ክብሮም ታደሰ ስብሃቱ
ነዚ ጽሓሑፍ እዚ ከዳሉ ዝደረኽኒ ምኽንያት በቲ ንባህልን ስነጥበብን ሃገርና ብፍላይ ድማ ንኣፈ-ታሪኽ፡ ግጥሚ፡ ማሰን መልቀስን ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ህዝቢ ኤርትራ ንምስናድ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካይድ ዘሎ መምህር መኮነን ተስፋይ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ”ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ” እትብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ኣገዳሲት ግን ተኣፋፊት ትርጓሜ ዘለዋ ብሂል (ብሂል ክብላ እመርጽ ካብ ምስላ ምባላ) ኤርትራዊያን ኣብ መርበብ ፋስቡክ ምዝዘርጋሓ`ዩ። ኣብቲ ጽሑፍ፡ እዛ ብሂል ካባቢ 30 ዓመት (ኣብ ከባቢ 1985 ተዘሪባ ማለት`ዩ) ዕድመ ዘለዋን፡ ንገለ ሕብረተሰብ ንምቁንጻብ ዝተባህለንት ምዃናን ዘአንፍት ሓበሬታ ተጠቒሱ ንረኽቦ። እንተኾነ ግን ብመሰረት ኣብ 2005 ኣብ ዝገበርኩዎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ብዛዕባ እዛ ምስላ ቁሩብ ዘይናታ ትርጓሜ ዝተዋህባ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ማለት ግን እዚ ኣነ ዘቕርቦ ዘለኹ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓቂ`ዩ ማለተይ ዘይኮነስ፡ ንዝያዳ እሂን ምሂን ንምብህሃልን ነቲ ጽሑፍ ንምህብታሙን`ዩ። ስለዚ ኣብ ርእሲ መምህር መኮነን ስለቲ ተበግስኡ ክብርን ምስጋናን እምበር ቅሬታ የብለይን።
ብሰንኪ`ቲ ክረምቲ መጸ ከተማታት ኤርትራ ብመሸጣ በለስ ዘዕለቕልቓ`ዩ መስለኒ፡ ታሪኽን ንግዲን በለስ ከጽንዕ ምስተሃንጠኹ`የ ነይረ። ኣብ 2005 ኣብ ምዝዛም ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መጽናኦተይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝግበር ናይ ምድላዉ ዓንቀጽ (ሪሰርች ፕሮጀክት) እተን ቀዳሞት ከጽንዐን ዝደለኽወን ኣርእስታት ንግዲ በለስን ስዋን`የን ነይረን። ኣቐዲምካ ግን መሸጣ በለስን ስዋን ከም ዓውደ መጽናዕቲ ክቐርብ ይኽእል`ዶ ኣይክእልን ንምፍላጥ ኣፈናዊ መጽናዕቲ (ፓይሎት ሳርቨይ) ከካይድ ነይሩኒ። ኣካይደ ከኣ። ነገረ ስዋ ቅሩብ ክብድ ዝበለት፡ በለስ ግን ንምርምር ጽብቕቲ ኮይነን ረኺበየን። እንተኾነ ግን ሓንቲ ካብ ብጸይትናን (ጓል ክፍለይ) ምስ ሓደ ካብ መመህራንናን ኮይና ድሮ ብዛዕባ `መጽናዕቲ ንግዲ በለስ ኣብ ኣስመራ` ብዝተሰየመ ኣርእስቲ ስለዝቐደመትኒ፡ ኣነ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክቕይር ተገዲደ። እቲ ዝረኸብክዎ ኣፈናይ ድሕረባይታ ብሂል በለስ ምስ`ዛ መም ሞኮነ ተስፋይ ዘገለጻን ምስቲ ኣብ ኣእሙረይ ስኢለዮ ዝነበርኩን ሕቆን ከብዲን ኮይኑ`የ ረኺበዮ።
ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ንሓላፊ መንገዲ ሸዊት ንኽጥዕም ወይ ስዋ እንተሉይካ ንኽሰቲ ምዕዳም ኣዝዩ ዝዉቱርን ብሉጽን ባህሊ`ዩ ነይሩ። ገለ ኣሰሮም`ዉን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ክሳብ ሕጂ ይዝዉተሩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት`ዩ መስለኒ፡ በለስን (ከም ኩሉ ወቕታዊ ሸዊት) ስዋን ምሻጥ ኣዝዩ ጽዩፍ ዝገብሮ ዝነበረ። ኣንተኾነ ግን ምስ ምምጻእ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ቁሸታት ኤርትራ ናብ ከተማታታ ክቕየራ ጀሚረን። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ካብ ገጠራን ናብ ክተማታት ዉሒዙ። ብፍላይ በቲ መንግስቲ ጥልያን ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ትሕተ ቕርጺ ወፍርታት፡ ካብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራን ትግራይን ከይተረፈ ናብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ናብ ኣስመራ ተሰዲዶም። ምጅማር መሸጣ ስዋን በለስን ከምኡ`ዉን ምንዝርና (ከም ምንጪ ገንዘብ ማለት) እምበኣር ምስዚ ከምዝተኣሳሰር ይንገር። ንምንጻሩ ግን ዝያዳን ዝተወደበን መጽናዕቲ ዝሓትት`ዩ።
መሸጣ ስዋን ምንዝርናን (ብገንዘብ) ኣብ ግዜ ጥልያን ማለት ነቶም ካብ ሓዳሮም ርሒቖም ኣብ ከተማታትን ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ተደኲነን ኣብ ዝነበራ ናይ ህንጻ መዓስከራት ዝነብሩ ዝነበሩ መናእሰይን ሰብኡትን ከምኡ`ዉን ንወተሃደራትን ንምእንጋድ ከምዝተጀመረ ይዝንቶ። ናይ ሎሚ ዛዕባይ ግን ብዛዕባ እታ መምህር መኮነን ዘንቀላ ኣርእስቲ ስለዝኾነት፡ እንሻላህ፡ ብዛዕባ ስዋን ምንዝርናን ካልእ መዓልቲ ይጽሕፎ እኸዉን፡ ወይ`ዉን ካልኦት ዝህጅሩ እንተተረኽቡ ኣይፍለጥን። በሉ ናብ በለስና ንመለስ።
በለስ ብዝያዳ ኣብ ከባቢ ሰገንይቲ፡ ኣብ ምብራቓውን ደቡባቢ-ምዕራብን (ካብ ሽከቲ ንምዕራብ) ንከተማ ኣስመራ ከቢቦማ ኣብ ዘለዉ ኣጻድፍ፡ ኣብ ምዕራባዊ ጽልማን (ከባቢ እምባ ዓራቶ) ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዞባ ደቡብ ብመጠኑ ኣብ ንሕሪሻ ዘይምቹእ ጎቦታትን ከም ናይ በረኻ ፍረ ወይ`ዉን ኣብ ገደናታትን እንደሓሰራትን ከም ሓጹር ኮይኑ ተተኺሉ ንረኽቦ። ፍረበለስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንእብነት ካብ ሽከቲ ንምዕራብ ዝርከባ ዓድታት (ከም በዓል ዓዲ ሓዮ ዝተባህላ ዓድታት) ፍረ በለስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ጹማቕ`ዉን የዳልዉዎ እዮም። ኣብ ግዜ ደርቂ ድማ በለስ ከም መግቢ እንስሳ ኮይኑ ንሓረስቶት ሃገርና ንነዊሕ ዓመታት እሙን ጉዝጓዝ ከምዝኾኖም ይንገር።
መሸጣ በለስ (ኣብ ኣስመራ) ካብ መሸጣ ስዋን ምንዝርናን ድሒሩ ኣብ ግዜ እንግሊዝን ሃይለስላሴን ከም ዝተጀመረ ይንገር። ብልክዕ ግን እዚ ዓመተ ምህረት`ዚ ተጀሚሩ ኢልካ ክፍለጥ ኣሸጋሪ`ዩ። ምስ ምስዓር ጥልያን ምምጻእ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝግበር ዝነበረ ወፍርታት ደዉ ብምባሉ፡ ብዙሓት ሰባት ግዳይ ሽቕለት ኣልቦትነት ኮይኖም`ዮም። መብዛሕተኦም ናብ ሕርሾም ክምለሱ እንከለዉ፡ ዉሑዳት ድማ ኣብ ሰራዊት ክኽተቡ ተገዲዶም (መሪጾም)። ብዙሓት ካብ ርሑቕ ከባቢታት ኤርትራን ትግራይን ዝመጹ ግን ኣብ`ቲ ዝዉቱር ዘይኮነ ሞያታት ንኣብነት፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምርፋዕ፡ ዉሑዳት ከኣ ኣብ በለስ ምሻጥ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ እንዳስዋ፡ ባራት፡ ምንዝርና ብምዉፋር ሂወቶም ክመርሑ ጀሚሮም።
