10ይ ክፋል
ነታ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝተጸብኹላ ቦታ ገዲፈ ናብ ሸነኽ የማነይ ዝነበረ ቁልቁል ዝበለ መንገዲ ሒዘ ሓደ 10 ስጉምቲ ኣቢለ ምስ ሰጎምኩ። ሓደ መንእሰይ ምስ ሓንቲ መልክዐኛ ጓል ብሽክለታ እናደፍአ ብቕድመይ መጽዮም ጽግዕ ኢሎምኒ ሓለፉ። እቲ ብሽክለታ ዝደፍእ ዝነበረ ወዲ ገጹ ከይጠወየ
“ሞኬ . . . .” ብምባል ተዳህየ
ድምጺ ሰሚዐ ኣብታ ዝነበርኩዋ ደው በልኩ። ስመይ ብትኽክል ድዩ ተጸዊዑ ኣይተጸውዐን ተጠራጠርኩ። ስመይ ክጽዋዕ ሰሚዐ ደው ምስ በልኩ በዓል ብሽክለታ ናባይ ገጽ ግልብጥ ኢሉ። “ሰላማት ሞኬ . . . .” በለኒ። ገና 20 ዓመት ዘይመልአ ቆማት መንእሰይ’ዩ።
“ሲራክ . . . .” ብወገነይ ሓተትኩ
“ጽቡቕ ኣለኻ ሶሪ ደንጉየካ . . . .” ይቕሬታ ሓተተ ሲራክ
“ኖ ጸገም የብሉን፡ ኣነ ደኣ ቀቢጸ’አይ ዝኸይድ ኔረ” ዓቕለይ ወዲኤ ይኸይድ ከም ዝነበርኩ ሓበርኩዎ።
ኣንፈተይ ናብቲ ዝገደፍኩዎ ቤተ ክርስትያን ቀይረ ምስ ሲራክን ምስታ ምስኡ ዝነበረት ቆማት መልክዐኛ ጓል ጎኒ ጎኖም ክጓዓዝ ጀመርኩ። ሲራክ ስርሑ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ፈጺሙ ዝዘንግዐ’ዩ ዝመስል። እታ ምሳና ዝነበረት ጓል “እዉይ ንስኻስ ክትጭክን ቁሩብ ኣይትፈርሕን ዲኻ ወደይ ትማሊ ትማሊ ንኹስቶ (ስሙ ረሲዔዮ ኣለኹ) ኣብ ሱግ ኣሻዓብ ደሙ ደም ከልቢ ጌሮሞስ ሕጂ ድማ ንስኻ ተመሊስካ ትመጽእ” ክትገንሖ ፈተነት
“ ከላ ሓንቲ ኣይገብሩን’ዮም ሳኪት’ዮም ሓራካት’ዩ” ሲራክ ነቶም ምክታትል ዶባት ይኹን እንዳ ጸጥታ ክንዲ ጻጸ ከም ዘይቆጽሮም ገለጸላ።
ሲራክ ናባይ ግልጽ ኢሉ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ደው ኢለ እንከለኹ ከም ዝረኣየኒ። ክልተ ግዜ ተመላሊሱ ኣነ ምዃነይ ከም ዝረጋገጸ። ካብቲ ቦታ እልይ ክብል ይጽበየኒ ከም ዝነበረን ብዝርዝር ገለጸለይ። ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ሓደ ዝጥርጥሮ ሰብ ምስ ካላኣዩ ብቕድሜና ክመጹ ስለዝረኣየ ምእንቲ ከየለልዮ ነታ ኣብ ክሳዱ ጌሩዋ ዝነበረ ክሹኽ ናብ ርእሱ ገጽ ኣቢሉ ኣደየባ። እቶም ክልተ ሰብ ካባና ርሕቕ ኢሎም’ዮም ሓሊፎም። ዘስተብሃሉልና’ውን ኣይመስሉን ነበሩ። ካብኣቶም ነዊሕ ርሕቀት ምስ ተፈለና ሲራክ ነታ ጓል ንገለ ሰባት ክትጽውዓሉ፡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ቀጽሪ ክለብ መንእሰያት ክንጸንሕ ከም ዝኾና ሓቢሩ ኣፋነዋ። ጓል ብሽክለታኣ ተሰቒላ ተፋንያትና ከደት። እታ ብሽክለታ ሲራክ ይደፍኣ ይንበር እምበር ናታ’ያ ኔራ። ነታ ጓል ንዓይ ክስሊ ኮለል ክብል እንከሎ’ዩ ብወዝቢ ረኺቡዋ።
