ኣማን ተኸስተ
ኣቡ ዳቢ
መራግእቲ፤
ኣብ ፈይስ ቡክ ይኹን ካልእ መሳዂቲ መርበብ፡ ብተራ ጽሑፋትን ሓሳባትን ምስ ሰልከየካ፡ ብመገዲ ሓጺር ዛንታ ይኹን ግጥሚ፡ ንተመኩሮ ሂወት -ብዓይነትን ዕምቈትን- ዝፈትሉ ዝኣልሙ ክበዝሑ ትምነ። ግደ ሓቂ’ውን “እቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ” እናበልና ብትጽቢት እነንባሁቘሎም እኮ፡ ዘይ ብእምነትን ተስፋን፡ ላዛ ሂወት እንተ ጸሓፉልና ካብ ዝብል ምንዮት’ዩ። ኣብቲ ዝቐርብ ዛንታታት፡ ነቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ክትግምግም /ክትንትን ወይ’ውን ትርጉም ክትገልጽ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ምህያስ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መትከላትን ረቛሒታትን ተመርኲስካ ዝትንተን፡ ባዕላዊ ፍርዲ’ውን ስለ ዘጣምር ኣብ ገሊኡ ትንተና ዳርጋ ኮን ደኮናዊ እዩ። እቲ ምኽንያት፡ ንብዕምቈት ዘንብብ ኣስተማቓሪ፡ ጸሓፊ ዝሓሰቦን ዘይሓሰቦን ካብቲ ጽሑፍ ክትንትን ስለ ዝኽእል እዩ።
ሓንቲ ዛንታ ምስ ተዘርግሐት፡ ባህርያዊ ወስታ ዝፈጠሮ ድፍኢት፡ ኣንባቢ ምስታ ዛንታ ክጠማጠም – ክተሓናነቕ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ኣብቲ ህጁም ምትሕንናቕ፡ ጸሓፊ ዛንታ፥ “ከምዚኣ እንድየ ደኣ ሓሲበያ ነይረ” ዝብለሉ ምኽንያት የሎን። ዕላማ ናይ ፈጠራ ጸሓፊ፡ ብውሕሉል ኣነዳድቃ ዝተሃንጸ ዛንታ ጌርካ ምዝንታው እዩ። እቲ ዕምቈትን ላዛን ቋንቋ፡ ቅርጺ ዛንታ፡ ቅዲ ኣቐራርባ ከመይ ኣሎ ድማ ኣስተማቓሪ ይውስኖ። ኣስተማቓሪ /ሃያሲ፡ ዘቕለበሉን ዝተረደኦን መልእኽቲ ዛንታ፡ ከም ቀንዲ ነገር ይረአ ደኣ’ምበር ደራሲ ዝሓለኖ ትርጉም ጽሑፍ (ኣብቲ ቅርጺ ክሳብ ዘይተራእየ) ቦታ የብሉን። ጸሓፊ ዝሓለኖ ቴማ ይኹን ሓሳብ፡ ብኽእለት ቋንቋን ኣቀራርባን ይውሰን። ኣስተማቓሪ /ሃያሲ ንቓና፡ ሙድ፡ ቴማን ምከናን ኣወሃሂዱ ዝቕጀሎ ሓሳብ /መልእኽቲ — ንሱ እዩ መልክዕ ዛንታ – ትርጉም ዛንታ።
*****
ሀ) ዛንታ ብዓይኒ መሰረታዊ ረቛሒታት ስነ-ጽሑፍ
1) ጽማቚ ትሕዝቶ ዛንታ ስሓ መሸኒት ብኣብርሃም ተስፋልኡል፤ ብሰንኪ ጉዳይ ‘ስግረ-ዶብ’፡ ‘ዕጸ ፋርስ’፡ ‘ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት’ ወዘተ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት ምምዛዝ ሓድሽ ሓላፊ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣማእኪሉ ንዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብኡ ዝኽሰት ውልቃውን ሓባራውን ስምዒታት፡ ኣእምሮኣዊ ኣቓውማ’ቶም እሱራት … ወዘተ. ብመገዲ ባጫ፡ ግርምቢጥ እትትርኽ እያ።
