ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
3ይ ምዕራፍ መበል 24 ክፋል
* * *
ግራዝማች ስዩም ከም ሰብ መጠን ሕይል ዝበሉ ሰብኣይ ኮይኖም፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ምስ ጥልያን ተዓስኪሮም ክሳብ ኢትዮጵያ ዝዘመቱ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከም ኣስተርጓሚ ክሰርሑ ጸኒሖም፡ ኣብ ዘበን ሃይለስላሴ ከም ምስሌነ ወረዳ ዘገልገሉ ብትውልዶም ዝምክሑ ሰብኣይ’ዮም። ከም ጠባይ ቍጡዕ፡ ዝሓሰቡዎ ካብ ምፍጻም ድሕር ዘይብሉ፡ ኣዝዮም ምዑት ካብ ምንባሮም ዝተላዕለ ድማ ርእይቶኦም ንዘይቅበል ሰብ ፈጺሞም ኣይጻወርዎን። እኳ ደኣ ከም ሓደ ኣንጻሮም ዝዓጠቐ ጭው ዝበለ ጽርዶም ይጥምቱዎ። ንዝኾነ ሰብ መንነቱ ብዘየገድስ፡ ብማሕበራዊ ቦታኡን ቍጠባዊ ትሕዝቶኡን ዝመዝኑዎ’ኳ እንተኾኑ፡ እንተ ፈሪሃ እዝግሄር ሓዲሩዎም፡ እንተ ንጃህራ ኢሎም፡ ንጽጉማት ኣዝማዶም ኢዶም ካብ ምዝርጋሕ ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን። ብዝተረፈ ብሰንኪ መላኺ ባህሪኦም፡ ብቤተሰቦም ይኹን ብጐረባብቲ ብፍርሕን ኣኽብሮትን ዝጥመቱ ሰብኣይ’ዮም ነይሮም። ድሕሪ ሞት ኣቦኦም ሃብቶም ሰሲኑ’ምበር ኣብ ሽመትን ስልጣንን ኣይቀንዖምን። ኣብ ግዜ ዓደይ ዓደይ ኣባል ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን ስለ ዝነበሩ፡ ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሓማሴን ክኾኑ ዝነበሮም ሕልሚ ማህሚኑ ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ በንጻሩ ብንዕቀት ዝጥምቱዎም ዝነበሩ ዝበዝሑ ደቂ ዓዶም፡ ኣባላት ማሕበር ኣንድነት ስለ ዝነበሩ ሽመትን ሕልቅነትን ረኺቦም። በዝን ክንድዝን ኵሉ ግዜ እህህታ ነይሩዎም።
ግራዝማች ኣብ ዕስክርና ከለዉ፡ ምስ ዓርኮምን ወዲ ዓዶምን ባሻይ ተስፋልደት፡ ብህይወት እንተ ተመሊሶም ደቆም ከመረዓዕዉ መብጽዓ ተኣታትዮም ነይሮም። ድሕሪ ስዕረት ጥልያን፡ ክልቲኦም ኣዕሩኽ ኣብ ጕዕዞ ቍሩብ ስለ ዝተደናጐዩ፡ ሰራዊት ጥልያን ኣብ ኣጋ ምስዓሩ ኣብ ዝነበረ ውግኣት ብሓርበኛታት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ኣለዉ ተባሂሉስ፡ ቤተሰቦም ተዝካር ቈጺሮም ከም ዝነበሩ’ዩ ዝዕለል። መርዑቶምን ወለዶምን ተሓጐሱ ኢሉዎም ግን ተዝካሮም ሳልስቲ ክተርፎ ከሎ ሃንደበት ደበኽ ኢሎም። ዝረሓቐን ዝቐረበን ቤተሰብ ድማ ኣብቲ ንተዝካር ዝተሓስበ መርዓ ተሓጕሱ፡ በሊዑ፡ ሰትዩን ሳዕሲዑን። ኣብ ሳልስቲ ናይዚ ውራይ እዚ እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝተኣታተዉዎ መብጽዓ ዳግማይ ኣሕዲሶሞ።
