1) ዛራ ገጠምቲ; ብመጀመርታ ንዝተጎናጸፍካዮ ዓወት ብስም ተኸታተልቲ ዛራ እንቋዕ ሓጐሰካ! ብድሕረ ባይታኻ ኣይክንጀምርን ኢና። ክትንክፎ እየ እንተኢልካ ግን ናባኻ ንገድፎ።
-* 888 ፣ ተዓዊተ እንድሕር ኰይነ፡ የቐንየለይ – ክብረት ይሃበለይ” እብል። ከም ዝተዓወትኩ ኣይኣመንኩን። ምስ ሰደድኩዋ ዝተጠዓስኩላ ግጥሚ እያ። ስምዒታታ እናጨርገፍኩ ከዘኽትማ ከለኹ፡ ደያኑ ጥራይ እዮም ዝረኣዩኒ ነይሮም። ውሽጠይ “ግደፍ!” እናበለኒ፡ ደያኑ ስዒሮሞ። “ውድድር” ናብ ግዳም ከም ዘቋምት ገይሩኒ። ድሒሩ ዘቀንዘወኒ ክፋል’ታ ግጥሚ፡ ካብ ውድድር ወጻኢ ተመሊሰዮ፡ እንተ ዀነ ግን ኩሉ ኣይጸንሓንን።
በቲ ሓደ ወገን፡ ዘይኣመንኩዎ ባህታ ኣሎኒ። ኣብ’ቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ገጠምቲ ትግርኛ ዝዀነ “ዛራ ገጠምቲ” ተዓዋቲ ብምዃነይ ኣመና ባህ ኢሉኒ ኣሎ። ካብ ውሽጠይ ተሓቢአ እየ ዝሕጎስ ዘለኹ። ተጻዒረ፡ ተሓሊበ. . . እቲ ክብሎ ዝደለኹ ኣይበልኩዎን። ስምዒተይ ክንዮ’ቲ ኣብ ወረቐት ዘስፈርኩዎ እዩ ነይሩ። ግጥሚ፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ቅልዕልዕል ኣቢልካ ንኻልኦት ምርኣይ ምዃኑ እየ ዝኣምን። ካብ’ቲ ከርእዮ ዝደለኹ ክንደይ ዝኣክል ኣርእየ እዝጊ ዋናኡ፡ ውሑድ ምዃኑ ግን እፈልጥ እየ።
ብሕልፊ ውድድር እናሓሰብካ ክትጽሕፍ ከለኻ ገለ ተጽዕኖ ከም ዘለዎ እየ ተገንዚበ። ናብ ውሽጥኻ ክትኣቱ ሒዅ ትብል፡ ብግዳም ድማ ትውጠጥ። ሓንሳብ ደያኑ ይመጽኡኻ፡ ሓንሳብ ኣንበብቲ ይቕልቀሉኻ። እናተሓጎስካን እናተመሰጥካን ኣብ ክንዲ ትጽሕፍ፡ ፍርሒ ድዩ ውድቀት ይመላለሰካ። ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ምጭርጋፍ ዝነበረት ግጥሚዶ ከርእየኩም። ሕጂ እውን እናጨርገፍኩ እየ መልክዕ ከትሕዛ ፈቲነ። እንታይ ኰን ትብሉ ትዀኑ!!!
ናይ መወዳእታ ንብዓት!
ድርዕታት ጓሂ፡ ጎልቢቡ ከም ጋቢ
ልበይ ኣንዲዱ፡ ቀዪሩዎ’ዩ ናብ ጥምቢ
ኣደ፡ ምእንታና ኢለ፡ ጓንነት ክመርጾ
እናኣመንካ ክሕደት፡ ኣባኺ ክጅምሮ
‘ዚ ርጉም ናፍቘት፡ ባህ ደኣ ኣይበሎ
ልበት ደም እናነትዐ፡ ዕጭ ይባእካ’የ ዝብሎ
ናፍቘት ውሉድ፡ ኣብ ውሽጠይ ንኸይድብል
ጨካን ኰይነልኪ’የ፡ ምእንታኺ ክብል፣
ኣይናፍቕን’የ ዘለኹ፡ ልበይ እናገጸበ
ቅብር’የ ዘብሎ፡ ከም ዘየለ ገይረ፣
ግደ ሓቂ፡ ገምገም ይብል ኣሎ ልበይ
ብውሽጢ ይኹሕኳሕ፡ የጽምሞ ንመንፈሰይ
‘ተወለድ’ ይብለኒ፡ ኣደ ኣብ ዘይብለይ
ፍረ መኻን ምዃነይ፡ እናመስከርኩ ባዕለይ፣
ኣቲደ . . . ኣሰር እኳ ዘይብለይ፡
ጭትም ትብሊ ክትፈልጢ ኣሰረይ!
ንዓኺ ክሕሸኪ፡ ኣይተሐንቅቕዮ ማህጸንኪ
“ዉሉድ ዘይኰነልካ፡ ቅርሱስ ኢኻ” በልዮ፣
ኣይተናድዪ ኣሰረይ፡ ዘየሎ ኣይትናፍቒ
ኣብ ዝተሃሞኸ ተስፋ፡ ምስ ግዜ ካብ ትበኣሲ
ምኸኒ እንዶ. . . መኻን እንዲኺ
ኣለኒ ትብሊ ደኣ ኣበይ’ሎ መርትዖኺ?
ኣሉ ቀጣን በልዮ፡ እንተ በለኪ ‘ወሊደ’
ምኒን እንተብዘሐ፡ ዘክርሉ ደቂ ጎብየ።
ክሒደኪ’የ ኣነ፡ ዕትብተይ ዓቢሰ
መበቆለይ ሓኺኸ፡ ሰራውረይ በንቊሰ
ብዒግታ ጽምዋ፡ እናተደፍነ ጓጓኺ
ከመይ ኢልኪ ትኣምንዮ፡ ትሰምዒዮ ንኸርስኺ?
