ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 31 ክፋል
* * *
ሰለሙን ካብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ ውጽኢት መገሻኡ ንሮዛ ብኸመይ ከም ዝገልጸላ ጨነቖ። ናብ ሃብቶም ዓርኩ ብምኻድ እንታይ ምግባር ከም ዝሓይሽ ድሕሪ ምምይያጥ ግን መልሲ ኣብርሃም ሓዉ ክሳብ ዝሰምዕ ብልምድን ባህልን ሕብረተሰብና መሰረት፡ ስድራኡ ምስ ማሪያ ተራኺቦም ክውድኡዎ ምዃኖም ክሕብራ ወሰነ። ቀትሪ ንሮዛ ረኺቡዋ’ኳ እንተ ነበረ ከም ድላዮም ከዕልሉ ስለ ዘይከኣሉ ንምሸት ክቋጸሩ ተገዲዶም። ኣጋምሸት ሓቢሮም ድራር እናበልዑ ከለዉ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕና ማሪያን ሞት ትኩእ ወዳን ድሕሪ ምዕላል፡ ንመርዓኦም ብዝምልከት፡ ምስ ሃብቶም ብዝገበሩዎ ምርድዳእ መሰረት ኣብ ዝርዝር ከይኣተወ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸላ። ሮዛ ምስቲ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ማሪያ ዝነበራ ጽልኣት ብዝሰምዓቶ ወረ ኣይሓጐስ ኣይድንጋጸ ኮነት። ንማሪያ ብዘይመጠን ትጸልኣ’ኳ እንተ ነበረት ኣመና ሓዚናትላ። ብዛዕባ መርዓኦም እንታይ ከም ዝበላ’ውን ብልክዕ ዝሰምዓቶ ኣይትመስልን።
ንሰንበቱ ብምርድዳኦም መሰረት ካብ ቤተክርስትያን ድሕሪ ምምላሳ ናብ ገዝኡ ክትግዕዝ ነይሩዋ። ሰለሙን ብክቱር ህንጥይና ዳርጋ ከይደቀሰ እዩ ሓዲሩ። ሰዓት ዓሰርተ ገጹ ናብ ገዛኣ ብምምራሕ፡ ክዳውንታ ዝሓዘ እርግ ኢሉ ባልጃን ይጠቅም’ዩ ዝበሉዎ ኣቕሑን ኣብ መኪና ጽዒኖም ናብ ገዝኡ ቀጸሉ። እቲ ገዛ ንምብራቕ ዝጥምት ጽብብ ዝበለ ቀጽሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓደ ሳሎን፡ መደቀሲ ክፍሊ፡ ዓይኒ ምድሪን ክሽነን ዝቘመ ነይሩ። ኣብቲ መጠነኛ ገበላን ኣብ እግሪ መንደቕ ናይቲ ቀጽርን ንዝኾነ ተዓዛባይ ናይ ደስታ ስምዒት ዝፈጥሩ በብዓይነቶም ውቁባት ዕምባባታት ይረኣዩ። ጸጸኒሑ ናይ ዝጻወቱ ቈልዑ ድምጺ ይስማዕ’ኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ቀንዲ ጽርግያ ቍሩብ ፍንትት ዝበለ ብምንባሩ ብመጠኑ ጸጥታ ዝሰፈኖ እዩ ክብሃል ይከኣል። ብጐድኒ እቲ ገዛ ሓንቲ ካብቲ ቀንዲ ጐደና ትፍንጨል ጽብብ ዝበለት ናይ ሓመድ መንገዲ ኣላ። ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ግን መካይን ብብዝሒ ዝሓልፋኣ ኣይኮነትን።
