ሰዓት 24
መን ይፈልጥ
ምስ ወሰደኒ ድቃስ
ከይሓልፈኒ ኢለስ
ብርዐይ ኣዋዲደ
ምስ ወረቐት ተፋጢጠ
ጭትም
ሻቡ !
ሰዓት 24 እናተጸበኽስ
ሰዓት 00:00
ይግበራ ዜሮ
ጌራትኒ ዜሮ
ምዃን እኳ፤
መርዓዊ የብልናን እምበር
መርዓት እንተትህልወናስ
ግርም ምሳዕሳዕና!!
ቁኒን የብልናን እምበር
መፍተል እንተዝህልወናስ
ምፍታል ኣብ ኢድና
ቆፎ የብልናን እምበር
ሹም እንተዝህልወናስ
በርቢርና መሰበርበርና
ሓጋጊ የብልናንምበር
ፈራዲ እንትተዝህልወናስ
ፈጻሚ ምፈጸመልና
እንታይ’ዩ ዚረመጨት ረመጨት’
ነገረ ሰዓት 24 ማለት
እንዳሃለወና 24 ሰዓት
ሳባ ኪዳነ 24 05 2015
23 59 በቆጻጽራ ፓሪስ