ሮዛን ሰሌን
ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
6ይ ምዕራፍ መበል 46 ክፋል
ስርዓት ሃይለስላሴ ንሰውራ ኤርትራ ብዕሸሉ ከሎ ንክድምስሶ ከም ቀዳማይ ዕላማኡ ብምሓዝ፡ ብፍላይ ንህዝባዊ ሓይልታት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሃሱሳት እናለኣኸ ብውሽጢ ከዕንዋ፡ ብደገ ኸኣ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጠቒሙ ብጸብለልትነት ኣጽዋርን ዓቕሚ ሰብን ኣኽቢቡ ንኽድምስሳ ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል ዘካየዶ ናይ ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልታት መሪር ውግእ ብፍሽለቱ ተዛዚሙ። ነዚ እቲ ብወገን ተሓኤ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ኤርትራ ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝፍጸም ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት ምስ ተወሰኾ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ዝወረዶ ሞትን መቝሰልትን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ፍናኑ መሬት ዘቢጡ። ከም ሳዕቤን ድማ ‘ጕዳይ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ’ ዝብል ጠለብ ከቕርብ ጀሚሩ። ኣብ ወሎ ዝተኸስተ ደርቂ ዘስዓቦ ናይ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ዘስካሕክሕ ህልቂትን ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጭቈናን ሕሰም መነባብሮን ተደሚሩዎ፡ ነቲ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ተወሳኺ ነዳዲ ኮኖ። እቲ ዘይንቕነቕን ንዘልኣለም ዝነብርን ዝመስል ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ድማ ካብ መሰረቱ ተናወጸ።
እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኣድብዩ ክዕዘብ ዝጸንሐ ሰራዊት ንምልዕዓል ህዝቢ መዝሚዙ ረብሓኡ ንምሕላው ናይ ደምዝ ወሰኽ ጠለብ ኣቕረበ። ጠለቡ ንእለቱ ስለ ዝተፈጸመሉ፡ በዚ ተተባቢዑ ነቲ ብግዝያውነት ተመስሪቱ ዝነበረ ካቢኔ እንዳልካቸው መኰነን ካብ ስልጣኑ ብምውራድ፡ ስሳ ንዝኣኽሉ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ብጅምላ ኣሰሮም። ንነፍሱ ግዝያዊ ኣስተዳደር ደርግ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ድማ ኣብ ስልጣን ኵድጭ በለ። ደርግ ከም ጭፍራ ወተሃደራት