መበል 11 ክፋል
ሲራክ ነታ ካራ ሒዙ ነቲ ትሕቲ ቁመቱ ዝኾነ ማዕጾ ተደጊፉ ዓይኑ ኣጨንቁሩ በቲ ፈቓቕ ናይቲ ማዕጾ ናብ ደገ ክርኢ ፈተነ። ሓደ ሰብ ብደገ ኮይኑ “ክፈቶ ያዞል . . . .” በለ ቀስ ኢሉ፡ ዋላ እቲ ምኩሕኳሕ’ውን ቀስ ኢልካ’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ሰብ ደሓን ኮይኖም። እቶም ብድሮ ገዲፎምና ዝኸዱ ሰለስተ ኣዕሩኽ ሲራክ’ዩም መጽዮም። ሲራክ ምስ ከፈቶም ሒዞሞ ዝመጹ ፉል ኣብ መሬት ኣነበሩዎ። ደሓን ይእተዉ ጥምየት ሞይተ ኔረ። ካብ ኩሉ ጥምየት ኣይተጋብረንን’ያ። ሽዑ ኸኣ’ሞ ቅድሚ ሳልስቲ ጀሚረ መግቢ ተዓጽየ ስለዝነበርኩ ኣመና’የ ጠምየ ኔረ። ፉል ተሰነይ እታ ሓቀኛ ፉል’ያ። ጅብናን ዝተፈላልየ ቀመመን ዝኣተዋ ኣብ ኣስመራ ፉል መሰላሕ ተባሃሊኣ ተጸባቢቓ ትመጽእ ፉል’ዮም ሒዞም መጽዮም። ገጽና ተሓጺብና ዲና ኣይተሓጸብናን ኣይዝከረንን ተቓላጢፍና ናብ ምባላዕ ኣተና። ሲራክ ከም ኣመሉ “እስ” እናበለ ነቶም ዝያዳ ዝደፍሮም ክልተ ብፍላይ ከኣ ነቲ ሓደ ምጉጣጥ ኣይገደፎን። ብፍላይ ነቲ ዝያዳ ዘጓጥጠሉ ወዲ ዶብ ሰጊሩ ከሰላ ክኣቱ ዘይከኣለ ፈራሕ ስለዝኾነ’ዩ ዝብል ርድኢት ኔሩዎ። ሲራክ ኣብ ዘዝመጾ ግዜ ተበገስ ይብሎ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽኒት ከኣ ካብኡ ከም ዝተርፍ ይዛረብ ነበረ። ቁርሲ በሊዕና ኣእዳውና ኣልሚጽና ኣብ ዓራት ኮፍ በልና። ገና ሰዓት 9፡00 ኣቢሉ’ዪ ኔሩ። ብውሕዱ 10 ሰዓታታት ኣብታ ገዛ ክንዕጾ ኢና። እዚ’ውን ብሰላም እንተመስዩልና’ዩ።
ከም ዝሃበኒ ዕላላት ሲራክን ኣዕሩኽቱን ናብ ምስማዕ ኣተኹ። ሲራክ ንካርቱም ከም ፓሪስ’ዩ ዝገልጻ ኔሩ። ብዛዕባ ሓያሎ ደቂ ተሰነይ ኣስማት እናጠቐሰ ዝተፈላለየ ዕላላት የዕልሎም ነበረ። እቶም ኣዕሩኽቱ ከኣ ሃህ ኢሎም’ዮም ስምዕዎ። ከም ዝነፋፈቑ፡ ኣብ ሕድሕዶም ፍቕርይ ምትሕልላይን ከም ዝነበሮም ክትርዳእ ብዙሕ ኣይትጸግምን። ኣዕሩኽ ሲራክ ዝኸዱሉ ሰዓት ኣኺሉ ክብገሱ ብድድ ምስ በሉ ሲራክ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ገለ ነገር ተዛረቦም። እንታይ’ዮም ተባሃሂሎም ኣይፈልጥኩን ነቲ ዝበሎም ከም ዝተሰማምዕሉ ግን ርእሶም እናነቕነቑ “ኮይስ . . .” ክብልዎ ሰማዕኩ። ኣዕሩኽ ሲራክ ገዲፎምና ምስ ከዱ ሲራክን ኣነን በይንና ተረፍና።
