መበል 18 ክፋል
ንሰሚራ ስዒበ’የ ናብቲ ገዛ ኣትየ። ብጥዑም ሽታ ሃገግ ዝብል መደቀሲ ሰሚራ ኣብ ግዜ መሰጋገሪ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ሩፍታ ኮፍ ኢልካ ቡን ክትሰትየሉ፡ መጽሓፍ ከተንብበሉ፡ ቪድዮ ክትርእየሉ ወይ ከኣ ነቶም ጫት ምብላዕ ዝፈትዉ ሰባት ጫት ክበልዑሉን ጎራዙ ሓቑፎም ክዘናግሉን ዘብህግ’ዩ። ሰሚራ ከም ቀደማ ኣብቲ ገፊሕ ዓራታ ሓውሲ ጎቦ ኮይና ኣነ ድማ ኣብ ሳሎን ኮፍ በልኩ። ሰሚራ ብቐጥታ’ያ ናብቲ ክትሓተኒ ዝደለየት ሕቶ ኣምሪሓ።
“ስማዕ’ንዶ መኮነን ሲራክ እንታይ ይገብር ኣሎ ብዛዕባ ናይ ካርቱም መንገዲ᎒” ሓተተት ሰሚራ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት።
“ሰብ ይደሊ ኣለኹ ኢሉኒ ገንዘብ ክንህቦ’ሞ ተስሪሕ ከምጻኣልና” መለስኩላ። ተስሪሕ ማለት መንቀሳቐሲ ወይ ናይ ይሕለፍ ወረቐት’ዩ
“እሞ እንታይ ጌሩ ረኺቡዶ᎒” ከተጻሪ’ያ ደልያ ትመስል
“ክረክብ’የ ግን 5000 ከኽፍሉና’ዮም ኢሉኒ ኣሎ” መጠን ገንዘብ ምስ ነገርኩዋ ዓይና ፈጠጠጥ ኣበለቶ።
“እንታይ 5000 ኢልካ ዘረባ᎒ ብምንታይ’ዩ ሓሙሽተ ሽሕ” ኣብቲ እዋን ከምቲ ኩሉ ሓበሻ ኣብ ስደት ዝጥቀምላ ቅርሺ ትብል ቃል ብዙሕ ኣይጥቀመን ነበርኩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኤርትራውያን ንዶላር ንክሮነር ይኹን ካልእ ባጤራ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ቅርሺ ክብሉ እንከለው ይገርመኒ ነበረ። ሰሚራ እቲ 5000 ዝበልኩዋ ብናይ ሱዳን ድዩ ብናይ ኤርትራ ክትፈልጥ ከም ዝደለየት በርሃለይ።
“5000 ናቕፋ” ኣረጋገጽኩላ
“5000 ሽኑ እንታይ ዓይነት ዘረባ’ዩ እዚ በል በል ሕራይ ከይትብሎ ሰብ ክረኽበልካ’የ ባዕለይ፡ ተስሪሕ’ኮ ብ 250 ናቕፋ’ዩ ዝወጽእ” ኣዘራርባኣ ናይ ሓልዮት ድዩ ኣይኮነን ኣይተረዳኣንን።
“ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን እሞ ኣነ ናብ ሱዳን ብሕጋዊ ኣገባብ ዘይኣተኹ” ዝይዳ ከተነጽርለይ ብምባልን ዋላ ብ 5000 እንትዝሰልጠኒ ከም ዘይጸልእን ገለጽኩላ።
“ላ. . . . ላ . . . . ዋላ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣይትእቶ 5000 ናቕፋ ግን በዚሑ’ሎ፡ ደሓን ጽባሕ ንግሆ ምስ ተንሳእና ናብ ሓደ ሰብ ክኸይድ’የ እሞ እንታይ ከም ዝገበርኩ ክሕብረካ’የ” ዘጸዋዓኒ ጉዳይ ከም ዝወዳእኩ ዝሕብር ምልክት’ዩ ዝመስል።