እግዝተኪ ኣለኹ፡ ከይትኹሕኩሒ ልበይ
ኣይትቕተልኒ በጃኺ፡ እናፈለጥኪ ሞተይ፣
ንብዓተይ ኣዝኒበ፡ ከም ህጡር ሓምለ-ሰነ
ኣንቃዕሪረ – ናፊቐ – ስቓይ ጐሲመ
ሰናይ ሓሊመ፡ ኣብ ዘየሕልም ግዜ፣
ደኺመ – ተሰኒፈ፡ ብቕብጸት ዛዚመ።
ዝዓረገ ሃንቀውታይ፡ ሰማይ ተንኪፉ
ለኪሙኒ ሞይቱ፡ ኣዋድቓ ኣኽፊኡ።
ወሓይዝ ንብዓትኪ፡ ናብ ሰማይ ተመርቂፉ፡
ናብ ምድሪ እንክንቆት፡ ደበና ጓሂ ከዲኑ
ካብ ንብዓት ማህጸናት፡ ብሽታ ከለልዮ
‘ንብዓት ኣደይ’ ኢለ ሓንሳብ ክፋነዎ፣
ናሕሲ ህዋ ኣሚነ፡ ከዕርገለይ ንሰማይ
ብሃረርታ ንብዓትኪ፡ ወዲአ’የ ንብዓተይ፣
እንተ ዓይኒ ውዑይ ንብዓትኪ ተደፊኑ
ስትዮ ሰጊሩ፡ ኣብ ጽምኦ ደው ኢሉ
ወይ ኣብ ቃጽዖታት ማዳኺ ተሰትዩ
ግዲ ኸኣ ልብኺ ዘይኣመሉ ደሪቑ
ንብዓትኪ ኣይረኣኹዎን፡ በቃ ኣቋሪጹ፣
እምበርካብ መንጫዕጫዕታ ሰማያት ምፈለኹዎ
ኣብ ልበይ ኣንጢበ “ደሓን ኩን” ምበልኩዎ፣
ምጭካን መሪጸለኹ፡ ወዲ ኣርዮስ ምዃን
ክንዮ’ዚዶ ኣሎዩ ድሕሪ ሞት ገሃነም፣
ጠሊመኪ’የ ኣደ፡ ስም ዘይብሉ ጥልመት
ዋላ ኳሕኩሕኒ፡ እናሰማዕኩ’የ ዘስቅጥ
ምስ እምባ ዕዳይ፡ ምስ እምባ ልግስኺ
ንመወዳእታ ነቢዐ፡ ንመወዳእታ ከቕብጸኪ፡
ምናልባት እንተ ነባዕኩ፡ ይኹን ደኣ ስለይ
ብራርያ መረበት እንድየ፡ ሰብ ዘየልቅሰለይ
‘ቻው’ ወላዲተይ – ኣይትጸናጸኒ ማህጸን
ምርኩስ ኣይተናድዪ፡ ተመለኽሉ ንእርጋን
ኣበይ ይፋለጡ፡ ሰብ ክልተ ፕላኔት
ጋህሲ ዝመቐሎ፡ ሃንቀውታ ዝውሕጥ
ትብዕ በሊ ኣጆኺ፡ ንዓኺ ክሕሽኪ
ኣብ ሰባር ምርኩስ፡ ነብስኺ ኣይተውድቒ!
2) ዛራ ገጠምቲ፡ ዳርጋ ዝበዝሐ መልእኽቲ ናይ ግጥሚ ከም ሞራል ዝኣመሰሉ እወታዊ ኣረእእያታት እዩ ዝሓቊፍ። “ናይ መወዳእታ ንብዓት” ግን፡ ሓያል ድምጺ መዶሻ ቀቢጸ ተስፋ (Pessimistic) መልእኽቲ ነይሩዋ። ሓላፍነት ግጥሚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንጽባቐ ግጥምኻ ከይሃስየልካ ኣይተሻቀልካሉንዶ፧
*- 888 ፣ ዋላ-ዋላ ኣይተሻቕልኩን። ብዓቢኡ መልእኽቲ ከሕልፍ ኢለ ናብ ግጥሚ ጎዪየ ኣይፈልጥን። ምናልባት ሓደ ኣንባቢ ኣብ’ታ ግጥሚ መልእኽቲ እንተ ረኺቡ፡ ባዕሉ ዝፈልፈሎ እምበር፡ ደይ-መደይ ኢለ ዘስፈርኩዎ ከም ዘይኰነ ይፍለጠለይ። እዛ ግጥሚ፡ ዛንታ ቅብጸት እምበር፡ መልእኽቲ ቅብጸት ዝሓዘት ኣይኰነትን። ናይ ዝቐበጸ ሰብ ስምዒት ኣንጸባሪቓ እንተ ዀይና፡ ዛንታ ነጊረ ኣለኹ ማለት’ዩ።
“. . .ሓላፍነት ግጥሚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ. . .” – ንዓይ፡ ሓላፍነት ግጥሚ ማለት፡ ምንጋር/ምርኣይ ማለት ጥራይ እዩ። እኽኣሎ ኣይኽኣሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ተደጒሉ ዘቃጽለኒ ስምዒት ከርኢ እየ ሓሊነ። ካልእ ሰብ፡ ‘ሞራል ድዩ ክረክብ ወይ ከኣ ሞራሉ ክርኹመሽ’ ኢለ ኣይሓስብን። ጓሂየይ ድዩ ሓጎሰይ፡ ምስትምሳለይ ድዩ ርእሰ-እምነተይ፡ ተስፋይ ድዩ ቅብጸተይ. . . ከም ዘለዎ ክቐልዖ ጥራይ እዩ ድልየተይ።
