ጠዓሞት፡ ቢንያም
13
ዛንታ ቢንያም ዛንታ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ !
ኣብዚ ዓምዲ ዝቐርቡ ጽሑፋት ኩሎም ሓቀኛ ዛንታት’ዮም
ሓቀኛ ዛንታ
1ይ ክፋል
ድሮ ሸሞንተ ዓመት ሓሊፉ፡ ነቲ ዝነበረ ከልበትበት ኣብ ሕጂ ኮይነ ክዝክሮ እንከለኹ ፍርሒ’ዩ ዝወርሰኒ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ኣብ ሕልመይ እርእዮ። ካብ ተወሊድካ መድሓንትኻ ዝተቐብረሉ፡ ሓመድ ቁሒምካ ዝዓበኻሉ ዓዲ ሽሕ’ኳ ኣካልካ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ርሒቑ ይኺድ እምበር መንፈስካስ ኣብኡ’ዩ ዝተርፍ። ከምኡ ከይኮነ ኣይተርፍን ሓሳበይ ኩሉ ግዜ ናብቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመትን ቅድሚኡን ዝነበረ ሂወትን ብዝኽሪ ዝውንጨፍ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሕልመይ ዝመጹኒ ሰባት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሕልመይ ዝመጸኒ ቦታ ኤርትራ፡ ኣብ ሕልመይ ዝሽትቶ ሽታ’ውን ብዛዕባ ኤርትራ’ዩ። ካብ ሽሕ ሕልምታት ናይ ዓዲ ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ’ዚ ዘለኹዎ ዓዲ፡ ብዛዕባ እቶም መዋዕልተይን ኣብ ብዙሕ ንጥፈታት ህይወት ዝረኽቦም ኣመሪካውያን እንድሕር ሓሊመ ዕድለኛ’የ። ሕልመይ ወትሩ እቲ ናይ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝነበረ ህይወትን ፍጻሜን’ዩ። ወትሩ ካብ ዝሓልሞ ሕልምታት ሓደ መንቐሳቐሲ ተባሂለ ክግፈፍ’ዩ ዝረኣየኒ፡ ከመይ ጌረ ናብ ዓዲ ተመሊሰ ኣይፈልጥን ብጎቦታት ዝመጹ ሰራዊት ኣኳሊሞም ብምሓዝ መንቀሳቐሲ ክብሉ ወይ ካብኦ ክሃድም ወይ ክትኩሱለይ ወይ’ውን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ኣጋጣሚ’የ ዝሓልም። ኣዚ ሕልሚ ኣብ ብዙሓት መናእስይ ኤርትራ ከም ዝኸውን ርግጸኛ እየ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከማይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣተወ መሰረት ዝስሙ ናይ ቀረባ ዓርከይ ኤርትራዊ መንእሰይ “ኣንታ ሞካ እዞም ሰባት ክሳብ ክንደይ’ዮም ሓንጎልና ተቖጻጺሮሞ‘ኮ ይገርመኒ’ዩ፥ ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን እዚ ንነብሮ ዘለና ህይወት ኣብ ሕልመይ መጽዩኒ ኣይፈልጥን፡ ወትሩ ዝሓልሞ ግፋን ማእሰርትን ጥራሕ’ዩ” ምስ በለኒ ካልኦት ሰባት’ውን ብርግጽ ከምዚ ናተይ ተደጋጋሚ ዝሓልምዎን ዘባህርሮምን ፍጻሜ ከም ዝኾነ ክግምት ኣየሸገረንን።