መጠን ዝኾነ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስለ ዘይነበሮ፡ “ኢትዮጵያ ትቅደም፡” ዝብል ጭርሖ ኣልዒሉ ድሩት ደሞክራስያዊ መሰላት ድሕሪ ምፍቃድ ንፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ናብ ረብሓኡ ንምቕያርን ንሰውራ ኤርትራ ንምድምሳስን ግዜ ክሽምት’ኳ እንተ ፈተነ፡ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኢትዮጵያ ግን በንጻር ድሌቱ ክቈጻጸሮ ብዘይክእል ናህሪ ይጐዓዝ ነበረ።
ኣብ ኤርትራ እቲ መሪር ኵናት ሓድሕድ ደው ኢሉ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ልዝብ ክጅመር ከሎ፡ ከተማ ኣዲስኣበባ ኸኣ ናብ መናሃርያ ተቓወምቲ ሓይልታት ተቐየረት። ኣመሪካን ምዕራብ ኤውሮጳን በብወገነን ደርግ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል፡ ነቶም ኣሲሩዎም ዝነበረ ሰበስልጣን ድማ ብዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ሕጋዊ ቤትፍርዲ ከቕርቦምን ጸቕጢ ኣበርትዓሉ። ብኸምዚ ኣገባብ ፖለቲካዊ ክሊማ ከተማ ኢትዮጵያ ከም መቝሎ እናረሰነ ክኸይድ ከሎ፡ ምስጢራዊ ስራሓት ሰለሙን’ውን ማዕረኡ እናጸዓቐን ዝያዳ ሓደገኛ እናኾነን ከደ። ሓደ ሰንካም ምሸት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ኣባዚሑ ከብቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ካዛንችስ ዝቕጽል፡ ኣብ ቤትሕጽቦ ዝነበረ ክዳኑ ክልክም ናብ ከባቢ ኣምባሳደር ትያትር ገጹ ኣንቈልቈለ። ንእግረ መንገዱ ነዳዲ ክመልእ እናተጸበየ ከሎ፡ ብሸነኽ ዋቢሸበሌ ሂም! ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ሰምዐ። ኣብቲ እዋንቲ ተዅሲ ምስማዕ ሓድሽ ነገር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ናይ ሽዑ ምሸት ግን ፍልይ ዝበለ ነይሩ። ተጠራጢሩ ንገለ ደቃይቕ ተጸበየ። እንተኾነ ንቡር ምንቅስቓስ መካይን ምስ ረኣየ ብርእሰ ምትእምማን መኪና አበገሰ። ብኣምባሳደር ትያትር ንየማን ገጹ ተጠውዩ ሓጻር ዓቐብ ብምሓዝ ድማ ኣብቲ ዓቢ ጐደና ቤተመንግስቲ ተሓወሰ።
ነዊሕ ከይከደ ብማዕዶ ብርክት ዝበላ መካይን ደው ኢለን ምስ ተዓዘበ ሓደጋ ዘጋጠመ መሰሎ። ናህሪ መኪና ነክዩ ናብ የማነ ጸጋሙ እንተ ጠመተ ግን ብረት ዝተሓንገጡ ወተሃደራት ክንቀሳቐሱ ተዓዘበ። መብራህቲ ናይተን ደው ዝበላ መካይን ነቲ ከባቢ ናብ ጸሓይ ቀትሪ ቀዪሩዎ ስለ ዝነበረ ይፍትሹ ከም ዝነበሩ ምርኣይ ኣይጸገሞን። ብፍርሒ ተዋሒጡ ንድሕሪት ክምለስ ቍሊሕ እንተ በለ፡ ድሮ ብርክት ዝበላ መካይን ስለ ዝተደርብኦ ነቲ ሓሳብ ብኡንብኡ ኣዋደቖ። መሬት ከም ዕንቍ ጸቢባቶ ንገለ ካልኢታት ድሕሪ ምዕልባጥ፡ ካብ መኪና ወሪዱ ኣብ ቅድሚኡ ናብ ዝነበረት መኪና ብምቕራብ፡ “ናይ ደሓን ድዮም ዘጋጠመ ሓደጋ ኣሎ?” ክብል ገርሂ ተመሲሉ ሓተተ።
