ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 49 ክፋል
* * *
ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ ናይታ ተካሊት ምሸት ሰለሙን ንሮዛን ነታ ብኰርታዕ መልሓሳ ክትዛረብ ጀሚራ ዝነበረት ጓሉን ሒዙ ነስመራ ተበገሰ። ቅንያት ኣውድኣመት ስለ ዝነበረ መዓርፎ ነፈርቲ ብጽቕጥቅጥ ናይ ሰብ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ጸንሖም። ንሃብቶም ተፋንዮሞ ነቲ ንቡር መስርሕ ቲኬት ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ነፋሪት ደየቡ። ሰዓት ተጓዒዞም ኣስመራ ምስ በጽሑ ኣብርሃም ኣብ ኣፍደገ’ቲ ብዙሕ ሰብ ዝነበሮ ገበላ ክጽበዮም ጸኒሑ ተቐበሎም።
እቲ እዋን ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብዛዕባ ጕዳይ ሰላም ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራ ተራኺቡ ከይሰለጦ ዝተመልሰሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘለዎ ባህግን ድሌትን ድሮ ኣብ ሓምሳታት ዘረጋገጾ ጕዳይ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ወዲ ሩባኹም’የ ዝብል ናይ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ፖለቲካ ኣይተታለለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኵናት ሓድሕድ ደው ኣብ ምባል’ውን ዓቢ እጃሙ ኣበርኪቱ። ደርግ ሓድነት ህዝብን ሰውራን ምውሓጥ ኣብዩዎ፡ “መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎም ድሌት ወንበዴታት ከም ድኻም ስለ ዝቘጸሩዎ፡ ንህዝቢ መታን ክልክሙ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ዓሪዶም ‘ደምሳሲ ኣጽዋር ኣሎና’፡ እናበሉ ንህዝቢ ከታልሉ ይፍትኑ ከም ዝለዉ ንፈልጥ ኢና። እዚ ግን ኣማስያኡ ኣብ ሓደጋ ከውድቖም ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ፡” ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብሬድዮ የናፍስ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትስፉው ኵነታት፡ ፍናን ህዝቢ ክብ ኢሉ ኣብ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ፍሕሹው ገጽ ይንበብ ነይሩ።
