እቶም ክልተ ቈልዑ ቀለም ዝበልዑ
ኣብ ሓደ ጕዕዞ ብሓንሳብ ተበዑ
ንጎቦ ብሚና ሰርሑ መድመዱ
ብፍቕሪን ዓወትን ሰባት ኣዛረቡ
ንሓደ ሸውዓተ ጥዑም ተመገቡ
እናተጻወቱ ቡቻ ገዛ ገዛ
ሕንጻጽ ናይ ጸወታ ቀይንኑ እንብዛ
እቲ ሓደ እናምሰለ ዋዛ
ጸወታ ኣቛሪጹ ሰይሩዋ ታቡቻ
ክልይ ሸወዓተ ኰይኑ ቃነዛ ማንዛ
መሬት አነቀጥቂጡ ፍቐሪ ወን ቐዚዛ
መጋባእያ ፍትሒ ናበ ሓደ ጠመዚዛ፣.
ከምኡ ንኽኸውን እቲ ተመኸሮ
ካብ ዜሮ ናብ ዜሮ ብድምጺ ከበሮ
ዓዲ ንኽኣቱ ሩባ ምስ ኣስገሮ
ንጸወታ ብቻ ብዳማ ቀየሮ
ማዕስ ንሱ ኰይኑ ከምኡ እንድዩ ተፈጥሮ
ኣብ ንፋስ ቐውዒ በርበረ ክዝሮ
ባህሪ ናይቲ መርዚ ሕጊ መንቀራቕሮ።
ክልተ ሽውዓተ ብሓደ ሞኽባዕቲ
ገሊኦም ገንኢ ገሊኦም ዓለቕቲ
ጸጕሮም ጫሊዶ ሲኢኖም ዓረቕቲ
እንተ ነሕና እሞ መዓሰ አርኪብናሉ
ድራረ ዓሳ ኰይና ንዝይ ንረብሓሉ
ድለየት ናይቲ ሓደ ሰቓይና እነደአሉ፤
ሰንኪ ንብዓት ቆልቋል ቅያ ተፈጺሙ
ሳልሳይ ሽውዓተ እቲ ሓደ ተጠሚሙ
ገለ አዕዝምዚሙ ገለ ተገሪሙ
ራብዓይ ሽውዓተ ስ እንታይ ትግምግሙ፡፡
ሚካኤል መዓሾ(ወዲ ሮማ)