ብርሃነ ገብረሂወት
ካብ ዝኣቱ ውሑድ ኣይገበርኩን። ድኻም ይስመዓኒ ነበረ። ከዕርፍ ክቱር ድሌት ነይሩኒ። ኣብታ ከም መደቀስን ኮፍ መበልን ዝጥቀመላ፡ ኣብ ባይታ ዝተዘርገሐት ሓውሲ ንእዲ ፍርናሽ ተጋደምኩ። ድቃስ ተመንየዮ ግን ኣይረኸብኩዎን። ኣብ ቦታኡ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ቀጨውጨው ብኣጋ ጀመረኒ። ብዘይብኡ ውን ሰልችዩኒ’ዩ ውዒሉ። በዚ ሎሚ እንታይ ኣሎ ዘየሰልቹ? ብዘይመለሳ ኩሉ’ዩ ዘሰልቹ። ቅያር ወግዒ ዘይብሉ እዋን’ዩ። ወረ ግጭት፡ ኲናት፡ ሞት፡ ሓዘን ጥራይ ነጊሱ። መዝሙር ሰላም ጥርቅም ኢሉ ዝሃጠመሉ ግዜ’ዩ። በዚ መጺኦም ዘይብሎም ደረቕ ወረታት ንጠሊ ኣእዛነይ ካብ ዘህፍፍዎ ኣይሓጸረን። ጨው ዘይተነስነሶም ትርከ ምርኪ ዕላላት ምስ ድርሰታት ቤላቤሎው ተሓዊሶም ነብስኻ የጽልኡ። ቅያር ካብ ዝስእነሎም ነዊሕ ኰይኑ። ዘሎን ዘየሎን’ዩ ተኣኻኺቡኒ። ንሰንቀ ገዛይ እናጠመትኩ ሓሳባት የውርድን የደይብን ነበርኩ። ድቃስ ግን በየን ይምጻእ? ኣብ ልዕሊ ድኻመይ ድኻም ይውሰኸኒ ነበረ። ደሃይ ድቃስ ምስ ረሓቐኒ፡ መዐገሲ ሓሳብን መዘርዘሪ ድኻምን ንምውሳድ ናብ ልሙድ መድሃኒተይ ኣምራሕኩ። ‘ህድሞና’ ደርፊ ኣብራር ዑስማን’ያ ተረኛ ነይራ።
“ህድሞና፡ ህድሞና፡ ህድሞና፡ ህድሞና
ነባሪት ሓወልቲ ታሪኽ ዘጽነሓልና።”
ኣብ ቀረባ ግዲ ጸኒሐ ናይ ሓሳብ መገሻ ጀመርኩ። ናፍቖት ሓዊሰ ምስትንታን ተተሓሓዝኩዎ። ተንቀሳቓሲ ስእሊ ህድሞና ተራእየኒ። ምድሪ ቤታን ውሻጠኣን ኰለልኩዎ። ኣዕኑድ፡ ኣግማልን ሰርወን በብሓደ በጻሕኩዎም። ዝድቅሰሉ ዝነበርኩ ንእዲ፡ ኮፍ ዝብለሉ ዝነበርኩ መደብ፡ ዝማመቚኩሉ መጋርያ ኩሉ ተዘከረኒ። ምስ ኣሕዋተይ ቁራስ እንጀራ ክንማቐል ዘንጸባርቕ ስእሊ ገና ኣይደብዘዘን። ንሓንቲ ኮበርታ ክንሰሓሓበላ፡ ፍርቂ ነብስና ድራር ቁሪ ኰይኑ ክሓድር ትዝ በለኒ። ተሓቋቚፍና ሙቐት ብምፍጣር ቁሪ ክንከላኸል ኣይርስዖን። ሰለፍና መሲሉና ሰለፍ ሓድሕድና ዝሓኸኽናሉ እዋናት ኣብ ከብሒ ኣእምሮይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ። ሰብ ዝኽሪ’ዩ ሃብቱ። ኣብ ዝኸዶ ውን ዝኽሪ’ዩ መቑነኑ። ንዝኽሪ እናተቐለበ ይነብር። ብፍላይ ምስ መቦቆሉ ዘተኣሳስሮ ዕትብቲ ተበቲኹ ኣይብተኽን’ዩ። በዚ’የ ድማ ናፍቖት ምስ ነውነወኒ ናብ ዕምቈት ምስትንታን ዝሰጠምኩ። ከም ሓቂ ካብ ዝፍለያ ነዊሕ ኣይገበርኩን። ክልተ ዓመትን ሰለስተ ኣዋርሕን ጥራይ። ናፍቖት ግን መስፈሪ ኣይተረኽቦን። ገያሻይ ከኣ ብባህሪኡ ተነቃፋይን መስተማሰልን’ዩ። ኣብ ዘዝኸዶ ምስ ዘጓንዩዎ ቤቱ’ያ ትረኣዮ። ዋላ’ኳ ስደተኛ ምዃነይ ዘይቅበሎ እንተዀንኩ፡ ናይ ነገር ስደትን ስደተኛን ጌረዮ ይኸውን’የ። ደርፊ ቀደምን ቀዳሞትን ከኣ ብዓቢኡ መጋደድቲ’ዮም። ምስ ዝነበረን ዘሎን’ዮም ዘዋግዑ።
