ግምገማ ሕደማ ‘እሙን ዓርከይ፡
ብ ሲስ ማሳዋ
ኣርእስቲ ሕደማ፡ ‘እሙን ዓርከይ’
ድምጻዊ፡ ምሕረተኣብ ገብረዝጊ (ሳንድሮ)
ገጣሚ፡ ታደሰ ተስፋይ
ኣዳላዊ፡ ኣሜን ኢንተርቴይመንት
ግዜ፡ 04 / መጋቢት / 2016
‘እሙን ዓርከይ’ ንምግምጋም፡ ደጋጊመ ኣንቢበያን ሰሚዐን ብዝፈጠረትለይ ስምዒት ተመሪሐ፡ ገለ ሓባራዊ መገምገሚ ዝኾኑ ነጥብታት ሓዊሰ ንምስትምቓራ ፈቲነ’ለኹ። ገለ ካብቲ ሓባራዊ መገምገሚ፡
ኣርእስቲ ትርጉም ኣለዎዶ/ሰሓቢ ድዩ? ፈለማ ዘለዋ መስመራት ናብ ምሉእ ትሕዝቶ ሕደማ ንኽትቅጽል የተባብዓኻዶ? እዛ ሕደማ መልእኽቲ ኣለዋ ዶ? እንተ’ለዋ መልእኽታ ሕቡእ ድዩ ግሉጽ? ምስቲ ‘እሙን ዓርከይ’ ዝብል ዘሎን ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ’ዛ ሕደማን ትደናገጽዶ/ ይስመዐካዶ? እታ ሕደማ ንምንታይ’ያ ትገልጽ/ ሞራል ኣለዋዶ? ትልሚ ኣሎዋዶ? እቲ ትልሚ ተኣማንንነት ኣለዎ ዶ የብሉን? ዝተላዕለ ትልሚ’ኸ ንዝተደልየ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ የኽእልዶ? ብዘይ ሙዚቃ ናይ ባዕላ ዜማ(ረምታ) ኣለዋ ዶ እታ ሕደማ ? ኣብታ ሕደማ ንእዝኒ ሰማዕቲ ብፉሉይ ክሰልብ ወይ ክሕዝ ዝኽእል ምስ ትሕዝቶ ዝሳነ ገለ ፍሉይ ኣበሃህላ ወይ ምድግጋም ወይ ፍሉይ ድምጺ (lyrical hook) ኣሎዶ? ቴክኒካዊ መዳያ ከመይ’ዩ ? መደምደምታ ኣለዋዶ እታ ሕደማ። ትርጉም ከ ኣለዋ ድዩ ማለት ኣብ ሰማዕቲ ተሕድሮ ጦብላሕታን ስምዒትን ኣሎ ዶ? . . . ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ብመልክዕ ሕቶታት ዝቖሙ ሓሳባት’የ ክርእያ ፈቲነ ዘለኹ።
* ‘እሙን ዓርከይ’፡ ሓደ ካብ ስድራኡ ርሒቑ ዘሎ፡ ንኣብ ዓዲ ዘለዉ እርጋንን ሕሱም ናብራን ዘሕመቖም ስድራኡ፣ ብ ሞራልን ጉልበትን ዓቕሙ ዝሓተቶ ነገራዊ ሓገዝን እናሃበ ዝናብየሉ ‘እሙን ዓርኩ’ ዘመስግን ቀንዲ ገጸ ባህሪ ሒዛ’ያ ተሃኒጻ ዘላ። እዛ ስራሕ ምስ ኣብ ግዜኣ ዝፈርዩ ደርፍታት ኣነጻጺርካ ብፍሉይ ከጠምታ ዝኽእል፡ ዘልዓለቶ ብዙሕ ዘይተበርበረ ዛዕባን መረጻ ኩናዕን’ዩ።
ኣርእስታ፡- ‘እሙን ዓርከይ’ ሰሓብን ግጥማውን ይመስል። ኣርእስቲ ውዱእ ወይ ገላጺ’ኳ ዝመስል እንተኾነ፣ “እቲ ገጸባህሪ እንታይ እዩ (ሰብ፡ ተኽሊ፡ ሓደ ግኡዝ ነገር?. . . ) ንኽትፈልጥ ይጽውዓካ። ቅልጥፍ ኢሉ ኣብ ኣዝማች ሰብ ምዃኑ ይበርሃልካ። ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ስለምንታይ እሙን ይብሎ ከም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ይምለሰልካ። ስለዚ ኣርእስቲ ኣብ ምምራጽ ዕዉት ኔሩ ክበሃል ይከኣል።
