6ይ ክፋል
ጽባሕ፡ ንዓመታ ኮይና ተሰሚዓትኒ ሓደረት። ለይቲ ምሉእ ሰለም ኣይበልኩን። ከም ዘይወግሕ የለን ግን ወጊሓ። ዓርከይ ኣንጊሁ ስራሕ ምስ ወፈረ ቁሩብ ስርሕ ኣቢሉ’ዩ ንሻሂ ወይ ከኣ ‘ጋሻ መጽዩኒ’ ኢሉ ካብ ስራሕ ኣቋሪጹ ክወጽእ ዝኽእል። ስለዚ ንሱ ክሳብ ርፍድ ዝብለሉ ኣነ ካልእ ዕማም ክዓምም ሓሰብኩ። ካብቲ ዝሓደርኩሉ ገዛ ኣንጊሀ ምስ ተንሳእኩ ቁጽሪ 9 ኣውቶቡስ ወሲደ ኣብ ቃሃስ ማለት ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ፌርማታ ወረድኩ። ጽርግያ ሰጊረ ናብ ቤት ፖስታ DHL ንምኻድ’የ። DHL ትካሎም ኣብ ፊት ቤት ትምህርቲ ባርካ’ዩ ዝርከብ። ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣተኹ ዝተቐበለትኒ ጓል ናብ ቶርንቶ፡ ካናዳ ናይ ሓደራ ደብዳቤ ክሰዱ ዝኽእሉ እንተኾይኖም፡ ዋጋ ክንደይ ከም ዘኽፍሉ፡ ውሕሱነትን ዝወስዶ ግዜን ሓቲተ ኣዕጋቢ መልሲ ሃበትኒ። በዚ ከኣ ኣብ ኢደይ ሒዘያ ዝመጻኹ ዓባይ ቢጫ ፖስታ ከረክባ ኣብ ጣውላ ኣቐምጥኩዋ። ኣብ ካልእ ዓቢ ፓስታ ኣድራሻን ካልእን መሊኤ፡ 600 ናቕፋ ከፊለ ደብዳቤይ ብሰላም ናብ ሓወይ ክትኣትወለይ ብልበይ ጸሎተይ ኣዕሪገ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ወጻእኩ። እታ ቢጫ ፖስታ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሃቡኒ ሰነዳት ዝሕዘት’ያ ኔራ። ነታ ፖስታ ሒዘ ስገረዶብ እንተፈቲነ። ሓደ ከቢድ’ዩ፡ ካልእ ከኣ እቲ ወረቓቕቲ ክቕደድ ይኽእል’ዩ፡ ምስኡ’ውን ከየጠምተኒ ሰግኣት ሓደረኒ። ስለዚ ውሑስ ብዝበለኩዎ ኣገባብ ብመንገዲ DHL ምስዳድ ነበረ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝወጽእ ፖስታታት ይፍትሾ ድዩ ኣይፍትሾን ርግጸኛ ኣይነበርኩን። ብእምነተይ ግን ከም ዘይፍተሽ’የ ተረዲኤ ኔረ። እታ ፖስታ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ብሰላም እንተበጺሓ ንሓወይ ኣፈሪሞም’ዮም ክህቡዎ። ሓወይ ናብ ሱዳን፡ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዋላ ናብ ጁቡቲ ኮታ ናብታ ዝሰገርኩላ ሃገር ብዝገበረ ጌሩ ክሰደለይ’ዩ እቲ ሓሳብ። “ክንብርኩት ከይንብርኩት ማይ ንብጻሕ ንቐደም” ድዩም ዝበሉ ኣቦታት። ሓወይ ክሰደለይ ከይሰደለይስ ፈለማ እሞ ኣብ ኢዱ ትብጻሕ፡ ደሓር ከኣ ብሰላም ናብቲ ዝሰግሮ ሃገር እስገር።
ምስ ዓርከይ ተራኺብና ኣብ ከባቢ ካቴድራለ ካብ ዝርከባ እንዳ ኢንተርነት ሓንቲ መሪጽና ኣተና። ናይ ንግሆ ስለዝነበረ ብዙሕ ሰብ ኣይጸንሓናን። እታ ሰራሕተኛ ክንጥቀለመን ዝሓበረትና ኮምፑዩተር ተረኪብና ጎኒ ንጎኒ ኮፍ በልና። ዓርከይ ቅልጥፍ ኢሉ ናብ ያሁ መሰንጀር ድሕሪ ምእታው ኣብ ‘ኦፍ ላይን’ ዝጸንሖ መልእኽታት ከንብብ ጀመረ። ኣይደንጎየን ከኣ ካብ ዑቕባይ ዝተላእከሉ መልእኽቲ ረኸበ።