ባሻይ ተስፋልደት ዓርኮም፡ ድሕሪ ዕስክርና ኣብ ቤትፍርዲ ከም ተራ ጸሓፋይ ተቘጺሮም ስራሕ ምስ ጀመሩ፡ ክቱር ባህጊ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮም፡ ምሸታዊ እናተማህሩ ክብ ዝበለ ፍልጠት ክቐስሙ ዝኸኣሉ ረዚን ሰብኣይ’ዮም ነይሮም። ድሒሮም ግን ሓንቲ ኣበር ኣምጺኦም። ካብ በዓልቲቤቶም ወ/ሮ ለምለም ኣዋልድ ጥራይ ስለ ዝወለዱ፡ ወዲ እንተ ረኸቡ ሰብ ክሳብ ዝሓምዮም ከም ሕሱም ዘይሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ማሪያ ትኩእ ዝብሃል ወዲ ወሊዶም።
ግራዝማች ስዩም ጥዕና ይስእኑ ስለ ዝነበሩ ብህይወቶም ከለዉ መብጽዓኦም ንምፍጻም ይሸባሸቡ ነይሮም። ብዓልቲ እንዳኦም ወ/ሮ ገብርኤላ ግን መብጽዓ ብዓል እንዳአን ብዘየገድስ፡ እቲ ብክንደይ መብጽዓ ዝወለድኦ ሰለሙን ወደን ምስ ጓል ባሻይ ተስፋልደት ክዋሰብ ድሌት ኣይነበረንን። ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ኮይኑወን ግን ክዛረባ ኣይደፈራን። ስለዚ፡ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ከብደን ሓቝፈን ብትዕግስቲ ክጽበያ ግድነት ኮይኑወን። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሕጽይቲ ወደን ክትከውን ንዝተሓስበት ሕርይቲ ክዝክራ ከለዋ፡ “ሰለሙን ወደይ፡ ኣምላኽ መንገዲ የማን ይምራሕካ!” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ልዕሊ ዓራተን ናብ ዝነበረት ስእሊ ኪዳነ ምህረት እናጠመታ፡ “ባዕልኺ ትፈልጢ ኪዳነምህረት ኣደይ፡ ኣይትጋደፈኒ!” እናበላ ደጋጊመን ኣእዳወን ንላዕሊ ብምዝርጋሕ ኣምሪረን ይምህለላ ነይረን። እቲ ልዕሊ ኵሉ ድቃስ ለይቲ ዝኸልአን ነገር ካልእ ዘይኮነ፡ ኣቐዲመን ዝተመርዓዋ ደቂ ባሻይ ተስፋልደት ወላዳት ዘይምንባረን ነይሩ። እታ ዓባይ ጓሎም ጨሪሹ ውላድ ክኣብያ ከሎ፡ እታ ምንኣሳ ድማ ሓንሳብ ጓል ምስ ተበኰረት ምንጻል ጥንሲ እናኣጋጠማ ውላድ ኣይወሰኸትን። ኣብርሃም ወደን ካብ ንባዕሉ ዝምርዓው ዓስራይ ዓመቱ ሒዙ ከብቅዕ፡ ውላዱ ዘይምርኣየን እናተሓሳሰበን ከሎ፡ ሰለሙን ወደን በታ ኣብ መልክዕ መጺእካ ዝወጽኣ ዘይብላ ጓል ባሻይ ሰዲዑ ሕራይ ከይብል’ሞ ሓድጊ ዘይብለን ከይተርፋ ዓቢ ስግኣት ነይሩወን።
ከም ዓቢ ነገር’ኳ እንተ ዘይቈጸርኦ ናይ ወ/ሮ ለምለም ጠባይ’ውን ንመውስቦ ዝዕድም ኣይነበረን። ካብዚ ተበጊሰን፡ ዓይነን እናረኣየ እዝነን እናሰምዐ ምስ እንዳ ባሻይ ከይዋሰባ ዝከኣለን ክገብራ ምስ ሕልናአን ተመባጺዐን። ወደን ካብ ኣዲስኣበባ ክሳብ ዝመጽእ ድማ ደቂሰን ተሲአን ጸሎተን፡ “ኣንቲ ኪዳነ ምህረት ኣደይ፡ ባዕልኺ ትፈልጢ፡ ካብ መውስቦ እንዳ ባሻይ ጥራይ ኣድሕንኒ’ምበር ካልእ ኣይምደለኹኽን። ባዕልኺ ኣርህውለይ፡” ጥራይ ነይሩ።
* * *
መሬት ምስ መሰየ፡ ጥላሁን ብቈጸራኦም መሰረት ንሰለሙን ኣብ ባር ኦመድላ ክጽበ ጸንሖ። ሰላም ኢሉዎ ብደዉ ቢራ ድሕሪ ምእዛዝ፡ “መቸም ገለ ነገር ኣፍሪኻ ክትከውን ተስፋ’ገብር” በሎ።
