልየ ነይረ፣ መንፈስ እታ ህጻን ኣንጠልጢላ ትመላለስ ዝነበረት ዘይሕጉስቲ ኣደ ግና ኣፍርሓኒ። ከመይ ለኸ ክሓትት። ልዕልና ዘርኢ ዘለኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ።ጠንቀምቀም ከይተርፍ እንታይ ኮን ክንድዚ ኣሕሪቕዋ ይህሉ ክርኢ ንውሽጢ ቁሊሕሊሕ ኣብዛሕኩ። ኣብመፈላለይቲ ካልኣይ ክፍሊ ማይ ዝመስል ተቖኒና ኮፍ ዝበለት ብብዙሕ ዘይትዛረባ ካዕናን ዋና ምስ ረኣኹ። ስለምንታይ ገና ፍሑኽ ዝጅምር ዘሎ ህጻን ሒዛ ትሰርሕ ኣላ? እንታይ ኮይናኸ እዛ ዋና ዘይትሕግዛ፣ ቆልዓ ክበኪ ከሎስ ተሰምዐትላ እንታይ ትኸውን፧ ኣቦ እዚ ህጻንከ ኣበይ ኣሎ፧ ሃጽ በልኩ ብሓሳብን ሕቶታትን። ኣዒንትና ኣብ እተጋጠማሉ ግና ምሳኻ ኣለኹ ንኸስምዕ ጸጸኒሐ ዝተፈራረቐ ፍሽኽታ ይልግሰሉ ንዩሱፍ። ጸኒሐ ነቲ ዘይምልሶ ሕቶታት ገዲፈ ናብ ዩሱፍ ተመልስኩ፣ ካብቲ ናይ ፈለማ ዝያዳ ኣትኲረ ጠመትክዎ። ትርኢቱ ካብ ዝሃበኒ ምስሊ ናብ ምስሊ ኩሎምቶም ናበይ ገጹዩ ጽባሕ ዝተጋረዶም ኣሕዋትን ኣቦታትን ሰብ ጠበናጁ ተዓዝረ። ኣቦዚ ብዘይ ስረ ኣብ ምድርቤት ዝልሎ ዝነበረ ህጻንውን ወተሃደር ዩ ፍሉጥ ደምደምኩ። እታ ርግምቲ ክዳን።እዛ ዮሱፍ ተኸዲንዋ ዘሎ ወተሃደራዊት ክዳን። ክጸልኣ ከኣ መዓት እንድየ። ተረፍ ሕመቐይ ሓንሓንኩላ። ከመይ ናብ ሃልሃልታ ተነቖቲ,,,ተራገምኩ። ተካሊት ክዳን ትብላ ተረኽበት ኣደይ።
ዕላሉን ኣተሓሳስብኡን ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ለይላ ዘለዎ ሓልዮት ኣዝዩ መሲጡኒ,,,ንሕሰም እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መንብሮ ክስዕር ዝኽእል ፍቕሪ ተዓዚበ። መሓዛይ ኣብ የማነይቲ ጡባ ዝወጸት ጥረ ንክብደት ናብርኦም ናብ ዝኸፍአ ከምዘስገረቶ ምስ ሰማዕኩ ግና,,,,,ምቕባሉ ከቢዱኒ! እዛ ዓለም ሲ ኣብ ገሊኡ ምሕረት ዘይብላ! መሓዛ ግርዝውናይ ከይበጽሐት ብህጻና ኣደ ኮይና,,,,ከይኣክል። ዘክታማት ኣሕዋታ ክትናቢ ኣርዑት ናብራ ኣብ ዝባናሎ ካብዝሰምዕ ነዊሕ ከይገበርኩ፣ ብከቢድ ሕማም ትሳቐ ኣላ ክሰምዕ! ቀልጢፉኒ። ኣመና ቀልጢፉኒ ኩሉ። ስእነት። ኣደነት። ሓላፍነት ኣሕዋትን ሕማምን ክበራረየላ,,,,,ከብደይ ተገማጢሉ። ከም ወዮ ሲግሙንድ ፍሮይድ ዝበሎ ሳእኒ ዘይብለይ ኢለ እንተጎሃኹስ እግሪ ዘይብሉ ረኣኹ ድማ ኮነኒ።