ደራሲ፡ ኣሊሰን ፒርስ
ተርጓሚ፡ ኣማረ ወልደስላሰ
ሻሮን፡ ነቲ ወርትግ ክትክደኖ ዝተመነየቶ ልባስ ወደየቶ። ኣብ ርእሰኡ፡ ዕጣር ዝበሃል ዘይርከቦ ቐይሕ ግን ከኣ ድሙቕ ዝሕብሩ ኻባ ደረበት።
ኵሉ ኣምሓረላ። ምስ ተኽለ-ሰውነታ ስለ ዝተሰማምዐ ድማ፡ ነቲ ኸደራይ መልክዓን ጸሊም ዓይናን ኣድሚቑ ውቁብ ምስሊ መጠዋ።
“ኣደ፡ ኣዝየ ፈትየዮ።” እናተሓጐሰት ንውሽጣዊ ስምዒታ ገለጸት። ኣብ ቅድመኣ ናብ ዘሎ መስትያት እናጠመተትን እናተጠዋወየትን ንቍመናኣ ተዓዘበቶ።
“ስምዒኒ ሕጂ፡ ኣሰራርሓ ጨጕርኺ ኸይጽየቕ ተጠንቀቒ፡” ኻሪ እናኽመስመሰት ንሓንቲ ዊጥ ዝበለት ጨጕሪ ብመትሓዚ ጨጕሪ ጠሚራ ናብተን ዝተኣዅለላ ብጾታ ጸንበረታ።
ሻሮን ነቲ ወግኣዊ ጽንብል ብሃረርታ ተጸብያቶ እያ። ግዜኡ ስለ ዝኣኸለ ድማ፡ ንስምዒታ ኽትቈጻጸር ኣይከኣለትን።
ንሳን ኣደኣን ንምሉእ ግዜአን ኣብ ምጽብባቕ ኣጥፍአኦ። ኣቐዲመን ንጨጕረን ኣመዓራረይ፡ ቀጺለን ኣጽፋረን ተቘርጻ። ድሕረኡ፡ ንገጸን ብመቘንጀዊቶ ኣወቀባ። ኣብ መወዳእታ፡ ሻሮን፡ ልእልቲ ዝዀነት መሰላ።
“ኣመና ጽብቕቲ ቘልዓ ዀይንኪ ምቅርተይ!” ጁባ ዝወደየ ዳን ናብቲ ኽፍሊ ኣትዩ ብተመስጦ ተዛረበ።
“የቐንየለይ ኣቦ!” ሻሮን ብቕልጡፍ ኣሳጕማ ናብ ኣቦኣ ተጸጊዓ ንምዕጕርቱ ሰዓመት። “ኣደይከ ልክዕ ከማይ ወቂባዶ፧”
“እወ፡” ነታ ፈኲስ ጻዕዳ ኽዳን ወድያ ዘላ በዓልቲ እንዳኡ ተመልኪቱ፡ ንሕቶ ጓሉ ብእወታ መሊሱ ኣረጋገጸላ።
“በላ ተዳለዋ።” ተላበወ። “ሕጂ ኽንሰኣል ኢና።” ሓበሬታ ኣቕረበ። “ኵላትና ናብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኺድ!” ናይ መወዳእታ ትእዛዙ ኣመሓላለፈ።
ዳን ዘምጽኦ ኽኢላ ሰኣላይ ስራሑ ጀመረ። ፈለማ፡ ንሻሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ጠጠው ከም እትብል ብምግባር ሰኣላ።
ድሕረኡ፡ ኣባላት ስድራን ወለዳን ተሳእሉ። ሓንሳዕ ሰለስተኦም፡ ካልእ ሻዕ፡ ሻሮንን ኣቦኣን፡ ጸኒሖም ከኣ ሻሮንን ኣደኣን ተሳእሉ።
ኣብ መወዳእታ ዳንን በዓልቲ እንዳኡን፡ ንሻሮንን ነቲ ሰኣሊን ተኸቲሎም ናብ ደገ ወጹ። ኣብኡ ብዝበጽሑ እታ ዝወቀበት ጓሎም፡ ኣብ ማእከል ኣታኽልቶም እናተዘዋወረት ክትሰኣል ከላ ተዓዘቡዋ።
“ካሪ ንምዃኑ ደሓን ዲኺ፧” ዳን፡ ንኣእዳዉ ኣብ መንኵብ እታ ኣብ ሓሳብ ዝጠሓለት በዓልቲ እንዳኡ ኣንቢሩ፡ ሕቶ ኣቕረበ።
“ደሓን እየ።” ናብቲ ብልዕለኣ ዘንጸላለዋ ምልኩዕን ገፊሕን ገጽ ዘለዎ ብዓልቤታ እናጠመተት ኣረጋገጸትሉ። “ጓልና፡ ነዚ ዕድልዚ ብምርካባ እንደኣለይ ተሓጒሰ ዘለኹ።”
ዳን ንመንኲብ በዓል ቤቱ ኣፍኲሱ ደርጸጾ። ብኡንብኡ ኣብ ቤት ትምህርታ ንዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ንኽትሳተፍ ዝገበሮ ኸንቱ ፈተነ ቕጅል በሎ።
ኣብቲ ግዜቲ፡ ካሪ ነቲ ብዙሕ ፈተነ ዘካየደ ዳን ኣቕበጸቶ። ሽዑ፡ ብደገደገ ብርእሳ እትተኣማመን ጓል ኣንስተይቲ መሲላ ተራእየት።