“በሊ ሰሚራ ደቅሲ ኣነ’ውን ከዕርፍ’የ ነዚ ትብልዮ ዘለኺ ሰብ ግን ሓደራኺ ጽባሕ” በልኩዋ።
“ማ ምሽካላ እዚስ ከኣ ቁሩብ ኣይሓፍርን’ዩ 5000 !” እናበለት ገዲፈያ ወጽየ።
ንጽባሒቱ ሰሚራ ከም ቃላ ናብ ሓደ ሰብ ኣንጊሃ ከይዳ ከባቢ ሰዓት 10 ይኸውን ስእሊ ሃበኒ ክትብል ኣተንሳኣትኒ። ዝድቅሶ ዝነበርኩ ድቃስ መግለጺ ዝርከቦ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ኣብ መገሻ ክንድዚ ድቃስስ ዘየግርም ኣይኮነን። ጉርዲ ስእሊ ኣብ ፖርቶፍልዮይ ስለዝነበረኒ ሓንቲ ኣውጺኤ ሃብኩዋ።
“ብዛዕባ ገንዘብ ደሓር ንዘራረብ” ኢያ ኢላትኒ። ስእሊ ሒዛ ምስቲ ዝመጸ ሰብኣይ ተተሓሒዛ ከደት። እቲ ሰብኣይ ውሻማ ሙባረካ’ዩ ዝመስል ግን ከኣ ኣጸቢቐ ኣይረኣኹዎን ሓቂ ዘረባ።
ሰሚራ ነቲ ሰብኣይ ኣፋንያ ምስ ተመልሰት። ዋጋ 3000 ናቕፋ ከም ዝበላ ሓበረትኒ። ካልእ ብዙሕ ኣይወሰኽኩን ጥራሕ
“ኣይከበረን ᎒” ሓተትኩዋ
“እንታይ ድዩ መሲሉኳ ክሳብ ላልዕሊ ክማቐልዎ’ዮም እምበር ኣኽቢሮሞ ኣለው ግን ኣኸር 3000 እዩ ኢሉኒ” መለሰት
“በቃ ዳሓን ሲራክ ይምጻእ’ሞ ወይ ደውልሉ ገንዘብ ከምጻኣለይ ሎሚ ምሸት እንድሕር ወዲኦምለይ ጽቡቕ ኔሩ ጽባሕ ካርቱም ምኸድኩ” በልኩዋ
ሰሚራ ገጻ ክበርህ ተዓዘብኩዎ 1000 ድየን 2000 ስ ናታ እየን በልኩ። ግን ከኣ በቲ ሓደ 2000 ናቕፋ ናይ ሽዑ 100 ዶላር ከትርፍ’የ በቲ ሓደ ከኣ እንድሕሪ ሰሊጡ ግዜ’ውን ክኸሰብ’የ፡ ስለዚ ኣብ ናይ ሰሚራ ርዒመ ንሲራክ ክትጽውዖ ከም ዘለዋ ገበርኩ።
ንሲራክ ካብቲ ካብ ካርቱም ዝተሓወለሉ ገንዘብ ስለዝነበረ ካብ ኡ ከለቃሓኒ’ሞ ኣብ ካርቱም ክህቦ 3000 ናቕፋ ብመልክዕ ናይ ሱዳን ገንዘብ ከምጻኣለይ ሓተትኩዎ። ብዙሕ ዘይሕጉስ እኳ እንተመሰለ ምስ ሰሚራ ምትህልላኽ ግዲ ጸሊኡዎ ብቕልጡፍ ከይዱ’ዩ ኣምጺኡለይ።
ሰሚራ ነተን 3000 ናቕፋ ሒዛ ናብቲ ሰብኣይ ክትከይድ እንከላ ዳርጋ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ነበረ። ሲራክ ናብ እንዳኣዕሩኽቱ ስለዝኸደ ኣነ ነቶም ቆልዑ ሒዘ ናብ ኩዕሶ ናብ ዝጻወተሉ ሜዳ ከድኩ። ሲራክን ሰሚራን ናብቲ ሜዳ ከም ዝኸድኩ ኣይፈልጡን’ዮም ኔሮም። እቲ ሜዳ ኣብ እግሪ እቲ ለማጽ ዓበይቲ እምባታታት’ዩ ዝርከብ። ሽሕ’ኳ ርሑቕ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ እቲ ገዛውቲ ኣብ እግሪ እቲ ጎቦታት ዝነበረ ይምሰል ካብቲ ጎቦታትስ ሓያል ራሕቂ’ዩ ኔሩዎ።
