ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)
ምዕራፍ 1
1ይ ክፋል
ንፍቑራት መን ሕጊ ክሕግገሎም ይኽእል?
ከመይሲ ልዕሊ ኵሉ ሕጊ ብሉጽ ሕጊ ፍቕሪ’ዩ።
ምስላ ላቲን
እቲ ወቕቲ ክራማት ኣዲስኣበባ ናብ ምጅማሩ ገጹ ኣብ ዝነበረሉ ቅንያት’ዩ። ኣብ ኣፍደገ’ታ ሰለሙን ዝነበራ ናብ ምብራቕ ገጻ ትጥምት ቤትጽሕፈት ዝረኣዩ ውቁባት ኣታኽልትን ዕምባባታትን ቅድሚ ሳልስቲ ብዝረኸቡዎ ጽቡቕ ዝናብ ገላዕላዕ ብምባል ንዓይኒ ተዓዛቢ ዝምስጡ ኮይኖም ነበሩ።
ሰለሙን ካብታ ኮፍ ኢሉዋ ዝነበረ ኵርሲ ብምትሳእ ብሸነኽ ጸጋም ናብ ዝነበረ መስኮት ኣምርሐ። “ኣታ ሓላፍ መንገዲ እንተ ረኸብካያ መለይ፡ ሰላም በለለይ . . .” እትብል ናይ በረኸት መንግስትኣብ ደርፊ ብፋጻ እናኣዜመ ንገለ ካልኢታት ኣብቲ መስኮት ተጸጊዑ ደው ድሕሪ ምባል፡ ሃንደበት ሰዓቱ ርእዩ ቈላሕታኡ ናብ ስግሩ ሰደደ። ግዜ ምፍዳስ ኣኺሉ ስለ ዝነበረ ዝብዝሑ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ድሮ ካብቲ ቀጽሪ ወጺኦም፡ ሓደ ኽልተ ከኣ ኣብ ጥቓ’ቲ ኣፍደገ ዘዘው ክብሉ ተዓዘበ። ሰማይ ክደባበን ርእዩ ክዳን ከይደረበ ካብ ገዛ ምውጽኡ እናጣዓሶ ድማ ቤትጽሕፈቱ ዓጽዩ ናብ ደገ ወጽአ። ነቲ ዓቢ ኣፍደገ ሓሊፉ ናብ ቀንዲ ጽርግያ ድሕሪ ምሕዋስ የማነ ጸጋሙ ጠሚቱ ስጕምቱ እናኣቐልጠፈ ጕዕዞኡ ናብ ሰንጋተራ ኣቕንዐ።
ነዊሕ ከይከደ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ፍረ ጻዕሮም ዝተቐበሉ ተመሃሮ ምስክር ወረቐቶም እናወጣወጡን ናይ ቈልዓ ነገር ጫቝጫቍ እናበሉን ብወሰናስን ናይቲ ስርግያ ክሓልፉ ኣጓነፉዎ። ኣብ ገጽ’ቶም ዝሓለፉ ትጉሃት ብሩህ ተስፋ ክንበብ ከሎ፡ ገለ በጻብዕ ዝቝጸሩ ዘይተዓደሉ ግን ቃዚኖም ይረኣዩ ነይሮም። ንዓታቶም ሓሊፉ ታክሲ እንተ ረኸበ ጸጸኒሑ ንድሕሪት ቍሊሕ እናበለ ቍሩብ ምስ ተጓዕዘ፡ ንጸጋም ተዓጺፉ ኣብ ወሰን ናይቲ ገፊሕ ጽርግያ ደው ምስ በለ፡ ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብሸነኽ ፒያሳ ዝመጽአት ሚለቸንቶ ዝዓይነታ ኣረጊት ታክሲ ናህራ ነክያ ኣብ ጥቓኡ ደው በለት።
“ንግድ ትምህርትቤት” በለ መራሕ ታክሲ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ብመስኮት መኪና ንሰለሙን ክርእዮ እናተመጣጠረ። ካብ ንግድ ትምህርትቤት ናብ ሰንጋተራ ራሕቂ የብሉን። ካብኡ ብእግሩ ክቕጽል ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ቃል ከይወሰኸ ዳሕረዋይ ማዕጾ ከፊቱ ናብ ታክሲ ብምድያብ ራብዓይ ተሳፋሪ ኮነ።
ታክሲ ከም ንፋስ እናተሓምበበት ደው ከይበለት መንገዳ ድሕሪ ምቕጻል፡ ኣብ ፊት ንግድ ትምህርትቤት ኣውሪዳቶ ተዓዝረት። መንገዲ ኣጋር ሒዙ እናኸደ ከሎ ኣንቃዕሪሩ እንተ ጠመተ፡ እቲ ብከቢድ ደበና ተሸፊኑ ዝነበረ ሰማይ ዝያዳ ጸልሚቱ ተራእዮ። ብርቱዕ ንፋስ ድማ ነቶም ሓሓሊፎም ኣብ ወሰናስን ናይቲ ጽርግያ ዝነበሩ ጐፍጓፋት ኣእዋም ጨናፍሮም ክስላዕ ክሳዕ ዝደሊ ስለ ዘወዛወዞም ካብኣቶም ዝረገፉ ኣቝጽልቲ ነቲ ሓሓሊፉ በጓል ዝነበሮ ጽርግያ ሕብሩ ቀየሩዎ።
