ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 38 ክፋል
* * *
ንጽባሒቱ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ መርዓውን መርዓትን በዕሩኽትን ቤተሰብን ተሰንዮም ናብ ቤተክርስትያን ኣምርሑ። በጋጣሚ በዓል ስለ ዝነበረ ቤተክርስትያን ብሰብ ቅጽጽ ኢሉ ጸንሖም። ተተሓሒዞም ናብ ዝተዳለወሎ ቦታ ክስጕሙ ከለዉ ናይ ብዙሓት ምእመናን ቈላሕታ ሰሓቡ። ተፋሪቑ ዝጸንሐ ቅዳሴ ክሳብ ዝውዳእ ምስቶም ኣቐዲሞም ቦታኦም ሒዞም ዝጸንሑዎም ብሸነኽ የማኖም ዝነበሩ ክልተ ጽምዲ ኣዒንቶም ሰሰሪቖም እናተጠማመቱ ብዓቕሊ ክጽበዩ ዘንሑ።
ካህን ቅዳሴ ድሕሪ ምውዳእ፡ ድያቆናቶም ኣኸቲሎም ናብ መርዓውቲ ብምቕራብ ኣብቲ ልሙድ ቅጥዕታት ናይ ቃልኪዳን ኣተዉ። መርዓውቲ በብተራ ዝቐረበሎም ሕቶታት ምስ መለሱ ስጋሁ ወደሙ ተቐበሉ። ካህን፡ “ይምሃረነ ይሰሃለነ፡ እግዝኣብሄር ከመ ባረከ ወቀደሰ ከብካብ ኣብርሃም ወሳራ፡ ከማሁ ይባርክ ዝንተ ከብካብ፡” ብምባል መስቀል ከሳልሙዎም ከለዉ ቤተክርትስያን ብዕልልታ ተነቕነቐ። ካብኡ ወጺኦም ኣብ መኪናኦም ስም ኣተዉ፡ ምብጋስ ኮይኑ ጥሩምባ መካይን ተነፍሐ። ሃብቶም ዝሓዛ ፐይጆ መኪና መሪሓቶም ድማ ናብ ማእከል መዘናግዒ ብሄረ ጽገ ኣምርሑ። ንውሑዳት ካልኢታት ባቡር ዓጊቱዎም ደው ድሕሪ ምባል ከም ብሓድሽ መንገዶም ብምቕጻል ነዊሕ ከይተጓዕዙ ንየማን ተጠውዮም ኣብቲ ኣታኽልቲ ዝበዝሖ ገፊሕ ቀጽሪ ኣተዉ።
እቲ ቦታ ንኽትርእዮም መንፈስካ ብዘሕድሱ ዕማባባታትን ኣታኽልትን ዘጌጸ ኮይኑ፡ በጋጣሚ ኣቐዲሞሞ ስለ ዝመጽኡ ከም ካልእ እዋን ሰብ ኣይጸንሖምን። መርዓውን መርዓትን በዕሩኽቶም ተዓጂቦም ብቐስታ ኣብ ውሽጥ’ቲ ቀጽሪ ዘወርወር ክብሉ ከለዉ፡ ሃደ ሰኣላይ ቀቅድሚኦም እናሓለፈ ምቹእ ቦታ እናክረክብ፡ ካሜራኡ ኣነጻጺሩ ንመርዓውቲ ኣብ ዒላማ ብምእታው ቃዕ እናበለ ይስእል ነይሩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ “በሉ ናብ ቦታ ቍርሲ ንሕለፍ፡” በሎም ሃብቶም ድምጹ ክብ ኣቢሉ።
ኵሉ ሰብ ቦታኡ ምስ ሓዘ ወ/ሮ ገብርኤላ ሓጐሰን ብዕልልታ ገለጻ። ኣብ ጐድነን ዝነበራ ናይ ቀረባ ቤተሰበን ዝኾና ኣብ ኣዲስኣበባ ዝምቕማጠን ክልተ ኣንስቲ’ውን ደድሕሪአን ብምስዓብ ዕምባባ እናነጸጋ ዕልልታአን ነቲ ቦታ ብዕልልታ ነቕነቕኦ። ድሕሪ ቍርሲ መርዓውቲ ናብ መኪናኦም ተመልሱ። ግዜ ምሳሕ ክሳብ ዝኣክል ኣሎ ኣብ ዝብሃል ቦታታት ኰለል ኰለል ኢሎም ከኣ ሰዓት ሓደ ከይኣኸለ ከሎ ናብ ገነት ሆቴል ገጾም ኣምርሑ።
ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሆቴል ክጽበይኦም ዝጸንሓ ዙርያ ዝተኸድና ክልተ ኣዋልድ ዕታር ዕምባባን “ርሑስ ጋማ ይግበረልኩም” ዝብል ጽሑፍን ሒዘን፡ ናብ ውሽጢ እቲ ኣደራሽ ሰጐማ። ነፍስወከፍ ዕዱም ነቲ ብውሕልነት ዝተዳለወ ምግቢ ብክፉት ሸውሃት እናበልዐ ከሎ፡ ኣዕሩኽ ብውዕዉዕ መንፈስ፡ “እዚኣ ናተይ፡ እዚኣ ኸኣ ናተይ፡” እናበሉ ንመርዓውን መርዓትን ከዀልሱ ዝተዓዘባ ወ/ሮ ገብርኤላ ደስታአን ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ፡ “ደጊም ንኣምላኽ እንታይ ዘይሃብካኒ ክብሎ፡ እንቋዕ እዚኣ ረኣኹ፡” በላ ብውሽጠን። ዝተቐረበ ሽሻይ ተበሊዑ ተሰትዩ ምስ ተወድአ፡ ሰዓት ኣርባዕተ ገጹ ወራድ መርዓ ዝሓዛ መካይን ተመራሪሐን ፋም! ፋም! እናበላ ናብ ሰሜን ሆቴል ገጸን ገስገሳ። ኣብ ገዛ ኣትዮም ቍሩብ ምስ ኣዕረፉ፡ ገለ ጽበት ገዛ ዘስተውዓሉ ዕዱማት፡ “ከም ማይን ጸባን ይጸንብርኩም፡ ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም፡” እናበሉ ክወጽኡ ጀመሩ። ኣብ መንጎ ክልተ መሳርሕቲ ሰለሙን፡ ንሰራሕተኛታት ቤትማሕተም ወኪሎም ሓጺር መደረ ድሕሪ ምስማዕ ሓንቲ ዕብይ ኢላ ናይ መንደቕ ሰዓትን ዓራት ቈልዓን ከም ህያብ ኣበርከቱ።
ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ጽቕጥቅጥ ቍሩብ ፍዅስ ምስ በለ፡ ንቡር ከይተርፍ ከበሮ ዲም ክብል ጀመረ። ውሑድ ሰብ’ኳ እንተነበረ ብጽበት ገዛ ተሓጊዙ ጓይላ ዓመረ ደኣ። ዕሰልየ ተባሂሉ መርዓውን መርዓትን ክስዕስዑ ምስ ኣተዉ፡ ባሻይ ተስፋልደት፡ ወ/ሮ ገብርኤላ፡ ኣብርሃም ዘለዉዎ ክስዕስዑ ተደፋፍኡ። ቈልዑ ጐረቤት ገለ ብመስኮት ውጥም ቅልቅል ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ማዕጾ ጽቕጥቅጥ ይብሉ ነይሮም። መሬት ዓይኒ ከይሓዘ ከሎ ድማ እቲ ዝርካቡ ውሑድ ሰብ በብቝሩብ ስለ ዝጸረረ ጓይላ ዝግ በለ። ገዛ ድማ ብወለደኛ ጥራይ ተባሒታ ተረፈት።
ኣብ መወዳእታ ንሮዛ ኣብ ቄራ ኣጸጊዖማ ዝነበሩ ኣቶ ባርናባስ ተሲኦም ንእሽቶ መደረን ምርቓን ድሕሪ ምስማዕ፡ “ኣያ ስብሓት ናይ መርዓኹም ስእሊ ከይትርስዑኒ ኢሉ ስለ ዘሎ ሓደራኹም ከም ትልእኩሉ ግበሩ፡” ኢሎም ተፋነዉዎም። ቈጸራ ዝጠለሞም ወዲ ዓዱ ንመዓሾ ኣብ ኣፍደገ ምስ ረኸቡዎ ከም ብሓድሽ ተመሊሶም ምስ ኩላቶም ኣላለዩዎ። ብጻዕሪ ኣቶ ስብሓት ዝተረኽበ እንኮ ከም ዘመድ ሮዛ ክቝጸር ዝኽእል ሰብ’ኳ እንተነበረ፡ ብመጠን’ቲ ሮዛ ዘመድ ረኺበ ኢላ ክተዕልሎ ዝበሃገት ብዙሕ ኣይተገደሰላን። ምድንጓዩ ከይኣክል እንታይ ከም ዝረኸቦ ክመጽእን ክኸይድን ኣራእያ በርቂ ነይሩ።