ኣብ 2006 ዓ.ም. ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ናይ ቪዛ ሎቶሪ ዕጫ ምስ ስድራቤተይ ምስ በጽሓና ካብ ሃገር ከመይ ጌረ ክወጽእን እቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከማልኦ ዝደልየኒ ረቛሒታት ከመይ ጌረ የማልእን ንዝብል ሕቶታት ክምልስ ኣዋርሕ ዝወሰደ ርእሱ ዝኸኣለ መጽሓፍ ዝጸሓፎ ሰፊሕ ዛንታ’የ ኣሕሊፈ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ወረቐት ይዕበ ይንኣስ ብቐሊሉ ክትረኽቦ ስለዘይትኽእል ተሕልፎ መከራ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ዕለተ ልደት ወረቐት እንተረኸብካ ወይ ፓስፓርት ትኽእልከል ወይ ዕለቱ ሓሊፉዎ ይወድቕ ምሕዳስ ትኽልከል ካልእ ካልእ እቲ ዝርዝር ብዙሕ’ዩ።
ኣብዚ ወረቓቕቲ ኣብ ምስላጥ ዝነበርኩሉ ግዜ ብሜላ ክሰግሮም ዝግባኣኒ ዘጋጠሙኒ ማሕለኻታት ማእለያ ኣይነበሮምን። ካብ ኩሉ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ሰገነይቲ ናብ ዝኾነ ቦታ ብተደጋጋሚ ዝገይሽ ሰብ ኣብ ዓይኒ ጥርጠራ ይኣቱ ምንባሩ ኣብ መገሻ ጉዕዞኻ ኣብ ዓይኒ እቶም ተኸታተልቲ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ሓደ እዋን ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብስደት ዝነበር ዘሎ መንእሰይ፡ ጸጋይ ተስፋጋብር ዘጋጠሞ ሽግር ሓደ ብ ኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። ጸጋይ ነዊሕ ቀይሕ፡ ዕቱብ መንእሰይ፡ ሰራሕተኛ፡ ኮይኑ ልዕሊ ዕድሚኡ፡ ብልሕን ትብዓትን ይውንን። ሓደ ዓርቢ ካብ ሰገነይቲ ናብ ኣስመራ ክገይሽ ዝረኣዩዎ ልኡኻት ኣባላት ጸጥታ መገሻ ጸጋይ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ክከታተሉ ከም ዘለዎም’ዮም ፈሊጦም። ጸጋይ ዝቐጸለት ዓርቢ’ውን ገሸ። ኣብቲ ዝቐጸለ ሰሙን ካብ መገሽኡ ምስ ተመልሰ ናብ እንዳ ፖሊስ ተጸዊዑ ስለምንታይ ዓርቢ ዓርቢ ይገይሽ ከም ዘሎ ተሓተተ። ንሱ ድማ እቲ ሓቂ ገለጸሎም።
“ኣሕዋተይ ኣብ ደገ ስለዘለው ናብ ስድራ ዘለኣኽዎ መልእኽቲ ከምጽእ ከይደ ኔረ” በሎም
“ኣቦኻ ይፈልጡ ድዮም ብዛዕባ መገሻኻ?”
“ይፈልጥ’ወ” መለሰ ጸጋይ
ብድሕሪ’ዚ እቶም ብግርምኦም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ፍሉጥ ዝነበሩ ኣቦ፡ ኣቶ ተስፋጋብር ተስፋሚካኤል (ሕጂ ብሂወት የለውን) ናብ እንዳ ፖሊስ ተጸዊዖም ተመሳሳሊ ሕቶ ተሓተቱ። መልሶም ግን ከም ወዶም ኮነ። እቲ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ ኔሩ።
“እሞ ውላድኩም ናብ ስገረ ዶብ ዝኸዱ ሰባት ክድልል ናብ ኣስመራ ይመላለስ ኣሎ ኢልና ስለዝጠርጠርና ንሱ’ውን ካብዚ ሃገር ከምዘይወጽእ መረጋገጺ ናይ 50,000 ናቕፋ ዋሕስ ከተምጽኡ ኢኹም” ተባህሉ። ኣቶ ተስፋጋብር ተስፋሚኪኤል በቲ ፍጻሜ እኳ እተሓረቑ ዝነበሮም ምርጫ ግን ዋሕስ ናይ 50,000 ናቕፋ ምግባር ጥራሕ ስለዝነበረ ተዋሒሶም ወዶም ኣውጽኡ። ጸጋይ ከኣ ብናይ 50,000 ናቕፋ ዋሕስ ናይ ከተማ ቀዋሚ እሱር ኮነ። ጸጋይ ድሕሪ’ዚ እዋን ክሳዕ መኣስ ጸኒሑ ደኣ ኣይፈለጥኩን እምበር ናይ 50,000 ዋሕስ ኣይዓገቶን ዓዲ እንግሊዝ’ዩ ተራእዩ።