ጓል ንድሕሪት ገጻ ንሕና ንቕድሜና ገጽና ቁሩብ ምስ ከድና፡ ኣብ ሓደ ዘይተዛዘመ ዝመስል ብቢሊኮቲ ዝተሰርሐ ቀጽሪ ምስ በጻሕና ናብዚ ዘሊልና ክንኣቱ ኢና ስለዝበለኒ ክልቴና ዘሊልና ናብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ኣተና።ጸልማት’ዩ ብርሑቕ ዝመጽእ ሰብ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ቀጽሪ ናይ ክለብ መንእሰያት ኮይኑ ቅድሚ 10 ዓመት ክዘናጋዕ ሓደ ክልተ ግዜ ናብቲ ቦታ ከይደ ኔረ’የ። እቲ ሰብ ዝዘናጋዓሉ ክለብ በሪሁ ነበረ። ንሕና ዝነበርናዮ ቦታ ግን ናይ ጎደና መብራህቲ’ውን ስለዝይዓለቦ ጸልማት ነበረ። ሓንሳብ ደው ኢልና ከባቢና ምስ ተዓዘብና ኣብ ኩርናዕ ናይቲ ቀጽሪ ኣብ እምኒ ኮፍ ዕላልና ቀጸልና።
ምስ ሲራክ ስምምዕና ብመኪና ከውጻኒ’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ብእግሩ’ዩ መጽዩኒ። ክሳብዛ ሰዓት’ዚኣ ከኣ በዓል መኪና ብድሕሪት ዝመጽእ ዘሎ’ምበር ስግረ ዶብ ብእግርና ኢና ክንፍትን ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ሲራክ ንሓደ ራሻይዳ በዓል መኪና 1000 ዶላር ከፊሉዎ ካብ ከሰላ ነዊሕ ምስ ከዱ ኣብ መንገዲ መኪና ከም ዝተሸኽለቶም ከውጽኡዋ ብዙሕ ከም ዝተቓለሱ ኣብ መወዳእታ ነቲ ራሻይዳ ኣብኡ ገዲፉ ክሳብ ተሰነይ ብእግሩ ከም ዝመጸ ሓበረኒ። ብዛዕብ’ቲ በዓል መኪና ደጋጊሙ’ኳ ይነግረኒ እንተነበረ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። እቲ ገንዘብ ንበይኑ ክገብሮ ስለዝደለየ’ዩ ናይ መኪና ከይከስር ብእግሪ ንውጻእ ክብለኒ መጽዩ ጥራሕ በልኩ።
ኣብ መንጎ ዕልልና ሰለስተ መንእስያት በቲ ንሕና ዝዘለልናዮ መንደቕ ዘሊሎም ናባና ገጽ መጹ። ኣነን ሲራክን መንነቶም ስለዘይፈልጥና ዕላልና ኣቋሪጽና ናብኦም ገጽና ገበርና። እቶም መንእስያት ኣዕሩኽ ሲራክ’ዮም። እታ ብሽክለታ ሒዛ ዝነበረት ጓል’ያ ሰዲዳቶም። ሓደ ካብኦም’ውን ዓርካ’ዩ። እቶም ኣወዳ በቢ ሪጋ ንሲራክ ሰዓሙዎ። ንሲራክ ከም ጅግና ከም ዝቖጽሩዎ ካብ ኣዘራርበኦምን ኣብኡ ዝነበሮም ኣረኣኣእያን ክግንዘብ ከኣልኩ። ድሕሪ ናይ ቁርብ ግዜ ዕላል ሓደ ካብቶም ሰለስተ ካባና ተፈልዩ ከይዱ ናይ ጎማ ኮካ ሒዙልና መጸ። ናይ ጎማ ኮካ ንፈላማ ግዜየይ’የ ዝሰቲ ኔረ። ኣብ ከበሳ ናይ ጥርሙዝ እምበር ናይ ጎማ ኮካ ጥዒመ ኣይፈልጥን’የ። ኣብ መንጎ ሕርቃነይ ረሲዐ ዕላሎም እናሰማዕኩ ኮካይ እናካፈኹ ቁሩብ ተዛነኹ። ኩነታት ሲራክ ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ሽዑ ዲና ብኡ ጌርና ክንሰገር ወይስ እንታይ’ዩ ሓሳቡ ኣይበርሃለይን። ደሓን ይእቶ ግን ኣይደንጎየን።
“እሞ ሞኬ ሎሚ ኣብ ሆቴል ሓዲርካ ጽባሕ ክትመጻኒ ኢኻ᎒” በለኒ። ብወዲ 19 ዓመት ክእዘዝ ንፈለማ ግዜየይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ሕርቃነይ ክቆጻጸሮ እናፈተንኩ
“እንታይ ትዛረብ ኣለኻ ሲራክ᎒ ኣብ ሆቴል ሓዲረ ክመጻካ᎒” ከረጋግጸለይ ሓተትኩዎ
“እወ ሕጂ ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሕጂ እቶም ዕቑር ሰራዊት ድዮም ምክትታል ዶባት ሓለዋ ወጽዮም ኣለው። ኣብ ድራር ከለዉ ኢና ክንወጽእ ንኽእል ኔርና፡ ድራር ካብ ሰዓት 6፡00 ክሳዕ ሰዓት 7፡00 ዘሎ ግዜ’ዮም ዝበልዑ። ኣብዛ ግዜ እዚኣ ኢና ክንወጽእ ንኽእል ስለዚ ኣብ ሆቴል ሓዲርካ ጽባሕ ምሸት ኢኻ ክትመጻኒ”