3) ዛራ ገጠምቲ፡ ኣብ’ዚ 4ይ ዓመት ውድድር፡ ደያኑ ካብ ዘንጸርጸሩሉ ቀንዲ ነጥቢ፡ ጉዳይ ጽሬት ቋንቋን ስርዓተ-ነጥቢን እዩ። ደፊሮም’ውን ‘ጽሬት ቋንቋን ስርዓተ-ነጥቢን ዘይሕልዉ ግጥምታት፡ ዳርጋ ውዱቓት እዮም’ ናብ ምባል ዝተደናደኑ ይመስሉ’ሞ፡ ኣገዳስነቱዶ ተብርሃልና።
*- 888 ፣ “ዳርጋ ውዱቓት” ጥራይ ዘይኰነ “ውዱቕ” ምበልኩዎም። ቋንቋ ምስ ስርዓቱ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ምብህሃል፡ ቀንዲን መተካእታ ዘይብሉን መሳርሒ ቋንቋ ስለ ዝዀነ፡ ደያኑ ኣብ ቋንቋ ዓቢ ኣተኩሮ ምግባሮም፡ ብዘይዝዀነ ትንታነ ቅቡል እዩ። ቋንቋን/ጽሑፍን ስርዓታቱን ከይመለኽካ ክትነግር ምፍታን፡ ከም ክርዳድ ቋጺርካ ናብ ዘርኢ ምውፋር እየ ዝወስዶ። ደያኑ ዛራ ገጠምቲ፡ ብኸም’ዚ ሒዞሞ ዘለዉ እንተ ቀጺሎም፡ ኣብ ምትዕርራይ ናይ’ዚ ሕምትኽትኽ ኢሉ ዘሎ ኣሰራርዓ ቋንቋና ቀሊል ዘይኰነ ሓገዝ ከም ዝኸውን ይረኣየኒ። በብወገንና – ነናትና እንተ ገይርና፡ ቀስ ብቐስ ባህ ዘብል ውጽኢት ከም እንርኢ እየ ዝኣምን። እዚ ክብል ከለኹ፡ ‘ቋንቋ ከየጽረኻ ፍጹም ኣብ ግጥሚ ኢድካ ከተንብር የብልካን!’ ማለተይ ኣይኰነን። እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ፡ ጸሓፋይ ወይ ገጣማይ ናይ ምዃን ሕልሚ እንተ ሃልዩካ፡ ብዝተፈላለየ ሜላ ክእለት ቋንቋ ከተመሓይሽ ኣለካ። ቋንቋ ሒዝካ ናብ ግጥሚ እምበር፡ ግጥሚ ሒዝካ ናብ ቋንቋ ክኽየድ ስለ ዘይክእል። ካልኣይ ኣማራጺ፡ ብዛዕባ ቋንቋ፡ ነቶም ካባኻ ዝሕሹ ምግዳፍ እዩ። ሓሳባትካ ኣብ ግጥሚ ምስ ኣፍሰስካዮ፡ ንበዓል ቋንቋ ‘ረኣየለይ’ ምባል። ንቛንቋ ብዝምልከት ግርማይ የውሃንስ ዘስፈሮ “. . . ትርጉምን ኣቃውማን ቃላት ዝቕይሩ ናይ ፊደል ጌጋታት መሊኦም በቃ!. . .” ዝብል ኣሎ። ትርጉም ግጥሚ ዘህስስ ጌጋ ኣይግድን። ብዘይስኽፍታን ከይብሉኒን ከቐምጦ ምኽኣሉ፡ ነነብስና ክንመዝን ክደፍኣና እዩ። ደያኑ፡ ዘይግደዱሉ ግዜኦም ሰዊኦም ዝርዝር መስርሕ ናይ’ዚ ውድድር ስለ ዝቐርቡልና ከኣ፡ ሓለፋ ምስጋና ይግበኦም።
4) ዛራ ገጠምቲ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይተባህለ እንተሎ፡ ከምኡ’ውን ደያኑ ዝተጠቐሙሉ መምዘኒ ብቕዓትን ንስኻ ትፈልጦ መምዘኒ ብቕዓትን ከመይ ተነጻጽሮ? ከም’ዚ ዓይነት መምዘኒ ክማላእ ነይሩዎዶ ትብል?