ሰለሙን ብዛዕባ’ታ ቅድሚ ሰሙን ንኽትጽገን ኣብ ጋራጅ ዝኣተወት መኪናኡ እናሓሰበ ኣብ ቦታ ቈጸራ ክበጽሕ ናይ ሜትሮታት ርሕቀት ተረፎ። ኵርናዕ ክጥወን ደሮና ዝተሓወሶ ንፋስ ገጹ ክግጭቦን ሓደ ኮነ። “ኦፋ!” ኢሉ ገጹ ድሕሪ ምዛር ዘብዘብ ሓዊሱ ናብታ ምስ ዓርኩ ዝተቛጸረላ ባር ህሩግ ኢሉ ኣተወ።
ሃብቶም ዓርኩ ኵርናዕ ሒዙ፡ ኣብ ጥቓ መስኮት ተጸጊዑ ኮፍ ብምባል ቈላሕታኡ ናብ ደገ ሰዲዱ ነበረ። ንሰለሙን ድሮ ጽርግያ ክቘርጽ ከሎ ርእዩዎ ስለ ዝጸንሐ ቅልቅል ምስ በለ፡ “ሰሌ” በሎ ኢዱ እናወዛወዘ።
ኣብ ቈጸራ ምድንጓይ ከም ዝጸልእ ስለ ዝፈልጦ፡ ድሕሪ ሰላምታ ኵርሲ ስሒቡ ኮፍ ብምባል፡ “ድሮ ቀዲምካኒ?” በሎ።
“ሰሌን ብእግርኻን ደኣ ከመይ ዘይቅድመካ!” መለሰ ሃብቶም ካብታ ተፋሪቓ ዝነበረት ቡኑ ፊት ድሕሪ ምባል።
“ኤእ! ዝነውሐ መንገዲ’ኳ ብታክሲ’የ መጺአዮ፡” ኣስዓበ ሰለሙን።
“ለካ! ኣነ ድማ ብእግርኻ ዝመጻእካ መሲሉኒ ከምዚ ምቕልጣፉ ሰሌ ዓርከይ ንማራቶን ተስፋ’ለዎ ክብል ጸኒሐ ብውሽጠይ፡” ምስ በሎ ሓቢሮም ሰሓቑ። ሃብቶም ከም ሰብ ተዋዛያይ ኣይኮነን ክብርሆ ከሎ ግን ስንኻ ኣየኽድንን’ዩ።
እታ ከየስተውዓሉላ ጠለቦም ክትሰምዕ ኣብ ጐድኖም ደው ኢላ በተን ገልሓታት ኣዒንታ ክትጥምቶም ዝጸንሐት ኣሳሳዪት፡ “ምን ልታዘዝ ጋሼ?” በለቶም ክልተ ኢዳ ኣጣሚራ።
“ኣንድ ቡና” መለሰላ ሰለሙን ብስያፍ እናጠመታ። በጋጣሚ ሽዑ መዓልቲ ዝተቘጽረት ሓዳስ ሰራሕተኛ እያ ነይራ።
ንገለ ደቓይቕ ምስ ኣዕለሉ፡ እቲ ጸልሚቱ ዝነበረ ሰማይ ብመስታ በርቂ ተተርብዐ። ብኡንብኡ ከበሮ እዝንካ ዝቐድድ ብርቱዕ ነጐዳ ተሰምዐ። ብዙሕ ከይደንጐየ ድማ እቲ ኣብ ህዋ ተንተልጢሉ ዝነበረ ደበና ህቦብላ ናብ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ተቐየረ። እቲ በብዋኒኑ ላዕልን ታሕትን ክብል ዝጸንሐ ህዝቢ መዕቀሊ ከናዲ ሸበድበድ ብምባል ነናብ ዝቐረበሉ ክፉት መዓጹ ተጓየየ። እታ ብተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑዋ ዝጸንሐት ባር ድማ ካብቲ እናበርትዐ ዝኸይድ ዝነበረ ከምልጡ ብዝኣተዉ ሓለፍቲ መንገዲ፡ ሸየጥቲ ሽጋራን ማስቲካን፡ ወልወልቲ ሳእኒ ስለ ዘዕለቕለቐት ኣብ ውሑዳት ካልኢታት ናብ ዕዳጋ ልካይ ተቐየረት።
እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ብሰንኪ እቶም ኣብ ጐድኖም ደው ኢሎም፡ ብረገጽካኒ ደፋእካኒ ነገር ኣልዒሎም ዝፈኻኸሩን ዝጸራረፉን ዝነበሩ ዓዋሉ ናጻ ኮይኖም ከዕልሉ ስለ ዘይከኣሉ፡ ከገድሶም ዝኽእል ጕዳይ ሓዲጎም ናብ ተራ ዕላል ክኣትዉ ተገደዱ።
