• ዛራ ገጠምቲ ~
መጀመርታ ምስናይ ኣኽብሮት ምስ ነብስኻ ከተለልየና
*ብርሃነ~
ብርሃነ ገብረሂወት እበሃል። ብሕርሻ ሂወታ ካብ እትመርሕ ስድራ ቤት ኣብ ሓንቲ ካብ ገጠራት ኤርትራ ተወሊደ ዓብየ። ካብ ጕስነት ክሳብ ቀለም ቀመስ ንዘሎ ገጻት ሂወት ተናኺፈዮን ይተናኽፎ ኣለኹን። ብመለክዒ ባህርያት፡ ብዙሕ ሕዉስ ኣይኰንኩን። ሓፋር’የ ንምባል ግን ከስምዕ የብሉን። ምስ ዝቐረበኒ ሕዉስን ተጻዋታይን’የ። ዕትብ ዝበለ ገጽ እውንን። ውሽጠይ ግን ከም ገጸይ ዕቱብ ኣይኰነን። ኣፈይ ድሕሪ ምኽፋተይ፡ “መልክዕካ ኣብ ዘረባኻ’ዩ ዘሎ። ስቕ ኣይትበል፡ ስቕታ ኣየጸብቐልካን’ዩ። ተዛረብ…” ዝብሉኒ ብዙሓት እዮም። ንዓይ ግን ካብ ክዛረብ፡ ክሰምዕ ወይ ክዕዘብ ይቐልለኒ። ባዕለይ ዝብሎ’ዩ እምበር ዝበዝሕ እዋን ስቕተኛን ልኡምን’የ። ግዜ ሓልዩ ዝወጽእ ተቓዋሚ ባህሪ ከኣ ኣይሰኣነንን። ወሳንን ብዝወሰንኩዎ ዘይጠዓስን ድማ’የ። ንኹሉ ብማዕረ ፈቃር’ኳ እንተ ዀንኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ንፍቕረይ ኣንቢበን ዝተረደኣለይን ብዓጸፋ ፍቕሪ ዝመለሳለይን ግን ምስጋና ዝንእሰን ኣደይን ብዓልቲ ቤተይን ጥራይ እየን።
********
• ሓጎስ ደስበለ ~
ሓደ ግጥሚ ኣብቲ ቐንዲ ትሕዝቶኡ ሕቡእ (abstract) ኮይኑ፡ ነቲ ዘንብብ ዘሎ ሰብ ብውሕዱ ገጣማይ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ዶ ክሓስብ ይምረጽ ወይስ ንኣንባቢ ክፉት ኮይኑ ምቕራብ ይበልጽ ፧
*ብርሃነ ~
ከም ገጣሚ ዘይኰነ ከም ተዓዛቢ ኰይነዶ ክምልስ?….. ምስ ዝፍቀደለይ፡ ናይ ሕቡእን ዘይሕቡእን ኣዛራቢ’ዩ ኣይብሎን’የ። ዓቕሚ ኣንባቢ’ዩ ዝውስኖ። ብዓቢኡ ግጥሚ ቅኔኣዊ እምበር ከምቲ ብዙሕ ግዜ እንድምድሞ ሕቡእ ኣይኰነን። ብኸመይ ተባሂሉ ኣሎ ከገድስ ዘለዎ ይመስለኒ። ዋሕዝን ዕምቆትን እዮም ዝውስንዎ። ብዛዕባ ስምዒቱ ምግላጽ እንተ ዘይኰይኑ ብዛዕባ ኣንባቢ እናሓሰበ ዝጽሕፍ ገጣሚ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለ ዝዀነ፡ “እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን?” እናበለ፡ ብዛዕባ ገጣሚ እናሓሰበ ከንብብ ዘለዎ ሰብ ክህሉ ኣይጽበን። ደጋጊምካ ድሕሪ ምንባብ ሓያሎ ትንታነታት ክመጹ ይኽእሉ እዮም። ገጣሚ ብዝፈጠሮም ምልክታት ተመሪሖም ካብ ዓለም ገጣሚ ወጻኢ ዝምርሹ ኣንበብቲ ኣለዉ። ምስ ዘለዎም ናይ ሂወት ተመኩሮን ትዕዝብትን እናኣተሓሓዙ ወይ ነቶም ምልክታት ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ክውንነት ብምጥንናግ፡ ንሓደ ግጥሚ ዝተፈላለየ ትርጕም ወይ ዕምቈት ክረኽቡሉ ይኽእሉ። ብሃውርን ግምታትትን ዝምርሑ ውን ኣይሰኣኑን።