ሰለሙንን ሮዛን ነተን ዝርካበን ኣቕሑ ኣመሓዲሮም ምስ ኣብቅዑ ናብቲ ገፊሕ ዓራትን ከብሕን ዘለዎ መደቀሲ ክፍሊ ኣተዉ። ሮዛ ስፍሓትን ጽባቐን ናይቲ ዓራት ምስ ረኣየት እንዳ ክሪስቶቭ ትዝ በላ። ኣብ ማእከልቲ ምድሪቤት ተነጺፉ ዝነበረ ርጕድ ኢሉ ምንጻፍ ረጊጻ ኣብ ዙርያ’ቲ መንደቕ ተንጠልጢሎም ዝነበሩ ኣሳእል ኣንቃዕሪራ እናጠመተት፡ “እዋይ’ዚ ኣሳእል ክፍተወካ ሰሌ!” በለቶ ብናይ ኣድናቖት ስምዒት። ብእወታ መሊሱላ ንሳሎን ሰንጢቑ ናብ ክሽነን ዓይኒ ምድሪን መሪሑዋ ድሕሪ ምስጓም፡ ናብ ሳሎን ተመልሱ’ሞ ኣብቲ ገፊሕ ሶፋ ኮፍ በሉ። እቲ ገዛ ብዙሕ ኣቕሑ’ኳ እንተ ዘይነበሮ ንዑኡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ’ዩ ኢላ ስለ ዝገመተት፡ “ስካፖሊ ከለኻ ግን ክንድዚ ኣቕሑ እንታይ ክገብረልካ ዓዲግካዮ ሰሌ?” ክትብል ተወከሰቶ፡ ኣብ ዓራት ኮፍ ብምባል እግራ ኣመሳቒላ እናጠመተቶ።
“ክገርመኪ ንስኺ ናይ መጀመርያ ሰብ ኣይኮንክን ከምኡ ትብልኒ ዘለኺ። ከምኡ ክትብሊ ሓቅኺ ኢኺ፡ ምኽንያቱ ንውልቀይ እናነበርኩ ክንድዚ ኣቕሑ ኣይመድለየንን ነይሩ። እንተኾነ እዚ ገዛ ብቐንዱ ሓደ ኣኮይ ዝብጽሓኒ ሰብ’ዩ ዝቕመጠሉ ነይሩ። በጋጣሚ ካብ ኣስመራ መጺአ ገዛ ክካረ እናሓሰብኩ ከለኹ፡ ንሱ ምስታ ዝሰርሓላ ዝነበረ ናይ ህንጻ ካምፓኒ ናብ ዓዲዓረብ ተበጊሱ። ነዚ ገዛ ድማ ምስ ኣቕሑቱ ገዲፉለይ ከይዱ። ሓቂ ዘረባ ዝጠቅም ገንዘብ ኣይከፈልኩዎን ከም ህያብ’ዩ ኣረኪቡኒ ምባል ይቐልል።
“እንታይ ዓይነት ስራሕ ድዩ ነይሩዎ?”
“ብሰዓታት እዩ’ኮ ዝኽፈል ነይሩ፡ ከም ግቡእ ደኣ ካልእ’ኳ ምገበረ። ነዚ ገዛ’ዚ ከም መደቀሲ ጥራይ’ዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ኣብቲ ዝበለጸ ሪስቶራንተታት ይምገብ፡ ሰሙን ሰሙን ናብ ሶደሬ እናኸደ ከኣ ዓለሙ ይርኢ። እዚ ኣብ ክሽነ ዝረኣኽዮ ኣቕሑ ብድሕሪኡ ኣብዚ ገዛ ምስ ኣተኹ ዝገዛእኩዎ እዩ።”
“እሞ ዲታ እዩ በሎ’ምበር፡” በዓል ኣነ ኣብ ወርሒ እንቕበሎ ደሞዝ ኣብ ሓደ መዓልቲ የጥፍኦ ነይሩ ይኸውን፡” በለቶ እናሰሓቐ።
“ካልእ የጥፍእ ነይሩ ይኸውን። ዓለም ገለን ብማይ ገለን ስኣን ማይ ተባሂሉ’ንድዩ። ግን ምልስ ኢልካ እንተ ሓሰብካዮ ኵሉ ሓደ እዩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ሆቴል ግዮን ሒዙኒ ኣትዩ ብዙሕ ምስ ሰተየ፡ “ወዲ ሓውቲ ገንዘብ እንተ በዝሐ ሓጐስ ዘይኮነ ጣጣ እዩ ዝበዝሕ። ሽሕ ቅርሺ ሽሕ ቀዳድ ማለት’ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሓሙሽተ ቅርሺ ኣብ ጁባኦም ዘይብሎም ሰባት ብብሩህ መንፈስን