መሸጣ በለስ መጀመርያ ብገንዘብ ዘይኮነስ ብእኽሊ ከምዝተጀመረ`ዩ ዝንገር። ካብ ከተማታት ዝመጹ ነጋዶን ካብተን በለስ ዘይበቑለለን ዓድታትን (ንባህጊ ሸዊት ንምርዋይ)ዝመጹ ሰባት ብእኽሊ (ብፍላይ ከኣ ስገም) ከላዉጥዎ ጀሚሮም። እቶም ነጋዶ ኣብ ከተማታት ወይ ኣብ ወሰናስን ዓበይቲ ጽርግያታ ከይዶም ብገንዘብ ይሸጡዎ ነይሮም። ብዝያዳ ግን ንግዲ በለስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ`ዩ ተበራቲዑ። ንሰደድ ዝቐነዐ ዘመናዊ ሕሪሻ ንምግባሩ`ዉን መደባት ተሓንጺጹስ ተጀማሚሩ`ዉን እኳ እንተነበር ክሳብ ሕጂ ዝነኣድ ስራሕ ኣይተሰርሐን ዘሎ።
እታ ብሂል፡ “ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎስ በዓል በለስ” ፡ ብኸመይ መጽያ? መን`ከ ኢልዋ? ዝብል ሕቶታት ብልክዕ ክፍለጥ ዝከኣል ኣይመስለንን። ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ፡ ኣብ 2005 ኣብ ዝገበርኩዎ ኣፈናዊ መጽናዕቲ (ዓበይቲ ሰባትን ምሁራንን ብምሕታት ማለት`ዩ)፡ መጀመራያ ብሓደ ተረካብ ዘረባ ድርብይ ዘብል ነጋዳይ ከምዝተባህለት`ያ ትንገር። ኣብቲ ግዜ እቲ ነጋዶ ኣብ እንዳስዋ`ዮም ዉዕላት ዘካይዱ ነይሮም። ንብረት ብነብረት ኣላዊጥካ ምግዛእ ዝዉቱር`ዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝግበር ምስግጋር ዋንነት ንብረት ግን ርጡባትን ፍሉጣትን መሰኻክር የድልዩ ነይሮም`ዮም። ሓደ ግዜ ግን፡ ሓደ ነጋዳይ ንሓደ ሸያጢ በለስ ከም ምስክር ማለት ነቲ ምልዉዋጥ ንብረት ኣብ ቅድሚኡ ከምዝተገብረ ምስክር ክኸዉን ይዕድሞ`ሞ፡ እቲ ተረካብ ዘረባ ዘይፍለዮ ነጋዳይ `ኣንታ ሰብ ጸውዕ እንተበልኩዎ`ስ በዓል በለስ` ሒዚለይ መጺኡ ክብል ንቕንዕና ዘይብሉ ንግዲ ባህ ከምዘይበሎ ንምግላጽ ብሕርቃን ዝተዛረባ ሕጥቦ`ያ። እዚ ዝበለሉ ምኽናያት እቶም ናይ’ቲ ግዚ`ቲ ሸየጥቲ በለስ ካበይ ከምዝመጹ ዘይፍለጡ፡ ሎሚ ኣብ ሓደ እንዳ ስዋ ሓዲሮም ንጽባሒቱ ዘይምለሱ፡ ሎሚ ርኢኻዮም ንጽባሕኪቱ ናበይ ከምዝኸዱ ኣሰሮም ስለዘይርከብ`ዩ እቲ ነጋዳይ ዘይርጡብ ምስክር ሒዝካ ምምጻእስ ኣይናይቅንዕናን ንምባል ዝበላ`ያ እምበር፡ ብፍሉይ ንትግራዋይ (ወይ ካብ ህዝቢ ዓጋመ ዝመጸ ሰብ) ንምቁንጻብ ወይ ምስትንዓቕ ዝተባህለት ከምዘይኮነት`የ ዝረኸብኩዋ። ስለዚ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ” ዘይኮነስ፡ `ለባማት ዝበሉዎ ዓያሹ ዘይናቱ ትርጉም` ዝሃብዎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ስለዚ፡ ዕድመ እዛ ብሂልን ትርጉማን ምስቲ መምህር መኮነን ተስፋይ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ቁሩብ ተጋራጫዊ ኮንይኑ ንረኽቦ።
ኣብ መዛዘሚ፡ መምህር መኮነን ምንጪ ጽሑፍካ (ግዚያዊን ግጉይን ፕለቲካዊ ንፋስ ዘይዓፈኖ) እንተተካፍለና ብዙሕ ምስተመሃርና። ብዝተኻእለ መጠን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ፡ ንኣብነት ከምቲ ዓበይቲን ፈላጣትን ብምዉካስ መዳርግቲ ዘይርከቦ ስራሕ ኣብ መጽሓፍ `እዝኒ መሰታ ቀዳሞት’ ዝሰራሕካዮ፡ ኣብ ምትርጓም ምስላታትናን ብሂላትናን`ዉን ብተመሳሳሊ ኣገባብ እንተትጥቀም ምሓሸ ምበልኩ።
የቐንየለይ