“ኦኬ ጽቡቕ . . . . . መሊሱ’ሎ፡ ጸገም የለን ይብል ኣሎ” በለኒ
ልበይ ናይ ፍርሕን ሓጎስን ዲግ ዲግ በለት። ኣብ ኩርናዕ ናይቲ ዝጸሓሓፍሉ ዝነበሩ ኮምፑዩተር ብሸነኽ ዑቕባይ ቢጫ ምልክት ስለዝነበረ ዑቕባይ ሽዑ ኮምፑዩተር ይጥቀም ከም ዝነበረ ኣረጋገጸሉ። ዓርከይ ናይ ዑቕባይ ኢመይ ሃበኒ። ናተይ’ውን ጸሓፈሉ። ናተይ ኢመል ዲቪ ምስ በጽሓኒ ዘውጻእኩዋ ኮይና bagirdvd7842@yahoo.com ኢያ ትብል። ባጊር ናይ ብርዒ ስመይ ኮይና 7842 ከኣ ናይ ዲቪ ኬዘይ ቁጽረይ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ምስ ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ ኢመይል ክንለወዋጥ እንከለና “ምስጢር እዛ ኢመይል እንታይ’ዩ” ኢሉኒ ነበረ። ኣብታ ዲቪ “ዲ” ንመደናገሪ ስለዝሓወስኩላ ዲቪዲ እምበር ናይ ዲቪ ሎቶሪ ከም ዘይትመስል ጌረያ ነበረኩ። ዑቕባይ ናይ ዕላል እንግዶተይ ተቐቢሉ ድሮ ኣብ ኢመል ዕላል ጀመርና።
“ስማዕ እስኪ እዚ ወዲ መኮነን’ዩ ስሙ ይብለኒ ጸኒሑ፡ መኮነን ተስፋይ ዲኻ ᎒” ሓተተኒ ዑቕባይ
“እወ ኣነ መኮነን ተስፋይ’የ፡ ዑቕባይ መን ዲኻ ኣይፈለጥኩኻን᎒” ኣነ’ውን ብሪጋይ ሓተትኩዎ
ዑቕባይ መን ከም ዝኾነ ምስ ሓበረኒ እዚ ዘላልየና ዘሎ ዓርከይ ከም ንፋለጥ ኣይፈልጥን ዝነበረ እምበር ቅድሚኡ’የ ዝፈልጦ ኔረ። ካልእ ሓበሬታ ስለዘይሃበንን ኣብ ሱዳን ከም ዘሎ’ውን ይፈልጥ ስለዘይነበርኩን ምስ ካልእ ዑቕባይ ዘራኽበኒ ዘሎ መሲሉኒ ነበረ። ዓርከይ’ውን ብግዲኡ፦
“ምስ ዑቕባይ ትፋለጡ ዲኹም ረጎደ እምበር፡ በል ኣነ ናብ ስርሐይ ክምለስ እየ። እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ንስኻ ምስ ዑቕባይ ወድእ ናባይ ግደፎ ኢሉ’ሎ፡ ጥዑይ ሰብ’ዩ ንስኻ’ውን ትፈልጦ ኢኻ” ኢሉኒ ናይ ኢንተርነት ዝተጠቐምናሉ ሕሳብ ከፊሉ፡ ምስ ዑቕባይ ዕላለይ ክቕጽል ናብ ስርሑ ገዲፉኒ ከደ። ምስ ዑቕባይ ኣብ ዝገበርኩዎ ዕላል እቲ ዘውጽእ ሰብ እሙን ከም ዝኾነ፡ ንሓደ ሰብ ብ2000 ዶላር ከም ዘወጽእ ንስድራ ከኣ ምስ 5ይ ርእስይ እንተኾይነ 7 ሽሕ ዶላር ከም ዘኽፍለኒ ሓበረኒ። ስለዚ እቲ ውሳኔ ናባይ ገደፎ።
“ቀዳምነት ዝደልዮ ዘለኹ ናተይ ምውጻእ እዩ፡ ስድራ ሱዳን ክጸንሑ ምደለኹ ግን ኣነ ከይተደላደልኩ ሕጂ ሒዘዮም ክወጽእ ቁሩብ ክኸብድ’ዩ ከመይ ትርእዮ ንስኻ ኸ᎒” ብምባል ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ንዓይ ጥራሕ ከም ዝተዋህበኒ ንስድራ ግን ኣብ ዝቕጽል ከም ዝወሃቦም ሓበርኩዎ። ንሱ’ውን
