1ይቲ ዕውትቲ ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ 2015 ተሸላሚት 300 ዶላር
ጸሓይ ከዳዕ እታ ዘይጸሓየይ
ንዝባነይ’ምበር ዘይትፈልጦ ውሽጠይ
ንራኢየይ ከተደብዝዞ
ምስ ደመኛታተይ ኔራ ትመሓዞ።
ኣነ ድማ ኣጋውላኣ ርእየ
ዕረፍቲ ጸርግታታ ተጸብየ
ንምስለይ ኣብ ጸላም ቀቢረ
ንኣሰረይ ኣብ ከውሒ ኣንቢረ
ይብጸሓዮ ኣይብጸሓዮ
ጒዕዞይ ጀሚረዮ።
ከምቲ ዝረኣኽኒ፡
ኣንቃዕሪርካ ንዝጥመት ዓቐብ
ዝተርፎ ዘይብሉ ሰማይ ንኸርክብ
ተደፊእካ ንዝጥመት ቊልቊል
ካብ ክትወርዶ ክትዘልሎ ዝቐልል፡
ከም ህበይ
በ’ርባዕተ መሓውረይ፡
ኣብቲ ተንፋሒዀ
ኣብቲ ከንከራሩ
ኣብ ኣጻድፍ ሸታሕተሖ ገደል
ኣጻፍሩ ዓጋም፡ ቈንጠጠፈ፡ ዓንዴል
ጸኒሐኪ ናይ ሓይለይ ክጋደል።
‘ባሕሪ ልቦናኻ ናበይ ገይሹ?
ብዘይክየድ ትኸይድ ክንደይከ ትዕሹ!’
ይመልሶ ኣይመልሶ
ተገሪምክስ ደርቢኽለይ ሕቶ።
ሓቅኺ ኢኺ ምዕሻውስ ዓሽየ
ጨርቁ ከም ዝደርበየ
ልቦናይ ደርብየ፡
እምበር… በዚዶ ይምጻእ?
ናብ መዓት ይእቶ
ካብ መዓት ንምውጻእ!
ንስኺ ግን ወርሒ
ከምታ ጸሓይ ኣየጥፋእክን ፍትሒ፡
ነቲ ጸዋግ ጒዕዞ ንኽገንዞ
እናተለቃሕኪ ኔርኪ ተለቅሒ
ልዕሊ ለውሃት ኣደይ ኔርኪ ትልውሂ።
ነገር ዓቕሊ ጽበት ንእሾዂ ክሕዞ
ትቕንዘዊ ከኣ ኣነ እናክቕንዞ፡
ነቲ ዝተላሕጸ ነቲ ዝተጋህጸ
ነቲ ዝተበስዐ ነቲ ዝደመየ፡
ደሓር ንዝርእዮ በሰላ ዝጸንሖ
ነቲ ዕምቈት ቃንዛይ ብውዕዩ ‘ንከሎ
ከማኽን ክንዳኽን የሎን ዝረኣዮ።
ጒዕዞይ ኣብ ምኽታሙ ጸሓይ ትደሀ ኣላ
ምሳይ ዲያ ክትውግን ወይስ ከም ኣመላ
ክትርህርህ ክትጭክን ሕጂ ውን ክመዝና
ደሓን ወዓሊ ወርሒ ምሸት የራኽበና።
ብርሃነ ገብረሂወት
1ይቲ ዕውትቲ