ኣቦይ ቀሺ መጺኦም ክበጽሑኒ
ሓዚኑ ሰሚዖም’ዮም መስለኒ
መጺኦም ኣጆኻ ክብሉኒ
እንታይ ደኣ ኣሕዚኑካ
ገጽካ ኣፋሕሺዩካ
ጽንዓት ይሃብካ ኢሎምኒ
ዘሕዘነንስ ናይ ዓደይ ኩነታት
እዘን ኵለን ዓድታት
ክብልወን ሃብታማት
ዓደይ’ዶ ትበሃል ዓድ ድኻታት
ናይ እንዳ መን ሓጢኣት
ኣጆኻ እዝስ ቀሊል’ዩ ቀሊል
ጎይታና ወንጌል እንታይ ይብል
ሃብታም ካብ ዝጸድቕ ገመል
ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል
ኣቱም ኣቦና ዘየህብትመና ግዳ’ዚ ጎይታና
ሱቕ ኢሉ መመሰሊ ዝገብረና
ገመል’ኮ’ዩ’ቲ ኣርማና።
– ዶ/ር ርእሶም ሃይለ