ጥላሁን ነታ ድሮ ተፋሪቓ ዝነበረት ብርጭቆኡ ኣልዒሉ ጐጭ ድሕሪ ምባል፡ “ዕድል ናይ ሮዛ ግዲ ኮይኑ ናይቲ መደበር ሓላፊ ጽቡቕ’ዩ ተሓጋጊዙኒ። ዘየዳግም መልሲ ከኣ ኣምጺአልካ ኣለኹ፡” በሎ ኣብ ባንኮ ተደጊፉ ቫይስሮይ ሽጋራ እናወልዐ።
“ቁምነገር ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ?” ተወከሶ ሰለሙን።
“ከምኡ ክትብል ሓቅኻ ኢኻ፡ ንዓይ’ውን እቲ ነገር ቀልጢፉ ምስላጡ ኣዝዩ እዩ ገሪሙኒ። ገለ ኣጋጣሚታት ሳሕቲ ክጐድኣካ ከሎ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ይሕግዘካ እዩ። ብዝኾነ ግን ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ራስ ሆቴል ዘይትተርፍ ዕድመ ስለ ዘላትኒ እህወኽ ኣለኹ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጸልካ እየ።”
ሰለሙን ገጹ ብሓጐስ በሪሁ፡ “ጥላሁን ኣባ ጥረግ’ንዲኻ!” ኢሉ ኣሞገሶ፡ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ክሰምዕ እናተሃንጠየ።
ጥላሁን፡ “እሕሕ!” ኢሉ ጐረሮኡ ድሕሪ ምጽራይ ዘረባኡ ጀመረ። “ነዚ ዝበልኩኻ ሻምበል ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ከዕልሎ ከለኹ በጋጣሚ ኣብቲ መደበር ዝተሰርቀ ስልማት ዝዓደገ ኣንጠረኛ ኣሲሮም ነይሮም። መብዛሕትኡ እቲ ዓዲጉዎ ዝጸንሐ ስልማት ግን ብከደምቲ ኣብ ጠቅላይ ግዝኣታት ዝተሰርቀ እዩ ነይሩ። ንጽባሒቱ ጕዳይ ሮዛ ምስ ኣዕለልኩዎ ነዚ ስልማት ዝዓደገ ሰብኣይ ከም ብሓድሽ እስትሂና ኣቢሎሞ። ካብ ኣዲስኣበባ’ውን ክልተ ግዜ ከም ዝዓደገ፡ ሓደ ካብቶም ሸየጥቲ ድማ እዚ ኣሳዱር ትብሎ ጽጋበኛ ኣርመናዊ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። እንታይ ነይሩ ስምምዕኩም እንተ በሉዎ ግን፡ ‘ሸይጡለይ፡ ዓዲገሉ’ ኢሉ ኣቕቢጹዎም።
“እቲ ነገር ኣብዚ መብቅዐ ነይሩ። ምኽንያቱ ክሲ ከይተመስረቶ ወይ ድማ እናሰረቐ ከሎ ኢድ ብኢድ ከይተታሕዘ ኣብ ቀይዲ ከእትዉዎ ወይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቡዎ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣዲኡ ከም ዘይትኸሶ ከኣ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ሻምበል ግን ኣዝዩ በሊሕ ሰብ’ዩ። እዚ ኣሳዱር ትብሎ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደቂኣንስትዮ ብገንዘብ እናታለለ የባዕልግ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ኮንትሮባንድ ቀንጠብጠብ ከም ዝብልን ሃገራዊ ቅርስታት ብስቱር ዓዲጉ ንቱሪስት ከም ዝሸይጥን ሓበሬታ ስለ ዝረኸበ ከሰንብዶ ደልዩ። ንጽባሒቱ ምስ ሓደ ምኵር ናይ ምክልኻል ገበን ኣባሉ ተማኺሩ ሓደ መደብ ሓንጺጹ። ኣብ ሳልስቱ ድማ ኣሳዱር ተኣሲሩ።
“ካን ተኣሲሩ?”
