ዛራ ገጠምቲ
1. ዛራ ገጠምቲ፡ ብመጀመርታ ዕላማ መደብና ተረዲእካ፡ ንኣፍቀርቲ ግጥሚ ተሞክሮ ምክፋል ሞያዊ ግደታ ገጣሚ ምዃኑ ኣሚንካ ነዚ ቃል መሕተት ፍቃደኛ ብምዃንካ ብስም ተኸታተልቲ እዛ መደብን ኣባላት ዛራ ገጠምቲን እናመስገንና፡ ምስ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ግጥሚ ኣበይን መዓስን ከም ዝተላለኹም ከተዋግዓና።
-ኣቤል፡ ሰላም ንኣኹም ይኹን ዛራውያን! ከመይ ኣለኹም? ከመይ ኣላ ኣፍሪቃ? ከመይ ኣላ ኣውሮፓ? ኣሜሪካ ደሓን ዶ ኣላ? ኣብ ዘዘለኹምዎ ሰላምኩም ይብዛሕ።
እሞ ፈለማን ቅድሚ ኹሉን ጋሻ ዛራ ገይርኩም ምስ ግጥሚ ኣብ ዝተተሓሓዙ ርእሰ ጉዳያት ክንዘራረብ ፍቓድኩም ስለዝኾነ ዓብዪ ሓበን ይስምዓኒ። ምስግና እውን ኣለኒ። ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ልዝብ መደባት ኩላህና ኣብ እንግደሰሉን ዘድልየናን ዓውዲ ስነ ፅሑፍ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ እውን እኣምን። እሞ እናተመሰጋገንና ፀሓይ ከይዓርብ ብዘኽብረኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናብ ዝተልዓላ ሕቶታት ክኣትው።
ምስ ስነ ፅሑፍ ከመይን ኣበይን ተላሊኹም ንዝብል ሕቶ። እዚ ሕቶ እዙይ ንምምላስ ፈለማ ብዛዕባ እንታይነትን ባህርን ስነ ፅሑፍን ምስ ደቂ ሰባት ዘለዎ ርክብን ምዝራብ ኣድላዪ ኮይኑ ይስምዓኒ። ስነ ፅሑፍ ሲ ብፍላይ ከኣ እሞ ስነ ግጥሚ ከም ሓደ ደጋዊን ቁሳውን ኣካል (external and material matter) እትኸዶን ዝመፀኣካን፣ እትረክቦን ዝረክበካን፣ እትሕዞን ዝጭብጠካን ዓይነት ኣይመስለንን። ባህሪ እዩ ኮ ስነ ፅሑፍ! ብፍላይ ከዓ ግጥምሲ ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ ማዕረ ትንፋሶም ኣትዩ ዝነብርን ዋጋ ምስ ዝህብዎ ከኣ ዝዓብን እዩ እምበር ቦታን ጊዜን ፈልዩ ዝመፅእ ኣይመስለንን።
ምሽ ደቂ ሰባት ክንውለድ እንተለና ፃዕዳ ወረቐት ኢና እዩ ዝብሃል? ኮይኑ ግን ልክዕ ከምቶም ባዮሎጂካውያን ናይ ምጭናው፣ ምርኣይ፣ ምድማፅ ወዘተ ባህርያት ናይ ምስልሳል፣ ምስትንታን፣ ምድናቕ፣ ምፍታው፣ ምፍቃር ወዘተ ባህርያት ኣለውና። ገዛ እንድያ እታ ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ደቂ ሰባት፤ ኣብኣ እቲ እተድንቖን እትምሰጠሉን ነገር (ብቆልዓኻ) ናብ ስነ ፅሑፍ ዘዘንብል እንተነይሩ ኣብ ከይዲ ብትምህርትን ብኣጋጣሚታትን ተዓጂቡ ናብ ቃላይ ስነ ፅሑፍ ከጥሕለካ ይክእል፤ ግና ኸ ትኣትው ከምዘለኻስ ኣይትፈልጠን።
ኣነ ወለደይ ከንብብ ይደፋፍኡኒ ነይሮም። ጎበዝ ሰብ ዝብሃል ዘንብብ ከምዝኾነ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ነይሩ ኣብ ገዛና። ከንብብ ከንብብ ካብ ኩሉ ግጥሚ ደስ ይብለኒ ነይሩ። ሳልሳይ ክፍሊ ኮይነ ምላው ዝብሃል ሓደ ጎረቤትና ዝፅሓፋ ብዛዕባ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ እትትርኽ ግጥሚ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣንቢበ። ፈላማይ ክብሃል እንተኮይኑ እዚ ግዘን ቦታን እዙይ እዩ።
ብድሕሪኡ ክለባት ኣብያተ ትምህርትን ጉጅልታት ኪነት ገዛውትናን ተቐቢለናኒ። ከምኡ እናበለ ዓብዩ። ቀዳመይቲ መፅሓፈይ ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ እናሃለኹ ኣመሪቐ።
ግን ከ! ሕዚ እዚ ሕቶ እዙይ ክምልስ እንተለኹ እውን እየ ምስ ግጥሚ ዝላለ ዘለኹ።
2. ኣማኑኤል በርሀ፡ ፍልይቲ ኩርናዕ ምስ ረኸብካ ወይ’ውን ጽብቕቲ ግጥሚ ጽሒፍካ ምስ ዛዘምካ ዝስምዓካ ዕግበትዶ ይዓቢ ወይሲ ጽብቕቲ ግጥሚ ኣብ እተንብበሉ ግዜ – ብውልቅኻ ማለት እዩ።
-ኣቤል፡ዘኽብረካ ኣማኑኤል ከመይ ኣለኻ? ሕቶኻ “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ” ዝብል መፅሓፈይ ፅሒፈ ካብ ብዙሓት ሰባት ንዝተሓተትክዎ ሕቶ ዝመለስክዎ መልሲ ኣዘኻኺሩኒ። እታ ፅብቕቲ ፅሒፈ ዝወዳእክዋ ግጥሚ እኮ ምስተወደአት ኣይናተይን። ስለዚ ፅሒፈ ምስ ዛዘምክዋ ክሕጎሰላን ክሓፍረላን ዝኽእል ልክዕ ከምቲ ናይ ካልእ ሰብ ግጥሚ እዩ። ካብ ኢደይ ምስ ወፅአት ጓና ደጋዊ ተዓዛቢ ወይ ኣንባቢ እየ ዝኾነላ። ስለዚ ፅብቕቲ ግጥሚ ኣንቢበ ምስወዳእኩ ዝስምዓኒ ስምዒት ምስቲ ፅሒፈ ምስወዳእኩ ዝስምዓኒ ስምዒት ተመዓራራያይ ይመስለኒ። እወ ተማዓራያይ እዩ። (ተጋግየ ዶ ድኣ እኸውን?)