2) ትልሚ፤ ሌላ ምስ ሓድሽ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ (መበገሲ ትልሚ)… ኣብ ዝርጋሐ ምዂርማጅ ሓሳባቶም ክሰምዕ ምሕታቱ (ጠንቂ) … ኣዘንታዊ ዝሃቦ መልሲ (ቀስቃሲ) … ግብረ-መልሲ ዓንዶም (ግጭት) … ዝሰዓበ መስርዑ ዘይሓለወ ርእይቶታት እሱራት (ሳዕቤን) … ዘይተጸበይዎ መቕጻዕቲ (ጥርዚ ግጭትን ፍታሕን) ኣለዋ። እዛ ዛንታ፡ ሽሕ’ኳ ፈዂስ ትልሚ ሓቚፋ እንተ ተሳለየት፡ ንመልእኽቲ ጸሓፊ እኹል’ዩ ክንብል ንኽእል።
# ጸሓፊ፡ ንቐዳማይ ገጽ’ዛ ዛንታ ንመእተዊ ትልሚ (exposition) ጥራይ ምጥቃሙ፡ ኣመና በዚሑ። ካብ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ገለጻ መእተዊ ትልሚ፡ ኣዘንታዊ ምስቲ እድሪስ ዝበሃል መዳቕስቱ ብመልክዕ ‘ዲያሎግ’ ነቲ ድሕረ-ባይታ፡ ዝነበረ ፍጻመ፡ ምከና እናገበረ እንተ ዝቐርብ ቊሩብ መለሳ ምሃለዎ። ቊጽሪ 2፡ 3፡ 4 ተጸሚቜን ኣብ ሓንቲ ሕጡበ ጽሑፍ ክኾና ዝኽእላ እየን። ቊጽሪ 5፡ 6 እውን ከምኡ።
3) ገጸ-ባህርን ትረኻን፤
ኣዘንታዊ ገጸ-ባህርይ ማለት ኣብርሃም፡ ልሙስ ገጸ-ባህርይ እዩ። ምስ ምምዕባል ዛንታ /ትልሚ ዝኾነ ዝረኣየሉ ምምዕባል ጠባይ፡ ዘስከአ ሓይሊ ገለ የብሉን፣ ኣብ ትረኻ ዝተጻወቶ ተራ ምስ እንርኢ፤
ትሕተ መሬታዊ ሸላ ምስ ጽበቱ፡ ጥሜት፡ ሽታ ረሃጽን ሽንትን እንከሎ ዝጋነን ኣይኮነን ምባሉ [ግርምቢጥ]፣ መምስ ዝመጸ ጣቕዒት ዘጣቕዕን ንዘመስገኑ ዝንእድን እሱር ብምዃኑ [ኣምሰሉ]፣ መቑነን መግቢ ናብ ክልተ ክብ ምባሉ ኣዘንታዊ ከይተረፈ ከም ዘስደመሞ [ግርምቢጥ]፣ ተኽእሎ ዋሕዲ ማይ ብዙሕ ከም ዘየሻቐሎ [ዘይእመን]፣ ኣብ ኣገባብ ምዂርማጅ ምትዕርራያት እንተ ዝግበር፡ ብውልቁ ንዓመት ክጸንሕ ዝመርጽ እሱር ኣይምተሳእነን ዝበሎ [ዝተጋነነ /መርትዖ-ኣልቦ ]፣ ካብ ጉዳይ ምዂርማጅ ዝዓቢ ዛዕባ ዘየለ ኽነሱ ዘይገመትናዮ ኣርእስቲ ተላዒሉ ምባሉ [እምበርዶ ጥዕና ኣሎዎ፧ ዘብል’ዩ] … እዝን ካልእን ጭብጢ ካብ ረኣና፡ ገጸ-ባህርይ ኣብርሃም “ዘይእመን ኣዘንታዊ (unreliable narrator)” ክንብሎ ይከኣል። ብፍላይ ግን፡ ምዂርማጅ ንመዓልቲ ክልተ ግዜ ክኸውን፡ እተን ናይ ንግሆ ሓሙሽተ ኲርማጅን ክተርፋ (ኣብ ጸብጻብ ግን ጸገማት ንከየምጽእ ወላ ከም ዝተኻየደ ክምዝገብ) ኢሉ ኣዘንታዊ ዝተዛረቦ’ሞ፡ ዓንዶም ማዕረ ብዘረባ ዝተፈንጀረላ ኣጋጣሚ፡ ዘይብስለት ኣዘንታዊ ዘመልክት እዩ። በዚ ምኽንያት ካብዚ ኣዘንታዊ ዝኾነ ሞራላዊ መልእኽቲ ክንጽበ ኣይከኣልን።