“ተኣሲሩ ነይሩ ግን ፈንዮሞ።”
“ናይ’ዚኣቶም ነገር ኣይርድኣካን’ዩ። ከመይ ኢሎም ኣሲሮሞ ብኸመይከ ፈቲሖሞ?” ሓተተ ሰለሙን ነገራቱ ምርዳእ ስኢኑዎ።
“እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ንኣሳዱር ብመንገዲ ሓደ ተሓባብሪኦም ንኤግዚቢት ካብ ዝሓዙዎ ጥንታዊ ቅርስትታት ቤተክርስትያን ከም ዝገዝእ ድሕሪ ምግባር፡ ነቲ ንብረት ሒዙዎ ኣብ ድኳን ኣቦኡ እናኣተወ ከሎ እዮም ደድሕሪኡ ስዒቦም ቀርቀብ ኣቢሎሞ። ብድሕርዚ ናብ ዘብሎ ኣይነበሮን።”
“ኣብ መጻወድያ እንድዮም ኣእትዮሞ ደኣ! ደሓርከ?” ኣስዓበ ሰለሙን።
“ኣብ መርመራ ምስ ኣተወ ብዙሕ ተዛሪቡ። ሻምበል ከዕልለካ ከሎ፡ ‘ኣብ ህይወተይ ከምኡ ዝፈርሕ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን’ እዩ ዝብል። ናይ ዝህረሙ ዝነበሩ እሱራት ኣውያት ምስ ሰምዐ ውጽኣት ጥራይ ኮይኑ ኢሉዎ። ሓንቲ ከይተንከፉዎ ድማ ብራዕዲ ተዋሒጡ፡ ብዛዕባ ዝሓተቱዎን ዘይሓተቱዎን ሌፍ ክብል ጀሚሩ። እቲ ጕዳይ ግን ኣብ ውሽጡ ካልእ ምስጢር ዘለዎ’ዩ ዝመስል።
“ብዝኾነ ብዛዕባ ሮዛ ምስ ሓተቱዎ፡ ‘ዝበደለትኒ ነገር የብላን፡ ክጋሰሳ ሓሲበ ምስ ኣበየትኒ ግን ኣብ ዝጥዕመኒ ግዜ ሕነይ መታን ክፈዲ ካብ ገዛና ክትወጽእ ኣይደለኹዋን። ነዚ መታን ክጥዕመኒ ድማ ናይ ኣደይ ስልማት ኣብ ባልጃኣ ኣእትየዮ። ምስላጥ ምስ ኣበየኒ ከኣ ነቲ ወርቂ ክሸጦ ተገዲደ። ሕጂ ግን በጃኻትኩም ኣብ ጋዜጣ ጥራይ ኣይትወጽኡኒ፡ ንስድራይ ከኣ ኣይትንገሩለይ’ምበር ንሮዛ ዝበልኩምኒ ገንዘብ ክኽሕሳ። በጃኻትኩም ኣይትጨክኑለይ!’ ኢሉ ለሚኑዎም። ግርም’ዩ ዝብለካ! እቲ ሻምበል ባዕሉ እንተ ዘዕልለካ ብሰሓቕ ሽንቲ ምኾንካ ኔርካ። እቲ ነገር ከምዚ ስለ ዝኾነ ንተሓባባሪኦም መታን ከይልክሙ ከሲሶም ኣብ ቤትፍርዲ ከቕርቡዎ ዝከኣል ኣይነበረን። ከፈራርሑዎ ስለ ዝደለዩ ግን ኣብ ሓደ ጻዕዳ ወረቐት ኣፈሪሞምን ተሪር መጠንቀቕታ ሂቦምን ኣፋንዮሞ ንብለካ።”
“ክትኣምኖ ዘጸግም ነገር’ዩ። ሰራቒ ሒዞም ከብቅዑስ ይፍንዉዎ? ብቐሊሉ ተገላጊሉ’ዚ ፈገር። ከም በዓል ኣሳዱር ዝኣመሰሉ ብጽጋብ ዝተሰርነቑ ግፍዐኛታትን ሰረቕትን ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ እዩ ዝግብኦም ነይሩ። ብዝኾነ ሕጊ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጡ’ውን ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ንጽህና ሮዛ ከኣ እንቋዕ ተረጋገጸ።”
“ሻምበል ዝገበራ ካልኣይቲ ጽብቕቲ ነገር እንተ’ልያ፡ ‘ሮዛ ከይከሰሰትካ ከላ ገንዘባ ክፈላ ወይ ክሲ ክትምስርት’ያ’ ምስ በሎ ነተን ገንዘብ ሽዑ ሽዑ ሂቡዎ። ስለዚ፡ ሰኑይ ናብቲ መደበር ከይዳ ገንዘባ ክትወስድ ትኽእል’ያ። ስራሕ ፖሊስ ግን ብዙሕ ኣይርድኣካን’ዩ። ክጥቀሙሉ ግዲ ደልዮም ምስኦም የስርሑዎ ኣለዉ ሰሚዐ።”
“ጽሉላት ድዮም? ሰብ ስኢኖምስ ንሓደ ሰራቒ ተሓባባሪኦም ክገብሩዎ? ከመይ ከመይ ድዩ ኮይኑ’ቲ ናይ ፖሊስ ስራሕ! እዚ ገለ ምስጢር ኣለዎ ወይ ከኣ ኣሳዱር ብውሽጢ ውሽጢ ዝተሓባበሩዎ ሓለፍቲ ወዲቡ ክኸውን ኣለዎ።”
“እንታይ ይመስለካ ሰሌ፡ ፖሊስ ብቕዓት ምስ ዝጐድሎ ወይ ህዝቢ ምትሕብባሩ ምስ ዝነፍጐ ኣብ ኣመንዝራታት፡ ሰረቕቲ፡ በጋሚንዶታት’ዩ ዝምርኰስ፡”
“ግደፎም ደሓን ባዕሎም ይፈልጡ። ሓደ መዓልቲ ግን ነዚ ሻምበል ምሳሕ ዓዲምና መመስገንናዮ ኔርና። ካልእ እንተ ተረፈ ሮዛ ደስ ምበላ።”
ጥላሁን ነዚ ምስ ሰምዐ፡ “ክላ! እንታይ ክተመስግነሉ ኢኻ፡ እዚ ዅሉ እንተ’ገበረ ምእንቲ ስርሑ’ምበር ንዓና ክሕግዝ ኢሉ ድዩ መሲሉካ? እዝን እትን ክብል ስለ ዘይደለኹ እየ’ምበር ክንደይ ዝሕለፍኩሉ ነገር’ኮ ኣብ ዝባኑ ኣሎ፡” ኢሉ ሕሳብ ክኸፍል ማሕፉዳኡ ካብ ጁባኡ ኣውጽአ።
ሰለሙን ቀዲሙዎ ነታ ገንዘብ ክትቅበል ትጽበ ዝነበረት መሳሰዪት ከፊሉ ደድሕሪ ጥላሁን ሰዓበ። ደሓን ኣምሲ ተባሃሂሎም ከኣ ጥላሁን ናብ ናይ ራስሆቴል ቈጸራኡ ሰለሙን ድማ ንሮዛ ከበስራ ናብ ገዛኣ ተፈላለዩ።
ሮዛ፡ ሰለሙን ምስ ጥላሁን ቈጸራ ከም ዝነበሮ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት፡ ዘዕግብ መልሲ ሒዙላ ክመጽእ ብሃንቀውታ ክትጽበዮ ጸንሐት። ብሸነኽ ኣፍደገ ገም ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐት ማዕጾ ከፊታ፡ “እሂ ሰሌ፡ ተዓዊቱ ክኸውን ተስፋ’ገብር፡” በለቶ ገና ኣብ ልዳት ከሎ።
ነቲ ጕዳይ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሚዛን ሂባቶ ከም ዝነበረት ስለ ዝፈልጥ ከሻቕላ ኣይደለየን። “ሮዚና ዕድለኛ ኢኺ። ኣምላኽ ንጽህናኺ ርእዩልኪ ቅንዕናኺ ተረጋጊጹ ኣሎ፡” እናበለ ኣብ ዓራት ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ኣሳዱር ተሓባባሪ ፖሊስ ኮይኑ ከም ዘሎ ከይጠቐሰ ነቲ ዝተረፈ ዝርዝር ብምሉኡ ገለጸላ።
ኣፋ ሃህ ኣቢላ ብህንጥይና ክትሰምዖ ጸኒሓ፡ “ኣሕ! እዚ በዓለገ ክእሰር ነይሩዎ፡ ማለዴቶ!” በለት ርእሳ ብኣሉታ ንየማነ ጸጋም እናንቀሳቐሰት።
“ክኣስሩዎ ከም ዘይክእሉ ደኣ ኣረዲአኪ’ንድየ። ደሓር ከኣ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንዲኺ ትብሃሊ፡ ኣምላኽከ ፍርዲ ናተይ’ዩ ኣይበለን ድዩ?” ክብል በቲ ትኣምነሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከዋጥራ ፈተነ ክምስታ ሓዊሱ።
“ጽቡቕ ኣለኻ። ኣሳዱር ግን ምሕረት ዝግብኦ ሰብ ኣይኮነን። ስለምንታይ እንተ በልካ ንሱ ሰይጣን’ምበር ሰብ ኣይኮነን። ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ምሕረት ኣይኣዘዘሉን ናብ ሲኦል ክኣቱ’ዩ ፈሪዱዎ።”
“እሞ ገና ኣይዓገብክን ኣለኺ ማለት ድዩ?”
