ጸሎትካን ካልስኻን
ንብርሃን ኣሕሊፉ
ምድሪ እንክጽልምት
ፈገግ ትብል እምበር
ዘይብለካ እኩት።
ውሽጥኻን ደገኻን ዘይመሰታ
ድንን ከኣ ትብል ተመስግን ንጎይታ
ሰብ ከይፈልጠልካ ናይውሽጥ ኻቃንዛ
ጸሎትካ ተብጽሕ ብሕሹኽታ።
ተመስገንካ ርእዩ ዝተዳህለ ሰብ
መዓስ ይብለካ ብናብራ ትጻበብ?
ጸበባኻ ፈሊጡ’ውን ኩሉ ወጮ
እንተ ደንጊጹልካ ንዕኡ ዝሕሾ
ጉምብስ በል ደሓን
ድኻም ኣይትጸዓን
ምረት ኣይተስተንፈስ
ምስ ኣምላኽካ ወዓል።
ጫማኻ ኣውጺእካ ሓመድካ ንገፍ
ድፍእ በል ንሓንሳብ ኣብቲ መንጸፍ።
ንምድሪ ጠብጢካ ናይልብኻ ሰዓም
“ተመስገንካ” ከም ትዓብሶ ነዃል
ዝተቦጃጀለት ናይ እግርኻ ካልሲ
ኣግሂዳ ተርእዮም እተሕልፎ ቃልሲ።
ግርማይ ኣብርሃም
16/09/06
1 Comment
😳