ኣብ ከባቢ ፋዱስ እንደገና ማዕጾ ተዃሕኮሐ፡ ሲራክ ከም ኣመሉ ብድድ ኢሉ መን ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ ማዕጾ ከፈቶ። እቲ ብድሮ ዝተቐበለና ነጨበረር ኮይኑ መግቢ ሒዙልና’ዩ መጽዩ። ሕጂ’ውን በሊዕና ሰቲና ዕላል ጀመርና። እቲ ወዲ ሕዉስ ኮይኑ ምስ ሲራክ’ውን ብዙሕ ናይ ውልቂ ዘዕልልዎ ዕላላት ስለዘይነበሮም እቲ ዕላል ሓፈሻዊ ኮነ። ኣነ’ውን ብወገነይ ገለ ገለ ዕላላት ከዕልሎም ጀመርኩ። እቲ ነጨበረር፡ ወዲ ከበሳ ኮይኑ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ናብ ሱዳን ክሰገር ኢሉ ናብ ተሰነይ ምስ ወረደ ኣብ ብሎኮ ተሰነይ ሒዞም ን6 ወርሒ ዝኸውን ኣሲሮም ምስ ሰደድዎ ኣብ ተሰነይ’ዩ ሰሪቱ። ኣብ ተሰነይ እናነደቐ’ዩ ዝናበር ኔሩ። እቲ ነጨበረር ኣብ መንጎ ዕልላና
“ ሲራክ ሎሚ ካባኻ ኣይተርፍን’የ፡ ካላስ ወዲኤ’የ ክኸይድ” በሎ። ብዛዕባ ናተይ ኣፍልጦ ኔሩዎ’ዩ፡ ናብ ሱዳን ክሰግር ከም ዝመጻእኩ ፈሊጡ’ዩ ዘሎ፡ ምኽንያቱ ሲራክ ስርሑ ሰብ ናብ ሱዳን ምስጋር ከም ዝኾነ ጽቡቕ ጌሩ’ዩ ዝፈልጥ። ሲራክ
“ናይ ብሓቂ፡ ጨኪንካ ክትብገስ ኢኻ᎒ ዓርክካ ኸ ደኣ᎒” ከረጋግጽ ሓተተ ሲራክ
“ባዕላ ትፈልጥ ግደፋ ንሳ፡ ኣነ ተዳልየ’የ ዘለኹ ካባኻ ኣይተርፍን’የ” በሎ። ምስ ኣፍቃሪቱ ተባሲኡ ግዲ ኔሩ ኮይኑ ብዛዕባኣ ኣይተገደሰን። በዚ ከኣ ምስ ሲራክ ተሰማሚዑ ምስ ወደአ ኣብቲ ገዛ ገዲፉና ከደ። ፈለማ ፉል ቆሪስና እቲ ነጨበረር’ውን ፉል’ዩ ኣምጺኡልና ኔሩ። ፉል ተመሲሕና ፉል ብፉል ኮይና ክንናፈስ ደለና። ሲራክ ቀስ ጌሩ ማዕጾ ከፊቱ ነቲ ከባቢ ምስ ረኣዮ ጽምዋ ሰፊኑ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። ኣብቲ ቀጽሪ ዝትዘርግሐ ሰፊሕ ናይ ራሻይዳ ኣግነት ነበረ። ሓደ ራሻይዳ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣግነት ኮይኑ ይዛረብ ኔሩ። ሲራክ ነቲ ራሻይዳ ኣይኣመኖን ስለዚ ክሳብ ንሱ ካብቲ ገዛ ዝወጽእ ንሕና ንሽንቲ ናብ ሽቓቕ ክንወጽእ ከም ዘይንኽእል ደምደመ። ዕድል ጌርና ግን እቲ ራሻይዳ ዓው ኢሉ ገበታ እናተዛረበ ካብቲ ቀጽሪ ወጸ። ሲራክ ቀስ ጌሩ ማዕጾ ከፊቱ ናብታ ብጎኒ እምበር ብላዕሊ መሸፈኒ ዘይነበራ ናይ ማሓስእ መግርሂ ትመስል መካበብያ ብምእታው ዓይኒ ምድሪ ተጠቒሙ ቀልጢፉ ተመልሰ። ንዓይ’ውን መሬት ኣማን ከም ዘሎ ስለዘረጋገጸለይ ከምታ ናቱ ጌሩ ወጽየ ኣብታ ቦታ ሸይነ ተመለስኩ።
ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ንቖርጸሉ ሰዓት ምስ ተቓረበ ቁሩብ ክፈርሕ ጀመርኩ። ሲራክ ጥንቁቕ ይመስል’ኳ እንተነበረ ኣመና ድፍረቱ ኣብ ገለ ከየውድቐኒ ስግኣት ኔሩኒ። ብተወሳኺ እዚ ነጨበረር ምሳና ምውሳኹ መሊሱ ኣፍራሓኒ። ብእግሪ ምጉዓዝ ካብ ኮነ ክልቴና ጥራሕ ኢና ክንጉዓዝ ዝመስለኒ ኔሩ። ብዝኾነ ሰዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ምስ ኮነ ክልተ ኣዕሩኽ ሲራክ ብሽክለታ ጌሮም መጽዮም ንሲራክ ገለ ነገር ምስ ነገርዎ ኣዚዩ ሓረቐ። ንመን ከም ዝኾነ ኣየረጋገጽኩን እምበር ንሓንቲ ጓል ብጸርፊ ተሳሃላ። እታ ትጽረፍ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣይትሰምዖ ኣይትርእዩ፡ “ዘይትሰምዖ ጸርፊስ ዳርጋ ደርፊ” ድዮም ዝበሉ ኣቦታት። እቶም ኣዕሩኽ ሲራክ ናብ ዞባ ሰውራ’ዮም ተላኢኾም ከይዶም። ሕጂ’ውን ደጊሞም ክኸዱ ከም ዝለዎም ሓበሮም። እቶም ኣዕሩኽቱ ከኣ ከም ዝሃቦም ነናቶም ብሽክለታ ሒዞም ከዱ።
ኣቐዲሙ ከም ዝሓበረኒ ዝሓለፈ መዓልቲ ሱዳን ዘይሰገርናሉ ምኽንያት እቶም ሓለዋ ዶባት ንድራር ወጽዮም ድሮ ተመሊሶም ኣለው ዝብል ነበረ። ክንሰገረሉ ዝግባኣና ሰዓት ከባቢ 7፡00 እዩ ኔሩ። እታ ሰዓት ካኣ ቀሪባ ነበረት። እቲ ነጨበርር ድሉው ኮይኑ መጸ። ንኹልና ዝኸውን ጥሕንያ፡ ብሽኮቲ፡ ተምሪ፡ ማይ ዝኣመሰለ ስንቂ ሒዙ’ዩ መጽዩ። ደው፡ ደው ምስ በዝሐ ሲራክ ከኣ ከዕለብጥ ስለዝጀመረ ክሓቶ ተገደድኩ።
“ሲራክ ኣይንብገስን ዲና᎒” ሓተትኩዎ
“ክንብገስ ኢና በዓል ኩስቶ ይምጽኡ ፈለማ፡ ንዕኦም ይጽበ ኣለኹ” ሓጻር መልሲ’ያ። ካብ ኣስመራ ካብ ዝጠፍእ ክልተ መዓልቲ ሙሉእ ገበርኩ። ዝሓደርኩሉ ገዛ እንታይ ኢሎም ኣለው። እንዳ ኢንተርነት ዝገደፉኒ ኣዋዳት ክደልዩኒ ናበይ ናበይ ከይዶም ይኾኑ ᎒ ዝብሉ ሕቶታትን ካልእን ቀስ ኢልካ ዝፍለጥ ነገር’ዩ ክኽውን።
ግዜ ሰዓት 6፡30 ኣቢሉ ምስ ቀረበ ሲራክ ዝላኣኾም ክልተ ሰብ ብሽክለታ ደበኽ በሉ። ሓደ ሰብ’ዩም ሒዞም መጽዮም። ምሳና ሱዳን ክሰገር ኣብ ብሽክለታ ኣጓሪበቶም’ዮም ኣምጺኦሞ። ነቲ ቆልዓ ምስ ረኣኹዎ ኣብ ዝነበርኩዎ ቀዘዝኩ። ክፍሎም ነበረ። ክፍሎም እቲ ከረን ምስ ከድኩ ዝረኸብኩዎ ወዲ ኮለኔል ቆልዓ። ወይ ጉድ! ሲራክ ህልኸኛ ወዲ’ዩ በልኩ በልበይ። ምስ ክፍሎም ተላሊና ስለዝነበርና መጽዩ ተሳዓመኒ። ኣብታ ሓጻር ግዜ እንተስ ሓውቦኻ ተባሂሉ እንተስ ኮኾበይ ፈትዩዎ ብጽቡቕ’ዩ ተቐቢሉኒ ኔሩ። እቶም ሲራክ ዝለኣኾም ኣወዳት ኣብቲ ፈለማ መጽዮም ምስ ተዛረብዎ ሓሪቑ ዝጻረፍ ዝነበረ ንኽፍሎም ስለዝሰኣኑዎ’ዩ። ኣደ ክፍሎም ካብ ሽወደን ደዊላ ነታ ኣብ ከረን ዝነበረት ህይወት፡ ንኽፍሎም ሒዝኪዮ ተሰነይ ውረዲ፡ እንዳ ኣቦኡ ከኣ ኣርእየዮ። መዓልቲ ጠቒሰን ኣብ ተስነይ ዝርከብ እንዳ ቤተሰብ ክትወስዶ ሓበራኣ። ህይወት ኣነ ክወስዶ ምምጸይ፡ ኣደ ክፍሎም ናብ ተሰነይ ናብ እንዳ ሓውቦታቱ ውሰድዮ ምባላን ፈጺማ ብዛዕባ መንገዲ ሱዳን ዝጠርጠረት ኣይመስለንን። እንተትጥርጥር ንክፍሎም ናብ ተሰነይ ምስ ኣማጽኣቶ ኣዝማዱ ከርእዮ ኢላ ናብ ዓሊግድር ኣምወሰደቶን። እቶም ኣወዳት ኣብቲ ፈለማ ስኢኖሞ ዝመጹ ከኣ ናብቲ ዝተሓበሮም ገዛ ምስ ከዱ ብሰበ ሰብ ሓቲቶም እታ ዝመጸት ጋሻ ናብ ዓሊግድር ከም ዝኸደት ፈለጡ። እዚ ዘየሐጉስ ዜና ምስ ኣምጽኡሉ’ዩ ሲራክ ዝጻረፍ ዝነበረ። ዳግማይ ምስ ከዱ ግን ክፍሎም ድሮ መጽዩ ኣብቲ ኣፍደገ ምስቶም ቆልዑ ተሰነይ ኩዕሶ ክጻወት ጸንሖም። ክልት ኣዕሩኽ ሲራክ ኣብ ሓደ ዛሬባ ተጸጊዖም ስሙ ምስ ጸውዑ ክፍሎም ግልጽ በሎም። ብምልክት ጌሮም ናዓ ምስ በሉዎ ከኣ ጎዩ ከዶም። ምስ መጾም ናብ ኣዲኤኻ ክንወስደካ ኢና ምሳና ሱዳን ክትከይድ ኢኻ በልዎ። በኸምዚ ሜላ’ዮም እምበኣር ንባና ዘምጽእዎ ዘለው።
ሰዓት 7፡00 ኣቢሉ ኮይኑ መሬት ዓይኒ ሕዝ ከበል እንከሎ ካብቲ ገዛ ወጻና። ክልተ ኣዕሩክ ሲራክ ንሓደ ክልተ ኣንጎሎታት ምስ ኣሰንዩና ጽቡቕ ዕድል ኢሎም ተፋነዉና። ዝነበርናዮ ገዛ ዳርጋ ወሰን’ዩ ኔሩ። እቶም ኣወዳት ተፈልዮምና ምስ ከዱ ሓደ ቁሩብ ናይ ኣጓዱ ገዛውቲ ሰጊርና ንተሰነይ ንድሕሬና ገዲፍና ናብ ጎልጅ ገጽ ጉዕዞ ጀመርና። ሓደ 20 ደቒቕ ኣቢልና ምስ ተጓዝና ሓንቲ መኪና ናይ ርሑቕ መብራህቲ ወሊዓ ናባና ገጽ ክትመጽእ ረኣናያ። ፍርሒ ዘይገብሮ የብሉን። ኣርባዒቲና ፋሕ ኢልና ደምበርበር እናበልና ጎይና ኣብ ሓደ ካናለ በጥ በልና። መኪና ናባና ገጽ እናቐረበት ምስ ከደት ኣንፈታ ቀይራ ቁሩብ ድሕሪ ምኻድ ደው በለት። ሲራክ “ኣይዋ እዚ ብሎኮ’ዩ ክትፍተሽያ ደው ኢላ ዘና፡ ያላ ንተስእ ንቐጽል” በለና። ኣብ ብሎኮ ናይ ዝነበሩ ሰባት ድምጺ ንሰምዕ ነበርና። ነቲ ብሎኮ ናብ ሸነኽ የማን ገዲፍና ሱቕ ኢልና ጉዕዞና ቀጸልና። ሲራክ ካብ ብሎኮ ርሕቕ ኢልና ምስ ከድና ንሱ ንክፍሎም የሳልዮ ስለዝነበረ ንዓይን ነቲ ነጨበረርን ብኽሳድና ሒዙ “እሞ ኣንፈትና ናብ ጎልጅ ገጽና ኢና ዘለና ስለዚ ነዛ መንገዲ ሒዝና ትኽ ኢልና ኣርባዕተ ሰዓት ክንጓዓዝ ኢና” በለና። ሲራክ ክመርሓና ድዩ ክንመርሖ ተደናገረና።