***********
• ኣዝማሪኖ~
ካብ ጫለዳታት ስነ ጽሑፍ ሓደ ግጥሚ ኢዩ እሞ ረዚን መልእኽቲ ኣብ ምሕላፍ ወይ ከኣ ተሎ ርድኢትካ ኣብ ምስራጽ ግጥሚ ዝህልዎ ኣድማዕነትን ሓለፋን ከመይ ትገልጾ፧ ምስቶም ካልኦት ዓውድታት ኣነጻጺርካ ሸቶኻ ኣብ ምህራም ዘለዎ ብልጫታት ገምጋምካን እሙንቶኻን እንታይ ይመስል፧
*ብርሃነ ~
ኣብ ከባቢኡ ስለ ዘለኹ፡ ካብ ካልኦት ጨናፍር ስነ-ጽሑፍ ኣብሊጸ ሰማይ ክሰቕሎ ኣይደልን። ኣድማዕነቱ ማዕረኦም እንተ ዘይኰይኑ ኣይትሕትን’ዩ። ግጥሚ፡ ብንጽህና ውሽጥኻ ቀሊዕካ ንዓለም ከተርኢ ምፍታን ምስ ምዃኑ፡ ሸቶኻ ምህራምን ዘይምህራምን ብሕልምታትካን ድሌታትካን’ዩ ዝጽሎ። ተጠቃሚኡ እንተ ዘይኰይኑ ግጥሚ ሰናፍ ኣይኰነን። ዓለምካ ንኸተላሊ ኣብ እትገብሮ ቅልስ፡ ናይ ምባል ዓቕምኻ ዝፈጥሮ ደረት ኣሎ። እትሓስቦን ኣብ ወረቐት እተስፍሮን ፍልልዮም ስለ ዝረኣየካ ነውጺ ዘጋጥመሉ ኩነታት ኣይሰኣንን። ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠር ስእልን ኣብ ወረቐት ዝቕመጥን ፍልልይ ኣለዎም። ነውጺ ኣብዚ ህሞት’ዩ ዝፍጠር። ሓደ ዘየማትእ ሓቂ ግን፡ ግጥሚ ይፍኮስ ይኽበድ፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ከም ኩሎም ስራሓት ስነ-ጥበብ ቀዳማይ ሸቶኡ ንውሻጠ ገጣሚ ሓጻጺቡ ዘንጽህ ምዃኑ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ብውሑዳት ዝዝረብን ዝስማዕን ይዅን’ምበር፡ ኣብ ስነ-ልቦና ሓደ ሕብረተ ሰብ ብዅሉ ሸነኹ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኰነን።
**********
• ባሕሪ ሓድጉ~
ሓደ ካብቶም ዘድንቖም ገጠምቲ፡ ጸሓፍቲ፡ መምህር ምዃንካ ጽሑፋትካ እገልጹለይ ኣለዉ። በርትዕ’የ ዝብል ብወገነይ። ናብ ሕቶይ ክኣቱ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ድርሰታት ከም ግጥሚ፡ ኮሜዲ፡ ፊልምታት ይፈርዩን ይዝርግሑን ኣለዉ። እዚ ከኣ ማዕረ ክንደይ ንብልሕና ዘጉልሕ’ዩ። መብዛሕትኦም ግን ጥበብ ዝጐደሎም ይኾኑ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ኮሜዲ። ነዚ ብኸመይ ትሪኦ? ከመይ እንተኾነ ኸ ይሓይሽ? ማለት ንመጻኢ ቦታ ኣለዎ ዶ ትብል፧
*ብርሃነ ~
