ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
5ይ ምዕራፍ መበል 37 ክፋል
“ሓማትካ ይፈትዋኻ’የን ሃብቶም ድራር ክቕርብ እናበልኩ ከተፍ ኢልካ፡” በለቶ ሮዛ እንጌራ ትቐራርብ ስለ ዝነበረት ገጻ ከየዞረት።
“ሮዛስ ፈሊጠኪ’ለኹ ደሓን ዓርኪ ርእሲ ከሎ ስለምንታይ ደንግዩ ኢልኪ ኢኺ ትወቕስኒ ዘለኺ፡” ክብል መለሰ ሃብቶም ክምስ ወሲኹ።
“እሂ’ቲ ሮዛ፡ ዓርኪ ርእስኺ እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ?” በላ ኣብርሃም እናሰሃቐ። ንሃብቶም ብስም ዓርኪ ሰለሙን ዘይኮነ ብቈራጽነቱን ብርዝነቱን’ዩ ዝዝክሮ።
“ናይ ሃብቶም ግደፉዎ ናባይ ፈሊጠዮ’ለኹ፡ ብዛዕባ መሮኣ ከይነልዕለሉ ፈሪሑዩ ከሎ ገና ከምኡ ዝብል ዘሎ፡” እናበለት መኣዲ ቀረበት።
“ባሻይ ባርኹልና በሉ፡” በላ ወ/ሮ ገብርኤላ ናብ ባሻይ ተስፋልደት እናኣመልከታ።
“ተባረክ ወተቀደስ በስመስላሴ፡ ንዘሎ እኽለማይ ንዝሞተ መንግስተ ሰማይ፡ ብሩኽን ቅዱስን መርዓ ይግበረልና . . . ንበል ኣቡነ ዘበሰማያት. . .።”
ከክልተ ግዜ ኣቢሎም ምስ ኰለሱ፡ “ሃብቶም ወደይ ከኣ ሓንቲ ጓል ሰብ ኣምጽእ’ሞ ሓደ መዓልቲ ኣሳዕስዓና’ምበር፡” ብምባል ዕላል ከፈታ ወ/ሮ ገብርኤላ።
ሃብቶም ኰሊሱዎ ዝጸንሐ ድሕሪ ምውሓጥ፡ “ንሱስ ኣይክተርፍን’ዩ፡ ሕሳብ ስላሴ ኮይኑ ሓንቲ ንሮዛ ትመስል ቅጭን እንተ ረኺበ ጽቡቕ ጌርክን ከም ትቈጻጸያለይ ክገብረክን’የ፡” በለን ፍሽኽታ ሓዊሱ።
“ኣንታ ሃብቶም ወደይ፡ እዞም ደቂ ግዜ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ መልክዕ ጥራይ ተድህቡ? ጓልኣንስተይቲ’ኮ ትቕያሕ ትጸልም ልዕሊ ዅሉ ውሕልነታን ተባያን’ዩ መልክዓ። ጸላኢና! መልክዕ ሓጺብካዶ ዝስተ ኾይኑ!” ብዘረባአን ኩላቶም ሰሓቑ።
ሃብቶም ትቕብል ኣቢሉ፡ “ጠባይ ዘይብላ ማለተይ ዘይኮንኩ ከምዚ ናይ ሮዛ፡ ኣምላኽ ኵሉ ኣማሊኡ ዝፈጠራ ማላተይ’የ። ምኽንያቱ ወላ መልክዕ እንተ’ለዋ ስነስርዓት ዝጐድላ እንተኾይና፡ ወይ ከኣ ጠባያ ልዕሊ ሰብ ኮይና ኣብ ቅድሚኣ እንጌራ ክትበልዕ ዘይትኽእል ፍጥረት እንተኾይና ኵሉ ብላሽ’ዩ እቲ ነገር። ሓቀይዶ ሰሌ?” በለ ካብ ዓርኩ ናይ ደገፍ መልሲ እናተጸበየ።
“ኣነ’ኳ ሓቂ ዘረባ ናይ ኣቦይ ግዲ ወሲደ መልክዕ እድንድን’የ፡ ኣብ ቅድሚኣ ከይከውን’ምበር ነደይ ከምዚ ሎሚ ከይሸምገለት ከላ ርኢኹማ እንተ ትነብሩ፡ ማርያም ድያ ብኣካላ ካብ ሰማይ ወሪዳ ምበልኩም ኔርኩም።”
ወ/ሮ ገብርኤላ እቲ ዘረባ ጓል መንገዲ ክሕዝ ስለ ዝረኣይኦ፡ “ናቱስ ደሓን ኣይንሕሾ ኣይንሓምቆ እዩ’ቲ ነገር። ኣደኻ ኮይነካ ክተጸብቐኒ ደሊኻ’ምበር ካብ ሰበይዶ ጸቢቐ ኮይነ። ሕጂ ግን ኣድጊ ገዲፍካ ዝሓበጠ ጕላ ተኵስ ኣይትግበሩዎ’ቲ ነገር። ኰለል ገዲፍኩም ድማ ቁምነገር ተዛረቡ፡” ዝብል ርእይቶ ሃባ።
