ብርሃነ ገብረሂወት
ወርሒ ጥሪ 2015 ካብ ዝተዓዘበቶም ምንቅስቓሳት ሓደ፡ ድሕሪ ምቕታል ልዕሊ 10 ኣባላት መጽሔት ቻርሊ ኢብዶ ዝተኣኻኸበ ሰለማዊ ሰልፊ ፈረንሳውያን ኔሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ህዝቢ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐድኒ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ከምዘሎ ንኸረጋግጽ ናብ ጐደናታት ፓሪስ ክፈስስ ተራእዩ። ብሞት ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ዝተተንከፈ መሰል ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብትሪ ተቓዊሙ። Je suis Charlie – ኣነ ቻርሌ እየ! ብምባል ከኣ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ነብሱ ከም ዝወረደ ገይሩ ከም ዝርእዮ መስኪሩ። ከምዚ ዝበለ ደገፍ ዘለዎ ሃብታም ባህሊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ይሃበና ዘብል’ዩ።
ማዕረ ክንድዚ ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሃገረ ፈረንሳ ግን ብቐሊሉ ዝመጸ ዘይምዃኑ’ዩ። እቲ ንኣፍ ዓቢሱ ንጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ብምስዳድን ብምቕታልን ዝፍለጥ ዝነበረ ሰውራ ፈረንሳ ሎሚ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምብጽሑ ዓቢ ዓወት’ዩ ዘብሎ ሕልኽላኽ ብምሕላፉ’ዩ። ረዚን ዋጋ ውን ተኸፊሉዎ። ፈረንሳውያን ከምዚ ኢሎም ኣብ ጐድኒ ብርዕን ርሳስን ንኽቆሙ ዘኽኣለ፡ ውጽኢት ሰረት ናይቶም ኣብ ዘመነ ምንቕቓሕ ሓያል ቃልሲ ዘካየዱ ጸሓፍትን ነቐፍትን ምዃኑ ኣገዳሲ ይገብሮ። ሓደ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ግን ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት መጽሔት ቻርሊ ኢብዶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንህዝቢ ፈረንሳ ንምዕፋን ብኢድ መንግስቲ ፈረንሳ ተፈጺሙ እንተ ዝኸውን፡ ግብረ መልሲ ህዝቢ ከተማ ፓሪስ ከምዚ ዝረኣናዮዶ ምዀነ? ዝብል። እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ንምሃብ ግን ዘህውኽ ኣይኰነን። በቲ ኰነ በዚ፡ ክስተት መጥቃዕቲ ከተማ ፓሪስ ነቲ ኣብ መንጐ ብርዕን ብረትን ዘሎ ኲናት ኣጒሊሑ ዘርኣየ ፍጻመ ነይሩ። ጐድኒ ጐድኑ ድማ ምስሳን ሰዓብቲ ብርዒ።
ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት፡ ፍጻመ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ ክዀነሉ ዝነበሮ ግዜ ነይሩ’ዩ። ብውሕዱ ኣብ 2001 ከምኡ ውን 2009. ይኹን እምበር፡ እተን ንብርዕን ርሳስን ከሳዕስዓ ዝጀመራ ኣእዳው እናተቐርሰማ ብስቕታ ተሓሊፉ። ብዙሓት ኤርትራውያን ቻርሊታት ድማ ሽታ ማይ ኰይኖም ተሪፎም። መስከረም 2001 ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኤርትራ ዝተኣገዳላን ኤርትራውያን ቻርሊታት ዝተኣስሩላን ወርሒ ኰይና ተሰኒዳ ተሪፋ። ኣብቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ኣይተራእየን። ኣሰናዳእቲ ናይተን ዝነበራ ጋዜጣታት ከኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘለዉዎ ኣይፍለጥን። ህዝቢ ኤርትራ ውን ኣፉ ተለጒሙ ኣሎ።
ኣብ ታሪኽ መሰል ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኤርትራ፡ ወርሒ ለካቲት 2009 ውን ካብ ናይ ወርሒ መስከረም 2001 ዘይንእስ ፍጻመ እያ ኣእንጊዳ። ዝተሰምዐ ድምጺ ብዘይምንባሩ ድማ ከምታ ዝሓለፈት ብስቕታ ተሓሊፋ። ንሬድዮ ባናን ምስ ረድዮ ባና ቅርበት ንዝነበሮም ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ድማ በሊዓ። ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ክሲ ይኹን ፍርዲ ዘይቀረበሉ ማእሰርቲ ክልቀቑ እንከለዉ ሽዱሽተ ቻርሊታት ኤርትራ ግን ብዘይ ክስን ፍርድን ዛጊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ 2009 ዝተወስደ ስጉምቲ ገለ ክብል ካብ ዝሓስብ ኣይሓጸረን። ብዙሓት ስለ ዝተዛረብሉ ሸለል ኢለ ኣዋዲቐዮ ነይረ። ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኩነታት ፈረንሳ ግን ገለ ንኽብል ተደፋፊአ። እቲ ስጉምቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ‘ኣነ ንህዝበይ ብግቡእ ዘገልገልኩ ንጹህ ከም ጲላጦስ እየ’ እናበለ፡ ኢዱ ተሓጺቡ ብምቕራብ ዑቕባ ይሓትት ብዘሎ ተጸዋዒ ሚኒስትሪ ዜና ነበር፡ ብኣበሃህላኡ ‘እቲ ዝቕጽል ፕረዚደንት’ እናተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ፡ ብኣጸዋውዓ ብዙሓት ድማ ‘እቲ ዝቕጽል ውልቀ መላኺ’ ዝተወስደ ስጉምቲ’ዩ። ክሳብ ክንደይ መጽናዕቲ ተጌሩዎ ንሱ ጥራይ’ዩ ዝፈልጥ። ኣብ ባይታ ንዝተዓዘቦ ግን ቁልዕነታዊ ኣተሓሳስባን ብዕልግና ስልጣንን ዘበገሶ ምንባሩ ርኡይ’ዩ። ከምዚ ዝበለ ኣበሃህላ ንዓሊ ዓብዱ ንምጥቃዕ መሲሉ ዝረኣዮም ኣይሰኣኑን። ብዛዕባ በሰላን ኩነታትን ናይቶም ዘጥቀዖም ንጹሃት ቻርሊታት እምበር ብዛዕባ ዝሞተ ዓሳ ምዝራብ ግን ትርጉም ኣይህልዎን።
ዓሊ ዓብዱ፡ ሓደ ካብቲ ነቲ ስጉምቲ ከውስዶ ዝኸኣለ፡ ድሕሪ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት እታ ሓንቲ ነቲ ዘመሓድሮ ትካል ምኒስትሪ ዜና እትቃጸጾ ትካል መራኸቢ ብዙሃን፡ ብምኒስትሪ ትምህርቲ ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሜድያን እትውነን ሬድዮ ባና እያ ኔራ። ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን እናዓደመት ከኣ ነቲ ኣብ ደረቕ ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ዝተደረተ መደባት ምኒስትሪ ዜና ዝቐትል [ብፍላጥ ዘይኰነስ መምርሒ ስርሓ ስለ ዝዀነ ጥራይ]፡ ትምህርታውን ኣዘናጋዕን መደባት ከተዳሉ ብምጅማራ እያ ኣብ ዓይኑ ኣትያ። ብዘይብኡ ዓሊ ዓብዱ ቀናእ ባህርያት’ዩ ዘለዎ። ሰብ ትሕቲኡ እንተ ዘይኰይኑ ልዕሊኡ ክኸውን ዝወሓጠሉ ኣይኰነን ። ልዕሊ ሰብ ንምዃን ድማ ዘይገብሮ ኣይነበሮን። ብዘይካቲ ብስም ብዓልቲ ቤቱ ተጠቒሙ ኣብ ቆቢዕ ብርዒ ተሓቢኡ ዝጽሕፍ ምንባሩ፡ ስም መቓርብቱ ብምዕዳግ’ውን ይነጥፍ ነይሩ’ዩ። ኣብ ቅርሰና ሓይሊ ዘለዎም ግጥምታት ድማ ኢዱ ሓጻር ኣይነበረትን። እታ ናይ ጾታ ምቅይያር ጥራይ ጌሩ ዘቕረባ ‘ንግስትና’ያ ስውእቲ’ ግጥሚ ኢሰያስ ጸጋይ ደኣ ጽቡቕ ጌራ ትኸሽሓዮ እምበር፡ በዚ ጉዳይ ብዙሓት ዒሕ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ንዓሊ ስልጣን ምሃብ እምበኣር ንዝብኢ ሓልወለይ ኢልካ ስጋ ምሃብ’ዩ ነይሩ። በዚ ድማ ንኣካየድቲ ሬድዮ ባናን ምስኣ ቅርበት ኣለዎም ዝበሎምን ኣብ ምቕራም ኣትዩ።
ዓሊ ዓብዱ ተጸዋዒ ሚንስትሪ ዜና ነበር
ካብቶም ብዙሓት ነታ ሬድዮ ዘካይድዋን ገለ ዝብላዕ ጽሑፋት ዘበርክቱላ ዝነበሩን፡ እዞም ካብ 2009 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኤርትራውያን ቻርሌታት፡ ባሲሎስ ዘሞ፡ በረኸት ምስግና፡ ይርገኣለም ፍስሃ፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ መለስ ንጉሰ፡ ጴጥሮስ ተፈሪ እዮም። ካብዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ብዘይካ ምስ ክልተ (እዚ ውን ክበጽሖ ዘይከኣልኩ)፡ ዓሊ ዓብዱ ምስ ኣርባዕተ ርኡይ ጽልእን ምትህልላኽን ነይሩዎ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ውን ይንጸባረቕ ነይሩ። ምስ በረኸት ምስግና፡ መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብርሃምን ይርገኣለም ፍስሃን ምጥዕዓም ኣይነበሮን። ሓደ ካብቲ ካብ ኣኣምሮይ ዘይሃስስ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ልዕሊ መለስ ንጉሰ ዝነበሮ ኣጠማምታ’ዩ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ብልክዕ ዕለቱ ኣብ ዘይዝክሮ [ኣብ ሰነድ ግን ዘሎን ዝነብርን] ሓደ ፍጻመ ነይሩ። ኣዳላዊ መደብ ቆላሕታ ኣብ ኤሪ ቲቪ ጋዜጠኛ ኣስመሮም በርሀ፡ ንዮርዳኖስ ኣብርሃ፡ ጸሃየ ወልደሩፋኤልን መለስ ንጉሰን ብምዕዳም፡ ንስነ ግጥሚ ዝምልከት ናይ ክልተ ክፋል መሰናድኦ ኣዳልዩ ነይሩ። ቀዳማይ ክፋል ሰንበት ተፈንዩ። ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝድገም መደብ ሞዛይክ ግን እቲ ቀዳማይ ክፋል ብካልእ ዘይነበረ መደብ ተተኪኡ ንፈነወ በቒዑ። ካልኣይ ክፋል ውን ተጠኒሱ ከይተሓርሰ ተሪፉ። እንታይ ደኣ ተረኽበ እንተ ተባህለ ከኣ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ተዛተይቲ ናይቲ መደብ መለስ ንጉሰ ስለዝነበረ፡ ብትእዛዝ ዓሊ ዓብዱ ንኽቋረጽ ከም ዝተገብረ ተዘሪቡ። እዚ ድማ፡ ዓሊ ዓብዱ ኣብታ ከም ናይ ብሕቱ ዝርእያ ዝነበረ ኤሪ ቲቪ ንመለስ ንጉሰ ክርኢ ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ ጥራይ ነበረ።
