ሕጂ ኣብራር ካብ ምጅማር ምቕጻል እንድዩ ዝብርትዕ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉዕዞ ትጓዓዞ ኣሎኻ፡ ኣነ ከምቲ ዝርዳኒ፡ ቀንዲ ሓይሊ ናትካ ኣብ ምህዞ’ዩ፡ ማለትሲ ብናትካ መገዲ፡ ብናትካ ቅዲ ክትከይድ ትደሊ ኣብ ግጥሚታትካ’ውን፧ ኣቀማምጣ ቃላትካ፡ ፍልይ ይብል እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ሃገረይ፣ ተረካብ-ይዓድዮ፣ ብኻልእ መዳይ እዉን ሽኾር ወለላ መዓር፡ ኣብ እተፈላለየ መድረኸን ኩነታትን ዝተሰርሓ እየን፡ እቲ ኣበሃህላ እቲ ኣገላልጻ ሓይሊ ኣለዎ። ሕጂ እንታይዩ እቲ ምስጢር? ንኣብነት ኣብ ግጥሚ ከተተኩር ከለኻ እንታይ ኢኻ እቶም እትግደሰሎም ነጥብታት? ካበይ ተበጊስካ፡ እንታይ ክትብል ምስ ደለኻ ኢኻ ትዉስን? ብኸመይ ኢኻ ትኸዶ?
ኣብራር፡- ኣነ ብዘይቀልዓለም ኣብኡ ዝረኣየኒ ነገራት እንተሎ፡ ሓደ፡ እቲ ነቲ ዝተበገስናሉ ዕላማ ከፍሽል ዝደናደን ዝነበረ መሪር መድረኽ፡ ሕልኽላኻት ልዕሊቲ ናይ ጸላኢ፡ ሓይሊ ክንድልብ ደሪኹና ነይሩ። ስለ’ዚ ኩሉ ግዜ ተስፋ ህዝብና እንዳቀሃመ፡ ኣናጎደለ ክኸይድ ኣብ ዝጀመረሉ ሰዓታት፡ የደንግጸካዩ ገለ ክትገብር ድማ ትባላሓት። ብዛዕባ ሂወትና፡ እቲ ነሕልፎ ዝነበርና ዘይኮነስ፡ እቲ ህዝቢ ካባና ዝጽበዮ ዝነበረ ብጥዕሚዩ ዘገድሰኒ ነይሩ ማለትዩ ። ንምንታይ ናይ ስነ-ጥበብ ሰብ፡ ቀረባ ናይ ህዝቢዩ፡ ሰማዒ ትርግታ፣ ሓኪምዩ በቃ። ቴራፒስት’ዩ። ብጽቡቕ ልሳን፡ ብምኡዝ ዜማ፡ ብጽቡቕ ግጥሚ ጌሩ ኩሉ ግዜ ነቲ ህዝቢ ኣጆኻ ኢሉ ዘህድኦ፡ ናይ መጻኢ ዕጥቁ’ዩ። እዚ እዩ እቲ መበገሲ። ሓደ ሓደ ግዜ ብርግጽ ከም’ቲ ትብሎ ዘለኻ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ እቲ ክትዛረበሉ እትመርጾ ኣርእስቲ ረዚን ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ጸቢብ ግጥሚ ብስሩዕ ከተምጽኦ ብጣዕሚ ይኸብድ እዩ፡ ሕጂ ከም ግጥሚ ብርግጽ ብዙሕ ከተድንቖ ትኽእል ኣይኮነን ከም ዝመስለኒ። ምኽንያቱ ይርደኣኒዩ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ኩሉ ግዜ ኣነ፡ ግጥሚ ምስ ተወለደ ከይዓርቀኒ ክኸድኖየ ዝቃለስ እሞ ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ፡ እቲ ሓሳበይ ዓቢ ነይሩ ግን እቲ ዓቕሚ ግን ኣዝዩ ድሩት ነይሩ ወይ ውን ብግምጣሉ ነይሩ ማለትዩ። ሕጂ ከመይ ገይረ ነቲ ክሰምዖ ዘለዎ ህዝቢ ሰኻኹዐ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት፡ እቲ ነሕልፎ ዝነበርና ሂወት ዘጋጥመና ዝነበረ ተጻብኦታት፡ ንህዝብና ምስ’ቲ መድረኽ ከነላልዮ ይቃለስ ምንባረይ ጥራሕዩ ዝርዳኒ እምበር ከቢድዩ እቲ ኣርእስቲ።
ናይ ደርፊ ግጥምታትና እንታይ ክመስሉ ኣለዎም? ‘ደርፍታትና ዝያዳ ናብ ሃገራውነት ስለዝጽግዑ ደረጅኦም ንምፍላጥ የጸግም ኣሎ፡ መቐረቶም’ውን እቲ ህዝቢ ምስ ዘለዎ ፍቕሪ ናይ ሃገር ስለ ዝድረክ’ዩ እምበር ምስ’ቲ ስታንዳርድሲ ይኸዱ የለዉን ይዓብዩ የለዉን፡ ምስ ካልእ ኣወዳዲርካ ዋላ ውን ምስ ከባቢና ብምውድዳርሲ ገናዩ ዘሎ’ ዘስምዕ ኣበሃህላታት ኣሎ። ሕጂ ንስኻ ከመይ ትሪኦ ከምኡ ድዩ እቲ ሓቂ ደርፍታትና ሃገራዊ ክኸውን ከሎ ጥራይድዩ ተሰማዕነት ዚረክብ ዘሎ ፡ዋላስ ብመዐቀኒ ናይ’ዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘመን ተነጻጺሩ ደረጃ ሙዚቃ ሃገርና ኣብ ግጥሚ፣ ኣብ ዜማ ዕብየት የርኢ ኣሎ?
ኣብራር፡- ኣይፋሉን፡ እንታይ ግድዩ እዞም ናይ ሎሚ ስርዓታት ኩሉ ግዜ ብዴሞክራስያ ንህዝቢ ይሕስው፡ ብሃገር ንህዝቢ ይሕስው፡ ኩሉ ግዜ ሓቂ ብዘይብሉ እዮም ነቲ ህዝቢ ክንውንውዎን ስምዒቱ ክቆጻጸሩን ዝቃለሱ እምበር፡ ብሓቂ ከም ዝግባእ፡ ኣብ መንጎዩ እቲ ስነጥበብ። ማእከል ስሕበት ናይ ኩሉዩ፡ መተካእታ ናይ ፖለቲካ ክኸውን ኣይግባእንዩ፡ ቦትኡ ዝሓዘ ሰናይ ሞያዩ። ሰብ ከም’ታ ኩሉ ግዜ ዝብላ፡ ክርስትያን ቤተክርስትያኑ ይኺድ፡ ኣስላማይ መስጊድ ይኺድ ካልእ ካልእ ወዘተ ወዘተ፡ ኣብ’ታ ስነ-ጥበብ፡ ኣብታ ባህልን ያታን መንነትን፡ ናይ’ታ ሃገር ክትመጽእ ከለኻ ግን ኹልኻ ኣብ ሓደ ኢኻ ትዓልብ። ልቢ ኣብ ሓደ ይሓድር፡ ንኣብነት ሕጂ ኣነ ጉዳይ ሃገር ከልዕል እንተ ኮይነ ነታ ሃገር ስለ ዘፍቕራ፣ ንፍቕሪ ናታ ክትገልጽ ክብል ብልቢ ዝብሎ ክኸዉን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ሎሚ ዝድረፍ ዘሎ ምስ ትምክሕቲዩ፡ ብተጽዕኖ ዝመጽእ ግጥምታትዩ። እቲ ህዝቢ ንኻልእ ድልየት ቆላሕታ መታን ከይህልዎ፡ ኣቓልቦኡ ንምጥዋይ’ዩ፡ እቲ ስነ-ጥበብ ኽዛረቦ ዝግባእ ሓቂ ንምዕባጥ’ዩ። እሞ ነዚ ግንዖ እናሃብካ፡ እናከፈልካ’ዩ። ኣብ ሓሳብ፡ ኣብ ግዜ፡ ምስ እዋን ዘይከይድ፡ ዘብለጭልጭ እተሸላለመ ግጥምታት እናኣምጻእካ ነቲ ህዝቢ ማእዝኑ ትቕይረሉ። እቲ ግጥሚ ከም ግጥሚ፡ ከም ስነ ጽሑፍ፡ ባይትኡ እንተ ዝህልዎ እሞ ሓርነት እንተ ዝህልዎ፡ እሞ ድማ እቲ ኣርቲስት ብዕግበቱ ክገብሮ ዝኽእል ነይሩ እንተ ዝኸውን ጸገም ኣይምነበረን። ምናልባት እቲ ኣነ ዝቕበሎ ንስኻ ከይትቕበሎ ትኽእል፡ ነቲ ንስኻ ዘይትቕበሎ ውን ካልእ ክቕበሎ ይኽእል ይኸውን፡ ግና እዚ ብሓፈሽኡ ከምኡ ኣይኮነን፡ እቲ ጉዳይ ከመይ ጌርካ ዓይኒ ናይቲ ህዝቢ ትኸድን ጥራሕዩ። ብዘየሎ መልእኽቲ፡ ብግብሪ ዘይተሰርሐ ብቓላት ክትሰርሓሉ ክትፍትን ከለኻ እሞ ድማ ብመንግዲ ንስነ-ጥበብ፡ ኣይግድን። ሓደ ስነ-ጥበብ እንድሕር ደኣ ግብራውነቱ ስሒቱ ቅቡል ኣይከውንን፡ ከም መንነት ንኹሉ ኣይእክብን፧ ከም ባንዴራ ኣይከውንን ኣየጽልልንዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዚ ሕጂ ዘሎ’ውን ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣይኮነን ጸገሙ፣ ጸገሙ ኾነ ኢልካ ብዘውረቕረቐ ግጥምታት ዝቖመ ብሙኻኑ ጥራይዩ። እቶም ዝሰርሕዎ ድማ ኣብ ምንባር ዝምርኮሱሉ ናይ ናብራ ሕቶ ስለ ዝኾነ፡ ዘገድሶም ምንባር ብምዃኑ፡ ሓድ ሓድ ግዜ ነቲ ወኒ ረሲዖሞ ዘይኮኑስ ምስ ሂወት፡ ምስ ናብራ’ውን ክኸዱ ስለ ዘለዎም፡ እቲ ስነ-ጥበብ ናጽነት ብምስኣኑ ዝተኣትወ ጸገም ምዃኑ ከብርህ እፈቱ። ኣብ ክንዲ ብዘይ ምኽንያት እቲ ስነ-ጥበብ ኣብ ሕማቕ ይኸይድ ኣሎ ንብል፡ እቲ ዘሎ ምኽንያት ምግላጽ ዝሓሸ’ዩ እብል ኣነ፡፡
ገለ ደርፍታትካ ከም በዓል ሃገረይ፡ ወለላ መዓር፣ ሽኮር ካብ’ዘን ዳሕረዎት’ውን፡ ጽባሕ፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲን ካሎኦትን ምስ ሰማዒ ፍሉይ ዓይነት ምትእስሳር ፈጢረን እየን፡ ካብ ሰማዕትኻ ከምዚ ዓይነት ግብረ መልሲ ክትረኽብ ከሎኻ፡ ከምኡ ውን ዘዝመጸ ደራፋይ ደጋጊሙ ደርፍታትካ ክደርፍ ከሎ፡ እቲ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ደርፍታትካ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ከሕድር ከሎ፡ እንታይ ይስመዓካ? እንታይ ትብል? ንቐጻሊ ስራሕካኽ ብኸመይ ይጸልዎ?