ናብ ናተይ ጉዳይ ምስ እንምለስ ኣቐዲመ ኣውጺኤያ ኣብ ሳንዱቕ ምስ መጻሕፍተይ ከርተት ትብል ዝነበረት ፓስፖርት ዝገበርኩ ጌረ ድሕሪ ምሕዳሰይ፡ ምስ በዓል ርእሶም ገብረሃዋርያት (ክፍሊ መዝገብ ምምሕዳር ሰገነይቲ) ምስ በዓል ወዲ ሸቃን ካልኦትን ክፍሊ ምምሕዳር ዓዲ ቐይሕ ላዕልን ታሕትን ኢለ ተማጕተ ዝኣከብኩዎ ናይ ዕለተ ልደት ምስክር ወረቓቕቲ ሒዘ ንቃለ መሕትት ናይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ድሉው ኮንኩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሙሉእ ዞባ ደቡብ ዝርከቡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ደርጊ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ንቕሓት እናበለ ፖለቲካ ምስትምሃር ጀሚሩዎ ዝነበረ፡ ካድራት ህግደፍ’ውን ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ሓሙስ፡ ሓሙስ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ ክወሃብ ኣዘዙ። በዚ መሰረት ካብ ቤት ትምህርቲ ፎርቶ ሰገነይቲ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ማይ ሞጉዶም፡ ካብ ቤት ትምህቲ ቅዱስ ሚካኤልን ካብ ማእከላይን ካል ኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሰገነይቲ፡ ካብ ማዕረባን ደግራን ከይተረፈ ዝመጹ መምህራን፡ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና ሰገነይቲ፡ እንዳ ፖስታ፡ መጓዓዝያን ካልእን ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይን ካል ኣይን ደረጃ ሰገነይቲ ኣብ ዝተዳለወ መምሃሪ ክፍልታት ኣቲና ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ንክንደይ ሰሙናት ከም ዝቕጽልን ካልእን መግለጺ ተዋህበና። እቲ ኣኼባ ንይምሰል ዝካየድ ፖለቲካዊ ክትዓት ክእንገድ ከም ዝኾነን ሰብ ዝመስሎ ክሓትትን ርእይቶ ክህብን ከም ዘለዎ ሓላፊ ህግደፍ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ሰለሙን ረዘን ገለጸልና። ኣብቲ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስ ቀረቡ ሓደ ካብ መምህራን መባእታን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቁዱስ ሚካኤል ሓፍ ብምባል
“እዚ ትምህርቲ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ዝኸይድ ስለዝኾነ እሞ ድማ ኣብ ስራሕ ውዒልና ስለንመጽእ ዘለና፡ መምህር መኮነን በቲ ዘለዎ ክእለት ካብ ሬድዮታት ድምጺ ኣሜሪካ፡ ቢቢሲን ካልኦት ዝከታተለን ማዕከናት ዜናታት ንዓና የግድሱ እዮም ዝበሎም ዜናታት ሒዙልና እንተ ዝመጽእ ጽቡቕ ምተማሃርናን ምተዘናጋዕናን።” ክብል ርእይቶኡ ኣቕረበ።