ስለ ኣድናቖትካን ምትብባዕካን አመስግን። ክብረት ይሃበለይ። ናብ ሕቶኻ ምስ ዘብል፡ ኣብዞም ኣቕሪብካዮም ዘለኻ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ብጥልቀት ኣትየ እዝን እትን ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን። ክህቦ ዝኽእል ርእይቶ ሓጺርን ሓፈሻውን ኰይኑ ከም ተራ ሰብ ጥራይ’ዩ። ብናእዳ እንሰክር፡ ብነቐፈታ ድማ እንፍንትር ምህላውና ክዝንጋዕ የብሉን። ንጋገን ንተዓሻሾን ከይንህሉ ስክፍታይ ክሓብኦ ኣይደልን። ከምቲ ዝበልካዮ፡ እንፈታትኖም ዘለና ስርሓት ስነ-ጥበብ፡ ክሳብ ክንድቲ ንብልሕና ዝገልጹ እዮም ኣይብልን። ኣየናይ’ዩ እቲ ብልሒ? ብኣንጻሩ ድኹማት ምዃንና’ዩ ክእመን ዘለዎ። ግዜ ዘይበልዑን ዕድመ ዘይብሎምን መወትቲ ስራሓት ኣብ ምስናዕ ምህላውና እንተ ዘይተገንዚብና ካብኡ ኣይክንወጽእን ኢና ዝብል ገምጋም ኣለኒ። ንምዃኑ ስነ-ጥበባኛታት ዲናኸ? ንስነ-ጥበብ ኣብ ዘይምዓላኡ እነውዕሎ ዘሎና ውሑዳት ኣይኰናን። ጻሕሊ ስለ ዝቐየርና ጸብሒ ዝምቅር ዝመስለና ኣይተሰኣንናን። ናብ መጋበርያ ፖለቲካዊ ረብሓታት እንዕቈብ ብዙሓት ኢና። ንቀበሎ ኣይንቀበሎ፡ ኣብ ጨብረቕረቕ ኢና ዘሎና። ናጽነቶም ኣዊጆም ሓቂ ንምድላይ ዝገስገሱ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ግን ኣይሰኣኑን ይዀኑ። ብደረጃ ዓውዲ ምስ እንዛረብ፡ ንሕጂ ይኹን ንመጻኢ ቦታ ዘይብሉ ዓውዲ የሎን። እቲ ዓውዲ ብዛዕባ ምህላዉን ዘይምህላውን ዘይኰነ ንሕና ኣብቲ ዓውዲ ምህላውናን ዘይምህላውናን’ዩ ከተሓሳስበና ዘለዎ’የ ዝብል።
*************
• ብዓል ሓቂ ጋሽ~
ስለምንታይ’ዮም ብቕዓት ዘይብሎም ጽሑፋትን ደርፍታትን ልዑል ሸፈነ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ተፈታውነት ዘጥርዩ? ጉዳይ ገጠምቲ ምስ ፍርያቶምን ዋጋ ፍርያቶምን (ማለት ብመንጽር ዕዳጋ) ብኸመይ ክእለ ይግባእ፧ ምኽንያቱ ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ኣብ ገጣማይን ድምጻውን ዘይምዕሩይ ኣታዊታት ኣሎ። ብኸመይ እዩ ኸ ተፈጢሩ፧
*ብርሃነ ~
ብዛዕባ ሸፈነን ተፈታውነትን ክዛረብ እንተ ዀይነ፡ ደረጃ ስራሓትናን ኣስተማቐርትናን ማዕረ’ዩ ዘሎ። ንሂወት ላዕሊ ላዕሊ ኢና እንነብራ። ነቲ ዝነብሮ ከተንጸባርቐሉ እንከለኻ ዝሕጐስ ድማ ይበዝሕ። እቲ ዝሰርሕ ውን ካብኡ ንኽወጽእ ዕሊ የብሉን። እንተ ተፈተነ ከኣ እቲ ዘስተማቕር ግር ክብሎ’ዩ ዝረአ። በዚ ድማ ናብ ደረጃ ኣስተማቓሪ ከንቈልቍል ይመርጽ። ተርባጽ ሕማም ዝና ውን ኣሎና። ቀልጢፎም ንስምዒት ዝሰርቁን ዝቈጻጸሩን ስራሓት ምቕራብ ወይ ምፍራይ ከም ዕላማ ኣብ ዝተታሕዘሉ መድረኽ ኢና ዘለና። ሃጓፋት መዝሚዝካ፡ ጫውጫውታ ኣብ ዝመለለዪኡ ሃዋህው ንርከብ። ንኽጣቓዓልና እንሰርሕ ንበዝሕ። ካብዚ ተገላጊልና፡ ምስ ብሕትውና ተዓሪቕና፡ ኣብ ውሻጠ ብሕትውና ዝሰራሕናዮ ዕዮ ብሕትው ኢልና እነስተማቕረሉ እዋን ኣብ ቅድሜና ክህሉ ይኸውን። መኣስ? ሓደ መዓልቲ።