ኣብቲ ኩዕሶ ሜዳ ምስ በዓል ክፍሎም፡ ደቂ ሰሚራን ሓዋን ካልኦትን ኮይና ሓንቲ ጋንታ ሒዝና ኢና ምስቶም ደቂ’ቲ ገዛውቲ ተጻዊትና። እቶም መጋጥምትና ቆልዑ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን’ዮም ኔሮም። ከም ኣብ ሱዳን ዝበዝሕ መጻወቲ ኩዕሶ ሜዳን መቓብርን ርእየ ኣይፈልጥን’የ። ብዝሓለፍካዮ ከፋት መጻውቲ ኩዕሶ ወይ ድማ መቓብር ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ኣብቲ ሜዳ ዳርጋ ክሳብ ሰዓት 5፡00 ኣቢልና ምስ ተጻወትና እቶም ቆልዑ ማይ ስለዝጸምኡ ናብ ገዛ ክንምለስ ተገደድና።
ገዛ ተመሊስና ማይ ሰቲና ምስ ተሓጻጻብና ደሃይ ዓዲ ክገብር ናብ ናብ እንዳ ኢንተርነት ከድኩ። ኣብቲ እንዳ ኢንተርነት ምስ ከድኩ ከም ቀደመይ ሪጋይ ሒዘ ቦታይ ተረከብኩ። ያሁ መሰንጀር ከፊተ ከኣ መልእኽቲ ከንብብ ጀመርኩ። ፈለማ ዝጸንሓኒ መልእኽቲ ናይ ዓርከይ’ዩ። ዓርከይ ኣብ መልእኽቱ ሞባይለይ ትሰርሕ ከም ዘየላን ብሃለዋተይ ከም ዝተሻቐለን ሓደ ምሸት ገዛ መጸየ ከም ዝነበርኩን። ሰንበት ጥምቀት ቦኽሪ ወዲ ስለዝኾነ ዝመጽእ እንተኾይነ ክፈልጥን ደልዩ ከም ዝደወለ ግን ከም ዘይረኸበኒ ብዙሕ ጸሓፈ። ብዛዕባ ምምጻእ እኮ ንማለቱ’ዩ ዝኸውን ሓቲቱኒ እምበር ከም ዘይመጽእን ቪድዮ ናይ መርዓ ዝቕዳሕ ከም ዘለንን ንሰበይቱ ሓቢረያ ኔረ’የ። ሰበይቱ እታ ኣብ መወዳእታ ካብ ኣስመራ ክወጽእ እንከለኹ ጎዳይፍ ከይደ ዝረኸብኩዋ’ያ። መልእኽቲ ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ ኣሕጽር ኣቢለ መልሲ ጸሓፍኩሉ። ሱዳን ምህላወይ ኣይጠቐስኩሉን። ናብ ደቀምሓረ ገይሸ ምስ መጻእኩ’የ ኢንተርነት ቸክ ጌረ መልእኽትኻ ረኺበዮ እየ ኢለዮ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ኣብ ሰገነይቲ እንዳኢንተርነት ኣይነበረን ኣብ ደቀምሓረ ግን እንዳኢንተርነት ኔሩ’ዩ። ክመጽእ ከም ዝኾንኩን ብደሓን ምህላወይን ሞባይለይ ከኣ ተባላሽያ ከም ዘላን ሓበርኩዎ።
