ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ዛራ ጥበባት፥
ከመይ ቀኒኹም፧
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፥’ ኣባዲ ዘይብሉ ንብዓት ‘ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፤ ምስ ክብሮም ፍቕረዝጊ ሃይለ ዝበሃል ኤርትራዊ መንእሰይ ዘጋጠሞ ጸገም ኣመልኪትና ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ምስ ዛራ ጥበባት ኣካይድና ነይርና። ን ክብሮም ወዲቕዎ ዘሎ ሽግር ከምቲ ዝሰማዕኩሞ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዝትንክፍን ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፥ ደቁን ሓፍቱን ኣብ ምድላይ ዘጥፍኦ ግዜን ገንዘብን፤ ኣብ ከቢድ ሞራላዊን ንዋታውን ሃስያ ኣውዲቕዎ ይርከብ። ብዙሓት ካብ ተኸታተልቲ ዛራ ጥበባት እዉን ብዝተፈላለየ መንገዲ ከመይ ኣቢሎም ክሕግዝዎ ከም ዝኽእሉ ክሓቱና ቐንዮም። ሕጂዉን፤ ክብሮም ሃለዋት ስድራቤቱ ንምፍላጥ ሓገዝ ይደሊ ስለ ዘሎ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊክን ጌርኩም ዓዓቕምኩም ክትሕግዙ ንሓትት።
ሓገዝ ን ሓው ክብሮም ፍቕረዝጊ ንምግባር ኣብዚ ጠዉቑ።
መኮነን ተስፋይ
ዋና ኣሰናድኢ፥ ዛራ ጥበባት