4) ቴማ፤ ዝተላዕሉ ዛዕባ — ስነ-ሞጎት ዘይብሎም ጠባያት፣ ውዲትን ስለላን ዓንዶም፣ ምስሉይነት ወዲ ሃይለ፣ ጭካነን ሻርነትን’ቶም ኣባላት፣ ስቅያት እሱራት፣ ፍርሒ፡ ከንቱነት፡ ድንቁርና እሱራትን ካልእን ዘጠቓልል ኣካቲታ’ኳ እንተ ሃለወት’ዛ ዛንታ፡ ቀንዲ ሕመረታ ግን ሃዚልነትን ዘይትስፉውነትን (Absurdity and hopelessness) እያ ትገልጽ። እቲ ‘ኣብሰርዲቲ’ ነቲ ካብ ንእንስሳታት’ውን ዘይትምነዮ ኣተሓሕዛ እናተገብረሎም ዘጣቕዑን ዘመስግኑን፣ ዘይትስፉውነት ድማ ሓፈሻዊ ነቲ ብኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ዝግበር ዘሎ ጭካነን ኣገባብ ኣተሓሕዛ እሱርን ምስ ኣስተውዓልካ ዝሓድረካ ርእየት እዩ።
ብሃይማኖታዊ ጉዳይ፡ ስግረ ዶብን ኮንትሮባንዳን ተወንጂሎም (መብዛሕትኦም’ውን ምኽንያት መእሰሪኦም ዘይፈልጡሉ) ከም እንስሳ ዘገዳም ኣብ ጸቢብ ትሕተ-መሬታዊ ሸላታት ዳጒንካ ብጥሜት ምስ ነጠብጣም ሽንትን ረሃጽን ክትኣስሮም ሃየንታ’ዩ። ደቂ ዜጋ ምዃኖምስ ይትረፍ፣ ሰብ ጥራይ ምዃኖም ማዕረ ተዘንጊዑ ከም ውጉዝ ኩኑን ሓጥእ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምእሳርሲ መስጣ ዘሎዎ ዝመስል ኣገባብ ኣተሓሕዛ እዩ። ነዚ ዝመስል ኩሉ ኤርትራዊ ተመኩሮታት ምስ ፈለጥካ፡ ኤርትራዊ ድሕሪ ሞት ወላ ገሃነም እንተ ኸደ፡ ነገር ገሃነም ከም ዘይሕድሶን ቀልጢፉ’ውን ከም ዝለምዶን ይረኣየካ።
ከምቲ ኩሎም ወተሃደራውያንን ፖለቲካውያንን ሓለፍቲ ዝብሉዎ፡ እቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ’ውን ዝበላ፥ “ከም መንእሰያት መጠን ተስፋ ክንቈርጽ ከም ዘይብልና፡ መጻኢ ዕድልና ኣብ ኢድና ምዃኑ፡ ይሕጸር ይንዋሕ ቅንዕናና ከውጽኣና ምዃኑ” ወዘተ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘርእይዎ ኣሽካዕላልን ዘለፋን መወዳድርቲ ኣልቦ እዩ። ንመንእሰይ፡ ሰብ ከም ዘይኮነ — ሓደ ብላሽን ዋጋ ኣልቦን ምዃኑ — ብግብርን ኣተሓሕዛን እናኣርኣዩና፡ ቅንዕና ዶ መጻኢ ዕድል ክብሉሲ ከም ህዝቢ’ውን ኩልና ኣእምሮና ስሒትና ከይንህሉ የፍረሓካ። ናይ መንፈስ ኣዒንትና ዒረን ይመስላ፣ ሰብኣውነት ከም ኣምር’ውን እንፈልጣ ኣይንመስልን።