“ሲራክ ኣነ ኣብ ሆቴል ሓዲረ ኣይመጻካን’የ፡ ኣብ ሆቴል ሓዲረ ናብ ኣስመራ ክምለስ እንተዘይኮነ ናባኻ ተመሊሰ ኣይመጽእን’የ ብቕደሙ ኣነ’የ ጌገኛ ንዑቕባይ ምእማነይ” ናይ ብሓቂ ሕማቕ እናተሰማዓኒ መለስኩሉ
ዝርርብና እቶም ሰለስተ ኣወዳት ይሰምዕዎ ኔሮም’ዮም። ሲራክ ከይመለሰ ሱቕ በለ። ኣነ ከኣ ኣብታ ኮፍ ኢለያ ዝነበርኩ እምኒ ኮይነ ርእሰይ ኣድኒነ ኣብ ዓሚቕ ናይ ምስትንታን ኩነት ኣተኹ። ብውሽጠይ ከኣ ዑቕባይ እንታይ ወሪዱዎ ህይወተይ ኣብዚ መንእሰይ ከም ትወድቕ ጌሩ። እዚ ሓላፍነት ዝስምዖ ሰብ ኣይኮነን ከመይ ጌሩ’ዩ መሪጹዎ እናበልኩ ኣማረርኩ። ሲራክ ኣብ ተሌፎን ክዛረበኒ እንከሎ ምስ ኩሉ ምትራሩ ኣገናዚበ ብውሑድ ወዲ 40 ዓመት ይኸውን’ዩ ዝብል ግምት ኔሩኒ። ስሙ’ውን ብትኽክል ሲራክ ኣይነበረን። ንሱ ከም ካላኣይ ስሙ ኮይኑ ኩሎም ኣዕርኽቱ’ውን ነታ ካላኣይቲ ስሙ’ዮም ዝያዳ ዝጽውዑ።
ብኹነታተይ ካብ ሲራክ ንላዕሊ ዝያዳ ዝሓዘነ እቲ ቀንዲ ዓርኩ ማለት ነታ ጓል ኣፍቃሪኣ ነበረ።
“ስማዕ’ንዶ ሲራክ እንዳ ኩስቶ ገዛ’ኮ ጥርሑ’ዩ ዘሎ” ኣብኡ ስለዝሞተ ኣዲኡ ተስካር ክትገብር ናብ ኣስመራ’ያ ወጽያ ዘላ ካላስ ኣብኡ ክትሓድሩ ትኽእሉ ኢኹም” ሓደ ፍታሕ ኣምጸአ ዓርኪ ሲራክ
ግን ከኣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ብግምት እምበር ኣበይ ከም ዝነበረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ነዚ ወዲ ይርከበሉ’ዩ ኣብ ዝበሃል ቦታ ማለት ኣብ ባቢሎን ካብ ዝርከባ ባራት ከይዱ መፍትሕ ዘምጻልና ሰብ ክርከብ ኔሩዎ። ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ሲራክ፡ ፈራሕ መሳላይ ከም ቆልዓ’ዩ ዝለኣኽ። ሲራክ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን’ዩ ነታ ኣብ ጎኑ ተዓጢቑዋ ዝነበረ ካራ ዝመዝዝ ኔሩ። ነዚ ወዲ ጥራሕ ክልተ ግዜ ኣብ ዘይረብሕ ዕላል ስለዝሓሰወ ወይ ሲራክ ስለዘይተቐበሎ “እስ. . . . ” ብምባል ካራ መዚዙሉ ነበረ። ሲራክ ነዚ ዘፈራርሖ ዝነበረ ወዲ’ዩ እምበኣር ዝልእኮ ዘሎ። ክሳብ እቲ ወዲ ተላኢኹ ዝመጽእ ንሳቶም ዕላሎም ቀጸሉ። ኣነ ንስሙ እየ ምስኦም ደው ኢለ ኔረ’ምበር ኣብቲ ዕላሎም ኣይነበርኩን። ናይ ኣዚዮም ዝቀራረቡ ሰባት ዕላል ንኻልእ ሰብ ቆሎ ጥጥቖ ኮይኑ’ዩ ዝስምዖ። ሲራክ ዳርጋ 10 ግዜኢ’ዩ ናብ ተሰነይ ብእግሩ ዝኣቱ ዘሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝኣተወላ ግዜ ከኣ ናፍቖት ከተምኡ ኣውጺኡ ከም ዝኸይድ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ከስተብል ከኣልኩ። ካብ ኩነታቱ ይትረፍ ንሞት ዝድለ ሰብ ዋላ’ውን መርፍእ ሰሪቑ ክእሰር ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ኣይመስልን። ፍርሒ ተለማሚዱዎ ግዲ ኮይኑ ቅጭጭ ዝበሎ ኣይመስልንን። ሱቕ ኢሉ ጥራሕ ኣመት ዕላል ደቂ ተሰነይ ይግበር ነበረ።