ኣብ መዳይ ክፍሊት ኣትየ ዝዛረቦ፡ ነጸብራቕ ውልቃዊ ኣጠማምታይ ጥራይ’ዩ። ኣብ ገንዘብ ግጥሚ፡ ኣብ ግጥሚ ድማ ገንዘብ የሎን ንዝብል ኣበሃህላ ከም ዘለዎ’የ ዝርዕሞ። ዕግበትና ብዓይኒ ኣታዊ ንግምግሞ እንተ ኴንና ንጋገ ከይንህሉ እስከፍ። ንገንዘብ ኢልና፡ ንግጥሚ ከም ምንጪ ኣታዊ ክንጥቀመሉ እንሓስብ ምስ እንህሉ፡ ብርዕና ነቐምጥ’የ ዝብል። ውላዱ ክሸይጥ ዝደሊ መን ኣሎ? ሸይጡ ዝተሓጎሰ ኸ መን ኣሎ? ንምንታይ ንውላድና ብገንዘብ ከም እንትምኖ ኣይፈልጥን። ዘይምዕሩይነት ንምስትኽኻል ዘይኰነ ንምንታይ ክንሸጦ ከም እንደሊ ኢና ክንሓስብ ዘሎና። ንምንታይ ውሑድ ተኸፊለሉ፡ ድምጻዊ ግን ዝያዳይ ይረብሓሉ ኣሎ? ምባል ግርህነት ይመስለኒ። ንግጥመይ ዝበቅዕ ዋጋ ኣይኰነን፡ ኣይህብን’የ ክንብል ንምንታይ ዘይንኽእል? ንግጥሚታትና ካብ ኢድና ብሓይሊ መንጢሉ ዝወሰዶ ኣሎ ዲዩ? ብወገነይ ነዚን ከምዚታትን ኣይቅበሎን። ገጣሚ ብግጥሙ፡ ዘያሚ ብዜማኡ፡ ድምጻዊ ብድምጹ ብሞያዊ ዝምድና ተወሃሂዶም ማራኺ ስራሕ ከቕርቡ ጽባቐ’ዩ። ክብሪ ሞያዊ ስነ-ምግባር ምስ ዝሕልዉ ድማ’ዩ እቲ ጽባቐ። ነናቶም ብልጫታት ዘለዎም ተመላላእቲ ምዃኖም ክኣምኑ ኣለዎም’የ ዝብል። ስኽራንና ምስ ነፈሰልናስ ሞያዊ ስነ-ምግባር ይሰርጸና ይኸውን በሃሊ’የ።
**************
• ፋኑስ ፋኑስ~
ጽልዋ ልምዳዊ ቋንቋን ስነ-ቋንቋን፡ ሓፈሻዊ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ፍላይ ድማ ኣብ ግጥሚ፡ እንታይ ተራ ኣሎዎም፧ ኣብ ተመኩሮኻ’ኸ ይጽብረቑ’ዶ፧
*ብርሃነ ~
ተጠቃሚ ናይቲ ቋንቋ እምበር ክኢላ ስነ-ቋንቋ ስለ ዘይኰንኩ ኣብዚ ጉዳይ ኣስፊሐ ክዛረብ ዝኽእል ኣይመስለንን። ልምዳዊ ቋንቋን ስነ-ቋንቋን ኢለ ውን ክኸፋፍሎ ኣይደልን። ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ዝተጸንዐ እምበር ብስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ዝተፈጥረ ይኹን ዝማዕበለ ቋንቋ ኣሎ ኣይብልን’የ። ስነ-ግጥሚ ካብ ቀይዲ ስነ-ቋንቋ ወጻኢ ከም ዝኸይድ ግን ዝዕዘቦ’ዩ። ኣብ ግጥሚ፡ ሕጊ ሰዋስው ክጠሓስ ኣስተውዒለ ኣለኹ። ዳርጋ ንቡር ተርእዮ’ዩ ድማ። ሕጊ ሰዋስው እናጠሓሰ ግን ክሳዕ ሎሚ ንግጥሚ ጨው ኣይሰኣንኩሉን። ካብኡ ዝምቅር መግቢ ውን ዛጊት ኣይረኸብኩን ዘለኹ።
**************
• ማሕረ ኣብራሃም~
ኣብቲ ከም መደብ ክትሓዝ ዝተዘርበሉ ፡ እኩብ ግጥምታት ናይ ዛራ ገጠምቲ ብመልክዕ መጽሓፍ ምድላው ዝብል ሓሳብ እንታይ ርኢቶ ኣለካ፧
*ብርሃነ ~