እቲ ምስ ካልኣይቱ ዘዕልል ዝነበረ መንእሰይ፡ “ዝፈለጥናዮ ነገር የሎን፡ እንታይ ከም ዝረኸቦም ግን ይፍትሹ’ለዉ፡” ክብል መለሰሉ ብዙሕ ከይተገደሰ።
ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን። ኣብ ተፍትሽ እንተ በጺሖም ኣብ ባኮ ዘሎ ምስጢራዊ ጽሑፋቱ ክረኽቡዎ ምዃኖም ርጉጽ ነይሩ። ብዝፈጸሞ ዓቢ ሸለልትነት እናተጣዕሰ ሓሳባቱ ክጥርንፍን ብግቡእ ክሓስብን ፈተነ። ነታ ጽሑፍ ዝሓዘት ባኮ ካብ መኪና ኣውጺኡ ኣብ ወሰን’ቲ ጽርግያ ክድርብያ ወሰነ። ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ዝነበረት መኪና ተንቀሳቒሳ ቦታ ምስ ሓደገትሉ ግን ብድሕሪኡ ዝነበረ በዓል መኪና ነዊሕ ክላክ ስለ ዘስምዐ፡ በቲ ሕማቕ ኣጋጣሚ እናንጸርጸረ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ካልኢት ናብ ሞት ዝቐርብ ዘሎ ገንሸል ኮይኑ እናተሰምዖን መኪናኡ ኣቕረባ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎቶም ዝፍትሹ ዝነበሩ ወተሃደራትን ክልተ መካይን ጥራይ ተረፋ። ነታ ኣዝያ ሓደገኛ ባኮ ምእላይ ዝነበሮ እንኮ ዕድል ድማ ሓንሳብን ንመወዳእታን ከም ዝመኸነ ስለ ዝተጋህደሉ ተስፋ ቈረጸ።
እንታይ ከም ዝገብር እምብዛ ሓርበቶ። ጸበባ ብልሓት ይፈጥር ከም ዝብሃል ግን ሓደ ሓሳብ ተቐልቀሎ። እታ መኪና ናይ ቤትማሕተም ንግድ ከም ዝኾነት፡ መፍትሕ ኮፋኖ ድማ በጋጣሚ ምስኡ ከም ዘየሎ ዝብል ናይ ምትላል መልሲ ክህቦም ወሰነ። ‘እንተ ገደደ ሰቢርና ክንከፍቶ ኢና፡’ ይብሉ ይኾኑ። ኣብኡ እንተ በጺሕና ድማ ካብ ትሰብሩዎ መኪና ኣብዚ ገዲፈያ መፍትሕ ከምጽእ ክኸይድ ኢለ ብኡ ኣቢለ ህልም ክብል እኽእል’የ። ‘ሕራይ በል መኪና ጥራይ ግደፋ፡’ ክብሉኒ ግን ኣለዎም። ከምኡ እንተ ዘይኢሎምኒ ግን ኢሉ ንሓደ ግብራዊ ዘይኮነ ሓሳብ እናተኣናገደ ከሎ፡ ቅድሚኡ ዝነበረት ታክሲ ንተፍትሽ ቀሪባ ኣብኣ ዝጸንሑ ተሳፈርታ ክወርዱ ተዓዘበ። እቶም ወተሃደራት ንበዓል ታክሲ ከዘራርቡዎ ከለዉ ክሰምዕ ጽን በለ። እንተኾነ፡ ድምጺ ሞቶረ ምስማዕ ስለ ዝኸልኦ ሞቶረ ኣጥፊኡ ብመስኮት ብምቕልቃል ዝብሃል ክሰምዕ ኣእዛኑ ጸለወ።
በዓል ታክሲ ነቲ ዘጕባዕብዓሉ ዝነበረ ወተሃደር፡ “እሺ ጌታየ፡” ኢሉ ኮፋኖ ክኸፍተሉ ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ወተሃደራት ድማ ንታክሲ መዓጹኣ ከፊቶም ነታ ታክሲ ውሽጣን ውሻጠኣን ክገላብጡዋ ከለዉ ተዓዘበ።