“ንሕጂ ናትካ ጥራሕ ንግበር፡ ኣነ ነቲ ዘሰግር ወዲ ኣብዚ ካርቱም’ዩ ዘሎ ክረኽቦ’የ። ናይ ምሸት ሰዓት 6፡00 ንቋጸር’ሞ ምስ ተዛረብኩዎ ሰለስቲና ኣብ መስመር ኮይና ከነዕልል ኢና። ሽዑ ምስ ተረዳዳእኩም ኣነ ይገድፈኩም ብድሕሪኡ ኣገዳሲ ነገር ክህሉ እንከሎ ትጽሕፈለይ” ኢሉኒ ምስ ዑቕባይ ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ደጊምና ክንራኸብ ተቖጺርና ተፈላለና።
እታ ግዜ ሓሊፋ ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ክትኮነለይ ዘይበጻሕኩዎ ቦታ ኣይነበረን። ምስ ዑቕባይ ተሰናቢትና ምስ ተፈላለና ጥራሕ ክልተ ግዜ ደጊመ እንዳ ኢንተርነት ኣተኹ። ዝገዛእኩዋ ጋዜጣ ነዊሕ ከንብባ ቅጭ ኣምጻትለይ። ብቐደሙ’ውን ሱቕ ኢለ’የ ገዚአያ፡ ኣብ ናይ ሸቐልቀል ሃዋህው ስለዝነበርኩ ናይ ምንባብ ሽውሃተይ ተዓጽዩ’ዩ ኔሩ። ኣብ ከምዚ ናይ ጭንቀት ወይ ናይ ትጽቢት እዋን ቪዲዮ ምርኣይ ንሻቕሎተይ የጉድሎን ግዜ’ውን ቀልጢፍ ስለዝኸደለይ ቪድዮ ክርኢ ደስ ምበለኒ ግን ኣበይ ከይደ’የ እሞ ክርኢ። ብዝኾነ ሰዓት 6፡00 ክትኣኽለለይ ከዕጠጢ ዋዓልኩ። ንዓርከይ እንታይ ከም ዝገበርና ካብ ብኣካል ከይደ ዝርብሾ ብሞባይል ምሕባሩ ይሓይሽ ኢለ ደዊለ ዳግማይ ከም ዝተቛጸርና ሓቢረዮ’የ።
ሕጂ’ውን ሰዓት 6፡00 ከይመጸት ክትሓልፍ ስለዘይትኽእል ንባዕላ ክትብል ኣብ ምዱብ እዋን ደበኽ በለት። ኣቐዲመ’የ ኣብ ኣንዳኢንተርነት ቦታ ሒዘ። ኮለል ክብል ጸኒሐ ከባቢ ሰዓት 5፡30 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ስለዝነበርኩ ኣብ ቀረባይ ናብ ዝነበረት እንዳ ኢንተርነት’የ ኣትየ። እታ እንዳ ኢንተርነት ስማ ኣይዝክራን እምበር እተን ኮምፑዩተራት ኣብ ውሽጢ ጠረጴዛ ኣትየን ብቬትሮ ዝተሸፈና እየን ኔረን። ክትጥቀም እንከለኻ ድንን ኢልካ ኢኻ ነቲ ጽሑፍን ተንብቦን ነቲ ስክሪን ትርእዮን። ብዝኾነ ፈለማ ድንግርግር ኢሉኒ’ኳ እንተነበረ ክለምዶ ብዙሕ ኣይተሸገርኩን። ሰብ ገዛ ንተጠቃማይ ዝያዳ ናጽነት ንምሃብ ኢሎም ዝገብርዎ ይመስል። ብጎንኻ ዘሎ ይኹን ብልዕሌኻ ደው ዝበለ እንታይ ትርኢ ወይ እንታይ ትጥቀም ምህላውካ ክፍልጥ ዘለዎ ዕድል ጽብብ ዝበል’ዩ። ሰዓት 6፡00 ኣኺላ ዑቕባይ ኣብ ሰዓቱ ተረኽበ። ሰላምታ ተለዋዊጥና ከኣ ብቐጥታ ናብ ቁምነገርና ኣተና። ዑቕባይ ነቲ ዘስግረኒ ወዲ ማለት ንሲራክ ድሮ ናተይ ኢመል ሂቡዎ ስለዝነበረ ኣብ ያሁ መሰንጀር “ሰላም ሞኬ ደሓንዶ” ክብል ሰላምታ ለገሰለይ። ደላላይ፡ ነጋዳይ ኩሉ ግዜ ኣይጋየሽን’ዩ። ሰላምታ ተለዋዊጥና ዕላል ጀመርና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዑቕባይ’ውን ከምታ ዓርከይ ዝገበራ ኣነ ምስ ሲራክ ክውድእ ዝኾነ ዘድሊ ኣንተሊዩ ድማ ክጽሕፈሉ ተረዳዲና ገዲፉና ወጸ። ሲራክ ናይ ምውጻእ ጸገም ከም ዘየለ መውጺ ግን ከምቲ ዝበሎ 2000 ዶላር ከም ዝኾነ ካብ ካርቱም ናብ ከሰላ ካብኡ ድማ ናብ ተሰነይ መጽዩ ብመኪና ከውጻኣኒ ከም ዝኽእል ሓበረኒ። ኣነ’ውን ካብ ብእግሪ ብመኪና ክኾነለይ ደለኹ። ብመኪና ምውጻእ ሓጺርን ውሑስን’ዩ ዝብል እምነት ኔሩኒ። ሲራክ ኣልግብ ኣቢሉ ሓውሲ ትእዛዝ ዝመስል ሓበሬታ።
“መኪና ንሓደ ሰብ ጥራሕ ምውጻእ ክሳራ ስለዝኾነ ከውጻኣካ እንተኾይነ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ክትረኽበለይ ኣለካ። ንዓኻ ጥራሕ ግን ክጸግመኒ ኢዩ። ንበዓል መኪና 1000 ዶላር’የ ክኸፍሎ ስለዚ ቁሩብ ክህሰ’የ ኣነ።” በለኒ። ኣነ ክሰልጠኒ ጥራሕ ይደሊ ምንባረይን ዑቕባይ ከኣ ውዱእ ወረቐት ኣለዎ ስለዝበሎን ናብ ዝኸዶ የብሉን ካብ ዝብል ሓሳብ’ዩ መስለኒ ክልተ ወይ ሓደ ሰብ ናይ ግድን ከምጻለይ’ዩ ብምባል ኣብታ ሰብ ኣምጽእ ትብል ጸቒጡ ደጋጊሙ ጸሓፈለይ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንጎ ሓድሽ ነገር እንተተፈጢሩ ክድውለለይ ምእንቲ ቁጽሪ ሞባይለይ ሂበዮ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሰዓት 6፡00 ክንራኽበ ተቛጺርና ተፈላለና። ሕጂ’ውን ኣይሕጉስ ኣይሕዙን ኮንኩ ሳልሳይዶ ካል ኣይ ሰብ ርኸብ ዝብል ዘይወተዋሕጠለይ ትእዛዝ፡ ነቲ ዘውጻኒ ሰብ ረኺበ ኢለ ተሓጉሰዮ ዝነበርኩ ሓጎስ ምሉእ ከም ዘይከውን ገበሮ። ንመን’የ እሞ ንበገስ ክብሎ ᎒ መፍትሒ ዘይተረኽቦ ግድል ሒዘ ካብቲ እንዳ ኢንተርነት ወጽየ ናብ ዘዕርፈሉ ገዛ ኣምራሕኩ።
ካብ ሃገር ክወጻለን ዝመደብኩወን ግዜ ክልተ ሰሙን’የን ኔረን። ኣብቲ ሰዓት’ቲ ተማሃሮን መምህራንን ኣብ ናይ ቀዳማይ ሰሚስተር ዕረፍቲ’ዮም ኔሮም። ስራሕ ምምህርና ብወግዒ ስለዘይገደፍኩዎ ኔርናዶ ክብል። ኣብ ዕረፍቲ ኢና ኔርና። እታ ቀዳመይቲ ሰሙን ክትውዳእ ዝተረፋኣ መዓልታት ውሑዳት’የን። ድሮ ዓርቢ በጺሑ ነበረ። ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ካብ ዝህቡኒ ልክዕ ሰሙኑ። ስድራ ኣብ ሰገነይቲ ገድፈዮም ካብ ዝመጽእ’ውን ድሮ ሰሙን ኮነ። ናፍቖት ደቀይ ኣብ ወሽጢ ሃገር ከለኹ’ዩ ጀሚሩኒ። ብኣካል’የ ኣስመራ ኔራ’ምበር ብመንፈስ ኣብ ሱዳን ወይ ኣሜሪካ ግዲ ኔረ ኮይነስ ሰገነይቲ ካብቲ ዝነበርኩዎ ቦታ ኣዚያ ርሕቕቲ ዝነበረት ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። እታ ጋዜጣ ክገዝእ፡ ወይ ካብ ገዛ ወጽየ ገለ ዋኒነይ ከሳልጥ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ከኣ ናብ በዓል ሆቴል ሓልሓል ወይ እንዳ ባቤነ ሻሂ ክሰቲ ዝመላለሰላ ዝነበርኩ ፒያሳ ካብ ኣግራጸይ ካብ ተዕርፍ ሰሙን ገበረት። እታ ተሪፋትኒ ዝነበረት ሰሙን ከይተጸንቀቐት ገለ ነገር ክግበር ኣለኒ። ንሳ ተወዲኣ ተማሃሮ ትምህርቲ እንተጀሚሮም። መምህራን ካብ ዕረፍቶም ክምለሱ’ዮም። ካብ ዕረፍቲ ከም ዘይተመልስኩ ዝፈለጡ ዝከታተሉኒ ዝነበሩ ሰባት ሽዑ ብርግጽ ኣብ ሃገር የለን ብምባል ገና ካብ ሃገር ከይወጻኹ ናብ በዓልቲ ቤተይ ክኸዱን ክሓቱዋን ካብኡ ሓሊፎም’ውን ክኣስሩዋን ምዃኖም ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ ምስ ግዜ ክቀዳደም ኣለኒ። ኣስተውዕል ተወዳዳራይ ካብ ግዜኻ’ዩ ዲዩ ዝበለ ሓታታይ ሓፈሻዊ ፍልጠት። ካብ ግዜየይ ስለዝኾነ ሰሙን ከይትጽንቀቕ ከስተውዕልን ክጓየን ኔሩኒ።