ፍሱህ ገጽን ክስሕቁ ክርእዮም ከለኹ ኣዝየ ኣቐንእ፡” ክብል ኣስተንቲኑ ተዛሪቡኒ። በዚ ዝተላዕለ፡ ተራ ገንዘብ ኣብ ህይወት ወዲሰብ ድሩት ምዃኑ፡ ሓጐስን ደስታን ብገንዘብ ክሽመት ከም ዘይክእል ብምዝርዛር ንገለ ደቓይቕ ዕላል ቀጸሉ። ሰለሙን ምሳሕ ከውዒ ክትስእ እናሓሰበ ከሎ ቴለፎን ጭር በለት። ሃብቶም ከይከውን’ሞ ካብቲ ምስ ሮዛ ሓሲቡዎ ዘሎ መደብ ከይዕንቅፎ እናተሰከፈ፡ “ሃለው!” እንተ በለ ድምጺ ኣቦኡ ሰምዐ። ገጹ ከም ቅጽበት ተቐያየረ። ሮዛ ኣብ ጥቓኡ ምጽናሓ እናጠዓሶን ስክፍታኡ እናዛየደን፡ “ሃለው! እሰምዓካ’ለኹ፡” ክብል ብዓውታ መለሰ።
ብድሕሪኡ ዝሰምዖ ቃላት ግን ንምእማኑ ስለ ዘሸገሮ፡ ርግጸኛ መታን ክኸውን፡ “ኣይሰማዕኩኻን እንታይ ኢኻ ዝበልካ?” ክብል ተወከሶም። ንሮዛ ክምርዖ ከም ዝፈቐዱሉ ደጊሞም ምስ ሓበሩዎ ስምዒቱ ምቍጽጻር ስኢኑ፡ “በል ሮዛ ምሳይ ስለ ዘላ ክትሕጐስ ሃየ ንገራ፡” እናበለ ቴለፎን ኣቐበላ። ሮዛ ብወገና ነቲ ብስራት ምስ ሰምዓቶ ሰለሙን ዳግማይ ተራኸቦም። መርዓ እንተ ደንጐየ ንክፍላ ጥሪ ከም ዝወድኡዎ፡ ቅድሚኡ ዕረፍቲ እንተ ረኺቡ ነስመራ ክመጽእ’ሞ ሕጸ ክገብሩ ከም ዝሓይሽ ሓበሩዎ። ብድሕሪኡ ምስ ኣደኡ ተራኸበ። ሮዛ’ውን ብግደኣ ተላለየተን።
ሰለሙን ኣብ ህይወቱ ከም ሽዑ መዓልቲ ተሓጕሱ ኣይፈልጥን። ሓንጐሉ ኣናዊጹዎ ዝነበረ ጕዳይ መርዓኡ ብዘይ ገለ ጸገም ምውድኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኣቦኡ ካብ ምቅይያም ምድሓኑ ንዕድሉ ኣመስገነ። ንሮዛ ሓቝፉ ድሕሪ ምስዓም፡ “ሽግርና ኣብቂዑ ሮዛ፡ እዛ ዕለት እዚኣ ንዘልኣለም ክንርስዓ የብልናን፡” በላ ብክልተ መንኩባ ሒዙ ክምስ እናበለ። ተመሲሖም ክዛወሩ ስለ ዝደለየ ድማ ኣብ ሳሎን ገዲፉዋ ኣብ ክሽነ ኣትዩ ገልጠምጠም ክብል ጀመረ።
ሮዛ ጽን ክትብል ጸኒሓ፡ “እንታይ ትገብር ኣለኻ ሰሌ?” በለቶ ካብ ኮፍ ዝበለቶ ሶፋ ከይተስአት።
“ንምሳሕና ዝኸውን ጸብሒ እየ ዘውዒ ዘለኹ፡” ክብል መለሰላ ዝግኒ ሒዛ ዝነበረት ረጓድ ድስቲ ኣብ እቶን ጋዝ እናሰኽተተ።
ብድድ ኢላ ናብ ክሽነ ብምኻድ፡ “ኣልግስ በል፡ ርእየልካ’ለኹ። ኣነ ከለኹስ ሰብኣይ ኣምላኽ ኣብ ክሽነ ኣቲኻ ጸብሒ ክተካውስ ጀሚርካ!” ኢላ ሒዙዎ ዝነበረ ማንካ ምስ ኣሕደገቶ፡ “ሰንበት ስለ ዝኾነ ድዩ ሰራሕተኛ ዘየላ ደኣ?” ክትብል ሓተተቶ ጸብሒ እናኾሰት።
