ንምዃኑ ‘ገጠምትና’ ብምባል ንሰምዮምን ንውከሶምን በዓል መን እዮም፧
(መባእታዊ መጽናዕታዊ ጽሑፍ)
ቦኽረ ገብረየሱስ
ምስጋና
ጸሓፊ፣ ነዚ ጽሑፍ ኣብ ምድላው ሓበሬታ ንምእካብ ዝተጠቐመሉ ኣገባብ፣ መሕተቲ ቅጠዒ ብምቕራጽን እቲ መሕትት ናብ ወሃብቲ መልሲ ብምብታንን እዩ ነይሩ። ወሃብቲ መልሲ፣ ነቲ መሕትት ተቐቢሎም ብምንባብን ኣብ ግዜኦም መልሲ ብምልኣኽን ንዝገበሩዎ ልዑል ምትሕብባር፣ ልባዊ ምስጋና ይግባኦም። ከምኡ ውን መልሲ ዘይለኣኹ፣ ዘሎ ሽግራትን ምኽንያታትን ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ልዑል ምስጋና ይብጻሓዮም። ካልእ፣ ዘሎ ንምግባር ርሒብ ባይታ ዘንጸፈ ክፍሊ ዛራ ገጠምቲ ብምዃኑ፣ ንመላእ ሰብ ብርክን ቤተ-ሰብን ዛራ ገጠምቲ ምስጋና ዝበዝሖም ኣይኰነን። ንጸሓፊ (ኣዳላዊ ናይ’ዚ ጽሑፍ) እውን ካብ ልክዓ ዘይትሓልፍ ንእሽቶ ምስጋና ትግባኦ።
መእተዊ
ስነ-ግጥሚ ከም ካልኦት ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነ፣ ብኻልኦት ዓውድታት ስነ-ጥበብ ውን ብተዛማዲ እንክረአ፣ እዚ ዝበሃል ናይ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ዕድል ክህልዎ ዝጸበበ እዩ። ብትምህርቲ ዓብዮም ንብሎም ንፋዓት ገጠምቲ ምጥቃስ ውን ቀሊል ድፍርት ኣይመስልን። እቲ ምኽንያታት ኣዝዩ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ብግዳም ዝነቅል ናይ ኣድላይነት ተጻብኦን ብውሽጢ (ሰብ ሞያን ተሞክሮን) ዘሎ ናይ ተገዳስነት ለጠቕታን ኣብ ግምት ኣትዩ፤ ግጥሚ ንዅሎም ዕንቅፋታት እና ከኣለን ብናይ ሰዓብቱ ፍቕሪ እና ተደገፈን ዘገም ምባሉ እምብኣር ዝገርም ኣይኰነን።
ስሩዕ ትምህርቲ ተሪፉ ግን፣ ብዘይ ዝጋነን ጸገም ክህሉ ዝኽእል ነገር ብገዳይም ገጠምቲ ዝወሃብ ሓጸርቲ ኣስተምህሮታትን ዘይስሩዕ ምልውዋጥ ተሞክሮታትን እዩ። ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ክዓቢ እንተ ተደልዩ ድማ እዚ ዓይነት ስልጠናን ምልውዋጥ ተሞክሮን ዘይነዓቕ ኣስተዋጽኦ ምህላዉ ኣይተርፎን። ብተወሳኺ፣ ብኡ ዝሓልፍ ማንም ገጣሚ ምስ ዓቕሙ ክፋለጥን ሚዛኑ ከለልን ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፣ ሓደ ክፋል መወከሲ እውን እዩ – እኹልን ብስርዓት ዝተሰነደን መወከሲ ክሳብ ዘይሃለወ። ኵነታት እቲ ስራሕ/ሞያ ብደቂቕ ከይተጸንዐን፣ ኵሉ/መብዛሕትኡ ዝሰማምዓሉ ብቑዕ መወከሲ ክሳብ ዘይሃለወን፣ ሕሉፍን ህሉውን ኣንፈቱ ከይተቐየሰን ግን እቲ ንደልዮ ዕቤት ርሑቕ ክኸውን ይኽእል። ንናእሽቱን ጀመርትን ገጠምቲ ድማ ኣደዳ ጸደፍደፍን ድንግርግርን ክገብሮም ይኽእል። ከም ውጽኢቱ ውን፣ ብዕሸላቶምን ብግጉይ ስእልን ንነብሶም ሰማይ ይሰቕሉ፤ ወይ ውን ምስ ትስፉው ተኽእሎታቶም ተዳሂሎም ካብ’ቲ ዙርያ ይርሕቁ። መበገሲኦምን ዝጽበዮም ዓቐብን ዝርእዩሉ መሓበሪ እንተ ዘይሃልዩ፣ ኣማራጺ የብሎምን።