ዝቐጸለ መልእኽቲ ናይ ወሓዚት’ዩ ኔሩ። ወሓዚት ናይ ሎሚ መልእኽታ ናይ ደሓን ኣይመስልን። ቀልዲ ኣመላ ስለዝኾነ ፍቓዱ ሓጎስ’የ ካብ ከተማ ባጽዕ መቸም ኣይብለካን’የ ኢላ’ያ ጀሚራ። ሓደ እዋን ኣብ ግዜ ረፈረንዶም ክዛራብ እንከሎ ኣዚዩ ቁልጡፍ ዝኾነ ፍቓዱ ሓጎስ ዝበሃል ሪፖርተር ካብ ባጽዕ ናብ ድምጺ ሓፋሽ የመሓላልፍ ነበረ። ንሳ ከኣ ነዚ ክትዝክር’ያ ከምኡ ትብል ዘላ። ብዝኾነ ኣብቲ ናይ ፈለማ መስመር ናይ መልእኽታ ሞባይል ዝሸጥኩላ ጓል ኣዚያ ከም ዝተጨንቐትን ኣስመራ መጽያ ናብቲ ሞባይል ዝወሰደትሉ ማይጭሆት ዝርከብ እንዳ ቤተሰብ ከይዳ “ናጻ ደለየያ ኔረ መልእኽቲ ኣለኒ” ስለዝበለተን ንሰን ከኣ ኣቐዲመን ረኺበናኣ ስለዝነበራ ብዘይ ምጥርጣር ናብ በዓልቲ ቤተይ ወሰዳኣ።
ሞባይል ዝገዝአት መሓዛይ ናብ በዓልቲ ቤተይ ምስ ከደት ብሕርቃን ትዛረቦ ኣይትፈልጥን’ያ ኔራ። ከተማ ሰገነይቲ ናተይ ምጥፋእ ከም ዝጠርጠሩን ዝተፈላለዩ ሰባት ናብታ ሞባይል እናደወሉ “መምህር መኮነን ዶ ኣሎ᎒” እናበሉ ከም ዘሸገርዋ ክትምልሰሎም እንከላ ድማ በዓልቲ ቤተይ ስለዝመስላ ከም ዘጓጥጡላን ብምሒር ምድዋል ተሌፎን ጭንቀት ጌሩላ ፈሪሓ ናብ ኣስመራ ከም ዝመጸት ንብዓልቲ ቤተይ ኣዕለለታ። እታ መሓዛይ እቲ ክልቴና ክንጥቀም ዝወሰድኩዎ ናይ ሞባይል መሸጣ ስጉምቲ ኣዚያ’ያ ሓሪቓ። ከመይ ጌሩ ከም ኡ ይገብር ናብ ደገ ክወጽእ እናሓሰበ ከመይ ጌሩ ይሸጠለይ ሞባይልኩም ውሰዱ ገንዘበይ ሃቡኒ ብምባል እተን ሂባትኒ ዝነበረት 4000 ናቕፋ ካብ በዓልቲ ቤተይ ወሰደተን። እቲ ገንዘብ ንቐለብ ስድራ ኢለ ካብ ዝገደፍኩዎ ገንዘብ’ዩ። መሓዛይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ካልእ ሰብ በቲ ኣነ ዝገብርኩዎ ክትቅየም ከም ዘይብላ ከረዳኣ እንተፈተነ ኣዚያ ተዳሂላ ስለዝነበረት ቂም ሓዘት። ሓቃ’ያ ተኸታቲሎም እንተሒዞማ ፈለማ ናብቲ ከይትኸዶ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ስዋ ክወስዱዋ’ዮም። ብጀክኡ ኣበይ’ሎ መምህር መኮነን ስለምንታይ ሞባይሉ ምሳኺ ኣላን ካልእን ዝብሉ ሕቶታት ኣምጺኦም ከዋጥርዋን ክኣስሩዋን’ዮም።
ከምቲ ዋሕዚት ዝጸሓፈትለይ ምምሕዳር፡ ህግደፍን ጸጥታን ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ናተይ ምጥፋእ ድሮ በጺሑዎም’ዩ። ሓላፊ ጸጥታ ክፍሎም ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ናብ ገዛ መጽዩ ጎረቤት ከኣ በዓልቲ ቤተይ ንብረታ ጽዒና ኣስመራ ከም ዝኸደት ሓቢሮምዎ። ኣብቲ ከባቢ ሰልዩ ይኹን ዋላ ካልኦት ሰባት ሓቢሮሞ ከኣ ን ኣውቲስታ ናይ’ታ ንብረት ዝጸዓነት መኪናን ነቶም ዘጻዓኑዋን ኣስማቶምን መንነቶምን ፈሊጡ ክደለዮም ጀመረ። ፈለማ እቶም ኣጻዒኖም ዝበሃሉ ክልተ መምህራን ተታሕዙ። ንሶም ንመርመራ ተጸዊዖም