3. ውቕያኖስ ጉዑሽ፡ ሰለም ንዓኻ ኣቤል፡ መብዛሕቲኦም ግጥምታትካ abstract ዓይነት እዮም፣ ንመንበቢ ክብድ ዝብሉ ገሊኦም ውን ጭራ ሒዘ እየ ክርደኦም ፈቲነ። ኮነ ኢልካ ድኻ ከምኡ ቕዲ ትጥቀም ወይስ? ኤርትራዊ ግጥምታት ምስ ኣብ ትግራይ ዝሕተም ናይ ግጥሚ መፅሓፍቲ እንትነፃፀር ደርጋ ናይ ቡዙሕ ፊሊዮምና ክብል እደፍር ። ስለምንታ እዩ ከምኡ ክኸውን ዝኻኣለ ትብል? ብርክት ዝበለን ቡሉጽን መጸሓፍቲ ግጥሚ ከነፍሪ ኸ ብሕጂ እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ክንክተል ኣሎና ትብል? ከም ሓደ ኣብቲ ጉዕዞ ዘሎ ስነጥበባዊ።
-ኣቤል፡ ሑመረታይ ውቅያኖስ ጉዕሽ ኣድላይነት ምስጥራዊ (ኣብስትራክት) ባህሪ ግጥምታተይ ሓቲትካኒ። እሞ ከመይ ድዩ እቲ ነገር…. ሕዚ እቶም ናተይ ከምኡ ድዮም ኣይኮኑን ዝብል ገዲፈ (ነቲ ሓደ ምስጥራዊ ዝመስል ነቲ ካልእ ቅሉዕ ክኸውን ስለዝኽእል) ኣነ ምስጥራውያን ክኾኑ፣ ዘይርአ ከርእዩ፣ ዘይድህሰስ ከደህስሱ፣ ከም ደበና ሰማይ ዝኸበደ ከቕልሉ፣ ዕምቆት ውቅያኖስ ከቕርቡ እየ ዝደልን ዝፅዕርን። ዝፈትዎ ዘንብቦ ግጥሚ እውን ከምኡ እዩ። እዙይ ኣድላይነቱ ከምቲ ዝብሎ ዘለኹ እዩ። ስነ ግጥሚ እቶም ብካልእ ክትገልፆም ዘይትኽእል (ክግለፁ እውን ዘይክእሉ) ምግላፅ እዩ ተልእኹኡ! ሓለፍኡ እውን ንሱ እዩ። ኣብዛ ዓለም ኣብ ክብሪ መዝገብ ዝተመዝገቡ ፅቡቓት ግጥምታት እቶም ኣንቢብካዮምሲ “እዋይ ከምዚ እውን እምበር ይብሃል እዩ?” ዝብል ስምዒት ዝፈጥሩ እዮም።
ውቅያኖስ…. ፅቡቓት መፅሓፍቲ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ክበራኸቱ (ብፍላይ ኣብ ኢትዮጰያ፤ ኣብ ኤርትራ እኳ ብኣንፃራውነት ፅቡቕ ዝኸደ ይመስለኒ) ክግበር ዘለዎ ፃዕሪ እንታይ እዩ ንዝብል…..
እንድዒ!
4. ባሻ ደስታ፡ ኣቤል ምቅር ኢሎም ሕፅር ብዝበሉ ግጥሚታት ይፈልጠካ። ብፍላይ ከኣ ግጥሚታትካ ገለ ነገር ሕሹኽ ኣብ ምባሎም ይፍለጡ – እዚ ድማ መሰረት ቅዲ ኣፀሓሕፋ ቅኒያዊን ፍልስፍናዊን ግጥሚታት ምዃኑ ይፍለጥ። ከምቲ ኩልና እንፈልጦ መቐረት ግጥሚ ካብ ዝድረኸሎም ረቛሒታት ሓደ “ምጣነ ተለላታት” እዩ። እዚ ማለት ድማ ሕፅረት እቲ ግጥሚ ባዕሉ ሓፂርን ምቁርን መልአኽቲ ኣብ ምሕላፍ ወሳኒ ግደ ኣለዎ ማለት እዩ። ቅኒያዊያን ፍልስፍናዊን ግጥሚታት ክሓስብ ከለኹ – ገጠምቲ ትግርኛ ተጉዒዝና እንበፅሖ ብልሒ ጫፍ ምፅሓፍ ሓፀርቲ ግጥሚታት ይርኣየኒ። ከምዚ ኢለ ድማ ይምነ “ሓደ እዋን መሊኦም ዘይባኽኑ – ጎዲሎም ዘይተርፉ ምጡናትን ምቁራትን ቃላት ተጠቒምና ብእነሕልፎ መልአኽቲ ብርኪን ክብሪን ግጥሚ ትግርኛ ኣብ ብራኸ ልዕሊ ፀሕፊ ልቢ ወለድን ታሪኻዊ ፅሑፍን ኣስፊርናዮ እንተዝርኢ!” ሐዚ እታ ዝተሓተት ግጥሚ ብኽልተ ተለላታት(መስመር) እንፅሕፋ እያ። ንምኳኑ ገጣሚ ኣቤል ጉዕሽ ዶብ ሕጊ ግጥማዊ ስነ ፅሑፍ ሰጊርና – እሞ ድማ “እንታይ ምስ መን ደኣ ገጢሙ?” ንዝብል ሕቶ እኹል መልሲ ምሃብ ክኢልና “ብሓደ መስመር ጥራሕ ግጥሚ ምግጣም ዝከኣልዶ ይመስለካ?” . . . መልአኽተይ እንተሒዝካዮ – ኣብዚ ዛዕባ እንታይ ትብል?