“ሲራክ ኣብ ጸልማት እኮ ኢና ዘለና ኣብ ጸልማት ከኣ ትኽ ኢልካ ምኻድ ዝበሃል የለን ርግጸኛ ዲኻ እዚ ሒዝናዮ ዘለና መንገዲ ቅኑዕ ከም ዝኾነ᎒” ሓተትኩዎ
“እወ ርግጸኛ’የ በዚኣ ትኽ ኢልና ኣርባዕተ ሰዓት ምስ ተጓዓዝና ክንድቅስ ኢና ሽዑ ንግሆ ተንሲእና ታባ ዓሊግድር ብሸነኽ የማና ክንርእዮ ኢና፡ ታባ ዓሊግድር ተጸጊዕና ድማ ሱዳን ክንሰግር ኢና” በለኒ
“ጽቡቕ ኣንድሕሪ እዚ ተርእየና ዘለኻ ኣንፈት ቅኑዕ ኮይኑ መንገዲ ስሒትና ናብ ድሕሪት ክንምለስ ስለንኽእል ነዚ ትርእዮ ዘለኻ ኮኾብ ሒዝና ኢና ክንከይድ” በልክዎ። ሲራክ እዚ ኩሉ ክመላለስ ንከዋኽብቲ ከም መሓበሪ ኣንፈት ተጠቒሙሎም ኣይፈልጥን’ዩ። ናብ ሰሜን ገጽና ንኸይድ ስለዝነበርና ኮኾብ ሸውዓተ ተገቲሮም ኣብ ልዕሌና ነበሩ። ኮኾብ ሸውዓተ፡ እቶም ሹዱሽተ ላዕለዎት የማነ ጸጋም ክቀያየሩ እንከለው እቲ ታሕተይ ሻውዓይ ኮኾብ ኣንፈቱ ኣይቀይርን’ዩ። በዚ ከኣ ብቐጥታ ናይ ሰሜን መሐበሪ ይኸውን። እዚ ንሲራክ ምስ ገለጽኩሉ ኮይስ ኢሉ ተሰማምዐ። በዚ ድማ ኣነን እቲ ነጨበረርን መሪሕና ንሱ ንክፍሎም እናሳለየ ብድሕሬና መንገድና ቀጸልና። ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝኸውን መንገዲ ክንጉዓዝ ኣብ መንገዲ ዝጎነፈና ሕማቕ ነገር ኣይነበረን። ከተማ ተሰነይ እናራሓቕናያ ንኸይድ ከም ዝነበርና በቲ እናረሓቐና ዝኸይድ ዝነበረ መብራህቲታታ ከነስተውዕል ከኣልና። ኣብ ህይወተይ ከም ኣብ ተሰነይ መካይን ብለይቲ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳሉ ቦታ ርእየ ኣይፈልጥን’የ። እተን መካይን መብራህቲ ወሊዐን ኣብቲ ጎላጉል ዛሕ ኢለን’የን ዝንቀሳቐሳ ኔረን። ካብተን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ መካይን ክንደይ ዝኣኽላ’የን ናይ ጸጥታ ወይ ምክትታል ዶባት፡ ክንደይ ዝኣኽላ’የን ከ ናይ ነጋዶን ሓረስቶትን እዚጊ ዋነአን። ሲራክ ከም ዝገለጸለይ ግን ካብተን ካብን ናብን ዝመላለሳ ዝነበራ መካይን ሓያሎ ቶዮታ ዝዓይነተን መካይን ናይ እንዳ ጸጥታ ከም ዝኾነ’የን።
ግዜ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣቢሉ ምስ ቀረበ ሲራክ ቀስ ክንብል ሓበረና። ካብ ፈለማ ንሕና ንስጉም ኢና ኔርና። ንሲራክን ንክፍሎምን ንገድፎም ከይንህሉ ምስ ተሰከፍና ኢና ደው ኢልና ንጽበዮም ዝነበርና። ሲራክ