ሰለሙን ሻቕሎቱ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ “ኦሮማይ! መውጽኢ የሎን፡” እናበለ ኢዱ ዓሚዅ ኣትሪሩ ንመሪሕ መኪና ሃረመ። ኣብ ህይወቱ ዝኾነ ጸበባ ወይ ዘስግእ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ዘይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብድፍረት ዝመጽአ’ውን ምኩሕ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ልዕለኡ ዘንጸላልው ዝነበረ መቕዘፍቲ ቀሊል ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖ ግን ናውቲ ከብዱ ክዘራረግ ጀመረ። እቶም ወተሃደራት “ረኺብናዮ!” ብምባል እናደጕደጕ ናብ ቤትማእሰርቲ ክወስዱዎን፡ “በዓል መን ኣለዉ ምሳኻ?” እናበሉ ክገርፉዎ፡ ኣብ ረሳሕ ማይ ከጥሕሉዎን ከብዲ እግሩ ክዘብጡዎን ህያው ኮይኑ ተራእዮ። ስግኣቱ ግን ከይግረፍ ወይ ከይቅተል ኣይነበረን። ዘጃጀዎ ነገር እንተ ነይሩ ኵነታት ዘፍቅራ በዓልቲቤቱን ፍቕራ ዘይጸገቦ ፍረወይኒ ጓሉን ነይሩ። ንሱ ነቲ ዅሉ ስቃይ ተጻዊሩ ድሕሪ ምሕላፉ ኣብ መቓብር ኣብ ዘዕርፈሉ ግዜ፡ ብድሕሪኡ ክሳቐያን ክልበትበት ክብላን ክም ስእሊ ተራእዮ። ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ሃብቶም ዓርኩ ክውድቦ ከሎ ዝተዛረቦ ቃላት ኣብ እዝኑ ከቃልሓ ጀመራ። ከሎ ገና መኪናኡ ዋና ዘይብላ ጠንጢኑዋ ዘይከደ ብጣዕሳ ኵምትር በለ። ኮነ ኢሎም ዝደልዩ ዘለዉ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦ፡ “መን ኮን ሓቢሩዎም ይኸውን?” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ከሎ ታክሲ ተፍትሽ ወዲኣ መንገዳ ቀጸለት። ብድሕሪኡ ዝነበረት መኪና፡ ‘ቢብ!’ ዝብል ድምጺ ምስ ኣስምዐት ካብ ሓሳባቱ ብር ብምባል እናተራገመ መኪና ክቕረባ ተገደደ።
እቶም ወተሃደራት ኮፎነ ሰይሮም ነቲ ጽሑፍ ምስ ረኸቡዎ፡ “እዚ እንታይ’ዩ?” ኢሎም ዘሰራጥዩዎን እናጋፍዑ ዝወስዱዎን ኮይኑ ስለ ዝተሰምዕ ህርመት ልቡ ምሒር ወሰኸ። ሕርቃንን ብስጭትን እናተሓዋወሶ ብመስኮት መኪና ምስ ተቐልቀለ፡ ሽጕጥ ዝዓጠቐ ሓላፊ ናይቶም ዝፍትሹ ዝነበሩ ወተሃደራት ዝመስል ሰብ ምስ ቀረቦ፡ “ጤና ይስጥልኝ፡” በሎ ተዛንዩ ዘሎ ብምምሳል።
እቲ ከብዳም ሰብኣይ ግብረ መልሲ ክህቦ ከይተገደሰ፡ “መኪናው የማነው ጌታው?” ክብል ተወከሶ ብጐርናን ድምጺ።
“የንግድ ማተምያቤት ነው ጌታየ፡” መለሰ ሰለሙን ስልጥ ኢሉ።
“እዛ ነው የሚሰሩት?” ሓተቶ ትርር ብዝበለ ቃና።
እታ ሕቶ ኣብ ሰብነቱ ቀዝሒ’ኳ እንተ ፈነወትሉ፡ “ልክ ነው። የቴክኒክ ፣ኃላፊ ነኝ፡” ክብል ገለ እንተ ሓገዞ ኢሉ መዝነቱ ወሲኹ ነገሮ።
እቲ ወተሃደር ምስቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ብጾቱ ገለ ሰለሙን ዘይሰምዖ ቃላት ድሕሪ ምዝርራብ ገጹ ገልቢጡ፡ “ይሂዱ፡” በሎ።