*- 888 ፣ ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝውስኸሉ የብለይን። ብወገነይ፡ ኣብ ግጥሚ ብቐዳምነት ዝስራዕ ናይ ስምዒት ጉዳይ እዩ። ተምሳሌት ይኹን ስርዓተ-ነጥቢ፡ ግርምቢጥ ይኹን ምድግጋም፡ ፈጠራ ይኹን ዕብዳን . . . ስምዒት ንኽህሉ ዘገልግሉ እዮም። ስምዒት ዝፈጥረለይ እንተ ዀይኑ፡ ‘ከም’ዚ ጎዲሉዎ’ ዘብል የብለይን። ኰይኑ ግን፡ እቶም ፈጠራ ጸይሮም ስምዒት ዝፈጥሩ፡ እዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ መምዘኒታት ስለ ዝዀኑ፡ ከም መምዘኒ ክቕመጡ የገድድ።
ደያኑ፡ ብዘይቃልዓለምን ብዝርዝርን ጉድለታትና ክነግሩና ምኽኣሎም፡ ካብ ዘሐጎሰኒን ዕብየት ዛራ ገጠምቲ ኣብ መጻኢ ዘርኣየኒን እዩ። ግርማይ የውሃንስ ካብ ዝበሎ “. . .ካብ ተራ ዘረባን ሌጣ ጽሑፍን ዘይፍለ ግጥምታት ከም ዘጓነፈኒ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ።. . .” – ዝተዓዘብካዮ ንምንጋር ስኽፍታ ዘድልዮ ኣይኰነን። ብልክዕ ከኣ፡ ግጥምታትና ነቲ መምዘኒታት ኣይበቕዑዎን። ማለተይ፡ ጥቓ-ንጥቓ ክዀኑ ኣይከኣሉን። ቀስ-ብቐስ ናብ’ቶም መምዘኒታት እናተጸግዑ ከም ዝኸዱ ግን ርግጸኛ እየ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ግጥሚ ኣይተጻሕፈን ማለት ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብ’ቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ግጥምታት፡ ዘድንቘም ኣለዉኒ። ኣብ’ቶም ካልኦት እውን ገለ ነገር ኣይሰኣንኩን። እቲ ብደያኑ ዝተዋህበ ዝርዝር ጉድለታት ከኣ ብዘይቃልዓለም እቕበሎ። አድንቖምን አመስግኖምን እውን።
ልዕሊ ኩሉ፡ እቲ ጸቢብ መንፊት ናይ ደያኑ፡ ግጥሚ ሻላ ከም ዘይረአ እዩ ኣጠንቂቑና። ግጥሚ፡ ምንዳቕ ቃላት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ካብ’ቶም መምዘኒታት ክንግንዘብ ኣለና። ናይ ብሓቂ፡ ኣብ ዓለም ግጥሚ እንተ ሃሊና፡ ውሽጥና ነቶም መምዘኒታት ዝበቅዕ ትሕዝቶ ኣለዎ። ኣብ ዓለሙ ከይኣተና ንገጥም እንተ ሃሊና ግን፡ እንታይ ይብሉ ምህላዎም’ውን ኣይክንግንዘብን ኢና።
ክብረት ይሃበለይ!
******
5) ዛራ-ገጠምቲ፣ ብመጀመርታ ብስም ተኸታታሊ እዛ መደብ እንቋዕ ሓጎሰካ። ዓሚ ከምዚ እዋን ጽቡቕ ገይርና ተላሊና ኢና። ነቶም ዘይተኸታተልዎ ብዛዕባ ድሕረ ባይታኻን ምስ ግጥሚ ዘሎዎ ምትእስሳርን ትንክፍ ኣብለሎም።
*- ዮናስ ገብራይ ምነይ፣ እወ ዝሓለፈ ዓመት ተላሊና ኔርና። ምናልባት ምድጋሙ ከይኸወን ደኣ’ምበር። እቲ ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ኣብ ግጥሚ ከም መበገሲ ዝኾነኒ ተመኲሮ ነይሩ እዩ። ከም ኩሉ መንእሰይ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ከለና፡ ኣብ ሓይልታት ዝግበር ዝነበረ ናይ ምዝንጋዕን ምጉስጓስን ንጥፈታት ክሳተፍ ምስ ጀመርኩ’ዩ፡ ዳርጋ ብግደታ እዩ “ክትገብር ትኽእል ኢኻ” ተባሂልና ኢና ጀሚርናዮ። ሕፍረት ዝፈጠሮን እንታይ ክብል’የ ካብ ዝብል ስክፍታታት እዩ። ደሓር ከም ዝረኸብክዎ ግን፡ ተበግሶን ምብህሃልን ቀንዲ ናይ ምግባር ዓቅምኻ ክተለልየሉ ካብ ዝኽእሉኻ ረቋሒታት እዮም። ፒሮን ጥራዝን ሒዝካ ካብ መዓስከር ኣርሒቕካ ትኸይድ። ንበይንኻ ኣብ ትሕቲ ገረብ በሎ በዓቲ ዓይነት ክጽምወልካ ተባሂሉ ትሽርጥጥ፡ ትሽርጥጥ በቃ። ሽዕ ገለ ክትገብር ከም ትኽእል ምልክታት ትርኢ። ኣብዚኣ ክተባብዓካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ኣለካ፡ ሽዕኡ ትሓንን። ከምኡ እዩ ባህሪ ስነ-ጥበብ። ኣብዚ ክዝክሮ ዝደሊ ካብተን ሓይልታት ተዋጺእና ሓንቲ ጉጅለ ባህሊ ቦጦሎኒ ምስ ኣቆምና፡ ድምጻዊ ቴድሮስ (ኡሩሩ) ደሓን ተመክሮ ስለ ዝነበሮ መበገሲ ዝኸውን ናይ ምእላይን ምትብባዕን ይገብረልና ነይሩ። ነቶም ዝደርፉ ይኹን ነቶም ብግጥምን ስነ-ጽሑፍን ንነጥፍ ዝነበርና ከምኡ እናበልና ንነዊሕ ተሳሊና። ስደት ኣርኪቡ ከኣ እንሆ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተመክሮ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ኣቊጺሩ።
– 6) ዛራ-ገጠምቲ፣ ንውድድር ዛራ-ገጠምቲ ዝሰደድካያ ግጥምኻ ኣብ ኢድካ ዝጸንሐ ድዩ ወላስ ነቲ ውድድር ኢልካ ኢኻ ኣዳሊኻያ? ነቲ ውድድር ኢልካ እንተ ገጢምካያ፡ ምስቲ ካልእ ግዜ ትገጥሞ ብምርእኣይ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? እቲ ስምዒት ከ ሓደ ድዩ? ሓድሽ ፈጠራ ከተምጽእ ትሃልኽ ዶ ወይስ ባዕሉ እመጽእ በሃሊ ኢኻ?
