ጥዑምዝጊ ተስፋይ
ኣቤት እዚ ኣስናንኪ! – እንታይ ኢለ ከም ዝገልጾ እንዶ ጠፊኡኒ! እንታይ ኢለ ከም ዝገጥመልኪ ሕርብት ኢሉኒስ ኣብ ውሽጠይ ጥራይ ስኢለዮ ኣስቂጠ ኣለኹ። “ስኒ ጸባ”፡ “ስኒ ኣጅቦ”፡ “ስኒ በረድ”. . . ክብለኪ ተደናዲነ ነይረ’ሞ፡ ፍጊዕ ከም ዝብለኪ ብኣጋ ተረዲኡኒ ኣሎ። አረ ሎሚስ “እዚ ሓረጋት’ዚ መግለጺ ጽባቐ ካብ ምዃን ንኸቋርጽ ብቤት ፍርዲ ጥበብ ተወሲኑ ኣሎ” ክትብልኒ ተሰሚዑኒ። ፍጥረት ውሽጠይ፡ ነዚ ስሙር ደርጊ ስንኺ ዝኸውን ቃላት ካበይ እየ ከናድየልኪ! ንስኺ ብንቡር ቃላት ዘይትዓግቢ ፍጥርቲ እንዶ ዄንኪ! ሓሓድሹ ጥራይ ትብህጊ! ውሻጠይ ጎርጒረ፡ ሓሳበይ ፈቲለ፡ ተጸሚቍ፡ ተሓሊበ. . . ክልተ ነግሒ ናይ ግጥሚ ኣንቢረ ኣለኹ።
ኣንቲ ስኒ ጸባ፡ ስሙር ደርጊ ስና
ፍሽኽታ ስደዲ፡ ‘ዛ ልበይ ባህ ክብላ
“ካርካርካርካርካርካር. . . ሰሓቕኪ ንመንፈሰይ ኣናዊጹዎ። “ወላ ሓንቲ ትብል ስለ ዘየለኻስ፡ ሓሳብካን ኢድካን ኣኪብካ ትም በል!” ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ? እወ እሰምዓኪ ኣለኹ። ግናስ ካብ ምግላጽኪ ንኸየቋርጽ ውሽጠይ እንድዩ ዝቱኽቱኸኒ ዘሎ! ኣብ’ቲ ዘለኽዮ ዕምቈት ህላወ ጥሒለ ክሕንብስ እሃርር ኣለኹ። ብጽባቐ ግናይን ግሩምን ጀብጂበ ምስ ወጻእኩ ግን ዝብሎ ኣለኒ። ፍጥረት ሕልመይ ስኽፍክፍ እናበለኒዶ ክፍትን ከኣ።
ኣንቲ’ዞም ኣስናንኪ፡ ብመን ተረበቡ
ስጥም ግጥም ኢሎም፡ ንፋስ ዘየስሉኹ
ካብ ስግር ዝደጉሑ፡ ኣዛሒት ናይ ጐቦ
ብርሃን ዝኸደኖ፡ ዝናብ ምስ ሓጸቦ. . .
ምስሊ ውሽጠይ – እንታይ ደኣ ትም ኢልኪ? ትም ምባልኪ፡ “ተስፋ ኣለካ” ዝብለኒ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ንስኺን እዘን ከማኺ ዝኣመሰላ ኣዋልድን እኮ፡ ጸሓይን ከዋኽብትን ኢኽን። ከም’ቲ ጸሓይ እንክትበርቕ ከዋኽብቲ ሸቖጥቆጥ እናበሉ ዕርብ ዝብሉ፡ ንስኺ ኣብ ዘለኽዮ ቅርዓት ድፍረት ትረክብ ሄዋን’ኮ የላን። እናሃለዋስ ከም ዘየለዋ ይዀና። ሰፊሕ ደረት ትርኢት ኣዒንተይ በይንኺ ትኸድንዮ። ቁሩብዶ ጠላሕ ኢሉኪ? ተስፋ ካብ ሃለወኒስ. . .
“ኣጥባታ ለሚንየ”፡ “ኣጥባታ ትርንጎ” ከይብለኪ፡ ተሰኪፍኪ ኣለኺ። ኣነ እውን ገና ካብ ኣፈይ ከየውጻእኩዎ ከለኹ! እትብልኒ እናሰላሰልኩ ክፈርሕ እየ ጸኒሐ። ከምኡስ ኣይብለክን እየ። ግና እንታይ ከም ዝብለኪ ይጨንቀኒ ኣሎ። ድምጻዊ በረኸት መንግስተኣብ ቀዲሙኒ እምበር “ዝተወጠረ ዋልታ” ወይ ድማ “ከም ቀራን ዝራብዕ ዝዋጋእ ደረታ” ምበልኩኺ። ኣቤት ክጽብቕ ኣበሃህላ!