ኣብርሃም እናዕለሎም ኤክስፖ ሓሊፉ ኣብ ቲራቮሎ ቀረበ። ነስመራ ካብ ትሓድጋ ሳልሳይ ዓመታ ዘሕለፈት ሮዛ ናብ የማነ ጸጋም ናይቲ ጽርግያ ትጥምት ነበረት። ሃንደበት መኪና ናህራ ነክያ ኣብ ኣፍደገ’ቲ፡ “ኣቴንቲ ኣል ካነ” ዝብል ናይ ጣልያንኛ ጽሑፍ ዝነበሮ ዓቢ ቪላ ደው ምስ በለት፡ ቈላሕታኣ ናብቲ ምልክታ ሰደደት። ብዕብየትን ጽባቐን ናይቲ ገዛ እናተገረመት ከላ ድማ ሰራሕተኛ ማዕጾ ከፈተትሎም። ወ/ሮ ገብርኤላ ምምጽኦም ክጽበያ ጸኒሐን ኣብ ልዳት ተቐበልኦም። በብሓደ ምስ ሰዓምኦም ንፍረወይኒ ካብ ሕቝፊ ሮዛ ተቐቢለን፡ “ሽኮረይ!” ኢለን ድሕሪ ምስዓም መሪሐንኦም ናብ ሳሎን ሰጐማ። ድሮ ዅሉ ኣዋዲደንኦ ጸኒሐን ቡን ኣብ ምቕላው ኣተዋ። ኣወል ቡን ክሳዕ ትስተ ዕላል ካብ ከባቢ ስድራቤትን ቤተዘመድን ኣይወጽአን። ካልኣይቲ ቡን እናተሰኽተተት ከላ ኣብርሃም ሰዓት ስለ ዝኣኸሎ ሓዲጉዎም ተበገሰ። ፍረወይኒ ከምቲ ኣብ ገዛኣ ከላ ትገብሮ ዝነበረት ተራእዩዋ፡ ሰንደልደል እናበለት ካብ ሕቝፊ ዓባያ ወሪዳ ኣብ ሳሎን ዝነበረ ኣቕሑ ክተገላብጥ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ክሽነ ብምቕጻል ኣብኡ’ውን ዳህሳስ ኣካየደት።
ወ/ሮ ገብርኤላ ናይ ዓድን ቤተሰብን ዕላል ወዲአን፡ “ሃብቶምከ ከመይ ኣሎ?” ክብላ ተወከስኦ ሓንሳብ ናብ ወደን ሓንሳብ ናብ ጀበና እናጠመታ።
“ጽቡቕ ኣሎ፡” ክብል ሓጺር መልሲ ሃበን።
ኣደ ሃብቶም ዝበልአን ነገር ነገር ትዝ ስለ ዝበለን፡ “ብዛዕባ መርዓ ገለ ሓሳብ የብሉን?” ክብላ ሓተትኦ ኣልግብ ኣቢለን።
ሕቶአን ሃንደበት ኮይኑዎ፡ “እንታይ’ሞ ክብለኪ እየ? ኣነ ከም ዝፈልጦ ክምርዖ ድሌት ዘለዎ ኣይመስለንን፡” ክብል መለሰለን።
“መስኪነይቲ እተን ኣዲኡ መርዓኡ ክርእያ ሃረር’የን ዝብላ ዘለዋ። ንስኻ ምስ ተመርዓኻ’ሞ ኸኣ ከምዛ ንጽባሒታ ዝምርዖ ኮይኑ ተሰሚዑወን ነይሩ። እንድዒ ዘቕስን መልሲ ግዲ ዘይሃበን ኮይኑ ግን ‘ሰለሙን ምስ መጽአ ግድን ክረኽቦ’የ፡ ሎሚ ዓርኪ’ዩ ዘስምዕ’ ክብላኒ ቀንየን። ጠፊኡካዶ ናይ ወላዲት ነገር፡ ደሓር ከኣ እንታይ ጽቡቕ ረኺበን። ኣቦኡ ከይመሰለ ዓሪፎም፡ ንሰን ከኣ ጥዕና ይስእና ስለ ዘለዋ ክምርዓውለን’ዩ ሃንቀውታአን።”
“መርዓ መርዓ ዝብላ ዘለዋ ግን ድሕሪ መርዓኡ መን ክናብየን ይሓስባ ኣለዋ? ወዲሰብ ኣብ መርዓን ደርዓን እንተ በጺሑ ንሰበይተይ፡ ንደቀይ’ምበር ንስድራይ ከም ዘይብል ክፈለጣ ዝግብአን ይመስለኒ። ደሓር ከኣ ሰብ ባዕሉ እንተ’ንቀለ እዩ’ምበር ተመርዓው ኢልካዮዶ ይምሮዖ ኮይኑ።”