*- ዮናስ ገብራይ ምነይ፣ ብመሰረቱ በብእዋኑ ኣበግስ ኣቢለ ዘቋርጾ ብዙሕ ንድፊ ግጥሚ ኣለኒ። ፊን! ኣብ ዝበለኒ እዋን ይቕጽሎ። ስለ’ዚ እዛ “ምስሊ ነብሰይ” ትብል ኣርእስትን ጥረ-ሓሳባትን ንኣዋርሕ ምሳይ ነይራ። ውድድር ግጥሚ ምስ ተኣወጀ ከኣ፡ ንውድድር ክትኮነኒ ትኸውን እያ ኢለ ሓጸያ። ናብዚ ናብ ውድድር ዝቐረበትሉ ቕርጺ ንከምጸኣ ክጀምራ ክብል ግን፡ ኣብ መደብ ዝነበረን ዘይነበረን መገሻታትን ሓጎጽጎጽን መጺኡ። ኣእምሮይ ብሓደሽቲ ነገራት ፍጻመታትን ተገዚኡ ማለት እዩ። ንግጥሚ ዝበቕዕ ግጥሚ ንምቕራብ ሃየ እባ ተበልካ፡ ወይከ! በዛ ግጥሚ ይኹን ብኻልእ ግጥሚ ካብ ምስታፍ ከይበኩር ኣቐዲመ ወሲነ እየ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ናይ ዓሚ ውድድር፡ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዕዉታት ገሊኦም ስለ ዘይተሳተፉ፡ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ፡ “እንታይ ኮይኖም ዘይተሳተፉ” ዝብል ቅረታ ኣስተውዒለ ነይረ። ብዓቢኡ ግን፡ ተሳትፎ ወይ ተበግሶ ፍርቂ ዓወት’ዩ ዝብል ሓሳብ ስለ ዘለኒ’ውን እዩ። ናብታ ግጥሚ ክመልሰካ ናብዚ ዘላቶ (ናብ ዛራ ገጠምቲ ዝሰደድክዋ) ቕርጺ ንምምጻእ ናይ ዜሮ ሰዓት ከባቢ ሽዱሽተ ሰዓታት ምስ ተረፎ ገለ ኣንፈት ኣርእያ። ብተብተብ ጽሒፈ ድማ፡ ብዕለት 14/01/2017 ሰዓት 11፡55 ናብ ኣወሃሃዲ’ቲ ውድድርን ኣድሚን-ዛራን ልኢኸያ። ስለ’ዚ ምስቲ ሕሉፍ ግጥምታተይ ኣነጻጺረ ክርእያ እንከለኹ ብዙሕ ፍልሊ ኣለዋ ኣይብልን። እቲ ኩርናዕ ርእየት፡ እቲ ቋንቋ፡ እቲ ተክኒክ፡ ምስ ኩሉ ሕጽረት ተመክሮ ዝፈጠሮ ድኽመታት ንሱ’ዩ። ብሕጂ ደኣ ፍልይ ዝበለን ተዛማዲ ጽቡቕ ስራሕ ክሰርሕ እሕልን፣ እቲ ተመክሮ ይውስኽ ስለ ዘሎ። ኣብዚ እቲ ኩቱር ስምዒት’ዩ ነቲ ናይ ተበግሶን ተሳታፍነት ዝፈጥሮ። እቲ ስምዒት ሓያል እዩ፣ ጽቡቕ ስራሕ ንኽትሰርሕ ከኣ ዓቕሚ ይሓጽር እንበር፡ ፈንጠርጠር ምባል ኣበይ ከይተርፍ።
7) ዛራ-ገጠምቲ፣ እዛ ቀዳመይቲ ኮይና ዝተዓወተት ግጥሚ፡ ማለት፡ “ናይ መወዳእታ ንብዓት” ከመይ ኣስተማቒርካያ? ካልኦት ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደራልካ ግጥምታት ከ ነይረን ዶ? ብሓፈሻ-ኸ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝቐረበ ግጥምታት እንታይ ትብሎ ኣሎ?
*- ዮናስ ገብራይ ምነይ፣ እወ “ናይ መወዳእታ ንብዓት” ነቢበያ። ከም ግጥሚ ዘልዓለቶ ኣርእስቲ (ዛዕባ) ንምግላጽ ዘርኣየቶ ዕምቈት ኣገላለጻ፣ ኣበሃህላን ቋንቋን ዝነኣድ እዩ። ኣብ ምስትምቓራ፡ ኣነ ከም ዮናስ፡ ብግቡእ ተረዲአያ እንተኾይነ፡ ኣብቲ ትሕዝቶ ብቐንዱ፡ ካብኡ ናብኡ ከኣ ጀሚራ ክሳብ ትውድእ፡ ብሓደ ዓይነት ቅኒት ብምዃና ደስ ኣይበለትንን። ኣብ ናተይ ኲርናዕ ርእየት ኮይነ ክርእያ ከለኹ፡ ንዝኾነ ኩነት ብዝደለኻዮ ቋንቋ ግለጾ፡ ኣብ ገለ ሸነኹ ግን ሞራል ወይ ጩራ ተስፋ ዘርኢ ክኸውን እደሊ። ከምኡ ከኣ’ ዩ ክኸውን ዝግብኦ። ኣደይ ወይ ዓደይ እብል እንተሃልየ፥ “ማህጸንኪ ከሓድዮ፡ ዕትብተይ ክዓብስ /ጓጓኺ ረግጢ፡ ሰራውረይ ክብንቑስ” … እንታይ ማለት’ዩ? ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ተደጋጊሙ ኣሎ … እንድዒ መቸም። ካልኦት ብዝተፈላለየ ገጻት ሂወት እናኣንጸበረቓ ጦብላሕታ ዝፈጥረልካ ግጥምታት ከኣ ኣለዋ። እዚኣን እቲኣን ክብለካ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ብሓፈሻ ግን ኣብ’ዚ ሎሚ ዓመት ዝቐረበ ግጥምታት እቲ ደያኑ ዝሃብዎ ገምጋም ቅቡል‘ዩ፡ ኣብኡ‘የ ዝሰማማዕ። ምናልባት ጸቂጠ ክብላ ዝደሊ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ተዓንኪልና ምህላውና – ክኸውን ነይሩዎ ዶ ኣይነበሮን? እንድዒ! ግን ምስ ባህሪ ፍቕሪ ካልኦት ገጻት ሂወት ዓቕምና ብዝፈቅዶ ጠመተ ክንገብር እንተ ንኽእል ጽቡቕ ነይሩ እብል።
8) ዛራ-ገጠምቲ፣ ኣብ መወዳእታ ምስቲ ኣሎ ዝተረፈ ትብሎ ሓዊስካ እትልከም ሕቶ ከነስዕበልካ። ብዛዕባ ግጥምን ስነ-ግጥምን ካብቶም ዓበይቲ ገጠምቲ ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል ትብል? እቶም ዓበይቲ ገጠምቲ ካብቲ ዝገጥምዎ ቅዲ/ቅርጺ/ውከላውነት ባዕልና ኣስተብሂልና ዝሓሸ ግጥሚ ንምህናጽ ዶ ይሓይሽ ትብል? ወይስ ናይ ሓያላት ሃየስቲ ሳይንሳዊ ዝመስል ትንተና ስነ-ግጥሚ ይሓይሽ ትብል?