“ነዊሕ ተጓዒዝና ስለዘለና ኣብዚ ደው ክንብል ኢና።” ክብል ሓበረና። ንሕና ኣርባዕተ ሰዓት ኢኻ ኢልካና ኣርባዕተ ሰዓት ግን ኣይተጓዓዝናን ቁሩብ ንኺድ በልናዮ። ንሱ ግን
“ላእ! ኣካይዳኹም ቅልጡፍ’ዩ ኔሩ ኩሉ ግዜ ኣርባዕተ ሰዓት ተጓዒዘ ዝሰግራ ዝነበርኩ ሩባ ዓንተቦይ ኢና ሓሊፍናያ ስለዚ ካብዚ ንላዕሊ እንተቐጺልና ክንጠፍእ ኢና።” ብምባል ኣእሚኑና ኣብቲ ከባቢ ክንድቅስ ከውሊ ዘለዎ ቦታ ናብ ምድላይ ኣተወ። ኣይደንጎየን ግራት ዝመስል ምሉእ ብምሉእ ብኣግራብ ዝተሓጽረ ኣብ ውሽጡ ግን ሳዕሪ ዘብቆለ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎ መሕብ ኢ ስለዝረኸበ ናብ ውሽጢ ሒዙና ኣተወ። ኣብ ውሽጢ ኮይንካ ብደገ ዝመጻካ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብላዕሊ ዝረኣዩ ከዋኽብትን ሰማይ ከኣ ብዓቢኡን ገዲፍካ ኣብ ባስካ ዘለና ኢና ንመስል። እቲ ቦታ ብዙርያኡ ብጥቕጥቕ ዝበለ ኣግራብ’ዩ ተሸፊኑ። ከም ርዲኢተይ ሰብ ግራት ነቲ ቦታ ቆጥቂቁጦም’ዮም ግራት ጌረሞ።
ሲራክ ሓደ ኩርናዕ መሪጹ “ኣብዚኣ ንደቅስ” ብምባል ቦታና ኣትሓዘና። ንሱ እታ ሒዙዋ ዝነበረ ኩሹፍ ንክፍሎም ከዲኑ፡ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ጫማ ኣውጺኡ ከም መተርኣስ ተጠቒሙ ርእሱን ኣብራኹን ኣላግብ ኣቢሉ ጭብጥ ኢሉ ደቀሰ። ኣነን እቲ ነጨበረርን ካብ ኦም ፍንትት ኢልና ኮፍ በልና። ኣብቲ ሳዕሪ ብዘይ መንጸፍን ኣንሶላን ኢና ክንድቅስ። እቲ ገረብ ዝስሕቦ ዛሕሊ ወሲኽካ ምስቲ ኣቲ ወርሓት ፈለማ ላካቲት ምንባሩ ብቑሪ ከርደድና። ኣብ ጎነይ ዝነበረ ራባዓይና “በል’ስኪ ክፍትን’የ ኢሉ ደቀሰ” ድቃስ ወሲዱዎዶ ኣይወሰዶን ኣይፈልጥኩን ንሱ’ውን ከም ናይ ሲራክ ተጨቢጡ ደቀሰ። ኣነ’ውን እስኪ ክፍትን ኢለ ጎቦ እንተኾንኩ ድቃስ በየን ክመጽእ። ሓደ ርብዒ ሰዓት ዝኸውን ክቅድስ ፈቲነ ድቃስ ኣበየኒ። ግዜ እንተኸደለይ ብምባል ተንሲኤ ዘወር በልኩ። በቲ ከባቢ ዝመሓላልፋ መካይን ድምጺ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ድምጺ’ቶም ኣብተን መካይን ተሰቒሎም ዝነበሩ ሰባት ጽቡቕ ጌረ እሰምዕ ነበርኩ። ሓደ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ኮለል ኣሕሊፈ ናብ በዓል ሲራክ ገጽ እንተመጻኹ ሲራክ ከም ስርዓት ይሕርኑኽ ነበረ። ክፍሎም በጥ ኢሉ’ዩ ደቂሱ። ራባዓይና ወዲ’ውን ተጨቢጡ እንከሎ ድቃስ ወሰዶ። ኣነ ተመሊሰ ኣብ ጥቓ’ቲ ነጨበረር ኮይነ ክድቅስ ፈተንኩ። ፍርሕን ቁርን ተሰማሚዐን ድቃስ ካብ ከባቢየይ ኣህዲመና’የን።