ምስ ዝኽርን ደርፊን ህድሞና እንከለኹ፡ ሰብ ቈጸራ ተመራሪሖም መጹ። ኣይተጸበኹዎምን። ምምጽኦም ብዘይቀልዓለም ኣይፈተኹዎን። ሓደስቲ ተወሲኾሞም ነይሮም። መራሕቲ ሃይማኖት ሓዊሶም’ዮም መጺኦም። መን ዓዲምዎም ኣይፈልጥን። ገዛይ ቈይቊ ዲዩ ሰሓቕ ከእንግድ ክሓድር ክግምት ኣይደለኹን። ንኽልቲኡ ትርጒም ካብ ዝስእነሉ ኣይሓጸረን። ምስ ሰብ ምንባር ክለማመዶ ፈቲነ ኣይኰነለይን። ጸገመይ ዲዩ ጸገም ሰብ ኣይፈልጥን። በቃ ስለ ዘይተጠዓዓምና ተፈላሊና። ተፈሊኻ ምንባር ካብ ዘብህገኒ ነዊሕ ኰይኑ። መትሓዚ ዘይብሉ ጭቕጭቕን ጫውጫውታን ኣጽሊኡኒ’የ ብሕትውና መሪጸ። ብሕትውና ግን ብቀሊሉ ኣይተረኽበን። ትምኒት ኰይኑ ተሪፉ። ሰብ መኣስ የብሕት! እዚኦምን ከምዚኦምን ኣበይ የብሑቱ? ምስ ነብሰይ ከዕልለሉ ኣብ ዝመርጸሉ እዋናት ከይተረፈ ከይጸዋዕኩዎም ይሕወሱኒ። ወግሐ ጸብሐ ቃል ዘይሕውሰሉ ክትዓት እናካየዱ ሰላመይ ዘሪጎሞ’ዮም። ናብ መን’ሞ ክጠርዕ? ይግባይ ዝበሃሎ ኣካል እንተ ዝህሉ ግዜ ክቐትል ኣይምደለኹን።
መጺኦም እንታይ’ዮም ክበሃሃሉ ብምባል ካብ ሓሳብ ናብ ሓሳብ ኣተኹ። ብዝመጻእኩሞ ተመለሱ ክብሎም ኣይምጸላእኩን። ግን ከቢዱኒ። ይትረፍ ንሰብ ዝኣክል ክቡር ፍጡር ንከልቢ’ኳ ውጻእ ኢልካ ኣብ ዘይተሳጉጐሉ ዘመን ኣማራጺ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን። ሕፉራትን ጸጉራማትን ስለ ዝነበሩዎም ውን ከይፈተኹ ከጽቅጥ መረጽኩ። ሓቂ ይሓይሽ መራሕቲ ሃይማኖት ክኸብዱኒ መዓት’ዮም። ከም ፍጹማት ገይረ ስለ ዝቐርጾም ኣብ ኣእምሮይ ሕዙእ ክብሪ ኣለዎም። ብህጻንነተይ ይሰምዖ ንዝነበርኩ ስብከቶም ከም ዝነብርዎ’የ ዝወስዶ ነይረ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ ግን ኣይግድን። ዘይፍጹምነቶም እናተራእየኒ መጺኡ። ብድፍረት ንምዝራብ፡ ከምቲ ዝቐርጾም ዝነበርኩ ኣይኰኑን። ኣብ ኣእምሮይ ዝነበሮም ሕዛእቲ ክብሪ ውን ጣሕሲሱ’ዩ። ግብሮም ምስ ተዓዘብኩ፡ ማዕረ ዝህቦም ዝነበርኩ ክብሪ ከሕስሮም ድሕር ኣይብልን’የ። ንእሽቶይ ጌጋ ክርእየሎም እንከለኹ ክዒበ ኣይጸግቦምን። ብዛዕባ ዘይነብሩዎ ሂወት ክሰብኩ እንከለዉ ሚዛኖም ትሕቲ ክንቲት’የ ዘውርዶ።