መሕደሪ ገዛ ሃበና ተባሂሉ ክልመን ተሓሲቡ ዝነበረ ወዲ ኣብቲ ኣለዎ ዝተባህለ ባራት ኣይተረኽበን። ስለዚ ካልእ መንገዲ ሃሰስ ናብ ምባል ኣተው። ሓደ ካብቶም ሰለስተ፡ ቅያር ተወሳኺ መፍትሕ ምስቲ ኣብቲ ገዛ ተኻርዩ ዘሎ ወዲ (ስሙ ጠቒሱ) ክርከብ ስለዝኽእል ትኽ ኢልና ናብኡ ንኺድ ዝብል ሓሳብ ኣምጸአ። ኣነን ሲራክን ኢና መሕደሪ ዘድልየና ዝነበረ እምበር እቶም ካልኦትስ ሰስድራቤቶም ኔሮሞም። ሕጂ’ውን እቲ ነጨበረር ኣብ ገዛ ኣሎዶ የለን ከረጋግጹ ስለዘለዎም ፈለማ ሰብ ሰደዱ። ዝወረዶ ወዲ እቲ ፈለማ ዝተላእከ’ዩ ምስ ካላኣዩ ከይዱ። ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ትጽቢት ከኣ ተመሊሶም ብስራት ሒዞምልና መጹ። እቲ ነጨበረር ኣብ ገዛ ኔሩ። መፍትሕ’ውን ምስኡ ከም ዘሎን ኣብ ሓንቲ ካብተን ነኣሽቱ ገዛውቲ ክንሓድር ከም ንኽእልን ነገሮም። ስለዚ ንኺድ ብምባል ሒዞምኒ ናብቲ ገዛ ኣምርሑ። ጸልማት ግብ ኢሉ ሰለዝነበረ ዝንቀሳቐስ ሰብ ክትርኢ ኣጸጋሚ’ዩ። ፍርሒ ወሪሱና ቀስ ኢልና ኢና ንኸይድ ኔርና።
ኣብቲ ገዛ ምስ በጻሕና ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ሲራክ ቅድም ኢሉ ብምእታው ንበዓል ገዛ ክኸፍተና ቀስ ጌሩ ኳሕኩሖ። እቲ ነጨበረር ገጹ ኣብሪሁ’ዩ ተቐቢሉና። ኣብታ ገዛ እንትርፎ ሓንቲ ፍርናሽ ዘይነበራ ዓራት ገመድ ካልእ ዝኾነ ንብረት ኣይነበረን። ሻሂ መፍልሒ ትኸውን ዳፉር’ውን ኣይረኣኹን። እታ ገዛ ካብ ኣመና ምጽባባን ዝኾነ ንብረት ዘይነበራ ምስ ምዃናን ቤት ማእሰርቲ’ያ ትመስል። ኣብቲ ገዛ ኣቲና ገሊና ኣብታ ዓራት ገመድ ኮፍ ኢልና ገሊኦም ከኣ ደው ኢሎም ቁሩብ ድሕሪ ምዕላል እቶም ኣወዳት ገዲፎምና ከዱ። እቲ መፍትሕ ዝሃበና ነጨበርር’ውን “ደሓን ሕደሩ!” ኢሉና ናብ መደቀሲኡ ከደ።
ግዜ ሰዓት 11፡00 ኣቢሉ ይኸውን ነበረ። ድራር ከነምጽእ ዝበለ ሰብ ኣይነበረን። ኣነ እታ ቀትሪ ዝጠዓምኩዋ ጥብሲ ምስ በላዕኩ ኮካ ጥራሕ’የ ሰትየ ኔረ። ሲራክ እንድዒ ቅድመይ እንተበሊዑ’ምበር ካብ ንራኸብ ኣይበልዐን ኔሩ። ኣነን ሲራክን ቁሩብ ድሕሪ ምዕላል ኣብታ ዓራት ጎኒ ንጎኒ ኮይንና ደቀስና። ሲራክ ጎቦ ክኸውንን ክሕርኑኽን ሓደ ኮነ። ቅድሚ ምድቃሱ ነታ ልዕሊ ካላሽን ዝቖጽራ ካርኡ ካብ ማዕጥቕኡ ኣውጺኡ ኣብ መትራሱ ጌሩዋ ነበረ። ኣነ በቲ ሓደ ቁርብ እቲ ገዛ ዛሕሊ ኔሩዎ ምስኡ’ውን ሻቕሎትን ፍርሕን ኔሩኒ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ከይገላበጥ እታ ዓራት ከም ድላይካ ተጋላብጥ ኣይነበረትን። ብሕቖይ ደዊቀሰ ፓስፖርት ዝሓዘት ጥራዝ ተተርኢሰ፡ ዝራእ ነገር ዘይነበሮ ናብ ናሕሲ ናይቲ ገዛ ይጥምት ነበርኩ። ኣዒንተይ ደኣ ናብ ናሕሲ’ቲ ገዛ ይጥምት ነበረ እምበር ዝሓስቦ ዝነበርኩስ ካልእ’ዩ ኔሩ። ብሕልናይ ከበሳ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ብሎኮታት ዘጋጠምና ሕልኽላኻትን ከልበትበትን፡ ኣብ ባረንቱ ንዝረኸበኒ ጎረቤተይን ካልእን እናዘከርኩ ነዊሕ ጸናሕኩ። ብኡ ጌረ’ውን ቅድሚ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምእታወይ ኣብ ሰገነይቲ ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን 3ይ ሄኖስ ወደይ ናይ ዕለተ ልደቱ ምስክር ወረቐት ከውጻኣሉ እንከለኹ ዘጋጠመኒ ሽግር ትዝ በለኒ’ሞ ናይ ኣዋርሕ ናብ ድሕሪት ተመሊሰ ነቲ ፍጻሜ ዘከርክዎ። ክሳብ ድቃስ ዝወስደኒ ከኣ በዚ ዛንታ’ዚ ተዘናጋዕኩ።