ድሕሪ ኲናት 98-00 ዝተፈጥረ ኣእምሮኣዊ ክስተት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ባዕሉ ይፈልጦ። ዕድልካ እንተ ዘይጸቢቑ፡ ብኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕቲ-መሬት ተኣሲርካ ምስ ወጸኻ፡ ከምቲ ዝብልዎ መጻኢ ዕድልካ ኣብ ኢድካ ዘይኮነስ ምስ ዓመጽ ኣእምሮ (ፖስት ትሮውማቲክ ስትረስ) ክትነብር ትፍረድ።
5) ምከና፤ ጸሓፊ ከመሓላልፎ ንዝሓለኖ ቴማ ካብቶም ቀንዲ ጸላዊ ባእታ፡ ምከና እዩ። ዕላማ’ዛ ዛንታ ሃዚልነትን ዘይትስፉውነትን ንምንጽብራቕ ብምንባሩ፡ ጸሓፊ ዝተጠቐመሉ ምከና (ቤት ማእሰርቲ) ነቲ ዕላማ ንምስግጋር ኣዝዩ ሓጋዚ መድረኽ’ኳ እንተ ነበረ፣ ተኣማንነት ንኽህልዎ፡ ‘ግዜ’ ብውስጠዘኣዊ መገዲ ክሕበር ነይሩዎ። ካብ ምድሃልን ፍርሕን ዝተበገሰ ዝመስል፡ እቶም እሱራት ዘርእይዎ ከንቱ ጣቕዒትን ድጋፍን (defence mechanism) … መዓስ እዋን’ዩ ማዕረ ክንድዚ ሃዚልነት እሱራት ዝተራእየሉ ንዝብል፡ ዝምልስ ምከናዊ ሓበሬታ የለን። (እሱራት ናይ ሰማንያታት፡ ተስዓታት፡ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር፡ ድሕሪ 2010 ኣዝዩ ዝተፈላለየ ጠባያት ኣሎዎም።)
ለ) ተክኒካዊ ብልሓት፡ ስእላዊ ገለጻ፡ ቅድን ቅርጽን
1) ቃናን ኣንባቢ ዝሓድሮ ስምዒትን /ሙድ፤
ሕጫጨ ጸሓፊ፡ ኣብ ብዙሕ ኲርናዕ’ዛ ዛንታ ምስ ተራእየ እዩ (ቃና ጸሓፊ)። ነቶም እሱራት ዝወርዶም ኣደራዕ፡ ምዂርማጅ፡ ሂወት ኣብ ትሕቲ-መሬታዊ ሸላ … ወዘተ. ኣስተብሂልካ “ትድንግጽ” እሞ እንተዀነ ነንዝተዘርበ ቃል ሓላፊ፡ ብመጅሙዕ ጣቕዒትን ደገፍን ክመልሱ ምስ ረኣኻ፡ ናይ ድንጋጸ ‘ሙድካ’ ኣዝዩ ይጎድል።
# ነቶም እሱራት ዝወርዶም ኣደራዕ ማለት ኣብ ጸቢብ ትሕተ-መሬታዊ ሽላ ብኣልማማ ምእሳር፣ ዋሕዲ መቚነን መግብን ማይን፣ ምኽንያት መእሰሪኻ ዘይትፈልጠሉ ሂወት፣ ብኣልማማ ምዂርማጅ /ጭካነ ናይ ገለ ኣሕዋት፣ ኣምሰሉ ዘረባ ሓላፊ፣ ዓንዶም ዝጻወቶ ተራ፣ ፍርሒ፡ ድንቁርና፡ ምስሉይነትን ካልእን ኣብ ግምት ኣእቲኻስ እዛ ዛንታ ገለዶ ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝእንፍት ምሳሌኣዊ ዛንታ (Allegory) ደኾን ኢልካ ትሓስብ፡ እንተዀነ ግና ብዙሕ ክትዓምቈ ዘለዋ መዳይ፡ ጻዕሪ ጸሓፊ ዝሓትት ሜላ ጐዲሉዋ ከም ዘሎ ይረኣየካ።
2) ዓይነትን ቅድን ዛንታ፤