“ኖኖ፡ ንግሆ መጺኣ ገዛ ኮሳቲራ ምግቢ ትሰርሕ፡ ዓራት ተንጽፍ፡ ዝሕጸብ ነገራት እንተ’ሎ ሓጻጺባ ከኣ ትኸይድ። ማለተይ ኣብዚ ኣይትሓድርን’ያ። ክገርመኪ ምጽእ ምስ በልኩ ሃብቶም ዓርከይ ግደፍ እናበለኒ መጀመርያ ዝቘጸርኩዋ ከዳሚት እንታይ ገበረት ኢለ ኣብዚ ክትሓድር ኣፍቂደላ ነይረ። ድሕሪ ውርሒ ክትመሻሸጥ፡ ክትኰሓሓልን ጨናመና ክትገብርን ጀሚራ። ብሰንኪ ግርህነተይ ክርድኣኒ’ኳ እንተ ዘይከኣለ ክተስድዓኒ ብዙሕ ከም ዝጸዓረት ድሒረ ፈሊጠ። ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ ይዝከረኒ ቀዳም’ዩ ነይሩ፡ ኣምስየ ምስ ኣተኹ ጥልዕልዕ እናበለት፡ ‘ድራርዶ ክቕርብ?’ ትብለኒ’ሞ፡ ‘በቃኝ’ ኢለያ ናብ መደቀስየይ እሓልፍ። ሰትየ ከም ዝነበርኩ ኣስተውዒላትለይ ነይራ። ድሕሪ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ ድምጺ ዝሰማዕኩ መሲሉኒ ጽን እንተ በልኩ፡ ‘እህ! እናቴዋ!’ እናበለት ክትድምጽ እሰምዓ’ሞ፡ ብቕጽበት ተሲአ ናብ መደቀሲ ክፍላ ብምኻድ፡ ‘ኣይደሓንክን ዲኺ? ከመይ ገይሩኪ?’ እንተ በልኩዋ፡ ኣብ ኣፍደገ ሞት ከም ዝቐረበ ሰብ፡ ‘ወይኔ ሞትኩኝ፡ እናቴዋ!’ ጥራይ ትብል። ዓቕለይ ጸቢቡኒ፡ ‘ከመይ እዩ ዝገብረኪ ዘሎ? ካብ ፋርማሲ ፈውሲ ቃንዛዶ ከምጽኣልኪ?’ ምስ በልኩዋ ብኢዳ ኣይፋሉን ኢላ ድሕሪ ምምልካት፡ “ኣፍልበይ’ዩ ዝዓብሰኒ ዘሎ፡’ ትብለኒ። ‘እንታይ ምግባር’ሞ ይሓይሽ? እሞ ናብ ሆስፒታል ክወስደኪ?’ እብላ ወዲ ገርሂልባ። እቲ ቃንዛኣን እህህታኣን ግርም’ዩ ዝብለኪ። ከምዛ ኣብ ኢደይ ስቱኽ ትብል ኮይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።”
ሮዛ ሓንሳብ ናብኡ ሓንሳብ ናብቲ ጸጸኒሓ ተካውሶ ዝነበረት ድስቲ እናጠመተት፡ “ፖቨረታ! ልባ ሕምምቲ ነይራ ትኸውን፡” በለቶ ርህራሄ ብዝተሓወሶ ጐተት ዝብል ድምጺ።
“ከምኡ ዘይኮነ! ልቢ ሰብ ክተሕምም ደኣ’ምበር ሕማም ኣይነበራ መንደፍ ኣይነበራ። ትም ኢልኪ ጥራይ ስምዕኒ’ሞ ደሓር ክትፈርዲ ኢኺ። ኣምሓሩ ከም ኤርትራውያን ኣይትሕሰብየን። ከዳሚት ኮይና ጾታዊ ስምዒታ ዘይተርውየላ እንተ ዄንካ ሓንቲ ለይቲ ኣይትሓድረልካን’ያ። ምናልባሽ ሃሰስ ኢልካ ሓደ ክልተ ጥዑያት ኣይሰኣናን ይኾና። ዳርጋ ዝበዝሓ ግን ከምኡ ምዃነን ፍለጢ፡” ኢሉ ፍሽኽ በለ።
“እዋይ! ኣታ ሰለሙን፡ ከምኡ ኣይትበል በጃኻ! ሓሚሙ ዘይፈልጥ ሰብኮ ሽግር’ዩ። ከይሓመመት ከላ ከመይ ኢላ እያ ሓሚመ ትብለካ? ሕማም ዝምነ ሰብከ ኣሎ ድዩ? እዋይ! ደቂ ተባዕትዮ’ኳ ጨካናት ፍጥረት ኢኹም። ወይ ጓልሄዋን ትረኽቦ!” በለቶ ተጸዊጋ።
“ኣየ ሮዛ! ጽን ኢልኪ ግዳ ዘይትሰምዕኒ፡ ኣነ’ውን መጀመርያ ከማኺ ተገሪሀ ነይረ እየ። ዘረባይ ምስ ወዳእኩ እዩ ተንኰላ ዝርድኣኪ።”
እንታይ ከስምዓኒ ኮይኑ’ዩ ኢላ፡ “ቀጽል ሕራይ፡” በለቶ እቶን ጋዝ ኣጥፊኣ ዝባና ብምግልባጥ ናብኡ ገጻ እናጠመተት።
“ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ክገብረኒ ከሎ ኣፍልበይ ብሜንቶላቱም እየ ዝድረዝ ነይረ፡” ምስ በለትኒ ሰኣን ምድራዝዶ ጓልሰብ ብሕማም ክትሳቐ ኮይና ኢለ ኣብ ጐድኒ ዓራታ ዝቐረበቶ መድሃኒት ኣብ ኣፍልባ ክደርዛ እጅምር። ‘እወ! ቍሩብ ትሕት ኢልካ፡ እህእ! ኣብኣ፡’ እናበለት ናብ መንጎ ክልተ ኣጡባታ ተመልክተለይ። ምስቲ ምጽውዋግ ናይ ገጻን፡ ‘እህ! እህ!’ ምባላን መስኪነይቲ ትሳቐ ኣላ ኢለ ጥራይ ስለ ዝሓስበኩ ዝኾነ ነገር ኣይተራእየንን። ትቀንጠስ መዓት’ያ ክትጽብቕ ነይራ። ስጋ ኣስመሮም እብለኪ’ለኹ ምስቲ ኵሉ ሰለምለማን መግናሕቲ ናይ ኣዒንታን ክፉእ ነገር ኣይሓሰብኩን። ብድሕሪኡ ግን ሃሩር ኮይኑኒ ኢላ ተሸፊናቶ ዝነበረት ኣንሶላ ብእግራ ንታሕቲ ገጻ ትደፍኦ’ሞ ተኸዲናቶ ዝነበረት ረቂቕ ቀምሽ ውሽጢ ከም ገለ ገይራ ናብ ሰለፋ ትስሕቦ። ሙታንታ ዘይብላ ጥራይ ነፍሳ ምስ ረኣኹዋ ኣመና ሰንቢደ። ሰብነተይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። መታን ክትሰድዓኒ ኮነ ኢላ ዝኣለመቶ ተንኰል ምዃኑ ድማ ሽዑ ሽዑ ተጋሂዱለይ።”
ሮዛ ተጋሲሰያ ዝብላ መሲሉዋ ኣቓልቦኣ ተሳሕበ። ኣብ ህይወታ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ብሓያል ስጋዊ ቅንኢ ልባ እምብዛ ጠልጠል ኢሉ ከኣ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ብህንጡይነት ምስማዕ ቀጸለት።
“ሃብቶም ዝበለኒ ዘኪረ ኣብ መጻወድያ ክተእትወኒ ከም ዝሓሰበት ቆብ ኣቢለያ። ክገርመኪ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣምሓረይቲ ዝውለድ ኮይኑ ኣይስምዓንን’ዩ። ብዝኾነ ትምክሕተይ ስለ ዝጠቐመኒ፡ ‘በሊ ደኺመ ሕጅስ’ ኢለ ‘እናቴዋ!’ እናበለት ከላ ኣብ ዓራታ ሓዲገያ ሰላሕ ኢለ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ኣምሪሐ። ሓሶት ዋጋ የብሉን፡ ክቕሎ ጥራይ ሰለም ከየበልኩ ሓዲረ። ከም ዘይወግሕ የሎን ለይቲ ምእንቲ ርእሳ ክትብል ወጊሓትለይ።”
ሮዛ ተወጢራቶ ካብ ዝነበረት ኵነተ ኣእምሮ ፍዅስ ኢሉዋ፡ “ከመይ ዝበለት ሞኔሎ እያ ግን? ጓልኣንስተይቲዶ ንወዲተባዕታይ ከምኡ ገይራ ትፈታተኖ እያ ወደይ! እዚኣስ ንበይና እያ፡” በለቶ ነገራቱ ኣመና ደንጽዩዋ።
“ዳሕራያ ይገደልኪ’ምበር፡ ንጽባሒቱ ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ ዘየላ ጸኒሓትኒ። ‘ናበይ ደኣ ከይዳ?’ ኢለ ነዘን ጐረባብቲ እንተ ሓተትኩወን ቍልቍል ዝኣፋ፡ ‘ኣይፈለጥናን’ ክብላ መሊሰናለይ። ኣብ ሳልስቱ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ንጥላሁን እንተ ዕለልኩዎ፡ ‘ክላ! እዘን ጐረባብቲ ደኣ፡ ገረድ ልሆን ኣልመጣሁም ይሀ ጠባሳ ትግሬ ይቅርና ሌላ ወንድ ኣውቃለሁ። ኢላቶ እናበላንድየን ዝጨርቃልካ ዘለዋ፡’ ኢሉ ኣስሒቑኒ። ብድሕሪኡ ናብ ካዛንችስ እናተመላለስኩ ንወርሒ ዝኣክል ምስ ሃብቶም ተመጊበ። ኣብ መወዳእታ ግን ንየው ነጀው ምባል ከፊኡኒ ብሰበሰብ ሓንቲ ጥዕይ ኢላ ሰራሕተኛ ረኺበ። ንስኺ ምስ መጻእኪ ትገብሮ እንድዒ’ምበር ክሳብ ሕጂ ሰይጣን ኣይስማዕ ደሓን ኣላ፡” ኢሉ ዘረባኡ ደምደመ።
“ጸኒዕካ’ምበር ሓሳባስ ኣብ ዳኖ ክተእትወካ እዩ ነይሩ። ንወዲ ሰብ ዘጓንፎ ፈተና ዓለም ብዙሕ’ዩ ሰሌ፡” ኢላ ኣንቃዕሪራ ጠመተቶ።
“ኣየውርድ’ዩ በጃኺ፡” ኢሉ ኣብ ግንባራ ዓሊቡ ንዝነበረ ጸጕራ ክጥምት ጸኒሑ፡ ብፈቓቕ ናይ ክዳና ንላዕለዋይ ክፋል ኣጡባታ ምስ ረኣየ ኣመና ኣወናወነቶ። “ሮዛ ሽኮር፡” ኢሉ መንከሳ ንላዕሊ ብምድጋፍ ኣፍኩስ ኣቢሉ ኣብ ከንፈራ ሰዓማ። ተባዕታዊ ስምዒቱ ክደፋፍኦ ምስ ጀመረ ግን መደቡ ከይበላሸዎ ተሰኪፉ፡ “ንኺድ ንመሳሕ፡” ኢሉ መሪሑዋ ናብ ሳሎን ሰጐመ።
ሮዛ ጸብሕን እንጌራን ሒዛ ኣርከበቶ። ምግቢ በሊዖም ኣእዳዎም እናተሓጸቡ ከለዉ፡ “ሎሚ ኣበይ ኢና ንዛወር ሰሌ ሓወይ?” ክትብል ተወከሰቶ።
“ሎሚ ርኢኽዮ ናብ ዘይትፈልጢ ቦታ ኢና ንዛወር፡ ቀልጥፊ ጥራይ ሓድሽ ክዳንኪ ቀይሪ፡” በላ ንሱ’ውን ክዳኑ ክቕይር ናብ ከብሒ ገጹ እናሰጐመ።
ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ኣትያ ነታ ቅድሚ ወርሒ ተመንዩ ዝዓደገላ ሰማያዊት ጐናን ደባን ካምቻን ተኸዲና መስትያት ጠመተት። ተጠንቂቓ ድሕሪ ምምሻጥ፡ ጐልፎኣ ደሪባ ቦርሳኣ ኣንጠልጠለት። ገለ ኣበር ከይህልዋ ዳግማይ ንምሉእ ሰብነታ ኣብ መስትያት ኰሊላ፡ ናብ ሳሎን ብምእታው፡ “ኣንዲያሞ ሰሌ፡” በለቶ። ተተሓሒዞም ናብ መኪና ድሕሪ ምእታው፡ ናብ ኣምባሳደር ትያትር ገጾም ተጓዕዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ቲኬት ቈሪጾም ቦታኦም ምስ ሓዙ ዝጀመሩዎ ዕላል ከይወድኡ ፊልም ተጀመረ። Luomo che non voleva uccidere እትብል ናይ ጣልያንኛ ፊልም’ያ ነይራ። ሮዛ ኣቓልቦኣ ተሳሒቡ ብጽሞና ክትከታተል ስለ ዝጀመረት፡ ሰለሙን ጸጸኒሑ ዘይተረድኦ ቃላት ክሓታ ከሎ ኣይትምልሰሉን ነይራ።
ይቕጽል
ራብዓይ ምዕራፍ መበል 32 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 17 ታሕሳስ