ኣብታ ኸተማ ኣብ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ፡ ቈልዓ ዝወለደት ተማሃሪት ሓንቲ ንሳ ጥራይ ብምንበራ ግን ቕሳነት ከም ዝነስኣ ምእንቲ ኸይፍለጥ ድማ ተቓለሰት።
እታ ዓመት እቲኣ፡ ንካሪ ኣመና ፈታኒት ግዜ ነበረት። ብዅሉ ምሉ ዝተሓዋወሰ ስምዒት እናሃወጸ ኣጥቂዑዋ።
ሽዑ፡ መምህራንን ተማሃሮን እቲ ቤት ትምህርቲ ብልዑል ኣኽብሮት ጠመቱዋ። ኵሎም ንዘርኣየቶ ሓቦ ፈተዉዎ።
ብሓፈሻ ኣደ ቘልዓ ዀይና ኣብ ገዛ ዝጽበያ ዕማም እናፈጸመት፡ ንትምህርታ ብግቡእ ክትከታተል ብምኽኣላ ኣድነቑዋ።
ይዅን እምበር፡ እዚ ድርብ ሓላፍነትዚ ዘሰከማ ዕጫኣ፡ በብቝሩብ ካብ በብዓይነቱ ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም እትርሕቕ ገይሩዋ ነይሩ እዩ።
ፈለማ፡ ከም መንእሰይ መጠን ምስ ብዕድመ መዛኑኣ ምስ ዝዀኑ መንሰያት ከባቢኣ ተጸንቢራ ኻብ ምዝናይ ተቘጠበት።
ኣብቲ ግዜቲ፡ ንሳ፡ ንነፍሳ ኣብ ክልተ ዓለም ከም ዝተንጠልጠለት ፍጥረት ገይራ ቘጸረታ። ካሪ ምስ ኣዕሩኽታ ኽትጽንበር ኣይከኣለትን። ካብ ኣደታት’ውን ረሓቐት። ንሳተን’ውን ኣይቀርባኣን።
ዳን፡ ተማሃሮ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቕድሚ ምእታዎም ኣብ ዘብዕሉዎ ወግዓዊ ጽንብል ንኽትርከብ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ኸእምና ቐሪቡ ነይሩ እዩ።
ንሱ ባዕሉ፡ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣብ ከምኡ ዓይነት ጽንብል ተሳቲፉ እዩ። በዚ ኸኣ፡ ንሳ’ውን ነቲ ጽንብል ምእንቲ ኽትካፈሎ፡ ተመኵሮኡ እናገለጸ ደረኻ።
ይዅን እምበር፡ ንሳ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ንኣበዓዕላ እቲ ጽንብል ኣመልኪቱ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዝፈነዎ ዜና ናብ ገዛ ተማሊኣ ንዕኡ ብምርኣይ ንኸይትሳተፎ ኸም ዝወሰነት ሓበረቶ።
ትሕዝቶ እቲ ዝተፈነወ ዜናዊ ሓበሬታ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ “ርእሰ-መምህር ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መደብ ሳዕስዒት ኣወዳት ተማሃሮን ኣዕሩኾምን፡ ወይ ድማ ኣዋልድ ተማሃሮን ኣዕሩኸንን እምበር ቈልዑ ኽኣትዉ ኣይፍቀድን!” ዝብል ነበረ።
ካሪ ነዚ ሓበሬታዚ ምስ ረኸበት፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ቘልዓ ዘለዋ ተማሃሪት ንሳ ጥራይ ስለ ዝዀነት፡ ንጓላ ምእንቲ ኽትማልኣ ኽፍቀደላ ተማሕጸነቶ።
መምህራ ግን፡ እታ “ቈልዓ ሒዝካ ምምጻእ ኣይፍቀድን!” እትብል ሓረግ ንኻልእ ዘይኰነ ንዓዓ ኸም ዝምልከታ ኣብሪሁ፡ ንምሕጽንታኣ ኣዋደቖ። ንሳ’ውን ነግ ፈረግ ምባል ገዲፋ፡ ናብቲ ተማሃሮ ይዅኑ ወለዲ ብሃረርታ ዝጽበዩዎ ጽንብል ኸይትኸይድ ድማ ኣትሪራ ወሰነት።