ንጽባሒቱ ቀዳም በዓልቲ ቤተይ ደሃየይ ንምፍላጥን ሓደ ሓደ ነገራት ንምስላጥን ቆልዑ ኣብ ሰገነይቲ ገዲፋ ናብ ኣስመራ መጸት። ናብቲ ዘዕረፍኩሉ ገዛ ምስ መጸት ተተሓሒዝና ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ከድና። ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ መጥባሕቲ ዝገበረ ዘመድ ስለዝነበረ ንዕኡ ንምር ኣይ’ዩ ኔሩ። ኣብቲ ሆስፒታል ኬድና ነቲ ዘመድ ምስ በዓልቲ ቤቱ ረኺብና ድሕሪ ናይ ቁሩብ ግዜ ዕላል ደገ ክናፈስ ስለዝደለየ ሒዝናዮ ናብ ደገ ወጻእና። ኣብ ደገ ኮፍ ኢልና እናዕለልና እንከለና ብሸንኽ ኣፍደገ ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ኣርባዕተ ዝኾኑ መንእሰያት ናባና ገጹ ክመጽእ ረኣኹዎ። እዚ ሰብ ካብታ ምስ ሲራክ ተቛጺርና ዝተፈላለና ካብ ኣእምሮይ ዘይወጸ መንእሰይ ነበረ። ዲቪ በጺሑኒ መስርሕ ቃለ መሕትት ንምጽፋፍ ረቡዕ ረቡዕ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክመላለስ ወትሩ ቅድመይ ወይ ድሕረይ ዝመጽእ ወዲ’ዩ ኔሩ። ነዊሕ ቀይሕ፡ ፍሩያት ኣዒንቱ፡ ኣዚዩ ምልኩዕ፡ ካብ ኩሉ ከኣ ትሑት ዝመስል ወዲ’ዩ ኔሩ። ሓንሳብ ሓንሳብ ክሓቶ ኢለ ድንዕ ይብል እሞ “እንታይ ይፈልጦ’ሞ ክሓቶ’የ” ብምባል ከኣ ሰገጥ ኢለ ደው ዝብለሉ ግዜ ኔሩ’ዩ። ንሱ’ውን ኩሉ ግዜ ክጥምተኒ ጸኒሑ ቁሊሕ ምስ በልኩዎ ዓይኑ ጥቕስ የብል ነበረ። ብኸምዚ ከይተሓታተና ናብ ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተዋህቢና ክልቴና ካብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተፈላለና። እዚ ወዲ’ዩ እምበኣር ናብይ ገጹ ዝስጉም ኔሩ። ኣነ ግን ስግረ ዶብ በይነይ እንተዘይኮይኑ ምስ ካልኣየይ ወይ ሳልሳየይ ዝበሃል ክኸይድ ድልየት ኣይነበረንን። ኣብቲ ጉዕዞ ብዙሕ ሽግር ከጋጥም ስለዝኽእል ካብ ኣባላት ጸጥታ ይኹን ምክታትል ዶባት ቶኹሲ’ውን ከጋጥም ስለዝኽእል ንፋንጣኻ ምህዳም ዝመስልዎ የለን ዝብል ርድኢት ኔሩኒ። እንተኾነ ሲራክ ከውጻኣኒ እንተኾይኑ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ርእሰይ ክርከብ ኣለኒ። ስለዚ እዚ ወዲ ናባይ ገጹ ይመጽእ ከም ዝነበረ ስለዘስተውዓልኩ ከም ቀደመይ ገጸይ እስር ኣቢለ ናብ ካልእ ገጸይ ጠመትኩ። ወዲ ኣንፈቱ ቀይሩ ትኽ ኢሉ ሓለፈ። በዓልቲ ቤተይ