ንግብረይ ከም ድፍረት ዝገልጽዎ ኣይሰኣኑን’ዮም። ብወገነይ ድፍረት ኣይብሎን። ንኹሉ ብነቐፈታዊ ዓይኒ ምርኣዩ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብሉን ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። ዘኽብር ዘይገብሩ ክብሪ ክጽበዩ የብሎምን’የ ዝብል። ኣይትስረቕ እናበለ ዝሰርቕ፡ ኣይትሓሱ እናበለ ዝሕሱ፡ ኣይትሕመ እናበለ ዝሓሚ፡ ኣይትበኣስ እናበለ ዝባኣስን ዘባእስን ክብረት ኣይብጽሖን’ዩ። ኣብ ኣእምሮይ ከምኡ ተቐሚጡ ኣሎ። ዝበዝሕ እዋን ንዝበዝሑ፡ ካብቶም ፈሽዃላት ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ መፍለዪ ኣይረኽበሎምን። ንዘይትገብሮ ምሕሳው፡ ንዘይትነብሮ ምስባኽ ፋይዳ የብሉን። ኮን ደኾን ንሕዙን ክእብዱ እንከለዉ ዝህብዎ ናይ መጸናንዒ ሓይሊ’ምበር ስብከቶም ትርጒም ስኢነሉ’የ። ሃዋርያታት ፍቕሪ መሲሎም ኪሰብኩ ጸኒሖም፡ ቅጽበት ድሕሪ ስብከቶም ኣብ መኣዲ ቈይቊ ተጸሚዶም ብዙሕ እዋን’ዮም ተጓኒፎምኒ።
በዚን ወዲ ከምዚን ባህ ኣይብሉንን’ዮም። ዓቃባዊ ባህርያቶም ውን ካልእ ጽልኣት ንኸዕቢ ዝደረኸኒ ረቛሒ’ዩ። እትው ከይበሉ ዘምጸኦም ጌሮም ክኸዱለይ ተሃወኽኩ። ኣብ ገዛይ ኣብ ዝጸንሑላ ግዜ ሰማዒ ንምዃን ግን ኣይተማታእኩን። መን ይፈልጥ ወለላ ሓሳብ የፍስሱ ይዀኑ? ትምኒት እምበር ትጽቢት ግን ኣየንበርኩሎምን። ብዝዕዘቦ ክመዝን ካብ ዝውስን ነዊሕ ኰይኑ’ዩ። ንሽዑ ብናይ ሽዑ ኣብ ባይታ ክፈርዶም ወሰንኩ። ኣኽቢቦምኒ መመቐመጢኦም ሒዞም ተጠማመቱ። ምጥምማቶም መን ይጀምር ዘስምዕ ዝነበረ ይመስል።
“እንታይ ደኣ ተሓፋፊርና ዲና ተፈራሪሕና? ደርፊ ዓድና’ባ ንድረፍ። ዳግም ምርኻብና ጽቡቕ’ዩ።” ከም ዋዛ ኣምሲሉ ኣፉ ዝኸፍተ ርግኦ ነበረ። መዝነቱ ኣብ ቦታኡ ከም ዝነበረ ነጸረለይ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ተመቕሊሉ ዘረባ ኣይምጀመረን። ብጸሎት መራሕቲ ሃይማኖት ክጅምሩ’ዩ ነይሩ ግምተይ። ከምኡ ግን ኣይነበረን። ምድራውን ሰማያውን ስልጣናት መኻይዲ ከም ዘይኰኑን ክፈላለዩ ከም ዘለዎምን ስለ ዝኣምን፡ ብወገነይ ቅር ኣይበለንን። ቅር ዝበሎም ግን ኔሮም’ዮም።
“ደርፊ ዓድና! ደርፊ ዓድና ከኣ ተራእዩኩም? ሓቅኹም።” ማዕበል የማነ ጸጋም እናጠመተ ዘረባ ፈነዎ። “እቲ ሙሽሙሽ ጸሓፊዶ ጋዜጠኛ’የ በሃሊ ገይሩ ዝተወራዘየልና ክነግረኩም ኣይክእልን’የ! ዝገበሮ ኣይበጽሓኩምን ማለት ዲዩ? ንባዕሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ምዕዛብ ከይኣኽሎስ ንገሊእና እናቈናጸበ ንገሊእና ከኣ ሰማይ ሰቒሉ፡ ንዝርርብና ኣኻኺቡ ናብ ሓፋሽ ዘርጊሕዎ። ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኣናኣከሻመሸ ከምቲ ዘየለ ተቐናዝዩልና። ንባዕሉ ሓሳቡ ኣየፍሰሰ፡ ቃል ኣየምሎቘ ንኹሉ ዝበልናዮ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ዳሕዲሕዎ። ኣየሕርቕን…. ኣበይ ኣዲኡ ዝነበረ ፈሽላዅ’ዩ በጃኹም? ክትፈልጡ ንከምዚኦም ዝበሉ ከይወገንካ ዝዕወት ቃልሲ የሎን። ደንበ ተቓውሞ ክሳብዚ ሰዓት ዘየቕለበሉ ጒዳይ እንተሎ ናይዚኣቶም’ዩ። ሕጂ ግን ክነቕሓሉ ኣለዎ። ንሱን መሰልቱን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ሂብካ ክጠፍኡ ኣለዎም። ንሃገር ጸሓፍቲዶ ጋዜጠኛታት ዝበሃሉ መበጻጻሕቲ ወረን ሕሜታን ኣየድልዩዋን’ዮም። ዝሰርሑ’ዮም ዘድልይዋ። እዚኦምን ከምዚኦምን የድልዩዋ’ዮም እንተ ተባሂሉ ንዕርበታ’ዮም ዘቀላጥፉ። ዝተገብረን ዘይተገብረን፡ ዝተባህለን ዘይተባህለን እናኣበጻጽሑ ሃገርን ህዝብን ምንቛት’ዩ ስርሖም። ስቕ እንተ ተባሂሎም፡ ሃዋርያታት ጥፍኣት ሃገርን ህዝባን ንክዀኑ ዕድል ምሃቦም’ዩ። ቀዳማይ ስጒምቲ ኣብ ልዕሊኦም’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ብዘይ ወዓል ሕደር ክሕነቑ’ዩ ዘለዎም።” ማዕበል ብታህዲድ ተዛረበ።
“ካብዚ ዝበልጽ ደርፊ’ሞ እንታይ ኣሎ ኢልካዮ ኢኻ ማዕበል? ኣየቕለብካን እምበር ደርፊ ዓድና እኮ ኢኻ ትደርፍ ዘለኻ።” ርግኦ’ዩ ብትሕትና መሊሱ። “ውድእ ውድእ ኣይተብሎ። ነገር ልቢ ጐበዝ ኣብ ቀረባ እናዀንካና እኮ ጸገም ኰይኑ። ጋዜጠኛ በሎ ጸሓፊ ስርሑ’ዩ ሰሪሑ። ጽቡሕ ረኺቡ። ዘይበልካዮ ኢልዎ ኢሉ ዘቕረቦ ኣሎ ዲዩ? ኣሎ ትብል እንተ ዄንካ ከሲስካ መጒት። ንሕና ከኣ መሰኻኽር ኴንና ንቐርብ። ሕጊ’ዩ ንኹልና ዝዓርቕ። ዝተበሃሃልናዮ ክወጽእ ኣይነበሮን እንተ ዀይኑ ዘሕምመካ ዘሎ ግን ኣይግድን። እንቋዕ እምበር ኣውጸኦ። ዘይዓቘሮዶ ዘይሰተሮ ኣይትበል። ምስጢር ዝበሃል ክህሉ የብሉን። ምስጢር’ዩ ጠንቂ ዕንወት። ጋዜጠኛ ወይ ጸሓፊ ከኣ ኣባት ነብሲ ኣይኰነን። ንሕና ውን ብዛዕባ ምስጢር ወይ ንስሓ ንዛረብ ኣይነበርናን። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ውን ምስጢራዊ ነገር ንዛረብ የለናን። ኣፍና ዘዝሃበናን ዘዝመስለናን ኢና ንዛረብ ዘለና። ዘተና ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን’ዩ ነይሩን ዘሎን። ነዚ ድማ’የ ደርፊ ዓድና ንድረፍ ዝበልኩ። ንዛዕባ ህዝብን ሃገርን ጉብጥሽ ኰይኑ ክሰትሮ ዘይምምራጹ ብወገነይ አድንቖ። ኣብ ስጕምቲ ዘብጽሕ ስራሕ ዝሰርሐ ኣይመስለንን። እዚ ተንጸባርቖ ዘለኻ ጽልኢ ከኣ ኣባኻ ኣይተጀመረን። ፖለቲከኛ ምዃንካ ኢኻ ተመስክር ዘለኻ። ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብፖለቲከኛታት ኣይፍተዉን’ዮም። ክፍተዉ እንተ ኰይኖም ሕልናኦም ክሸጡ ወይ ክቐትሉ ኣለዎም። ድሕሪኡ ንፖለቲከኛታት ዕርቃኖም ሸፊኖም ኰሓሒሎም የቕርቡዎም። ከምዚታት ከኣ ንዓኣቶም ክልተ ሞት’ዩ። ዝበዝሑ ውን ኣይውዕልዎን’ዮም። ዘንጸርጽረካ ዘሎ ምኽንያት ስዉር ኣይኰነን። ብዋጋ ዕርቃኑ ዕርቃንካ ዘይሸፈነልካ ኢኻ ደሊኻ። ናይ ክልተኹም ነገር መኣስ ይዓርፍ ኣይፈልጥን። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረስ ጽልኢ ከም ዘለኩም ግን ዝተሓብአ ኣይኰነን። ሓደ መዓልቲ በትሪ ዕርቂ የውርደልኩም ይኸውን ፈጣሪ።” ልዝብ ኢሉ ከረሳርሶ ፈተነ።
ብዛዕባይ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። ሕማቕ ይዅን ጽቡቕ ኣይተሰመዓንን። ከምቲ ዝገለጾ ግን ጸሓፊ ይኹን ጋዜጠኛ ዘይምዃነይ እፈልጥ’የ። ንምንታይ ብኸምኡ ኣጠሚቑኒ ንዕኡ’ዩ ዝምልከት። ብዝመስሎ እምበር ብሞያይ ይጽወዓኒ ኣይነበረን። ሞያይ ይትረፍ ንሰብ ንባዕለይ ኣይንጹርን’ዩ። ናይ ሓሳብን መገድን ተጓዓዛይ ምዃነይ ደጋጊመ ዝዛረበሉ’ዩ። ልዕሊኡ ናተይ ዝብሎ ሞያ የብለይን።
እንቋዕ ኣስተንፈሰ ካብ ምባል ሓሊፈ ንበጨቕታኡ ኣካቢደ ኣይረኣኽዎን። “ንእግረ መገድኻ ተዓዛቢ ምዃን ቀሊል ስራሕ’ዩ ኣይብሎን። ዝተዓዘብካዮ ብልክዕ ምንጽብራቕ ከኣ ካልእ ጥበብ። ከኣሊኡ’ዩ ድማ ዝኽእሎ። ብእትደልዮ መገዲ ዘይምኻደይ ከጉህየካ የብሉን። ተዓዘበኒ ስለ ዘይበልኩኻ ኣጣቕዓለይ ኣይትብለንን ትኸውን። ብዝኸዶ ዘለኹ መገዲ ዘይከድካ ኣይጐሃኹን። ኣኣብ ሓዲድና ጥራይ ንቐጽል።” ኣሕጺረ ክብሎ ዝሓሰብኩዎ እሞ ኣብ ውሽጠይ ዘቐመጥኩዎ’ዩ። “ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ንሓመድ ድጉሪ የውጽኦ” ከይኰነኒ ብምባል’የ ዓቚረዮ። ብቀንዱ ምስ ዘይመዛርብተይ ከይዛረብ ስግኣት ነይሩኒ። መጺኦምኒ እምበር ኣይከድኩዎምን። ኣብ ገዛይ ከኣ እንታይ ክብል? ካብ ዝተዛረብካዮ ኣበር ክኣርዩ ምስ ዝውዕሉ ምዝራብ ካብ ጥቕሙ ጒድኣቱ’ዩ ዝዛይድ። ኣብዚ ዘመን ንዝብልዎ ከም ቅዱስ ንዝበልካዮ ከም ርኹስ ዝወስዱዎ ኣእላፍ’ዮም። ካብ መስመሮም ወጻኢ ስለ ዘለኻ ጥራይ ዝኹንኑ ቁጽሪ የብሎምን። ምስ ከምዚኦም ከመይ ኢልካ ተዋግዕ? መጓጅምቲ ውሽጠይ ብምዃን ስቕታ መረጽኩ። ብዙሓት ዘይደፍርዎ ተመራጺ ቋንቋ ስቕታ ምኽኣለይ ባህታ ተሰምዓኒ። ብዘይብኡ፡ ርግኦ ዝመለሰሉ ሓሳብ ዕግበት ፈጢሩለይ’ዩ። ኣንቴና ኣእዛነይ ኣበሪኸ ምስማዕ መረጽኩ።
“ናይ ሞት ገዲፍና ናይ ሕልፈት ዘይንገብር። ናይ ጐንፈ’ጻንሕ ይጽንሓልና እሞ ናብቲ ቀንዲ ጒዳይና ንእቶ። ሽግርና ኣለሊና ናብ ነባሪ ፍታሕ ነድህብ። ብወገነይ ካብ ዝተፈላለናሉ ግዜ ክሳብ ሎሚ ካብ ሓሳብ ኣየዕረፍኩን። ኢድና ናብ ካልእ ዘይኰነ ናብ ገዛእ ርእስና ብምምልካት ነብስና ክንፍትሽ ዝቐረበ ሓሳብ ዘይጽላእ’ኳ እንተዀነ፡ ውጽኢታዊ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን። ማለት…… እንታይ ይመስለኩም..” ክብሎ ዝደለየ ዝጠፍኦ ክመስል መስትያት ዘረባኡ ተዀልፈ። ርእሰ ተኣማንነቱ ከም ዝኸድዖ ኣብ ገጹ ይንበብ ነበረ።