“ሰለሙን ንዘረባ ኣደኡ ትርጕም ከይሃበ፡ “ሓንቲ ጓልንስተይቲ ጠባይን ውሕልነትን ኣማሊኡ ጅህባ ከሎ ጽቡቕ’ዩ። እንተኾነ ሓደ ወዲተባዕታይ ንሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ክላለያ ከሎ መጀመርያ ብመልክዓ ተሳሒቡ’ዩ ዝቐርባ። ውሕልነትን ተባይን ድሒሩ ዝመጽእ ምኳኑ ክንፈልጥ ኣለና። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ከኣ ኣንስቲ፡ ‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ’ምበር ውሕልነትስ ካብ ጐረቤተይ እመሃሮ’ ዝብላ። ስለዚ፡ ኣደይ ግን ንውሕልነትን ጠባይን ክተቐድም ሓቃ እያ። ምኽንያቱ ቀደም ንሓዳር ትኸውን ጓል ክትመርጽ ከለኻ ጕዳይ ወለዶኣን ዓጽማን ድሕሪ ምጽራይ፡ ‘ወላድ ድያ? ወሓለ ድያ? ቈልዑ ተዕቢ ድያ፡’ ኢልካ ኢኻ ትሓትት። ጕዳይ መርዓ ብሽማግለ ምስ ተወድአ ከኣ መስኪናይ መርዓዊ፡ ነታ እንታይ ከም ትመስል ርእዩዋ ዘይፈልጥ ጓል ስድራኡ ስለ ዝመረጹሉ ጥራይ ኣብ በቕሊ ኣወጢሑዋ ይኸይድ፡” ኢሉ ኣስሓቖም።
“ብዛዕባ ሕጊ እንዳ’ባ ኣየናይ ኢልካዮ ኢኻ ንስኻኸ ክንድዚ ትዛረብ ዘለኻ? ኣየ ደቂ ዘበን! ከምኣ ኢልኩም ናይ ኣቦታትኩም ክተነኣእሱ ጥራይ መሬት ኮኣርበኩም! እንተኾነ፡ ኣቦኻ ባሻይ ክዛረቡ ምተጸበኻ፡ ካብኡ በል።አ ከኣ ነቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ጽፉፍ ባህሊ መላገጺ ክትገብሮ! ቍሩብ ሕፍር’ኳ ኣይትብልን? እሂቱም ባሻይ ንስኹምከ ትም ዲኹም ትብሉ?” በላኦም ቈላሕታአን ናብኦም እናሰደዳ።
“ናይታ ብንእስነቶም ንፈልጦም፡ ነዞም ደቅና ናይታ ብቈልዕነቶም ንፈልጦም ኵሉ ግዜ ኣእምሮኦም ዘይበሰለ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ክንደይ ግዜ ኢና’ሞ፡ ‘ምጾታት ኦኣለም ኣኺሉ፡ ኣቦ ጽናሕ ኣነ ክዛርተብ ዝብሉ ርኹሳት ፍጥረት ተወሊዶም፡’ ዘይበልና? ርግጽ’ዩ ቅድመኻ ጸሓይ ዝረኣየ ሰብ ናይ’ታ ብዕድመ ዝዓብየካ ብተሞክሮ፡ ብኣካይዳ ዓለም፡ ብትዕግስቲ ክበልጸካ ይኽእል’ዩ። ሎሚ ግን ዓይኒ ጸላኢኦም ይደፈን፡ እዞም ትርእይዮም ዘለኺ ቈልዑ ሳላ ትምህርቶም ንዓና ዘይስቈረናን ፈጺሙ ክርድኣና ዘይክእልን ነገራትዮም ዝፈልጡ። ሎሚ ግን ዓይኒ ጸላኢኦም ይደፈን እዞም ትርእዮም ዘሎኺ ቈለዑ ሳላ ትምህርቶም ንዓና ዘይስቈረናን ጨሪሹ ክርድኣና ዘይክእልን ነገራት’ዮም ዝፈልጡ። ንሕና ከኣ ኣብ ክንዲ ቆሎ ጥጥቖ እናልዓልና ንዕንቅፎም፡ ኣጆኹም ክንብሎም ጥራይ’ዩ ዘለና። ቀሊል ነገር ኣይኮነን’ምበር ምስ ግዜ ክንቅየር’ዩ ዝግብኣና ነይሩ። ሕጂ ድማ ዕላልኩም ደስ ኢሉኒ ስለ ዘሎ፡ ቀጽሉ ጥራይ’ዞም ደቀይ፡” ብምባል ንርእይቶአን ሸለል በሉዎ።