ኣብራር፡- ኩሉ ግዜ ኣብ’ቲ ስነ-ጥበብ ብዓቕምኻ ገለ ነገር ክትገብር፡ ሰብካ ከትሐጉስ ኢኻ ትጽዕር። ብመሰረቱ ዝፈትዎ ነገር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውሽጠይ፡ ኣብ ከርሰይ እተፈጥረ ተውህቦ’ዉን ብምዃኑ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክፈጥር ከሎ ደስ ይብለኒ። ኩሉ ግዜ ናይ ስነ-ጥበብ ሰብ ድማ ብሓቂ ንርእሱ ተሓጒሱ ንሰብ ከሓጉስ እዩ ዝፍትን። ሓደ ሓደ ግዜ ክሓስቦ ከለኹ ይኸብደኒ፡ ግን ብሓደ ሸነኽ ድማ ዝያዳ ሓላፍነት ይስምዓኒ። ኩሉ ግዜ ክሰርሕ ከለኹስ ብሓላፍነት ክሰርሕ ከምዘሎኒ፣ ምስ ህዝቢ እንድሕር ትተኣሳስር ኮይንካስ ናይ ህዝቢ ኮይንካ ምቕጻል ቀሊል ኣይኮነን። ኣነ ከኣ ብልቢ፡ ብስነ-ጥበብ ጥራይ ዘይኮንኩስ፡ ብተፈጥሮይ ናይ ህዝቢ ሰብየ። ዝፈትዎ ነገር እንተሎ ንነብስኻን ንኻለኦትን ዘይምቕሻሽ’ዩ። ኣነ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን፡ ህዝቢ ንዓይ ዝዓበየ ነገርን ዝዓበየ ክብርን’ዩ ። ስለዝስ ንኸምኡ ኣብቂዑካ፡ ትንኣስ ትዕበ ተቐቢሉልካ፡ እሞ ከሰንየካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ሂወቱ ዝምነዮ ንሱ ጥራይዩ’ሞ ብሓደ ሽነኽ ኣዝዩ የሓጉሰኒዩ፡ ምብቃዕ ጥራይ ውን ኣይኮነን ዘሓጉሰኒ ፡ ከመይ ይቕበሎ ኣሎ? ሕጂ ኣነስ ካብ ዘለኽዎ ክውስኽ፣ ዝያዳ ክዓሙቕ፣ ህዝባውነተይ ከዕሙቕ፣ ብሂወት ክሳብ ዘለኹ ንህዝቢ፡ ንሓቂ ከገልግል፡ ከም’ቲ ዝበልናዮ ስነ-ጥበብ ነጸብራቕ ናይ ኩሉ ነገራትዩ እሞ፡ ጽባሕ ብምርኢት ብገለ ተቐሺሽና ኣብ ዘየድልየና ንኸይንውዕል፡ ብንግድዓና ሰሪሕና ክንኣቱ ንቃለስ ኣሎና፡፡ ምኽንያቱ እዋኑ ምስ ኣኸለ ብርግጽ ዝዕድመና ዳስ ኣይክንስእንን ኢና ማለትዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ብዘብለጭልጭ ግጥሚ፡ ነቲ ዘየሎ ሓቂ ክትገልጽ ምፍታን፡ ነቲ ናይ ሓቂ ስነ-ጥበብ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ሂወት ተሳትፎ ከይህልዎ ይእግዶ እዩ በዚ ድዩ በቲ። ንሓድሕድና ልቦና ክንወሃሃብ ቅቡል እዩ፡ ብሱል እዩ፡ ምኽንያቱ ስነጥበብ ናይ ኩልና’ያ እታ ዕላማ ናይ ስነጥበብ ድማ ንኹልና ሓንቲ እያ። ኣብ ሂወትና መኣዲ ናይ ህዝቢ ክንሰርሕ እንተ ድኣ ንቃለስ ኮይንና ንስነጥበብ ኣፍቂርና ንስርሓዮ እምበር ንኽንጥቀመሉ ክንሰርሖ ኣይግባእን’ዩ፡ ሓቦ ከኣ የድልየካ ስነ-ጥበብ ማለት ሓቦ፡ የድልዮ ፍትሒ የድልዮ፡ ብስለት የድልዮ።
ንስኻ ኣብ’ዚ ዓውዲ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዝካ ኢኻ፡ ሕጂ ብዙሓት ነዚ ሞያ ሓደስቲ ዝኾኑ መንእስያት ኣለዉ፡ ናብ ናይ ዓወት መንገዲ ክመጹ፡ ብስለት ዘለዎ ሙዚቃ ክሰርሑ፡ ብኡኡ ጌሩ ኤርትራዊ ሙዚቃ ለውጢ ክገብርሲ እንታይ ምበልካዮም ? ከም ሓደ ስነ-ጥበባዊ ክትከዶ ዘለካ ኣካይዳስ እንታይ’ዩ ትብል?