ዳንን በዓልቲ እንዳኡን፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ ዝፍጸም ጽንብል ክትካፈል እትዳለው ጓሎም ሕጉስ መንፈስ ከም ዝዓሰላ እናተዓዘቡ ኸለዉ፡ ዳን፡ ሕሉፍ ዘኪሩ ሓሰበ።
በዓልቲ እንዳይሲ፡ ኣነ’ውን ከምዚ ሻሮን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዓይነት ዕድል ረኺበ እንተ ዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ።” እናበለት ትህሉ እምበር ክብል’ውን ኣስተንተነ።
ኣብቲ ህሞትቲ እታ ብሓጐስ ክትጭንዳሕ ዝደለየት ሻሮን፡ ናብ ገዛእቶም ኣብ ዘእቱ ጐደና እትግስግስ መኪና ኸም ዘላ ብዝረኣየት፡ “ተመስገን ኣምላኸይ! ወያ ጽብቕቲ ሊሞሳይን መጺኣ።” ክትብል ወጨጨት።
ጋን ዝተሰርሐት ካሪ ብወገና፡ እትጽበዮ ሰብ ብምድንጓዩ፡ ኣቕላ ኸም ዝተጸንቀቐ ብዘርኢ መንገዲ፡ ናብ ሰዓታ ጠመተት።
ብዙሕ ከይደንጐየት ድማ፡ “ታይሮን፡ ስለምንታይ ደንጒዩ፧” ክትብል ንሻሮን እናጠመተት ከሻቕላ ንዝጸንሐ ኽስተት ደርጕሐትላ።
ታይሮን ትሑትን ምልኩዕን እዩ። ንሱ፡ ንሻሮን ዓርካ እዩ። ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ እሽንኳይ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል፡ ኣብ ንኣሽቱ ቘጸራታት’ውን ንሻሮን ኣሰንዩዋ ዝኸይድን ምድንጓይ ዝበሃል ዘይፈልጥን ብምንባሩ ኵነታቱ ንካሪ ኣሻቐላ።”
“እህ፡ ሎሚስ ኣይመጸንን እዩ።” ሻሮን ብድፍረት መለሰት። “ዘሰንያኦም ኣዋልድ ምስ ዝሰኣኑ ኣዕሩኹ ኽውዕል እዩ።”
“እዋእ፡ ቍሩብ ስነ-ስርዓት ዝጐደሎ ነገር እዩ እዚ።” ካሪ እናተገረመት ተዛረበት። “ብዘይ ኣሰነይቲ ናብቲ ጽንብል ክትከዲ ኢኺ ማለት ድዩ፧” ክትብል ድማ ሕቶ ኣቕረበት።
“እዋእ ኣለኒ። ሎሚ ኽልተኹም ወለደይ ኣሰነይተይ ኰይንኩም ኣብቲ ጽንብል ክትርከቡ ኢኹም!”
“እንታይ፧”
“እወ፡ ሃንደበት ምእንቲ ኽትሰምዕዮን ምኽኒት ምቕራብ ከም ዘይጥዕመክን ገይረ እየ ኣገሪሀኪ።”
ካሪ፡ ብዙሕ ከይደንጐየት ናብቲ ኣብ ጥቓኣ ዀይኑ እናተገየጸ ነቲ ኵነት ዝከታተል ዝነበረ ዳን ኣቃለበት። ብዛዕባ እቲ ኽስተት ዝፈልጦ ምስጢር ኣለዎ ኽትብል ስለ ዝገመተት ድማ፡ “ብዛዕባዚ ውጥንዚ እትፈልጦ ኣሎ ድዩ፧” ኽትብል ሓተተቶ።
“እወ፡ ግን፡ ኵሉ ንሳ ዝመሃዘቶ እዩ ነይሩ!”
“ስምዒ ኣደይ መዓረይ! ኣቦይ ንዝተሳተፎ ወግዓዊ ጽንብል ኣብ ማህደረ-ስእሊ ተመልኪተዮ። ድሕረኡ፡ ንስኺ ዝተሳተፍክዮ ወግዓዊ ጽንብል እንተ ሃልዩ ኸርእየኒ ሓቲተዮ። ንሱ፡ ነቲ ዘጋጠመ ዘበለ ሓቢሩኒ። ስለምንታይ ከምዘይ ተሳተፍኪ ድማ ነጊሩኒ። ሓዚነ” ኽትብል መግለጺ ምቕራብ ጀመረት።
ሻሮን ነዚ መግለጺ እዚ እናኣቕረበት ከላ ኣዒንቲ ኻሪ ንብዓት ቋጸራ። “ደሓን ኣደ፡ ንስኺ ንዓይ ናብ ወግዓዊ ጽንብልኪ ኽትወስድኒ ኣይከኣልክን ነይርኪ፡ ንዓይ ግን ዝዓግተኒ የለን! ምሳይ ከውዕለኪ እየ።”
ድሕሪኡ ኣዒንቲ ኻሪ ንዝዓቘርኦ ንብዓት ከዓውኦ። ምዕጕርታ ጠልቀያስ። ብኡንብኡ ድማ፡ “ሻሮን፡ ንህይወተይ ዝበለጸ ትርጕም ዝሃብክያ ፍጥረት ንስኺ ኢኺ።” ክትብል ሓቘፈታ።
—-000—-