ካብዚ ኣብዛ ዛንታ ዘሎ ዝንቡዕ፡ ዘይጽጹይ፡ ዘይብሱል ኣረኣእያ ተደሪኽና “ዘይተኣማኒ ኣዘንታዊ” ኣለዋ ኢልና። ቃና ጸሓፊ፡ ኣሽሙር /ሽምጠጣ ዝመልኦ ብምዃኑ ዓይነት ዛንታ (genre) ምስ “ሳርካዝም” ክትምደብ ትኽእል። ምስቲ ልዒሉ ዝተዘርዘረ ማለት ዘይተኣማኒ ኣዘንታዊ፡ ግርምቢጥነት፡ እምብዛ ሕጫጨ ኣረኣኢኻ እምበኣር እዛ ዛንታ ንቅዲ “ኪኖ-ዘመናውነት /ፖስት-መደርኒዝም” ክትላበስ ፈቲና ክንብል ንኽእል። ጸሓፊ፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮ ኣዘንታዊ ዘሎ ሓሳብ ብቊጽርታት እናፈለየ ዝተጠቐመሉ ሜላ ማለት ተክኒካዊ ኣጸሓሕፋ ምስ ፈጠራዊ ዛንታ ምክታቱ፡ ንስለ ፈተነ እዩ።
እንተዀነ ኣብ ቅዲ ኪኖ-ዘመናውነት፡ እቲ ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታዊ ደኣ’ዩ ዘይተኣማኒ (መጐተ ዝጎደሎ) ባህርይ ዘንጸባርቕ እምበር፡ ጸሓፊ ዛንታ ኣይኰነን። ከምዚ ክንዲ ዝኾነ፡ ጸሓፊ ኣብ ኣተሃናንጻ ቋንቋ ብዙሕ ሕርኽራኻት ከርኢ ኣይትጽበዮን። (ብዛዕባ ቋንቋ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)
# እዛ ዛንታ ዝበዝሐ ክፋላ ትረኻ ማለት ምዝንታው ከም ምዃኑ መጠን ከምኡ’ውን ስነ ኣእምሮኣዊ ግጭታት፡ ኩነተ ኣእምሮ እሱራት ንምምዛን ብሳልሳይ ኣካል እንተ ትትረኽ ምሓሸ ነይሩ። ኣንባቢ ብዕምቈት ድንጋጸ ኣጸቢቑ ንኽትንከፍ፤ ናይ እሱራት ኣተሓሳስባ፡ ስምዒታት፡ ነውጾም ንኽሰኣለና ብሳልሳይ ኣካል ኣዘንታዊ እንተ ትቀርብ ስጥመት ምነበራ።
# ጸሓፊ፡ “ስሓ መሸኒት” ኢሉ ኣርእስቲ ምሃቡ፡ ካብቲ ቀንዲ ገጸ ባህሪይ (ኣብርሃም) ዝገበሮ ነገራት፡ እዚ ጸሓፊ ኣብ ዛንታ ጣልቃ ኣትዩ ንቅርጺ ዛንታ ዝሰብሮ ይዛይድ። ጸሓፊ፡ ኰነ ኢሉ ኣርእስቲ ምምራጹ፣ ሕድገት ፊደላት ኣበየ ምሉኣት ሓሳባት፣ ጸገማት ሰዋስው ብምህላዉ ደራሲ “ፈርዩ” ይረኣየካ። ደራሲ፡ ቀስ ብቀስ ኣብቲ ዛንትኡ ሓቒቁ (ሞይቱ) ንጽሕፉ ህይወት ክህቦ ምተገብአ። ኣብቲ ትረኻ፡ ደራሲ ኣብ መንጐ መስመራት ዛንትኡ ክስወር ኢኻ እትጽበዮ። እቲ ዛንታ፡ ባህርያዊ ዋሕዚ ብዝመስል ኣካይዳ ንኽኸይድ፡ ህላወ ደራሲ ክሃስስ ምተገበአ። ወዮ ከምቲ ዓንዶም ኣብ 3ይ ገጽ 4ይ ሕጥበ ጽሑፍ ዝበሎ፤ “ደራሲ፡ እንታይ ኢኻ ትገብር ዘለኻ? ደረት ስልጣንካ እባ ኣስተውዕል፡” ምባል እዩ።
3) እሩም ኣጠቓቕማ ቋንቋ፤
[ኣተሃናንጻ ምሉኣት ሓሳባት /ስርዓተ-ነጥቢ /ውህደት ሓረጋት /ኣሰኳዂዓ ቓላት /ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ቓላት /ቃና ዘንጸባርቁ ቓላት /ቅርጥዉነት ሓሳባት /መጐታዊ (ዕምቘት) ሓሳባት — ከመይ ነይሩ፧]