ኣብራር፡- ብፍቕሪ ዘይተበገሰ ንፍቕሪ ኣይሰርሕንዩ። ንሕና ነዚ ሙዚቃዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንኣትዎ ንኽእል ኢና፡ እታ ንኸዳ መንገዲ ግን ሓንቲ ክትከውን ኣለዋ በሃላይ’የ። ሰብ ነዚ ሞያ ብጸገሙ ክጅምሮ ይኽእልዩ ብፍቕሪ፣ ንሓደ መዓልቲ፣ ንሓደ ጉዳይ ወዘተ። ስነ-ጥበብ ፍቱው ሞያዩ፡ ግን ከቢድ ተጻዋርነት፣ ድኻም፣ ነብስኻ ሓቢእካ ትኸደሉ ግዜ፣ ነብስኻ ኣትሒትካ ኣካል ህዝቢ ኮይንካ ትኸደሉ፣ ብዙሓት ነገራት እናዓለቡኻ፡ ብዙሕ ጸገማት እናጋጠመካ’ውን ትኸይድ ኢኻ። ብርግጽ እቲ ዘሎ ፍቕሪ ዓቢ’ዩ ግን ንዓኣ እንድሕር ቁሩብ ረጊጽካያ ሓሊፍካ ብዕጽፊዩ ዝመጸካሞ ተጻዋርነት የድልየካዩ ። ፍቕሪ ሃልዩካ ክትሰርሕን፡ ፍቕሪ ሃልዩካ ክትብገስን ድማ ኣዝዩ ዝበለጸዩ። በብምኽንያትና ኢና ሒዝናዮ ዘለና ማለትዩ። ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምህናጽ ናይ ሓደ ሃገርን ሕብረተሰብን ንርከብ ኣሎና። ክሳብ ሎሚ ከም ዝረኣኽዎ፡ ማእለያ ዘይብሎም ውድባት፡ መንግስታት፡ ፖለቲከኛታት፡ ኣለውና ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓደ ከጽልሉ ዝኽእሉ የብልናን። ካብ’ቲ ዘሕምም ከኣ ንሱ’ዩ እቲ ዝዓበየ ማለትዩ። ስነ-ጥበብና እዚ መንገድዚ እንተ ኸይዱ ህዝቢ ድኣሞ መን ከጽልሎ? ንሕና ኢና ከነጽልሎ ዝግባእ። ንሕና ኢና ብሞያና ፍሉያት፡ ንኹሉ መኣዲ ንኸውን ንሕና ኢና ። እቲ ሞያ ኸምኡዩ፡ ህዝቢ ኩሉ ኣብ ነናቱ ቤት ጸሎት ዝኸይድ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ሙዚቃዩ ኣብ ሓደ ዝእከብ። ንሕና ኢና ናቱ፡ ንሱ ድማ ናትና’ዩ፡ ስለ’ዚ ሰብ ንመጻኢኡ ክሓስብ፡ ክዓቢ፡ ሓደ ኣካል እንተ ዘይኮይኑ ኣይከኣልንዩ። ስነ-ጥበብ ድማ ኣብ’ዚ ሓበን ኩርዓት፡ ተጻዋርነት፡ ምርድዳእ ፡ምክብባር፡ ምትሕስሳብ እንኮላይዩ ዘምጽእ ማለትዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ ካብ’ዚ ቦኹሩዩ ዘሎ ማለትዩ። ኣብ ገለ እዋን ሙዚቀኛ ክመጽእ ከሎ፡”መን’ዩ? ካበየናይ ወገን ይመጽእ ኣሎ?” እዋእ ንሕናስ ክልተ ሃገር ድዩ ዘለና ዋላስ እንታይዩ ኢልካ ትሓስበሉ እዋናት ኣሎ። እዚ ናይ ተቓወምቲ ድዩ? እዚ ናይ መንግስቲ ድዩ? እዚ ናይ ህግደፍ ድዩ? ከምኡ ዝበሃል የለን። እቲ ዝረኣናዮ እቲ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ ኣሎ፡ ናይ መልእኽቲ፡ ናይ ሞያ፡ ናይ ስራሕ ጉዳይ ኣሎ ። ሰብ ንስራሕ ተላኢኹ ክገብሮ ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ቦቱኡ ኣሎ ፡። ሕጂ ዋላ ነቲ ተኸፊሉ ሰብ ዝቕጥቕጥ ኣብ ቤት ማእሰርቲኮ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ግን ንሙዚቀኛ ክቐልጥዎ ከለዉ ኢኻ ትርኢ፡ ሞያ ሙኻኑ ኣይርእይዎንዮም። እንድሕር ሰብ ክሃርም ክወቅዕ ክኣስር ገንዘብ ዝወስድ ኮይኑሲ፡ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ብክራሩ ዜማ ተጻዊቱ፡ ብፍቕሪ ሃገሩ ድዩ ብኻልእ ድዩ ህዝቡ ኣሓጉሱ እንተ ኸደስ እንታይ ጸገም ኣለዎ? ናይ ኣራዳድኣ ጉዳይዩ። ሕጂሲ ንዝኾነ ሰብ ዘይምብዳል። ስነ-ጥበብ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ክንፋቐረሉ፡ ኣብቲ ሞያ ዘለዉ መንእሰያትና ከነታባብዓሉ እዩ ዝግባእ። እንተ ኾነ ንሕና ባህልና ሓደ ስለ ዝኾነ ንዝመጸ ስነ-ጥበባዊ እንታይ ይብል ኣሎ ክንሰሞዖ እዩ ዝግባእ፡ እንተ ዘይሰማዕናዮ’ኮ ክንነቕፎውን ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ስነ-ጥበባዊ ካበይ መጺኡ ዘይኮነስ እንታይ ይዛረብ ኣሎ እዩ ከገድሰና ዝግባእ። ከምኡ ንሓስብ ዘይምህላዉና ድማ እዩ እቲ ጸገም። ንሱ ስለ ዝኾነ ኽልተ መንግስቲ ኮይንና፡ ክልተ ህዝቢ ፋሕ ፋሕ ዝበለ እሞ “ኣይትኺዱ፡ ኣይትምጽኡ፡ ኣይናትናን፡ ኣይናቶምን” እናተባህለ ብዙሕ ክኸይድ ጸኒሑ። ስለ’ዚ እቲ ናይ ስነ-ጥበብ ሰብ ድማ ኣብ መንጎ ግዳይ ኮይኑ። ንሕና ኣብዚ እዋንዚ ንሓስቦ ዘለና ፌስቲቫል፡ ንስነ-ጥበብና ከሰስን፡ ስነ-ጥበብ ባዕሉ ናይ ባዕሉ ፌስቲቫል ጌሩ ንህዝቡ ከስተናግድ፡ ንህዝቡ ኣብ ሓደ ከምጽእ፡ ነዚ ጥምረት ዘይረኸበ ህዝቢ ኣብ ሓደ ክጠምር፡ ባዕሉዩ መገዱ ከለሊ ዝግብኦ። ሓው፡ ስጋ፡ ሓደ መጻኢ ዘለዎ ህዝቢ ሓንቲያ ቤቱ። ክልተ ቤት፡ ሰለስተ ቤት፡ ክኸውን ኣይክእልንዩ። ሓንቲያ እምነቱ።
ኣዝየ አመስግነካ ኣብራር