መለስ ንጉሰ ነታ ብሳባ ኪዳነ ዝተጀመረት መደብ ረምታ ንሓያሎ ኣዋርሕ’ዪ ዓቲቡ ሰሪሑላ ። ክሳብ ምስ ዓሊ ዓብዱ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ረኺቡ ዝገድፋ ከኣ ንኣፍቀርቲ ግጥሚ ዘወናውኑ ትሕዝቶ ግጥምታት የቕርብ ነይሩ። ድሕሪኡ ግን ድምጹን ድምጽማጹን ኣብቲ ብዓሊ ዓብዱ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ንኸይስማዕ እገዳ ተጌርሉ። ብናይ ስራሕ ስንፍና ዘይኰነ ከኣ መዝሙር ዓሊ ስለ ዘይደገመን ንሸውሃት ዓሊ ስለ ዘየዕገበን’ዩ ነይሩ። ኣብ በይኑ ጥራይ ውን ኣይነበረን። ጽልኢን እገዳን ዓሊ ዓብዱ፡ ንገለ ኣባላት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ድምጻዊ ኣብራሃም ኣፈወርቅን ውን ዘረኻኸበ’ዩ። ናይ ድምጻዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ካብ ተላዕለ ግን ዝያዳ ኣብቲ ምኒስትሪ ዝነበሩ ደኣ ኣስፊሖም ክገልጽዎ ይኽእሉ ይዀኑ’ምበር፡ ደርፍታቱ ንኸይፍኖ ብዓሊ ዓብዱ ተኸልኪሎም ምንባሮም’ዩ። ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እንከሎ ብትእዛዙ ዝተቛረጸ ቃለ መጠየቕ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ከም ዝነበረ ውን ብዙሓት ዝፈልጥዎ ሓቂ’ዩ። ነቲ ቃለ መጠየቕ ዘካይደሉ ዝነበረ ጋዜጠኛ ብሂወት ስለ ዘሎ ብዛዕባ እታ ኣጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ገለ ይብል ይኸውን።
ገጣማይ መለስ ንጉሰ ክፍሉ
ነዚ ዘስተውዓለ ኣብርሃም ካልእ መንገዲ ክድህስስ ኣይተጸገመን። ምስ ህዝቡን ኣድነቕቱን ንምርኻብ ምርኢታት ክሰርዕ ጀሚሩ። ብዘይካዚ ኣብ ረድዮ ባና መቐረት ዘለዎ ቃለ መጠየቕ ምስ በረኸት ምስግና ኣካይዱ ኔሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ኣብቲ ከም ውልቀ ትካሉ ዝርእዮ ሚኒስትሪ ዜና፡ ዜና ዕረፍቲ ንኸይዳለወሉ ዓሊ ዓብዱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ኣብርሃምስ እኳ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ንሱ ግን ህልኹ ይቕጽል ነይሩ። እታ ብሂወት እንከሎ ዘዋግዓቶ ረድዮ ባና ግን ወላ እኳ ናይ ዜና መደብ እንተ ዘይነበራ፡ ድሕሪ ሞቱ ናይ ሓዘን መደባት ኣዳልያ ኔራ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ዜና ከይትሰርሑሉ ዝተባህለ ሚኒስትሪ ዜና፡ ወላ ደኣ ብትእዛዝ ዓሊ ይቈረጽ እምበር ጋዜጠኛ ግርማይ ኣብራሃም ኣብቲ ዘዳልዎ ዝነበረ መደባት ስነ ጥበብ ሸፈነ ሂብዎ’ዩ። እዚ ድማ ሕማም ርእሲ ንዓሊ ዓብዱ ነበረ።