ሰለሙን እቲ ዝነበሮ ውጡር ስምዒትን ድምጺ ሞቶረን ተደማሚሩዎ፡ ይሂዱ ዘይኮነ ይውረዱ ዝበሎ መሲሉዎ ምስ ሕልናኡ ተፋረደ። ኣብታ ሓጻር ህሞት፡ “ዝገበሩ ይግበሩኒ ክሃድምዶ? ወሪደዶ ዝብሉዎ ክሰምዖም፡” ኣብ ዝብል ሓደገኛ ኮይኑ ዝተሰምዖ ኣማራጺታት ተቐርቂሩ ምውሳን ሰኣነ። እተን ውሑዳት ካልኢታት ከም ጐማ ተመጢጠን ሰዓታት ኮይነን ተሰምዖኦ።
ጽቡቕ ዕድሉ ኮይኑ ግን፡ “ሰውየው! ቀጥል’ንጂ ምን ትጠብቃለህ? መንገድ ዘጋህ’ኮ፡” ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ቍሊሕ እንተ በለ፡ እቲ ሽጉጥ ዝዓጠቐ ወተሃደር፡ “ፈጠን በል! ቦታ ልቀቅ፡ ጤና የለህም’ንዴ?” እናበለ ኣብ ድሕሪኡ ናብ ዝነበረት መኪና ገጹ ብቐስታ ብምስጓም ንመራሕ መኪና ከዘራርቦ ጀመረ።
ሰለሙን ክሃድም ክፍትን፡ ኣድራጋ ጠያይቲ ከዝንቡሉ፡ ምስ ካልኦት መካይን ክጋጮ ክረኣዮ ከም ዘይጸንሐ፡ ኣብ ኵርሲ መኪናኡ ኮፍ ኢሉ ድምጺ ሞቶረ ክሰምዕን፡ እቲ ወተሃደር ተበገስ ክብሎን ኵሉ ቅጽበታዊ ሕልሚ’ምበር ጋህዲ ኮይኑ ኣይተሰምዖን። ካብቲ ኵነተ ኣእምሮ’ቲ ከይወጽአ ማርሻ ኣእትዩ ብህድኣት ተበገሰ። ካብቶም ወተሃደራት ገለ ሚእቲ ሜትሮ ርሕቕ ምስ በለ ዝሑል ንፋስ ክወቕዖ ጀመረ። ኣብቲ ቀንዲ ጐደና ምስ ተሓወሰ ድማ ተወጢሩ ዝነበረ ጅማውቱ ተፈታትሐ። “ኡፍ! ተመስገን!” ኢሉ ድሕሪ ምትንፋስ ናህሪ ወሲኹ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበራ መካይን እናሓለፈ ኣብ ካዛንችስ በጽሐ።
ሰለሙን ደንጕዩዎ ክሻቐል ዝጸንሐ ሃብቶም፡ “ናይ ደሓን ዲኻ ሰሌ? ተሰኪፈ’ንድየ ጸኒሐ፡” በሎ ከም ህውኽ ኢሉ።
“ስቕ’ባ በል፡ ናይ ሎሚ ምሸት ጸገምስ ንበይኑ እዩ። ካብ ኣፍ ሞት’የ ኣምሊጠ። እዋይ ስጋ ስዩም! ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ ሕልሚ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።”
“እንታይ ትብል ኣለኻ?” ሓተቶ ሃብቶም ብስንባደ።
ነታ ብርክት ዝበለ ጽሑፋት ዝሓዘት መከረኛ ባኮ ኣብ ጠርጴዛ ኣቐሚጡ ኮፍ ድሕሪ ምባል ዳግማይ፡ “ኡፍ!” ኢሉ ኣተንፈሰ’ሞ ነቲ ሽዑ ምሸት ዘጋጠሞ ዘርዕድ ኵነታት ሓደ ብሓደ ዘርዘረሉ።
ሃብቶም ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ብህድኣት ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “በል እንቋዕ ብሰላም ወጻእካ’ምበር ዓቢ ጌጋ ኢኻ ፈጺምካ ኔርካ። ተዅሲ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ዘለኻዮ ቦታ ዘተኣማምን እንተኾይኑ ኣብኡ ትጸንሕ። ካብኡ ተረፈ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ቤተመንግስቲ ገጽካ ናብ ገዛካ ክትቅጽል ነይሩካ። እዛ ድፍረትካ ሓደ መዓልቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክትወድቐካ እያ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ተኣፋፊ ስራሕ ናይ ኮን ዶኾን ፈተነ ኣይትፍጽምን ኢኻ። ኣብ ዕድል ክትምርኰስ ዘይኮነ፡ ኣዚኻ ጥንቁቕ ክትከውን’ዩ ዘለካ፡” ክብል ኣትሪሩ ገንሖ።