ሰለሙን ናብቲ በረድ ክሕውስ ዝጀመረ ዝናብ እናጠመተ፡ “ኦሮማይ! ዓዲ ጨፈቕፈቕ ክትብል ምቕናያ እዩ፡” በለ ቅድሚ ገለ መዓልታት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ከሎ ዘጀብጀቦ ዝናብ ዘኪሩ።
“ሓቅኻ፡ ክራማት ኣዲስኣበባ ኣይፈተንካዮን ዘለኻ፡ ሓምለ ምስ ኣተወ እዛ ዓዲ መእተውን መውጽእን ከም ዘይርከባ ኣይፈለጥካን። መፈጠርካ እያ ተጽልእ። ኣስመራ ንዝለመደ ሰብ ክራማት ኣዲስኣበባ ቀጨውጨው እዩ ዝብሎ። ሓደ ክረምቲ ምሰ’ሕለፈ ግን ከይፈተወ ቡት ሳእኑ ወድዩ ጠልፋዕ እናበለ ምኻድ ይጅምር። ሕጂ ድማ ዘይተርፈካ ጋሻ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ ከም ዝብሃል፡ ከሎ ገና ተዳሊኻ ክትጸንሕ’የ ዝነግረካ ዘለኹ፡” በሎ ሃብቶም ፍሽኽታ ሓዊሱ ጸጸኒሑ ናብ ዓርኩ ገጹ እናጠመተ።
“ብዓንተቦ እዝግሄር ጸሊኡለይ’ምበር ነስመራ ሓዲግካዶ ናብዛ ጨናዊት ዓዲ ይምጻእ ኮይኑ፡” መለሰ ሰለሙን።
ኣብ መንጎ፡ “ዝጋ ኣንተ ቡሽቲ! ኣጋጭሃለሁ፡ እኔን ቡሽቲ? እናፍጥሃለሁ ኣንተ የውሻ ዘር፡ ፈሳም!” ዝብል ድምጺ ሰሚዖም ግልጽ በሉ። ብድሕረኦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ክልተ ወልወልቲ ሳእኒ ሳናዱቖም ኣልዒሎም ንማለቱ ትኒዕ ክባሃሃሉ ከለዉ ድማ ተዓዘቡ።
“ግደፎም እዚኣቶም ሰብ ክህውኹ’ምበር ኣይበኣሱን’ዮም፡ ውራይ ዕላልና ጥራይ ንግበር፡” ኢሉ ሽጋራ ወልዐ ሃብቶም። ሽጋራኡ ብነዊሕ ስሒቡ፡ “ናብ ኣዲስኣበባ ምምጻእካ ግን ከጣዕሰካ የብሉን። ንልቢ ክኾነካ ነስመራ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ኣነ እፈትዋ፡ ሎሚ ግን ምስ እልፊ ክዳኖም ዘይቀየሩ ጀልፋፋት ብሄራዊ ጦር እናተጓነጽካ ክትዛወር ከመይ ኢሉ ይወርደልካ! ኣምሓሩ’ኮ ነስመራ ከም ዘይሓልፍ እናደቘሱ ነዛ ትርእያ ዘለኻ ጨናዊት ዓዲ የዕብዩዋን የመሓይሹዋን’ዮም ዘለዉ፡” በሎ ነተን ዳሕረዎት ቃላቱ ጸቒጡ ርእሱ እናነቕነቐ።
ሰለሙን ነቲ ረዚን መልእኽቲ ዝነበሮ ዘረባ ዓርኩ ብዙሕ ኣየስተውዓለሉን። ናብ ኣዲስኣበባ ካብ ዝመጽእ ክንደይ ከም ዝገበረ ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክቘጽር ዝን ኢሉ ጸኒሑ፡ “ዝገርም’ኮ እዩ! ናብዚ ዓዲ ካብ ዝመጽእ ድሮ ሽዱሽተ ወርሒ ገይረ ማለት ድዩ?” በለ ብሓውሲ ሕቶ።
ሃብቶም ነተን ደቀቕቲ ኣዒንቱ ኣጨምጪሙ ንሓጺር ህሞት ድሕሪ ምሕሳብ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ትዝክሮ እንተ ዄንካ ልደት ምስ ሓለፈ ኣብ ሰሙኑ ኢኻኮ መጺእካ። ግዜ ግን መዓት’ዩ ክጐዪ! ከይተረድኣና ድሮ ሰብዓን ክልተን ኣፋሪቕናያ፡” በሎ ሽጋራኡ እናነገፈ።
“ኣብዚ ዓዲ ከምዚ ወርሒ ጥራይ ዝገበርኩ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ነስመራ ኣይናፈቕኩዋን ማለት ኣይኮነን። ካብ ኣስመራ ወጺእካ ናብራ ብላሽ’ዩ በጃኻ!”