ፈለማ ዘለዋ መስመራት ናብ ምሉእ ትሕዝቶ ሕደማ ንኽትቅጽል የተባብዓኻዶ፡-
ኣብ ፈለማ ዘለዋ መስመራት ናይዛ ሕደማ
« ሰበይ ናተይ …
እሙን ዓርከይ – ትነብር ኣብ ዓዲ
ኣንታ ጽኑዕ ዋልታይ – ዘይንቕነቕ ዕርዲ »
እዚ መንእሰይ ንዓርኩ መጠን ክንደይ ከም ዝፈትዎ ንምግላጽ ክሳብ ናይ ዋንነት ኣገላልጻ ብምጥቃም ‘ሰበይ ናተይ’ ክብል እንከሎ ከሎ ገና እቲ ዕርክነት ድልዱል ምዃኑ ይሰኣለካ። ቀጺሉ ‘ውን እሙን ዓርኩ ኣበይ ከም ዝነብር ብምግላጽ፣ ከም ብሓንቲ እምኒ ንኽልተ ዑፍ ዝዓይነቱ፣ ድሮ ንሱን ዓርኩን ኣብ በበይኑ ቦታ ከም ዘለዉ ኣተንቢሁ ‘ምከና’ ናይቲ ዛንታ የትሕዘካ። ኣብዚ ሓደ ናጽነት ‘ውን ኣሎ። ‘‘ትነብር ኣብ ዓዲ’’ ብምባል ‘እሙን ዓርኪ’ ኣብ ዓዲ ምስ ስድራኡ ከም ዘሎ ደኣ ገሊጹ ኣሎ’ምበር፡ ንሱ ኣበይ ዓዲ ከም ዘሎ ውሱን ቦታ ኣይጠቐሰን። እዚ ድማ ካብ ዘድነቕክዎ ጎና’ዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ካብ ስድራኡ ተፈልዩ ዝነብር ሰማዒ ፥( ኣብ ስደት ፥ ኣብ ውትህድርና ፥ ኣብ ማሕዩር ፥ ኣብ ኮሌጅ. . .) ኮታ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ናቱ ብዘይ ምህላዉ ስድራኡ ዝኸበዶም ጸገም ብዓርኩ ዝሽፈነሉ ሰብ መምስ ድሕረ ባይታኡ ክወስዶ ዝኽእል ይመስለኒ።
ከምኡ ‘ውን ኣብዘን መስመራት ዘለዉ ቃላት « እሙን ፥ ጽኑዕ ፥ ዋልታይ ፥ ዕርዲ » ዝብሉ ቃላት ኩሎም ነቲ ክሃንጾ ዝደሊ ዘሎ ዓርኪ ዝበቅዑ ናይ ሕውነትን ዕርክነትን ኣገላልጻ ብምዃኖም፡ እዘን ኣብ መእተዊ ዘለዋ መስመራት፣ ትድርበ ዘይብለን፡ ነቲ ‘እሙን ዓርኪ’ ንምልላይ ዓቢ ተራ ዝጻወታ ኮይነን ርሒብ ዝብላ ብምዃነን ንምቕጻል ዘተባብዕ’የን።
ይቕጽል መንእሰይ፡~
« መሬት ወገግ ኢሉ ክሳብ’ቲ ዝመሲ
ይዕበ ይንኣስ ናብራ ከተሳሲ
ካብ ስድራይ ሰሚዐ ቤትና ከምተማሲ »
እዘን ነግሕታት፡ እሙን ዓርኪ ‘እሙን’ ከብሎ ዝኽእል ተግባር ከም ዘለዎ ይነግራና ኣለዋ። ክሳብ ኣብዚ፡ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ገጸ ባህሪ፡ ካብ ስድራኡ ተፈልዩ ከም ዘሎን ደሃይ ብወረ ጥራይ ከምዝሰምዖን፣ ዓርኩን ስድራኡን ኣብ ዓዲ ከምዘለዉ፣ ዓርኩ ድማ ምሉእ መዓልቲ ናብራ (ናብራ ክልቲኦም እንተኾይኑ) ንምስሳይ ኣብ ገዛኦም ከምዘማሲ (ብሞራልን ወጊሑ ክሳብ ዝመሲ ብምሕጋዝን ኣብ ጎድኖም ምህላዉ) ገሊጹ፣ ኣብ’ዚ ሓደ ዛንታ ተፈጢሩ ኣሎ።