“ብዛዕባ ዝመስለና ገዲፍካ ዝመስለካ ዘይትዛረብ” ሰየሞም ቁጥዕ ኢሉ ብገናሒ ዘረባ ደሃሎ። ደስ ዘይበሎ’ዩ ዝመስል።
“ማለትሲ…. ካብ ብተናጸል ብእኩብ ክንሓስብ ይሓይሽ። ንነብስና ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰብ ኣእቲና ክንደልያ እመርጽ። ጕዕዞና ብግሊ ዘይኰነ ኣብ መርከብ ናይዚ ሕብረተ ሰብ ኰይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። እንድዒ ከኣ ንስኻትኩም ትብልዎ እምበር።” መስትያት ነቲ ዝተዀልፈ ሓሳቡ መለኦ። መግናሕቲ ሰየሞም ደፋኢ ሓይሊ ከይኮኖ ኣይተረፈን።
ትዕዝብቱን ሓሳባቱን ንምግላጽ ጸገም እኳ እንተ ዘይብሉ፡ መስትያት ዓይኒ ሰብ ኣይክእልን’ዩ። ካብኡ ናብኡ ኣብ ጽሑፍ ይሕይል። ኣብ እኩብ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ሓሳቡ’ዩ ዝበታተኖ። መገጣጥምቲ ኣዕጽምቱ ስለ ዝጠልምዎ ፈጥፈጥ ይብል። ህርመት ልቡ ልዕሊ ንቡር’ዩ ዝኸይድ። ነብሱ ብርሃጽ ይሕጸብ። መሬት ብብርሃኑ’ዩ ዝጽልምቶ። ብዙሕ ክብል እናኸኣለ ይዕገትን የቋርጽን። ሎሚ ሎሚ ግን እናተመሓየሸ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። ኣብ መንጐ ኣቋሪጹ እኳ እንተነበረ፡ ንምትእትታው ናይ ሰየሞም ተጻዊሩ፡ ካብቲ ዝኸፍአ ናይ ምልካት ተርእዮስ ኣምሊጡ’ዩ። ሓሳቡ ኣፍሲሱ ሓሳባቶም ክሰምዕ ትጽቢት ጀመረ።
“ይቕረታ ግበሩለይ። ቀዳማይ ዘካየድኩሞ ክትዕ ብመንገዲ ፈላጢየይ’የ ረኺበዮ። ምስ ድፍረት ኣይትቑጸርዎ፡ ብቀጥታ ስለ እትምልከተኒ፡ ኣብዛ መስትያት ኣቕሪቡዋ ዘሎ ጒዳይ ከይተሰግረት ከላ ሓሳበይ ከፍስስ። ንምፍላጥ ዝኣክል ከለሶም’ዩ ስመይ። ኣቐዲመ ምስ ሞያይ ውን ከላልየኩም። ናይ ታሪኽ ተመራማሪ’የ። ክሳብ ካልኣይ መዓርግ ደረጃ ትምህርተይ ብዓውደ ታሪኽ’የ ተኸታቲለ። ዝቕጽል ናይ ዶክትረይት መዓርገይ ድማ በዚ ዓውዲ እዚ’ዩ ክኸውን። ሕጂ ኣብ ምድላዋት’የ ዘለኹ።” ነቲ ዝገንጸሎ ገጽ መዘኻኸሪ ደብተሩ እናተመልከተ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። “ኣብ ኣቃውማ ሓንቲ ሃገር ታሪኽ ማዕረ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ትስሕትዎ ኣይብልን። ጒዳይና ካብ መሰረቱ’ዩ ተበላሽዩ ዘሎ። ጀብሃን