እቲ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ዝቐጸለ ዝናብ በብቝሩብ ዝግ ክብል ጀመረ። ካብኣቶም ቍሩብ ፍንትት ኢለን ዘዕልላ ዝነበራ ክልተ ሽምግል ዝበላ ኣንስቲ ከመይ ኢለን ናብ ገዛውተን ከም ዝበጽሓ ክማረራ ሰምዑወን። ዝናብ ጨሪሹ ደው ምስ በለ እቲ ተጸቓቒጡ ዝነበረ ሰብ ወረር ወረር እናበለ ክወጽእ ጀመረ። ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ’ውን በብሓደ ኵርሱ እናሓደገ ጸረረ። ኣብ መወዳእታ እተን ክልተ ኣንስቲ፡ “ወይ ገብርኤል መልኣኽ! ተካል ክነምሲ ኢሉና እዩ’ምበር ክረምቲ ምድሪዶ ካብ ገዛኻ ይውጻእ ነይሩ፡ እተን ታክስታትከ ክርከባ ድየን ንምሸቱ፡” እናተበሃሃላ ናብ ኣፍደገ ገጸን ኣምርሓ። ካብ ምሕፋስ ሰብነተንን ክዳውንተንን ርኹባት’የን ዝመስላ ነይረን።
እታ ተሓሚሳ ዝጸንሐት ባር ከም ብሓድሽ ፍጹም ጸጥታ ሰፈና። ሃብቶን ናብ የማኑ ግልጽ ድሕሪ ምጥማት ሰብ ከም ዘየሎ ምስ ኣረጋገጸ፡ “እንካ ሰሌ እዛ ፓምፍሌት ከይደንጐኻ ኣንብባ፡ ተጠንቀቐላ ግን ተመላሲት’ያ፡” በሎ ብትሑት ግን ትርር ዝበለ ድምጺ። ሰለሙን ምቁር ሕብስቲ ከም ዝረኸበ ሕጻን ገጹ በርሀ። ነታ ኣብ ውሽጢ ካኪ ዝሕብራ ሰታሪት ዝነበረት ሰለስተ ኣርባዕተ ገጽ ዝነበራ ማኒፈስት ከፊቱ ክርእያን ምስጢራ ክፈልጥን እናተሃንጠየ፡ ናብ ክልተ ዓጺፉ ኣብ ናይ ውሽጡ ጁባኡ ሸጐጣ። ኣብ ኣስመራ እናሰርሐ ከሎ ፓምፍሌት ክብሃል ብወረ ይሰምዕ ነይሩ’ምበር ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ናይ ተሓኤ ኣንቢቡ ወይ ርእዩ ስለ ዘይፈልጥ ብሓጐስ ተፈንጭሐ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ሃብቶም ምምሳይ ብኣጋኡ ናብ ገዛ ከይዱ ብሒቱ ከንብባ ኣመና ተሃንጠየ።
ሃብቶም ሕሳብ ክኸፍል ካብ ጁባኡ ገንዘብ እናኣውጽአ፡ “በል ክራማት’ዚ ዓዲ ኣይእመንን’ዩ ዝግ ኢሉ ከሎ ንበገስ ሰሌ። ቈጸራ ከይጠልመካ ኢለ’የ መጺአ’ምበር ካብ ስራሕ ክወጽእ እናተበገስኩ ከለኹ ሓደ ካብ ኣስመራ ዝመጽአ ኣገዳሲ ጋሻ፡ ‘ኣብ ተክለሃይማኖት እጽበየካ ኣለኹ፡’ ኢሉ ስለ ዝደወለለይ ከይደንጐኹ ናብኡ ክኸይድ ኣለኒ፡” ኢሉዎ ብድድ በለ።