ኣስታታት ሓደ ሰዓት ይኸውን ኣብታ ኮፍ ዝበልኩላ ቦታ ተጨቢጠ ድቃስ ክልምን ግዜ ኣሕለፍኩ። ኣብ ደገ ካብ ዘይሓድር ዳርጋ 7 ዓመተይ ቀሪበ ነበርኩ። ከዋኽብቲ ካብ ዝፍተውኒ ነገራት’ዮም። ኣብ ደገ ኣብ ዝሓድረሉ ዝነበርኩ እዋን መልክዕን ቅርጽን ከዋኽብቲ ምጽናዕ ደስ ይበለኒ ነበረ። እንሆ እምበኣር ሎሚ ድሕሪ ናይ 7 ዓመት ኣብ ደገ ስለዝሓደርኩ ምስ በዓል ኮኾብ መስቀል፡ ኮኾብ ሰሜን፡ ኮኾብ ኤምን ካልኦትን ከዕልል ጀመርኩ። ኣበይ እሞ ምስዞም ከዋኽብቲ ኣብ ንቡር ኩነታት እንተዝራኸብ። ኣብታ ለይቲ ናይ ሲራክ ምሕርናኽ፡ ናይቲ ቆልዓ በጥ ኢልካ ምድቃስ ኣዚዩ ገረመኒ። ኣብ ኢደይ ኣሲረያ ዝነበርኩ ሰዓት መብራህቲ ስለዝነበራ ሰዓት ክንደይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ትጠቕመኒ ነበረት። ሲራክ “ኣብቲ ቦታ ደቂስና ወጋሕታ ክንትስእ ኢና” እኳ እንተበለ ኣነ ግን ክሳብ ወጋሕታ ክጽበ ዓቕሊ ሰኣንኩ። ካብ ኣብ ተሰነይ እቲ ደቂስናሉ ዝነበርና ቦታ ኣዚዩ ሓደገኛ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ዝሓልፋ ዝነበራ መካይን ፈጺመን ኣየቕስናን’የን። ግዜ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ምስ ኮነ ንእሽቶ ቀም ከብልን ብርቱዕ ድምጺ ሰባት ከትንእን ሓደ ኮነ።
“ሓዞ . . . . ሓዞ . . . ደው በል ኣታ ወዲ ኸ**” ዝብል ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ድምጺ ሰማዕኩ። ካብ ዝደቀስኩዎ ብድድ ኢለ ጎየ ናብ ሓንቲ ገረብ ልሕግ በልኩ። ዝቕጽል ተኹሲ’ዩ ክስዕብ ማለት’ዩ እናበልኩ ኣእዛነይ ተኹሲ ንምስማዕ ኣዳለኹወን። እቲ ድምጺ ነናሽብ ምስ ቀጸለ ንሲራክ ከተንስኦ ኣለኒ ብምባል ናብ ሲራኽ ከይደ ነቕነቕኩዎ። ሲራክ ካብ ዓሚቕ ድቃስ ክበራበር እንከሎ ምስቲ ዝወጽእ ዝነበረ ደሃሊ ድምጺ ሰባት ተሰንዩ ተኹሲ ቶርጎርግ በለ . . . .
ይቕጽል . . . . . . .
መበል 12 ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 21 ለካቲት