ገጣማይ ግርማይ ኣብርሃም
ኣማውታ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኢድ መንግስቲ ከም ዘለዎ ሕሜታ ስለ ዘለዓዓለ፡ መንግስቲ ኢድ ከም ዘይብሉ ንምርኣይ ክስራሕ ዘለዎ መደብ ከም ዘሎ ቀልጢፉ’ዩ ተረዲኡዎ – ንዓሊ ዓብዱ። ናብ ደሴት ዳህላክ ምስ ኣብራሃም ንዝተጓዕዘ ሰኣላይ መኰነን ወልደኣብን ናብ ሳዋ ዝኸደት ናይ ጉጅለ ማሕበራዊ ዕድጊ ኤርትራ ሰኣሊት ዝዀነት ዓወትን ብምውካስ፡ ኣብ ሳዋን ዳህላክን ናይ ዝተኻየደ ምርኢታት ስእሊ ተቐናቢሩ፡ ነቲ ዝነበረ ትሒምሒም ንምዕባስ ፈቲኑ’ዩ። እዚ ግን ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ’ዩ ነይሩ። ሞት ኣብራሃም ቀዳም 7 ጥቅምቲ፡ ስነ- ስርዓት ቀብሪ ሰሉስ 10 ጥቅምቲ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ መደብ ቆላሕታ ኤሪ ቲቪ ዝቐረበ መደብ ድማ ሰንበት 15 ጥቅምቲ’ዩ ኔሩ። ቅድሚ እዚ ግን ግርማይ ኣብራሃም ኣብተን ዘዳልወን ዝነበረ መደባት ሰዓት ስነ ጥበባትን ደቓይቕ ምስ ግጥምን፡ ከምኡ ውን ረድዮ ባናን ኣባላታን ስፍሕ ዝበለ ሸፈነታት ሂቦሞ ነይሮም እዮም።
ብዘይካዚ ነቲ ናእዳ እምበር ነቐፈታ ዘይእንታዩ ስነ-ጥበብ ሃገርና ግርማይ ኣብርሃም ኣይነሓፎን። ነታ “ዝባን ሕጊ’ባ!” ዘርእስታ ኣብ ኤሪ ቲቪ ዝቐረበት ተኸታታሊት ፊልም ሰሎሙን ድራር፡ ብዓይኒ ስነ ጥበብ ዝባን ሕጊ ካብ ዝበሉ ግርማይ ሓደ ኔሩ። ብረብሓ ንሰለሙንን ዓሊን እተራኽብ ስለ ዝነበረት [ብዘይብኡ ውን ኣዕሩኽ እዮም] ንዓሊ ኣይተዋሕጠሉን። እቲ ስኒ ምሕርቃም ውን ሽዑ ንሽዑ ጀሚሩ። ነቲ ንስነ ጥበባዊ ሸውሃቱ እምበር ሸውሃት ሓላፊኡ ንኽእብድ ዘይሰርሕ ግርማይ ሸረኽ ንኽጻወደሉ ግዜ ኣይወሰደን። ካብ ዝነበሮ ቦታ ስራሕ ከኣ ኣብ ምኒስትሪ ዜና ብሓውሲ እንዳ ድስኩላት ዝፍለጥ ቦታ ስራሕ ተቐዪሩ።
ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ ዓሊ ዓብዱ፡ ኣብቲ ንዘላቶ መጽሓፍ እናተለቓቕሐን ምስ ሻሂ ተመኩሮ ሂወት እናኣኻፈየን፡ ፍልጠት እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዝነበረ፡ ዝንባለ ጽሑፍን ንባብን ዝነበሮ ወለዶ ብቅንኢ ዝሰረጾ ጽልኢ’ዩ ነይሩዎ። እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከኣ ካብዚ ዝተበገሰ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ብዙሓት’ዩ።
እዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ቻርሌታት ኤርትራ፡ ኣብ ምጅማር እዛ ብመኣዲ ስነ ጥበብ እትፍለጥ ኣብ ኤሪ ቲቪ እትቐርብ መደብ ትሕዝቶኦም ኣይበቐቑን። ጴጥሮስ ተፈሪ ዘቕረባ ግጥሚ ክዝክራ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ግርማይ ኣብርሃም ‘ኣይደቀሱን ገና’፡ መለስ ንጉሰ ‘ደወል ተደዊሉ’፡ ይርግኣለም ፍስሃ ከኣ ‘ ጐዳኢኺ ይጐዳእ’ ዝብላ ግጥምታት ኣብ ኢምፐርያል ሆቴል ኣቕሪቦም ምንባሮም እዝክር። እዘን ግጥምታት ግን ንፈነወ ኣይቀረባን። ድሕሪ ምእሳሮም ድማ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብኡ ዝቐረበ መደብ ንኽወሃቦ ዓሊ ዓብዱ ንክፍሊ ዜናን ክለባትን ሃማመተኤ ሓተተ። ካብ ቢስ ቪድዮ ፕሮዳክሽን ድማ ንብምሉኡ ተረኪብዎ። ብዘይካ እዚ ኣብቲ ብምኽንያት ስርሒት ፈንቅል ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምሸት ስነ ጥበብ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ዘይከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ኣይተጸውዑን ጥራይ ዘይኰነ ኣዳለውቲ ናይቲ መደብ ኣብ ግምት ንኸየእትዉዎም ውን ብዓሊ ዓብዱ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ። ኣይደንጐየን ከኣ ድሕሪ ምዝዛም ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ስርሒት ሬድዮ ባና ብምውህሃድ ዓሊ ዓብዱን ፍሊጦስ ወልደዮሃንስን [ናይ ሽዑ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚ] ተፈጺሙ።
ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ቅድሚ’ታ ናይ መወዳእታ ናይ ስንበታ ሰዓት
ስርሒት ረድዮ ባና ለካቲት 2009 ከመይ ከም ዝነበረ ሕጽር ብዝበለ መገዲ ምግላጹ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ብርዕን ወረቐትን ዝዕጥቆም ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ምሉእ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣባላት ሬድዮ ባና ኣኼባ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም። ሰዓት ኣኼባ እናተጸበዩ እንከለዉ ግን ብመኪና ዝመጹ ኣባላት ሰራዊት ተወርዋሪ እዚ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብምኽባብ ሃጂሞሞ። ኣብኡ ንዝጸንሐ ሰብ ከኣ ብኣልማማ ናብ መኪና ሰቒሎሞ። ጻዕዳኡን ጸሊሙን እናተደሰቐ ናብ ዓዲ ኣበይቶ ተወሲዱ። ንምሸቱ፡ ብመሰረት ተዳልዩ ዝጸንሐ መዝገብ ዝድለዩ ኣትሪፎም ዘይድለዩ ከኣ ንገዝኦም ተፋንዮም። እቶም ስርሖም ኣብ ካልእ ቦታን ሚኒስትሪታትን ዝነበረ ከኣ ንጽባሒቱ ከካብ ዘለዉዎ ተለቒሞም። ኣብቲ እዋን፡ ንምውንጃሎም መታን ክጥዕም በዚ መጺኡ ዘይተባህለ ወረ ክንዛሕ ጀሚሩ። ምስ ተቓወምቲን ተጻባእትን ኤርትራ ዝበሃሉ ወገናት ርክብ ከም ዝጸንሖም ጌርካ ንምቕራቦም ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ብዙሕ ተወርዩ። ጭብጢ ግን ኣይተረኽቦን። ነበረ ኰይኑ ከኣ ተሪፉ። እቲ ዘገርም ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኣርባዕተ ዓመት ጸኒሖም ብጌጋ ኢኹም ተኣሲርኩም ተባሂሎም ብዋሕስ ዝወጹ [ብጌጋ ተኣሲሮም ክነሶም ብዋሕስ ከም ዝወጹ ዝተገብረ]፡ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ረድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ፡ ካብቲ ኣብ ደገ ዝዕለል ወጻኢ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ክቐርበሎም ዘይምኽኣሉ ምምስካሩ’ዩ።