ጸሓፊ ነዚ ዓንኬል እዚ ንምፍታሽ ምስ ሓሰበ፣ ውልቃዊ ትዕዝብቱን ንኡስ ተሞክሮኡን ኣኻሊ ኣይኰነን ካብ ዝብል ውሽጣዊ መደምደምታ፣ ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ገለ ሰባት ከሳትፍ ወሲኑ። መሕትት ዘርጊሑ ድማ ሓሳባት ክእክብ ፈቲኑ። ኰይኑ ግን እዚ ጽሑፍ፣ ኣፈናዊ ተበግሶ ድኣ’ምበር ከም ፍጹም መጽናዕትን ሚዛናዊ መወከስን ክውሰድ ኣይከኣልን። ብዙሓት ጌጋታት ክርከቡዎ ባህርያዊ እዩ። ብዙሓት ሕቶታት ውን ምልዓሎም ኣይተርፍን። እንተዀነ እቶም ጌጋታት ንመምሃርን መለበምን፤ እቶም ሕቶታት ድማ ንዝረቐቐ ጻዕርን መጽናዕትን ናይ ብቑዓት ሰብ ሞያን ምኩራት ገጠምትን እንተ ወዓሉ ካብ ዝብል ፍናን እዩ።
ሕርያ ወሃብቲ መልሲ
ኣብ ክፍሊ ዛራ-ገጠምቲ ከምኡ ውን ካልኦት ገጻት ናይ ‘ፈይስ ቡክ’ ግጥሞም ናይ ዝልጥፉን ዝሳተፉን ገጠምቲ ቀሪም ኣስማት ተጀሚሩ። ቍጽሮም ድማ ልዕሊ 40 በጺሑ። ካብዚኣቶም 25 ብሃውሪ ከም ዝምረጹ ተገይሩ። እቶም ዝተመርጹ ዓይነታውያን (ምኩራት ገጠምትን ጀመርትን) ክዀኑ ግን ባህርያዊ እዩ። በዚ መስርሕ፣ እቲ መሕትት ናብ 25 ገጠምቲ ተበቲኑ። ኰይኑ ግን ካብ’ቶም ዝተላእከሎም፣ ኣብ ዝተመደበ ናይ ግዜ ገደብን ድሕሪኡ ውን እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝዳሎን፣ መልሲ ዝለኣኹ 16 ገጠምቲ እዮም። ስለዚ ነበብቲ ክግንዘቡዎ ዘድሊ ነገር፣ ምሉእ ሚእታዊት (100%) ን25 ምዃኑ ተሪፉ፣ ን16 ወሃብቲ መልሲ ጥራይ የገልግል።
(መተሓሳሰቢ፦ ገለ ወሃብቲ መልሲ ውን ብምሉእ ስለዘይመለሱ ኣብ ሓደ-ሓደ ቦታታት እቲ ቍጽሪ ልክዕ ዘይክመጽእ ይኽእል እዩ።)
ሕመረት ትሕዝቶ
እቲ መሕትት ክልተ ክፋላት ከም ዝህልዎ ተገይሩ። ቀዳማይ ክፋል ዕጹው ሕቶታት (ብመልክዕ ምርጫ) ክኸውን ከሎ ካልኣይ ክፋል ድማ ክፉት ሕቶታት። ፈለማ’ምበኣር ኣብ ቀዳማይ ክፋል ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ምስ መልስታቶም ክንድህስስ ኢና።
ገጠምቲ ስሩዕ ናይ ስነ-ግጥሚ ትምህርቲ/ስልጠና ምውሳዶምን ዘይምውሳዶምን ንምርኣይ ዝቐረበ ሕቶ ነይሩ። 9 ገጠምቲ ዝዀነ ዓይነት ስልጠና ኣይወሰዱን፤ 6 ገጠምቲ ድማ ናይ ስልጠና ዕድል ዝረኸቡ እዮም። ካብ’ቶም ስልጠና ዝወሰዱ፣ ብደረጃ ኮለጅ/ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ወይ ግጥሚ ትምህርቲ ዝተኸታተለ ዋላ ሓደ የሎን፤ ሓጺር ናይ ኣዋርሕ/ሰሙናት ስልጠና ዝወሰዱ 3፤ ናይ ካልኦት ገጠምቲ ግጥምታት ምንባብን ተሞክሮ ምቕሳምን ከም ስልጠና ከም ዝሓስቡዎ ዝገለጹ 2፤ 1 ገጣሚ/ት ድማ ስልጠና ወሲዱ/ዳ ከብቅዕ/ክተብቅዕ ግን ምንም ለውጢ ከም ዘየምጽኣሉ/ላ ዝገለጸ/ት እዩ/እያ። ሓደ ገጣሚ ግን ካብ ዝቐረቡ ምርጫታት ብዝተፈልየ፣ ኣብ ኢንተርኔት ዝወሃብ ቀጥታዊ ስልጠናታት ከም ዝከታተል’ዩ ሓቢሩ።