“መምህር መኮነን ኣበይ ኣሎ᎒ ብዛዕብኡ ትፈልጥዎ እንታይ ኣሎ᎒” ክብሉ ሓተትዎም
ንሶም ከኣ ብስራሕ ናብ ኣስመር ተቐይረ ከም ዝበልኩዎም ኣስመራ ከም ዘለኹ ገለጹሎም። ስዒቡ ዝመጾም ሕቶ
“ንበዓልቲ ቤቱ ንብረት ኣጻዒንኩማ ናባይ’ያ ከይዳ᎒” ሓተትዎም
ንሶም ድማ ናብ ኣስመራ ከም ዝኸደት ኣበይ ቦታ ከም ዝኣተወት ግን ዝፈልጥዎ ከም ዘይብሎም መለሱ። ድሕሪ’ዚ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣሲሮም ሰደድዎም።
ቀጺሎም ናብ በዓልቲ ቤተይ ከምርሖም ዝኽእል ሰብ እቲ ንብረት ዘብጸሐ ኣውቲስታ ስለዝነበረ ነቲ ኣውቲስታ ረኺቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእተውዎ። እቲ ኣውቲስታ ክሕብር ድዩ እንታይ’ዩ ክምልስ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክንመጾ ኢና።
ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ብዛዕባ ምስላጥ ፓስፓርት ናይ በዓቲ ቤተይ ወስ ኣቢለልኩም ኔረ። ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ዝተፈተነ ምውጻእ ፓስፓርት ምስ ፈሸለ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ’ውን ካልእ ፈተነ ኣካይድና ኔርና። ፈለማ በዓልቲ ቤተይ ፓስፓርት ክወሃባ ዝሓትት ናይ ጥርዓን ወረቐት ብኢደይ ጽሒፈ ናብቲ ምምሕዳር ወሰድኩዎ። ምምሕዳር ከተማ ከኣ በዓልቲ ቤተይ ከተማልኦ ዘለዋ ቅጥዕታት ሓቲቶም ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገራዊ ጉቡኣ ከም ዝፈጸመትን በዓልቲ ሓዳር ከም ዝኾነትን ጠቒሶም ናብ ክፍሊ ኢምግረሽን ዞባ ደቡብ ደብዳቤ ጸሓፉላ።
በዓልቲ ቤተይ ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ዞባ ደቡብ ምስ ከደት ነቲ ደብዳቤ ዝተቐበለ ሓላፊ
“ኣብ ኣገልግሎት እንተኔርኪ ናይ መጣየሲ ወረቐትኪ ኣበየ ኣሎ᎒” ክብል ተወከሳ። በዓልቲ ቤተይ ከኣ “ኣነ ኣይተጣየስኩን ክሳብ ሕጂ ከጣይሱኒ’የ ዝጽበ ዘለኹ፡ ኣሃዱየይ ክምርዖ ከም ዝኾንኩ ሓቢረዮም ብፍቓዶም’የ ተመርዕየ ሓዳር ጌረ። ድሕሪ ሓዳር ምግባር ናብ ቦታይ ምምላስ ከም ዘየድልየኒ ከኣ ሓቢሮምኒ’ዮም።” ብምባል መለሰትሉ። እቲ ሓላፊ ግን