“ሞኬ እዚ ወዲ ሰላም ክብለካ ሓሲቡ ኔሩ፡ ገጽካ ምስ ጠወኻ ግን ምልስ ኢሉ” በለትኒ፡ ንሳ ኮነ ኢለ ዝገብርክዎ ከም ዝኾነ ኣይተረደኣን ኔሩ። ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣቐዲመ’ውን ኣዕሊለያ ኔረ’የ። ሓደ መዓልቲ’ውን ኣብቲ ኤምባሲ ርእያቶ ስለዝነበረት ዘከረቶ። እቲ ዝፈጸምኩዎ ተግባር ቅኑዕ ድዩ ኣይቁኑዕን ብውሽጠይ ምርዳእ ኣበየኒ። ሰላም ኢለ ካብ ሃገር በየን ክወጽእ ከም ዝኾነዶ ክሓቶ ኔሩኒ። ብኻዶ ካላኣይ ረኺበ ኢለ ንሲራክ ሓቢረ ነቲ ጉዕዞ ኣቃላጢፈዮ። ሓሳባት ኣውሪደ ኣደይበ እንተኾነ ሕልናይ ተጋጊኻ ኣይበለንን።
እታ ጉዕዞ ክትፍጸም ምዃና ዋጋ ግን ከተኽፍለኒ ከምዝኾነት ካብ ብዙሕ ነገራት ከስተውዕል ኪኢለ እየ። ዘዝገጠመኒ ማሕለኻ ብተኣምር’ዩ ዝስገር ኔሩ። ኣብ መፋርቕ ክረምቲ ናይ 2006 ሓንቲ ንእሽቶ ፖስታ ካብ ኣሜሪካ መጽያትኒ ኔራ። እንተረኣኹዋ ካብቶም እንቋዕ ሓጎሰካ ዲቪ በጺሑካ’ሎ ኢሎም ዝለኣኹለይ ትካል ዝተላእከት ኮይና ኣብ ውሽጣ ሓንቲ ንጽል ወረቐት ዝሓዘት’ያ። እታ ወረቐት ፈለማ ዲቪ ምስ በጽሓኒ ኣብ ኣስመራ ከባቢ እንዳ ፖስታ ከይደ ኣምሊኤ ዝሰደድኩዎ ፎርም ኮይና እቲ ኩሉ ወረቓቕቲ መሊእና ኣጻፊፍና ከነብቅዕ ኣብ መወዳእታ ግን ነታ ናይ ፌርማ ዝፍረመላ ቦታ ዘንጊዕና ከይፈረምና ሰደዲናያ። ነዚኣ እዮም እምበኣር ካብቲ ፋይል ፈልዮም ኣብታ ክፍርመላ ዝግበኣኒ ቦታ ብቢጫ ሃይላተር ምልክት ጌሮም ብእንግሊዝ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ please sign here ዝብል ጽሒፎም ዝሰደድዋ። ነታ ወረቐት ምስ መጸት ናብቲ ፎርም ዝመልኣለይ ወዲ ከይደ’የ ኣማኺረዮ። ሽዑ ተስፋ ቆሪጸ ነበርኩ። ሓንቲ ንጻል ወረቐት ካብ ኣሜሪካ ዝኣክል መጽያስ ተመሊሳ ተላኢኻ ናብቲ ዝጎደለ ፋይል ክትጽንበር ዘሎ ተኽእሎ ምህሙን ጌረ ቆጸርኩዎ። እንተኾነ እታ ፈሪመ፡ ዓሺገ ዝለኣኩዋ ፖስታ በጺሓስ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከይደ ቃለ መሕትት ክገብር ዝሕብር ናይ ቆጸራ ደብዳቤ ሰደዱለይ።
እቲ ፎርም ዝመልኣለይ ወዲ ሙስጦፋ’ዩ ስሙ። ንሱ ኣብቲ ፈለማ ዲቪ ምስ በጽሓኒ ዘየድሊ ጌጋታት ክገብር እኽእል እየ። ሓንቲ ጌጋ ከኣ ካብ ምእታው ኣሜሪካ ክትዕንቅጸኒ ትኽእል’ያ ኢለ ስለዝሓሰብኩ። ካብ ባዕለይ መሊኤ ዝሰዶ። ዲቪ ዝበጽሓኒ ናይ ዮሃና ደብዳቤ ሒዘ ኣብታ ካብ እንዳ ፖስታ ዝተቐበልኩላ ዕለት ተማሃሮ ኣብ ፍርቂ ክፍለ ግዜ ገዲፈዮም ናብ ኣስመራ’የ በሪረ። ኣስመራ ከይደ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ጥቓ እንዳ ፖስታ ዝርከባ ናይ ህዝባዊ ጉዳያት ኣሳለጥቲ ናይ ዲቪ ፎርም ክሸጡ ይርእይ ስለዝነበርኩ ናብኦም’የ ከይደ። ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኣብቲ ትካል ዝጸንሓኒ ሰብ ዲቪ ናይ ዝበጽሖ ሰብ ፎርም ዝመልኡ እንተኾይኖም ሓቲተዮም ዝመልእ ሰብ ከም ዘለዎም ንሽዑ ውጽእ ኢሉ ከም ዘሎ ግን ደዊሉ ክጽውዖ ከም ዝኽእል ሓቢሩኒ። ተረዳዲና ንሙስጠፋ ደዊሉ ጸውዖ። ሙስጦፋ ነቲ ፎርም ታይፕ ክገብሮ ከም ዝኾነ ዋጋ ስርሑ ከኣ 600 ናቕፋ ከም ዘኽፍለኒ ሓበረኒ። ኣኽቢርካለይ ኢለ ክቀጣቐጦ ፈቲነ ምውራድ ስለዝኣበየ ጥራሕ ይስለጠኒ ብምባል ክሰርሖ ተሰማማዕኩ። ፎርም ምምላእ ምስ ተጀመረ ብዙሕ ርግጸኛ ዘይነበርኩሉ ናይ ደቀይ ናይ ስሞም ስፐሊንግ ናተይ ዕለተ ልደትን ካልእን ስለዘጋጠመ ሙስጦፋ ርግጸኛ ኮይነ እቲ ሓበሬታታት ሒዘ ክመጽእ ተላቢዩ ነቲ ስራሕ ኣቋረጾ። ሓቁ’ዩ ኔሩ ድማ። ምኽንያቱ እቲ ዕለተ ልደትን ካልእን ምስቲ ፈለማ ዝተመለአ ክዛመድ ኣለዎ። ኣይኮነን ግን ተቐባልነት ዘይክረክብ ይኽእል’ዩ። በዓልቲ ቤተይ ኣስመራ ምጋሸይ እምበር ብዲቪ ጉዳይ ምጋሸይ ኣይፈልጠትን። ነታ ናይ ዲቪ ፖስታ ካብ እንዳ ፖስታ ክወስዳ እንከለኹ ኣብ ስራሕ’ያ ኔራ። ሽዑ ብሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ናብ ኣስመራ ይገይሽ ከም ዘለኹ ኣብ ጣውላ መልእኽቲ ገዲፈለ’ያ ከይደ። ካብ ሙስጦፋ ምስ ተፈላለኹ ናብ በዓልቲ ቤተይ ደዊለ ዲቪ ክንመልእ እንከላ ምናልባት እንተበጽሓና ኣይፍለጥን’ዩ ብምባል ነቲ ዝጸሓፍናዮ ዕለተ ልደትን ካልእ ሓበሬታን ኣብ ሓንቲ ገጽ ገልቢጥና ኣብ ባልጃ ኣቐሚጥናዮ ነበረና። ነዛ ወረቐቲ ፈቲሻ ክትረኽባ ትኽእል እንተኾነት ሓተትኩዋ። ይኹን እምበር ኩሉ ባልጃታት ፈቲሻ ሰኣነታ። ምሉእ ምሸት ዓቕለይ ከጽብብ ድሕሪ ምምሳይ ሓደ ሓሳብ መጻኒ። እቶም ዲቪ ዝመላእኩሎም እንዳ ኢንተርነት ነቲ ቅዳሕ ወረቐት ዝዕቅብዎ እንተኾኖም ክሓቶም ዝብል ሓሳብ። ኣብቲ ዝሓደርኩሉ ሆቴል ምሉእ ለይቲ ከዕለብጥ ሓዲረ ኣንጊሀ ድሕሪ ምትንሳእ ናብቲ እንዳ ኢንተርነት ከይደ ክሳብ ዝኸፍቱ ተጽበየ። ምስ ከፈቱ ነታ ዝተቐበልትኒ ጓል እቲ ዘምጻኒ ጉዳይ ሓበርኩዋ። ጓል ንሕና ዝመላእናሉ ሰብ ዲቪ ሎቶሪ በጺሑዎ ኢላ ሓጎሳ ምቁጽጻር ሰኣነቶ። ኣይደንጎየትን ናብቲ ጠረጴዛኣ ከይዳ “እስኪ ጽናሕ ወደይ እንተዘይተጓሑፉስ ክህሉ’ዩ” ብምባል ሓደ ዓቢ ባኮ ካብ ትሕቲ እቲ ኮፍ መበሊኣ ኣውጺኣ ነቲ ጉርዲ ስእልታት ዝነበሮ ናይ ዲቪ መሕተቲ ቅጥዒ ክትገናጽሎ ጀመረት። ርሑቕ ከይከደት ድማ ስእለይ ዝተጠቅዖ ፎርም ረኸበት “ዓሽ . . . . ረኺበያ” ኣዚያ ተሓጎሰት። ነታ ወረቐት መሰስ ኣቢላ ድማ ኣረከበትኒ። ካብቲ ገዛ ከመይ ኢለ ወጽየ ኣይተረዳኣንን። ነታ ወረቐት ሒዘ ብጉያ ናብ’ቲ ዝተቛረጸ መስርሕ ምምላእ ፎርም ከድኩ።ኣብቲ ወረቐት ዝመላኩዎን ድሒረ ከምልኦ ዝሓስብ ዝነበርኩን ሓበሬታታት ብዙሕ ፍልልይ ነበሮ። በቲ ዳሕራይ ዘምላእኩዎ እንተዝኸይድ ከኣ እቲ ሓበሬታ ኣይተዛመደን ኢሎም ናብ ዝቕጽል መስርሕ ኣይመሕለፉንን። በዚ ከኣ ምስቲ ናይ ፈለማ ፍጹም ዝዛመድ ሓበሬታ ጽሒፍና ኩሉ ተወዲኡ ኣብ ሓደ ዓቢ ፖስታ ዓሺግና ናብ ኣሜሪካ ሰደድናያ። ውጺቱ’ዩ ከኣ ሰነዳተይ ሒዘ ናብ ኤምባሲ ክቐርብ ናብ ዝቕጽል መስርሕ ከም ዝተሰጋገርኩ ዝሕበር ወረቐት ዝተለኣከለይን ኩሉ ኣሳሊጠ መእተዊ ቪዛ ኣብ ኢደይ ክሕዝ ዝኸኣልኩን።