# ናይ ቀደም ዘመን ኣቦታት፡ ሕጽረት ብራና ስለ ዝነበሮም ኣለጋጊቦም ይጽሕፉ’ሞ፡ ደሓር ብኽልተ ነጥቢ እናገበሩ ይፈልይዎ ነይሮም ይብሃል። ኣብዚ እዋን፡ ክልተ ነጥቢ ይጉደል እንተ ተባህለ፡ ምሒር ብቐት ግና ምትሕውዋስ ሓሳባት ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ኣሎዎ። ስርዓተ ነጥቢ ብግቡእ ዘይምጥቃም ንነጥቢ ስርዓት ዛንታኻ ይጸልዎ እዩ።
ሓረግ፤ ኣብ ውሽጢ ምሉእ ሓሳብ፡ እተፈላለየ ተዛማዲ ሓሳባት ዝገልጽ ከም ምዃኑ፡ መፈላለዩ ስርዓተ-ነጥቢ ወይ መላገቢ መስተጻምር /መስተዋድድ ክንገብረሎም ይግባእ። ነቶም፥ ቀንዲ ሓረግ፡ ተጸጋዒ ሓረግ፡ ንኡስ ሓረግ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሓረጋት ንምፍላይ ክልተ ነጥቢ ቀንዲ ተመራጺ እዩ። ሓንቲ ከም ኣብነት ነዛ ትስዕብ ካብ ትረኻ ቁጽሪ 7 ዝወሰድኩዋ፡ 32 ዝቓላታ፡ እሞ ኸኣ 6 ሓረጋት እትጥርንፍ ምሉእ ሓሳብ ብዘይ ዝኾነ መለጋገቢ ዝተጻሕፈት፡ ንኸተንብባ ኣሸጋሪት’ያ።
“ኣጸቢቐ ዝፈልጣ ግን (፡) ንሽንቲ ክንናፈስ ምስ ወጻእና (፡) ሓደ ካብቶም ንሓለዋ ዘውጽኡና ኣባላት ክሸይን ደልዩ ምስ ከደ (፡) ብረቱ ንዓንዶም ሂቡ ክከታተለና ክጸንሕ ከም ዝገደፈሉ (፡) ምስቶም ካልኦት ሓለዋ ኣባላት ኮይኑ (ድማ) ብሓደራ ከም ዘጽንሓናን እፈልጥ።” እቲ ኣብ ሓጹር ዘሎ፡ ክኸውን ዝነበሮ እዩ።
# ዘይቅኑዕ ኣሰኳዂዓ ቃላት፤
ከም ኣብነት፦ ኣብ 2ይ ገጽ መወዳእታ ሕጥበ-ጽሑፍ፡ “እንተስ ዕጫ ገሊኣቶም ሓሚቑ ወይ ድማ ካልእ ብልሽውና ይግበር ኮይኑ” ኣብ ዝብል ሓረግ እታ ‘ብልሽውና’ ኣዝያ ገዛፍ ቃል ስለ ዝኾነት፡ መተካእታ ክደልየላ ምተገበአ። “ኣድልዎ”፡ “ሻርነት” ክብል ይከኣል ‘መስለኒ።
# ሕድገት ፊደላት፤
ጸሓፊ ዛንታ፡ ካብቶም ብልክዕነት ኣጸሓሕፋ ፊደላት ምስቶም ቀዳሞት ክነሱ (ካብ ሕሉፍ ጽሑፋቱ)፡ ኣብዛ ዛንታ ዘርኣዮ ሸለልትነት ግን እምብዛ ዝተጋነነ ነይሩ።
(ምምዕራራያት ዘይኮነስ ምምዕርራያት) (መዲባ ዘይኮነስ መዲበ)፣ (ብሓንሳብ ዘይኮነስ ብሓንሳዕ — እቲ ዘረባ ንግዜ ዘመልክት ክሳዕ ዝነበረ)፣ (ዘረባ ከም ዘንውሕ ኩላትና ስለ ዝተረዳዳእና ዘይኮነስ ስለ ዝተረደኣና)፣ (መጨመጫ ዘይኮነስ መቐመጫ)፣ (ምርስዑ ይቀርበና ዘይኮነስ ምርስዑ ይሕሸና)፣ (ምምረጽኩ — ምመረጽኩ)፣ (ዘዘትር — ዘዘውትር)፣ (ዝዓበልሎ — ዝዓብለሎ)፣ (ቅጽበት ጽጥ ኢልና — ብቅጽበት ጸጥ ኢልና)፣ (ምስ ኣጣጣሕና — ምስ ኣጣጠሕና)፣ (መደቀሲታይትኩም — መደቀሲታትኩም) … ወዘተ.