ብዝኾነ ናተይ፡ ናይ በዓልቲ ቤተይን ናይ ክልተ ደቀይን ወረቐት ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ስለዘውጻኩዎ ተሪፉኒ ዝነበረ ወረቐት ናይቲ ሽዑ ዝተወልደ ህጻን ወደይ ነበረ። እዚ 3ይ ህጻን ቅድሚ ወርሒ ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ቆጸራና ስለዝተወልደ ኩሉ ወረቓቓቲ ከም ሓድሽ ክምላእ ከም ዘለዎ ኣቐዲሞም ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ተወኪሰዮም ሓቢሮምኒ ኔሮም። ሓደ ካብ’ቲ ክማላእ ዝነበሮ ከኣ ናይ ዕለተ ልደቱ ወረቐት ነበረ። ነዚ ንምስላጥ ናብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ክሓትት ኔሩኒ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ ናይ ክፍሊ መዝገብ ሓላፍን ሰራሕተኛን ርእሶም ገብረሃወርያት እዩ። ኣብ ሰገነይቲ ዝነብር ንርእሶም ዳርጋ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ርእሶም ዝያዳ በታ ባእባእታ ትብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ኣብቲ ምምሕዳር ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ተጋዳላይ’ዩ። ምስ ርእሶም ናይ ሓያሎ ዓመታት ሌላ ስለዝነበረና ነዚ ናይ ውላደይ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ኣብ ምስላጥ ዕንቅፋት ክገብረለይ’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣይነበረንን።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ፒያሳ ምስ ረኸብኩዎ መታን ተዳልዩ ክጸንሕ “ናብ ቤት ጽሕፈትኩም ከኣ ክመጽእ እየ ናይ ዕለተ ልደት ምስክር ወረቐት ደልየ ኔረ” በልክዎ፡ ርእሶም ከኣ “ጸገም የለን ምጻእ ጥራሕ በለኒ” ናይ ፈለማ ቆጸራ ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዕለት 30 ሕዳር ብምንባሩ ኣቐዲመ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክኸይድ ኔሩኒ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ማመልከቻይ ጽሒፈ ወረቐተይ ሒዘ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣምራሕኩ። ብቐጥታ ከኣ ናብ ክፍሊ መዝገብ ናብ ርእሶም ኣበልኩ። እትው ምስ በልኩ ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ወረቐተይ ኣረከብኩዎ። ርእሶም ሓደ ዓቢ መዝገብ ስሒቡ ክጽሕፍ ጅምር ከበል እንከሎ።
“ስማዕ እስከ መምህር ወድኻ ደኣ ክንደይ ዲዩ ጌሩ ካብ ዝውለድ?” ሓተተኒ