“ንሕና ንዘይተጣየሰት ጓል ኣንስተይቲ ኣይንህብን ኢና ናይ መጣየሲ ወረቐት ኣምጽኢ ፓስፓርት ክንህበኪ” ብምባል ኣቕበጻ
“ስምዓኒ’ንዶ ዝኾነት በዓልቲ ሓዳር በዓል ቤታ እንትፈሪሙላ ፓስፓርት ትወስድያ መስለኒ፡ ኣነ ከኣ በዓልቲ ሓዳር ጥራሕ ምዃነይ ፓስፓርት ንኽወስድ እኹል’ዩ ዓመት ከርተት ዝበልኩሉ ኣገልግሎት ኣቦይ ዝተሰዋኣሉ ናጽነት ነዚ ፓስፓርት ዘይከውን’ ድዩ᎒” ነዲራ መለሰትሉ።
ንሱ ግን ዕጅብ ዝበሎ ኣይመሰለን “ብዘይ መጣየሲ ፓስፓርት ክንህበኪ የሕትተና ስለዝኾነ ንስኺ ናብ ኣሃዱኺ ኬድኪ ኣጣይሱኒ በልዮም።” ብምባል ብዘይ መጣየሲ ፓስፓርት ከም ዘይህብ ኣቒቡጹ ኣፋነዋ። ካላኣይ ፈተነ ኣብዚ ኣብቂዑ ሳልሳይ ፈተነ ከኣ ኣብቲ ዝቕጽል ክንርእዮ ኢና።
ኣብቲ እንዳኢንተርነት ልዕሊ ሓደ ሰዓት ኣይገብርናን። ምስ ሓዊ ሰሚራ ካብቲ እንዳኢንተርነት ወጺና ኣብ ሓደ ቤት መግቢመግቢ ኣዚዝና በሊዕና ናብ ገዛ ተመለስና። ሰሚራ ሓደ ጋሻ ሒዛ’ያ ጸኒሓትና። እቲ ጋሻ ተስሪሕ ወይ ይሕለፍ ዘሳለጠ ሰብ’ዩ። ስለ’ቲ ጽቡቕ ዝገበረላ’ያ ቡን ተስትዮ ኔራ። እቲ ሰብኣይ ሰላምታ ምስ ለገሰለይ ብመንጎኝነት ሰሚራ ኣብ ጉዕዞ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘይብለይ ብዝመረጽኩዎ ኣውቶቡስ ካርቱም ክኸድይ ከም ዝኽእል ሓበረኒ። እታ ተስሪሕ ኣብ ክልተ ሰሙን’ያ ትወድቕ። ናብ ካርቱም ዘእቱ ወረቐት ብሃንደበት ኣብ ኢደይ ምሓዘይ ሓጎሰይ መግለጺ ሰኣንኩሉ። ሰሚራ ድሮ ንሲራክ ደዊላትሉ’ያ። ሲራክ ናይ ስደተኛ ወረቐት ስለዝነበሮ ናብ ዝደለዮ ቦታ ክኸይድ ይኽእል ነበረ።
ሲራክ ናብ ገዛ ምስ መጸ ሰሚራ ቅልጥፍ ኢላ ተስሪሕ ወዲኣትለይ ከም ዘላ ሓበረቶ። ኣልግብ ኣቢላ ከኣ መኣስ ክንከይድ ከም ንኽእል ተወከሰቶ። ሲራክ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ’ኳ እንተበለ ኣነ ግን ንጽባሒቱ ንግሆ ክንብገስ ከም ዘለና ጸቂጠ ተዛረብኩዎ። ኣብ ከሰላ ጥራሕ ሰሙነይ ቀሪቡ ነበረ። ሰሉስ ዝኣተኹ ቀዳም’ዩ ኮይኑ ኔሩ። ብመሰረት ናተይ ጠለብን ንሱ’ውን ሰሚራ ደስ ኣይብላን’ዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱን ንጽባሒቱ ንግሆ ናብ ካርቱም ክንከይድ ተሰማምዐ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ኣብ እንዳ ኣዕሩኽቱ ዝገደፎ ሓደ ሓደ ነገራት ከም ዘሎን ኣጻፊፉ ምሕዳር ክመጻኒ ከም ዝኾነን ተረዳዲኡኒ ናብ እንዳ ኣዕሩኽቱ ከደ።