# ሕድገት ፊደላት ከምኡ’ውን ገለ ጸገማት ስርዓተ-ነጥብን ንዋሕዚ ኣናብባ ኣበላሽይዎ እዩ። ምናልባት ኣብ ኪኖ-ዘመናውነት ቅዲ ኣጸሓሕፋ፡ ጸሓፍን ኣዘንታውን ክግሕምጡ ኣሎዎም ዝብል ኣረዳድኣ እንተ’ሊዎ ደራሲ — እንደገና ምርምር ዘድልዮ ይመስል። ኪኖ-ዘመናውነት፤ ዕላምኡ ፍሉይ ቅዲ ኣነጋግራ ምፍጣር፣ ዘይተኣማኒ ኣዘንታዊ ገጸ-ባህርይ ምጥቃም፣ ፍንጭልጫል ዛንታ ብሜላ ምዝውታር፣ ንኣንባቢ ከም ቀንዲ ኣተኩሮኡ ምርኣይ፣ ግርምቢጥነትን ሕጫጨን ምጥቃም … ወዘተ. ከም ምዃኑ መጠን ሓያል ጻዕሪ ይሓትት።
4) ብዛዕባ ጸሓፊ፤
ጸሓፊ ዛንታ፡ ብዓይነተንን ዓቐንን ደሓን ዝኾና ሓጸርቲ ዛንታ ጽሒፉ እዩ። ገለ ካብአን ንምጥቃስ፣ ድሕሪ ውግእ (03/2003) ፣ ኣብ ዋዜማ ውግእ (07/2007) ፣ ትራንዚት (07/2008) ፣ ገጽ ኣደይ (08/2008) ፣ ኣይተጋገኹን (10/2010) ፣ ሳርዲን (02/2011) ፣ ስሓ መሸኒት (07/2014) … ወዘተ.
ጸሓፊ፡ ነዚ ዘለዎ ተመኩሮ ግዜን ኣጋጣምን ከምኡ’ውን መተዓዪይቲ በዓል መን ከም ዝነበረ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ’ዚ ጸሓፊ ብዙሕ ንጽበ። ንዝኾነ ካብ ጸሓፍቲ ሃገርና፡ ‘እቲ ዓቢ ጸሓፊ’ እናበልና ነቓልሖ’ውን እምነትን ተስፋን ኣሕዲርና ዝብላዕ ነገራት እንተ ጸሓፉ ብዝብል መትከል እዩ’ሞ ትጽቢትና ይፍደዩ።
ጸሓፊ፡ ኣብዛ ዛንታ ከተኣታትዎ ዝሃቐነ ቅዲ ማለት ኪኖ-ዘመናውነት፡ ጻዕሪ ወሲኹ ዝሓሸ ዛንታታት ክውስኸና ንምነ። እዚ ቅዲ ዘተኲረሉ ነጥቢ እንተ ሃልዩ ፍሉይ ቅዲ ኣዘናትዋ እዩ። ድራኸ ናይ ከምዚ ዓይነት ቅዲ ዝጥቀም ጸሓፊ፡ ዕምቈትን ላዛን ዘሎዎ ቋንቋ ገይሩ መልክዕ ኣቀራርባ ኣጸቢቑ ምዝንታው እዩ።
*********