ኣቱም ሰብ ቁርኣን ሰብ ወንጌል
ሰብ ኩፍየት ሰብ ጸናጽል
ሰብ ኮኾብ ጽሩራ ሰብ መዓርግ
ካብ ርእስኹም . . . . .
ስልጣንኩም ዘይምሕድግ፡፡
ዋላ’ውን ለባምን ሸያብን
ዓቃይን . . . . ዓቀይታይን
ተሸከምቲ ነዊት ተሸከምቲ ሓጺን
. . . . . . ንኽትፈልጡ
አነግር ኣለኹ፡፡
ኣብቲ ርሑቕ ጫካ
ሰብ ኣሎ ኣብ በረኻ
በይኑ’ዩ ብዘይ ሰብ
ተጸቒጡ ሓመድ
ብርግጽ ሰብ’ሎ . . . . !!
አንታይ ምዃኑ ግና . . . .
. . . . . ተቐይሙ’ሎ፡፡
ዘፌ 2013