ዝግታ ህቦብላ ቅድምን ድሕርን ማይ
ጸልማት ተቐዲዱ ኣብ ምኽፋቱ ሰማይ
ክጥዕመኪ ዶ ‘ሉ ክንደየናይ
ውረድሉ ንዕፉን ርሓቂ ካብ ስርናይ
ናብ ኣቦጉድርኪ ከብጸሐኪ ንዕናይ።
ምስቲ እኽሊ ፡ እኽሊ ረዳእ
እንትርፎ ክጠቅም ዘይ ጓዳእ
ካብ ተቐበጸኪ ምርድዳእ ፡
ኣእዳው ሰብ ከይ ዓለቦ እንግድዓኺ
ሰተት ኢልካ ምዝላቕ ይኹን ምርጫኺ።
‘ንዘየለ ጠባይኪ ‘ንተኾይኑ ምብቃቕ
ግርህ ኢልካ ንዘይ ምልቃቕ
ጎነጽ’ውን ኣሎ ዓትዒትካ ምቡርቋቕ
Nyatey Qedawi 2015