* * *
ዝቕጽል ስለምንታይ እዮም እቶም ስድራ ሓገዝ ደልዮም ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፣ ምስሊ ናይ’ታ ገዛ ብድኽም ዝበለ ኣገላልጻ ይዝንቶ። ከምዚ እናበለ፡~
« በቲ እርጋን – በቲ ሕሱም ናብራ ተቐጺዖም ፥ በቲ ምፍልላይ – በቲ ብናፍቆት ሳጽዮም ተበሊዖም »
« በቲ ብሓሳባት ባዶ ኮይኑ መኪኑ ተስፋኦም ፥ በቲ ምስትምሳል – በቲ ተስፋ ስኢኖም ዝረድኦም »
ኣብዚ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ስድራ ዝገልጽ 2ይ ዛንታ’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። እዛ ማይቤት ምስ ዘለዋ ቴክኒካዊ ድኽመታት ነቲ (* ምስቲ ‘እሙን ዓርከይ’ ዝብል ዘሎን ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ’ዛ ሕደማን ትደናገጽዶ/ ይስመዐካዶ? *) ዝብል ሕቶ ብመጠኑ ትምልስ’ያ። ብኹነታት እዞም ብሕሱም ናብራን ናፍቖትን ዝግረፉ ዘለዉ ስድራን፣ ምስቲ ነዚ ‘ናተሰመዖ ክረድኦም ዘይክእል ወዶም ዝስምዖ ስምዒት፡ ተደናጋጺ ይገብራኻ። እዞም ስድራ፡ ብዙሓት ወሊዶም ዝሰኣኑ ክኾኑ ይኽእሉ። ወይ ሓደ ከም ሓሙስ ወዶም ተፈልይዎም ኣይንነብሱ ኣይንዕኦም ኮይኑ ይኸውን።(ብዝኾነ ጠንቂ)።
ኣብ ቴክኒካዊ መዳይ ፡
ልክዕ እዩ፡ ዋላ’ኳ እቲ ኣርእስቲ እቲ ዓርኪ እንተኾነ፣ ዝያዳ ስእሊ ንምፍጣር ግን፣ መጀመርታ ምስሊ ናይታ ስድራ’ዩ ክቕረጽ ዝግባእ። ኣብ’ዚ ግን ኩነታት እታ ስድራ ብቃላት ደኣ ተነጊሩ’ምበር፡ ብስእልስ ኣይቀረበን። ኣብ ንብረት ደራሲ ኣትየ እዚ ክኸውን ኣለዎ’ኳ ተዘይ በልኩ ሓፈሻ ብስእሊ ንምቕራቡ እንታይ ክከውን ኔርዎ ክንብል እንተ ዄንና ግን፡
ንኣብነት፡~
1) ተቐጺዖም በቲ ምፍልላይ = ኣብ ክንዲ ተቐጺዖም ምባል፡ እቲ መቕጻዕቲ እንተዝግለጽ ስእላዊ ምኾነ።
ኣብነት፡ « ንቤት ጸሎት’ኳ ዝመርሖም ስኢኖም »
2) ብናፍቖት ሳጽዮም = « ኣብ ኣፍደገ ክትጽበ ከላ ኣደይ ፥ ህሩግ ትብላ ኴንካ ክንዲ ክንዳይ »
3)መኺኑ ተስፋኦም = « መሶብና ንጎረቤት ዓንጋሊ ፥ ኮይኑ ምስ ርኣኻ ናይ ትዃን መሐከሊ »
ከምዚታት፡ ነቲ ዘለውዎ ሃዋህው ገሊጹ ድንጋጸ ዝፈጥር ምስሊ የድሊ። “ሳጽዮም፣ ተስፋ ስኢኖም፣ ተቐጺዖም. . .’’ ዝብሉ መግለጺታት ስእላውያን ኣይኮኑን። እቲ ኩነታት’ሞ ይግለጽ፡ ሰማዒ ባዕሉ’ዩ ሳጽዮም ከም ዘለዉ ዝስእሎ።
ካብዛ ማይቤት ከይወጻኹ፡ « በቲ ምስትምሳል – በቲ ተስፋ ስኢኖም ዝረድኦም » ትብል ነግሒ እታ ‘ስኢኖም’ ትብል ቃል ነታ ‘ተስፋ’ ትብል ድያ ወይስ ነታ ‘ዝረድኦም’፣ ንመን ድጋፍ ኮይና ኣላ ንጽርቲ ኣይኮነትን። ‘ተስፋ ስኢኖም’ ድዩ ክንበብ ወይስ ‘ስኢኖም ዝረድኦም’ ? ኣብዚ ሃጓፍ ይፍጠር። ብዘይ ንሱ ‘ውን ‘ተስፋ ስኢኖም’ ንምባል ተኾይኑ ኣድላይነት ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊኣ ዘላ ነግሒ « በቲ ብሓሳባት ባዶ ኮይኑ መኺኑ ተስፈኦም » ክብል ተገሊጹ ስለ ዘሎ ምድግጋም ጥራይ’ዩ።
ቀጺለን ዘለዋ፡~
« ምስ ረኣኻ ቀዲሙካ ተግባር
ኣትሪርካ ሒዝካዮ ኣብ ሕልና ምንባር።
እሙን ዓርከይ ፥ እሙን ዓርከይ! »
ዝብላ ‘ውን ብዕላማ ዝኣተዋ፡ ንተኣማንነቱን፣ ንመልእኽቲ ናይታ ሕደማ ዘርብሓን፣ እየን። ዓርኩ ብሕልና ዝነብር ሰብ ብምዃኑ ተግባር ቀዲምዎ ‘ግበር’ ከይተባህለ ብባዕሉ ዝገብሮ ሓገዝ ምዃኑ የነጽራ። ካልእ « ኣትሪርካ ሒዝካዮ ኣብ ሕልና ምንባር » ክብል ከሎ ካብ ነዊሕ ከም ዝፋለጡን ፥ ክሳዕ ሕጂ ብሕልና ዝነብር ዓርኪ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን ይገልጻ። ስለዚ ምናልባት ካብ ግዜ ቁልዕነት ወይ ብዙሕ ዓመታት ዝተተዓራረኹ ክኾኑ ትጽበዮ።
ኣብዝን ኣብ መላእ ትሕዝቶ’ዛ ሕደማን ድማ ነቲ ‘(*እዛ ሕደማ መልእኽቲ ኣለዋ ዶ? እንተ’ለዋ መልእኽታ ሕቡእ ድዩ ግሉጽ? *)ዝብል ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ክሳብ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ጥራይ ‘ሰብ ብሕልና ክነብር ከም ዘለዎ’ ግሉጽ ዝኾነ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ በቂዓ ኣላ።
* * *
ስዒባ ዘላ 3ይቲ ማይቤት፡ ምድጋም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብት ትመስል። የመስግን ክሳብ ዝሃለወ ግዳ ናይ ልቡ ክብልን፣ ኣሞጊሱ ምጽጋብ ክስእንን፣ ስለ ትጽበዮ ብሕማቕ ትጸልዋ ኣይኮነትን ነዛ ሕደማ።
« እሙን ዓርከይ ተፈቃሪ
ጸገም ቤትና ከም ዓንዲ ጸዋሪ
ብልቢ ነቢበካ ኣብ ርሱን ስክፍታ
መዝሓሊ ኴንካና ዘሪእካልና ሩፍታ። » ብዘለዋ ስጡም ረምታ፡ ሃዋ ሃዋ ትመልስ ማይቤት’ያ። ካልእ ጽባቔኣ ከኣ « መዝሓሊ ኴንካና ዘሪእካልና ሩፍታ » ክብል ንሱ ማለት ስድራኡ ፡ ስድራኡ ማለት ንሱ ምዃኑ ፥ ንዕኦም ዝፈጠረሎም ሩፍታ ንዕኡ ‘ውን ሩፍታ ምዃኑ ይነግር። በዚ ድማ ተግባራት ‘እሙን ዓርኪ’ መጠን ክንደይ ዓቢ ነገር ከም ዝኾነ ይርደኣካ። ይበል ሞራል !!!