ቴክኖሎጂ ዝዓብለለሉ እዋን እዩ’ሞ፡ ገለ ምስ ቴክኖሎጂ ኣዛሚደ ግጥሚ እንተ ፈተንኩልኪ ይቐድወኪዶ ይኸውን”
ዕውዶ ዕውዶ ደረትኪ፡ ካብ ስግር ዝወግኣ
ካልኢት ዝበዝሐን፡ ስብእነት ከውድቓ
ፍቕሪ ዝስሕለተን፡ ከም ሮኬት ዝበርራ
ደረት ሰናጢቐን፡ ደም ልቢ ዘንትዓ. . .
በቃ! ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን። ኣብ ውሽጠይ ብምህላውኪ፡ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ እናረኣኺ “ገና ኣይበልካዮን” ትብልኒ ከም ዘለኺ ኣይጠፍኣንን። እንተ ዀነ ግን እዚ ሕጂ ዘለኹዎ ግዳም፡ ጥበብ ዝጸምኦ ዓለም ምዃኑ ክነግረኪ እደሊ። ካብ’ቲ ዘለኽዮ ስፍራ ተሓንጊጠዮ ዝመጻእኩ ተኣምረ-ጽባቕታት፡ ዘራጊቶ ከም ዝበተኖ ሓርጭ ብትንትን እናበለ ዕማኾ’ኳ ኣየትረፍኩን። ኣብ’ዚ ዓለም እዚ፡ ዓቕመይ ኣመና ድኹም እዩ። ከም’ቲ ኣብ ዓለምኪ እትፈልጥኒ፡ ኩርናዕ ግሩምነታት ግልህልህ ኣቢለ፡ ተኣምረ ጽባቐታት እናቓቓሕኩ፡ ብገርሃዊ ኣበሃህላ ክድሕድሖ ዝኽእል ከይመስለኪ። ኣብ’ዚ ሓደ ስፍራ ዘሎ ድርቂ ጥበብ እንተ ትርእይዮ፡ እታ ዓለምኪ ብዘይ ጥበብ ውቃበ ዘይብላ ምዃና ምፈለጥኪ። ዘለኽዮ ዓለም እኮ ካብ ግናይ ጽባቕ እትፈጥረሉ ዓለም እዩ። ኣብኡ ዘሎ ጸጋ፡ ኣብ ገያጽ ጎቦ ተምሳጥ ዝሰርሕ እዩ። ንከዋኽብቲ ኣብ ምድሪ ኣንጺፉ ዘርእይ መለኮታዊ ትዕድልቲ ኣሎ።
ናይ ውሽጠይ ፍጥርቲ፡ ብዛዕባ ኣዒንትኺ ዝብሎ ጠፊኡኒ ከም ዘሎ’ባ ከይነገርኩኺ። ሕንኽንኽ ኢልኪ ኣዒንትኺ ሰለምለም ከተብልየን ከለኺ’ኮ ልበይ ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን እያ እተስለምልም። ኣዒንትኺ ከም ናይ ሰብ ከለዋስ፡ ክንዲ ቀላይ ዝኸውን ዕምቈት ኣለወን። ጽርየተን ድማ ከም ሓቒቕ ማይ እዩ። ኣብ መዓሙቐን፡ ኣብ’ቲ ሓቒቕ ማይ እናብረቕረቐ፡ ረቂቕ ጩራ ዝውንጭፍ ገለ ነገር ኣለወን። ከም ራጂ ውሻጠ ዝፍትሽ እዩ ዝመስል። ብጠመተ ቅልዕልዕ ምስ ኣበልክኒ፡ ጥራይ ዝባነይ ዝተረፍኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።
ጮራ ኣዒንትኺ፡ ዝቐድድ ንኸውታ
ብርህርህ ምስ በለት፡ ወርሒ ኣብ ምልኣታ
ከመይ’ዩ እቲ ከርሰን፡ ብርሃኑ ዘሕወዝውዝ
ኣብ ሓቒቕ ማይ፡ ዝጠሓለ ኣልማዝ. . .
ገናዶ ካልእ ክውስኽ ትጽበይኒ ኣለኺ? ናይ ሎሚ ዓቕመይ ንሳ ስለ ዝዀነት’ሲ ይቕረ ግበርለይ። ዓለምኪ እንተ ጸዊዑኒ፡ ካልእ እዋን ተሓሊበን ተጸሚቝን ክፍትን እየ። ንዓኺ ዝበቅዕ ክብል እንተ ዘይከኣልኩ’ኳ፡ ፍኹስ ክብለኒስ ካብ ምግላጽኪ ዓዲ ኣይክውዕልን እየ። ኣመና ብዙሕ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ብዛዕባ መጻብቦ ክልተ ኣካላትኪ፡ ዘለላ ዘፍስሱ ከናፍርኪ፡ ወረን ስገም ኣጻብዕትኺ፡ ንጸሓይ ዝግስም ፍሽኽታኺ፡ ቃንጫ ሽኮር ደናጉኺ፡ ስትውትው ደረትኪ፡ ክሳድኪ. . . ኣበይ ቈንጢረሉ ኢልክኒ ኢኺ! በሊ ናይ ዓለምኪ ኣኻእሎ ይሃበኒ።