“እንታይ ክገብራ ኢልካየን ኢኻ፡ በዅሪ ወደን ኮይኑወን። ዓለም ከኣ እንታይ መኽሰብ ኣለዋ ኣንታ ሰለሙን ወደይ? ሓንትስ ሃብቶም ወደይ ደኣ ይመርዓወለይ’ምበር ነዞም ክልተ ቈልዓ ምዃን ኣይስእንን’የ እየን ዝብላ። ኤእ! ሓቀን’የን ከኣ ልቢ ኣዕብዩ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ባዕሉ ስራሕ ጀሚሩ’ምበር ሸቐጥ እንጌራ ጽቡቕ’የን ተተሓሒዘንኦ ዘለዋ። ሕጂ ኸኣ ደቀን ናይ ምንባይ ጕዳይ ሽግር ኣይምኾነንን። ደቂ ሎሚ ግን መርዓ ክብሃል ከሎ ቀጨውጨው እዩ ዝብለኩም። ክንዲ ሰብ እንተ ኣኺልካ መርዓ ግቡእ ነገር’ዩ። ሰብ ይፈትዎ እዝግሄር ይፈትዎ። ዝወለደ ከበደ እዩ’ቲ ነገር። ኣስኪ ብነፍስኻ ፍረዶ፡ ሳላ ዝተመርዓኻዶ ኣይኮንካ ድሮ ፍረኻ ርኢኻ ዘለኻ። ሕጂ ድማ ሃብቶም እንታይ ዘጸቢ ኣለዎ፡ ቀርኒ ክሳብ ዘውጽእ ድዩ? ትምርዕው ኣቢሉ ኣሕጕስ እንተ ዘብለን ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ ነይሩ። ንሱ ውላድ ምረኸበ ንሰን ከኣ መስኪነይቲ ምቐሰና።”
“ስቤትን ብርሕን ምስ ኮንካ መርዓ ስልጣኔ መሲሉዎም ይኸውን፡” ብምባል ንዘረባአን ደገፈት ሮዛ እናሰሓቐት።
ጕዳይ መርዓ እንተ ተላዒሉ ከም ዘይዕወተለን ስለ ዝፈልጥ፡ ኣርእስቲ ክቕይር ብምሕሳብ፡ “ትምኒትከ ከመይ ኣላ? ደሃይ ትሰድዶ ኣላ?” ሐተተ ብዛዕባ’ታ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ንከረን ዝገዓዘት ሓውቱ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ቡን እናውረዳ፡ “ወርሒ ይገብር ፍስሃየ መጺኡ ነይሩ፡ ጽቡቕ ኣላ ኢሉና። ኣይሓመቐን ኣብ ከረን ላዕላይ ክልተ ክፍሊ ዘለዎ ገዛ ሰሪሑ’ሎ። ሕጅስ ኣትዮሞ ይኾኑ እዮም፡” በልኦ። ብኸምዚ ክሳብ ግዜ ምሳሕ ዝኣክል ዕላል ካብ ከረን ኣብ ኣስመራ ናብ ዝነብር ቤተሰብ፡ ካብኡ ድማ ናብ ስድራ ባሻይ ተስፋልደት ቀጸለ።
ድሕሪ ምሳሕ፡ ሰለሙን ክድቅስ ከይበለ ንሮዛ ገዝኦም ከርእያ ካብ ሳሎን ጀመረ። እቲ ቪላ ካብ መሬት ቍሩብ ብርኽ ኢሉ ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ ናብቲ ሽሞንተ ሜትሮ ብሓሙሽተ ሜትሮ ዝስፍሓቱ ሳሎን ክትኣቱ ከለኻ በብዓይነቱ ሕብራዊ መረጼን ዝወቀበት ንእስ ዝበለት ክፍሊ ትረክብ። ሳሎን ንየማን ገዲፍካ ናብ ውሽጢ ምስ ትኣቱ፡ ኣርባዕተ ተመሳሳሊ ቅርጺ ዘለወን ክፍልታት ኣለዋ። እተን ሰለስተ መደቀሲ ክኾና ከለዋ እታ ራብዓይቲ ከም ሓውሲ መኽዘን እተገልግል’ያ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኮረደዮ ዝርከብ መንደቑ ብእምነበረድ ዝተሰለመ ዓይኒምድሪ ባህርያዊ ሽግርካ ክተቃልል ምስ ትኣትዎ ውጽኣሉ ዘይመጽኣካ ዓይነት’ዩ። ክሽነ ንምብራቕ ኣብ ዝጥምት ኵርናዕ፡ ናብ ሰርቪስ ኣብ ዘማዕዱ ቦታ ኮይኑ ምስ መንደቕ ዝለገበ ከብሕን ዝተፈላለየ መሳለጥያታትን ኣለዎ።