“ሓጐሰይ ወሰን የብሉን። ዝያዳይ ግን ንስኻ ተሓጕስካ ክትከውን ተስፋ እገብር፡” ብምባል ሓቝፋ ኣፍኵስ ኣቢላ ኣብ ምዕጕርቱ ሰዓመቶ። ኣብ ዓሚቝ ፍቕራዊ ዕላል ጥሒሎም ነዊሕ ጕጅም ክብሉ ምስ ኣምሰዩ ድማ ክፍለያ ነፍሱ ምግባር እናኣበዮ ኣብ ምዕጕርታ ሰዒሙ ተፋነዋ።
ቀጨውጨው ክብል ሓዲሩ መሬት ኣብ ኣጋ ምውግሑ ስለ ዝደቀሰ፡ ሰዓት ትሽዓተ ጸሓይ ምስ ኣንቃዕረረት’ዩ ተበራቢሩ። ገጹ ተሓጺቡ ቍርሲ ክበልዕ ከይበለ ናብ ሃብቶም ዓርኩ ተበገሰ። ሃብቶም ብገድላዊ ስራሕ ናብ ደብረዘይት ገይሹ ስለ ዝቐነየ ብሰሙኑ ኣይተራኸቡን። ኣብ ርእስ’ዚ ሃብቶም፡ “ምስ ሓንቲ ጓል ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ እንተ ተራኺብካ ፍቕሪ ክሕዘካ ስለ ዝኽእል ከሎ ገና ምጥንቃቕ የድሊ” እናበለ ይምዕዶ ስለ ዝነበረ ንሮዛ ብሒቱ ከዕልላ ዕድል መታን ክረክብ፡ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ምስ ሮዛ ምዉቕ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ህይወት ከስተማቕር ከሎ ብዛዕባኣ ንሃብቶም ጥልቕ ኢሉ ኣዕሊሉዎ ኣይፈልጥን ነይሩ። መልሰ ተግባር ዓርኩ ንኽግምግም ሓደ ምሸት ምስ ሮዛ ኣላልዩዎ ነይሩ። ሃብቶም ብተፈጥሮኡ ብቍንጅና ናይ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ዘይማረኽ ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንሮዛ ርእይ ምስ ኣበላ ግን፡ “እዚኣ ደኣ ፈረስ’ንድያ!” ብምባል ኣድናቖቱ ብስምዒት ገሊጹ። ብሓባር ኣዕልል ኣምስዮም ኣብ ገዛኣ ኣብጺሖማ ናብ ካዛንችስ እናተመልሱ ከለዉ ድማ፡ ቈልዓ’ኳ ሽኮር’ያ፡ ልዕሊ ዅሉ ከኣ ረዛን’ያ ትመስል፡” ድሕሪ ምባል፡ “ፍቕሪ ከይሕዘካ ግን ጥንቅቕ በል፡” ዝብል ርእይቶ ደርብዩሉ ነይሩ። እዚ ንእግረ መንገዱ ሰው ዘበሎ ቃላት’ምበር ጠባይ ሰለሙን ስለ ዝፈልጥ፡ ዝምድና ክልቲኦም ካብ ተራ ዕርክነት ወይ ግዝያዊ ዙረት ሓሊፉ ኣብ ፍቕርን መርዓን ክሰግር ጥርጣረ ስለ ዝሓደሮ ኣይነበረን። ዘረባ ሃብቶም ግን ንሰለሙን ኣብ ዓቢ ስክፍታ ሸሚሙዎ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ መኪናኡ ኣተሲኡ ኣብ ካዛንችስ ክሳብ ዝበጽሕ ባህርያት ዓርኩ ይፍትሽ ነበረ።
ይቕጽል . . . . . . . .
3ይ ምዕራፍ መበል 25 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 23 ሕዳር