ምስዚ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ ሕቶ ተተሓሒዙ፣ ተሞክሮ ከመይ ከም ዝገልጹዎ ንምርኣይ ተፈቲኑ ነይሩ። ደጋጊምካ ብምጽሓፍ ዝብሉ 0፤ ካብ ምኩራት ገጠምቲ ከም ዝመሃሩ ዝገለጹ 0፤ ብዛዕባ ግጥምን ሓፈሻዊ ስነ-ግጥምን ዝጸሓፍ ትንተናታት ብምንባብን ምክትታልን ዝብሉ 2፤ ተሞክሮኦም ንምዕባይ ኵሉ ዓይነት ኣገባብ ዝጥቀሙ ድማ 12 ገጠምቲ።
ብዛዕባ ዕቤት ስነ-ግጥሚ ትግርኛን ኣብ ገጠምቲ ዘሎ ደረጃ ነብሰ-ተኣማንነትን ንምፍታሽ እውን ተፈቲኑ። ብሓርፋፍ ቀጸላ፣ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ኣብ ሰለስተ ወለዶታት ተኸፊሉ። ቀዳማይ ወለዶ፣ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሜዳን ካልእን ዝተጻሕፉ ግጥምታት፤ ካልኣይ ወለዶ፣ ካብ ፈለማ 90ታት ክሳብ ምዝዛም 2001 ዝተጻሕፉ፤ ሳልሳይ ወለዶ ድማ ካብ 2002 ክሳብ ሕጂ ዝተጻሕፉን ዝጸሓፉ ዘለዉን። ብዕቤቶም ብቕደም-ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ክሰርዑዎም ንዝቐረበ ሕቶ፦
ቀዳማይ – ካልኣይ – ሳልሳይ ዝበሉ 2
ቀዳማይ – ሳልሳይ – ካልኣይ ዝበሉ 0
ካልኣይ – ሳልሳይ – ቀዳማይ ዝበሉ 4
ካልኣይ – ቀዳማይ – ሳልሳይ ዝበሉ 5
ሳልሳይ – ካልኣይ – ቀዳማይ ዝበሉ 1
ሳልሳይ – ቀዳማይ – ካልኣይ ዝበሉ 1
ስለዚ እቲ ዝበለጸ ለወዶ ግጥሚ፣ ካልኣይ ወለዶ (ካብ 90ታት ክሳብ 2001) ምዃኑ ንግንዘብ። 9 ገጠምቲ ንዕኡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዖምዎ ማለት’ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ሞንጎ ገጠምቲ ዘሎ ናይ ብቕዓት ፍልልይ ሰፊሕ ምዃኑ ዝሰማምዑ ዝበዝሑ ወሃብቲ መልሲ እዮም። (ንምሕጻር ዝኣክል) ኣብ ሓድሕድ ገጠምቲ ዘሎ መንፈስ ምትሕግጋዝን ምልውዋጥ ልምድን ብኣሉታ ዝግምግሙ ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ካልእ ካብ ትግርኛ ወጻኢ ብኻልኦት ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ግጥምታት ዝውከሱ ምዃኖም ንምርኣይ ዝተሓተተ ሕቶ ነይሩ። ልዕሊ ፍርቂ ዝውከሱ (9 ገጠምቲ)፣ ዝተረፉ 7 ግን ካብ ትግርኛ ወጻኢ ዝውከሱዎ ግጥሚ የሎን። ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ብመንጽር ዕምቈት ሓሳቡን ዘልዕሎም ዛዕባታትን ኣድማሳውነቱን ብሓፈሻ ብዙሕ ነገር ከም ዝተርፎ ይግምገም (ብመሰረት እቶም ናይ ደገ ግጥምታት ዝውከሱ ወሃብቲ መልሲ።)