ሕጂ ደኣ ክልተ ሰሙኑ ኣሕሊፉ ኣሎ። መለስኩሉ። “እምባእ፡ እሞ ኣይተጠመቐን ማለት እዩ?” ሓተተኒ። መኣስ ክጥመቕ ደኣ ሓዳስ ሓራስ እንድያ ዘላ በዓልቲ ቤተይ። ብውሽጠይ ከኣ ገለ ሰበብ ደኣ ኣየምጻኣለይ እናበልኩ መለስኩ።
“እሞ ዘይተጠመቐ እንተኾይኑ ደኣ፡ ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ምስከር ወረቐት ዘይንህብ” ምጽሓፉ ኣቋሪጹ መዝገቡ ዓጻጸፎ። እንታይ ዓይነት ዘረባ ትዛረብ ኣለኻ? ጥምቀትን ናይ ዕለተ ልደት ወረቐትን እንታይ ኣራኸቦም? ዕለት ክንደይ ከም ዝተወልደ መረጋገጺ እንተደሊኻ ካብ ሓኪም ወረቐት ከምጻእልካ ይኽእል እየ፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ኣይንህብን ዝበሃል ነገር ንዓይ ኣይረደኣንን እዩ በልክዎ።
“እሞ መምህር ኣነ ኣብዚ ስራሕ 10 ዓመት ሰሪሐ እየ፡ ንዘይተጠመቐ ቆልዓ ከኣ ወረቐት ሂብና ኣይንፈልጥን ኢና።” ዘረባና ናብ ናህሪ ገጹ እናኸደ’ዩ። ስማዕ እንዶ ርእሶም እዚ ኩሉ ዓመታት ንፉዕ ንፉዕ ትብለኒ ዝነበርካስ (ኣከፋፋሊ ጋዜጣ ብምንባሩ ወትሩ ንጽሑፋተይ ይከታተሎን ኣድናቖቱ ይገልጸለይን ብምንባሩ) ነዚኣ ንእሽቶ ነገር ከተስልጥ ንዘይትኽእል ኢኻ።
“እዚ እኮ ብእንጀራይ ኢኻ ትመጻኒ ዘለኻ፡ ስራሕን ሌላን ካልእ እዩ” መለሰ ህድእ ኢሉ። ንዓኻ ንርእሶምስ ንወዲ መምህር መኮነን ዘይተጠመቐ ቆልዓ ናይ ዕለተ ልደት ምስክር ወረቐት ሂብካ ኢሉ ዝሓተካስ መን’ዩ።
“እሞ መምህር ምስቶም ኣቕሽቲ ዘይትረዳዳእ፡ ማለት ከም ዝተጠመቐ ጌሮም ወረቕት ክህቡኻ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ሽዑ ንሕና ንህበካ” ብውሽጡ መኣስ ኢዩ ዝወጸለይ እዩ ዝብል ኔሩ ዝኸውን።
“እዋእ እንታይ ዓይነት ዘረባ ትዛረብ ኣለኻ ርእሶም ላምስ ብኢዳ ክቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ብግቡእ ኣብዚ መጽየ እናሓተትኩኻስ ዘይግቡእ ግበር” ትብለኒ። ኣዚየ ነዲረ እየ ዝዛረብ ኔረ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ከም ተሓጋገዝቲ ዝተመደባ ክልተ ኣዋልድ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ገለ ዝጻፈፍ ስራሕ ግዲ ኔሩወን ክልቲአን ኣቡኡ ይሰርሓ ነበራ። ሓደስቲ ተዓለምቲ ኮይነን ካብ ሳዋ እየን ተመዲበን መጽየን።
“ስማዕ እንዶ መምህር ትደፍረኒ እኳ ኢኻ ዘለኻ፥ ኣነ ኢለካ ኣለኹ ዘይተጠመቐ ቆልዓ ወረቐት ኣይንህብን ኢና። ግን ንምታይ ኢኻ ደሊኻዮ᎒” ሓተተኒ።
“ግቡአይ ምሕታት ምድፋር ኣይኮነን ንምንታይ ከም ዝደልኹዎ ከኣ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ስራሕካ ምሃብን ዘይምሃብን እምበር ንምንታይ ደልየዮ ንዓኻ ኣይምልከትን‘ዩ። ኣፍልጠኒ ጥራሕ ትህበኒ ዲኻ ኣይትህበንን” ሓተትኩዎ
“እሞ ኣነ ኢለካ እየ ናይ ጥምቀት ወረቐት ኣምጽእ” ኣብኣ ነቐጸ።
“ንክርስትያን ናይ ጥምቀት ወረቐት ትብሎም፡ ንኣመንቲ ምስልምና እንተሓቲቶም ከ እንታይ ትብሎም᎒” ሓተትኩዎ
“ንኣመንቲ ምስልምና ደኣ እንታይ ክንብሎም ከም ዝሓተትዎ ይወሃቡ። መለሰ