“ኣንታ ሃብቶም፡ ካብ ዘምሰኹዎ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ ድዩ? ፈትየ ድዩ መሲሉካ? ናይ ኣጋጣሚ ነገርዩ’ኮ። ብዝኾነ መለበሚ ኮይኑኒ’ሎ። ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ክትወድቕ ከለኻ፡ እሞ ሓንቲ ነገር ክትገብር ኣብ ዘይትኽእለሉ ግዜ ክንደይ ይኸፍእ በጃኻ! ጉድ’ዩ ዝኾነካ። እታ ዓሰርተ ደቒቕ ዘይትመልእ ኣዝያ ሓጻር ግዜ ልክዕ መዋእል ኮይና ተሰሚዓትኒ።
“ደሓን’ዩ ሰሌ፡ እዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ዓቢ ትምህርቲ ክኾነካ ተስፋ እገብር። እቲ ተዅሲ ኣነ’ውን ሰሚዐዮ ነይረ እየ። ብዛዕባ ኵሉ ግን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክነጻርዮ ኢና። ሕጂ ግን ሮዛ ከይትጽበየካ ተበገስ።
ሰለሙን ሰዓቱ እናረኣየ፡ “ሮዛ’ውን ተሻቒላ ትህሉ እያ፡” እናበለ ድሕሪ ምትሳእ፡ “ተታሒዘ እንተ ዝነበር’ኳ ሮዛ ሰብ ኣይምኾነትን ነይራ። ስማዕ’ስኪ፡ ዕድላ ገይሩዎ’ምበር ካብ ከምዚ ዓይነት መጻብብ ክትወጽእ ዝሕሰብ’ኮ ኣይኮነን፡” ኢሉ ንሃብቶም ቀዲሙዎ ናብ ኣፍደገ ኣምርሐ።
“ቻው!” ተባሃሂሎም ምስ ተፈላለዩ፡ ኣብ ምስጢራዊ ስራሓት ምስታፍ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንመጀመርያ ግዜ እናተሰቈሮን ነቲ ኣጋጢሙዎ ዘምሰየ ፍጻሜ ኣብ ኣእምሮኡ እናንጀባረረን ኣብ ገዝኡ በጽሐ።
ሮዛ፡ ዘይኣመሉ ደንጕዩዋ ብውሽጣ ክትቅለው ጸኒሓ፡ ድምጺ መኪና ምስ ሰምዐት በተግ ኢላ ናብ ኣፍደገ ብምቅድዳም፡ “እሂ’ታ ሰሌ ሓወይ!” ኢላ ኣብ ምዕጕርቱ ድሕሪ ምስዓም፡ “እንታይ ደኣ ደንጕኻ? እንታይ ረኺቡዎ ኢለ ተሻቒለ’ንድየ ኣምስየ፡” በለቶ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተቶ።
ፍልልይ ናይቲ ቅድሚ ሰዓት ዝነበረ ጸበባ ዝመልኦ ኵነታት ምስቲ ብሩህ ገጻ ናይታ ኣዝዩ ዘፍቅራ በዓልቲቤቱ ኣመዛዚኑ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ኣንቲ ሮዚና፡ በጋጣሚ ምስ ሃብቶም ምስ ተራኽብና ሓደ ካብ ኣስመራ ዝመጽአ ጋሻ ረኺብናስ ከይተፈለጠና ደንጕና፡” ኢሉ ከም ኣብ ምዕጕርታ ምስ ሰዓማ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ድማ ናብ ሳሎን ሰጐሙ።
ይቕጽል . . . . . . .
መበል 47 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 22 መጋቢት