- ሓንቲ ካብ ብሉጻት 8 ግጥምታት ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ 2015
ብዓል ኣደይ ፍርቂ ርእሰን ቁኑን
ፍርቂ ጎድነን ሕዙን
ሰማይ ዝትርግእ ከቢድ ኣውያት
ኣብ ውሽጠን ዘትሕዝ ኣለወን ምኽንያት።
ሰብ ሰናይ ሃቐና ሓለይቲ ነባዕቲ
ኣብ ጸጽባሕ ዝዘንበን መቕጻዕቲ
ሰላመን ዝዘርጉ ቅዱስ ዘራኽሱ
ሓጨጭቲ በዚሖመን ቅናተን ዘፍኩሱ።
ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ይትንስኣ ኣንጊሀን
የዋድዳ ላኻን ኣርጊሀን
እህህታአን ጸዊረን ብኡ ክጸናንዓ
ኣደና ንዝብላኣ ከመላኽዓ
ግዳ ደቀይ ከ ከይትብለን እናሰግኣ
ብመንፈስ እናዕለላ ስልም ይውዕላኣ።
ምውጋን ዝኣበየ ቃንዛኣ ‘ናቐንዘወን
ክስዕረኦ ይፍትና ናይ ሓይለቦአን
ስእላን ስእሊ ደቃን እንክኣልማ
ዘዕረፋኣ ይጥዕመን ካብ ሕማማ።
“ኣደና” ይብላኣ ነዛ ሓቛፊት
“ኣደና” ይብላኣ ነዛ በይና ተራፊት
ምስ ወግሐ ዝጸልመታ
ኣደ ኩልና ሽሕ ሞታ።
“ወሃቢት’የ ማርያም ወሃቢት” ናዘመራ
ኣደረዐን ክእለ ጸሎተን የስምራ
ዛንታአን ፍቕሪ’ዩ ውሽጠን ዘሰወደ
ዝኸሓደ እንተ ከሓደ ምህለላአን ሓደ።
የማዕድዋ’ሞ ናብቲ ስግር ዘሎ
ንሱ ከኣ ሜላ ምንባር ዘይከኣሎ
እዘን ከኣልቲ ኩሉ ዘርክባሉ
ያኢ ክፍወሰለን ጸበል ይልእካሉ።
ወዮ ብራርያ ግን ተጣፊኡ
ብዘይ ዕጥቂ ምጥቂ ብሓሳብ ተዋዲኡ
ኣብ ደምበታት እንዳማቱ ኮይኑ
ንፍቕሪ ምክዋን ስኢኑ።
ብዓል ኣደይ
ዕድመ ልክዐን መናብርቲ ንብዓት
ዘይበሊ ሕሰም ወትሩ መዓት
ብዓል ኣደይ ጸጋ መንብሮ
ፈጣሪ እስከ ቁዛመአን ዕልልታ ይቐይሮ
እምበር ናይ ሰብስ ኮይኑወን ሰሃሮ።
ተስፊት ዮውሃንስ