“ወደይ ኣየጥምቖን እየ እንተኢለካኸ᎒ ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት ክወስድ ግድን ከጠምቖ ኣለኒ᎒ ኣብ 30 ዓመቶም ዝጥመቑ ሰባት ከም ዘለዉኸ ትፈልጥዶ᎒ በል ክትፈልጥ ሃይማኖት ውላደ ባዕለይ እየ ዘፍልጦ ክርስትያን ዲዩ ክኸውን ካልእ ከኣ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን” ሕርቃነይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን።
“ኣነ ኣብ 30 ዓመቶም ዝጥመቑ ከም ዘለው ኣይፈልጥን እየ። ግድን እንተ ኢልካ ግን ወረቐትካ ናብ ኣማሓዳሪ ክሓልፋ ንዕኡ ክሓተልካ”
ብልበይ ነገር ክትሸናኸር’ያ ኣኺሉዋ ብምባል “ ናብ ኣማሓዳሪ ደኣ ክትሕሱ እምበር እንታይ ክትሓትት᎒ ንስኻ’ኳ 10 ዓመት ዝሰራሕካሉ ስራሕ ኣይህበካን እናበልካኒስ ኣማሓዳሪ ወሪድዎ ሕጂ ዝመጸ ሰብ ኣንታይ ክብለካ ክትሓቶ᎒ ንስኻ ኪድ ሕተቶ ነዛ ወረቐት ግን ቤት ፍርዲ ደቀምሓረ ከይዲ ድየ ዋላ ኣብ ካልእ ኣትየ ክረኽባ ከም ዝኾንኩ ፍለጥ!” እተን ሓገዝቱ ኣዋልድ ጭንቕ በላ። ርእሶም ከኣ ሓይሉ የርእየኒ ስለዝነበረ ብዙሕ ከይሓረቐ
“መምህር ሕጂውን ኢለካ እየ እዚ እንጀራይ እዩ፡ ብእንጀራይ ኢኻ ትመጻኒ ዘለኻ ስለዚ ንስኻ ድላይካ በል ኣነ ግን ንኣብርሃም ሓጎስ ክሓቶ እየ” ኢሉ ነታ ወረቐት ሒዙ ናብ ኣማሓዳሪ ከደ። ኣነን እተን ክልተ ኣዋልድን ኣብታ ቤት ጽሕፈት ተረፍና።
“መምህር ክሰልጠኩም ዓቕሊ ግበሩ፡ እውይ በጃኹም እዚ ኣይሰምዕን’ዩ” መሳኪን ኣዋልድ ክሰጠኒ እንተኾይኑ ክለማለሞ ከም ዘለኒ መኻራኒ። ኣነ ግን ምስ ርእሶም ከመይ ይዋጽኦ ኣጸቢቐ ይፈልጥ ኔረ’የ። ርእሶም ናብቲ ሓድሽ ኣማሓዳሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብርሃም ሓጎስ ማለት ንኣብርሃም መኮነን ዝተከኣ፡ ኣብቲ ስራሕ ኣዋርሕ ጥራሕ ጌሩ ዝነበረ ካብ መንደፈራ ተቐይሩ ዝመጸ ብምእትው “መምህር መኮነን ከምዚ ይብል ኣሎ” ክብል ሓተቶ። ኣብርሃም ሓጎስ ኣቐዲሙ ኣማሓዳሪ ክተማ መንደፈራ ኮይኑ ዘገልገለ ህድእ ኢሉ ዝዛረብ ካብ እንዳ ከቢድ ብረት ናብ ምምሕዳር ዝተሳሕበ ተጋዳላይ እኳ እንተኾነ ብዙሕ ናይ ወታሃደር ጠባይ ኣይትርእየሉን ኢኻ። ኣብርሃም ነታ ወረቐት ርእዩ ናብ ወዲ ዓንደ ማለት ኣቐዲሙ ኣብ ኮምሽን ረዲኤትን ስደተኛታትን ጨንፈር ሰገነይቲ ከም ሓላፊ ዝሰርሕ ዝነበረ እሞ ኣብቲ ቀረባ ግዜ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምምሕዳር ጌሮም ዝመደብዎ ናብኡ መርሓ። ወዲ ዓንደ ድማ ንርእሶም ጽቡቕ ጌሩ እዩ ዝፈልጦ “እዚ ደኣ እሞ መሰሉ እንድዩ ዘጠራጥር ነገር ኣንተልዩ ኣቦን ኣደን ይቕረቡ ግን ከኣ ሓራስ ኢያ ኢኻ ትብላ ዘለኻ በዓልቲ ቤቱ ስለዚ ብዛዕባ ምጥማቕ ንዕኡ ይምልከት ሃቦ” ክብል ኣብታ ዝጸሓፍኩዋ ጥርዓን ፈሪሙ ሃቦ። ርእሶም ዝብሎ ጠፍኦ። ነገራት ፍታሕ ክረኽቡ ድዩ ናብ ልዕሊኡ ከይዱ ዋላ ክሸናኽር እዝጊ ዋንኡ። ብዝኾነ ይወሃቦ ተባሂሉ ወረቐት ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተመልሰ።
