“ሃይ•••ሃይ•••
ሰላም ዝሓወይ”
“ሰላም ዝሓፍተይ”
“እፈልጠካ መስለኒ
ጌጋ እኽልኣለይ”
እወ ልክዕ ኣለኺ
መዓስ ተጋጊኺ
ኣብ’ቲ ጽንኩር ኩነት
ዝነገሰሉ ጥሜት
ኣብ’ቲ ንማለቱ መኣዲ
መቐንዘዊ ከብዲ
ንቡር ዘይነበሮ
ዳርጋ ፓስታ
ምስ ነበልባል
ሃልሃልታ
ክንጅምሮ ንሕንስሶ
ስሙ መኣዲ
ግን ከኣ ኩላሶ
ኣብ’ታ
”ንበስመ ኣብ” ተመስገን
ትቕድማ
ኣብ ሓደ ህሞት
ክልተ ፍጻመ
ክትጥዕማ ትድምድማ
ኣብ ሓደ ህሞት
ክልተ ስምዒት
ክትዕንገል ትቕንዞ
ንስኺ ክትሕዚ
ኣነ ውን ክሕዞ
ስሒተ ነቲ
ኢድኪ ሒዘ
ኢደይ ምስ ሓዘኪ
ኢድኪ ዝፈዘዘ
ጸላኢና ታ’ኹላሶ
ተዐንግል’ዶ ኮይና
ከም’ኡ ደኣ ክንላለ
ኢሉና
መን ወሰደ ምስ ኮነ
ኣብ ዝነበረ ተፋጠጥ
መዓስ ተጋጊኺ
ኣብኡ ኢና ንፋለጥ
ደጀን ኣሰፋው(ማሪን)
19/መጋቢት/2016