-ኣቤል፡ ሓወይ ባሻ ደስታ ንኣድናቖትካ ካብ ኮፍ ዝበልኩሉ ተሲአ ብምምስጋን ናብ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ሕቶኻ ክሰግር። ብሓደ መስመር ግጥምሲ ግጥሚ ምፅሓፍ ይከኣል? ኢኻ ኢልካ ምስ ክፅሓፍ ኣለዎ ዝብል ባህግኻ። እምም…. ኣብ ሓደ ነገር እንተድኣ ተሰማሚዕና ክፅሓፍ ይክእል እዩ። እቲ ሓደ ነገር እንታይ ይመስለካ… ስነ ግጥሚ ብዝኾነ ይኹን ነገር ክግለፅ ንዘይክእል ከቢድ ዛዕባ ዝግለፀሉ ዝኽእል ዓውዲ እዩ እንተድኣ ኢልና ነዚ ክገብረልና ክሳብ ዝኸኣለ ብሓደ መስመር ግጥሚ ምፅሓፍ ይከኣል ይኸውን። ንኣብነት ኣብ ሶሽሊስት ወያነታት ዓለም ተደጋጊማ እትብሃል ንኣይ ኣዝያ እትስሕበኒ ጭርሖ ኣላ፤ “ዓወት ንሓፋሽ!” እዚኣ ንምትንታን ሲ ገለ መዓልታት እውን ክወስድ ይክእል እዩ። ከቢድ ዛዕባ እዩ ተሰኪማቶ ዘላ። ስለዚስ በታ ስምምዕና መሰረት ስነ ግጥሚ ካብ ውዑይ መንፈስ ሕልና ደቂ ሰብ ኣብ ዘይተሓሰበ ቅፅበት መሽለጥ ኢሉ ዝወፅእ ሕንግድ ድምዳመ እንተድኣ ኮይኑ ብ ‘ላ’ ስለዝወደአስ ካልእ ‘ላ’ ክእልሽ መሬት ክመስዮ ግድን ኣይኮነን። እቲ ዝተርፈና ንዚ ነገር እዙይ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ስለዚ ግጥሚ ናይ መንፈስ ማዕበል እንትነጉድ ዝስማዕ ድምፂ እዩ እንተኢልና…. “ብጣዕሚ እየ ዘፍቅረኪ” እትብል ሓረግ ግጥሚ እትኾነሉ ባይታ ክህልው ይኽእል እዩ።
5. ዛራ ገጠምቲ፡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ብ ብዝሒ እንተርኢናዮ፡ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ስነጽሑፍ፡ “ዘመነ ግጥሚ” ይመስል ኣሎ። እዞም ብዘይ ኣርታዕቲ ብብዝሒ ዝፍነዉ ዘለዉ ግጥምታት፡ ረብሓኦም ድዩ ክዓቢ ወይሲ ኣማእዛኒ ብዘይምህላዎም ኣብ ጽባቐ ሃስያ’ውን ክህልዎም እዩ።
-ኣቤል፡ “ዘመነ ግጥሚ” ይመስል ኣሎ እሞ ንርባሕ ዲና ንጉዳእ ዝብል ብዛራ ገጠምቲ ዝቐረበ ካልእ ሕቶ ኣሎ። ብስነ ቁጠባ፤ ፍርያት (PRODUCTION) ኣገዳሲን መፈለሚ ነጥብን እዩ እዩ ዝብሃል። ምክንያቱ ካብቲ ፍርያት ኢኻ እንተኾነ እትጥቀም ተዘይኮኑ ከኣ ኣየናይ ከምዘይጠቅም እትፈልጥ። ኣብ ዘበንና ዘሎ ስነ ግጥሚ ከምኡ እየ ዝርእዮ። ክንምሃሩ እንተክኢልና ፀገም ኣይብሉን። ይኹን እምበር ንምንታይ ፈተናና ይበዝሕ? ስለዝኾነ ተሓይኽና እንቱፍ ዘይንብሃለሉ መድረክ እዩ ክህልው ዘለዎ። ምህላውን ምጥንኻርን ናይ ሂስ ሰባትን ትካላትን ኣገድስቲ እዮም። ኣብ ትግራይ ዘይኣዕጋቢ ኩነታት ሂስ ኣሎ። ትካላዊ ኣይኮነን። ምስኽኻፍ ተሓዊስዎ ከቢድ ይገብሮ። እቲ ዘሐትም ደራሲ (ገጣሚ) እውን ካብቲ ዝፀሓፎ ንላዕሊ ክእረመሉ ከምዝክእል ዝርዳእ ኣይመስለንን። ጠንካራ ናይ ሂስ ሚድያ እውን ገና እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ነገር ዘሎ ይመስለኒ። እግሪ እንታይካ ርኢኻ ተልሀ ከምዝብሃል ዝሓሸ ባይታ እውን ኣሎ ይመስለኒ ኣብኡ።
ስለዚ ንኸስብን ንኸስርን ኢና ዘለና ኢለ እየ ዝሓስብ!
