እተን ዕጣን ደኪረን
ምስ ትኪ ዘዕልላ
ትርጉም ትኪ
ትኽ ትኹል ንሰማይ
በለል ምስ ምባሉ
ዝልእካ ገያሻይ፣
እንተገደፍኦ ዕላል ምስ ጀበና
እንተተሳገላ እንተኾነተን ጨና
ሞባይል መጺኣተን
ካብ ጭው ጭው ክድሕና።
እንተኾነ ንሰን
ሰቲ ነስኒሰን
ፈናጅል እናሰርዓ
ዕጣን እናህገጋ
ምስ ወዮ ሓምሓም
ርክብ ነይሓደጋ።
ደሓር እንተሓተትካስ
ካብ መልሰን ዝንገር
ሞባይል ናብ ሰብ’ዩ
ጀበና ናብ እግዚሄር
መልእኽተን ብትኪ
ሐሒዙ ዝዕዘር።
.
መም/ ተኽለ ተኸስተ