ኣብ ናይ ዛራ ገጠምቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ወጻኢ ውን ሓደ ወይ ክልተ መጽሓፍ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ግጥሚ ኣኪብካ ንምሕታም ደገፍ እምበር ተቓውሞ የብለይን። ኣብ ዓውደ ስነ- ጽሑፍ ሓዲሽ ነገር ኣይኰነን። ኣብቲ ሓሳብ ዘይኰነ ኣብ ኣተገባብርኡ’ዩ ርእይቶይ። ብመልክዕ መጽሓፍ ዝሕተሙ ግጥምታት ብኸመይ ይመረጹ ኣብ ዝብል ማለተይ እየ። መምዘኒ ናይቶም ንሕትመት ዝበቕዑ ስረሓት ብዙሕ ከተሓማሚ ከም ዝኽእል ክዝንጋዕ የብሉን። ኣሳታፊ ዲዩ ክኸውን ዘለዎ ወይስ ብቕዓት ግጥሚ ኣዛራቢ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ሕትመት ክቀላቐሉ ንዝኽእሉ ዘረባታት ውን ብዘየማትእ መገዲ ተሓሲቡሎም ክጸንሕ ዘለዎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ዕላማ ናይቲ ተበግሶን ጕዳይ ብጽሒትን ብንጹር ክሰፍሩ ኣለዎም። ብግርህነትን ሰናይ ድሌትን ዝተጠንሰ ሓሳብ ተንኮል ኰይኑ ክውለድ ይኽእል እዩ። ካብ ጥንሲ ክሳዕ ሕርሲ ብንጽህና ምስ ዘይከውን፡ ሕማም ደሓር ኣይሰኣኖን። ከም ልምዲ ኣብ ውሽጥና ዘስረጽናዮ ናይ ምጉርምራም ባህሪያት ማዕቢሉ ኣሎ። ምስ ነብስና ዘሎና ሌላ ድሩት ይመስለኒ። ካብ ነብስና ወጺእና ንነብር ምህላውና ክጠቅስ እደሊ። ናብራ ውሽጥና ገና ኣይጀመርናዮን ዘሎና በሃሊ’የ። ብወገነይ፡ ዘይዕጉብነትን ሕሜታን ንምፍዋስ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መገዲ ካብ ፈለማኡ ክተሓዝ ዘለዎ ኰይኑ ይስመዓኒ። እቶም ነቲ ስራሕ ብሓላፍነት ዝሕዝዎ ነዝን ከምዚታትን ካብ ሕጂ ክሓስብሉን ክነቕሕሉን ጥራይ’የ ዝላቦ።
*******************
• ተስፉ ሓጎስ~
እንታይ ንምርካብ ኢኻ ትገጥም? ካብ ካልኦት ገጠምቲኸ ዝፈልየካ እንታይ ኣሎ፧
*ብርሃነ ~
ክረኽቦ ዝደለኹ ነገር ቅድሚ ምሕባረይ፡ ንሕቶ ብሕቶ ክምልስ ኣይጸልእን። ከም ዝገጥም ርግጸኛዶ ትኸውን? ከም ዝዛረብ እምበር ከም ዝገጥም ኣይፈልጥን’የ። እቲ ዝዛረቦ ግጥሚ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣየረጋገጽኩን ዘለኹ። ብዛዕባ እቲ ዝዛረቦ ትሓትት እንተለኻ ግን፡ ሕልመይን ትምኒተይን እየ ናብ ቃላት ቀዪረ ዘውጸኦም። ሕማቕ ንኸይዛረብ ድማ እንተ ክኢለስ ላዛ ብዘለዎ መገዲ ክዛረብ እፍትን። ፍቕሪ፡ ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ’የ ዝዛረብ። ካብ ካልኦት ተዛረብቲ ብመልክዐይ እንተ ዘይኰይኑ ክሳዕ ሕጂ ዝፈልየኒ ኣሎዶ የሎን ኣየረጋገጽኩን ዘለኹ። ንሚዛን ተዓዘብቲ ዝምልከትን ዝግደፍን ውን ይመስለኒ።
**************
• ኣስካለ በረኸትኣብ~