ዘዝተጻሕፈ ግጥሚ መወከሲ ክበሃል ኣይከኣልን። ንመን ከም ዝውከስ ዘይፈልጥ ገጣሚ ግን ዝረኸቦ ክነብብን ብኡ ክጓዓዝን ምርኣይ ዝገርም ኣይኰነን። ነዚን ተመሳሳሊ ዕላማን እምበኣር፣ ከም መወከስን መምሃርን ዝጥቀሙሎም ዓሰርተ ገጠምቲ ክዝርዝሩ፣ ነወሃብቲ መልሲ ዝቐረበ ሕቶ ነይሩ። ስለዚ ብ16 ወሃብቲ መልሲ ዝተጠቕሱ 160 ገጠምቲ ኣይንጽበን – ንርዱእ ምኽንያት። ሓንሳብ ኰነ ዓሰርተሳብ ከም መወከሲ ዝተጠቕሱ ገጠምቲ ብዝርዝር ቀሪቦም ኣለዉ። እቲ ዝርዝር ብቀዳማይ ፊደል ናይ ስሞም፣ ብናይ እንግሊዘኛ ፊደላት ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ዝተሰርዐ እዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ግን ካልእ ትርጉም ኣይወሃቦን። ብተወሳኺ ኣብ ቅንፍ ናይ ገለ ገጠምቲ ዘሎ ምብርሂታትን ቅጽል ኣስማትን ብወሃብቲ መልሲ ዝተጠቕሰ እዩ።
ማመት ጓል ጸብኡት ከምኡ’ውን ኵሎም ኣፋዊ ግጥምታት፤
ኣዴራ ተስፋይ፣ ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን፣ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ኣማኑኤል በርሀ፣ ኣማረ ወልደስላሰ፣ ኣንገሶም ኢሳቕ፣ ኣስመሮም ሃብተማርያም (ኣይቀጸሎን’ምበር)፣ ኣዝመራ ተወልደ፤
በየነ ሃይለ፣ በየነ ሃይለማርያም፣ ብርሃነ ገብረሂወት፣ ቦኽረ ገብረየሱስ፤
ፍርቱና ገብረገርግሽ፣ ፍቕረይ የማን፣ ፍሻለ ተስፋይ፤
ግርማይ ኣብርሃም፣ ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)፣ ግርማይ ገብሩ፣ ግርማይ ምሑር፣ ግርማይ ዮውሃንስ (ንቃነ)፣ ገብረሂወት ተስፋይ፤
ሃይለ ቢዘን፣ ሄኖክ ተስፋብሩኽ፤ ኢሳይያስ ጸጋይ፤ ጆን ካርሎ (ሓርበኛ ኣይነብርን’ዩ…..)፤
ካሕሳይ መሓሪ፣ ኪዳነማርያም ጎይትኦም (ዘፈሩ)፣ ኪሮስ ዮውሃንስ፤
ማይኮ ተኽለ፣ መኰነን ተስፋይ፣ መለስ ንጉሰ፤
ዑመር መሓመድ ቢደሪ (ኣቡ ዓምራ)፤ ጴጥሮስ ተፈሪ (ወዲ ቐሺ)፤
ርእሶም ሃይለ፣ ሩማና ብርሃኑ፤
ሳባ ኪዳነ፣ ሳሙኤል ኣልመደ፣ ሳሙኤል ገብረኣዶናይ፣ ሰለሞን ድራር፣ ሰለሞን ጸሃየ፣ ስምኦን ጸጋይ (ኳትሮ)፤
ታደሰ ተስፋይ፣ ተኽለ ተኸስተ፣ ተስፊት ዮውሃንስ፣ ጥዑምዝጊ ተስፋይ፤
ያሬድ ደጀን፣ ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ዮናታን ዑቕበ፣ ዮናስ ወልደሩፋኤል፤
ዘኢትነገር (ስሙ ኣይተፈልጠን)፣ ዘመንፈስ ሃይለ።