እቲ ጋሻ ብውልቃዊ ጕዳዩ ዝመጽአ ሰብ ዘይኮነ ካብ ገድሊ ዝተላእከ’ዩ ነይሩ። ሰለሙን ሓሳቡን ቀልቡን ናብታ ኣብ ጁባኡ ሸኵዑዋ ዝነበረ ጽሕፍቲ ዘቢሉ ስለ ዝነበረ፡ ሓሳብ ልቡ ሰሚሩሉ ብዘይ ሕቶ “ንኺድ ሕራይ፡ ጽባሕ ክንራኸብኮ ንኽእል ኢና፡” ኢሉዎ ደድሕሪ ዓርኩ ሰዓበ።
ኣብ ልዳት ናይቲ ባር ደው ኢሎም ከለዉ፡ ሃብቶም ኢዱ ኣብ መንኩብ ሰለሙን ኣንቢሩ፡ “ኣንታ ሰሌ፡ መኪና ደኣ እንታይ’ዩ ሽንና? ሃየ’ባ ገለ ግበር፡ ከምዚ ኢልካ ደኣ ዘየዋጽእ፡ በሎ ናብ ጽርግያ እናጠመተ።
ሰለሙን ዛሕሊ ወቒዑዎ፡ “ሔው!” ድሕሪ ምባል፡ “ኣታ ወዲ ጕድለታ ብቐሊል ዝዕረ’ዩ ነይሩ፡ እቲ ዋና ጋራጅ ግን ብሎሚ ጽባሕ ተኸኽ ኣቢሉኒ ቀንዩ። ኣስፐሪያሞ ግን ንድሕሪ ጽባሕ ከዕርያ እየ ኢሉኒ’ሎ፡” ብምባል ተፋንዩዎ ንጸጋም ገጹ ተዓጽፈ። እቲ ኣብ ማእከል ጽርግያ ሓሓሊፉ ዝርአ ዝነበረ ጐዳጕዲ ንኣሽቱ ራህያታት ብምፍጣር ንምንቅስቓስ መካይን ምሽጋሩ ከይኣክል፡ ብሰንኪ መትረብ ርስሓት ዘይምህላዉ፡ ብየማነ ጸጋም ንገማግም ጽርግያ ሰጊሩ ናብ መንገዲ ኣጋር ዝፈሰሰ ወሓዚ ማይ ነቶም ካብ ዘዝነበሩዎ ቦታታት ዝወጽኡ ኣጋር ጸገም ፈጢሩሎም ይርአ ነይሩ።
ሰለሙን መንገዲ ኣጋር ሒዙ እናተጓዕዘ ከሎ ታክሲ ይቋመት ነበረ። እተን ዝርካበን ታክስታት ተሳፈርቲ መሊአን ድው ከይበላ ክዕዘራ ምስ ተዓዘበ ግን ሰለይ እናበለ መንገዱ ቀጸለ። ይኹን’ምበር ነዊሕ ከይከደ ቍሪ ክስምዖን ህንጥሸው ከብሎን ስለ ዝጀመረ ኣብ ኵርናዕ ናይ ሓደ ዓቢ ህንጻ ተጸጊዑ ክጽበ መረጸ። ኣብ ሓሳብ ኣትዩ ምስ ነብሱ እናተዛረበ ከሎ፡ ኣብ ስግሩ ሓንቲ ዙርያ ዝተኸድና ቅይሕ ኢለን ፈርዛዕ ሰበይቲ፡ ሸታሕ ኢለን ክወድቃን እናንጸርጸራ ጽላለን ተደጊፈን ክትስኣን ርእዩ ኣይሰሓቕ ኣይድንጋጸ ኮነ። እዚ ከይኣክል ብጸፍዒ ናይተን ብናህሪ ዝውንጨፋ ዝነበራ መካይን ማይ ዝተገጨቡ ሓለፍቲ መንገዲ ክጻረፉን ክራገሙን፡ ሰብ ተሽከርከርቲ ከኣ ክትሰምዖ ዘሕፍር መልሲ ክድርጕሕሎም ሰሚዑ፡ ነታ ቈላሕታ ከንቲባኣን ተገዳስነት ነበርታን ዝጐደላ ከተማ ኣዲስኣበባ ብሕልናኡ ምስ ኣስመራ ከነጻጽራ ብምፍታን ብሓሳብ ክህውትት ጀመረ።
ይቕጽል
2ይ ክፋል ረቡዕ 20 ነሓሰ