* * *
ቀጺሉ ዝጸንሓና ዋሕዚ፡ ከምቲ ብሰላም ኣቲና ጽቡቕ ተዓንጊልና ዝጸናሕና፣ ጽቡቕ ዝኾነ መውጸኢ ክህልወና ኣለዎ። ማለት ድሕሪ’ዚ ኹሉ ንዓርኩ እንታይ ኢሉ ገሊጹ ክድምድም ኣለዎ ? ዝብል’ዩ።
ይብል ድማ፡~
« ድሙቕ ብርሃን ኢኻ ኣብቲ ድቕድቕ ጸላም
ንፋስ ዘይጸለዎ ንፋስ ምጥልላም
ንፋስ ዘይጸለዎ ንፋስ ምጥልላም።
ዝሃበ ‘ተሃበ ዘይጽንቅቕ ዓቕሉ
እሙን ኢኻ ዓርከይ ዓለም ምስክሩ
እሙን ኢኻ ዓርከይ ዓለም ምስክሩ። »
ንዓርኩ ብተምሳሌት ‘ከም ዓንዲ’ ኢሉ ጸዋር ኢልዎ ኔሩ፣ ንምምጓሱ ክውስኽ ከኣ ‘ድሙቕ ብርሃን ፥ ለጋስ፣ ገምጅይዎ ኣሎ። ኣዝዩ ደስ ዘብል መግለጺ’ዩ። ነቶም ኣብ ጸላም ዘለዉ ስድራ ብርሃኖም’ዩ። ስለዚ ዓንዲ ቤቶምን ብርሃኖምን ንዝኾነ ዓርኪ ዝኸውን ዛንታ ኣድናቖት ክህሉ ይርደአካ’ሞ፡ ክሳዕ ኣብዚ ስጡም ዝኾነ ዋሕዚ ምህላዉ ትኣምን።
~ኣብዛ ማይቤት ዘለዉ ገለ ነግሕታት ኣብ ቴክኒካዊ ምስ ንጥምቶም፡ ~
ሓንሳብ “ኣትሪርካ ሒዝካዮ ኣብ ሕልና ምንባር” ምስ በሎ’ውን፣ “ንፋስ ምጥልላም ዘይጸለዎ” ኣብ ክንዲ ምባል – ድግማ ከይመስል – ካልእ መግለጺ እምነት ምሓሸ።
~ ‘‘ዓለም ምስክሩ” ካብ ምባል ‘ውን፣ እታ ብሳላኡ ዝማሞቐት ገዛ እያ ምስክሩ ክትከውን ዝነበራ። ነዚ ንምግባር ‘ውን ከምቲ ኣቐዲመ ኩነታት ናይታ ስድራ ንምስኣል ከምዚ ክኸውን ኔርዎ ኢለ ዝሃብክዎ ኣብነት ኣብዚ ‘ውን ከም ኣብነት፡
“ብኣኻ ዝረስረሰ ልቢ’ደይ ምስክሩ’’
‘‘ሳላ እምነትካ ዝተሰንደወት ምርኩስ ኣቦይ ምስክሩ’’
ገለ ዝዓይነቱ ገጣሚ፡ እታ ብሳላኡ ዝማሞቖት ስድራ ትምስክረሉ መግለጺ መድለዮ።
* * *
መዕጸዊ ናይዛ ሕደማ፡
« እንታይ ክኾነካ(2) ፥ ዓርከይ እንታይ ክኾነካ
እንታይ ክኾነካ (2) ናይ ምስጋናይ ቋንቋ
ሃብታም ኢኻ ዓርከይ ብኣጋ ምረቓ! »
ኣብዛ ‘‘ሃብታም ኢኻ ዓርከይ(ብኣጋ) ምረቓ’’ ትብል፡ እዛ ‘ብኣጋ’ ትብል ቃል ን ‘ረምታ’ ዝኣተወት’ምበር ምህላዋ ዝህቦ ትርጉም የብሉን። ካልእ ግን፡ ናይ መደምደምታ ሓሳብ ድሓን’ዩ። ምኽንያቱ ንሰናይ ተግባራት ‘እሙን ዓርኩ’ ቋንቋ ምስጋናኡ ከም ዘይበቅዖ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ብዘይ ምስጋናኡ ‘ውን ካብታ ጠዋሪ እናድለያ ጠዋሪ ዝኾነ ስድራ ዝበጽሖ ምረቓ ሃብታም ምዃኑ ይገልጸሉ’ሎ። ‘እንታይ ክኾነካ ናይ ምስጋናይ ቋንቋ’ ክብሎ ከሎ መቸም ኣየድልየካን’ዩ ክብሎ ደልዩ ዘይኮነስ፡ ቃናኡ ‘ምስጋናይ ዝበቅዓካ ኣይኮነን’። ንምባል’ዩ ዘስምዕ።