ኣነ ኣብ ዘለኹዎ መኺኸ’የ ክብል ዝኽእል። እንታይ ወሪዱዎ እዚ ወዲ በልኩ ብልበይ። ገለ መውጽኢ ዝኾነኒ ሓሳብ ግን ክምህዝ ኔሩኒ። ከም ዝቕበሉኒ ብዙሕ ጥርጥር ኣይነበረንን። መብዛሕትኦም ነቲ እቲ መምህር ዘቕረቦ ርእይቶ ከም ዝድግፍዎ ኢዶም ሓፍ ከየብሉ ጽቡቕ ኣሎ ሓቁ ሓቁ በሉ። “
መምህር መኮነን ናባኻ’ዩ እቲ መልሲ” ዝብል ምልክት ምስ ተዋህበኒ እዚ ዝስዕብ ርእይቶይ ኣቕረብኩ
“ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ገገዝ ኡ ዝውንነሉ እዋን ኣነ ካብ ቪ ኦኤ ወይ ቢቢስ ዜና ሰሚዐ መጽየ ኣብዚ ነዚ ተጋባኢ ከምዚ ይበሃል ኣሎ ክብሎ እቲ ዝሰምዖ እየ ክደግመሉ ስለዚ ብዙሕ ስምዒት ዝህብ ኮይኑ ኣይተሰማዓንን። ኣነ ሓንቲ ክገብራ ዝኽእል በታ ዘላትኒ ዓቕሚ ናይ ስነጥበብ ከዛናግዓኩም ዝኽእል ግጥሚ ወይ ሓጺር ዛንታን ካልእን ሒዘ ክመጽእ እሞ ኣብ መድረኽ ወጽየ ከንብበልኩም።” በልኩዎም።
ሕጂ ብምልኦም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሓደ ድምጺ ጨብጨባ ደርጉሕዎ። ነዚ ዳሕረዋይ ዝቐረበ ሓሳብ ከኣ ከም ዝድግፍዎ ገለጹ። ኣቐዲመ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ክረምቲ ኣብ ዝተኻየደ ቴክሳስ ካሪክለም ዝብል ስልጠና ንመምህራን ክካየድ እንከሎ ምሳይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመደቡ ካብ ዝተፈላልየ ንኡሳን ዞባታት ዝመጹ መምህራን ዘይከምቶም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝነበሩ መምህራን ከይተሰላቸዉ ብሓጎስ’ዮም ዘዛዚሞም። እቲ ምኽንያት ከኣ መዓልታዊ ኣብ መንጎ ትምህርቲ ሓንቲ ግጥሚ ወይ ሓጻር ዛንታ የቕርበሎምን መባእታ ኣምር ስነ-ጽሑፍ ከትሕዞም ብምባል ይግለጸሎምን ብምንባረይ እዩ። ኣብቲ እዋን ሓንቲ ኣዚያ ዝመሰጠቶም “ደሓን ትእቶ እዛ ኣኼባ፡ ዘመድ ተምጽእ ኣኻኺባ” ትብል ነቲ ዝነበርናዮ ኩነታት ትምልከት ሓጻር ዛንታ ኣዚያ ካብ ዝሰሓበቶም ስራሓት ነበረት። ብዝኾነ ዝቕጽል ሓሙስ ገለ ነገር ሒዘ ከም ዝመጽእ ቃል ኣትየ ትምህርቲ ተዛዚሙ ነናብ ገዛና ከድና።
መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ድሮ ሰሙን ጌርና ሓሙስ መጽያ ኣነ ድማ ግጥመይ ሒዘ ናብቲ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ ከድኩ። ናይ ሽዑ መዓልቲ “ትምህርቲ ኤርትራ ብዙሓት ሰልፍታት ዶ የድልይዋ ዋላስ ሓደ ሰልፊ ጥራሕ” ኣብ ዝብል ክትዕ ከም ንጽመድ ዝገበሩ ኣካየድቲ እቲ ኣኼባ ከምስሉ ሓዲጎምና ናብ ደገ ወጹ። ኣብቲ ውሽጢ ካብ ዝነበረና ገለ ሰባት “ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት እምበር”ክንብል እንከለና እቶም ዝርካቦም ኣብ ሕክምናን ምምሕዳርን ዝነበሩ ተጋደልቲ “ኣበይ ዝነበሩ ሰልፍታት እዮም እዚኦም ናጽነት ከነምጽእ መን ሓጊዙና” ዝዓይነቱ ነድሪ ዝተሓወሶ መልሲ ክህቡ ይረኣዩ ኔሮም። ክትዕ ተወዲኡ። እቲ ውዱእ ዝኾነ ክንገረና ተዳልዩ ዝመጸ “ኤርትራ ሓደ ሰልፊ ጥራሕ’ያ ክትጸውር እትኽእል” ዝብል መምርሒ ዝዓይነቱ መልሲ ተዋሂቡ ግዜ ትምህርቲ ፍርቂ በጽሐ። ድኻም ዝተጻዕኖም ተኣከብቲ ግጥሚ ወይ ሓጺር ዛንታ ከቕርበሎ “ሞኬ ሞኬ” በሉ።