*-ዮናስ ገብራይ ምነይ፣ እዛ ሕቶ ከባድ‘ያ፡ ንኻልእ ግዜ ሰብ ድለዩላ ኣዳለውቲ። ኣነ ክብሎ ዝኽእል ግን፡ ሂወት ውጽኢት ተመክሮ’ያ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፣ ስለዚ ግጥምን ስነ-ግጥምን ምስቲ ካልእ ሂወት ወዲ-ሰብ፣ ወዲ-ሰብ ተጸላዊ ስለ ዝኾነ ብግዜ ዘምጽኦ ኣሉታን ኣውንታን ክትንክፎ ግድን’ዩ። እቲ ሕሉፍ ተመክሮ ገጠምቲ ዘርእይዎ ቅድታት ይኹን ካልእ ብሉጽ ተመክሮ፡ በቲ ሓደ ሃየስቲ ዝህብዎ ዝተራቀቐ ኣባሃህላን ጥርዚታትን ግጥሚ በቲ ካልእ፡ ምስ ህሉው ምዕባለታት ኣሳኒኻ ዝሓሸ ስራሕ ምስራሕ’ዩ። መስርሕ ጉዕዞ ምርጫ ኣይኮነን፣ ሂወት ወዲ-ሰብ ከምኡ ስለ ዝኾነ ደኣ እንበር። ምናልባት ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ዛራ-ገጠምቲ ፈጢራቶ ዘላ ባይታ ዝነኣድ እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከኣ ትዓቢ’ውን ኣላ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሃዋህው ኴንካ ከምዚ ዓይነት ንጥበብ ዘዕቢ፡ ንገጠምቲ ተመኩሮ ኣብ ምቅሳም ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ዓቢ ኣበርክቶ ትገብር ኣላ። ስለዚ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ፡ ነዚ ባይታ ዝፈጠሩን ቀጻሊነታ ንኸተረጋግጽ ብእዋኑ ንዝጽዕቱ ኣድሚናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ግጥሚ ግዜኦም ከይበቀቁ ዝዳነዩ ደያኑና ካልኦት ኣሕዋትን ልዑል ምስጋና። የቀመለይ!
****
9) ዛራ-ገጠምቲ፣ ብመጀመርታ ብስም ኩሉ ተኸታታሊ ዛራ እንቋዕ ሓጎሰካ ንብል። ብምቕጻል ድሕረ-ባይታኻ ኣብ ግጥሚ ከመይ እዩ? ኣስፊሕኻ ግለጸልና?
*- ዮናስ ደበሳይ፣ ብመጀመርታ ንዝሃብኩምኒ ዕድል ብልቢ አመስግን። ቀጺለ፡ ንውድድር ዝለኣኽኩዋ ግጥሚ፡ ማለት “ኣካሉ ረኺቡ”፡ ሳልሰይቲ ኮይና ብምዕዋታ ንዝቐረበለይ ሕቶታት ንምምላስ ደኣ’ምበር፡ ተመክሮ ወይ’ውን ፍሉይ ኣበርክቶ ሃልዩኒ ዘይምዃኑ ንኣንበብቲ ክበርሃለይ ምደለኹ። ነቲ ስርዓት-ኣልቦ ሕንጣጦ ግዜ ንእስነተይ ገዲፈ፡ ካብቲ ኣምር ግጥሚ ክሕዝ ዝጀመርኩሉ ግዜ ክጅምር። ኣብ ዓመተ 2009 ኣብ ‘ኮለጅ ንግድን ስነ-ቁጠባን’ ናይ ቀዳማይ ዓመት ተማሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ኣጋጣሚ ምስ ዮሃንስ ተፈሪ ዝብሃል ንፉዕ ጸሓፋይ ምስ ተላለና፡ ኣብቲ ኮለጅ ብ “መኣዲ ስነ-ጥበብ ሓልሓለ” ዝፍለጥ ሰሙናዊ ዝቐርብ መደብ ከም ዘሎን ምስኡ ሓቢረ ንክኸይድን ዓዲሙኒ። ካብቲ ጥበብ ክፈሰሉ ዘምሰየ ምሽት ምስ ተመለስኩየ ከኣ፡ ንሓንቲ ካብተን ኣብቲ ምሽት ዝቐረባ ግጥምታት መልሲ ብምጽሓፍ፡ ምጽሓፍ ዝጀመርኩሉ ኣጋጣሚ ክብል ይደፍር። ድሕሪ’ዚ ብምትብባዕ ዮሃንስ ተፈሪ፡ ኣብቲ ሰሙናዊ መደብ ሓንጢጠ ከቕርብ ጀሚረ። በቲ ክፉት ምብህሃልን “ሳሙና” ዝብልዎ ዝነበሩ ሃናጺ ነቐፌታታትን፡ ከም ዘይፈልጥ’የ ፈሊጠ። ኣብ መንጎ ብብርሃነ ገብረህይወት ኣብ ግጥምን ሓጺር ዛንታን ዘተኮረ ሓጺር ኮርስ ኣብ ዝተዋህበ ንኽሳተፍ ዕድል ረኺበ። ኣንፈት ዝሓዝኩሉ ኣጋጣሚ ድማ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ በቲ ኮለጅ ይወሃቡ ኣብ ዝነበሩ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘተኮሩ ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ኮርሳት ተሳቲፈ። ኣብታ ሰሙናዊት መደብ ድማ ብዝያዳ ክነጥፍ ጀሚረ። ብምህሮን ተመኩሮን ስነ-ጥበብ ተሳሒለ ዝወጻኹ ኣይኮንኩን። የግዳ ባህግን ተውህቦን ዝተሓዎሶ ህንጡይነት ኢዩ ኣብ ስነ-ግጥሚ ብፉሑኽ ከሳልየኒ ጸኒሑ። “ኣካሉ ረኺቡ” ድማ ኣብ መድረኽ ዓወት ተኾይጣ፡ “ተንስእ! እግሪ ተኺልካ ኢኻ፡ ታተ በል” ትብለኒ ኣላ። ሕጂ ኢዩ ተመኩሮ ክጥረ፡ ሕጂ ኢዩ እቲ ዓቐብ ቊልቁል ስነ-ግጥሚ ሓዂረ ክወርዶ! ሓደ ክልተ ገዲፍካ፡ እተን ዝርካበን ኣብ ናይ ምጽሓፍ መንፈስ/ሙድ ክኣቱ ከለኹ ዝተወልዳ ግጥምታተይ፡ ንፋስ ማሕበራዊ-መራኸቢ ማለት ‘ማስ መድያ’ ዛጊት ኣይወቕዐንን ዘሎ። ባዕለይ ጽሒፈ፡ ባዕለይ አስተማቕረን ጥራይ። ብዘይካ እተን ኣብ መኣዲ ስነ-ጥበብ ሓልሓለ ኣብ ቅድሚ እኩባት ንንባብ ዝበቕዓ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፥ “ማራ ጽቡቕ ኣሎ፣ ቀጽሎ” ዝብል ምትብባዕ ብጾተይ፡ ንስለ ተስፋ እናመሰለኒ ብዙሕ ከየቕለብኩሉ ተሳልየ። ግዳ እቲ ሽዑ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ናይ ሞራል ጣቕዒት ደወሉ ኣብ እዝነይ እናተመላለሰ፡ “ኣጆኻ” ይብለኒ ኣሎ!! ካብ ነብሰይ ተበጊሰ፡ ግጥሚ ብተመኩሮን ምህሮን ዝድራዕ ተውህቦ ኢዩ ኢለ’የ ዝኣምን። የግዳስ ተውህቦኻ ኣብ ምልላይ ኢዩ እቲ ምስጢር!!! ናይ ኮለጅ መማህርተይን ዓርከይን፡ መምህረይ’ውን ክብሎ ዝደፍር ዮሃንስ ተፈሪ፡ ናብቲ ሰሙናዊ ሓንሳእ ዝዳለው ዝነበረ መኣዲ ስነ-ጥበብ ሓልሓለ እንተ ዘይወስደኒ፡ ንግጥሚ ካብ ተራ ምስማዕ ሓሊፈ ኣብ ዕምቈቱ ኣትየ ከስተማቕሮ እምበይ ምኻኣልኩን!! ካብታ ናይ ፈለማ ሱታፌ ንዝሰማዕኩዋ ግጥሚ፡ መልሲ ብግጥሚ ‘ተዘይጽሕፈላ ንነብሰይ ክትገጥም ከም እትኽእል እምበይ መፍለጥኩዋን! ግዳ ኣጋጣሚ፡ ነብሰይን ተውህቦይን ኣጋጢሙ ገጣማይ ቀይርኒ እብል ብወገነይ! ምስ ድፍረት ደኣ ኣይቆጸረለይ’ምበር። ዝረኣኹዎ፡ ዝተሰመዓንን ክብሎ ዝደለኹን ብሓውሲ ሓጺር ግጥሚ (ኣብስትራክት) ምጽሓፍ ይብርሃኒ ንስለ ዕግበት።
10) ዛራ-ገጠምቲ፣ ኣዝያ ሓጻር ግጥሚ ምስዳድካ፡ ከምኡ ዓይነት ሜላ ዲኻ ትጥቀም ? “ኣካሉ ረኺቡ ” ነቶም ስም ዘሎዎም ገጠምቲ ስዒራ 3ይ ደረጃ ምዕዋታ እንታይ ተሰሚዑካ? ንምዃኑ ቶፕ-10 ኪትኣቱ ኸ ገሚትካ ኔርካ ዶ?