እዚ ዘመዳ ዝተባህለ ሰብ ክምለስየ ኢሉ’ኳ እንተኸደ፡ ሮዛ’ውን ብዙሕ ኣይዓጠጣን ኣብ ጐድኒ ባሻይ ተስፋልደት ኮፍ ኢላ ብፍሱህ መንፈስ ተዕልል ነበረት። ሰለሙን ካብ ዝወግሕ ኣብ ኰለል ስለ ዝወዓለ ድቃስ እናተራእዮ ኣብ ጥቓ ኣዲኡ ኮፍ ኢሉ ዕላል ጀመረ። “መርዓ’ሞ ከመይ ሓሊፉ?” ክብል ተወከሰን። ኣዒንቱ ኣብ ስግሩ ምስ ኣብርሃም ዘዕልሉ ናብ ዝነበሩ ባሻይ እናሰደደ።
ሓሳብ ልበን ኣይሰመረለንን’ምበር መርዓ ወደን ሃገርገር ኣብ ዝብል ዳስ ኣብ ኣስመራ ክገብርኦ’ዩ ነይሩ ትምኒተን። እቲ ዝወዓልኦ ውራይ ካብ ትጽቢተን ንላዕሊ ኮይኑ ስለ ዝረኸብኦ ግን፡ “ካብዚ ዝምዕርግ ውራይ’ሞ ኣበይ ክርከብ ኣንታ ሰለሙን ወደይ! እንታይ ዝኸውን ዳስን ዕግርግርን’ዩ? ሕስብ እንተ’በልካዮ እዚ ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ ኮይኑና ንገብሮ መርዓ’ኮ ጥፍኣት’ዩ። ኣብቲ መጀመርያ’ኳ ኣብ ሕጂ በጺሐዶ ክሕስው ኮይነ፡ ዘይከውን ኮይኑኒ’ምበር ሓቂ ይሓይሽ ኣይፈተኹን። ሰብ እንታይ ክብለኒ’ዩ ኢለ ካን ጕህይ ኢለ ነይረ። ኣብርሃም ሓውካ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ሽግር ምስ ኣረድኣኒ ግን ንሰብ ከይነገርኩ ምልቝ ኢለ ክመጽእ መሪጸ። ምናልባሽ ጸገመይ ዘይፈለጠ ሰብ፡ ‘ገብርኤላ ተዝካር ከየሕለፈት መርዓ ወዳ ገይራ፡’ ኢሉ ከም ዝሓምየኒ፡ ብፍላይ ሓወቦታትካን ኣሞታትካን ከም ዝቕየሙኒ ኣዕርየ እፈልጥ’የ። ንዓይ ግን እዛ ዕምባባ እዚኣ ትዓብየኒ። ሕጂ ከኣ ብማይ ተመርዒኻያ ሰበይትኻ ብስዋ ተመርዒካያ ሰበይትኻ እዩ’ቲ ነገር። ኣምላኽ ኪዳንኩም ጥራይ የጽንዓዮ፡ ውላድኩም የርእኹም ‘ዝወደይ። ቈልዓ ከኣ ወረጃ’ያ ዝወጽኣ የብላን፡” ኢለን ንሮዛ ክጽውዓ ንጸጋመን ቍሊሕ እንተ’በላ ምስ ባሻይ ክተዕልል ረኣይኣ።
ሰብነተን ከም ገለ ገበረን። ዕድል ጓሎም ምስ ዝዀለፈት ሮዛ እንታይ ኢሎም የዕልሉ ከም ዘለዉ ክርድአን ኣይከኣለን። “ወላ’ኳ መልሓሶም ጥዑም እንተ ተዛረበ፡ ንሮዛ ዝበደለት ዘይብላ ብልቦም ረጊሞማ ይኾኑ። ምዃን ወዲዝግሄር’ዮም ኣይውዕሉዎን ግዲ፡ ኣብርሃም ወደይ ኣብዩኒ እዩ’ምበር ክመጽኡ ዘይፈተኹ ነይረ፡” በላ ብውሽጠን። እቲ ቀንዲ ምስጢር ስለ ዝተሓብአን በዓልቤተን ሓሳቦም ቀዪሮም ንሮዛ ክምርዖ ዘፍቀዱ ሳላ ጻዕረን ኮይኑ ይርድአን ስለ ዝነበረ፡ ልበን ኣብ ክልተ ተመቕለ። ፍጥር ክብላ ሰብ በዲለን ዘይፈልጣ ንጽህቲ ሰብ ስለ ዝነበራ ባሻይ ኣመና ኣደንገጹወን። ሕልናአን ኣብ ምውቃስ ድማ ኣተዋ። ኣብ ከምዚ ህሞት ከለዋ፡ “ንዓ ሰለሙን ወደይ ክምርቐኩም ደልየ ኣለኹ ኣብ ቅድመይ ድነኑ፡” ዝብል ድምጺ ባሻይ ሰሚዐን ገጸን ጠውየን ቍሊሕ በላ። ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱወን ንብዓት ክስዕረን ቀረበ። ባሳይ ተስፋልደት ድማ መልኣኽ ኮይኖም ተራእዩወን።
ሮዛን ሰለሙንን ከም ቈልዑ ኣብ ቅድመኦም ደኒኖም፡ ባሳይ ከኣ፡ “ከም ማይን ጸባን ይሓውስኩም፡ ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም፡ ዓይኒ ጸላኢኹም ይድፈነልኩም፡” እናበሉ ሓቛቝኦም ክጥብጥቡዎም ከለዉ ምስ ረኣያ፡ ካብ ክቱር ሓጐስ ዝተላዕለ ኣፈን ሃህ ኣቢለን ይጥምትኦም ነየረን። ኣብ ኣእምሮአን ሕርኽርኽ እናበለ ድቃስ ከሊኡወን ካብ ዝነበረ ጕዳይ ተገላጊለን ድማ ሩፍ በላ። መርዓውቲ ክሳውዶም ኣቕኒዖም ገጾም ናብአን ምስ ገልበጡ፡ ናብ ልበን ተመሊሰን፡ “ንዑ ናባይ’ዞም ደቀይ፡ ኣነ ከኣ ክምርቐኩም፡” ኢለን ካብ ናይ ባሻይ ዘይፍለ ምርቓ ኣስነቕኦም። ኵሉ ሰብ ድማ፡ “ኣሜን! ኣሜን!” በለ።
ኣብ ሳልስቱ ወ/ሮ ገብርኤላ ምስ ኣብርሃም ክምለሳ ከለዋ፡ ባሻይ ተስፋልደት ግን ኣብ ደሴ ዝብጻሕ ቤተሰብ ኣሎኒ ዝብል ምኽንያት ሂቦም ኣብ ኣዲስኣበባ ንክልተ መዓልቲ ጸኒሖም። ከሎ ገና ዘረባ ከይከዶም ፈሪሖም እዮም’ምበር ኣብ ደሴ ብግዜ ዕስክርና ጥልያን ጠኒሰልኩም ኣለኹ ዝበለቶም ሰብ ስለ ዝነበረት ደሃያ ክፈልጡ እዩ ነይሩ ቀንዲ ዕላማኦም። እተን ሰለስተ መዓልታት ቀትሪ ምስ ሮዛ ኣዕልል ይውዕሉ፡ ሰለሙን ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሰ ድማ፡ “ዓዲ ኣርእየኒ” እናበሉ ሒዞሞ ብምውጻእ ንበይኑ ኣዕልል የምስዩዎ። ምስ ሮዛ ዝነበረ ምስ ሮዛ ዝነበረ ዝበዝሕ ዕላሎም ንታሪኽ ዕስክርናኦም ዝምልከት ኮይኑ ዳርጋ ብጣልያንኛ’ዩ ነይሩ። ኣዝያ ኸኣ ፈትያቶም። ምስ ሰለሙን ክንዛወር ኢሎም ብሓባር ዝወጽኡላ ምሸት ግን ብዙሕ ደስ ኣይበላን። ኣብቲ መጀመርያ ብዙሕ ግምት ኣይሃበቶን። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ግን ኣዕልል ውዒሎማ ከብቅዑ ምስጢር ከዕልሉዎ ከም ዝደለዩ፡ “ሰለሙን ወደይ፡ በል ኣብዛ ቀረባ ብጽሕ ኢልና ንምጻእ፡” ኢሎም ንበይና ጠንጢኖማ ምስ ከዱ ኵነታት ሓዲሱዋ ከም ስርዓት ተባሳጭያ። ኣብ ሓዳራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኮይኖም ድማ ተሰሚዖማ።
ኣብ ኣእምሮኣ፡ “መርዓት ከም ዘለኹ ኣይተረድኦምን ማለት ድዩ? ናቶምስ ደሓን፡ ሰለሙንከ ስለምንታይ’ዩ ንኺድ ዘይብለኒ? ኣብ ገዛ ንበይነይ ከምሲ ደስ ኢሉዎ ማለት ድዩ?” ዝብሉ ሕቲታት እትው ውጽእ እናበሉ ከለዉ፡ ሓንቲ ሃልካፍ ጐረቤት፡ “ኣቱም ገዛ፡” ኢላ ሕውስ በለታ። ዘምጽኣ ነገር ወዲኣ ኣይከደትን፡ “ኣይደሓንክን ዲኺ ሮዛ? እንታይ ረኺቡኪ?” ክትብል ተወከሰታ።
“ዝኾንኩዎ የብለይን፡” መለሰትላ ሮዛ ተሰጕዲማ።
“እዚ’ኳ ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን። ምዃን ንስኺ ሃንቲ ኦኣሻ ኢኺ። ሰለሙን ንበይነይ ሓዲጉኒ ኣምስዩ ኢልኪ’ኳ ትኾኒ ክንድዚ ተዀርኒፍኪ ዘለኺ፡ ወይለከ ኣዳነይ! ሰብኣይ ምዃኑ’ባ ፍለጢ!” በለት እታ ጐረቤት።
“መርዓይ ትማሊ ሓሊፉ ከብቅዕ ምሸት ምድሪ ኣብ ገዛ ንበይነይ ክገድፈኒ ከሎ ጽቡቕ ድዩ?” መለሰትላ ሮዛ ከም ገለ ምልቝ ኢሉዋ።
“ንምዃኑ ምስ መን’ዩ ወጺኡ?”
“ምስዞም ኣብ መርዓና ክጽንበሩ ዝመጽኡ ዓርኪ ኣቦኡ። ጽባሕ ንግሆ ክብገሱ ስለ ዝኾኑ ምናልባሽ ክፋነዉዎ ደልዮም ይኾኑ፡” ኢላ ሸርተፍ ኢሉዋ ዝነበረ ዘረባ ክተተዓራሪ ፈተነት።
“እንቋዕ ምስ ካልእ ኣይኮነ’ምበር እዚ ደኣ እንታይ ጸገም ኣለዎ ንቡር’ንድዩ። ሰብኡት ክሳብ’ታ ዝምርዓዉኻ እግርኻ ክሳለሙካ ቍሩብ’ዩ ዝተርፎም። ብድሕሪኡ ግን ፈጺሙ መትሓዚ ኣይርከቦምን’ዩ ፍታሕ ኵርኵር’ዮም ዝኾኑ። ብፍላይ ክንጠንስ ከለና ነዛ ክርእዩና’ዮም ዝጸልኡና።”
ሮዛ ነታ ከክፉኡ ናይ ሰብኡት ጥራይ ትጽብጽበላ ዝነበረት ጐረቤታ፡ “ኦ! እንታይ ዲኺ ሃሲብኪ? በሊ ሰላሕ ኢልኪ ውጽእለይ። ኣነስ ዘይረኽቦ’ባ የብለይን፡” ኢላ ብመንኵባ ደፊኣ ኣብ ልዳት ኣብጽሓታ።
“ኣየ ሮዛ! ብኡነት ኦኣሳ ኢኺ። ኣነ’ውን ከምዚ ሎሚ ከይጐራሕኩ ከለኹ ከማኺ’የ ነይረ። ግርህነትኪ ደሒሩ ከታዕሰኪ ኡኢ። ሕጂ ግን ምሸት ምስ መጽአ ጥራይ ኣበይ ኣምሲኻ? ስለምንታይከ ምሳኻትኩም ዘይተማላእኩምኒ? ኢልኪ ጥራይ ሕተትዮ’ሞ መልሱ ስምዒ። ብድሕሪኡ ሓቂ ከም ዝተዛረብኩ ፈሊጥኪ ክተመስግንኒ ኢኺ፡” ኢላ ጠንጢናታ እናሰሓቐት ዝባና ገልበጠት።