ኩላቶም ትም ትም ኢሎም ጸኒሖም፡ “ኣነ’ኳ ምስ ማማ እየ ዘለኹ። ምኽንያቱ ከምዚ ትብሉዎ ዘለኹም ኣብ መልክዕ ትኣምን እንተዄንኩም ካብ ኣንስትኹም ዝምልክዓ እንተ ረኺብኩም ደድሕሪአን ዘብዘብ ክትብሉ ኢኹም ማለት’ዩ። ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ድማ ውሕልነት ካብ ሰብ ትመሃሮ ነገር ኮይኑ፡ ጠባያ’ዩ ግን ምስ ሰብ ዘሕድራ፡” ክትብል ነቲ ኣርእስቲ ከም ብሓድሽ ከፈተቶ ሮዛ።
“ደሓን ንስኺስ ንሓማትኪ ክተሕጕሲ ደሊኺ ኢኺ፡” ክብል መለሰ ሃብቶም መንበሩ ንድሕሪት ገጹ ናብ መንደቕ እናሰሓበ።
ኩላቶም ጸጊቦም መኣዲ ጸሎት ድሕሪ ምግባሮም መኣዲ ተላዕለ። ኣእዳዎም ተሓጺቦም ኮፍ ምስ በሉ፡ ሰለሙን ነቲ ዘይተደምደመ ኣርእስቲ ከም ብሓድሽ ብምኽፋት፡ “ኩላትና ዘዝመስለና ተዛሪብና ኢና፡ ኣስኪ ኣብርሃም ዝብሎ ከኣ ንስማዕ፡” በለ ሓንሳብ ናብ ዶክተር ሓንሳብ ናብ ኣዲኡ እናጠመተ።
ኣብርሃም ሓጺር መልሲ ክህብ ከም ዘይክእል ፈሊጡ እዩ ትም ኢሉ ጸኒሑ። “ንሓደ ወገን ክድግፍ ክትጽበዩኒ የብልኩምን። ርእይቶይ ግን ክህብ’የ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። “ብዛዕባ መልክዕ ወይ ጽባቐ ክዛረብ እንተኾይነ፡ መጀመርያ መልክዕ ወይ ጽባቐ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ክንበጽሕ ኣለና። ስነውርሻ፡ ንመልክዕ ከም ውህደት ናይ ዝተፈላለዩ ቅርጽታት (Beauty is the unity of variety) ኢሉ እዩ ዝገልጾ። ዝያዳ ብሩህ መታን ክኸውን፡ ንኣብነት ሓደ ሰብ መልክዐኛ ክብሃል እንተኾይኑ እቶም ንመልክዑ ዘቝሙ ዝተፈላለዩ ባእታታት ኣካላቱት ውህደት ወይ ሓድነት ክፈጥሩ ኣለዎም። ትርድኡኒዶ ኣለኹም?” ኢሉ በብሓደ ጠመቶም።
“ቀጽል ንርድኣካ’ለና፡” ብምባል ኣራእሶም ነቕነቑ። “ጽቡቕ ተረዲአካ እንተ’ልየ፡ ንኣብነት ሮዛ ጽብቕቲ እየ ንበል። ሰለሙን’ውን ከምኡ። ምናልባሽ ኣፍንጫ እንተ ዝቀያየሩ ግን እቲ ናይ ኣካላት ውህደት ይጠፍእ ስለ ዘሎ ክልቲኦም ክፉኣት ምመሰሉ ነይሮም፡ ትብል ዘለኻ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡” ኣስዓበ ሃብቶም ርግጸኛ ንምዃን።
“ተረዲእካኒ ኣለኻ። እዚ ግን ጥምዓዊ’ምበር ምሉእ ትርጕም ናይ መልክዕ ኣይኮነ። መብዛሕትኦም ሰባት መልክዐኛ’ያ ክብሉ ከለዉ ካብ ጸጕሪ ርእሳ፡ ገጻ፡ ቅርጺ ኣካላታ እዮም ዝብገሱ። ስለዝኾነ፡ ሓደ ወዲተባዕታይ ንሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኵቐርባ ከሎ፡ ነዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ግዳማዊ ረቛሒታትዩ ከም መበገሲ ዝወስድ። ብዛዕባኣ ክሓስብ፡ ክምሰጥ፡ ሃነይነይ ክብል ክኢሉ ንበል። ብሓቂ ካብ መዓምቝ ልቡ ከፍቅራ እንተኾይኑ ግን፡ ላዛ ኣዘራርባኣ፡ ኣወዳድቓ ቃላታ፡ ድምጻ፡ ኣጠማምታኣ፡ ኣሳጕማ እፍራ፡ ለውሃታ፡ ርዝነታ፡ ተግባራታ ወዘተ ኣብ ግምት ከእቱ እዩ። ስለዚ፡ መልክዕ ክብሃል ከሎ ንደጋዊ ትርኢትን ነቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዝገሃድ ውሽጣዊ ባህርያትን ዘጣምር’ምበር ኣብ ግዳማዊ ነገራት ዝምርኰስ ኣይኮነን። ሃብቶም ብተገዳስነት ኣእዛኑ ኵር ኣቢሉ ክሰምዕ ጸኒሑ፡ “ሕራይ ብዛዕባ ትርጕም መልክዕስ ተረዳዲእና። መልክዕ ክብሃል ከሎ ግን ፍሉጥ መምዘኒ ወይ መዕቀኒ ኣለዎ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣስዓበ።