“ሕራይ መምህር፡ ወዲ ዓንደ ኣፍቂዱልካ’ሎ 100 ናቕፋ ሃባ ወረቐትካ ክስራሓልካ” በለኒ። 100 ናቕፋ ክኸፍል ከም ዘለኒ ኣይፈልጥኩን ብምንባረይ በቲ ሓደ በቲ ካልእ ከኣ ካባኻስ ተሪፈ ኔረ ንምባል። እቲ ኣሰራርሓ እኮ ይፈልጦ እየ ናብ ክፍሊ ፋይናንስ ከፊለ ቅብሊት የምጽ ኣልካ እምበር ኣንታይ ክገብር እየ ንዓኻ 100 ናቕፋ ዝህበካ᎒” በልኩዎ
“መምህር ኣነ እኮ ክፈል እየ ኢለካ እምበር ኣብ ኢደይ ሃበኒ ኣይበልኩኻን” በለኒ። ንግስቲ እያ ትበሃል ዝነበረት ተሓዚት ገንዘብ ሽዑ ሕጂ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ትነብር ኣላ። ናብ ንግስቲ ከይደ፡
“ንግስቲ ናይ 100 ናቕፋ ቅብሊት ጽሓፍለይ ኢኺ ጽባሕ ንግሆ 100 ናቕፋ ተማሃሮ ጌረ ክሰደልኪ እየ” በልኩዋ። ምስ ንግስቲ ጽቡቕ ሰላምታ ስለዝነበረና
“ንዓኻ ዘይኮነ ንመን መምህረይ” ኢላ ናይ 100 ናቕፋ ቅብሊት ጸሓፈትለይ። ቅብሊት ሒዘ ናብ ርእሶም ምስ ተመለስኩ፡ ርእሶም ኣብ መዝገብ ክጽሕፍ ጸንሓኒ፡ ቅብሊት ሂበ፡
“እሞ ርእሶም ናይ ኢድ ጽሕፈትካ ይፈልጦ እንድየ ኣብቲ መዝገብ ደሓን እዛ ምስክር ወረቐት ግን ባዕለይዶ ክጽሕፋ᎒” ናይ ወዲ ሃለቃ ፍጻሜ ናይ ዓዲ ቐይሕ እናዘከርኩ ሓተትኩዎ
“እዚ እኮ ስርሐይ እዩ ባዕለይ እየ ዝጽሕፎ” ክብል ተገሪጩ መለሰለይ። እንቋዕ ጥራሕ ሕጋዊ ማሕተም ሃለዎ እምበር ናይ ኢድ ጽሕፈት ሓሚቑ ኢሎምዶ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከይመልሱኒ ብምባል ነቲ ከክንዲ ፍረ ዕፉን ዝመስል ፊደላት ዝሓዘ ወረቐት ዕለት ልደት ወደይ ሒዘ ኣማስይኡ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን ካብቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ናብ ገዛይ ኣንቆልቆልኩ።
ሲራክ ጸጸኒሑ ምሕርናኽ ኣይገደፈን። ካብ ኣዘራርባ እታ ጓልን ካብ ፍርሒ እቶም መናእሰይን ሲራክ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ እንተተሓዙ ክቐትልዎ ከም ዝኽእሉ ርዱእ ነበረ። ነዚ ስግኣት እዚ ግን ኣብ ግምት ዘእተዎ ኣይመስልን። ወይ “ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ኣይሓልፍን’ዩ” ብምባል ዝመጸ ይምጻእ ኢሉ ኣዋዲቑዎ’ሎ በልኩ ብልበይ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሓሳባት ወረድ ደይብን ቀጨውጨውን ድቃስ ከም ጌሩ ወሲዱኒ ኣይተረዳኣንን ህልም ዝበለ ድቃስ ደቀስኩ። ንግሆ ምስ ኮነ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ይኸውን ማዕጾ ስለዝተኳሕኩሐ ካብ መደቀስየይ ብድድ በልኩ። ድሮ ሲራክ ነታ ኣብ ትርኣሱ ዝነበረት ካራ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ተንሲኡ ናብ ማዕጾ ገጹ ከይዱ ነበረ።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 11 ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 17 ለካቲት