እቲ ቪላ ብደገ ክጥመት ከሎ፡ ካብቲ ዓቢ ማዕጾ ናይቲ ቀጽሪ ንጸጋም ናይቲ ቀጽሪ፡ የማነ ጸጋም ዝጀመረ ዕምባባታት ንወሰናስን ናይቲ ቀጽሪ ሰሊሙ፡ ካብ መንደቕ ፍንትት ኢሉ ምስ ዘሎ ኣትክልትን ኣብ ማእከል’ቲ ቀጽሪ ቀጽሪ ምስ ዘላ ስየን ፍሉይ ውህደት ይፈጥር። ክሳብ ጋራጅ መኪና ዝበጽሕ ዝተመሳቐለ ሓጻዊን ካብ ክልተ ኵርናዕ ናይ’ቲ ኣፍደገ ብዝብገሳ ሓረጋት ምሉእ ብምሉእ ተሸፊኑ ዕሙር ጽላል ስለ ዝፈጥር፡ ፍሉይ ግርማ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ ነቲ ቦታ ወትሩ ነፋሻ ከም ዝኸውን ይገብሮ። ሮዛ ኣብ ህይወታ እንትርፎ ገዛ ናይ ኣቶ ክሪስቶ ክንድኡ ዝገፍሕን ዝጽብቕን ቪላ ርእያ ኣይትፈልጥን ነይራ። ብኣድናቖት ክትዕዘብ ጸኒሓ፡ “እዋይ ብኡነት ኢለ! ኣቦኻ ነዚ ዝሰርሑሉ መዓልቲ ተዓዊቶም’ዮም። ርስቲ’ዩ! ብሓቂ ዕድለኛታት ኢኹም፡” በለቶ።
“ናይዚ ቪላ’ዚ ታሪኽ ነዊሕ’ዩ ሮዛ፡” በላ ሰለሙን ናብተን ኣብ ስግር ክሽነ ዝነበራ ስርቪሳት መሪሑዋ እናሰጐመ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ከሕጽረልኪ ግን ዋንነቱ ናይ ሓደ ኤንሪኮ ዝብሃል ወናን ሰፊሕ ሕርሻ ዝነበረ ኢጣልያዊ እዩ ነይሩ። ንሱ ምምሕዳር እንግሊዝ ካብ ኤርትራ ኣብ ኣጋ ምውጽኡ ንሓደ ኤርትራዊ ብዘይ ፍላጥ ብግንጽል ስለ ዝቐተለ ተኸሲሱ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ። እንተኾነ፡ ወላ’ኳ ሽዑሽዑ ጋር ነፍሲ ክኸፍል ተበዪኑዎ እቲ ጕዳይ እንተ ደቀሰ፡ ኣብ እዋን ፈደረሽን ኣሕዋት መዋቲ ሕነ ክፈድዩ ሕኒን ይብሉ ከም ዝነበሩ ምስ ፈለጠ፡ ንህይወቱ ሰጊኡ ጠቕሊሉ ናብ ዓዱ ክኸይድ ወሲኑ። በጋጣሚ ኣቦይ ምስሌነ ወረዳ ከሎ ምስኡ ጽቡቕ ዕርክነት ስለ ዝነበሮ፡ ‘ኣጆኻ፡ ባዕለይ ክዓርቀካ’የ ኣይትፍራሕ፡’ ኢሉዎ ነይሩ። ሽዑ ግን ኤርትራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዕጥቖምን ተዋፍሮምን ብዝነበረት ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ዝነበሩ ሸፋቱ ትሕመስ ነይራ። ስለዚ፡ ኤንሪኮ ክተኣማመን ኣይከኣለን ፈሪሑ። ‘ገዛይ ብዘይካ ስዩም ሞት እንተኾነ ካልእ ሰብ ኣይሰፍሮን እዩ፡’ ብምባል ድማ ነቦይ ሸይጡሉ ንዓዱ ከይዱ። ቅድሚ ሕጂ ዘዕለልኩኺ ኣይመስለንን፡ ኣቦይ ኣብ ዕስክርና ከሎ እግሩ ስለ ዝተወግአ ካብ መንግስቲ ጥልያን ኣስትሕጋግ ተዋሂቡዎ ነይሩ እዩ። ካብ ፓራዲዞ ናብዚ ገዛዚ ክንግዕዝ ከለና ኣይዝከረንን’ዩ ወዲ ዓመት ኔርካ’ዮም ዝብሉኒ። ኣብርሃም ሓወይ ግን እኹል ቈልዓ ስለ ዝነበረ ኣጸቢቑ’ዩ ዝዝክሮ፡” ክብል መግለጺኡ ደምደመ።
“ብሓቂ ምሩቓት ኢኹም። ኣቦኻ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ሓወልቲ ተኺሎምልኩም ከይዶም። ከምዚ ዓይነት ገዛ ኣበይ ይርከብ ሎሚ?” ኢላ ናብቲ ሰርቪሳት እናጠመተት፡ ኣብ ቅድሚኣ ካብ ዝነበረት ማዕረ ፍርቂ ቍመት ሰብ ትበጽሕ ተኽሊ ጽጌረዳ፡ ዕምባባ ቀንጢባ ክትሽትታ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ጸጕራ ሰዅዓታ። ሰለሙን ኣብ እግሩ ሕልኽልኽ ትብል ንዝነበረት ጓሉ ሓቝፉ መሪሑዋ ብሸነኽ ክሽነ ዝነበረት ታሕተቤት ከርእያ ንእሽቶ ማዕጾ ከፊቱ ኣተወ። እታ ክፍሊ ጽልምት ኢላ ኮይና ታኒካታት ቦያን ካልእ ጋዕገልጠምን ሒዛ ነይራ። “ኣቦይ ክብለና፡ እዛ ገዛ እዚኣ ኤንሪኮ ንመኸዘኒ ቪኖ እዩ ዝጥቀመላ ነይሩ፡” ኢሉ ገጹ ገልቢጡ መሪሑዋ ወጽአ። ቀጺሉ ናብቲ ገፊሕ ሳሎን ብምምራሕ፡ “እዚታትከ ርኢኽዮ ዲኺ?” በላ ናብቶም ምስ ንውሓት ግዜ ዘይሃሰሱ ኣብ መንደቕ ተንጠልጢሎም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኣሳእል እናመለከተ።
“ዓንተቦ ጽቡቕ ገይረ ዘይረኣኹዎ፡” እናበለተ ክሳዳ ብምንቅዕራር፡ “እዋይ! እዝስ ሰሌ ብንእሽቶኻ ኢኻ። ማማ ገብርኤላን ኣቦኻን ከኣ እንሀውለ፡ እዋይ’ዛ እርጋን ክትሓስም! ኣብዚ ድማ ኣቦኻ ሶልዳቶ ከለዉ ዝተሳእሉዎ እዩ’መስለኒ፡” ኢላ ናብቶም ብረት ዝሓዙ፡ ገፍላው ኣብ ብርኮም ዝበጽሕ ስረን ጠርቡሽን ዝነበሮም ሰለስተ ዓሳክር ጥልያን በጻብዕታ ኣመልከተትሉ። እታ ስእሊ ካብ ንውሓት ግዜ ዝተበገሰ ናብ ምዕማል ገጻ ከይዳ ነይራ።
ሰለሙን ናብኣ ጽግዕ ኢሉ፡ “እዚ ኣቦይ’ዩ፡ እዚኦም ባሻይ ተስፋልደት ክኾኑ ከለዉ፡ እዞም ሳልሳይ ድማ ሓደ ስሞም ዘይዝክሮም በዓል ዓዲንፋስ’ዮም። ቀደም ጸጸኒሖም ይመጽኡና ነይሮም፡ ደሓር ግን እንታይ ከም ዝረከቦም ህልም ኢሎም፡” ኢሉዋ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ገጹ ብግስ በለ።