ኣነ ድማ ናብ ቅድሚት ወጽየ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዓርከይ ገጣማይ መለስ ንጉሰ( ካብ 2009 ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ዝርከብ) ኣብ ሓንቲ ቅንጣብ ወረቐት ጽሒፉ ዝሃበኒ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ናብ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ዘይሰደዳ “ሰብ ጠፊኡና” እትብል ግጥሚ ኣነበብኩሎም።
ገለ ክፋል እታ ግጥሚ
ሰብ ጠፊኡና
ትማሊ ወጋሕታ ኣስሓይታ እናተዳህየ
ጠቐር ዘደገሎ ውሽጡ ዘይጸረየ
ማይ ዘይፈቱ ርስሓት ዝተዓድየ
ብመጽዓን ጠቕሊልና
ገዳም እንዳቦና
ፈውሱ፡ ፈውሲ ዓሻ
ገለ እንተኾነልና
እዛ ግጥሚ ሽሕኳ ነቲ ናተይ ውጥን እትገልጽ ኣይትኹን እምበር ነቶም ዝበዝሑ ሰማዕቲ ኣርእስታ ጥራሕ ኣኻሊ ነበረ። ሰብ ጠፊኡና። መምህራን ዝርከብዎም ሰራሕተኛ መንግስቲ ጣቕዒት ኣንጎድጎድዎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሕቶ ኮይንዎም ኣግርሞቶም ይገልጹ ነበሩ። በታ ዘቕረብኩዋ ግጥሚ ትምህርቲ ተዛዚሙ ከኣ ወጃዕ እናበልና ነናብ ገዛና ከድና።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብቲ እዋን እቲ ዲቪ ንዝበጽሖም ሰባት ናብ ኣሜሪካ መእተዊ ቪዛ ይህብ ስለዝነበረ ኣብ ኣስመራ’ዩ እቲ ቃለ መሕትት ክካየድ። ሓዳሽ ዓመት ናይ 2007 ካብ ትኣቱ መዓልታት ጥራሕ ኣቑጺራ ነበረት። ረቡዕ፡ ረቡዕ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናይ ቪዛ ቃለ መሕትት ዘካይዱሉ መዓልቲ ስለዝኾነ ሰሉስ መዓልቲ በዓልቲ ቤተይን ሰለስተ ደቀይን ማለት ወዲ 5 ዓመት፡ ወዲ 3 ዓመትን ወዲ 4 ወርሕን ቆልዑ ሒዘ ካብ ሰገነይቲ ናብ ኣስመራ ከም ናብ መርዓ ወይ ካልእ ውራይ ዝገሹ መሲልና በዓልቲ ቤተይ ተቖኒና ኣነን ደቀይን ጽርይ ዝበለ ክዳን ለቢስና ከባቢ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ቢያሳ ሰገነይቲ በጺሕና። ኣብ ፒያሳ ሪጋ ስለዝጸንሓና ኣብቲ ዝጸንሓና ናይ መስርዕ መሓለዊ ርጋ ንእሽቶእምኒ ኣንቢርና ናብ ሓልሓል ሆቲል ኣበልና። ሓልሓል ሆቴል እንድዒ ሕጂ እምበር ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝበለጸ ጽማቕን ፓኒኖን ተቕርብ ትካል’ያ ኔራ። በዚ ከኣ ኣብ ሓልሓል ኣቲና ዝብላዕ ዝስተ ኣዚዝና ድሕሪ ምጥዓም ካብ ኣስመራ ሰባት ጽዒና ዝመጸት ኣውቶቡስ ደጊማ ሰባት ጽዒና ክትምለስ ድልውቲ ብምዃና ኣውቲስታ እንዳ መጓዓዝያ ዝሃብዎ ፍቓድ ሒዙ ናብታ ኣውቶቡስ ክምለስ ስለዝተዓዝበና ናብ ሪጋና ከድና። ኣብቲ ሪጋ ክልተ ሰባት ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ፍልይ ኢሎም ደው ኢሎም ረኣኹ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ድዩ ዋላስ ካልእ ተልእኾ ኣለዎም ብምባል ብውሽጠይ ገለ ሕቶ ኣልዓልኩ። እቶም ክልተ ሰባት ሓደ ሓላፊ ህግደፍ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ሰለሙን ረዘን ክኸውን እንከሎ እቲ ሓደ ክፍሎም ዝበሃል ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ወይ እንዳ ጸጥታ ኣብ ሰገነይቲ’ዩ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ካልእ ከተማ ዝመጸት ናይ ሓዲኦም ጋሻ ነበረት። ሰለሙን ነዊሕ ለይለይ ዝብል ኣብ ፈላማ ኣርብዓታት ዝርከብ መንእሰይ ክኸውን እንከሎ ወዲ ስዉእ ኮይኑ ኩሉ ስርሑ ብሓይሊ ሻምብቆ ከተግብር ዝፍትን ቁሩብ ሕልፍ ዝበለ ድፍረት ዝነበሮ ተጋዳላይ እዩ። ሰለሙን ኣብ ገለ ገለ ግርጭት ሽጉጥ ንምምዛዝ ከም ዝህወኽ እቶም ዝፈልጥዎ ይዛረቡ። ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚ ወዲ ፍሩይ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ሰገነይቲ “ኣታ ቆልዓ ኣይትታሃወኽ እንዶ” ክብሎ’ውን እዕዘብ ኔረ። ክፍሎም ሕጽር ኢሉ ቀይሕ፡ ጸጉሪ ርእሱ ለማሽ ፡ዝበዝሐ ግዜ ጽቡቕ ኣከዳድና ዘዘውትር፡ ይትረፍ ሓላፊ ጸጥታ ኢልካ ክትግምቶ ተጋዳላይ’ውን ኣይመስልን ነበረ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ቀትሪ ኣብ ካልእ ደረጃ ሰገነይቲ ከም ተራ ተማሃራይ ጥራዙ ሒዙ ይመሃር ስለዝነበረ ሲቪል መንእሰይ ኣምበር፡ ቀትሪ በዓል ጽቡቕ መሲሉ ለይቲ ግብረ እከይ ዝፍጽም ሰብ’ዩ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ብዝኾነ እዞም ሰባት ኣብ ቅድመይ ስለዝጸንሑ ንኽልቲኦም’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ስለዝፈልጦም ሰላምታ ለገስኩሎም።
ሰለሙን ረዘነ ዳራጋ ኣንቆልቁሉ እናረኣየነ
“መምህር መኮነን ናበይ ደኣ᎒” ክብል ሓተተኒ
“ መገሻ “ መለስኩሉ ቁልቁል ዝኣፋ
“ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒” ደጊሙ ሕቶ ኣስዓበለይ። ኣዒንቱ ግን ካብ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ’የን ዝፍትሻ ኔረን።
“መገሻ እምበር፡ መገሻ ከም ሰባ!” ደጊመ መለስኩሉ ።
በዓልቲ ቤተይ ነቲ ሕቶን መልስን ሰሚዓ ኣብታ ደው ኢላትላ ዝነበረት ቦታ ኮይና ከተንፈጥፍጥ ተዓዝብኩ። እቲ ሕቶ ዘየሰንብድን ዘየርዕድን ኣይኮነን። ክፍሎም ሓንሳብ ንዓይ ሓንሳብ ንበዓልቲ ቤተይ ብሓውሲ ኣጣምታ ሰራቒ ይጥምተና ነበረ።
ይቕጽል
2ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 17 ጥሪ