*- ዮናስ ደበሳይ፣ እዚ ሓጺር ሜላ ኣጸሓሕፋ ብግስ ክብል ሒዘዮ ዝነቀልኩ ኢዩ፣ ግርም ድማ ተሰማሚዑኒ። እዚ ዘለኹዎ ዕድመን ተመኩሮን ናይ ብሓቂ ‘ስታይለይ’ ኣለልየ ኢለ፡ ኣፈይ መሊአ ዝዛረበሉ ከም ዘይኮነ ግን ዘይዝንግዖ ኢዩ። ምስ ናይ ኣርት ኣያታተይ ጎየ እቕድሞም ወይ’ውን ማዕሪኦም እስጉም ኢለ ሓሲበ እንተዝነብር፡ ብስራት ዓወተይ ምስ ሰማዕኩ ሓጎሰይ ምጻር ኣይምሰኣንኩዎን። “እንተቐዶ ቀዶ፡ እንተዘይቀዶ ሕንጣጦ”፡ ዕድለይ ይርኢ ኢለ ግጥመይ ኣይለኣኩን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ መስርዕ እቲ ውድድር ምህላወይ ጥራይ ንነብሰይ ከም ተወዳዳራይ ይቖጽራ እሞ፡ ብዙሕ ድማ ይማሃር፡ ኢዩ ነይሩ መንቀሊ ሓሳበይ። ግዳ ምሒር ዘየለለኹዎ ውሽጣዊ ዓቕመይ ሓንጊሩ ኣብ መድረኽ ዕውታት ሰቂሉ ንቐጻሊ ኣዕሚቐ ክብርብሮ ጾሩ ኣሰኪምኒ ኣሎ። ኣብ ናይ ዓወት ደረጃታት ዝሕንጥጠሉ ተመኩሮ ኮይነ ኣይኮንኩን እዛ ግጥሚ ልኢኸያ። ንነብሰይ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ዶ ምስ ብሉጻት ዓሰርተ ኢዩ ዓቕማ ዝብለሉ ካብ ሎሚ ኢዩ።
11) ዛራ ገጠምቲ፣ ካብዘን ንውድድር ዝቐረባ ግጥምታት፡ ዓይኒ ዘውደቕካላ ግጥሚ ነይራ-ዶ? ኣርእስታ ጠቂስካ ብኸመይ ከም ትገልጻ ኣካፍለና።
*- ዮናስ ደበሳይ፣ ብልክዕ ነይራ። እታ ኣብ ልክዕ ደረጅኣ ዘላ “ናይ መወዳእታ ንብዓት”። እቶም ኣብ መእተዊ ናይታ ግጥሚ ዘለዉ፥ “ካብ ወዲ መኻን ፡ ሕሩም ሽታ ሓመድ / ኣሰር ኣልቦ ሳጋሚ ፡ መራግጽኡ በረድ / ጉዕዞ ዝባን ሑጻ ፡ ኣብ ወርወርታ ረመጽ / መሓውርን ኣሰርን ፡ ኣሕቢሩ ዝውሕጥ / ኣሰሩ ሽታ ማይ ፡ ብራርያ መረበት” ዝብሉ ሓጸርትን ገለጽትን ቃላት፡ ንዝተረፈ ክፋል ናይታ ግጥሚ ኣብ ካልእ ዓለም ኣትየ ከይትውደኣኒ እናፈራህኩ ብስሚዒት ከም ዘንብባ ዝገበሩኒ’ዮም። ስጡም ዋሕዚ እትውንን ዘይትምኖ ግጥሚ ኮይና ትስመዓኒ።
12) ዛራ ገጠምቲ፣ ኣብ መወዳእታ ዘይተባህለ ክትብሎ እትደሊ እንተሎ ነዓኻ እዩ እቲ መድረኽ። ቅድሚኡ ግን፡ ሓንቲ ሕቶ ሓቲትና ክንፋንወካ። ቀሊል ዓወት ኣይኮነን እዚ ጨቢጥካዮ ዘለኻ እሞ፡ ከም ሓላፍነት ወሰዶ። ስለ’ዚ እንታይ ክንጽበ ኢና ካባኻ?
*- ዮናስ ደበሳይ፣ ክብሎ ዝደሊ፡ ከምዚ ዓይነት መደባት ንብዙሓት ተውህቦኦም ቀቢሮም ወይ ነብሶም ዝፍትሽሉ ኣጋጣሚ ዝሰኣኑ ጀመርቲ ስነ-ጥበባውያን ዘጫጭሕ ብምዃኑ ንወደብቱ ዕጽፍታት ምስጋና!!! ንትምኒታተይ ብመጠን ብዝሑ እንተ ደርደርኩዎ ፋይዳ የብሉን። ግብሪ ስለ ዝዓቢ፡ ኩሉ ትምኒትን ባህግን ድማ ክጭበጥ ዘይከኣል ኢዩ፡ ጻዕሪ ተዘይ ኣሰንይዎ። ነቶም ካባይ ብዙሕ ዝጽበዩ ንምሕጓስ፡ ኣበርቲዐ ክዓዪ ኣለኒ። ህዉኽ፡ ተዓንቃፊ ኢዩ። ክህወኽ ኣይደልን፣ እምበር እዚ ዓወተይ ንኹሉ ናይ ስነ-ጥበብ ስምዒታተይ ፈኽ ፈኽ ኣቢልዎ ኣሎ። ካባይ እታ ናይ ቀረባ ትጽቢትኩም፡ ኣብ ቀጻሊ ውድድር ብልጽቲ ስራሕ ኣቕሪበ ናይ ሕጂ ዓወተይ ንላዕሊ ከሕኩሮ ኢዩ። ብዕድመን ተመኩሮን ምስ ዓንተርኩ ድማ ዝረጐደ ዕዮ!!! ጥራይ ናይ ጽባሕ ሰባት ይበለና!!! ደጊመ ንዝተዋህበኒ ዕድል ብልቢ እናመስገንኩ፡ ንመላእ ዛራውያን ሰሰናዩ እምነ።
ንዝሃብኩምና መልስታት እናመስገናኩም ዕዉታት ገጠምቲ ፣ ደጋጊምና እንቋዕ ሓጎሰኩም ንብል!