ብርሃነ ገብረሂወት
ኣብ ጽላል ናይቲ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝቃለስ ፔን ኢንተርናሽናል’ዩ ዝነጥፍ። ዕላማታቱ ውን ካብ ናቱ ዝተፈልዩ ኣይኰኑን። ንኽምስረት፡ ቅዋምን መደብ ስራሕን ከዳሉ፡ ብውሕዱ ናይ 20 ዜጋታት ክታም ክውህለል ኔሩዎ። ተዋህሊሉ ድማ። ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ምሉእ ዝተደኽመሉ ምንዳፍ ቅዋም፡ ምርቃቕ መደብ ስራሕን ክታም ናይዞም 20 ዜጋታትን ሒዙ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ፔን ኢንተርናሽናል ኣብ ቢሽከክ ኪርጊስታን፡ ካብ 29 መስከረም ክሳዕ 2 ጥቅምቲ 2014 ከም ሓዲሽ ኣባል ቀሪቡ። ኣባልነቱ ውን ብወግዒ ጸዲቑ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ ዘይምእሙእ ኩነታት፡ ፔን ኤርትራ ኣብ ስደት ብዘለዉ ዜጋታት ጥራይ’ዩ ቈይሙ ዘሎ። ቤት ጽሕፈቱ ከኣ ብተመሳሳሊ ካብ ሃገር ወጻኢ’ዩ። ከም ተበግሶ ወሲዶም ናብዚ ደረጃ ዘብጽሕዎ፡ መብራህቱ ተኽለጽዮንን ደሳለ በረኸትን፡ ስለቲ ዝወሰድዎ ተበግሶን ዘካየድዎ ጻዕርን ከም ጉንዖ ምስጋና ይግበኦም።
ኣሕጺረ ገሊጸዮ ዘለኹ ንመላለዪ ፔን ኤርትራ ይኣክል’ዩ ዝበልኩዎ’ዩ። ናብ ስርሑን ኣሰራርሓኡን ከተኩር። ንኸተብልሕ ኣብ ካልኦት እትበልሕ ብርዒ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ውን ክትሰንፍ የብላን። ከምቲ ንቁስሉ እናለሓሰ ዝሕክም ከልቢ ክትከውን ኣለዋ። ንገዛእ ርእሳ ከይበለሐትን ከይሓየለትን ኣብ ካልእ ከተርእዮ እትደሊ ናይ ምስሓል መስርሕ ውጽኢታዊ ክኸውን’ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ኣብ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዘለዉ ጉድለታት ክትእርምን ከተመሓይሽን፡ ብመጀመርታ ንገዛእ ርእሳ ክትመሓየሽ የድልያ። ጹማቕ ትሕዝቶ ናይዚ ከቕርቦ ዝደለኹ ርእይቶ ድማ ኣብዚ’ዩ ዝሕቈፍ።
ፔን ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ዘስፈሮም ዕላማታት፡
- ምምዕባል ባህሊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ማዕረ ዕድል ንሓበሬታን
- ምርግጋጽ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰላም፡ ምንጋስ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ ምውጋድ ዓሌታዊ፡ ሃይማኖታዊን ዞባውን ጽልእን ግርጭታትን።
- ብመትከል፡ “ሓድነት ኣብ ብዙሕነት” ምምእዛንን ምሕያልን ኤርትራዊ ስነ-ጽሑፍ።
- ሓባራዊ ርድኢት ምምዕባልን ምትሕግጋዝን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን
- ምዕቃብ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት፡ ታሪኽ፡ ባህልን ቋንቋን ውሑዳንን ካልኦት ውርሻታትን ወዲ ሰብ ኣብ ግዜ ኲናትን ሰላምን ዝብሉ እዮም።
ነዞም ተዘርዚሮም ዘለዉ ዕላማታት ከተግብር፡ ፔን ኤርትራ ሓያል ስራሕ ይጽበዮ። ከም ዝዀነ ትካል፡ ማሕበር ወይ ምትእኽኻብ ካብ እግሪ ተኽሉ ብደሆታት ከጋጥምዎ ከም ዝኽእሉ ርዱእ’ዩ። ንዘጋጥምዎ ሕልኽላኻት ክሰግሮም ዘኽእል ብቕዓት የብሉን ኣይብልን። ከንቀሳቕሱዎ ዝተመዘዙ፡ ብደረጃ ትምህርቲ ይኹን ተመኩሮ ቀለልቲ ኣይኰኑን። መብዛሕተኦም ኣብ ሞያታት ጽሑፍ፡ ጋዜጠኝነት፡ ስነ-ጥበብ፡ መጽናዕትን ምርምርን ምስኡ ኣብ ዝተኣሳሰር ሞያታትን ዝነጥፉ ኰይኖም፡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ብውልቅን እኩብን ካብ ነዊሕ ክዓዪሉ ዝጸንሑ’ዮም። ኣብ ቅዋም ሰፊሩ ንዘሎ ዕላማታት ክዉን ንምግባሩ እምበኣር ስንፍና ከይህልዎም ኣየጠራጥርን። ይኹን’ምበር፡ ፔን ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ዘርኣዮ ምንቅስቓስ ዘይምህላዉ ዘተሓሳስብ’ዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣመሰራርታኡን ኣባልነቱ ኣብ ፔን ኢንተርናሽናልን ብወግዒ’ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ።