6. ኣዝማሪኖ ሆፕ፡ ኣብ ግጥሚ ካብ ክውነት ዝረሓቑ ኣወራርቓ ቃላት፡ ነቲ ግጥሚ የፈርዝኖ ኢዩ ዚብል እሙንቶ ዘለዎም ወገናት ኣለዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣይፋል ኣብ ባይታ ዘየለ ምንጽጻር ክትጥቀም ከለኻ፡ ነቲ ግጥሚ ዚተጋነነ ስእሊ ስለ ዝህቦ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣነጻጸራ ኣየድልዪን ኢዩ ዚብሉ ኣለዉ። ንስኻ ካብ መኖም ኢኻ᎒ ወላስ ካልእ መርገጽ ኢዩ ዘለካ᎒ እንታይ ዀን ኢዩ ርድኢትካ።
-ኣቤል፡ ኣዝመሪኖ፤ ስምዓኒ እባ ኣዝሚር! ካብ ክውንነት ዝርሓቑ ዝብሃል እኮ የለን። እንተስ ከፈርዝንዎ እንተስ ክብደቱ ከንእስዎ እቶም ቃላት ኣብ ስነ ልሳናዊን ስነ ቋንቋውን መዝገብና ክሳብ ዘለዉ ካብ ክውንነት ዝርሓቑ ዝብሃል የለን። ኣፍቂረ እትብል ምፍቃር፤ ፀሊአ እትብል ምፅላእ ስለዘሎ እዩ። እቲ ቃል እንተሃልዩ እቲ ተግባር ኣሎ እዩ ማለት እዩ። እንትጅምር ቃላት ካብ ተግባራዊ ምንቅስቓሳትና እዮም ዝልዓሉ። ስለዝኾነ እንተኽኢልካስ ክንድት ዝድለ እባ ቃላት ክትጥቀም ኣለካ፤ ምሩፃት ቃላት።
መርገፅየይ ከምዚ እዩ…. ብፍላይ ስነ ግጥሚ ስሱዕ ቃላት እዩ። ካብ ብዙሕ ቃል ውሑድ፣ ካብቲ ውሑድ እውን ውሱን፣ ካብኡ እውኒ ኣዝዩ ንእሽተይ ይጠልብ። እዚ ቃል እዚ ዘይተገደስካሉ ኸ እንታይ ክትግደስ? ይርድኣኒ እዩ… ዘይፍለጥ ወይ ኣብ ውሱን ከባቢን ሞያን ጥራይ ዝዝውተር ቃል ምጥቃም ብቕዓት ግጥሚን መቐረት ግጥምን ሓፍ ዘብል ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ እዮም። ኣነ ካብኦም ክኸውን ኣይደልን።
7. ኣኽበረት ማሓሪ፡ ንኣቤል ኣብ ሓጺር ግዜ’የ ዝፈልጦ እንተኾንኩ፣ ትዕዝብቱ ንክገልጽ ዘለዎ ብቅዓት ከየድነቕክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ናብ ሕቶይ ክምለስ፡ ኣብ ገበር “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ” ትብል መጽሓፍካ ኣቶኲረ እየ ክሓቲት። ወላ እኳ እታ መጽሓፍ ብምልእታ ንከነባ ዕድል እንተዘይረኸብኩ፡ ኣብ መቕደም ንኣርእስተ መጽሓፍካ ዝሃብካዮ መግለጺ ምስ ገለ ግጥምታት ግን ነቢበዮ ኣለኹ። ድሕረ ከም ዘረጋገጽክዎ ውን እዛ ስም መጽሓፍካ ካብ ውሽጢ ትሕዝቶ ግጥምታት ዝተወሰደት ኣይኮነትን እሞ ንምንታይ ዕላማ መሪጽካያ? ነኣይናይ ወለዶ እያ ዕላማ ገይራ? ካብ ከባቢኣ ወጻኢ ክትውክል ትኽእል ድያ?
-ኣቤል፡ ፍትውቲ ሓፍተይ ኣኽበረት፤ ንዘቕረብክለይ ሕቶ ኣቐዲመ አመስግነኪ። ርእሲ መፅሓፍ ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ ኣብ ውሽጢ እቲ መፅሓፍ የላን። ብልሙድ ርእሲ መፅሓፍ ስነ ግጥሚ ካብ ገሊኦም ግጥምታት እቲ ሓደ ብምውሳድ እዩ ምሃብ ተለሚዱ። እዙይ ተልሚድ እምበር ሳይነስ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣነ ዝመረፅክዎ ርእሲ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶታት እቶም ልዕሊ 110 ግጥምታተይ ዝሓቑፈለይ ቃል ወይ ሓረግ እምበር ሓደ ካብኦም ኣይኮነን። እዙይ ነቲ ተልሚድ ሰጊርካ ካልእ ኣንፈት እውን ንምምልኻት ዝወሰድክዎ እዩ። ነየናይ ወለዶ ይምልከት፤ ዝብል ካልእ ሕቶኺ ከኣ ከምዚ ዝበለ ምድንጋር ከምዝመፅእ ገሚተ ኣብ መቅደም ናይቲ መፅሓፍ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ንሳ ቃል ብቃል ከቐምጠልኪ። “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ?”…. ንዝኾነ ኣካል ዘይውክል ሓሳብ እዩ፤ ምኽንያቱ ንዘይውክሎ ስለ ዘየለ። ንባዕሉ ነቲ ቃል እምበር ንእከለ ዝብሃል ወለዶስ ኣይትንክፍን… ኣይምጥንን… ኣይምልከትን። Adjective ማለት’ዉን ገላፂ (ቅፅል) ዘይምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ።
ካልእ፤ ቦታ ይፈሊ ዶ ዝብል ዘልዕልክዮ ሕቶ…… ስነ ግጥሚ፤ ፖሊሲ ቁጠባን ስትራተጂ ፖለቲካን ዘይኮነስ ባህርን ግብርን ሰባት ኣድሂቡ ዝስራሕ ኣካል ጥበብ ብምዃኑ ኣብ ዝኾነ ዓለም ንዘሎ ዝኾነ ይኹን ኣካል እዩ ዝሰርሕ።
8. ዛራ ገጠምቲ፡ ኣመሪካውያን ገጠምቲ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ይኹን ግዝያዊ ኩነታት ከምዘይጽሕፉ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ገጠምቲ ትግርኛ ግን ብኣንጻሩ ይመስል። ገጠምቲ “ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ” ዕዮኦም ድዩ? መምስ ዝነፈሱ ሓደስቲ ንፋሳት ምጓዓዝከ፡ እቲ ስራሕ ግዜ ተዋሂቡዎ ስለ ዘይስራሕ፡ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል?