ምስ ሲራክ ዝነበረና ናይ ቆጸራ መዓልትን ሰዓትን ኣኺሉ ዳግማይ ኣብ ፊት ኮምፑተር ኮፍ ኢለ ዕላል ጀመርኩ። ሲራክ ፈለማ ዝሓተተኒ ሕቶ ሰባት ረኺበን ኣይረኸብኩን ዝብል ነበረ። ብውሽጠይ ሰብ ከምጽእ ሓሳብ እኳ እንተዘይነበረኒ ኣብቲ ጽሑፍ
“ግን ደልየ ክረክብ ኣይከኣልኩን ምናልባት ግን ምስ ወጻእኩ፡ ክወጹ ዝደልዩ ሰባት ክህልዎ እዮም። ክሕግዘካ’የ ነዚኣ ጥራሕ ኣዐውተኒ” በልኩዎ። ሲራክ ሓጺር’ዩ ዝጽሕፍ። ኣመላልስኡ ልክዕ ከም ናይ ወታሃደር’ዩ። ሓጺርን ተሪርን።
“ናይ ገንዘብ ከ እንታይ ጌርካ᎒” ብዛዕባ ገንዘብ ደጋጊሙ እዩ ዝሓትት።
“ገንዘብስ ጸገም የለን፡ ሓወይ ካብ ካናዳ ናብ ዑቕባይ ክሰዶ ከም ዝኾነን ፈለማ ክትብገስ እንከለኻ 1000 ዶላር ካብ ዑቕባይ ክትቅበል ከም ዝኾነካን ወዲኤ ኣለኹ”
“ኮይስ! ጽቡቕ እሞ ናብ ከረን ክትወርድ ኢኻ ጽባሕ፡ ካብ ከረን ሓደ ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ ሰለዘሎ ንዕኡ ሒዝካዮ ናብ ተሰነይ ክትወርድ ኢኻ” ዳሓን ሰብ እንተዘይረኺብካ ኣነ ረኺበ ኣለኹ እዩ ዝብለኒ ኔሩ።
“ሕራይ ጸገም የለን፡ እንታይ ዝኾነ ቆልዓ’ዩ ግን ምሳይ ክወርድ ደሊኻዮ᎒” ክፈልጥ ደለኹ
“ኣዲኡ ኣብ ስዊድን ኣላ፡ ንሱ ግን ምስ ሓትንኡ ኣብ ከረን’ዩ ዝቕመጥ ምሳኻ ከውጽኦ እየ ሓሲበ” ቁሩብ ኣተንብሃለይ
“እሞ ናይ ብሎኮ ነገርከ ኣብ ብሎኮ ናበይ ደሊኻዮ እዚ ቆልዓ ኣንተበሉኒ᎒”
“ኣብ ብሎክስ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ኣይሓቱኻን’ዮም፡ ብፍላይ እዚ ንእሽቶ ስለዝኾነ ጸገም የብሉን” ነቲ ከቢድ ዝመስል ሽግር ኣቕልል ኣቢሉ ሓበረኒ።
ምርጫ ስለዘይነበረኒ ከም ዝተሰማማዕኩ ኣረገጋገጽኩሉ። ንጽባሒቱ ከረን ወሪደ ናብቲ ዝሓበረኒ ቦታ ከይደ ንሓትኑ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ቆልዓ ክረኽባ።ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ከረን ክጸንሕ’ሞ ናብ ተሰነይ ውረድ ኣብ ዝበለኒ ክወርድ። ቅድሚኡ ግን ከረን ዝኣተኹሉ መዓልቲ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ኣብ ኢንተርነት ክንራኸብ ከም ዘለና ተረዳዳእና። ብዛዕባ ገንዘብ ምስ ዑቕባይ ክረዳዳእ ከም ዝኾነ ነገረኒ። ሲራክ ክሳዕ እቲ ሽዑ መዓልቲ ኣብ ካርቱም’ዩ ኔሩ። እቲ መደብ ኣነ ናብ ከረን ክወርድ እንከለኹ ንሱ ናብ ከሰላ ክመጽእ’ዩ።
ይቕጽል . . . . .
7ይ ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 3 ለካቲት