ገጣሚት ይርጋኣለም ፍሳሓ መብራህቱ
ጉዳይ ቻርሊታት ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ምትሕሓዙ ምስ ዓሊ ዓብዱ እንተ ነይሩ፡ ምስ ምህዳሙ መፍትሒ ምተገብረሉ። ምስኡ ምትሕሓዝ ስለ ዘይብሉ’ዩ ማእሰርቶም ተናዊሑ ዘሎ ዝብሉ ኣይሰኣኑን እዮም። ሓደ ካብቲ ዘሕዝን ነገር ግን፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ጋህታፍን ብጋህታፋት ዝመሓደርን ምዃኑ’ዩ። ከእቱ እንተ ዘይኰይኑ ከውጽእ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሓለውቲ ናይዚ ኣብያተ ማእሰርቲ እንታይን ስለምንታይን ኢሎም ዘይቅበሉ ወይ ዘየውጽኡ ምዃኖም’ዩ ጋህታፋት ዘብሎም። ሰባት ከም ንብረት ሕድሪ ተቐቢሎም’ዮም ዘቐምጡ። ንሓደ ንጹህ ይኹን ገበነኛ ሰብ ምስ ተቐበልዎ፡ ዝሓቶም እንተ ዘይረኺቦም ኣይሓቱሉን ኣይሓትዎን። እቲ ዝሓቶም ውን ብስልጣን ጐይታኦም ምስ ዝኸውን ጥራይ! ዕድል ኤርትራውያን ቻርሊታት እምበኣር ከምዚ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
ልዕሊ ኩሉ ዘተሓሳስብ ነገር ግን፡ ኣብ ብረት እምበር ኣብ ብርዕን ውጽኢቱን ምልከትን እምነትን ዘይብሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዚ ናይ ፈረንሳ ዝበለ ባህሊ ዘማዕብለሉ እዋን ይመጽእዶ ይኸውን? ኣብ ልዕሊ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ዝወርድ በደል ኣብ ልዕሊኡ ከም ዝወረደ ዝግንዘበሉ እዋን መዓስ ይኸውን? እታ ስርሓ ፈቲሓ ኣብ ጐድኒ ጠበንጃ ዝተሰለፈት ብርዒኸ መዓስ ናብ ስርሓ ትምለስ ትኸውን? ከምዚ ዝበሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ምምልላሶም ኣይተርፎምን። ከም ናይ ህዝቢ ፈረንሳ ባህሊ ኣብዚ ዞባ ትናፍቕ። መዓስ ኮን ይገሃድ ይኸውን? እናበልካ ንነብስኻ ካብ ምሕታት ኣይተዕርፍን። መልሲ ግን ካበይ ይምጻእ? ፍትሒ ንኤርትራውያን ቻርሊታት!!
4 Comments
NICE JOB
zegerim TIMBIT .
ዓሊ ዓብዱ ኣካል ናይቲ ዘሎ ስርዓት ኮይኑ ኢዩ ነቲ ተግባር ፈጺምዎ። ኣብዛ ጽሕፍቲ እቲ ገበን ብዘይ ናይቲ ስርዓት ኣፍልጦ ዓሊ በይኑ ዝወዓሎ ገበን መሲሉ ኣሎ። ተሓታቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ እቲ ስርዓት እምበር ኣሰርቲ ወይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮኑን።
ምዓስ ብዘየገድስ ምምጽኡ ግን ዘይተርፍ ዩ።ንምቅልጣፉ ድማ ከይተሓለልና ሓቦ ንበል ……………….