ገና ካብ ሳሎን ከይወጽአ ከሎ፡ “ኣብዚ ደኣ እንታይ ዝኾነ ፈረንጂ እዩ ምስ ኣቦኻ ተሳኢሉ ዘሎ? ኣብ ፊት ካቴድራለ እዩ ኸኣ ዝመስል፡” በለቶ ሮዛ ብኢዳ ናብ ሓደ ጫፍ ናይቲ መቓን እናኣመልከተት።
ገጹ ገልቢጡ፡ “ሓቅኺ፡ ረሲዐዮ ኣይነገርኩኽን። እዚ ትርእዮ ዘለኺ ኤንሪኮ እዩ። ኣቦይ ከዕልል ከም ዝሰማዕኩዎ ናብ ዓዲ ጥልያን ቅድሚ ምኻዱ ንመዘከርታ ኢሎም ናይ መፋነዊ ዝተሳእሉዎ እዩ፡” ኢሉዋ ናብ ሶፋ ገጹ ሰጐመ።
ሮዛ ንገለ ካልኢታት ነቲ ዝተረፈ ኣሳእል ርእያ፡ “እዋይ! ደኺመ ሕጅስ፡ ክሳደይ ከሕመኒ ቀሪቡ፡” ኢላ ቀዲማቶ ኣብ ሶፋ ረፈጥ በለት።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ምምጻእ ሰለሙን ዝሰምዐ ቤተሰብ ናብ እንዳ ግራዝማች ወረር ወረር ክብል ስለ ዝቐነየ ዳርጋ ካብ ገዛ ኣይወጽኡን። ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ግን ንሮዛ ከዛውራ፡ ንእግረ መንገዱ ድማ ሰይቲ ሓደ ኢጣልያዊ ናብ ዝነበራ ሓትኖኡ ክበጽሕ ስለ ዝደለየ፡ ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ብምውጻእ ብባር ቶሪኖ ኣቢሎም ናብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኣምርሑ። ድሕሪ ናይ ሰዓት ብቡን ዝተሰነየ ዕላል ክብገሱ ብድድ በሉ። ሓትኖኡ ምስ ሮዛ ከዕልላ ስለ ዝበሃጋ ከማስዩ ወጠጥ’ኳ እንተ በልኦም ዘወርወር ክብሉ ምዃኖም ሓቢሮም ተፋነዉወን። መስጊድ ንየማን ሓዲጎም ንማይጃሕጃሕ ገጾም ከንቈልቍሉ ከለዉ፡ “ሰሌ ሓወይ፡ በጃኻ’ባ ሓንሳብ ኣብዚ ደው ኣብለና፡ ነዚ ቦታ ጽቡቕ ገይረ ክርእዮ ደለየ ኣለኹ፡” በለቶ ኣተኵሮኣ ካብቲ ጃሕጃሕ ዝብል ዝነበረ ማይ ከይኣለየት።
“ቅድሚ ሕጂ ማይ ጃሕጃሕ ርኢኽዮ ኣይትፈልጥን ዲኺ፡” እናበለ ጽርግያ ብምቝራጽ መኪና ኣብ ወሰን ደው ኣበላ።
“ማይጃሕጃሕ ክብሃል እሰምዕ ነይረ። እንተኾነ ብስእሊ ርእየዮ’ምበር ብዓይነይ ርእየዮ ኣይፈልጥን’የ፡” ድሕሪ ምባል ካብ መኪና ወሪዳ ናብ ዓቐብ ገጻ ብምስጓም ካብቲ ማይ ክትጅብርቝ ጀመረት። ንፍረወይኒ ሓቝፉ ክስዕባ ምስ ረኣየቶ፡ ናብቲ ዝበረኸ ቦታ ደዪባ ናብ ምዕራብ ገጻ ብምጥማት ንከባቢኣ ብኣድናቖት ተዓዘበት። ሮዛ ብባህሪኣ ንተፈጥሮ ብተመስጦ ክትዕዘብ እትፈቱ ሰብ ስለ ዝኾነት፡ ብዝረኣየቶ ዓጊባ ንቝልቍል ገጻ ብምውራድ ኣብ ጥቓ ሰለሙን ደው በለት። “ኣንቈልቍለ ክወርድ ካብ ማይጃሕጃሕ፡ ጠምየ ነይረ፡. . .” ትብል ናይ ጸሃይቱ በራኺ ደርፊ ክሰምዕ ከለኹ ከምዚ ኣይመስለንን ነይሩ። ብሓቂ ኣዝዩ ደስ ዝብል ቦታ እዩ፡” በለቶ ብፍሱህ መንፈስ።
“ሓቅኺ ዲኺ ግን ርኢኽዮ ኣይትፈልጥን ኔርኪ?”
“ኣነ’ኮ ንማለቱ እየ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ፡ ዓብየ ኢለ ዝዛረብ’ምበር ወሪዱኒ ነስመራ እንታይ እፈልጣ? ኣዲስኣበባ ድማ ሳላኻ ፈሊጠያ።”
“ንኺድ’ምበኣር፡” በላ መልእኽታ ተረዲኡ። ጸሓይ ክሳብ ትዓርብ ድማ ቅድም ብሎኮ ባጽዕን ከረንን ኣብ ዘሎ ቦታታት ኣዛወራ። ቀጺሉ ብቪላጂዮ ኣቢሉ ናብ ማእከል ከተማ ድሕሪ ምምላስ፡ ኣለዉ ኣብ ዝብሃሉ ዓበይቲ ጐደናታት ኰለል ምስ ኣበላ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ባር ኢምፔሮ ንገለ ደቃይቕ ቡን ሰተዩ። ካብኡ ተሲኦም ንካምፖ ቺንታቶ፡ (ኮምቢሽታቶ) ተኸቲሎም ድሕሪ ምኻድ ንጸጋም ተዓጺፎም ጐደና ኤልሳቤጥ ብምሓዝ መንገዶም ናብ ጐዳይፍ ድሕሪ ምቕናዕ፡ ብኤክስፖ ጠጠውዮም ናብ ቲራቮሎ ቀጸሉ።
ኣብ ገዛ ምስ በጽሑ፡ “ሎሚ ኣዕዊትካኒ ሰሌ። ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ኣስመራ ክዝረብ ከሎ ሰማዒት ኣይክኸውንን’የ፡” በለቶ ካብ መኪና እናወረደት።
“ከይትጠዓሲ ትም በሊ። ገና ዘይረኣኽዮ ብዙሕ ቦታታት ኣሎ። ግዜ ስለ ዘሎና ግን ቀስ ኢልኪ ክትርእዮ ኢኺ፡” ኢሉ መሪሑዋ ኣብ ገዛ ኣተወ።
ኣብ ዝተረፈ መዓልታት ናብ ባጽዕ ወረዱ። ነታ ባሕሪ ርእያን ሃሩር ፈቲናን ዘይትፈልጥ ሮዛ ናይ ባጽዕ መገሻ ኣመና ሓዲሱዋ። ዝያዳ ኣቓልቦኣ ዝሰሓበ ግን እቲ ብዘይ ምቍራጽ ንገማግም ባሕሪ እናጸፍዐ ዕምባባ ዝመስል ዕፍራ ብምፍጣር ንየው ነጀው ዝብል ዝነበረ ማዕበል ነይሩ። ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ብሸነኽ ደቡብ፡ ንሓምላይ ደሴት ኣብ እትርእየሉ ደንደስ ባሕሪ ኮፍ ኢላ፡ ኣዒንታ ክሳብ ዝደክም ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባሕሪ ኣዒንታ ክሳብ ዝርብርብ ትጥምቶ። ብዛዕባ ባሕሪ እናሓሰበት ከላ ድማ ‘ነዚ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ማእለያ ዘይብሎም ፍጥረታት ዘለዎ ማይ ዝፈጠረ ኣምላኽ ክንደይ ሓያል ኮን’ዩ’ ብምባል ብኣድናቖት ኣብ ናይ በይና ዓለም ትህውትት። ሰለሙን ገለ ቃል ምስ ኣምለቘላ ወይ ከኣ ናይቲ ጸጸኒሑ ሻሕ ዝብል ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ማዕበል ምስ ሰምዐት ወይ ማይ ምስ ኣጠልቀያ ጥራይ ነይራ ናብ ቀልባ ትምለስ። ኣብ ህይወታ ከም ባሕሪ ገይሩ ንኣእምሮኣ ዝተንከፈ ነገር ገጢሙዋ ኣይፈልጥን’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ስፍሓቱ እምብዛ ደንጽዩዋ። ምኽንያቱ ብዘይካ ኣብ ክረምቲ ዝርአ ዕቋር ማይ ወይ ራህያ፡ ዝኾነ ወሓዚ ወይ ቀላይ ርእያ ኣይትፈልጥን ነይራ። ፍርወይኒ ጓላ ሃሩርን ራህድን ጸሊኣቶ ቀጨውጨው እንተ ዘይትብል፡ ንልዕሊ ሰሙን ምቐነየት ነይራ።
ነስመራ ድሕሪ ምምላሶም፡ ሰለሙን ዝተፈቕደሉ መዓልታት ስለ ዝኣኸለ ምብጋስ ኮነ። ወ/ሮ ገብርኤላ ንፍረወይኒ ካብ ሕቝፈአን ክፈልያኣ ኣይፈተዋን። ኣብ መንጎ ኣብርሃምን ኤልሳን ደው ኢለን እናተደፋነቓ ደጋጊመን ምስ ሰዓማኣ ንፍርወየኒ ኣቐበላኣ። ኢደን ብሰላምታ እናወዛወዛ ድማ፡ “መንገዲ ሰላም ይግበረልኩም፡” ብምባል ተፋነውኦም።
ይቕጽል . . . . .
መበል 50 ክፋል ዝመጽእ