- ሓንቲ ካብ ብሉጻት 8 ግጥምታት ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ 2015
‘ዛ ትቱላ፡ ግዜ ዝሰውሓላ
ብጉራምራ ዜማ፡ ደርፊ ዝሰምረላ፡
ብኹሉ ትስማዕ፡ ብኹሉ ትንፋሕ
ቅኒታ ከይልወጥ፡ ብልሳን ትፍራሕ
“ይዋኣዮም፡ ይዋኣዮም
ይዋኣዮም፡ ይዋኣዮም. . .”
ኩዳን ስብራን፡ ሓደ ህርመት
ግጥምን ዜማን፡ እንኮ ቃላት
ካብ ዋና፡ ናብ ዋና
መቓልሕ መሊሳ
ኣመላሊሳ. . .
“ይዋኣዮም፡ ይዋኣዮም
ይዋኣዮም፡ ይዋኣዮም. . .”
ነፋሒን ሰማዒን
ሰማዒን ነፋሒን
ኣይ ነዚ፡ ኣይ ነቲ. . .
ኣይ ነጋሪ፡ ኣይ ጽን በሃሊ. . .
ኣብ ርሑው መኣዲ
ሸጒራቶ ልቢ
ግናስ
ትቱላ “ይዋኣና” ኣስተማሲላ
“እህህህህህ. . .” ጥራይ ኢላ!
ኣብ ዘይሰነየ ስኒት
ዘይቅኑይ ቅኒት
ንውሽጢ ቈዚማ
ነቢዓ ንበይና
ከይተወልደ ገና
ናፊቓ ዘበና!
ካብ 888