ኣብ ጽሑፋትካን ግጥምታትካን ነብሰ ዕግበት ኣለካዶ? ብስነ-ጥበባዊ ሸነኽ ምስ ትርእዮ ማለተይ እዩ። እዚ ምስ ዝህልወካ፡ ግጥሚ ንዓኻ እንታይ እዩ፧
*ብርሃነ ~
ዕጉብ’የ ዝብል መልሲ ክህቦ ዝጽበ ዝህሉ ኣይመስለንን። እንተ ዝዓግብ ቀጻሊ ኣይምጸሓፍኩን።
*************
• ሺሻይ ሹመንዲ~
ተራ ግጥምን ገጠምትን ኣብ ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምንታይ ደረጃ መቐመጥካዮ፧ ስፍሕ ዝበለ ርእይቶኻ ክትህበኒ።
*ብርሃነ ~
መጽናዕቲ ዝምልሶ ሕቶ መሲሉ ይረኣየኒ። ብሃውሪ ዝወሃብ ትንተና ግጉይ ምስሊ ክፈጥር ዘሎ ተኽእሎ ርሒብ’ዩ። ዓይነታዊ ደኣ ኣይኹን’ምበር፡ ዘሎ ንጥፈታት ግጥምን ገጠምትን ንዕዘቦ ዘሎና’ዩ። ተራኡ ክሳብ ክንደይ’ዩ ግን ንውጽኢት መጽናዕቲ ንግደፎ።
**********
• በይሉል የውሃንስ
ኣመራርጻ ቃላት ኣብ ግጥሚ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል ፧
*ብርሃነ ~
ግጥሚ ብቃላት ዝቐውም ስእሊ ምስ ምዃኑ፡ ኣመራርጻ ቃላት ወሳኒ’ዩ። ርዱእ መታን ክኸውን፡ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ከም ስራሕ መንደቕ ጌርና ንርኣዮ። እምኒ መኣዝን፡ እምኒ ማእከልን ኩረትን ቦታኦም ክሕዙ ኣለዎም። ካብኡ ናብኡ እምኒ ግዳምን ውሽጥን ውን ፍልልይ ኣለዎም። ኣተሃናንጻ ግጥሚ ብከምዚ ክንርእዮ ክንፍትን ኣሎንና። እምኒ ማእከል ኣብ ቦታ እምኒ መኣዝን ምስ እነቐምጥ ኣበር ኣይሰኣንን።
**********
• ዛራ ገጠምቲ~
ካብ ዛራገጠምትን ኣባላታን ንዝቐረበልካ ሕቶታት ንምምላስ ዕድሜና ኣኽቢርካ ፡ብዝግባእን ልዙብን መልስታት ስለ ዝሃብካና ኣዚና እና’መስገንና፡ ምስ ካልእ ክትብሎ እትደሊ ወሲኽካ እትምልሳ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣላትና ፡ ንስኻ ንግጥሚ እንታይ ኢኻ ብርሃነ ፧
*ብርሃነ ~
ንግጥሚ እንታይ ምዃነይ ክሳዕ ሕጂ ኣይፈለጥኩን። ማዕጾኡ ካብ ምኹሕኳሕ ግን ዓዲ ኣይወዓልኩን። ምኽፋት ምስ ኣበየኒ እስከ እቶም ግጥሚ ኢለ ዝፈተንኩዎም ኣኻኺበ ብመልክዕ መጽሓፍ ክፍትን ኢለ ሓሲበ ኣለኹ። እታ መጽሓፍ ውን ኣፍ ደገ ቤት ማሕተም ክትኩሕኩሕ ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ይረሓወላ ይኸውን። ንዓኣ ሒዘ ድማ ማዕጾኡ እንደገና ክኹሕኩሖን እንታዩ ምዃነይ ክፈልጥን’የ። ኣይጭክንለይን ይኸውን’የ ዝብል። ካብዚ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን። ንዝተዋህበኒ ዕድል አመስግን። የቐንየለይ።
************
ንሕና ውን የቐንየልና
ዛራ~ገጠምቲ
05~2015