ኣነን ዓርከይን
ናይ እምነት ጸጸር ውሒጥና:
ሰላማዊት ዓዲ ንምህናጽ
ከምዘይተሰማማዕና::
ንሱ ግና ንኸብዱ
ብቑራስ ተሰኒፉ
ነዛ ነፍሰይን
ነታ ብጸጸር ዝቖመት ዕርክነትናን:
ከም ቡቕቡቕ ዓውዲ ንንፋስ ሂቡ
ምስ ምሕባል’ዩ ኪዳን ኣትዩ
ሎሚ ከኣ’ሞ . . . !!!
“ኣታ ተዓጣቒ
ዒቃ ጸኒቱ”
ጽሕጎ ዒቃ ተሳኢኑ
ቅርብ ኢሎም እንተዘተንብህሉ
ንወሃቢ ቁራስ ንምሕጓስ
እንከይተማጎተ ምስ ሕልናኡ
መሐለዊ ግራት መሸላ ክገብሮ
መዓንጣይ ኣውጺኡ
ወንጭፍ ምሰርሖ።
ዘፌ 2014