-ኣቤል፡ ኣሜሪካውያን ገጠምቲ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይፅሕፉን ኢለ ክድምድም ኣይክእልን። ኣባና ዘለዉ ፀሓፍቲ እውን ብዛዕባ ፖለቲካ ጥራይ እዮም ዝፅሕፉ ኢልካ ምውሳድ ይኸብድ እዩ። ፖለቲካዊ ፍታሕ ምንዳይ ዕዮኦም ኣይኮነን ኢልካ ምስጋር እውን ከቢድ እዩ።
ይኹን እምበር ስነ ጥበባዊ ናይ ስነ ሓሳብ ሰብ እዩ። ከያኒ ናይ ሕልና ሰብ እዩ። ኩሉ ኣብ ጥበብ ዝኣተወ ገጣሚ ዋላ ሰኣሊ፣ ተዋሳኣይ ዋላ ቀራፂ ዋላ እውን ደራፋይ ገለ ጉዳዮም ምስ ባእታታት ህይወትን ብብራኸ ሓሳብ ደቂ ሰብ ዝኣምን ዓለም ለኻዊን ሰብኣውን ተልእኾ ዝሓዘን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ከምዚ ብምዃኑ ኣበርክትኡ ዓብዪ እዩ። ንቕሓት ሕልና ሰባት ብመስራት ግጥሙ ኣቢሉ ክብ ከብል እንተሎ ፖለቲካዊ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል። ፍቕርን ስኒትን ኣብ ዝሰብኽ መፅሓፍ ገጠምቲ ልክዕ ከምታ ንሓደ ውልቀ ሰብ እትህቦ ጦብላሕታ ከም ማሕበረሰብን ህዝብን እውን እቲ ጦላሕታ ንሱ ክፍጠር ይኽእል እሞ ትርጉሙ ዓብዪ ይኸውን (ፖለቲካዊ እውን ይኸውን) ማርክ ትወይን ንኣሜሪካ፣ በዓል ቴሎስተይን ዲዮስቶቪስክን ንራሽያ፣ ሼክስፒር ንእንግሊዝ፣ በዓል ኣችቤ ንናይጀርያ ፖለቲከኛታት ኮይኖም ዘይኮነስ ፀሓፍቲ ኮይኖም እዮም “ትራንስፎርም” ገይሮምወን፤ ማሕበራዊ ልዑል ፀፍሒ ክፍጠር ባይታ ከፊቶም።
ይኹን እምበር…. ገጣማይ ወይ ስነ ግጥሚ ሓሳብ ድኣ እምበር ሓሳብ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ (Tool) ኣይኮኑን ክኾኑ ዘለዎም። እቲ ስክፍታ ናይዛ ሕቶ እውን ንሱ ይመስለኒ። ኣብ ዓድና ዝኾነ ዝተብሃለ ነገር ደጊሙ ክብል እምበር ባዕሉ ዝኾነ ነገር ክብል ዘይክእለሉ እልፈ ኣእላፍ ምክንያትት ኣለዉ። እቲ ሓደን ቀንድን ናይ ባዕሉ ናይቲ ገጣማይ ሕመቕ እዩ።
ብዝኾነ ዘዝመፀ ፖለቲከኛ ንኣኻ ከም “ጓንቲ” ዝጥቀመልካ መሳርሒ ክትከውን ኣይግባእን። መነፀር ናይቶም ፖለቲከኛታት ዘይኮነስ ዓይኒ ባዕሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ ስነ ጥበባዊ! ቃል ብቃል ንምምላስ “መምስ ዝነፈሰ ሓዱሽ ንፋስ ዝጉዓዝ።” ገጣሚ ኣይገጣምን። ንፋስ ስለዝመፅአ ክሳብ ዝሓልፍ ተሓቢኡ ዝፀንሕ ወናኒ ዛሩጥ ብርዒ እውን ኣይኮነን ገጣሚ። ንፋስ ዝኣሊ፣ ኣንፈት ንፋስ ዝቕይርን ፅዕንቶ ዘሕድርን ልእለ-ሓሳባውን ሕልናውን ፍጥረት እዩ ገጣሚ።
ሓዱሽ ንፋስ (ናይ ባዕሉ)….. ሓዱሽ ንፋስ ፍቕርን ስኒትን፣ ራህዋን ሰላምን፣ ሓድነትን ስምረትን…. ክኸውን እውን ትፅቢት ይግበሮ።
9. ግርማይ ሙሑር፡ ሰላም ንዓኻ ኣቤል ጉዕሽ፡ ካብቶም ዘይሓቱ ወለዶ ዝብሃሉ ክንድሕንስ ክንሓትት’ምበር። ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ብዙሓት ጽሓፍቲ ትሕዝትኡ ብዘየገድስ መጽሓፍ ምስ ዘሕትሙ፡ ከም መጃሃሪ ክጥቀምሉ ይራኣዩ’ዮም። እቲ ዝገደደ ካብቲ ኣብ መጽሓፎም ዘሎ ትሕዝቶ ብዝበልጽ ግን ክኣ ብቑጽሪ ውሑድ ግጥምታት ዝጽሓፉ ገጠምቲ ልዕሊኦም ጎሊሖም እና ተራእዩ ፈጺሙ ክስወጦም ዘይምኽኣሉ’ዩ። ወዝቢ ክትእርሞም ምስትፍትን’ውን ያኢ ብብዝሒ መጻሕፍቶም ክብሪ ንኽትህቦም በቲ ንሶም ጥራይ ዝምሰጡሉ መጻሕፍቶም ክምሕሉን ክድነቑን ኢኻ ትዕዘብ። ንስለ ሞራል ተባሂሉ ብፈተውቶም ዝውሃቦም ቀልዓለማዊ ሞራል’ውን ሓቂ መሲሉዎም የስክሮም ኣሎ’ሞ፡ ኣቤል ከ ካብ ኣረምቲ ዲኻ ዋላስ ካብ ከይጽልኡ ዝስከፉ ኢኻ? ተወሳኺ’ውን፡ ስነ-ጥበባውያን ንሰላም ዝጠልብ ስራሓቶም ብዙሕ ሳዓቢ ክረክብ ዝግብኦ፡ በንጻሩ ነቲ “ጉየዮ ኣንበሳ፡ ጅግና ጥሓሕሻ” ዝብል ብዙሕ ሰብ ክምሰጠሉ ንዕዘብ ኣሎና’ሞ ጽሓፍቲ ኣብዚ ጉዳይ እንታይ እጃም ከበርክቱ ትምዕድ? ብዙሓት ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ክነፍሱ ከለዉስ ትሓርቕ ዶ? ከም ስነ-ጥበባዊ መጠን ከ ከምዚ ከይልመድ ኣብዚ ጉዳይ ኣቶኲርካ ትነጥፎ ንጥፈታት እንታይ ኣሎ? የቐንየለይ።
-ኣቤል፡ ግርማይ ምሑር ኣንታ ዝሓትት!