ሻዕቢያን ዝመስርሕዎ ፈጠራዊ ታሪኽ ሒዝና ኢና ክንከይድ ጸኒሕና። ንብዙሓት ከጋጊ ውን ተዓዚብናዮ ኣሎና። ብመጀመርታ እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ። ፍጹም ዘይነበረ ጽውጽዋያዊ ታሪኽ’ዩ። ብሓቀኛ ታሪኽ ተተኪኡ ክቐርብ’ዩ ጻዕረይ። ክሳብ ሕጂ ኣኪበዮ ብዘለኹ ሓበሬታ መሰረት፡ ኤርትራ ብፋሽሽቲ ጣልያን ጥራይ’ያ ተገዚኣ። ቱርኪ ይዂን ግብጺ እግሮም ኣየንበሩላን። እንግሊዝ ነታ ካብ ኢትዮጵያ ብጣልያን ዝተጨውየት ክፍለ ሃገር ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ንኽመልስ’ዩ ናብ ኤርትራ ዝመጸ። እምበር ከምቲ ጀብሃን ሻዕቢያን ዝብልዎ መምጽኢኡ ንክገዝእ ኣይነበረን። ኢትዮጵያ ከኣ ብዓቢኡ ናይ ኤርትራ ገዛኢት ኣይነበረትን። ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ይኹን ድሕሪ ምኻድ ጣልያን ኤርትራ ከም ክፍሊ ሃገርን ኣካል ኢትዮጵያን እንተ ዘይኰይኑ ከም ሃገር ኣይነበረትን። እቲ ብፈደረሽን ዝፍለጥ መሰጋገሪ ግዜ ውን ኣደን ጓልን ንኸይጋየሻ ተባሂሉ ዝተዋህበ ናይ ምልምማድ እዋን’ዩ ኔሩ። ሰውራ ኤርትራ ተቓሊሱሉ ዝበሃል ዕላማ፡ ንናጽነት ኤርትራ ከም ዘይኰነን ናይ ዓረባዊ ዓለም ዕዮ ገዛ ንምፍጻም ምንባሩን በጺሐዮ ኣለኹ። በዚ መሰረት ኣብ ኳና ታሪኽ ዝተሰረተ ኳና መንነት ከም ዘለና ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብዚ ክርደኣና ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልዮ ከም ዘየለ’ዩ። ሻዕቢያ ዝሃንደሶ ናይ ‘ንሕና ፍሉያት ኢና’ ትምክሕቲ ገዲፍና ማለት’ዩ። እቲ ብደዐ ኣበይ ከብጽሕ’ዩ ኣብ ቀጻሊ ክረአ’ዩ።” ምስ በለ ተቓውሞ ገጠሞ። ክቅጽል ዕድል ኣይረኸበን። ብሕሹኽሹኽ ዝጀመረ ዋዕዋዕታ ዓገቶ።
“ሓንሳብ እሞ ሓንሳብ ክንሰማማዕ።” ስቕ ንኽብሉ ተማሕጸነ።
“ኣይፋሉን ሓንሳብ ደኣ ንስኻ። የጸብቐለይ ኣሎ ኢልካ ዲኻ። ቁሩብ መሕፈሪዶ ኣይተዋህበካን’ዩ? ድፍን ድፍን ኣቢልካ ከተዕውረና! ናበይ ናበይ ኢኻ ተብሎ ዘለኻ እዚ ዛንታ?” ኣብ ፊተይ ዝነበሩ ጸጕራም ሽማግለ ዝጸወዩዎ ነበረ። “ከለሶም ዶ በልካዮ ስምካ! ጽቡቕ ትኽልስ። ቅራርያ ቀለምካ ዝፈጠሮ ግሩም ቅራርያ ታሪኽ ዝወደይ። ሊቃውንቲ ቀለም ትብሉዎ ጠፊኡኩም። ትሩፍ ድሕሪ ደጊም! ቀለም ከኣ የስክር’ዩ ’ምበኣር። ዕድመ ዝሃቦ ዘይርእዮ የብሉን። ጸጋ’ኳ እንተዀነ ከምዚ ሕጂ መርገም ዝዀነሉ መዋእል ውን ኣሎ። ነዚ ክርኢ ጸኒሐ እምበር መሳቱየይስ ቀደም’ዮም ከይዶም። ከምዚን ወዲ ከምዚን ንዝገብሩ’ዩ እዚ መዓርግ ዝወሃብ? ከምዚ እናልካስ መዓርግ ክትውስኽ! ‘ካብ ምህሮስ ኣእምሮ’ ዝበሉዎ ከምዚ ምስ ተረኽበ’ዩ። ገለ ደኾን ‘ግዝኣት ቱርኪ’ ዝብል መግለጺ መረረ ጐፍ ኣይበለካን ኰይኑ? ካን ኣፍካ መሊእካ ‘ቱርኪ ኣብ ኤርትራ እግሩ ኣየንበረን’ ይበሃሊ? ኣበይ ኢልካዮ ኣነ ኣቦኻ። ቀለም ክትጸጹ ልቦና ሃጽ ኢሉ ሃዲሙካ። ዘዝተሓትመ ወረቐት ክትነብብ ኣየርከብካሎምን። እግርኻ ኣይዘወረን፡ ዓይንኻ ኣይኰለለን። ካልእ እንተ ተረፈስ፡ ህንጻታት ምጽዋዕ ኢድ ቱርኪ ከም ዝሓለፎም’ዮም ባዕሎም ዝዛረቡ። ታሪኾም ሰኣን ዝጽሕፎ ግን ሓቅኻ ማሕተም ርእዮም ኣብ ወረቐት ኣይጸንሑኻን። ዝዛረብዎ ክሰምዖ’የ፡ ከንብቦም’የ፡ ኣብ ወረቐት ከስፍሮም’የ እንዶ ምቐረበካ ከለሶም ወደይ። ንስንፍናኻ ክትሽፍን ግን ቱርኪ መሬት ኤርትራ ኣይረገጸን ኢልካ ደምዲምካዮ።
”ልብኻ እንተ ዝብገስሲ….. ግዝኣት ምድረ ባሕሪ በሎ መረብ ምላሽ፡ ቱርካውያን ዝኣኽሎም ምስ ኣንጠቕጠቕዎ ንግብጺ ከም ዘውረስዎ ኣይምሰኣንካዮን። ኣበይ እሞ ተበጊስካ ከለሶም…..” ዘረባ እናጐተቱ’ዮም ዝዛረቡ ነይሮም። ብጸጋማይ ኢዶም ነቲ በረድ ዝመስል ነዊሕ ጭሕሞም ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እናሰሓቡ ኣብ ሓሳብ ኣተዉ። ካብ ዔላ ዝኽሮም ዝግልሉ ዝነበሩ ይመስሉ።
“እንታይ መሲሉኩም ኣቦ” ካብ ሓሳብ ንኸውጸኦም፡ ምስቲ ውዑይ ባህርያቱ ውን ስለ ዝደንጐይዎ ግዲ ኰይኑ ጠብሎቝ ኢሉ ኣተዎም። “ክትርድኡኒ ዝደሊ፡ እዚ ናይ ተገዚእና ተወሪርና ታሪኽ፡ ገዚእና፡ ወሪርና ብዝብል ክትካእ ስለ ዝደለኹዎ’የ። ዘመናዊ ታሪኽ ኣገዳስነቱ ልዑል’ዩ። ብእትዀርዓሉ መገዲ ከተዘንትዎ ምእንቲ ክጥዕም፡ ኣቀናጂኻ ንምቕራቡ’የ ዝሰርሕ ዘለኹ። ታሪኽና ወዝ ክህልዎ’የ ደልየዮ። ከምዚ ዘለዎ ምሒር’ዩ ዘሕፍር። ዳዕማታዊ፡ ኣግኣዝያዊ፡ ኣክሱማዊ ንግስነታትን ሰርዌታትን ከም ዘይብጽሑና ወጊንናዮም። ብገዛእ ታሪኽና፡ ክንሕበነሎምን ክንኰርዓሎምን ፈቲንና ኣይንፈልጥን። ንምንታይ ንዝብል ሕቶ እንድዒ ጥራይ’ዩ መልሱ። ሕመቕ’የ ዝብሎ። ንዓለም ምሉእ ዘገርም ዲንቂ ዝዀነ ታሪኽ እንከሎና ንምንታይ ዘይንጠቕሶ?” ድምጹ ኣበሪኹ ሕቶኡ ኣቕረበሎም።
ይቕጽል . . . . . .
ቀጻሊ ክፋል ቀዳም 11 ሚያዝያ
2 Comments
ካብ ምክትታል ዓዲ ኣይወዓልኩን። የግዳስ ኣብ ኩልኹም ጸሓፍትና ተኣታትዩ ዘሎ ልምዲ ኣጸሓሕፋ ስኽፍታታት ዪፈጥረለይ’ሞ እሰግእ። ሓደ ካብ’ቶም ስክፍታታት፥ ብእሱር ግስ ዚውድእ ምሉእ ሓሳብ ምዝውታር እዩ። ነበብቲ ክሳዕ መዓስ ዘየሎ ዜማ እናወሰኹ ክነ’ብዎ ይድረኹ’ውን፥ ኣሕሳቢ ዛዕባ እዩ። ብዝተረፈ፥ ኣብ ትሕዝቶ ቋንቋ ዘሎ ሃጓፍ ገደፍካ፥ ሊላይ ስራሕ ምዃኑ ወሰኽ ኣየድልዮን።
ፋኑስ
Dess zebli sirah.