ካብ 17 ክሳብ 22 ሕዳር 2014 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ምርጫ፡
- ግርማይ ነጋሽ
- ደሳለ በረኸት
- መብራህቱ ተኽለጽዮን
- ሃይለ ቢዘን
- ዮናስ ወልደሩፋኤል
- ኣብራሃም ተስፋልኡል
- ሳልሕ ዑመር ኑር
- ኢዮብ ጊላዝጊ
- ኣማል ዓሊ
- ተስፋለም ሃብተ
- ቴድሮስ ኣብራሃም
ኣባላት ቦርድ ፔን ኤርትራ ኰይኖም ተመሪጾም። ብመሰረት ቅዋም ፔን ኤርትራ፡ ዝተመርጹ ኣባላት ቦርድ ውሽጣዊ ምርጫ ብምክያድ፡ ነታ ብኣርባዕተ መሓውር እትቐውም ፈጻሚት ቤት ምኽሪ ፔን ኤርትራ ንስራሕ ድልውቲ ክትከውን ይእዝዝ። ብወገነይ፡ ንስራሕ ድልውቲ ዶ ትህሉ ወይስ ገና ደሃያ የብለይ። ቅድሚ ወርሒ መስከረም 2014 ንዝነበረ ንጥፈታቱ ገዲፍና፡ ፔን ኤርትራ ብወግዒ ካብ ዝምስረት ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ድማ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ደፊኑ ኣሎ። ኣነ ዲየ ርሒቐ ዘለኹ ወይሲ ፔን ኤርትራ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ጽሑፈይ ውን ኣካል ናይቲ ንክቐርብ ዝገብሮ ዘለኹ ጻዕሪ ከይኰነ ኣይተርፍን። ሓደ ካብ ዕላማታት ናይዚ ትካል፡ ማዕረ ሓበሬታ ንኹሉ ክሳብ ዝዀነ፡ ብዋሕዚ ሓበሬታ ንኹሉ ክምግብ ዘለዎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ኣሰራርሓኡ፡ ኣሳታፍን ብግሉጽነት ዝልለን ክኸውን እብህግ። ዘይከም ኩሎም ትካላት ወይ ማሕበራት፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ብኣንጻሩ ውን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝመላለስ ዋሕዚ ሓበሬታ ክህልዎ’የ ዝጠልብ። ግሉጹነትን ኣሳታፍን ንዝብሉ ኣምራት ኣሰራርሓ ድማ ሕላገቱ ንክዀኑ ዝያዳ ከስምረሎም እደሊ።
ሓደ ካብቲ ኣብ ፔን ኤርትራ ክውገድ ዘለዎ ኣናብር ወረቐት ናይ ዘይምዃን ባህሪ’ዩ። ብመለክዒ ግዜ ክረአ እንከሎ ሓጺር ኣይኰነን። ክሳብ ሕጂ እንታይ ተጌሩ? ብደሆታቱን ብልጫታትቱን ምስ ሓፈሻዊ ኣባላቱ ክመያየጠሎም ግሉጽ መድረኽ ዝጽበዮ ዘሎ ኰይኑ ይስመዓኒ። ንኣባላቱ ድማ፡ ምስ ቅዋሙ ዓሚቕ ሌላ ክህልወና፡ ኣበይ ኣሎን ከመይ ኣሎን ክንሓትትን ክንከታተልን’የ ዘዘኻኽር። እዚ ምስ ዘይከኣል፡ ፔን ኤርትራ ካብቶም ዝውቀሱ ትካላት፡ ማሕበራት ወይ ምትእኽኻባት ከምልጥ ዘይክእል ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኣመሰራርታኡን ኣቃውማኡን ክሳብ ሕጂ ክላለየሉ ዘይከኣለ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ወግዓዊ መርበብ ይኹን ገጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምንታይ ዘይሃንደሰ? ክሳብ መኣስ’ዩ ኣብ ዝባን ውልቀ ሰባት ክሕዘል? ንውልቃዊ ዝናን ዕላማታትን ከይጭወ ውን ስክፍታ ዝፈጥር’ዩ። ካብዚ ስክፍታ ንምግልጋል ድማ ካብ እግሪ ተኽሉ ኰስኳስ ከም ዘድልዮ ለበዋ ኣየድልዮን። ህሉው ኩነታቱ ክፈልጥ እናተጸበኹ ንሎሚ ኣብዚ ክዛዝም።
12/03/2015
1 Comment
ምናልባት’ዶ ግርማይ ነጋሽ ናብ ጡረታ ክሳብ ዝወጽእ ትጽበ ትህሉ!?