ኣብ ክሰላ ዝሓድረላ ናይ መወዳእታ ምሸት’ያ። ኣብ ነብሰይ ዝቐነየ ክዳውንቲ ስለዝረስሐ ቁምጣ ስረ ካብ ሓው ሰሚራ ወሲደ ነተን ቅያር ዘይነበረን ክዳንውተይ ኣውጼኢ ሓጺበ ሰጣሕኩወን። ጎልፎይ ብዙሕ ስለዘይረስሐት ኣይሓጸብኩዋን። ነታ ጎልፎ ከም ማልያን ካናቴራን ተጠቒመ ቁምጣ ስረ ከኣ ናይ ሓው ሰሚራ ጌረ ዝተሓጽበ ክዳውንቲ ክሳብ ዝነቅጽ ኣብ ገዛ ኮፍ በልኩ።
ሰሚራ ናይ መፋነዊ ቡን ክተስትየኒ ብምባል ኣብቲ እቶም ቆልዑ ቲቪ ዝርእይሉ ክፍሊ ኣቑሑት ቡን ቀራሪባ ቡን ቀለወት። ጅንጅብል ዝበዝሓ ምርር ዝበለት ቡን እናሰተና ከኣ ሰሚራ ረጊኣ ከተዕልለኒ ኣምሰየት። እተን ክልተ መዓልቲ ናተይ ተስሪሕ ከተውጽእ ናብትን ናብትን ክትብል ምስ ወዳ ዝነበራ ናይ ሳዋ ምኻድን ካልእ ቆየቛን ዝግ ኢሉ’ዩ ኔሩ።ንሳ ኣብቲ ምሸት ከም ፈለማ ናብቲ ገዛ ዝመጻኹ ጋሻ ጌራ’ያ ተዕልለኒ ኔራ። ንሳ ኩሉ ጭንቀታ ስለዝበረረላ ከኣ ብዛዕባ ደቀይ፡ በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ካናዳ ናይ ዝነብር ሓወይን ካልእን ክትሓተኒ ኣነ ከኣ ከዕልላ ኣምሰኹ። ቡን እናሰተና ድማ እታ ብዛዕባ ከሰላ ዝጸሓፍኩዋ ግጥሚ ኣንበብኩሎም። እታ ምሸት ካብተን ዝሓለፋ ምሸታት ኣዚያ ዝመቀረት ነበረት። ኣነ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ምስጋጋረይ ሰሚራ ከኣ መንነቱ ዘይፍልጥ ዘፍርሓ ጋሻ ካብ ገዛኣ ይኸይድ ምህላው ተሓጎስና። ከምቲ ዝጠቐሰቶ ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ከም ድላዮም ስለዝመላለሱ ንዓይ ክወስዱ ከይልክሙዋ ኣዚያ ትፈርሕ ነበረት። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብዛዕባ ሲራክ ብገንዘብ’ዩ ሰብ ዘውጽእ ዝበሉዋ ግዜ ኣመና’ያ ተዳሂላ ኔራ።
ስራክ ቡን ኣብ ምዝዛማ’ዩ መጽዩ። ብቐደሙ’ውን ቡን ኣይፈቱን’ዩ፡ ምስ ዕድሚኡ’ውን ዝኸይድ ኣይነበረን። ናይ ቡን መደብ ምስ ተዛዘመ ዝተሓጽበ ክዳውነተይ ካብ ስልኪ ኣውሪደ ናብ መደቀስየን ወሰድኩዎ። ሰሚራ ዝሃበትኒ ተስሪሕ ኣብ ኢደይ ሓዝኩዋ። ኣብ መደቀሲ ኣብ ሓደ ዘይጥርጠር ቦታ ሸጉጠያ ዝነበርኩ ፓስፓርተይ ከኣ ኣውጺኤ ኣብ መተርኣሰይ ገበርኩዋ። ብድሕሪዚ ብዙሕ ከይጸናሕና ምስ ሲራክ መመደቀሲና ሓዝና ። ምኽንያቱ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ክንትስእ ኔሩና።
ይቕጽል . . . . .
መበል 19 ክፋል
ዝመጽእ ሰሉስ 17 መጋቢት