፨ . ፨ . ፨
ዝተረፍ ንምጥቃሲ ዝኣክል ከኣ፡-
– ትልሚ ኣሎዋዶ፡~ ትልሚ ክትብሎ እንተዄንካ ግድን ዋሕዙን ገጸባህርያቱን ምከናኡን ኣጠቓሊልካ እዩ። ነቲ ‘ብሕልና ምንባር’ ክብሎ ዝኽእል መልእኽታ ብ ሕልናዊ ተግባራት ናይቲ፡ ምፍልላይ ዘስዓቦ ሕሱም ኩነታት ስድራን ዉሉድን(ዓርኩን) ንምርዳእ ዝጻወቶ ተራ፣ ዝተሃንጸ ‘እሙን ዓርኪ’ በዚ ጽቡቕ ትልሚ ተመሓላሊፉ’ሎ። ብሓፈሻኡ ንጹር ትልምን መልእኽትን፡ ኪኖኡ እንቋዕ ኣይነጸረ እትብሎ ንጹር ምከና፡ ስጡም ዋሕዚ፡ ኣገዳስን ፍሉይን ኩርናዕ፣ ኣለዋ።
– lyrical hook፡~ ደጋጊመ ከም ዝተሰመዓኒ ‘‘እሙን ዓርከይ’’ ትብል ተተደጋጊማ ንእዝንኻ እትሰልብ’ያ።
~ ትርጉም’ከ ኣለዋ ድዩ ማለት ኣብ ሰማዕቲ ተሕድሮ ጦብላሕታን ስምዒትን ኣሎ ዶ? እዋኑ ውሉድን ወላድን ዘይተኣማመኑ’ሉ እዋን፡ ንተኣማኒ ዓርኪ ከተርእይን ብኡ ኣቢላ ተሕልፎ መልእኽትን ዓቢ ትርጉም ኣለዋ። ይኹን ግን ነዚ ምዑዝ ዛንታን ቁምነገርን ኣልዒላ ክንሳ፣
ንኣብነት ከም ኣብ ቀዳመይቲ ደርፊ ሳንድሮ (ስደት) ዘሎ ተዘካሪ ኣበሃህላ « ወደይ ጥዒምዎ መታን ክትብሊ ፥ ሕጉስ’የ ዝመስል ኣብ ዝልእኮ ስእሊ » ካልእ ‘ውን ፡ ‘ሓደራ’ ኣብ ትብል ደርፊ ኣብረሃም « ናይ ተፈጥሮ ጸጋዩ’ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ ፥ እምበር መን’ሞ’ሎ ዘርኡ ዝመረጸ » ውሽጥካ ዝስርስሩ ፈጺሞም ካብ ኣእምሮኻ ዘይሃስሱ ሓረጋት፣ ኣዝዮም ተዘከርትን ጦብላሕታ ዝገድፉ ሓደስቲ ፈጠራውያን ኣገላልጻታት(ሓረጋት)፣ ነቲ ዘልዓለቶ ዛዕባ ሓያል ድጋፍ ዝህቡ፣ ብውሕዱ ሓደ ወይ ክልተ ዘይምህላዋ ናይ ዓቢ፡ ዓቢ ድኽመታ’ዩ።
-ቴክኒካዊ መዳይ፡~ ልዕል ኢሉ ከም ዝተረኣየ ገለ ቴክኒካዊ ድኽመታት ኣሎ። ኣንጻር ናይዚ ብልጫታት ‘ውን ኣሎ’ዩ። « ጸገም ቤትና (ከም ዓንዲ) ጸዋሪ » ክብሎ ከሎ ‘ተምሳሌት’ ተጠቒሙ’ሎ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ነግሕታት ድግምተ ኣፍ ተኻቲቱ ኣሎ። ብሓይሊ ዘይተሰነዐ ባህርያዊ ናዕታ ‘ውን ኣለዋ። ፍሉይ ጠመተ ኩርናዕ ‘ውን ዝዓበየ’ዩ።
ቴማ፡- እሙን ዕርክነት
መልእኽቲ፡- ብሕልና ምንባር
ረምታ፡- ኣብ 2ይ ማይቤት
« በቲ እርጋን / በቲ ሕሱም ናብራ / ተቐጺዖም
በቲ ምፍልላይ / በቲ ብናፍቆት/ ሳጽዮም ተበሊዖም »