ምስ’ዚ ዝቐረበ ዝርዝር ኣስማት ገጠምቲ ተተሓሒዙ ኣብ ርእሲ ነባቢ ብዙሕ ነገር ክለዓል ይኽእል እዩ። ስሙ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ገጣሚ ንምንታይ ከም መወከሲ ተጠቒሱ፧ በዓል እገለ ንምንታይ ተረሲዖም፧ በዓል እገለ ንመወከሲ ብቑዓት ድዮም፧ ዋላ ካብ’ቶም ብቑዓት ዝበሃሉ ገጠምቲ፣ ብንጽል ኰነ ብልፍንቲ ግጥምታቶም ብመጽሓፍ መልክዕ ዝሰነዱ ክንደይ እዮም፧ እገለ ክንደይ ዝኸውን ግጥምታት እዩ ዘለዎ/ዘለዋ፧…………ወዘተ ምጥቃስ ይካኣል። መደምደምታኡ ግን……….
ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፣ ካልኣይ ክፋል ናይቲ መሕትት ክፉታት ሕቶታት ዝሓዘ እዩ። ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት መብዛሕትኦም ብኣወንታ እንክግምገሙ፣ ኣድላይነት ኣይነበሮምን ዝተባህሉ ውን ኣይተሳእኑን። ብፍላይ ግን እቲ ንወለዶ ግጥሚ ትግርኛ ኣብ ሰለስተ ከፊሉ ዝቐረበ ሕቶ።
ከም’ዚ ዓይነት ተበግሶታት ንገጠምቲ፣ ብፍላይ ድማ ንጀመርቲ ዓቢ ረብሓ ምህላዉን ዝገለጹ መብዛሕትኦም ወሃብቲ መልሲ እዮም። እንተዀነ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ውን ኣይተሳእነን – መጽናዕቲ ኣብ መጽናዕቲ ንዝግደሱን ንዘሎ ኩነታት ንምፍላጥ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ገጠምቲ ጽልዋ ይኹን ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ዝገልጽ ሓሳባት ማለት’ዩ።
መደምደምታ
ኵነታት ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ብመንጽር ዝተፈላለየ ትዕዝብቲ ገጠምቲ ብኸም’ዚ ተራእዩ። ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ ግን ጸሓፊ ውልቃዊ ሓሳባቱ ተጠቒሙ ከምኡ ውን ካብ’ዚ ትዕዝብቲ ነቒሉ ሓደ ፍጹም መደምደምታ ከቐምጥ ኣይመርጽን። ሕቶ፣ ግንዛበ፣ ዕቃበ፣ ርእይቶ፣ ቅሬታ፣ ተቐባልነትን ነቐፌታን ናይ ነበብቲ ኣካል ናይ’ዚ ጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ሓሳብ። ብርግጽ ድማ ሓደ ጸሓፊ ብ16 ወሃብቲ መልሲ ተማእኪሉ ዘቕርቦ ጽሑፍ ንእኹል ርትዓውነት ክበቅዕ ኣይክእልን። ብብዙሕነትን ሃናጺ ተሳትፎን ናይ ቤተ-ሰብ ስነ-ግጥሚ ከም ዝህብትም ወይ ከም ዝፈርስ ዘማትእ ኣይኰነን። እዚ ማለት ግን ጸሓፊ ብዝፈጸሞም ጌጋታት ካብ ሕቶ ዝከላኸለሉ ዘብዐኛ የብሉን። እንተገደደ ናይ በይኑ ጾምን ጸሎትን ሰሪዑ ንስሓ ይኣቱ’ምበር ዘመኽንየሉ ኣብነት ውን የሎን።
ተ…..ፈ……..ጸ…….መ
12/10/2014
ዛራ-ገጠምቲ