ሕራይ እሞ ገጣሚ እንብሎ ብዘበርከቶም መፅሓፍትን ገለን እንድሕር ድኣ እንዕቅን ከቢድ እዩ። መፅሓፍ ምሕታም እኮ ናይ እንዳ ሕትመት ወይ እውን ናይ ገንዘብ ጉዳይ እምበር ናይ ገጣማይ ምዃንን ዘይምዃንን ጉዳይ ኣይኮነን። ኣነ ንቐደም ገንዘብ ኣኪቦም ብድሕሪኡ ምፅሓፍ ዝጅምሩ ሰባት እፈልጥ እየ። ነዚኦም ዘለኒ ነቐፌታ ተሪር እዩ። ዝገርመካ ኣብ ትግራይ (መቐለ) ብጣዕሚ ዘድንቖም ሰብ መፅሓፍ ገጠምቲ ኣለዉ። ካብኦም ዘይንኣኣስ ክብሪ ዘለኒ መፅሓፍ ዘይብሎም ገጠምቲ ከኣ ኣለዉ። ኣነ ክልተ መፅሓፍቲ ኣለዋኒ፤ ግን ከም እከለ ተዝኸውን ኢለ ዝምነዮም ብጣዕሚ ኣገረምቲ መፅሓፍ ዘየሐተሙ ገጠምቲ ኣለዉ። ስም ምጥቃስ እንተድልዩ ክዛረብ እኽእል እየ። ስለዚ ስለዘየሐተመ ጥራይ ከም ዘይገጣሚ ስለዘሐተመ ጥራይ ከምገጣሚ ዝቑፀረሉ ኩነት ፈፂሙ የለን፤ ክህሉ እውን ኣይግባእን። ኣነ ዝስከፎ ኣካል የለን’። እንድሕር ዘይጠዓመኒ ኣይጠዓመንን!
ኣነ እኳ እንደየናይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ስነ ፅሑፍ ዘዋግዑኒ ነገር ይገርመኒ እዩ። እዚኣ ኣስተኻክል ኢሎም ርእይቶ ዝሃብዎም ፀሓፍቲ ይፀልእዎም። ይፀምድዎም። “ክረግፀኒ ደልዩ” ኢሎም ስማስም የውፅእሎም። መፅሓፍ ከይተሓተመ እንተድኣ ረኺበዮ ኣነ ብሰይስክፍታ እየ ዝዛረብ። ድሕሪ ሕትመት ግን እንታይ ኢኻ እሞ ክትብል? ብፍላይ ኣብ ትግራይ መነቓቐፊ ቅሉዕ መድረክ እውን የለን፤ ዝፀሓፍና ሰባት እውን ከምቲ ዝበልካዮ ፀፅቡቑ ክዝረበና ናይ ምድላይ ቀይናን ኣረኣእያ ዘለና ይመስለኒ።
10. ብርሃነ ገ/እዝጋብሄር፡ ኣዳለውቲ እዚ መደብ ንዘሃቡኒ ዕድል እናኣመስገንኩ ናብ ሕቶይ ከብል። ንግጥሚ መን እዩ ሰማዒኡ? ልቢ ድዩ ወስ ኣእምሮ? ኣስፊሕካ ግለጸልና ። የቐነለይ።
-ኣቤል፡ብርሃነ ገብረእግዝኣብሄር ዘልዓሎ ሕቶ ንኣይ ይኸብደኒ እዩ። ብስሩ ኸ ኣብ ልብን ኣእምሮን ብዘሎ ኣፈላላይን ሓድነትን ተሰማሚዕና ዲና? ግን ከምዚ ክብል እኽእል እየ….
ግጥሚ…. ቆልዓ ኮይንካስ ኣብ መረባ እናተፃወትካ ትወድቕ እሞ ወዲቅካ እናሃለኻ ቅንዕ ኢልካ ንኣዴኻ ትርእያ። እንድሕር ኣብ ጥቓኻ ዘየላ ተሲእኻ ትኸይድ። እንድሕር ኣላ ኮይና ግን ትበኪ። እሞ መፂኣ “ቤዛ ድፍእ ዝወደይ” ኢላ ተልዕለካ። እታ ኣብዚኣ ዘላ ስምዒት ካብ ግጥሚ ትርከብ። (ናይ ልቢ ድዩ ዚ ስምዒት ናይ ኣእምሮ?) ንዝወለድኩም ከኣ….. ውላድካሲ ካብ ዝኾነ ክንዲ ጭብጦ ዝኸውን ፍጥረት ተላዒሉ እንትዓቢ፣ እንትስሕቕ፣ እንትዛረብ፣ ምኻድ እንትጅምር….. ዓይንኻ እናረኣየ እቲ ክትርእዮ ዘሰክፍ ነገር ሰብ ናብ ናይ ምዃን ብርኪ እንትሰጋገር ጠጠው ኢልካ እንተሓሲብካዮ ዝገርም ጦብላሕታ ኣለዎ። እቲ ጦብላሕታ ንሱ ናይ ልቢ ድዩ ናይ ኣእምሮ ኣይፈልጥን ግን እቲ ስምዒት ንሱ ፅቡቕ ግጥሚ ምስዝፈጥረልካ ስምዒት ይመሳሰል።
11. መሓሪ ኪሮስ፡ መጀመርታ ኣዳለውቲ እዚ መደብ ንዘሃብኩምኒ ዕድል እናኣመስገንኩ፡ ከምኡ ‘ውን ንጋዜጠኛን ሓፈሻዊ ዳረክተር ኣብ ሬድዮ ድምጺ ወያነ ነበር ኑፉዕ መፍለቒ ስነ ሓሳብን ሃያስን ግጥምን ትረኻን ሁርኩት ሓው ኣቤል ጉዑሽ ዘለኒ ኣድናቖትን ክብርን ካብ ልበይ ክገልጸሉ ይፈቐደለይ። ናብ ሕቶይ ከብል፡ ኩቡር ሓዉና ኣቤል ጉዑሽ፡ ብወገነይ ንዝተፈላለዩ ጹሑፋትካ ብድምጽኻን ብንባብን ይከታተሎም እየ። ኣዝየ ዘድንቖምን ዝቐንኣሎምን ስራሕቲ ኣለዉኻ፡ ግዳስ ሓሓሊፉ ኣብ ትግርኛዊ ትሕዝቱኡ ብከባብያዊ ቃላትን ሓውሲ ኣምሓርኛን ዝዓሎቖም ትሕዝቶታት ይሪኤልካ እየ። ንስነ ቋንቋ ትግርኛ ሃሳዪ ኮይኑ’ውን ይስማዓኒ፡ ንሰኻ እንታይ ርእይቶኻ ኣብዚ ሓሳበይ? ብምቅጻል ግጥሚ ማለት፡ መቕደሙ ልዕሊ ዝርዝራቱ ብዓይኒ ህየሳ ስእሉ እንታይ ይመስል? ከም ቅርጺ ኸ ኣግባብነቱ መሳርዑ ሮቋሒ ኣለዎ ዶ? ሮቋሒ ዘይብሉ እንተኾይኑ ኸ ሕጊ ዝግድቦ ኣሎዎ ዶ? እንተዳኣ ሃሊይዎ ድማ ቅጥዑ ንገጣምን ኣምባብን ስእሊ እንታይ ትህበና?
-ኣቤል፡ ኪሮስ፤ ፈለማ ንኣድናቖትካ የመስግን። ገገሊኡ ልዕሊ ስራሕ መደበይ እውን እዩ ዝሃብካኒ። ብዝኾነ ስርሓተይ ትከታተሎም ምዃንካ ፈሊጠ አለኹ። ነዚ እውን ሞሳ ኣለኒ
‘እሞ ኣብ ዝፅሕፎም ፅሑፋዊ ስርሓቲ (ብፍላይ ከኣግጥሚ) ከባብያዊ ቋንቋ ከምኡ እውን ገለ ኣምሓርኛ ቃላት ዝሓወሱ ክኾኑ ይኽእሉ ዮም፤ ከም ትዕዝብትኻ። ኣብዚ ዘለኒ ሓሳብ ሓደ ቋንቋ ንፁህን ፅፁዩን ኮይኑ እዩ ክፅሓፈሉ ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብፍላይ ከኣ ከም ሓደ ኣብ ስነ ፅሑፍ ዝነጥፍ ሰብ ብዝተኸኣለ መጠን ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ፃህያያት ሓራ ዝወፅአ ፅሑፍ ክኸውን እዩ ትፅቢት ዝግበር። ሕዚ ኣነ ፃዕርታት ይገብር፣ ካልኦት ሰባት ክርእዩላይ ይገብር፤ ንኣብነት እኳ ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ ናይ ግጥሚ መፅሓፈይ ልዕሊ 15 ሰብ ሞያ እዮም ርእዮምዋ ቅድሚ ሕትመት። እዙይ ካብ ከምቲ ዝበልካዮ ዝበሉ ሕመቓት ንምድሓን እዩ። ከምኡ ኢሉ ዋላ እውን ግን ፀርዩን ፀፊፉን ክብል ኣይክእልን እየ። ትዕዝብትኻ ልክዕ ክኸውን ይክእል እዩ። ከም መትከል ግን ባዕሉ ዝኸኣለን ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ምትሕውዋሳት ዝፀፀየን እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ካልእ ብዓይኒ ስነ ሂስ ናይ ግጥሚ ፅጋዕ ሐቂ ክኸውን ዝግባእ ፍልስፍና እዩ። ብዙሓት ናይ ዘበነ ኣብርሆት ናይ ስነ ፅሑፍ ፈላስፋታት ገጣሚ ስብእና ፈላስፋ እንተዘይተላቢሱ እንተዘይፅሕፍ ይሕሾ እዮም ዝብሉ። ስለዚ ንኣይ ፅቡቕ ግጥሚ ዝዕቀነሉ ሚዛን ፍልስፍና ኣለዎ ዶ?? ንቀንዲ ቀንዲ ሕቶታት ደቂ ሰብ ንምምላስ ይፍትን ዶ?? ብስሩ ኸ ዋኒኑን ዛዕብኡን ዶ ይገብሮም ዝብል እዩ። እዚ እቲ ሓሳባውን ገዛእን ንግጥሚ ዝርእየሉ መነፅር እዩ። ኣብ ቅርፃተቱ እሞ ልክዕ ከም ፀሎት ዘዘወትር እንፈልጠን ናይ ቅድሚ ቀንዲ ቀንዲ ባህርታይ ኣለዋ። ዜማዊ፣ ምጡን፣ ዓሚቕ ወዘተ እናበልና ምኻድ ንኽእል ኢና። ኣብዚኦም ጥራይ ሓደ ሰሚናር ምድላው ምተኸኣለ። እንተኾነ ግን እዚኦም ክፈርሰሉ ዝኽል ዕድል እንተሎ ንብራኸ እቲ ግጥሚ እንትብሃል ብዝግበር ምትዕርራይ ጥራይ ይኸውን። ከም ኣነ ናይ ስነ ግጥሚ ሕግታት ንስለ ፅባቐ እቶም ግጥምታት እንትብሃል ክስራዐሩ ይኽእለ እዮም። ኣብዚ ኣብነታት እውን ምጥቃስ ይከኣል እዩ።ካብዚ ሓሊፉ ካብ ምሁራን እቲ ዓውዲ እንምከሮ ምኽሪ ንቶም ሕግታት እዚኦም ክንብል ሕቆ ሓሳብ ናይቲ ግጥሚ ክንሰብር ኣይግብኣናን ዝብል እዩ። ብካልእ ኣበሃህላ ሓደ ቆልዓ ጫማ ምእኻል እንተኣብይዎ ሲ እቲ ጫማ ድኣ ክንቅይሮ ኣለና እምበር (ሕጊ ግጥሚ) ናይቲ ቆልዓ እግሪ ኣይኮናን (ሓሳብ ግጥሚ) ክንኽርክም ወይ ማዕርኡ ንምግባር ኣፃብዕቱ ክንቆርፅ ዘለና ዝብል እምነት ኣለኒ።
ስለዚ ጥቕልል ዝበለ ምስሊ ንምሃብ ገጣሚ ሓሳቢ (ቲንከር) እዩ። እዚ ሓሳብ እዙይ ልዕልና ዘለዎ ሓሳብ ክኸውን ከስተንትን ኣለዎ (ኣስተንትኖት ናይ ፍልስፍና ባህሪ እዩ) ድሕሪ ኣስተንትኖት ሰብ ኣንቢቡ ብቀሊሉ ዘይሓልፎ ናይ ሓሳብ ፀፍሒ ዘለዎ ይኸውን እሞ ናብ ምፅሓፍይእቶ። እንትፅሓፍ እቶም ሕግታት ክኽተል ኣለዎ፤ ንባዕሉ ክብል። ምክኽያቱ ኣብ ስነ ግጥሚ ዘለዉ ሕግታት ንድምቀትን ፅባቐን እቲ ግጥሚ ተባሂሎም ዝተፈልሰፉ ስለዝኾነ።
12. ዛራ ገጠምቲ፡ ግዜኻ ወፊኻ ንዝሃብካና ዓሚቕ መልስታት እናመስገንና፡ ምስ ኣሎ፡ ዘይተባህለ ትብሎ ሓዊስካ ትምልሳ መፋነዊ ሕቶ ከነልግበልካ። ከም ኩሉ ገጣሚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾነ ኩርናዕ ጠመተ ግጥሚ ንምግጣም ኣብ ሓንጎልካ ይመላለሰካ ከም ዝህሉ ግምት ኣለና (ይኽደን ኣብ ናይ ምሕንጋድ ሃዋሁ ከይትህሉ።) እስከ እዛ ንምጽሓፋ ትመላለሰካ ዘላ ሓሳብ ኣብዚ እዋን እዚ በታ ዝቀለለ መንገዲ ኣካፍለና ‘ተንብለካ ከመይ እዩ ክኸውን ግበረ መልስኻ?
-ኣቤል፡ ኣነ እውን ብጣዕሚ እየ ዘመስግን ዛራውያን!
ተገዲስኩም ሕቶታትኩም ንዝልኣኹኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣብ ዘዘለክምዎ ሰላም ኩኑለይ። ልዝብና ቀፃሊ ይኹን። መዛዘሚት ሕቶኻ ክምልስ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ትመላለሰኒ ዘላ ሓሳብ መወዳእታና ሞት ኣብ ዝኾንና ሰባት ክህልው ዝክእል ዝባኸነ ፍቅሪ የሕዝነኒ።
“ይርኣየኩም ዶ ኣሎ
በቲ ዝባን በቲ በሪኽ ቦታ
ዝሓልፍ ዘሎ ፍቕቲ ደሪቡ ፃዕዳ ኩታ
ይርኣየኩም ዶ ኣሎ እቲ ተኸዳኒ ፃዕዳ
ዝኽተል ጭርአን ኣሓ እንትወርዳ
ኣሓ ንኣሕአን ኣባጊዕ ደምበና
ይርኣየኩም ዶ ኣሎ ፍቕሪ እንትሃድመና
ንሕና ኣብዚ ሰዓት ኣብ ፀባብ መንገዲ
ኣብ ሕለፍ ክሓልፍ ፅልኢ ክነቖንዲ
የሕዝን ምስኪናይ ፍቕሪ ምስኪን ፍጥረት
ይሃድም ነበረ ቤት ናይ ሃውተተት።
ስለቲ ዝሃብካና ሰፊሕን መሃሪን መልስታት ደጊምና ብስም ኣንበብቲ ነመስግን ገጣሚ Abel Guesh።
ዛራ ገጠምቲ
ሓምለ2016