በቲ ብሓሳባት/ ባዶ ኮይኑ / መኪኑ ተስፋኦም
በቲ ምስትምሳል / በቲ ተስፋ/ ስኢኖም ዝረድኦም »
ቁሩብ ዝላሕለሐ( “ስኢኖም’’ ምስ ‘ተስፋ’ እንተኾይኑ እዩ ክፈርስ’ምበር፡ ንገሊኦም ጽቅጥ እናበልካ ልሕልሕ ዝበለ ረምታ ኣለዋ። ኣብ ዜማ ከይፈረሰ እንተኣትዩሉ’ኳ ረምታ ኣይስእንን እዩ። ግን ልሕሉሕ እዩ። ኣብ ካልእ ግን ኣዝዩ ስጡምን ምስቲ ትሕዝቶ ውህደት ዘለዎ ረምታን’ዩ ዘለዋ።
-ዲክሽን፡~ መረጻ ቓላት፡ ሓደ ~ ክልተ ቃላት ገዲፍካ ዳርጋ ኩሎም ናይ ናፍቖት ፥ ምፍልላይ ፥ ምድንጋጽ ፥ ምስጋናን ፥ እምነትን . . . ቃና ዘለዎም፡ ሙድ ፈጢሮም ዘጥሕሉ ሕሩያት ቃላት’ያ ተዓዲላ።
– ኣድማሳውነት፡~ ብዙሕ ናጽነት ዘለዋ ምፍልላይ ንዘምጸኦ ሕማቕ ሳዕቤን፡ ‘ውሱን ጠንቅን ምኽንያትን ጠቒሳ ከይቀየደት’ ንዝኾነ ሰማዒ ክትስምዖ እትኽል’ያ። ምኽንያቱ፡ ምፍልላይ ፥ ስደት ፥ ካብ ፍጥረተ-ዓለም ክሳብ ምጾታት ኣለዉ። ክንዮ ናትና ሕብረትሰብን ጸገምን፡ ን ‘ሶርያዊ ፥ ኢራቓዊ ፥ ኩርዳዊ ፥ ሶማላዊ ፥ ኢትዮጵያዊ ፥ ሰሜን ኮርያዊ ፥ ኣፍጋናዊ . . .’ በብቛንቋኦም ተርጒምካ እንተተስምዖም ንኸምዚ ዓይነት ድሕረባይታ ዘለዎም ብማዕረ ተሰማዕነት ኣለዋ። ‘ዓርከይ ትነብር ኣብ ዓዲ’ ኢሉ እንቋዕ ስም ዓዲን ንሓደ ዓዲ ዝምልከት ሽግርን ሃልይዋ ኣይተሃንጸት። ኣድማሳዊት !
መዛዘሚ፡ ስነ-ጥበባዊ ንዘሎ ጥራይ ዘርእየካ ‘መስትያት’ ኣይኮነን። ክንዮኡ ዝሓለፈ’ዩ። ብዛዕባ ዘይነበረ የዘንቱ። ብዛዕባ ዘየለ ግን ከኣ ክኸውን ዘለዎ ይእምተልካ። ደራኺ’ዩ። ከምዚ ዓይነት ዕርክነትን ብሕልና ምንባርን ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት ክህልዉ ዘለዎ’ዩ ይብለና’ሎ ስነ-ጥበባዊ። ሞራላዊት ሕደማ ድማ የሰይማ !
ብዛዕባ’ዛ ሕደማ ዘለኒ ነዚ ይመስል። ብዛዕባ ደራፊን ብእኡ ብምድራፋ ዘይቅብልቲ ዝገብራ ምኽንያትን ግን ብዙሕ ክብል ኣይደልን። ምኽንያቱ (ኣብ ኣድማሳውነታ ተጠቒሱ’ሎ) ንሓደ ሕብረተሰብ ትኹን ኢለ ክቕይዳ ስለ ዘይደሊ። እንተ ዝኸውን ‘ውን፡ እናደገፍካዮ ንከተታልል ምድራፍካ ዝብሃለሉ ዘሎ መንግስቲ ‘ውን፡ ብዘይ’ዚ መግስቲ’ከ ምፍልላይን ሳዕቤኑን፡ ኣይነበርን የለን ድዩ ? በሃሊ’የ።(ውልቃዊ ርእይቶይ)።
ኣገናዕ ገጣሚ! ፥ ደራፊ! ፥ ኩሎም ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣብዛ ስራሕ።
9/3/2016