“በኾዅ ይብላ መብራት መሓዛይ፡ ትዛረቡዎ ጠፊኡኩም ሎምስ! ዜርኩም ዜርኩም ካን ቡን ወይ ሽኮር ጌርኩሞስ ኣብ ሚዛን ናይ መልክዕ’ምበኣር ኣቲኹም፡ ሎምስ ገለ ክንሰምዕ ኢና፡” በላ ወይዘሮ ገብርኤላ። ዕላሎም ዝኾነ ቅጭ ስለ ዘምጽኣለን ክትስኣ ቍሩብ’ዩ ተሪፉወን ነይሩ።
“ከምቲ ሼክስፒር፡ ‘ኣብ ዓለም ሕማቕ ወይ ጽቡቕ የሎን፡ ኣተሓሳስባና ግን ከምኡ ይገብሮ፡’ ዝበሎ መልክዕ ከኣ ፍሉይ መምዘኒ የብሉን። ንዓይ ኣብ ዓለም ናይ ቈናጁ ቈንጆ ኮይና ዝተሰምዓትኒ ጓልሄዋን፡ ንስኻ ክንደይ ትገኒ እያ ደቀይ፡ ህበይ! ክትብላ ትኽእል ኢኻ። በንጻሩ ብዓይንኻ ሓንቲ ሞናሊዛ ዝኾነት ሰብ ናይ እንዳመን ወንጫር’ያ፡ ተካል ገጻ እንተበልኩዋ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።”
ጽን ኢላ ክትሰምዖም ዝጸንሀት ሮዛ ኣብ መንጎ ብምእታው፡ “ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ’ሞ፡ ብኸመይ ኣገባብ’ዮም ኣብ ናይ ቍንጅና ውድድራት ቀዳመይቲ፡ ካልኣይቲ ኢሎም ደረጃታት ዝፈልዩ?” ክትብል ሓተተት።
“ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ኣብኡ እንተኾነውን እቶም ዳያኑ ተሰማሚዖም ማለት ኣይኮነን። ወላ’ኳ ኣብ ዝበዝሕ ረቛሒታት ይሰማምዑ እንተኾኑ፡ ንነፍስወከፍ ተወዳዳሪት ነናቶም ነጥቢ’ዮም ዝህቡዋ። ናይ ኩላቶም ተደሚሩ ምስ ተመቕለ ድማ ዝለዓለ ገምጋም ዘምጽአት ትዕወት። ስለዚ፡ ሓደ ዳኛ ንሃንቲ ተወዳዳሪት ኣብ ቅርጺ ኣካላት ምሉእ ነጥቢ ክህባ ከሎ፡ ኣብ መልክዕ ገጽ ዝወሃደ ነጥቢ ክህባ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብሓጺሩ ብዛዕባ መልክዕ ክዝረብ ከሎ፡ መልክዕ ካብ ጠማቲኡ እዩ ከም ዝብሃል፡ ኵልኻ ትረዳድኣሉ ናይ ሃባር ነጥቢ ኣሎ ክትብል ኣሸጋሪ እዩ። ኣነ እግራ ክሳለማ ዝደናደን ጓል ካልእ ሰብ ብጥራጣ ዘይክስሕቕ ይኽእል’ዩ።
ወ/ሮ ገብርኤላ ዕላሎም ምስሓብ ኣብዩወን ከምባህቛ ጀመራ። ሮዛ ስለ ዘስተዎኣለትለን ብድድ ኢላ ብምትሳእ መደቀሲአን ኣትሒዛተን ናብኣቶም ተመልሰት።
ዕላል ቁምነገር ሓዘል እናኾነ ብሰለስቲኦም መንእሰያት ተባሒቱ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ባሻይ’ውን ትክስ ስለ ዝበሉ፡ ኣብ እንዳ ሃብቶም ክሃድሩ ሰለስቲኦም ተተሓሒዞም ናብ ካዛንችስ ተበገሱ።
ይቕጽል
5ይ ምዕራፍ መበል 38 ክፋል ባሕቲ ለካቲት