ሮዛ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኣትያ ንገለ ደቓይቕ ብዛዕባ ናይታ ሃልካፍ ጐረቤታ ዘረባ ኣስተንተነት። ጠባያ ስለ ትፈልጣ ግን ነቲ ነገር ሚዛን ከይሃበት ቴፕ ወሊዓ ኣብ ዓራት ጎቦ ኮነት። ሃላኽለኽ ክትብል ስለ ዝወዓለት ቴፕ፡ ‘ጓና ኢኺ ጓና’ እትብል ናይ ተኽለ ተስፋዝጊ ደርፊ ከይወድአት ከረው ኢላ ደቀሰት። ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣቢላ ድቃስ ጸጊባ ተበራበረት። ፍርቂ ሰዓት ዝደቀሰት ኮይኑ ኣይተሰምዓን። ሰዓት እንተ ረኣየት ግን ድሮ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ኮይኑ። ሰዓት ሸውዓተ ምስ ከዱ ክንድኡ ክጸንሑ ስለ ዘይተዋሕጠላ፡ “እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ክሳብ ሕጂ?” በለት ንበይና። ካብ ዕላል ሰለሙን፡ ባሻይ ኣብ ደቂ ኣስንትዮ ዝንባለ ከም ዝነበሮ ዘኪራ ኣብ ጥርጣረ ኣተወት። ዳግም ሕስብ ኣቢላ፡ “ኖኖ! ሰለሙን’ኳ ኣይውዕሎን’ዩ፡” ኢላ ንፍሳ ኣደዓዓሰት። ናብ ዓይኒ ምድሪ ከይዳ ሽንቲማያ ድሕሪ ምድፋእ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ዘየድሊ ሃለውለው ምእታው ጸሊኣቶ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ተመልሰት። ሰዓት ተጸብያ ምስ ደንጐዩዋ ገለ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ከይከውን ሰጊኣ ናብ መደበር ፖሊስ ክትድውል ብምሕሳብ ብድድ እናበለት ከላ ድምጺ መኪና ሰምዐት። “ኡፍ! ግራሴ ዲዮ፡” ብምባል ኣበርቲዓ ኣተንፈሰት። ክልቲኦም ብመስተ ተኻኢሎም ደርገፍገፍ እናበሉ ኣተዉ። ሰለሙን ይሓይሽ’ምበር፡ ባሻይ ኣብራኾም ምእዛዝ ክሳብ ዝኣብዮም ካን ጢን’ዮም ተሰሪሖም።
“ሮዛ ጓለይ፡ ከመይ ኣምሲኺ?” በሉዋ በቲ ዝተዓጽፈ መልሓሶም።
ሮዛ ዕረ እናጠዓማ፡ “መስገኖ፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ሃበቶም።
ባሻይ ከዕልሉዋ ደልዮም’ኳ እንተ ነበሩ፡ ጨሪሾም ተኻኢሎም ስለ ዝነበሩ ድቃስ ጥራይ ተራእዩዎም ሰንከልከል እናበሉ ናብ መደቀሲኦም ሓለፉ።
ሮዛ ኣድህቦኣ ናብ ሰለሙን ብምምላስ፡ “እሂ’ታ ከምኡ ድዩ ዝግበር? በለቶ ተገሪጫ ደድሕሪኡ ናብ መደቀሲ ክፍሊ እናሰዓበት።
“ኤእ! እንታይ ዘይገበርኩ ሮዛ? ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ከም ዝብሉዎ ጸገም’የ ረኺበ ኣምስየ ኣይትሓዝለይ፡” በላ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ካምቻኡ ኣውጺኡ ኣብ ኵርሲ እናኣቐመጠ።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 39 ክፋል ረቡዕ 4 ለካቲት